ኣብ ከባቢና ዝርከባ ሀገራት ዝርኣዩ ዘለዉ፡ህዝባዊ ለውጥታት ዝጽውዑ ሰልፍታት ከካይዱን፡ምረት ኣሰልቻዊ ናይ ሓሶት መብጸዓታት ውልቀ መልኽቲ ይኣክል ክብሉን ፡ሂወቶም ንደመክራስን ፍትሕን ክውፍዩን ይርኣዩ ኣለዉ።እወ ህዝብታት ያኣክል ዕብለላን ምልክነትን ይብሉ ኣለዉ፡ብዘገርም እኳ ደኣ እቶም ንዓመታት ድምጾም ኣስሚዖም ዘይፈልጡ ህዝብታት ሎሚ ናይ ደመክራሲ ልቺ ኣብ ቤቶም ከተብርህ ይጽውዑ ኣለዉ።ናይ ከባቢና እዋናዊ ንፋስ  ኣብ ከባቢ ኤረትራ ዘለዋ ሃገራት ብምብጻሕ ን ኤረትራ ከም ዓንኬል ይዘራ ኣሎ።ኣብ ከምዚ ዝበለ ወቅቲ እቲ ፍጹም ደመክራሲ ተኸሊኡ መስዋእቲ ኣሽሓት ደቁ ስማዊ ናጽነት
 ጥራሕ ብምኻኑ ኣብ ዳግማይ ሓዘን ኣትዩ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራኸ።ዝብል ሕቶ ክለዓል ግዝይኡ ዝጠልቦ ታሪኻዊ ሕቶዩ።
ኣብዚ ሰዓትዚ መንግስቲ ኤረትራ ጸረ ደመክራስያዊ ምንቅስቃስ ኣብ ሃገሩ ብምዃን ሓሊፍዎ እንኮላይ ነቶም ኣብ ከባቢ ዞባና ዝነብሩ ህዝብታት ሽታ ደመክራሲ ከየስተማቅሩ ዝገብሮ ዘሎ ምትእትታው ህዝቢ ኤረትራን ቤተ/ክርስትያን ኤረትራን ብልቢ ይሓዝኑ።ከም ኣብነት ድማ ኣብ ሊብያ ዘሎ ጉዳይ፡ጉዳይ ሊብያ ንልብያውያን ዝምልከት ክንሱ መንግስቲ ኤረትራ ግን ብፍላይ ኣብዚ ኣብኡ ዘለዉ ዜጋታትና ኣብ ሽግርን ኣብ ከቢድ ጸገምን ዝረድኦም ሲኢኖም እና ኣእወዩ  ከለዉ መንግስቲ ኤረትራ ግን ኣብ ጎድኒ መዓመር ገዳፊ ኮይኑ፡ነቲ ዝኾነ መንግስቲ መሰላትን ረብሓታት ዜጋታቱን ክሕሉ ዝግባእ ከሎ፡  ከምኡ ዝበላ
 ሃገራት ንዜጋታተን ንምውጻእ ላዕልን ታሕትን እናበላ ከለዋ መንግስቲ ኤረትራ ግን  ተገምጥሎሽ ንዜጋታትና ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ነሃገረ ኤረትራ ድማ ዘነውር ኣብ ጎድኒቲ ብዓለም ተፈንፊኑ ኣንጻር ዘጋታቱ ደው ኢሉ ባርባራዊ ህልቂት ዘካይድ ዘሎ መዓመር ገዳፊ ደው ኢሉ   ወተሃደራት ምልኣኹ ማዕሮ ክንደይ ብዘይጋታቱ ዘይግደስ ዝገብሮ ዘይፈልጥ ስርዓት ምኻኑ ተረዲእና ኮኒናዮ ኣለና!!!።
ክንዲ ጉዳይቶም ኣብ ሊብያ ዝረድኦም ሲኢኖም ዘእዉዩ ዘለዉ ኤተራውያን ንምድሓኖም ዝጋየ፡ንህልውና ኣሸሓት ኤረትራውያን ኣብ ሓደጋ ዘውድቅ፡ንህልዉና ኣሬመናዊ ገዳፊ ዝገብሮ ዘሎ ላዕልን ታሕትን ንህዝቢ ኤረትራ ዘይሓስብ ንህዝቢ ኤረትራ ከም ህዝቢ ከምዘይግደሰሉ ዝሕብር ኮይኑ ፡ንመንእሰያት ኤረትራ ድማ ማዕሮ ክንደይ ከምዝናዓቆምን ፍጹም ከምዘይ ግደሰሎምን ዘርኢ እዩ።ንልብያውያን ጠለምቲ ለውጢ ኣሕዋትና ግን ልቢ ህዝቢ ኤረትራ ኣብ ጎድኒ ህዝቢ ልብያ ከምዘሎ ተቃወምቲ ልብያ ክንሕብሮም ንፈቱ ኣምላኽ ክሕግዞም ድማ  ብልቢ ንጽሊ።
