በዚ አርእስቲ’ዚ አልዒልና ክንጽሕፍ ዘገደደና ቀንዲ ምኽንያት ዉሑዳት ሰባት ከምኡ እውን ወ/ሮ ሰላም ኪዳነን፤ መንገዱ ዝሸርመመ ጉዕዞን መግለጽን ንዝህቡ፤ ነቲ ኣብ መንጎ በርገሳዊ ማኅበራትን ፖለቲካውያን ውድባትን ዘሎ ትርጉምን ዝምድናታትን ፍልልያትን ንዘይበርሃሎምን ብፍላጥ ዘተሓናፍጹን ንምብራህ ዄይኑ፤ ብተደጋጋሚ ተገሊጹን ተጻሒፉን ከም ዝነበረ ከነዘካኽር ንፈቱ።

ኣብዚ እዋንዚ ዂሉ ኤርትራዊ ዜጋ ብቅድመ ኲነት ክፈልጦ ዘለዎ እውን እንሆ።

  • ዂነታት ሕዝብን ሀገርን ከመይ ነይሩን ከመይን ይመስልን አሎ? ከመይከ ክኸውን ነይርዎን? ኢልካ ናይ ምምዛን ንግዱስ ኤርትራዊ ዝምልኸት ሕቶ ይኸውን።
  • ፖለቲካውያን ውድባት ኤርትራኸ ከመይን ብኸመይን ክገጥመኦ ይግባእ?
  • ሕጊ አልቦ ገባቲ ጃንዳኸ ከመይ ኢሉ ኣብ ኾረሻስ ሕዝቢ ተወጢሑ? ብከመይከ ካብ ሕቆ ሕዝቢ ይወርድ ዝብል መሠረታዊ መበገሲ ሀገራዊ ዋዕላ ክኸውን ይግባእ።
  • ወናኒ ኲሉ ዝኾነ ሕዝቢ ኤርትራኸ ከመይ አሎ ከመይኸ ክኸውን ነይርዎ ድሕሪ ነጻነት? ዝብል ሕቶታት ብቀዳምነት ክምለስ ይግባእ።
  • ተራ በርገሳውያን ማኅበራትከ ሎምን ጽባሕን እንታይ ክኸውን አለዎ?

ነዚ ክብ ኢሉ ዘሎ ብግቡእ ተረዲእና እንረክብ ናይ ሓባር ረቛሒ፤ አሎና ኢልና ስለ እንመዝን፤ ሕዝቢ ኤርትራ ባዕሉ ዝውንኖ ፖለቲካውን፤ ቁጠባውን፤ ባህላውን፤ማኅበራውን ዝምድናታቱን ተነፊጉ፤ ኤርትራዊ መንነት አጥፊኡ፤ ካብ ምህናጽ ሀገርን ምትካል ዲሞክራሲያዊ ሥርዓት ኤርትራን በዂሩ፤ ብጸረ-ሕዝብ ዝኾነ ውልቀ ገባቲ ጃንዳ ተዓጊቱን፤ ተሓዪሩን ጅሆ ተታሒዙን ከም ዘሎ ንፈልጥ።

እተን ናይ ፖለቲካ ተቓወምቲ እውን እንተዄና ኣብ ከምዚ መሪር ሕሰም እንምስክረሉ እዋን፤ አብ ክንዲ ሕሰም ሕዝብና ብምርአይ ብዕግበት ንክብሪ ሀገራውነት ዝሓብራ፣ ክሳብ ሕጂ ብሱል ዝኾነ መስርሕ መንነታዊ ሓድነት ዘየጥረያ ጊዜኤን ዘሕልፋ ዘለዋ ኢያተን።

እንታይ ዓይነት ፖለቲካውያን ውድባትን ሰልፍታትከ አለዋና? እዚ ማለት ብንጽል ውድብ ወይ ሰልፊ ንበይና ክትመርሕን ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ክትሃንጽን ክትተክልን ትኽእልዶ? ብሓባርከ ይኽእላዶ? ንዝብል ሕቶ መልሱ እወ ይከአል ኢዩ። ከመይ፤

