ጋዜጣዊ መግለጺ
ህይወት ብዙሕ ትእውደና እንተኾይና ኩሉ ጽቡቕ ነገር፣
ብጻዕሪ ድኣ ‘ምበር ብኣጋጣሚ ዝመጽእ ኣይኮነን!!!
መርበብ ምትሕግጋዝ መንእሰያት ኤርትራውያን ስዊዘርላንድ

         ኣብ ስዊዘርላንድ ዝመደበሩ መርበብ ምትሕግጋዝ መንእሰያት ኤርትራውያን ስዊዘርላንድ፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዜጋታትና ፈለማ እግሮም ዝረገጹላ ሃገረ ሱዳን መዓስከር ሸገራብን ካልእን፣ ዘጋጥሞም ዘሎ ዘይምዕሩይ ኣሰራርሓ ቤት ጽሕፈት ተጸዋዒ ስደተኛታት ሱዳን (ኮር)ን ብቐንዱ ከኣ ብሰሪ ሸለልትነትን ሰንኮፍ ኣተሓሕዛ ወኪል ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ተጸዋዒ ጉዳይ ስደተኛታት ውድቡ ሕቡራት ሃገራት ሱዳን ተኸሲቱ ዘሎ ሓላፍ-ዘላፍ ኣተሓሕዛ ጉዳያትን፣ ምብኻን ግዜን፣ እዚ ኣሰራርሓ’ዚ ዝጠንቁ ዘስዓቦ ዓቕሊ ጽበት ኤርትራውያን ዜጋታትና ኣደዳ ናይ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ነጋዶ ሰብ ኮይኖምሉ ኣብ ዘለዉ ህሞት፣ ከም ውጺኢቱ ከኣ፣-
•    ንጎላጉል ምድረ በዳ ሰሃራ ሰጊሮም ናብ ሊብያ ንምእታው ዘሕልፍዎ ዘለዉ ስቓይን ቅብጸት ሞትን ኣብ ሊብያ ምስ ኣተዉ ዘጋጥሞም ዘሎ ድነ ሞት ብፍላይ ምስ’ቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ፖለቲካዊ ህዝባዊ ማዕበል ሊብያ ኣደዳ ሕነ መፍደዪ ብምዃን ህይወቶም መጻወቲ ኾይኑ ንኽበልዑን ክሰትዩን ከም ሰባት ዙረት ዓለም ንኸይርእዩ ቀትርን ጸልማትን ኣብ ዘይፈልዩሉ ናይ ገዛ ሕዩራት ኮይኖምሉ ዘለዉ ወቕትን
•    ብምድረ ግብጺ ሲናይ ኣቢሎም ናብ እስራኤል ኣብ ዘካይድዎ ጉዕዞ ብሸፋቱ ኣሰጋገርቲ ኣብ ሲናይ ተጨውዮም ብዘስካሕክሕ መንገዲ ብተዘዝታ ኤለትሪክ ዝሕርሐሩሉ ዘለዉን ህይወቶም ንምድሓን ናይ 20 ሽሕ ዶላር ክፊሊት ዝሕተትሉ ዘለዉ እዋን፣
•     ኣብ ልዕሊ ዓቕመ ሄዋን ዝበጽሓን ትሕቲ ዕድመን ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራውያን ናይ ምፍጣርካ ዘጽልእ ዓመጽ ግብረ ስጋ ዝፍጸመሉ ዘሎ መድርኽን ነቶም ገንዘብ ክኸፍሉ ዘይከኣሉ ዜጋታትና ክፋል ተሃዋሲ ኣካላቶም ንዘይሕጋዊ ዕዳጋ መሸጣ ዝወርደሉ እዋን፣
ነቲ ኩነታት ብምምዛን ቅጽበታዊ ፍታሕ ናይ’ዚ ሽግር ንምንዳይ ኣብ ድሕነት ሰብኣዊ መሰላት ኣቶኪሩ ካብ ኩለንትናዊ ፍልልይ ፖለቲካን ጸግዒ ሃይማኖትን ጾታን ብሄርን ኣውራጃን ነጻ ዝኾነንን ንኹሉ ህይወት ንምድሓን ዝግደስ ኤርትራውን መሓዙትን ዘሳትፍ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ቀጽሪ ቅርዓት ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ንዕለት 11-03-2011 ብምጽዋዕ ዕውት ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዘካየደ ብምስትብሃል፣

