ናይ ህግደፍ ወገን ዝወስዳ ባራትን ካልኦት ትካላትከ ብኸመይ ይጥመታ?
ተራ ጨናፍር ተቓወምቲ ውድባት ኣብ ቶሮንቶኸ እንታይ ክኸውን ኔሩዎ?

ኣብ ምሉእ ዓለም ፋሕ ኢሉ ዘሎ ኤርትራዊ ኣብ ኤርትራ መሰል ወዲ-ሰብ ኣኽቢሩ ዝኸይድ መንግስቲ ንኽመጽእ ዓቕሙ ዘፍቅዶ ጻዕርታት እንዳኣካየደ እዩ። ህግደፍ ብወገኑ ነቶም ኣለውኒ ዝብሎም፤ ግን ቁጽሮም እናወሓደ ዝኸይድ ዘሎ፤ ኣገልገልቱ እና ኣዋፈረ ስራሕ ተቓለስቲ ንምምካን ናይ ጻዕረ-ሞት ቃልሱ የካይድ ከምዘሎ’ውን ሕቡእ ኣይኮነን። ካብ ናይ ሕድሕድ ተሞክሮታት ክንመሃር ንኽእል ኢና ኢልና ስለንአምን፤ ብዛዕባ እዚ ዝስዕብ ናይ ንድሕሪት ጠመቲ ተግባራት ኣብ ቶሮንቶ ከነካፍለኩም ንደሊ።

ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ኣዳላዊ ጋዜጣ መፍትሕ (መፍትሕ ኣብ ከተማ ቶሮንቶ እትሕተም ናይግሊ ወርሓዊት ጋዜጣያ) ንናይ ሓደ ዝተፈልጠ ናይ ካናዳ ጋዜጣ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሕትት ብዛዕባ ናብራን ምዕባሌታትን ጸገማትን ኤርትራውያን ኣብ ቶሮንቶ ተሓቲቱ ዝተሰምዖ መልስታት ሂቡ። ዕላማና ነቲ ኣገልገልቲ ህግደፍ ክፈጥርዎ ዝፈተኑ ዋዕዋዕታ ንምቅላዕ ደኣምበር ንዝበሎ ንምድጋፍ ወይ ንምንጻግ ኣይኮነን።

ናይ ሓሳብካ ምግላጽ ነጻነት ማለት ደኣ እንታይ ማለት ድዩ?

ብሓጺሩ ዝመሰለካ ምዝራብን ብጽሑፍ ሓሳብካ ምግላጽን ማለት እዩ። መልሰታት ኣዳላዊ መፍትሕ ግጉይን ዘይቅቡልን ክኸውን ይኽእል፤ ሓቅን ቅቡልን’ውን ክኸውን ይኽእል። ንሱ ብዘየገድስ፤ ሰማዕን ኣንባብን ብወገኑ ዝተባህለን ዝተጻሕፈን ኣትሪሩ ብቓሉን ብጽሑፍን ክነጽግን ክቃወምን እኽእል ኣርሒቡ ክድግፍ’ውን እኽእል። ካብኡ ሓሊፉ ግን መፍትሕ ክዕጾ ኣለዎ፤ ኣብኡ እተውጽእዎ ምልክታታት ሰርዝዎ፤ ኣዳላዊ ጋዜጣ መፍትሕ ንናይ ቶሮንቶ ኤርትራ ሕብረተ-ሰብ ይቕሬታ ክሓትት ኣለዎ ኢልካ ምንዳር ኣንጻር ናይ ምሉእ መሰል ናይ ርእስኻ ምግላጽ ነጻነት እዩ።

