መጸዋዕታ ንምብዓል 20 ሰነ 2010 አብ ሰሜን ኣሜሪካ
 
ኩልና ከም እንፈልጦ ስውኣትና ወትሩ አብ ዝኽርና ምህላዎም እዩ።

20 ሰነ ነቶም እዛ ሎሚ ሃገረ ኤርትራ እናተባህለት ትጽዋዕ ዘላ  ሃገር እቲ ዝግባኣ ክብርን ስፍራን አብቲ ናይ ዓለማዊ ካርታ ንኽትውንን ግብራዊ ዝገበሩ ንጹሃን ሰማእታት ኤርትራ ብኽብርን ብድምቀትን እንዝክረላ ረዛን ዕለት እያ። ስለዚ ነዛ ክብርቲ ዕለት እዚአ እውን ከምቲ ንመዓልቲ ነጻነት “ይአክል ንውቀ ምልኪ ንበግስ ንልዕልና ሕጊ” አብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ነብዕሎ። ነዚ ናይ ሰማእታትና ዕለት “እቲ ዝተሰዋእኩምሉ መትከል አብ ምትግባር ዝኣተናዮ መብጽዓ አብ መወዳእኡ ከንብጽሖ ኢና” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ብኽብሪ ከነበዕሎ እናዘኻከኸርና፤ አብ ሰሜን ኣመሪካ ኣብዘን ዝሰዕባ ከተማታት ብሓበር ከነብዕሎ ጉቡእ ምድላዋት ጌርና ስለዘለና፣ ኣብቲ ዕለትን ሰዓትን ኩሉኹም ዜጋጋት ክትሳተፉ ትዕደሙ።

 

 

 
ኣብ ከተማ ኦክላንድ ንዓርቢ ዕለት 18 ካብ ሰዓት 6፡00 ድሕሪ ቐትሪ ብEritrean Youth for Change (EYC) ኣብ Lake Merritt (Astro Park) MacArthur Fwy and Grand Ave and Lakeshore Ave, Oakland, CA 94610
 
ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ንቀዳም ዕለት 19 ካብ ሰዓት 6፡30 ድሕሪ ቐትሪ ብ Eritrean Youth Global Movement (EYGM) ኣብ Jefferson Memorial, 900 Ohio Dr. SW, Washington DC 20024
 
ኣብ ላስ ቨጋስ ን ረቡዕ ዕለት 23 ካብ ሰዓት 6፡00 ድሕሪ ቐትሪ ብLas Vegas Civic Society ኣብ Flamingo Park  Flamingo Road and Torrey Pines Dr.
Las Vegas NV 89103
 
ኣብ ዳላስን ከባቢኣን ድማ ብEritrean American Community Center, Dallas Fortworth ክካየድ ስለዝነ ንተወሳኪ ሓበሬታ ነቲ ኮሚኒቲ ማእከል ተወከሱ።
 
ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...