ጋዜጣዊ  መግለጺ
ስሙራት ዜጋታት ንሰብአዊ መሰል አብ ኤርትራ (CUHRE)
ሳንድየጎ
 
ብስሙራት ዜጋታት ንሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ፣ (Citizens United For Human Rights in Eritrea) ዝልለ ሲቪካዊ ማሕበርና ተመስሪቱ ምንቅስቓሱ ካብ ዝጅምር እንሆ ድሮ ካልአይ ዓመቱ አሕሊፉ። ናይ’ዚ ማሕበር አቃውማ ዘይሻራውን  ዘይፖለቲካውን ኮይኑ፣ ንጹር ዕላማኡ ከአ ንሰብአዊ መሰላት ዝጣበቕ ማሕበር ኢዩ። ማሕበርና ኣብ ትሕቲ ጽላልን ሕግን ዓለምለኻዊ ናይ ኤርትራውያን ምትእኽኻብ፡ (Eritrean Global Solidarity – EGS) ተጠርኒፉ ዝንቀሳቐስ ማሕበር’ውን እዩ።

ቀንዲ ንጥፈታቱ ጸረ ህግደፍ ዝግበር ሰላማዊ ሰልፊ ምስታፍ፡ አብ ኤርትራ ንዝግበር ሰብአዊ ግህሰታት ዘቃልዕ ናይ ጽሑፍን ኣቤቱታን ናብ ዝምልከቶ ኣካላት ምቕራብ፣ ዑቕባ ንዝሓተቱ ኤርትራውያን ደገፍ ምሃብ፣ ኣብ ኣኼባ ናይ ዓለምለኻዊ ምትእኽኻብ ኤርትራውያን (EGS) ምስታፍ እንተዘይኾይኑ ፡ ኣብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ኢድ ወይ ጣልቃ ዘእቱ አይኮነን።

ተዋስኦ ሰለስተ ሰብ ኣብ ሳን ዲየጎ

አብ ዝሐለፈ ወርሒ ግንቦት 2010፣ ንዕላማ ማሕበርና ዝጻባእ፣ ንሕግታቱ ከአ ዝግህስ፣ አባላት ማሕበር ውሳኔ ዘየሕለፍሉ፣ ማሕበርናን “ብዛዕባ  ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ሰሚናር አብ ሳን ድየጎ ከአንግድ’ዩ” ዝብል ፣ ንስም ማሕበርና ጉልባብ ተጠቒሙ፣ ኣብ ፈቐዶ ኢንተርነት ተዘርጊሑ ክንበብ ቀንዩ። (host-seminar ተመልከት) ነዚ ዝረአዩ ኣባላት ሽማግለ ማሕበር ኮነ ተራ አባላትን ድማ ንሕና ዘይንፈልጦ ብስም ዋዕላ ዝዛረብ ድኣ ብመን ዝተጻሕፈ ኮን’ዩ ዝብል ሕቶ ስለዘልዓለ ከአ ማሕበርና ብህጹጽ ተአከበ።

ኣብዚ አኼባ’ዚ ነቶም ብኢደ ወነኖም ንስም ማሕበርና ተጠቒሞም ናይ ምእንጋድ ዋዕላ ጽሑፍ ዝዘርግሑ፣ ስለምታይ ከምዚ ጌርኩም ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበሎም፣ ንሕና ደኣ ብጉዳይ ዋዕላ አኼባ ንግበር ዝተባህለ መሲሉና ብጌጋ ተረዲኡና ድሕሪ ምባል ይቕሬታ ኢሎም ንጌጋኦም ተአመኑ። ቀጺሉ ’’ እሞ ዋላ ብጌጋ ይረዳእኩም እምበአር ኣካያዲት ሽማግለ ትኹን አቦ ወንበሩ ዘይፈልጦ ከመይ ጌርኩም ኣብ ኢንተርነት ተውጽኡ ንዝብል ሕቶ ድማ ’’ እወ እዚኣውን ኢደወነናዊት ስጉምትን ካብ ሕጊ ወጻኢትን እያ ይንቀፈላ ብምባል ጸሓፊን ለአኺን አብ ኢንተርነት ወቐሳኡ ተቐበለ።

ኣብዚ ክበርህ ዘለዎ ነገር እንተልዩ፡ ማሕበርና ብዕለት 4 ግንቦት፣ ብጉዳይ መዓልቲ ነጻነት ብኸመይ ነኽብራ ዝብል አኼባ ምስ ገበረ፣ ዋላኳ ዓቕምን ትሕዝቶን እንተዘይብልና ካብ ብጓይላን ዳንኬራን ነብዕላ ነጻነትና እንታይ ረኸባ ዝብል አርእስቲ ኣልዒልና ህዝቢ ዓዲምና ናይ መኣዲ ዘተ ዕለት ንግበራ ዝብል ሐሳብ ወሪዱ ነበረ። ቀንዲ መአከቢና ከአ ጉዳይ ምብዓል ነጻነት’ዩ ዝነበረ። ካብዚ ሓሊፉ ግን ውድባትን ማሕበራትን ምሁራትን ጸዊዕና ዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ሰሚናር ክግበር ንሕና ከንእንግድ ዝብል ፍጹም አጀንዳና አይነበረን።

