2ይ ሓድሽ ሓበሬታ ንእዋናዊ ሃለዋት ኤርትራ።

ዕለት 23 ሕዳር 2015 ዓ.ም

እዚ ስዒቡ ዝቐርብ ንእዋናዊ ሃለዋት ኤርትራ ዝገልጽ ሓበሬታ ሎሚ ምሸት ዕለት 23 ሕዳር 2015 ዓ.ም ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተላእኸ ኮይኑ፣ ንመላእ ኣብ ግዳም ዝነብር ህዝብና ጽገምናን ንሓልፎ ዘለና ሕልፈትን ሓደራ! ኣብጽሓልናን ናብ ኩሉ ኣቃልሓልናን ብዝብል ተሪር ምሕጽንታ ዝተሰነየ ኣብ ርእሲ ምምባሩ ንትሕዝትኡ ዝምልከት ድማ፣ ከም ዘለዎ ፍጹም ምቅይያር ዘየተገብረሉ ሓበሬታ ምኻኑ እናገለጽኩ ሰናይ ንባብ እምነየልኩም፣-

ኣብዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ  ብሕቡእ ካብ ኣራዊት ዘይፍለዩ እሙናትን ሰብ ሓለፋን ዝኾኑ ወተሃደራት መልሚሉ ኣብ ከባቢ ዶባት ኣዋፊሩዎም ከም ዘሎ ይፍለጥ። እቲ ዝገርም እዞም ዝተጠቕሱ፣ ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዶባት ክሕልዉዎም ተባሂሎም ዝተኣዘዙ ሰባት ነበርቲ እቲ ከባቢ ድዮም፣ ወይስ ንስግረ ዶብ ክኸዱ ካብ ዶባት ዝሓዙዎም ዝፍለጥ ነገር እኳ እንተዘየለ፣ ግን ክኣ ነቶም ዝሓዙዎም ሰባት: ካብ ህዝቢ ዝሰምዖምን ዝርእዮምን ኣከባቢ ከይርሓቑ ብኣባትርን ካልእ ጎማ ዝመስል መሳርሒ መግረፍትን ብዘስካሕክሕ ጭካነ ይጭፍጭፍዎም ኣለዉ። እዚ ኽኣ ብፍላጥ ንሰብ ንምስካሕ ተባሂሉ ዝግበር ዘሎ ጭካነ’ዩ ዝመስል። እዞም ከምቲ ብጊዜ ደርግ "ቅልብ" ተባሂሎም ዝጽውዑ ዝነበሩ ሰብ ፍሉይ ሓለፋ እሙናትን ጨካናትን ወትሃደራት ስርዓት ደርግ ካብኦም ዘይፍለዩ “ቅልብ” ወተሃደራት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኮይኖም ፍጹም ርህራሄ ትበሃል ነገር የብሎምን። እዞም ዝተጠቕሱ ኣረሜናውያን ኣብ ኩሉ’ቲ ዶባት ኤርትራን  ኢትዮጵያን ሓሓሊፎም መዓስከራት እኳ እንተለዎም፣ ነቲ ሕሱም ተግባራቶም ዘርእዩሉ መድረኻት’ውን ዘይሰኣኑ እንክንሶም ሕሉፍ ሓሊፎም ነቲ ብሕቡእ ኣብ በረኻታትን ዶባትን ዝፍጽምዎ እከይ ተግባራቶም  ብቓልዕን  ብርእዮን ኣብ ዝተፈላለያ ዓድታት ከተግብርዎ ጀሚሮም ከም ዘለዉ እዚ ዝስዕብ ኣብነት ቅጥቀስ ይክኣል፣- እዚ ኽኣ ኣብ ሸኻ እያሞ ዝተባህለ ዓዲ: ካብ መንደፈራ ናብ ዓዲ ዃላ ዳርጋ ዝቐረበት ዓዲ: ዝተገብረ ጭቡጥ ናይ ስሓቦ ጉተቶ ፍጻመ ንርአ።