  1. ናይ ሓባር ናይ ዲፕሎማሲኣያውን ፖልቲካዊ ጐስጓስን
  2. ናይ ሓባር ወተሃደራዊ ምውህሀድ
  3. ናይ ቁጠባዊ ምንጪ ብሓባር፤ ካብቲ መሠረታዊ ክገብራኦ ዘለወን ይኸውን።

ብወገንና  ዘይክአል ጉዳይ የለን፡ ዂሉ ይከአል ኢዩ። እዚ አብ ኤርትራዊ መንነት ንዝተመርኰሰን ዝሕበንን፤ብምንጽጻል ዘይዀነስ ብምክብባርን ብሥኒትን ምትእኽካብን እተማእከለ ኢዩ። እቲ ጸረ ሕዝቢ ዝኾነ ገባቲ ጃንዳ እውን ንኤርትራዊ መንነት ስለዘይኽብርን ዝንዕቕን፤ ዲሞክራሲያዊ ባህርን ጠባይን ዘይውንን ክነሱከ፤ ንኲላትና ሓዩሩንን ጅሆ ሒዙናንዶ የለን ኢዩ? ስለዚ ስለምንታይ እዚ ኲሉ ንዝብል እስከ ብሓባር ንመልሶ።

እዚ ከምዚ ዝበለ ገባቲ ጃንዳ ይኹን እተን አለዋና እንብለን ጽገናዊ ጉዕዞ ዝኽተላን ውድባት፣ ንበርገሳዊ ሕብረተሰብ ከም ነጻ ትካል መሰሉ ክሕልዋሉ ዝኽእላ ዄይኑ አይስመዓናን። እተን አለዋና እንብለን ፍቱዋት ውድባትናን ሰልፍታትናን፣ መብዛሕቲኤን አብ ነንሕድሕደን አብ ጉርሒ ዝጠሓላ ናይ ፖለቲካዊ ዲሞክራሲያዊ ቃልስን ባህርታትን ዝጐደለን፤ ዘይንጹር ሥርዓት ንምትካል ኮለል ክብላን አብ ውድድር ጥራይ ጊዜኤን ዘቓጽላን ዘለዋዶ አይኾናን? በዚ ከአ ሓሳረ መከራ ሕዝቢ ዘናውሕ ዘሎዶ አይኾናን?

ስለዚ ኤርትራዊ መንነት ምጥፋእ ወይ ምጉዳል ናይ አረአእያን አተሓሳስባን ፍልልያት የጥሪ ወይ ይፈጥር። እቲ ዘሎ ኲነታት ፖለቲካውን ኃይልታት ኤርትራ ከምዚ ካብ ኾነ፤ ብወገንና ንዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ንዝተኽሉ ባእታታት ዕጹው ዄይኑ ኢዩ ዝረአየና ዘሎ።

እዚ ይኹን ድአ እምበር ዲሞክራሲያውያን ባእታታትን በርገሳዊ ማኅበረ ሰብን ዝመረረን፤ ተዓጻጻፍን ዝተደራረበ ሓርነታዊ ዲሞክራሲያዊ ቃልሲ ይጽበዮም አሎን፤ ዝብል አምር ከነስምረሉ ንደሊ። እዚ ማለት ድማ መሠረታዊ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ንምምጻእ፤ ኃያልነትን ዋንነትን ሕዝቢ አረጋጊጽካ፤ ሓባራዊት (ሕዝባዊት) ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ምህናጽን ምትካልን ኢዩ ዝኸውን ዘሎ። እዚ ድማ ብምሉእ ተሳታፍነት ናይ በርገሳውያን ማኅበራት ግደን ተራን ክኸውን ከም ዘለዎ ዝፍለጥ። ስለዚ መንነት ዓቢ ግደ ንለውጥን ንምዕባሌን ሕዝብን ሀገርን ኤርትራ ኢዩ። ብሓጺሩ ከነመሓላልፎ  ዝድለ ዘሎ፤ በርገሳውያን ማኅበራት፤ አካል ናይ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካውያን ማለት ናይ ውድባትን ሰልፍታትን መንግሥትን መሳርሕን ጨናፍርን ዘይኮነስ፣ ግህሰታት ሰብአዊ መሰላትን ሕዝብን ሀገርን ዓቕሙ ብዝፈቅዶን ዝኽእሎን ኣውያት ኤርትራን ሕዝባን ኣብ ቅርዓት አደባባያት ዓለም ወጺኡ ዘስምዕን ዘቓልሕን ኢዩ። በገሳውያን ማሕበራት አካል ናይቲ ሕብረተሰብ ኤርትራ ስለ ዝዀና፤ ነታ ትወድቕ ዘላ ኤርትራ ንምድሓን ንዝቃለሱ ሀገራውያን፤ ንረብሓ ሕዝብን ሀገርን ንዘቐድሙ ፖለቲካውያን ምስ ዕላማን ብዝሰማማዕ መንገዲ ሞራላውን ገንዘባውን ደገፍን ንከበርከታ ምሉእ መሰል ዘለወን በርገሳውያን ኤርትራውያን ትካላት ኢየን።

