ህግደፍ ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ከምቲ ቀደም ኣብ መርበብ ሓበሬታቱን ኣብ ፈቐዶ እንዳ ቤት ምግብን መጸዋዕታ ብምጥቃዕ እንተወሓደ ቅድሚ ክልተ ሰለስተ ሰሙን ዝጽውዖ ዝነበረ ኣኼባታቱ ሎሚ ግን ኣይግድን ኣይከም ቀደሙን እንሆ ኣብ ዕለት 19 ሰነ 2011 ዓ.ም ብቴክስት መሰጅ ዝተጸውዐ ናይ ጭሉቕ ኣኼባ ኣካይዱ።
 
እዚ ዝተጠቕሰ ኣኼባ ብመርሕነት ሽማግለ መኸተ ዝኾኑ ዶር ሃይሉ እምባየ ን ሙሉእብርሃን ዝተባህሉ ኢዩ ተመሪሑ። ንሳቶም መበገስን ዕላማን ናይቲ ኣኼባ ከብርሁ ከለዉ ብምባል ነቲ ህዝቢ ሕቶታቱን ርእይቶታቱን ከቕርብ እቲ መድረኽ ከፈትሉ። ብድሕር’ዚ እቶም ቀንዲ ብጥቕምን ረብሓን ምስቲ ስርዓት ምትእስሳር ዘለዎምን ከምኡ ድማ ገሊኦም ብጸቢብ ወገናዊ ኣተሓሳስባ ዝተጠቕዑን ገሊኦም ድማ ዓዶም ኣይፍለጥ ዓውዶም ብናይ መንነት ቅልውላው ዝተሳቐዩ ነቲ  መድረኽ ብኸምዚ ኣብ ታሕቲ ዝቐርብ ክቀዳደምሉ ተራእዩ፣- 

 

 

 

 

 

 

ሂወት፣- ዝተባህለት ሓንቲ ዕልልቲ ወይጦ ክትብል እቲ ዝኽሓነ ጽልኣ ደርጒሓቶ።
 

ዕንሹ፣- < እዚኣ ሓፍቲ ኣመሓዳሪት ከተማ ምጽዋዕ ፋና ተስፋማሪያም (ርእሲ ኣድጊ) ኮይና ብድንቁርንኣ ዝተፈልጠት ኣብ ርእሲ ምዃና ንርእይቶ እዛ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰት ደጊፋ ብጽልእን እንኬሔራን ምድጋማ ከይኣክል ንጠጠው ምባል ክልተ ካብ ሚኢቲ ኣመልኪታ ድማ ንኸፍለሉ ኣገባብ ተጸኒዑ ክንከፍል ኣለና ኢላ። ቀጺላ ንሳ ኣብዚ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ’ዚ ንኣሰራርሓና ዝዕንቅፉ እንተድኣሃልዮም ክጭርገፉ ኣለዎም ክትብል ከም ጓል ውሻጠ’ውን ኣጉባዕቢዓ።

 ሓድሽ ለገሰ፣- እዚ ሰብ እዚ ሓደ ካብቶም ብናይ መንነት ቅልውላው ዝሳቐዩን ንኤርትራዊ መንነት ኣዚዩ ዝብህግን ኣብ ኤርትራ ዝዓበየ ትግራዋይ ክንሱ ብዝዓይነቱ ምስ ዝኾነ ኤርትራዊ ክራኽብ ከሎ ንኸምስል ንተጋሩ ዝጸርፍ’ዩ። ሕሉፍ ሓሊፉ ክኣ ኣብዚ ኣኼባ’ዚ ኩሉ ኣኼበኛ ክሳብ ዝኽዕቦ ንተቓላሳይን ሓርበኛን ዝኾኑ ኣቦና ኣቶ ሃብተማርያም ኣብርሃ ጸሎሎ ክቐብኦም ፈቲኑ። ንሱ ኣብ ዘረብኡ   ክብል ኣብ ልዕሊ ምጅሃሩ ከም ሓሬት ዝሸተቶ ብዕራይ ፉፍ ክብል እኳ እንተፈተነ ኩሉ እቲ ኣኼበኛ ግን ኣበይ እንታይ ይብል ስለዝፈልጦ ዋጋ ኣይሃቦን። ምኽንያቱ ኣብዚ ኣኼባዚ ከምዚ’ኳ እንተበለ ኣብቶም ተቓወምቲ ከይዱ ክኣ ኣብ ኣኼባ ህግደፍ ሸቖጥቆጥ ኣቢለይን ሃየ ንበየነ ኣፉ ኣትሒዘዮ ንወዲ ስሑል ከምዚ ደጊመዮ ስለ ዝብል’ዩ።