ሎሚ ኣብ ኤርትራ ሕጊ ሰለ ዘየለ: ኩሎም ኣከራኸርቲ ነገራት ብሰሓቦ ጉተቶ እናተባህሉ እዮም ዝፍትሑ ዘለዉ። ምኽኒያቱ  ህዝቢ ኣብ ዘይብሉ ወርቂ ጸላም (ጉቦ) ስለዝሕተት ኩሎም ጉዳያት ክጉተቱን ናብ ዘይተደለየ ኣንፈት ክምእዘኑን ኢዮም ዝራኣዩ፣ እዚ ክኣ ፍረ ብልሹው ምሕደራ ኮይኑ ህዝቢ ዝሳቐየሉ ዘሎ’ዩ።  ኪኒየው እዚ እቲ ጉዳያት ዝሰሓብ ወይ ዝጉተት ዝመሰሎ ብዓል ስልጣን ንሓዋሩ ዘይተዋጽኦ ኮይና እንተተራኢያቶ ወይ ሕነን ደምን ተስዕብ ትመስሎ ጉዳይ እንተ ኣጓኒፋቶ ጥራይ እዩ: ስብእነቱ ኣብ ሓደጋ ንኸየውደቐ ኣተሃድማ ዕቡያት ጌሩ ንጉዳያት ክፈትሕ ዝርአ። ነዚ ውን እቶም ውሑዳት ድሓንዝብሃሉ ሰበ ስልጣን እዮም ዝፈልጡዎን ዘተግብርዎን። ስለዚ እዚ ኮይኑ እቲ ጉዳይ ኣብ ሸኻ እያሞ ድማ ልክዕ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ኣብ መንጎ ደቂ ዓዲ ብዝተወልዐ ስሓቦ ጉተቶ እቶም ፍሉያት ቅልብ ወትሃደራት ህ.ግ.ደ.ፍ ብለይቲ ነታ ዓዲ ወሪሮም ብምሓዝ ለይቲ ኣይገደፉ ቀትሪ ንንጹሃት ደቂ ዓዲ ዳጒኖም ብምቕጥቃጥ ግደ ኣውያትን ቁዘማን ክገብርዋ ድሕሪ ምቕናዮም፣ ዓዲ ዓቕሊ ኣጽቢባ ነቶም ጨካናት ምሕረት ከርእዩ ኣብ እግሮም ወዲቓ  ክትልምኖም እኳ እንተፈተነት እቲ ዘገርም ግን እቶም ኣረሜናውያን ብንዕቀት: ኣብ ዘይምልከተኩም ከይትኣትዉ ክብሉ ኣፈራሪሖሞም። እቲ ግፍዒ ድማ ከም ዝነበሮ ቀጺሉ። እንተኾነ ግን ዓዲ  ኣይሓመቐትን: ናብቲ ከነስምዖ ንኽእል ኢና ዝብሉዎ ሓላፊ ንኡስ ዞባ  ከይዶም ነቶም ርጉማት ወትሃደራቱ ካብ ዓዶም ከርሕቖም ይጠርዑ’ሞ ኣማሓዳሪ ተዋጽኦ ስለ ዘይመሰለቶ ዕጥይጥይ ድኣ በለ። ግን ክኣ ካብቶም ንጥርዓን ዝመጹ ዓበይቲ ዓዲ "ሓደ ካብ ወዲ ዓዲ በዞም ሰባት እንተ ጠፊኡ ክንረኣአ ኢና" ምስ በሉዎ ግን ፈሪሑ: ነቶም ላዕለዎት ኣዘዝቱ በቲ ዝሰማምዑሉ ቋንቋ ኣእሚኑ ናብ ዓዲ ጣፋት ዝበሃል ቦታ ከም ዝግዕዙ ጌሩ’ሎ። እዚ ክኣ ዳርጋ ኣብ ሓደ ኣከባቢ እዩ።

