Senafe Bus Station
 
ስርዓት ህግደፍ፡ ሰንበት 15 መጋቢት ኣብ ከተማ ዓዲ ቐይሕ ብሰንበት ወጋሕታ ዝጀመሮ ምፍራስ ኣባይቲ ክሳብ  ትማል ዕራርቦ ሰኑይ 16 መጋቢት ቀጺሉዎ ከምዝወዓለ ነበርቲ ዓዲ ቐይሕ ኣረጋጊጾም። ነቲ አዕናዊ ወፍሪ ብምቅዋም፡ ቤቱ ንኸይፈርስ ዝተኸላኸለ መሓመድ ኦና ዝተባህለ ነባሪ ዓዲ ቕይሕ ኣቦ ከኣ፡ ሰንበት ወጋሕታ ኣብቲ ተልእኾ ብዝተዋፈሩ ልኡኻት ምልኪ ተኣሲሩ ምስተወስደ፡ ክሳብ ሕጂ ደሃዩ ከምዘይተፈልጠ ዘረድአ እቲ ሓበሬታ፡ ብድሕሪ ማእሰርቲ እቲ ወላዲ፣ መንበሪ ቤቱ  ፈሪሱ፡ ስድራ -ቤቱ  ብዘይ መዕቀልን መጽለልን  ኣብ ግዳም ከምዝተደርበኡ ነበርቲ እታ ከተማ ሓቢሮም።
 
እቲ አብ ከተማ ዓዲ ቐይሕ አባይቲ ዜጋታት ከፍርስ ዝቐነየ ሰራዊት ሎሚ ሰሉስ 17 መጋቢት አጋ ምሸት ኣባይቲ ዜጋታት ከፍርሰሎም ዝቐነየ መሸኒሪ ጸዓዒኑ  ስርሑ ንምቕጻል ናብ ከተማ ሰንዓፈ ከምዝኸ ካብቲ ከባቢ ዝበጸሓና ዜና ይሕብር፡፡ ኣቐዲሙ እቲ ስርዓት አብ ከተማ ሰገነይትን ሰንዓፈን ዝፈርስ አባይቲ ድሮ ቀይሕ ምልክት ተገይርሉ ከምዘሎ ተሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር።
 
ኣብ ዕድመኦም ጨቖቕ ኢሎም ዘጥረዩዎ ፡ ቤትና ዝብሉዎ መጽለልን ዝርካቡ ንብረት ርእዮም ዝሰኣኑ ግዳያት ዓዲ ቐይሕ ሕሉፍ ጭካነ እዚ መላኺ ስርዓት ኣርሚሙዎም ምህላዉ ነቲ ኢሰብኣዊ ተግባር ዝተዓዘቡ ዜጋታት ሓቢሮም። እቲ ብዱዕ ስርዓት ኣብቲ ናይ ሰንበት ወፍሪ ዕንወቱ ኣስታት 30 ኣባይቲ ከምዘፍረሰ ተሓቢሩ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ትማል ሰኑይ እውን ካልእ ሓያሎ ኣባይቲ ከምዝፈረሰ ተረጋጊጹ ኣሎ። 
 
ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከቡ ዜጋታት እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ስዉር ኩናት ዝኣወጀ ምልካዊ ስርዓት ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ንዝፍጽሞ ዘሎ እዱድ ወፍሪ ዕንወት ብምኹናን ነዚ ሃገር ዘባድምን ህዝቢ ዘብርስን ዘሎ እኩይ ስርዓት ድምጽናን ዓቕምናን አሕቢርና ክንገጥሞ ይምሕጸኑ ኣለው።
 
ብዛዕባ ዕንወት ኣባይቲ ዜጋታትና ብዝምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ዝበጽሕና ግዜ ዝርዝራቱ ከነስዕበልኩም ኢና።

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...