ሓጺር ጸብጻብ ብዛዕባ ውሳነ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት

                                                                         

 2 ሓምለ 2016

ኩላህና ክንከታተሎ ክምዝቀነና እዚ ብሙሉእ ኣካላቱ ብደም ንጹሃን ኤርትራውያን ዝተሓጽበን ብገበን ዝጨቀውን ጨካን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ንብዙሓት ንጹሃን ብዘይ ገለ በደል ክቐትል ክኣሰር ኣካላውን ስነኣእምሮኣውን ስቃይ ከውርድ ከምዘይጸነሕን ከምዘየሎን ሎሚ ሕሉፍ ተግባራቱ ክንጸባጸቦ ኣብ ዝጀመርናሉ እዋን ካብ ገበናቱ ክሃድም ዝከኣሎ ዘበለ ፈቲኑ: ግን በትሪ ሓቅስ ትቀጥን እንበር ኣይትስበርን ክምዝበሃል፡ ነቶም ብሕሉፍ ጭካንኡ ግዳያት ዝኾና ሰብ ሓቅን ደለይቲ ፍትሕን ክብድሃናን ክሰዕረናን ኣይክኣለን።

ኣብዘን ዝሓለፈ ሰለስተ ሰሙናት ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት በቲ ኣለኒ ዝብሎን ዝምክሓሉን ናይ ፖለቲካ ክኢላን ኣማኻርን ዝኾነ ኣቶ የማነ ገብረኣብ ኣቢሉ እዩ ነቲ ብመርማሪት ኮምሽን ስብኣዊ መስላት ኤርትራ ብገበን ከሕትቶ ዝኽእል በደላት ብኣካል ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት  ተረኺቡ ክከላኽል ዝቐነየ።

ከም ልሙድ ነቶም ብመርማሪት ኮምሽን ስብኣዊ መስላት ኤርትራ  ብጹጹይ ተጸኒዖምን ተሰኒዶምን ናብ ዝምልከቶ ኣካል ዝተዘርግሑ ሓቅታትን በደላትን ዋላውን እቶም ናይቶም ገበናት ቀጥታዊ ግዳያት ዝኾኑ ንጹሃን ኤርትራውያን መስኪሮምሉ ከብቅዑ እቲ ስርዓት ክኣምነሉ ቍሩብ ኣይነበረን። ከም ውጽኢቱ ድማ ነቲ ብመርማሪት ኮምሽን ዝተዘርግሕ ጸብጻብ ከምዘለዎ ክነጽጎ ጸኒሑ። ኣብ መጨረሽታ ካብ ገለ ግዱሳት ብዝቐረበሎም ማዕዳን ምኽርን ነቲ ክሕሰም ዝጸንሕ ጸብጻብ ከይፈተው ክስሕቡዎ ተገዲዶም።

ብድሕሪዚ እቲ እንኮ ኣብ ዘተ ክቐርብ ዝነበሮ ውሳነ እቲ ብመንግስታት ጅቡቲን ሶማልያን ዝተዳለወ ረቂቅ ውሳነ ብምንባሩ እሱ ብኣባላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት   በዕቱብ ንልዕሊ ክልተ ሰሙን ተዘትዩሉ ብዘይ ገለ ተቓውሞ ብሙሉእ ድምጺ ትማሊ ዕለት 1 ሓምለ 2016 ሓሊፍ፡ ወግዓዊ ውሳነ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ኮይኑ።

ንተዘክሮና ምእንቲ ክሕግዝ መርማሪት ጉጅለ ዘሕለፈቶ ለበዋታትን እዚ ትማሊ ዝሓለፈ ውሳነን ብመሰረቱ ፍልልይ የብሉን። እቲ ብመርማሪት ጉጅለ ከም ለበዋ ዝሓለፈ ክም ዘለዎ ብዘይ ገለ ምምሕያሽ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ተደጊፉ ወግዓዊ ውሳነ ኮይኑ'ውን ተሰኒዱ ኣሎ። ሓደ ካብቲ ዝነበረ  ለበዋታት ናይ ኮምሽን ስብኣዊ መስላት ኤርትራ     ንምርኣይ እንተድኣ ተደልዩ:-

"358 (d)  "Transmit the present report to the General Assembly, the Secretary General and the Security Council for follow-up on its recommendations".

እዚ ብቀጥታ ክትርጎም ከሎ ክምዚ ዝስዕብ እዩ:

"እዚ ብመርማሪት ኮምሽን ዝቐረበ ጸብጻብ፡ ናብ ባይቶ ህቡራት ሃገራት ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክምኡ'ውን  ንቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከመሓላልፍን ነቲ ዝቐረበ ለበዋታት ተግባራዊ ተፈጻምነቱ ዕቱብ ምክትታል ንክግበር ይሓትት"።

እዚ ክምዘለዎ ይትግበር ከምዘሎ ንምርግጋጽ እንተድኣ ተደልዩ ነዚ ኣብ ታሕቲ ተጻሒፍ ዘሎ ትማሊ ብውድብ ሕቡራት  ሃገራት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ዝሓለፈ ወግዓዊ ውሳነ ምውካስ ይኣክል እዩ፦

Resolution: A/HRC/32/L.5/Rev.1: - Requests the General Assembly to submit the report and the oral updates of the commission of inquiry to all relevant organs of the UN for consideration and appropriate action".