ይኹን’ምበር እዞም ኣረሜናውያን ወተሃደራት ህ.ግ.ደ.ፍ  ኣመሎም ኣይገደፉን: ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ናብ ሻኻ እያሞ ተመሊሶም ክልተ ንሶም "ገበነኛታት" ዝበሉዎም ሰባት ሒዞም ናብ ዓዲ ጣፋት ይኸዱ’ሞ ከምቲ ዝበሃል: ሓደ ካብቶም "ገበነኛታት" ዝበልዎ ብለይቲ ኣምሊጡዎም ግዲ ኾይኑ: ነታ ዓዲ ምልእቲ ሽንፍላኣ ክግልብጡዋ ውዒሎም። ወዮ "ገበነኛ"  ዝተባህለ ፍጹም ተሳኢኑ። እቶም “ቅልብ” ወትሃደራት ህግደፍ: ገጾም ናብቲ ዘየምለጠ ሰብ መሊሶም  ከም ኣመሎም ካብ ህዝቢ ከይረሓቑ ብኣባትር ክሰሃሉዎ ጀሚሮም፣ እቲ ኣወያት መመሊሱ ብኢሱ ዓድጣፋት ሰሚዓቶ ዘይትፈልጥ መከራ ነጢቡዋ። ደቂ ዓዲ ተኣኻኺቦም “ ኣቱም! ሰባት እንተይ ኢና ንሰምዕን ንርእን ዘለና” ብምባል ንኣንሰቶም ክልምና ልኢኾመን። እዚ ዘግበሮም ክኣ ሰብኣይ ክልምን እንተ ኸይዱ ከም ሽፍታ ሰለ ዝቑጸር’ዩ  ኣንስቲ ክልምና ዝተገብረ። ኣንስቲ "ስለ ነፍሲ": "ስለ ነፍሲ" እናበላ ንኹሎም መላእኽቲ  ጸዊዔን እናበኸያ ነቲ ብጭካነ ዝቕጥቀጥ ዝነበረ ሰብኣይ ክምሕሩዎ እኳ እንተለመና ወዮም ዘይምሕሩ ጨካናት ወተሃደራት ህ.ግ.ደ.ፍ  ግን መጀመርታ ብታህዲድ ክርሕቃ  ኣፈራሪሖመን፣ እንተኾነ ኣንስቲ ምስ ንብዓተን ምንቕ ምባል ምስ ኣበያ ግን ብደናጒላ ድኣ ኣተውወን።

ብድሕሪ’ዚ ዝሰዓብ እቲ ግዳይ ዝኾነ ሰብኣይ ኣውያቱ እናሃሰሰ ድሕሪ ምኻዱ ኣብ መወዳእታኡስ ጠሪሹ ህጣሙ ድኣ ኣጥፊአ። ወዮም “ቅልብ” ወተሃደራት ህ.ግ.ደፍ ክኣ  ነቶም ዝርካቦም ሰብኡት ዓዲ ገፊፎም: ነቲ ግዳይ ዝኾነ ሰብ ተሰኪሞም ናብ ሕክምና ዓዲ ዃላ ከብጽሑዎ ኣዚዞሞም፣ ደቂ ዓድ ጣፋት ነቲ ግዳይ ትንፋስ ኣይረኣዩሉን: ግን ክኣ ትእዛዝ ናይ ዞም ጨካናት ስለ ዝኾነ ግድን ዓዲ ዃላ ከብጽሑዎ ኔሩዎም። ደቂ ዓዲ ጣፋት ብዛዕባ እዚ ብኢድ እዞም ጨካናት ህ.ግ.ደ.ፍ ዝተቐትለ ሓዎም ወዲ ጎዶቦኦም ሰብኣይ ዝፈልጡዎ የብሎምን፣ ይኹን’ምበር መልክዕ አቲ ግዳይን ቀተልቱን ግን ፈጺሞም ከም ዘይርስዕዎ ሕኒን ይብሉ ኣለዉ።

እዚ ኣቐዲመ ካብ ኤርትራ ከም ዝተላእከ ዝሓበርኩኹም ሃለዋት ህዝብናን ኣብ ልዕሊኡ ዝወርድ ዘሎ ግፍዕን በደልን ድሮ ካብ ወሰናስን ዶባት ናብ ሻኻ እያሞ ካብ ሻኻ እያሞ ክኣ ናብ ዓዲ ጣፋት ብሕጂ ኸ ናበይ ኮን ይቕጽል ይኸውን ዝፍለጥ ነገር የለን፣ ኣብኡ ጠጠው ክብል’ዩ ዝብሃል ክኣ ኣይኮነን’ሞ ከምቲ “ጭሕሚ ዓርክኻ ክላጸ ጭሕምኻ ማይ ልኸ” ዝብሃል ናብ ኩልና ከይልሓመ ብኣጋኡ ኣንጻር እዞም ገፋዕትናን ዓመጽትናን ክንልዓል ጊዜ ይጠልበና’ሎ። ምኽኒያቱ መሰል ሓደ ሓውና ብዓል ሻኻ እያሞ ከይተኸብረ መሰል ኩልና ኤርትራውያን ዜጋታት ክኽበረልና ንጽበን ንሓስብን እንተሃሊና “የዋህነት” ይብል ‘ተረኸበ እቲ ዝንዕቀናን ዝረግጸናን ዘሎ ርእሰ ኣጋንንቲ ዕቡድ መራሒ እዞም ጃንዳ የዋህነት ጥራይ ኢዩ።

ኣብ ካልእ እዋን ምስ ካልእ ሓድሽ ሓበሬታ የራኽበና።

ፍትሒ ይንገስ ምልኪ ይፍረስ!

ኢሳያስ ኣስፍሃ ሎንዶን።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...