ካብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝተኣኻኸቡ ኣብ ዝተፈላለየ ዓዉዲታት ሞያ ዘሎዎም ኤርትራዉያን  ነቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ሓደገኛነቱ እንዳዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ኩሉመዳያዊ ቅልዉላው ኤርትራን ህዝባን፡ ተመኻኺርካን ተማያይጥካን ፍታሕ ንምንዳይ ዝዓለመ ኣኼባ ሎሚ 6 መስከረም 2011 ጀሚሩ፡፡
 
እዚ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ህብረተ-ሰብ ሞያውያን ሃገራውያን ዝሳተፍዎ ዘሎዉ ኣኼባ፡ ካብ ኣሜሪካ፡ካናዳ፡ ኤዉሮጳ፡ ኣዉስትራሊያ፡ ኣፍሪቃን (ደቡብ ኣፍሪቃ፡ኢትዮጵያ ሱዳን) ኤስያን ብዝመጹ ምያዉያን ሃገራዉያን ካብ ሰዓታት ንግሆ ጂሚሩ ክካየድ ዉዒሉ። ኣብዚ ናይ ሎሚ መዓልቲ ኣኼባ ቅድሚ ኣብቶም ንምይይጥ ዝቐረቡ ዛዕባ ምእታው፡ ኣኼበኛታት ካብ መንጎኦም ኣኼባ ዝመርሑ ንወ/ሮ ምሕረት ገብረኢየሱስን ዶ/ር መሓመድ ኼር ኣፈኛታት ኣኼባ ኮይኖም ዘገልግሉ ኸኣ ንጋዜጠኛታት ዓብደረዛቕ ከራርን መሓሪ ኣብራሃምን ኣኼባ መሪጽዎም።
ብድሕሪ እዚ ኣኼባ ሞያዉያን ኤርትራዉያን ኣብዚ ናይ ሎሚ ዉዕልኡ ዘገልግል፡ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኣጋጢምዎ ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ቅልዉላዉን፡ ናብዚ ዘብጽሐ መሰረታዊ ጠንቅታትን ንዝብል ዛዕባ ካብ ተኻፈልቲ ተወሳኺ ሓሳባትን ነጥብታትን ድሕሪ ምዉሳኽ ናይ ሎሚ መዛረቢ ዛዕባ ኮይኑ ቀሪቡ፡፡ 
 
እዚ ብወ/ሮ ምሕረት ገብረየሱስ ዶ/ር መሓመድ ኼር እንዳተመርሐ ዝተኻየደ ኣኼባ ንተራን መርገጺን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መስርሕ ደሞክራሲያዊ ቃልሲ ኤርትራዉያንን፡ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ዠበርክትዎ ዘሎዉ ደገፍን ሓገዝን ስለምንታይ? ንምንታይ? ኤርትራዉያን ኣብ ሃገርና ሰላምን ደሞክራስን ንምምጻእ ኣብ ነካይዶ ዘሎና ቃልሲ ተራ ኢትዮጵያ እንታይ ጸኒሑ? ንመጻኢ ኸ? ኢትዮጵያዉያን ካብ ኤርትራ ዝደልይዎ እንታይ እዩ? ዝብሉን ካልኦት ሕቶታት ንምብራህን ንምንጻርን ተባሂሉ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብምዉካል ሚኒስተር በረኸት ስምኦን ኣብቲ ኣኼባ ተረኺቡ ስፊሕ መብርሂ ይህብ ኣሎ፡፡  
 
እዞም ካብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ተኣኪቦም ዝመያየጡ ዘሎዉ ሞያውያን ኤርትራዉያን፡ ንጠንቂ መሰረታዊ ጸገም ኤርትራን ህዝባን ኮይኑ ንዘሎ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝምልከት፡ ካብ ጭቡጥ መበገሲ ዝነቐለ ፍልጠታዊን ታሪኻዉን ጭብጥታት ብምሙርኳስ፡ ብኹሉ ሸነኹ ፈቲሹ ዝተንተነ መዛረቢ ዛዕባ፡ ኣኼበኛታት ነጻን ኣሳታፊን ብዝኾነ ኣገባብ ክካትዑን ክመያየጡን ድሕሪ ምዉዓል ኣኼባ ኣማስይኡ ናይ ሎሚ ስርሑ ዛዚሙ።      
 
እዚ 62 ሞያዉያን ኤርትራዉያን 15 ድማ ካብ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ዉድባት ኤርትራ ተወኪሎም ዝሳተፍዎ ዘሎዉ ኣኼባ ጽባሕ ረቡዕ እዉን ብጉጅለታት ተመቓቒሉ ናይ ምይይጥ ስርሑ ክቕጽል እዩ።

ሽማግለ ዜና 
6 መስከረም 2011
ኣዲስ ኣበባ 

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...