ትርጉም፦

"ውድብ ሕቡራት  ሃገራት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት  (ኣብ ጄኔቫ ዝመደበሩ) ንቤት ምኽሪ ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ኣብ ኒውዮርክ ዝመደበሩ) ነቲ ብጽሑፍን ብቃልን ኣብ ባይቶ ሰብ ኣዊ መሰላት ብመርማሪት ኮምሽን ዝቐረበ ጸብጻብ ከምዘለዎ ናብ ኩሎም ኣገደስቲ ኣካላት  ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንከመሓላልፍን፡ እቲ ጸብጻብ ኣድህቦ ክረክብን ግቡእን ተመጣጣንን ስጉምቲ ክወስድ  ይእዝዝ"።

ሓደ ካብተን ሽድሽተ  ኣካላት  ናይ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፡ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ( UN Security Council) እዩ። ስለዝኾነ፡ እዚ ኣካል እዚ፡ ቀንዲ ካብቶም ኣገደስቲ ሓላፍነቱን ዕማማቱን፡ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ምስ ዝፍጸሙ፡ ምክትታልን ርትዓውን ሕጋውን ፍርዲ ክምዝወሃቦም ምግባርን ስለዝኾነ ድማ፡ ኣገዳስነቱ ነዚ ብመርማሪት ኮምሽን ዝተውሃበ ለበዋታት ይኹን፡ ብውድብ ሕቡራት  ሃገራት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ፡ ትማሊ ብወግዒ ዝሓለፈ ውሳነ ኣዝዩ ክጸልዎ ይኽእል እዩ።

እዚ ርዱእ እንዳሃለወ፡ ሓለፍቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍን ተደናገጽቶምን ኣደናጋርን ተቀባልነት ዘይረክብን ሓሶት ኣብ ምዝርጋሕ ይሓልኩ ኣለው።

እቲ ዝጥቀሙሉ ዘለው መደናገሪ ናይ ቋንቋ ጸወታ ካብኣቶም ሓሊፉ ብኻልእ ዘይስማዕን ሚዛን ዘይወሃቦ እኳ እንተኾነ፡ ገለ ግሩሃት ነዚ ረኺብናዮ ዘለና ተስፋ ዝበነነ ከይመስሎም ምእንቲ እቲ ሓቂ ክምዘለዎ ከነቅርበሎም ንፈቱ።

እዚ ጨካን ስርዓት ካብቲ ከምልጠሉ ዝፈተነ ግን ከኣ ዘይተዓወተሉ ገበናትን ተሓታትነትን ከምልጥ ኣይከኣልን።

ኩላህና ባህ ክብለና መታን እዚ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈጸመን ዝፍጸምን ዘሎ ብቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክረእን ውሳነ ክወሃበሉን ከምዝኾነ ብዘየማትእ ደጊምና እናረጋገጽና፡ ነቲ ዕርበት ናይዚ ስርዓት ዝጽበ ዘሎ መላእ ህዝብና ከነበስር ከለና ፍናንን ሓበንን እንዳተሰምዓና እዩ። 

ቀጺልና ክንገልጾ ንደሊ፡ 'ሕጂኸ ናበይ' ዝብል ኣብ ነብሲወክፍና ክህሉ ዝኸእል ሕቶ እዩ። ኣብ ጄኔቫ ዝርከብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ካብኡ ዝድለ ኩሉ ብዘዕግብ ኣገባብ ዛዚሙ ኣሎ። ብተወሳኺ ኣብ ኤርትራ ንዝፍጸሙ ምግሃስ ሰብኣዊ መስላት ብቐጻሊ ንምክትታል ምእንቲ ክኽእል  መዝነት ናይታ ንናይ ኤርትራ ጉዳይ ናይ ሰብኣዊ መስላት ከትከታተል፡ ክትስንድን፡  ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ንክተቅርብ ዝተመዘዘት ሽላ ኬታሩት ንዝቕጽል ሓደ ዓመት ኣናዊሕዎ ኣሎ። ጸብጻባ ነቲ  ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት (ኣብ ጄኔቫ) ንባይቶ ሰብኣዊ መስላትን (ኣብ ኒውዮርክ) ከተቅርብ እያ። ስለዚ እቲ ምክትታል ምግሃስ ሰብ ኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ቀጻሊ እዩ።

ከም ኡ'ውን መርማሪት ኮምሽን ኣብ ወርሒ መስከረም 2016 ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝግበር ናይ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሳልሳይ ኮሚቴ ጸብጻባ ከተቕርብ እያ። እዚ ሽዑ ተቕርቦ ጸብጻብ ብመሰረት እቲ ተታሒዙ ዝጸንሕ መደብ እዩ። ነቲ ናታ ጸብጻብ ዘህብትም ድማ እዚ ትማሊ ሃገራት  ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ጄኔቫ ዝሓለፈ ወግዓዊ ውሳነ ምስ ጸብጻብ መርማሪት ኮምሽን  ሓቢሩ ዝረእይ ክኸውን እዩ።