ነቲ ነዚ ሰላማዊ ሰላፊ ንምክያድ ዘጋጥሞ ዝነበረ ዕንቅፋት ናይ ገለ ሸነኻት ግጉይ ኣረዳድኣ ኣብ ዕላማ’ቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝሓዘለ ገምጋማትን ከከም ኣመጻጽኣኡ ብምብዳህ መፈጸምታ ዕማም ሰላማዊ ሰልፊ ንምዕዋት ምስ ኩሎም ዝምልከቶም መሓዙት ኣካላት ኣብ ስዊዘርላንድ ዘለዉ ፖለቲካውያን ሰልፍታትን ዘይመንግስታውያን ማሕበራትን ብፍላይ ኣብ ስዊዘርላንድን ጀርመንን ምስ ዝርከብ ናይ F.D.P. ኣባላት ፓርላማን ምስ ኤርትራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ሲቪካውያን ማሕበራትን ፖለቲካውያን ማሕበራትን ብማዕረ ብምስናይ ንዘንቀዶ ሰላማዊ ሰልፊ ንዝምልከቶም ኣካላት ማለት፣-
-    ንወኪል ላዕላዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት
-    ንሓላፊ ጠሬጴዛ ወኪል ላዕለዋይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ቀርኒ ኣፍሪቃን
ንሓላፊ ወኪል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ብኣካል ቀሪብና፣ ተሳታፊ ሰላማዊ ሰልፊ ብምስክርነቱ ዘንበረሉ ናይ ሓባር ጥርዓን ብኽፉት መንገዲ ብሰለስተ ተወከልቲ ሰላማዊ ሰልፊ ብምብጻሕ ንህልዊ ኩነታት ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ሱዳን፣ ምድረ በዳ ሲናይ ግብጽን ሊብያን ዘሎ ብንጹር ብምብራህን ኤርትራውያን ንዘቕረብዎ ኩለንትናዊ ሓበሬታ ብምርካብን መኸተትምታ ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ ሰለ ዝኾነ ምላሽ ንምርካብ ቅዳሓቱ ዝምልከቶም ኣካልት ክታሞም ኣንቢሮም ክቕበልዎ እንከለዉ ንግብራዊ ምላሽ ውጺኢቱ ኸኣ ኣብ ሓጺር እዋን ብኤለትሮኒካዊ መስመር ክወሃቦ ምዃኑ ተገሊጽሉ ስጡም ናይ ስራሕ ርክብ ብምምስራት ዕማሙ ወዲኡ። በዚ ኣጋጣሚ ነቲ ኣብ ሮማ ዝምቕማጦም ካህን ኣቦ፣ ኣባ ሙሴ ዘርኣይ ዘካይድዎ ዘለዉ ኩልነትናዊ ንጥፈት ድሕነት ኤርትራውያን ንዘለዎ ኣድናቖት ምስጋንኡ እናገለጸ ንኹሎም ነዚ ብዕለት 11-03-2011 ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ዕውት ንምዃን ንዝጸዓቱን ዝሰርሑን ኣብ ስዊዘርላንድ ዘለዉን ካብ ስዊዝ ወጻኢ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ብምምጓስ ኩሎም ኤርትራውያን ንዝሓሸ ፍታሕ ዝሓሸ ጻዕሪ ከካይዱ እናጸዋዕና፣ ህይወት ብዙሕ ትእውደና እንተኾይና ኩሉ ጽቡቕ ነገር፣ ብጻዕሪ ድኣ ‘ምበር ብኣጋጣሚ ዝመጽእ ኣይኮነን!!! ንብል፣


መርበብ ምትሕግጋዝ መንእሰያት ኤርትራውያን ስዊዘርላንድ
ስዊዘርላንድ

13-03-2011
This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...