ብሓሙስ ዕለት 9/2/2012 ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ኣብ ርያድ ሰሚናር ኣካይዱ ። እቲ ደቂተባዕትዮን , ደቀስትዮን, መንእሰያትን ኣባላት ሰልፊ ዝተሳተፍዎ ሰሚናር  ፡ ህሉው ሃገራዊ ፖለቲካዊ  ኩነታትን  ጽልዋኡን ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ዝብልን ፡ ጽልዋ ነጸብራቕ ዓወት ሃገራዊ ጉባኤን  ኣብ ውሽጢ ሰልፊን ፡ዝብሉ ክልተ ኣርእስቲታት ዝሓዘ አዩ ነይሩ።
ኣብ መጀመርያ ናይ’ቲ መደብ ፡ ቃል መኽፈቲ ስነሰርዓት ብኣቦ መንበር ጨንፈር ርያድ ቀሪቡ ፡ ንሱ ኣብ መደረኡ ንተሳተፍቲ ሰሚናር አንካዕ ደሓን መጻእኩም ድሕሪ ምባል ነቲ ዝተጻወትዎን ዝጻወትዎ ዘለዉን ተራ ንኢዱ ፡ ኣስዒቡ ውን ንኣቦመንበር ሰልፊን  ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለን ነዚ ሰሚናር’ዚ ብምድላዎም ድሕሪ ምሙጋስ ፡ አቲ ሰሚናር ፍርያምነት ዘለዎ ንክኽወን  ዘለዎ ትምኒት ገሊጹ።
ቀጺሉ ኣቦመንበር ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ኣቶ ኑር አድሪስ ፡ ብዛዕባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ በጺሕዎ ዘሎ መድረኽ  ክገልጽ አንከሎ ፡ ሃገራዊ ባይቶ በዚ ዝገብሮ ዘሎ ናይ ህላዌ ምርግጋጽ መስርሕ ፡ ዓለምለኻዊ ተፈላጥነት ክረክብ ከምዝኾነን  መደባቱ ናይ ምሕንጻጽ መስርሕ ዛዚሙ ፡ ኣብ ተግባር ከውዕሎም ተበጊሱ ከምዘሎን ሓቢሩ። አቲ  ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ተወሲኑ ዘሎ አገዳ ውን ፡ ንህግደፍ ኣዝዩ ከዳኽሞ ዝኽእል እካ እንተኾነ፡ ናይ ምእላዩ ሕቶ ግን ንህዝቢ ኤርትራ ዝምልከት ምኻኑ ገሊጹ። ሃገራዊ ባይቶ ኩሎም ክፋላት ሕብረተሰብ ኤርትራ ብምሕቃፉ ሕጋውነት ክለብስ ክኢሉ እዩ ዝበለ ኣቶ አድሪስ ፡ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ኣብ ምዕዋት ሃገራዊ ጉባኤ ዓቢ ግደ ከምዝነበሮ ኣረጋጊጹ። ኣባላት ሰልፊ ናህዳ ውን ነፍሲወከፎም እምነኩርናዕ ሰልፊ ከም ምኻኖም መጠን ማዕረ ማዕረ እቲ ዝጽበዮም ዘሎ ሓላፍነት ብምኻን ስርዓት ህግደፍ ኣብ ምእላይን ፡ ሕጋዊ ሰላማዊን ደሞክራስያዊን መንግስቲ ኣብ ምትካልን አጃሞም ከበርክቱ  ኣተሓሳሲቡ ። ንህዝቢ ኤርትራ ኣመልኪቱ ውን ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነቶም ሕማቑ ዝትምነዩ ሓድሕዱ ክፈላልይዎን ከናቑትዎን ከይደቀሱ ዝሓድሩ ኣረሜናውያን  ሓለፍቲ ህግደፍ ዕድል ክህብ ከምዘይኮነ ሓቢሩ። ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝነብር ህዝብና ውን ብኤምባሲ ህግደፍ እናተገፍዔን አናተፈራረሔን እንከሎ ኣብ ጎኒ ኣሕዋቱ ኮይኑ ንስርዓት ህግደፍ ክቓወም ብምብቅዑ ሞጉሱ።
