ምስጋና ንኹሎም ተሓባበርቲ ዑደት መምህር ተስፉ ዘውደ
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ወርሒ መመላእታ መምህር ተስፉ ዘውደ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝገበሮ ምልዕዓል ህዝቢ ብከቢድ ናይ ገንዘብን ጊዜን ካልእ እንግዶታዊ ምትሕብባርን ንዝገበርኩምልና ሓገዛት ምስጋናና ወሰን የብሉን። ኩልና ኤርትራውያን ካብ ባህልና ፍልይ ብዝበለ ልምዲ፡ ንናይ ቀደምን ሕጅን ቃልስታት “ንግቡእካ ምስጋና ኣየድልዮን ኢዩ” እናተብህለ፡ ግደ ሰባትን፡ ውልቀሰባትን ብምቕባር መኽሰቡ መፍረዪ ሓደሽቲ ገዛእቲ ኢና ተጠቒምናሉ። ከምኡ ንኸይድገም ድማ ንሞያታት ዓበይቲ ኣሕዋትን፡ መንእሰያትን፡ ደቀንስትዮን፡ ሓለፍትን ኣባላትን ሲቪካዊ ማሕበራትን፡ ዋናታት መርበባት ሓበሬታን፡ ግዱሳት ኣባላት ፖለቲካዊ ውድባትን፡ ዝዓዘዘ ምስጋና ይብጸሓዮም።
ካብ ከተማ ሳንድየጎን ከባቢኣን፡ ሎስኣንጀለስ፡ ከተማ ኒው ዮርክ፡ ዋሺንግተን ዲሲን ከባቢኣን፡ ከተማታት ሚንያፕልስን ቅዱስ ጳውሎስን፡ ግራንድራፒድስን፡ ኢንድያናፕልስ ኢንድያናን፡ ክሳብ ኣትላንታን፡ ደንቨርን ንዝተገብረልና ሓገዝ እናኣመስገና፡ ሞያኹም ታሪኻዊ ኣበርክቶ ከም ዘለዎን፡ ንዝለገስኩምልና ርእይቶታትን ለበዋታትን ብምእካብ ከኣ ንህዝብና ኣብ ዘርብሕ ናይ ቃልሲ ሜዳ ከም እነውዕሎን፡ ቃል እናኣቶና ደጊምና አቐንየልና፡ ጻማኹም ተፈደዩ ንብል።
ግዱሳት ኣሰናዳእቲ ዑደት ሕ.መ.ኣ.
ታሕሳስ 9, 2009