 ሓድጉ ዑቕባሚካኤል፣- እዚ ሰብ እዚ ኣብ 80ታት ኣብ ህግ ዝተሰለፈ ኮይኑ ድሕሪ ናጽነት ክኣ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝኣተወ ኢዩ። ኣብ ፈቐዶ ናይ ህግደፍ ብዓላት ግጥምታት ብምድላው እዞም ከድዓት’ባ ጠላማት፣ ሆየ! ዘይበለ ካባና ይፈለ። እናበለ ነዚ ናይ ሓርነት ቃልሲ ከቆናጽብን ክዕንቅፍን ከይደቀሰ ዝሓድር ወይጦ ኢዩ። እቲ ዘገርም መበገሲኡ ክኣ ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ኣብኡ ወላዲኡ ምስ ጸላኢ ንዝነበሮ ጥቡቕ ምትእስሳርን ምትሕብባርን ከቋርጽ ብተደጋጋሚ ድሕሪ ምጥንቃቕ ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ልዕሊኡ ብዝተወስደ ስጉምቲ ኣተኣሳሲሩ ኣብ ልዕሊ ተሓኤ ዘለዎ ቂም ንምውጽእ ንህግደፍ ምሳኹም ሞተይ ዝብል ዘሎ ዕሸል ኢዩ።
 ጆን ሰበንኣብ፣- እዚ ሰብ እዚ ኣብ ንግዲ ዝነጥፍ ኮይኑ ምስ ህግደፍ ክኣ ኣብ ዘዳልውዎ ብዓላት ንዝሸጥዎ መስተን ካልእ ነገራትን ላዕልን ታሕትን እናበለ ክሸጠሎምን ዝሓድር ወይጦ ኢዩ። ንሱ ኣብዚ ኣኼባ ነቲ መራሕየይ ዝብሎ ውልቀ-መላኺ ብጸላም ከብዲ ይሳቐ ምህላዉ ረሲዑ ንመራሕቲ ተቓውሞ ገሊኦም ብሕማም ልቢ ገሊኦም ብስትሮክ ስለዝተወድኡ ኣብ ዝበጽሕዎ የብሎምን ክብል ከህተፍትፍ ተሰሚዑ።
 

ፍረወይኒ፣- ዝተባህለት ዜጋ ክኣ ርእይቶኣ ብኸምዚ ዝስዕብ ዳሕዲሓቶ፣- ክትብል ከላ ኣንገሶም ዝተባህለ’ውን ክብል ሓውሲ ሕቶን ርእይቶን ኣቕሪቡ። 

 ተስፋሚካኤል ገራህቱ፣-
ስርዓት ህግደፍ ካብ መድረኽ ጃላነት ናብ ምክልኻል ዘእተዎ ምልክት እምባኣር እንሆ እብ ርእሲ’ቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ሹመኛ ስርዓት ህግደፍ ዝኾነ ተስፋሚክኤል ገራህቱ  ኣብ ዓባይ-ብርጣንያ ነቲ በብእብረ ክዝረብ ዝወዓለ ጽዩፍ ኣባሃህላታት ከምቲ ቀደም እንተዝኽውን በልዎም፣ ነጽልዎም፣ ኣይተቕርብዎም…ወዘተ ምበለ፣ እንተኾነ ሎሚ ግን እታ መሸንቆቓ እናጸበበት ስለዝመጸት ነቶም ወይጦታቱ እንዳኣነኣኣሰ ክብል ተወራዚዩሎም። ምስኡ ኣተኣሳሲሩ ክኣ ኤርትራ ዕድለኛ ኢያ። ምኽንያቱ ዝጠቕሙ ተቓወምቲ የብላን ክብል’ውን ፍርሑ ክሓብእ ፈቲኑ። ካልእ  ብወዲ ገራህቱ ዝተባህለ’ሞ ንኹሉ ኣኼበኛ ዘገረሞ ነገር እንተነይሩ ግን፣ ነተን ከድልዮም ከሎ መን ከም ኣዴታት ኤርትራ እናበሉ ስመን ሰማይ ዘዕርግዎ ጀጋኑ ኣዴታትና። ወዲ ገራህቱ ኣይተሓዛለይ ድኣ’ምበር እናበለ ሓደ መስፍናዊ ብሂል ኣምጺኡ ክብል ዘሊፍወን።

መደምደምታ፣- ኣብዚ ዝተኻየደ ጭሉቕ ኣኼባ እምባኣር እዚ ቀሪቡ ዘሎ ካብቲ ብዙሕ ኣዚዩ ውሑድ’ዩ። ኣኼባ ብእገዳ ጀሚሩ ብእገዳ ኢዩ ተወዲኡ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቕሱ ዘሎ ክኣ እዚ ኣኼባ’ዚ ካብዚ ኣብ ልዕሊኦም ተወጢኑ ዘሎ እገዳ ዝረኽብዎ መስተርሆት ሃልዩ ዘይኮነ ወይ ዝቕይርዎ ነገር ስለዘሎ ዘይኮነ ነቶም ስዓብቶም ብሓሶት ከሳልይዎምን ክስብ ግብኣተ መሬቶም ክኣ ኣለና ንምባል እንተዘይኮይኑ ካልእ ጣቋ የብሎምን’ሞ ንኹሉ ንምርኣይ ምቕናይ ጥራይ ምቕናይ!

ግዱስ ዜጋ ።

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...