ተሸባሸብቲ ህግደፍ ቀዳድ ረኺብና ብምባል ኣዕናዊ ስርሖም ኣብ ምትግባር ይርከቡ። ሕንሕነኦም ንምፍዳይ ንመፍትሕ ንምድኻም ዘይገልበጡዎ እምኒ የለን። መፍትሕ እቲ ኣብውሽቶም ዘሎ ናይ ገንዘብ ምጥፍፋእ ስለ ዘቃላዓቶ ብዘለዎም ሓይሊ ተሃንዲዶም ንምድኻማ ተላዕሉ።  ብመጀመርያ ፐቲሽን ኣዳልዮም ኣብ ፈቐዶ ትካላት እናዞሩ ጋዜጣ መፍትሕ ኣብ ትካልኩም ክትዝርጋሕ ኣይትፍቀዱ ምልክታታትኩም ከኣ ሰርዙ እትብል ሽማግሌኦም ኣዋፈሩ። ቀጺሎም ንኣዳላዊ መፍትሕ እትውግዝ ፐቲሽን ኣዳልዮም ንህዝቢ ከፈርሙ ፈተነታት ኣካየዱ። ነዚ ኣከታቲሉ መራሕ ህግደፍ ኣብ ካናዳ ንወነንቲ ትካላት ስልኪ እናደወለ ምስ መፍትሕ ዘለዎም ናይ ቢዚኔስ ርክቦም ከቛርጹን ምልክትኦም ክስርዙን ትእዛዙ ኣመሓላለፈ። ቀጺሎም ነታ “መሰረት” ኢሎም ዝጽውዕ ወርሓዊት ጋዜጥኦም ንኣዳላዊ ጋዜጣ መፍትሕ ምውቃስን ምንኣስን ስርሓ ኮነ። ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥ ተታሊሎም ምልክትኦም ካብ ጋዜጣ መፍትሕ ዝሰረዙ ሰለስተ ትካላት ጥራይ ኣለዉ። እዚኣቶም ከኣ ክልተ ቤት መግብታትን ባራትን ክኾኑ ከለዉ ሓደ ግን ገዛውቲ ንምሻጥን ምልዋጥን መማጽኢ እዩ። ስለዚ ንጋዜጣ መፍትሕ ንምድኻም ዝተገብረ ናይ ህግደፍ ፈተነታት ኣይተዓወተን።

ናይ ህግደፍ ወገን ዝወስዳ ባራትን ካልኦት ትካላትንከ ብኸመይ ይጥመታ?

ናይ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካ ጸግዒ ዝሕዛ ትካላት ብኹሎም ደለይቲ ሰናይ ኤርትራውያንን ደገፍቶምን ብፍንፉን ዓይኒ ከምዝረኣያ ጥርጥር የብልናን። ኤርትራዊ ህዝቢ ቶሮንቶ ኣብ ከምዚኣተን ዝኣመሰላ ትካላት ግዚኡን ገንዘቡን ከጥፍእ ኣይደልንዩ። ምስ ጨቋኒ ስርዓት ወገን ምሓዘን ባዕለን ዘምጽእኦ መሽቀቕ ምዃኑ ቀስ ኢሉ ከም ዝርድአን ጥርጥር የለን። ምስ እዚ ተታሓሒዙ ኣተኩሮ ክግበረሉ ዘለዎ፤ ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ንመንግስታት ዓለም ውን ኣታሊሉ ዝነብር ዘሎ ሽፍታ መንግስቲ እዩ። ብግለ ሰባት ከምዝውነና ኣምሲሉ ባዕሉ ዝውንነን ትካላት ኣብ ምሉእ ዓለም ከምዘለዋ ኩሉ ዝፈልጦዩ። ኣብ ቶሮንቶ ካብ ዝርከባ ባራትን ካልኦት ትካላትን ህግደፍ ነየነይተን ኮን ይውንን ይኸውን ኢልካ ምሕታትን መልሲ ምንዳይን ኣካል ናይ ቃልስና እዩ።

ጨናፍር ተቓወምቲ ውድባት ኣብ ቶሮንቶኸ ተርአን ከለልያዶ ኣይምተገብአን?