ከም ተሞክሮ ዝኾነና አብ ሰብዓታት ኣብ ኤውሮጳን አመሪካን ዝነበረ ናይ ኤርትራውውያን ዜጋታት ምትእኽካብ ንዘክር። እዚ ምትእኽኻባት’ዚ በቲ ዝነበረ ሀገራዊ ናጽነታዊ ኲነታት ተድፋፊኡን ተመልኺቱን ከም አካል ሕዝቢ ኤርትራ እጃሙ ንከበርኽት ንሕዝቢ ኤርትራ ክድግፍን ናጽነቱ ሓልዩ ዝተመስረተ ናይ ኤርትራውያን ዜጋታት በርገሳዊ ማኅበር ኢዩ ዝነበረ።

ህዝባዊ ግንባር፣ አብ ወጻኢ ማለት አብ ኤውሮጳን አመሪካን ዝነበረ በርገሳዊ ማኅበራት „አካል“ ናይ ውድብ ህዝባዊ ኃይልታት ድአ እምበር ደጋፊ ዝብሃል ወጻእተኛታት ኢዮም ዝኾኑ፤ ንስካትኹም ኤርትራውያን ግን ቀጥታ አባላት ውድብ ኢኹም ብዝብል ናይ ፖለቲካ ሽርሕን ተንኰልን፤ ጥርኑፍ ኮይኑ ንኽሰርሕ ተስፋ ተነቢሩሉ ዝነበረ ኤርትራዊ በርጌሳዊ ማኅበራት ከም ዝፈርስ ገይሮም ኢዮም።

እዚ ብስም „ማኅበረ ኮም“ ተጸዊዑን ሎሚ ብ„መከተ“ ዝፍለጥ ኢዩ። እዚ ናይ ውልቀ ገባቲ ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ. ቁጠባዊ ምንጪ ዄይኑ ይርከብ። አባላት ማኅበረ ኮም “ግቡእካ ግበር መሰልካ አይትሕተት“ ብዝብል መስርሕ ዝኸዱን ሕጊ ዘይፈልጡን ስለዝኾኑ ኣብ ወጻኢ ገቢቶም፣ ኣብ ውሽጢ ንዜጋታት ግዳያት ማእሰርትን ጭውያን ሽርበትን ቅትለትን ጌሮሞም ይርከቡ።

ካብዚ ዘሕዝን ታሪኽ በርጌሳዊ ማኅበረ-ሰብ ኤርትራውያን ኤውሮጳን አመሪካን ማኅበረ-ኮምን ክንምሃር ዝግብአና ክነሱ፤ አብ መበል 21 ክፍለ ዘበን ንናይ ሎሚ በርገሳውያን ከም አካል ውድባት ጌርካ ምቁጻርን ምዝራብን ምጽሓፍን ዝተደራረበ ሓዘን ዄይኑ ንረኽቦ።

በርጌሳውያን ማኅበራት ኤርትራ ብመሠረት ዕግበታዊ ዕላማን፤ መሠረታዊ ፖለቲካዊ ለውጢ ኣብ ልዕሊ ጸረ ገባቲ ጃንዳ ንምምጻእ፤ ነቲ ጅሆ ተታሒዙ ዘሎ ሕዝቢ ኤርትራ ሓራ ንምውጻእ፤ ንድልየታትን ትጽቢታትን ሕዝቢ ጋህዲ ምግባርን ንሰብአዊ መሰላትን ንኽጣበቕን ድአ እምበር፣ አካል ናይ ውድባትን ሰልፍታትን ወይ ናይ ሥልጣን ተቋራቅቈስትን ከም ዘይኰና ንኩሉ ፈታውን ደጋፍን በርገሳዊ ምንቕስቃሳት ደጊምና ንሕብር ።

