24 ግንቦት ካብ ዓመት ንዓመት ክንዝኽር ከለና፡ ኣብ ተዘኽሮ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ኣብ መስርሕ ብረታዊ ታገድሎ ዝነበረ ይኹን ወይ ኣብቲ እዋን እቲ ዝተወለደን ድሒሩ ዝሰምዐ ወለዶን ምእዋጅ ነጻነት ኤርትራን ዓመታዊ ምኽባር ጽንብልን የኽብር። ምስቲ ኩሉ ዝሓለፈ ተዘኽሮታቱን ምረቱን ትጽቢታቱን ኤርትራ ሓራ ብድሕሪ ምውጽኣ ብዝተኻእለ መጠን ብቅልጡፍ ኣብ ባህርያዊ ቦትኣ ክትምለስ ይሓልም ነበረ። ኮይኑ ግን ኩሉ ትጽቢታቱ መኪኑ ተሪፉ።

ስርዓት ኢሳያስ እቲ ሓጎስ መሊኡ ከይተዛዘመን ፍሽኽታ ከይተቐርጸን ከሎ ብስንኪ ምኩላፉ፡ ኩሎም እቶም ኤርትራ ሓራ ንምውጻእ ክቡር ሂወቶም፡ ደሞምን ኣዕጽምቶምን ዝኸፈሉ፡ ዝተስውኡ ይኹን ብኣካል ዝተረፉ ብዝተሓተ እቲ ንቡር ትርጉም ክብርን ሞጉስን ተሓረሙ። እቶም ብሂወት ዘለዉ ኣብ ከርተትን ስደትን ክነብሩ ክግደዱ ከለዉ፡ እቶም ድሒሮም ዝተሰውኡ’ውን ብዝወሓደ ሬስኦም ኣብ ኤርትራ ንምቕባር ዝተሓረምሉ ኩነታት ነጊሱ ይርከብ። ብስንኪ’ዚ ልሉይ ሰንሰለታዊ እከይ ተግባር’ዚ ከኣ፡ ካብቶም ሬሳኦም ኣብ ሃገሮም ክቕበር ዝተሓረሙ ስውእ ጅግና ተጋዳላይ ዓብደላ እድሪስ ኣብ መወዳእታ ምዕራፍ ይስራዕ።
       
እቲ ኣብ መድረኽ ሰውራ ዝተወለደ ሓድሽ ወለዶ ኣብቲ መስርሕ ክሳተፍ ዕድሚኡ’ኳ እንተ ዘይፈቐደ፡ ሃገሩ ማዕረ እተን ዝማዕበላ ሃገራት ተሰርዓ ንክርኢ ኣካል ናይቲ ዳግመ ህንጻ ኮይኑ ክወፍርን ብክንድቲ ዓቕምታቱ ዘፍቕዶ ብዝበለጸ ንሃገሩ ከበርክትን ክቱር ባህግታት ነይርዎ።   ኮይኑ ግን እዚ ኩሉ ትጽቢታትን ቅዱስ ባህግታትን’ዚ ብስንኪ እቲ ምልክት እከይን ስቓይን ምሕራምን ዝኾነ ምልካዊ ኢሳያስ ኣፈወርቂ መኺኑ ምትራፉ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንህዝብና ንዳግማይ ግፍዕን ስደትን ኣዳሪግዎ ይርከብ።

እቲ ብደቁን ኩሉ ክብር ዝኾነ ዋጋ ዘበርከተን ህዝቢ ኤርትራ ሃገራዊ ነጻነት ናብዚ ሕጂ ዘሕልፎ ዘሎ መሪር ክውንነት ክቕየር ፍጹም ኣብ ትጽቢቱ ኣይነበረን። ከምኡ’ውን ኩሉ መዳያዊ ጻዕርታቱ ብሕልናን ስብኣዊ ስምዒትን ዘይብሎም ብኢድ ውሑዳት ግፍዕኛታት ክምንዛዕ ኣይተጸበየን። ኤርትራ ካብ ምሕራር ናብ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ክትቕየር፡ ዕድመን ጾታን ብዘይምፍላይ ንደቓ ትሰጉግ ሃገር ክትኸውን ኣይሓለመን። ምክንያቱ ህዝብና ሞያ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ መንግስታዊ ግብረ ሽበራዊ ዝፍጽም ክኸውን ፍጹም ትጽቢት ኣይነበሮን። ስለዝኾነ ኤርትራ ድሕሪ ኩሉ ጽንኩር ኩነታትን ምሕራርን ምልክት ጽንዓትን ብድሆን ክብርን ዝነበረት ንምልክት ራዕድን ዘራጊት ከባብን ተቐይራ ብደረጃ ዓለም’ውን ብሰናይ ምግባር ኣብ ጭራ ክትስራዕ ከላ፡ ብእከይ ተግባራት ከኣ ኣብ ቀዳማይ ተርታ ተሰሊፋ ትርከብ። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ እዋን’ዚ 20 ዓመት ምልካውነትን ገባቲ ምሕደራን ይኣኽል ክብል ይግባእ።

ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ከም ኣብነት ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽንን ደለይቲ ፍትሒ፡ ሓርነት፡ ምርግጋእ፡ ብሰላም ምንባርን ምስራጽ ሰብኣዊ ክብርታትን ብሓባር ኮይኖም ኣብዚ ተኣፋፊ ታሪኻዊ ህሞት’ዚ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ዓዘቕቲ ብልሽው ምሕደራ ስርዓት ኢሳያስ ንምድሓን ብተግባር ከቢድ ጻዕርታትን ቃልስታትን የካይዱ ኣለው። እዚ ሓይልታት’ዚ ኣብ ኤርትራ ፍትሕን ማሕበራዊ ሰላምን ንምርግጋጽ፡ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ ናብ ቁሸቱን ዓዱን ብምምላስ፡ በቲ ዝደልዮ ኣገባብ ንክነብር፡ ቃልስታቶም ዘወሃህድሉ መድረኽ ንሰጋገር ኣለና።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጎኒ እቲ ብኮምሽን ዝምራሕ ዘሎ ትልሚ ደሞክራስያዊ ለውጢ ተሰሊፉ፡ ነቲ ኣብ ህልው ታሪኽ ኤርትራ ንትርጉም ሓርነት፡ ምስራጽ ክብርታት ደሞክራሲን ፖሎቲካዊ ብዙሕነትን፡ ፈላሚ ተበግሶ ነብሰ ምትዕራቕን ዝኾነ መስርሕ ንምድንፋዕ፡ ዝተፈላለየ ዓቕምታቱ ናብ ሓደ መስርዕ ብምጥርናፍ፡ ንኤርትራዊ ዜጋ ንምሕራር ኣገዳሲ መድረኽን ትክክለኛ መባእታዊ ስጉምትን ዝኾነ ሰፊሕ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ክረባረብ ይግባእ።

ኢሳያስ ኣፈወርቅን መጋበርያታቱን እቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ፡ ኣብ ከባቢና ዝነዓዓብ ዘሎ ማዕበል ሰውራታት፡ ንኤርትራ ዝጸሉ ዘይተርፍ ተርእዮ ምዃኑ ክፍልጡ ይግባእ። ምክንያቱ ከኣ እዋን ምልካውያንን ግፍዕኛታትን ናብ ምብቕዑ ገጹ ስለዝኾነ። ስለዚ መላእ ኣብ ውሽጥን ደገ ዝርከቡ ሓይልታት ለውጢ ምስቲ ብከባቢና ዝርአ ዘሎ መርከብ ደሞክራስያዊ ለውጢ ክስጉሙ ይግባእ። ነዚ ክቡር በዓል ነጻነት ምክንያት ብምግባር ከኣ፡ ብፍላይ ከኣ ኣንቱም ሓራ ዝኾንኩም ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ንስቕያት ህዝቢ ንምውጋድ፡ ኣብ ጎኒ ህዝብኩም ክትውግኑ፡ ኣብ መንፈስ ኣሽሓት ዝኾኑ እሱራት፡ ስደተኛታትን ኣብ ባሕርን ምደረ በዳን ግዳይ ሞት ንዝኾኑ ዘለዉ ዜጋታትና ተስፋ ንምምላስ፡ ነቶም ካብ ዕለት ንዕለት ሃገር ክትበርስን ክትዓኑን ዝገብሩ ዘለዉ ግፍዕኛታት ክትከላኸሉ ኣይግባእን። ብኣንጻሩ ካብቲ ኣብ ከባቢና ዝነዓዓብ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞን ንነብሱ ከም ትካል ውልቐ ሰብን ስርዓትን ዘይኮነስ፡ ከም ትካል ሃገርን ህዝብን ብምውሳድ፡ ካብቲ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ሃገራዊ ስራዊት ዝወስዶ ዘሎ ልሉይ መርገጻት ተመክሮ ብምቕሳም፡ ኣብዚ ተኣፋፊ ህሞት’ዚ ታሪኻዊ ሓላፍነትኩም ክትዋጽኡ ይግባእ።