መንግስቲ ህግደፍ ሕጊ ክህሉ ዘይደልሊ ብሕጊ ዘይግዛእን ምንም ዓይነት መሰላት ዘይፈቅድን መንግስቲዩ። ብሓጺሩ ሽፍታ መንግስቲዩ። ስለ ዝኾነ፤ ጨናፍር ተቓወምቲ ውድባት ኣብ ቶሮንቶ ህግደፍ ጸላኢ ኤርትራን ጸላኢአንን ምዃኑ ኣለልየን እግሪ እግሩ እና ተኸታተላ ብዘለወን ኩሉ ናይ ሚድያ ማዕከናት ተጠቒመን ንጥፈታቱ ከዕንዋን ከቃልዓን ምተገብአ። መብዛሕትአን ግን ህግዳፍ ናቱ ደንበ ኣሎዎ ንሕና ናትና ኣሎና። እንተዘይ ረቢሹና ኣይንርብሾን፤ እንተዝይ ምጺኡና ኣይንኸዶን ብዝብል ኣትሓሳስባ ዝዓገባ ይመስላ። ኣሰራርሐአን ከምኡ እንተኾይኑ ካብቲ ብጥቕሚ ተታሒዙ ይኹን ወይስ ፈሪሑ ትንፋሱ ሓቢኡ ዝነብር ወገን ኤርትራዊ ብምንታይ ይፍለያ?
ካብኡ ሓሊፉ መንግስቲ ህግደፍ ከጋፍዖም ንዝፍትን ደቂ ሃገር ምጥባቕን ነጻ ሚድያ ንኽምዕብል ምትብባዕን ጨናፍር ተቕወምቲ ውድባት ዕጡቓት ክኾና ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝጽበየን ክግንዘባ ምተገብአ። ህግደፍሲ ከም ኣመሉ ኣብ ኤርትራ ዝተጀመረ ነጻ ሚዲያ ዓጽዩ ኣብ ወጻኢ ዝርከብውን ክዓጹ እመጣጠር ኣሎ። ኮይኑ ግን ብዙሓት ኣባላት ጨናፍር ተቓወምቲ ውድባት ገና ካብቲ ኣረጊት ልምድታቶም ከምዘይወጹ ጠባዮምን ኣሰራርሖኦምን የመልክት። ኣብ ክንዲ ኣብ ናይ ሓባር ጸላኢኦም ህግደፍ ኣቕሊቦም ብሓባር ዝምክቱ ኣብ ናይሕድሕድ ጎንጽታቶም ተዋሒጦም ንጸላኢ ነጻ ሜዳ ገዲፎምሉ ይርከቡ። ሳዕቤኑ ኸኣ ህላዌኦም ኣብ ቶሮንቶ፤ ብዘይካ ናይ ውሑዳት ካብኣታቶም፤ ተሰዊሩ ይርከብ። ሓደ ተቓዋሚየ፡ ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ንምምጻእ እቃለስየ ዝብል ኣካል ንህዝቢ ኣኼባታት እንተዘየካይዱ፤ ሓሳቡ ኣብ ጽሑፍ ኣስፊሩ ንህዝቢ እንተዘይ ዘርጊሑ፤ ግፍዕታት ህግደፍ ኣብ ዘለዎ ከተማታት እንተዘየቃሊዑ ምድፍፋርን ምትብባዕን ንዘድልዮ ህዝቢ ኤርትራ እንተዘይ ወፍዩ፤ እንታይዩ ተርኡ? ፋሕ ዘብሉ ህግደፍ ዝተኸሎም ባእታታት ኣብ ውሽጢ ጨናፍር ተቓወምቲ ውድባት ክህልዉ ስለዝኽእሉ’ውን ናይ ውሽጣዊ ምጽራይ ጌረን ከምብሓድሽ ክዳራጀዋ ክኽእላ ምንዮትና እዩ።

 ሓሳብኩም ክንሰምዕ ንፈቱ   <This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.>


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...