ብሓጺሩ ክርኤ እንከሎ ጭቆና ንኲሉ ኤርትራዊ ዜጋ ብአልመማ ክርስታያን አስላማይን ካልእን ከይፈለየ ዝገፍዕን ዝጭቑንን ዝግህስን ስለዘሎ፤ ብዘይ ምድንጋር፤ እቲ ዂሉ ኤርትራዊ መንነት ዘረጋገጸ ጥራይ ኢዩ ንጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ. ክብድሆ ዝኽእል። በርጌሳውያን ማኅበራት ይኹና ውድባት ዝተዓጻጸፈ ሥኒታዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ይጽበየን ኣሎ። እዚ ከአ ኢዩ ኤርትራዊ መንነት እነረጋግጸሉ መሥርሕ። እዚ ክብሃል እንከሎ በርጌሳውያን ማኅበራት መትከላዊ ናጽነተን ሓሊየን ንኤርትራዊ መንነት ዘጥረያ ፖለቲካውያን ኃይልታት ክድግፋን (ነቲ ሕዝባዊ ዕላማ ዝጉዕጽጻ ፖለቲካውያን ውድባት) ከአ ክነጽጋን ንሕዝቢ ኤርትራ ክጣበቓሉን መሠረታዊ ግድነት አለወን። እቲ ጽላል ውድባት ዝኾነ ኪዳን ንሕዝቢ እውን እንተኾነ አተአኻኽባኡ ከም ሞደል አወንታዊ ተቘጺሩ፤ ካብቲ ዝነአሰ ጽላላዊ ስምምዕ ክሳብ እቲ ዝዓበየ አታአማማኒ ሥኒታዊ ስምምዕ ምስ ዝበጽሕ ጥራይ ኢዩ አብ ምውዳቕ ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ. ይኹን፤ ኣብ ምትካል ደሞክራስን ምኽባር ሰብአዊ መሰላትን ግድነታዊ ተራን ቃልስን ዘለዎ ማኅበራት እምበር ከምቲ ወ/ሮ ሰላምን አዋፈርታን ዝብልዎን ዝጥቕንዎን አይኾነን። በዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቂሱ ዘሎ መሠረት ነቲ ንክትግበር መዲብዎ ዘሎ ሀገራዊ ዋዕላ ድማ፤ አተአማማኒ ምኾነ ነይሩ እንብሎ።

ስለዚ በርጌሳውያን ማኅበራት ይኹና ውልቀ ዜጋታት ኣብ ልዕሊ ኪዳን ንዝገብራኦ ነቐፌታ ኣብ ቦታኡ ከም ዘሎ መን ኢዩሞ ክርስዖ ዝኽእል? ገለ በርጌሳውያን ማኅበራት አብ ፖለቲካዊ መሥርሕ ንዝገብራኦ ምትእትታዋተን ንክቑጠባ ነቐፌታ ክግበረለን ይግባእ ንብል። ስለዚ አብ ዝኾነ ይኹን እዋን መን ይግበሮ ብዘየገድስ፣ ዝግበር ንሀገራዊ ዝኾነ ዋዕላ ዝኸውን ክድገፍ ጥራይ ኢዩ ዘለዎ። አብ ምትግባር ሀገራዊ ዋዕላ ስክፍታታት ዘለዎም ዜጋታት እንተዀኑ እውን ንምውጋን ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ. ብዘይተጉላባ እጃሞም ክጻወቱ ዕቱብ ምርድዳእ ስለ ዘድሊ ከከም ዝንባሌታቶም ንምሕቋፎም ኤርትራዊ ሀገራዊ ዋዕላ ኃላፍነት አለዎ። እዚ ዝግበር ሀገራዊ ዋዕላ ደቂ አንስትዮን ተቐበልቲ ሕድሪ ሓዲሽ ወለዶን ዝዓብለልዎ ንኽከውን ደጊጊምና ነዘካኽር።

 -- -- ይቕጽል..
ሀገር  ናይ ብዙኃት
ብዙኃት ንሀገር!                         


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...