ብቀዳምነት ፖሎቲካዊ ሽማግለ ህዝብና ኣብቲ ፖሎቲካዊ ሰነዳት ዘርኣዮ ዓቢ ተገዳስነትን ምትሕብባርን የመስግን። ብ29/06/2011 ፖሎቲካዊ ሰነዳት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ንምውራድ ዝምልከት ዝተዘርግሐ ምልክታ ብምዝኽኻር፡ ጥቕሙ ንምዕማቕ ነዚ ዝስዕብ ከነረጋግጽ ንፈቱ።

1. ቅድሚ ዝኾነ ሰነድ ምዝርግሑ ኣፈጻጽማ ጽማቕ በብሓደ ክዝራጋሕ’ዩ። ንሱ ከኣ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ  ሰነድ ሓፈሻዊ ኣንፈቱ ንምንጻርን ሓጺር ስእሊ ንምሃብን ዝሕግዝ’ዩ።

2. ኩሉ ሰነዳት ኣብ ዕላዊ መርበብ ሓበሬታ ሃገራዊ ኮምሽን www.encdc.com ብቀዳምነት ብክልቲኡ ዕላዊ ቋንቋታት ክዝርጋሕ ምዃኑ ብድሕሪ ምርግጋጽ፡ ብድሕሪኡ ብቋንቋ እንግሊዘኛ ክስዕብ’ዩ። ትዕዝብቲ ግዱሳት ዜጋታት ዝቕበለሉ ኣድራሻ ኢ-መይል ከኣ እዚ ዝስዕብ (This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.) ምዃኑ ነረጋግጽ።

3. ኣብ መጀመርያ ሰነዳት ፖሎቲካዊ ቻርተርን መሪሕ ሓሳብን ክዝርጋሕ’ዩ።

4. ግዱሳት ዜጋታት ኣብ ሰነዳት ክህልዎም ዝኽእል ትዕዝብቲ ንጽሩን ኣብ ትሕዝቶ ጥራሕ ዝተሞርኮሰን ክኸውን ንምሕጸን።

5. ንትርጉም ዝምልከት ምናልባት ገለ ጌጋታት ምስ ዘጋጥም ሃገራዊ ኮምሽን ንዕኡ ንምእራም ድልውነቱ እናረጋገጸ፡ ብቕዓትን ድልውነትን ዘለዎም ኣሕዋት ምትሕብባሮም ብልቦና ክቕበል ምዃኑ የረጋግጽ።

6. ነፍሲ ወከፍ ሓሳብን ትዕዝብትን ክህብ ዝደሊ ዜጋ፡ ሓሳብ ወትሩ ሓላፍነትን ሓደራን ክሳብ ዝኾነ ብቀጥታ ምእንቲ ርኽብ ንምግባርን ካብ ዓቕምታቱ ንምጥቓምን ምሉእ ስሙን ንጹር ኣድራሽኡን ቁጽሪ ስልኩን  ክጽሕፍ ኣገዳሲ ምዃኑ ንሕብር።

7. ፖሎቲካዊ ሽማግለ ኩሉ ዝመጾ መማረጺ ሓሳባትን ርእይቶታትን ብድሕሪ ምግምጋም፡ ንምምዕባል ንድፊ ሰነዳት ክጥቐመሎም ምዃኑ ይሕብር።

ዓበይቲ ሃገራዊ ጉዳያት ናብ ኣድማዒ ፍታሕ ንምብጻሕ ሓቀኛ ድሌትን ባህግን ምስ ዝህሉ ወትሩ ሓሳብ ንሓሳብ ምስንናቕ  ናብ ብሱል ዓይነታዊ ትሕዝቶ ዘብጽሕን ንሃገራዊ ዕዮ ንቅድሚ ዝደፋእን ጽቡቕ ኣጋጣሚ ምዃኑ ድማ ነረጋግጽ።

ዓወት ንመስርሕ ደሞክራስያዊ ለውጢ!!
ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ!!
ስዕረትን ውድቐትን ንምልካዊ ስርዓት ኤሳይያስ!!
ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና!!

ዓሊ መሓመድ ስዒድ
ኣቦ መንበር ፖሎቲካዊ ሽማግለ
ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ
07/04/2011
www.encdc.com


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...