ብምቕጻል ሓላፊ ክፍሊ ዜና ኣቶ መሓመድ ሳልሕ ፡ ኣካይዳ ሰልፊ ኣመልኪቱ ፡ ሰልፊ ናህዳ ዓንዲ ሕቖኡ ደልዲሉ በቲ ዝድለይ መንገዲ ክቕጽል አንተደኣ ኮይኑ፡ ብርኩትን ብቑዕን ዓቕሚ ሰብ ክውንን ግድን ኣብ ርእሲ ምኻኑ አዋኑ ዝጠልቦ ቅድመኹነት ውን አዩ ኢሉ።  ዝመጽእ ዘሎ መድረኽ ዝያዳ ተወፋይነትን ተባላሓትነትን ዝሓትት ክንዲዝኾነ ፡ ሰልፊ ናህዳ ዓቕሚ ኣባላቱ ክብ ንምባል ንጹር እስትራቴጂ ሓንጺጹ  ይብገስ ምህላዉ ንተሳተፍቲ ሰሚናር ብምሕባር ፡ ንባዕሉ አዚ ሰሚናር ውን ክፋል ናይቲ ተሓንጺጹ ዘሎ መደባት ምኻኑ ገሊጹ።
ስዒቡ ሓላፊ ክፍሊ ፋይናንስ ፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ፡ ኣብ ሞንጎ ኤርትራውያን  ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ዕድላት ከፊቱ ስለዘሎ  ነፍሲወከፍ ኣባል መደባት ሃገራዊ ባይቶ ንምዕዋት ኣብርቲዑ ክሰርሕ ከምዝግባእ ኣዘኻኺሩ። ንውሽጣዊ ስርዒት ኣመልኪቱ ውን ፡ ከምቲ ብርኩትን ብቑዕን ዓቕሚ ሰብ ምህላው ንዓወትካ ዝጸልዎ ፡ አኹል ገንዘባዊ ምወላ ምህላው ውን ኩሉ መደባትካ ኣብ ግዜኡን በቲ ዝድለ ኣገባብን ንኽፍጸም ሓጋዚ ክንዲዝኾነ ፡ ኩሎም ኣባላት ኣታዊታት ሰልፊ ንምድንፋዕ ዝከኣሎም ዘበለ ክገብሩ ተላብዩ። ኣስዒቡ ካልኣይ ሰልፋዊ ጉባኤ ተቓሪቡ ብምህላዉ ብምትሕስሳብ ፡ አቲ ዝግበር ሰልፋዊ ጉባኤ ናብ ሓዲሽ ብዓይነቱን ክብደት ሓላፍነቱን ፍሉይ ዝኾነ መድረኽ ዘሰጋግር ስለዝኾነ ኩሎም ኣባላት ነብሰ-ምድላው ክገብሩ ሓቢሩ።
ኣብ መወዳእታ ናይ’ቲ ሰሚናር ክቡር ኣቦመንበር ሰልፊ ናህዳ ካብ ተሳተፍቲ ሰሚናር ንዝቐረቡ ሕቶታት ምላሽ ድሕሪ ምሃብ፡ ንተሳተፍቲ መንእሰያት “ እቲ መጻኢ ናትኩም እዩ ፡ ሰልፊና ውን ድሕሪ ረቢ ኣባኹም እዩ ዝሙርኮስ” ክብል ሓላፍነት ኣሰከሞም።
እቲ ሰሚናር ብ ኣቦመንበር ሰልፊ ኣቶ ኑር እድሪስን ፡ ሓላፊ ክፍሊ ዜና ኣቶ መሓመድ ሳልሕን ፡ ሓላፊ ክፍሊ ፋይናንስን አዩ ተመርሑ።

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ/ ክፍሊ ዜና


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...