ኦ………ኣብ ውሽጢ ትርከብ ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝለዓለ ሓላፍነት ኣብ ዝባንካ ተጻዒኑ ምህላዉ ብምግንዛብ፡ ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንምውጋድ ዋላ’ኳ ከቢድ ዋጋ ምሕታቱ ዘይተርፍ እንተኾነ፡ ሓርነትካ ንምጭባጥ ግን ካብ ቃልሲ ወጻኢ ካልእ ቅኑዕ መተካእታ ስለ ዘይህሉ፡ ኣብ ጎኒ ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ብምስላፍ ቃልስታትካ ከተበራትዕ ጥራይ ይግባእ። ምክንያቱ ከኣ ምስ ሕሉፍ ጅግንነታዊ ታሪኽካ ብምዝማድ ሓርነት ንምጭባጥ ክቡር ዋጋ ምኽፋል ዝሓትት ምዃኑ ንዓካ ፍጹም ሓድሽ ተመክሮ ክኸውን ኣይኽእልን’ዩ። ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ህዝብና’ውን ብምልኡ ነብሱ ብምውዳብን ኩሉ መዳያዊ ተሳትፍኡ ብምርግጋጽን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሰላማዊ ሰልፍታት ብምክያድ፡ ብዘይስግኣትን ፍርሕን ድምጹ ንኩሉ ፈታዊ ሰላምን ደሞክራስን ዝኾነ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ከብጽሕ ይግባእ። ነዚ ንምውዳብ ከኣ ብቀዳምነት ዝስራዕን ክመርሕ ዝግባእን፡ ከምቲ ኣብ መስርሕ ምሕራር ኤርትራ መንእሰይ ልሉይ ኣብነት ዝነበሮ ሕጂ’ውን ናይዚ እዋን’ዚ መንእሰይ ኤርትራ ብዙሕ ተስፋ ይግበረሉ።

መንእሰይ ኤርትራ ሕጂ’ውን ከምቲ ኣብ ግዜ መስርሕ ሓርነታዊ ቃልሲ ዝነበሮ ብድሆታትን፡ ተወፋይነትን ቆራጽነትን ሕጂ’ውን ብክንድኡ ብምብርካት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ዘሕልፎ ዘሎ ካብ ኢ-ሰብኣዊ ውድዕነት ንምንጋፍ፡ ዓቢ ታሪኻዊ ሓላፍነቱ ክዋጻእ ብርቱዕ ትጽቢት ይንበረሉ።

ኣብ መንጎ ኣህዛብን ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቓን ምርግጋእን ብሰላም ምንባርን ብዘላቒ ንምውሓስ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንመላእ ማሕበረ ሰብ ዓለምን ንኩሎም ደለይቲ ደሞክራስን ሰናይ ክብርታትን ሰብኣውነትን ዝኾኑ ሓይልታት ህዝብና ኣብ ውሽጢ ዘሕልፎ ዘሎ መሪር ስቕያት ግቡእ ቆላሕታ ብምሃብ፡ ኣብ ልዕሊ ምልካዊ ስርዓት ተሪር ተጽዕኖ ብምግባር፡ ንሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ክድግፍ መጸዋዕትኡ የመሓላልፍ።                     
 
ኣብ መደመደምታ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንመላእ  ሓይልታት ደሞክራሲያዊ ለውጢ ካብ ጽቢብ ኣታሓሳስባ ብምስጋር፡  አብዚ እዋን’ዚ ሓልፍነቱ ማዕረ እቲ መድርክ ዛሓቶ ብዶሆታት ክብ ከብልን፡ ኣብ ሞንጉኡ ሕድገታት ክገብረን፡ ታዓጻጽፍነት ክርእን፡ ኩሉ ዓቕምታቱ ጠሚሩ ንምዕዋት ነቲ ትልሚ ሃገራዊ ጉባኤን ደሞክራሲያዊ ለውጥን ውድቀት ዲክታተ ስርዓት ኢሳያስ ንምቅልጣፍን ከውዕሎ ጥራይ ይጽውዕ።


ይኣክል ዕስራ ዓመት ጭቆናን ወጽዓን!
ይኣኽል ዕስራ ዓመት ንዲክታቶርያው ምሕደራ!


ዓወት ንመስርሕ ደሞክራስያዊ ለውጢ!!
ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ!!
ስዕረትን ውድቐትን ንምልካዊ ስርዓት  ስርዓት ኢሳያስ!!
ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና!!


ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ
24 ግንቦት 2011
www.encdc.com

 

 

 

 

 

 

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...