እቲ መስደመምን መስሓቕ ሰብን ዝኾነ ግና ‘’ብዕለት 22 መጋቢት ኣብ ከተማ ሳን ድየጎ ናይ ምሉእ ደቡባዊ ካሊፎርኒያ ዕዉት ዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ተኻይዱ፣ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዝመጹ ጽሑፎም ብምቕራብ ንደቡባዊ ካሊፎርኒያ እትውክል ናይ ዋዕላ ሽማግለ ቖይማ ‘’ዝብል ንዓይኒ ሰብ ዘንቁር ብናይ ሰለስተ ሰብኣይ ዝተዋደደ ተዋስኦ ቪድዮን ስነ ጽሑፍን ኣብ ኢንተርነት ምርኣይና ብሐቂ ዓጀብ ዘብል ነበረ። (Shmagle ተመልከት) እዚ ንብዓል ርሑቕ ይመስሎ ይኸውን ብፍላይ ንህዝቢ ሳን ድየጎ ግን መስሐቕ’ዩ።

ንብዙሐት ምስ ምንቅስቓስ ማሕበርና ዝደናገጹ ተቐማጦ ሳን ድየጎን ኣባላት ማሕበርን ነዚ ተዋስኦ’ዚ ብምርአይ ብዙሕ ተገረሙ።  ደቡባዊ ካሊፎርኒያ ዝአክል ማዕረ 20 ሽሕ ህዝቢ ዝቕመጦ ክነሱ፣ብናይ 10 ሰባት ናይ ጭሉቕ ምሉቕ አኼባ ንውክሎ ክብሉ ብሐቂ ዘነውር’ምበር ዘሐብን’ውን አይኮነን።

ሲቪካዊ ማሕበርና ብዕለት 30 ግንቦት ህጹጽ አኼባ ናይ አባላቱ ብምዕዳም፣ ነቲ ንስም ማሕበርና ተጠቒሞም ናብ ዓውደ ኢንተርነት ዝለአኹዎ ጽሑፍን፣ ነቲ ንዓና ከይተረፈ ዘጠቓልል ንመላእ ህዝቢ ደቡባዊ ካሊፎርኒያ ዝውክል ሽማግለ ወጺኡ ዝብል ናይ ፈጠራ ተዋስኦን ንምምዛን ህጹጽ አኼባኡ አካይዱ። አብዚ ህጹጽ አኼባ ኩሉ አባል ተጸዊዑ ከብቅዕ፣ እቶም ነዚ ዝገበሩ ሰባት ኣብ ኣኼባ ክመጹ ፍቓደኛታት አይነበሩን። አባላት ማሕበር ተአኪቦም ነቲ ኩነታት ድሕሪ ምምዛን ከአ፣ ብደረጃ ኣቦ ወንበር ሲቪካዊ ማሕበር፣ ነቲ ኩሉ ሐቅታት ዘብርህ ጋዜጣዊ መግለጺ ክዋሃቦ አኼበኛ ውሳኔታቱ አሕለፈ።

ዝኸበርኩም ግዱሳት ኤርትራውያን ንሕና ንስርዓት ህግደፍ ክንቃወሞ ከለና፣ ካብቲ ዘሎ ወድዓዊ ሐቂታት ከይወጻና፣ኣብ ሕግን መምርሕን ናይ ማሕበር ተሞርኲስና ደኣ’ምበር ብናይ ገዛእ ርእስና ድሌትን፣ ሃላሊ ውልቃዊ ስምዒትን ብምሐዝ ንገብሮ ቁም ነገር ከምዘየለን፣ ነቲ ሐቢርካ ብምውህሃድ ዝዕወት ስራሐት’ውን ዓንቃፊ ከም ዝኾነን፣ በዚ ኣጋጣሚ ክሕብር ይፈቱ።
 
ዋላኳ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ናይ ገዛእ ርእሱ ነጻ አተሓሳስባ ክህልዎ መሰሉ እንተኾነ፣ ማሕበርን ህዝብን ዘይወከሉኻ ኢደወነናዊ ውክልና መንዚዕካ፣ ናይ ውልቅኻ ስጉምቲ ምውሳድ፣ ንዓኻን ንሰብአዊ ክብሪኻን ማዕረ ኽንደይ ከምዘቕልለካ ምግማት አገዳሲ ይመስለኒ። ስለዚ እዞም ውልቃዊን ኢደወነናዊን ጽሑፋት ዝዘርግሑ ግለሰባት፣ ንምንታይ ከምኡ ከምዝገበሩ ባዕሎም ዝምልስዎ ጉዳይ’ኳ እንተኾነ፣ እቲ ዝዘርግሕዎ ጽሑፍ ይኹን ዘውጽእዎ ቪድዮ፣ ንስሙራት ዜጋታት ንሰብአዊ መሰል አብ ኤርትራ (CUHRE) ዝፍለጥ ሲቪካዊ ማሕበርና ዝውክል ከምዘይኮነ የፍልጥ።

በዚ አጋጣሚ ንኹሎም ብሽም ሲቪካዊ ማሕበርና ጽሑፍ ተላኢኹሎም አብ ዓምዲታቶም ዘውጽእዎ ዓውደ መርበባት፣ ነዚ ሕጋዊ  ዝኾነ ቅኑዕ መአረምታ ተቐቢሎም ክዝርግሕዎ  ማሕበርና ስሙራት ዜጋታት ንሰብአዊ መሰል አብ ኤርትራ (CUHRE) ብጥብቂ  የማሕጽኖም።

ንሃልክን ንዝናን ዝግበር ተቓውሞ ኣይዕወትን እዩ!!
ሐቂ ኣብ ልዕሊ ሓሶት ክትዕወት እያ!!
 
ገብሪሂወት ወልደሰላሰ (ጎነይ)
ኣቦ ወንበር
ስሙራት ዜጋታት ንሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ሳን ድየጎ  (CUHRE) This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.


 

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...