ግዱሳት ኤርትራውያን ካናዳውያን ኣብ ቶረንቶ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዕቱብ ኣቓልቦ ክረክብ ምስ ኣባላት ባይቶ ካናዳ ፍሉይ ርክባት የካይዱ ኣለዉ
 
ግዱሳት ኤርትራውያን ካናዳውያን ምስ ኣባል ባይቶ ሰልፊ ሊበራል ሚስተር ጀራርድ ከነዲ ብ29 መጋቢት ብምርኻብ ንኩነታት ኤርትራን ኤርትራውያን ስደተኛታትን ዝምልከት ሰፊሕ ዘተ ኣካይዶም።
 
እቶም ግዱሳት ኣብቲ ናይ ኣስታት ክልተ ሰዓት ርክቦም፡ ህዝቢ ኤርትራ ብመላኺ ስርዓት ህግደፍ ይሳቐ ከምዘሎ፣ እታ ሃገር ብዘይ ቅዋም ከምትንቀሳቐስ፣ ባይቶ ንኣስታት 8 ዓመት ተኣኪቡ ከምዘይፈልጥ፣ ብፖለቲካዊ ኣረኣእይኦምን ሃይማኖታዊ እምነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝበልዩ ዜጋታት ብቀጻሊ ይዓቢ ከምዘሎ፣ ጉዳይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ደረት-ኣልቦ ስለዝኾነ ብዙሓት መንእሰያት ንከርፋሕ ናብራ ኣብ ትሕቲ መላኺ ስርዓት ብምቅዋም ናብ ዓዲ ስደት ከምዘምርሑ፣ ኣብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ሊብያ፡ ግብጺ፡ እስራኤል ወዘተ ዘለዉ ስደተኛታት ኩታቶም ሕማቕ ከምዘሎ፣ ብፍላይ ኣብ ሊብያ ዘለዉ ስደተኛታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ናይ ምጥራዝ ዕጫ ይጽበዮም ከምዘሎ ንሚስተር ከነዲ ብዝርዝር ኣብሪሆም።
 
ኣብቲ ኣጋጣሚ ሓንቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሚስራት ሊብያ ዝነበረት፡ ቅድሚ ሓደ ዓመት ናብ ካናዳ ዝመጽአት መንእሰይ ናይ ዓይኒ ምስክርነት ጸብጻብ ኣቕሪባ። ልዕሊ 700 ሰባት ምስኣ ተኣሲሮም ከምዝነበሩ፣ እኹል መግቢ ከምዘይቅረበሎም፡ ናይ ሕክምና ኣገልግሎት ከምዝንፈጎም፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝውለዱ ህጻናት ግቡእ ቆላሕታ ከምዘይረኽቡ፡ ብፍላይ ኣወዳት ብዝለዓለ መንገዲ ከምዝግፍዑን ዝሳቐዩን ተንቲና ኣቕሪባ።
 
እቶም ግዱሳት ንህሉው ኩነታት ኤርትራ፡ ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ከምኡ ውን ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብዚ ዓዲ ምስ መጽኡ ዝግበረሎም ሓገዝ ብኮምኒትን ኣባላት ሕብረተ-ሰብን ብዝርዝር ድሕሪ ምቕራብ ንሚስተር ክነዲ ስለስተ ነጥብታት ከማልኣሎም ሓቲቶም።
1)   ብመጀመርታ ነዚ ጉዳይ ናይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ባይቶ ኣቕሪቡ ክዝትየሉ፣ መንግስቲ ካናዳ ምስ መንግስቲ ሊብያ ብቐጥታ ብምዝርራብ ምጥራዝ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብቕልጡፍ ጠጠው ከምዝብል ምግባር
2)   መንግስቲ ሊብያ ብሕጊ መሰል ስደተኛታት ምኽባር ው.ሕ.ሃ. ክቕየድ፡ ንኤርትራውያን እሱራት ብግቡእ ክሕዝ ጸቕጢ ምግባር
3)   ካናዳ ከም ኣዕቋቢት ሃገር ንጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዕቱብ ጠሚታ ከም ኣብ 90ታት ንናይ ኮሶቮ ስደተኛታት ዘርኣየቶ ርህራሀ፡ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ብጅምላ ናብዚ ክመጽእሉ ዝኽእሉ መንገዲ ምንዳይ....
 
ሚስተር ጀራርድ ከነዲ ነቲ በቶም ግዱሳት ዝቐረበ ጸብጻብ ድሕሪ ምስማዕ ናይ ኤርትራውያን ጉዳይ ናይ ብሓቂ ፍሉይ ኣቓልቦ ከምዝድልዮ ብምጥቃስ ብዝከኣሎ ክተሓበበር ምዃኑ ቅሩብነቱ ገሊጹ። “እቲ ቀንዲ ክንገብሮ ዘለና” ይብል ሚስተር ከንዲ፡ “ግንዛበ ምዕባይ’ዩ። እንታይ ዓይነት ስትራተጂ ክንከተል ኣለና ነዚ ግንዛበ’ዚ ንምዕባይ ምድህሳስ ከድሊ’ዩ” ኢሉ። ከም ካልኣይ ነጥቢ ክርእዮ ዝደሊ ጉዳይ፡ ንኤትራውያን ስደተኛታት ከምቲ ቬትናማውያን ካብ ፊልፕንስ ከም ሓደ ጉጅለ ተጠሚቶም ጉዳዮም ብሓደ መንገዲ ዝተሳለጠ፡ ወይ ከምቲ ቲበታን ካብ ህንዲ ወይ ነፓል ክመጽኡ ከለዉ ጉዳዮም ብጅምላ ዝተራእየ፡ ወይ ውን ከምቲ ናይ ኮሶቮ ብሓባር ዕቑባ ዝረኽብሉ መንገዲ ምንዳይ ምስ ኪእላታት ስደተኛታት ተመያይጡ ርእይትኡ ክህብ ምዃኑ ገሊጹ።
 
እዚ ከምዚ’ሎ ከሎ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ግዱሳት ኤርትራውያን ካናዳውያን ምስ ምክትል ኣቦ-ወንበር ሰልፊ ሓድሽ ዲሞክራሲ ፔጊ ነሽ ተራኺቦም ተመሳሳሊ ርክብ ኣካይዶም። ፔጊ ነሽ ብወገና ነቲ ጉዳይ ልዑል ኣቓልቦ ንክረክብ ብዝከኣላ ክትሰርሕ ምዃና ቃል ኣትያትሎም።
 
ብዘይካ’ዚ እዞም ግዱሳት ናብ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ካናዳ ሎረንስ ካኖንን ሚኒስተር ኢሚግረሽን ካናዳ ከኒ ጀሰንን ብዛዕባ ኣብ ሊብያ ዝሳቐዩ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሰፊሕ ደብዳበ ሊእኾም። እዞም ክልተ ሚኒስተራት ብደብዳበ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ፡ ብጉዳይ ኤርትራውያን ከምዝሓዘኑ፡ ኣብ ዓዶም እንተተመሊሶም ዝኸፍአ ማእሰርትን ግፍዕን ከምዘጋጥሞም ብምውካእ ዝከኣሎም ዘበለ ምትሕብባር ክገብሩ ምዃኖም ገሊጾም።
 
ጉዱሳት ኤርትራውያን ካናዳውያን ግንዛብ ስደተኛታ ኣብ ካናዳ ንምዕባይ ምስ ኣባላት ባይቶ ጀሚሮሞ ዘለዉ ርክባት ቀጻሊ ምዃኑ ይፍለጥ።

 


http://www.meftih.org

 

Meftih Newspaper


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...