እዚ ኣካል እዚ ንጸብጻብን ለበዋታትን መርማሪት ኮምሽን ሰሚዑ ብድሕሪኡ በቲ ትማሊ ዝሓለፈ ብይን መሰረት ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ዝተወሰነ ውሳነ ንተፈጻምነቱ ዘትዩን ወሲኑን ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት (Security Council) ክመርሖ እዩ።

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድማ ንዝቐርበሉ ጭቡጥ መርትዖታትን ለበዋታትን ብይናትን ብጹጹይ ኣጽኒዑን ኣብቲ ጉዳይ ሓበራውን ኣወንታውን ውሳነ እንተ ወሲኑ፡ ናብ ኣኽባሪ ሕጊ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ከመርሖ እዩ።

እቲ ኣኽባሪ ሕጊ ብወገኑ ወግዓዊ ክሲ መስሪቱ እቲ ዝቐረበ ክሲ ብዳኛ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ተቐባልነት እንተድኣ ረኺቡ ምርመራ ገበንን ናይ ፍርዲ መስርሕን ብወግዒ ክጅመር እዩ።

ብተወሳኺ ኣብቲ ናይ ትማሊ ውሳነ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጨንፍር ሰብኣዊ መስላት ንሕብረት ኣፍሪቃ፡ ነቲ ብመርማሪት ኮምሽን ሰብኣዊ መስላት ኤርትራ ዝቐረበ ጸብጻብን ለበዋታትን እቲ ዝግባእ ኣቃልቦ ክሕበሉን፡ ብኣሕጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም ተሓጊዙ  ነቶም ኣብ ኤርትራ ገበንን ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ፈጺሞም እዮም ተባሂሎም ብመርማሪት ኮምሽን ተለልዮም ዘለው ገበነኛታት ኣብ ፍርዲ ንምቕራብ ንክሰርሕ ብጽኑዕ ተላብዩ ኣሎ።

እዚ መስርሕ እዚ ክንደይ ጊዜ ይወስድ ዝብል ሕቶ ኣብ ቐጻኪ ምስ ምዕባለን ክይድን ናይዚ ጉዳይ ዝርእ ኮይኑ፡ እዚ ሎሚ ዘለናዮ መድረኽ ግን ናብኡ ንክንበጽሕ ዘኽእለና ባይታ ተፈጢርልና ከምዘሎ ንጹር እዩ። ነቲ ዝተረፈ ከምቲ ዝሓለፈ ብዓወት ክንበጽሖ እግዚ ኣብሄር ክሕግዘና እናተመነና፡ ናብዚ ደረጃ እዚ ክንበጽሕ ዝኸኣልናሉ ቀንዲ ምኽንያታት ሳላ ንሕና ኤርትራውያን ኣብ ጭቡጥ መርትዖታት ዝተመስረተ ዘቕረብናዮ ምስክርነትን ንዕውት ተፈጻምነቱ ክንህቦ ዝጸናሕናን ዘለናን ደገፍን ሓያል ግድልን ብምዃኑ ነዚ ተሪፍ ዘሎ ጊዜውን ካብቲ ዝሓለፈ ንላዕሊ ሓይልናን ስንና ነኺስናን ብሓበንን ተስፋን ክንቕጽሎ ይላቦ።

በዚ ኣጋጣሚ እዚ ብ Reuters ን ካልኦት ናይ ዜና ማእከናት ዝዝርጋሕ ዘሎ ሓቅነትን ኣፍልጦን ዝጎዶሎ ዜና ንብዙሓት ከደናግር ይኸእል እኳ እንተኾነ፡  እዚ ስርዓት እንተስ ኣደናጊሩ እንተስ ብረብሓ ሓባቢሉ ዘይኮነ ክምዝኾነ ጌሮም ከቓንዩሉን ክጽሕፉሉን ዝኸእሉ መጋበርያታት ከምዘይስእን ኣብ ግምት የእቲኹም፡ እዚ ብኣና ዝዝርጋሕ ዘሎ ሓበሬት ሓቀኛ ምንጭን፡ ኣብቲ ቦታ ብቀጥታ ክንሰርሓሉን ክንከታተሎን ኣብ ዝጸናሕናን ይዝርጋሕ ዘሎ ሓበሬታ ብምዃኑ ተረዲእኩም በቲ ካል እ መደናገሪ ሓበሬታታት ናይ ኣስመራ ስርዓትን ኣብ ደገ ዘለው ተሓባበርቱን ሓሳባትኩም ከይከፋፈልን ግጉይ መረዳ እታ ከይትሕዙን ንላወበኩም።

ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!

ውድቀት ነቶም ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ መለኽትን ዓመጽትን ዘይሓላፍነታውያን ጉጅለ!

 

ኤልሳ ጭሩም

ካብ ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ

ዓዲ እንግሊዝ

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...