 እዚ ጥራሕ መንግስቲ ኤረትራ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኦርተደክስ ተዋህዶ ቤተ/ክርስትያን ኣትዩ ዝገብሮ ዘሎ ነታ ቤተ/ክርስትያን ናይ ምፍራስ መደብ ብትሪ ብምኹናን ነቶም ካብ ደብርታትኩም ዉጹ ተባሂሎም ኣብ ከቢድ ሽግርን ነውጽን ዝርከቡ መነኮሳትን ኣበው ኣቦታትን ድማ ኣምላኽ ምሳኹም እዩ እሞ ከይወጻእኩም እስኹም ጸላእትኹም ኣምላኽ ከውጸኦም እዩ ንብል።ሎሚ ኣብ ኤረትራ እቶም ንናጽነት ኤረትራ ደቆም ዘወፈዩ ኣቦታትን ኣደታትን ደቅኹም ከይዶም 50.000 ሽሕ ክፈሉ ተባሂሎም ኣብ ከቢድ ጭንቀትን ሽግር ይርከቡ።ዋላዃ እቶም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝኣተዉ ተሰደዱሎም ፡እቶም ደቆም ኣብ ሱዳንን ሊብያን ዝሳቀዩ
 ዘለዉ ግን ብኽልተ ይሳቀዩ ኣለዉ።ህዝቢ ኤረትራ ነታ ደቁ ደሞም ከፊሎም ዘምጽዋ ናጽነት ብጉቦ 50.000 ይነብረላ ኣሎ።ዘሕዝንዩ ባዕዳውያን ዘይገበርዎ ኣብ ልዕሊኡ ይፍጸም ምህላዉ ድማ  ዳግማይ ሓዘና ዘዛኻኽር ከይንጻናናዕ ሕሉፍ ቁስሊ መስዋእቲ ዝጎድእ ክንዲ ደበስ ቅሳነት መንግስቲ ኤረትራ ንህዝቢ ኤረትራ ለጊሱሉ ኣሎ። ዘሕዝን ነገር ቢኢደይ ተረኸብኩ ከም ዝበለቶ ሰበይቲ ቢ ኢድና ንደሚ ኣለና ።ናይዚ ኩሉ ዘለዎ ነጸብራቅ ድማዩ ህዝቢ ኤረትራ ብዘይካቶም ኣብ ወጻኢ ኮይኖም ብልቦም ክግምጠለሎም እነጸለዩ ብኣፎም ግን ዘጣቅዑ ፡ኣብ ዉሽጢ ዘሎ ከም ሰፍኢ ይገምጥልኩም እናበለ ክራገምን ክጽልን ዝውዕል
 ዘሎ እዩ።
ኣብዚ ረጊጸዮ ክሓልፍ ዘይደሊ ተልዩ ድማ እቶም ናይ ብሓቂ ኤረትራውያን ምኻኖም፡ ወረስቲ ሕድሪ ምኻኖም ዘመስከሩ ኣናብር ኢስያ  ተበዓት ናይ መጀመርታ ወላዕቲ ሽግ ደመክራሲን ፍትሕን ዝኾኑ ኣብ እስራኤል ዝነብሩ ተበዓት መንእሰያት ህግደፍ ዓድና ግደፍ እነበሉ ነቲ ዝግበር ዘሎ ኪገድፎ ኣብ ቅድሚ ኢንባሲ ኤረትራ ወጺኦም ከስምዕዎ ዝወዓሉ፡ነቶም  ኣብ ኣውረጳ ኣትዮም ክንሶም ክሳዕ ህጂ ዝሃድሙ ዘለዉ ዝባህረሩ መንእሰያት ኣብነቶም እዮም።
ብፍላይ ድማ ነቶም ምኽዳም ዝመቀሮም ኣብ ኣውረጳ ኣቲና ውን ክንክድመልኩም ይሕሸና ብምባል ኣፍደገ ቆንስላት ዝኹሕኩሑ ዘለዎ ጸላእቲ ኣቦኦምን ኣዲኦምን ዝኾኑ ገለ ኤረትራውያን መንእሰያት ናይዞም ተበዓት መንእሰያት ሰሚዖም ክመሃሩ ይጽውዖም ህግደፍ ጸረ ሃይማኖት ጸረ ህዝቢ ተንሲኡ ኣሎ ኩሉ ምስ ወደአ ዝተርፈካ ኣይምሰልካ።እቶም ብፍርሓት ኣይምልከተናን ዝዓይነቱ ኣፍኩም ሒዞም ኣብ ኣውረጳ ትም ኢልኩም ዘለኹም ድማ መናሰያት ከተማታት ሎንደንን ሚላኖን ካልኦት ኣውረጳን መንእሰያት ቃል ናይተን 50.000 ሽሕ ክፈላ ተባሂለን ዝዋረዳ ዘለዋ ኣዴታትኩም ኣብ ቅድሚ ኢንባሲታት ቀሪብኩም ድምጽኹም
 ከተስምዑ ናይ ፍርሓት መንፈስ ከተውጽኡ ይጽውዕ።መናሰያት ኤረትራ ክትፈልጥዎ ዘለኩም ከምቲ ኣቦታትና ክምስሉስ ሃካይሲ ክንዲ ዝሓርእሲ ይፈሱይ ኸውን ኣሎ፡  ዝጉዳይና ዘይተርፈካ መገዲ ኣይትታሃከ  እዩ።
ኣብ ዉሽጢ ሃገር ልክዕ ከም ኩለን ሃገራት እዚ ኣብ ከባቢና ዝርአ ዘሎ ናዕቢ ከይመጸ ግን እቲ ናይ ምምራሕ ብቅዓቱ ተዳኺሙ ኣብ ጸገም ዘሎ፡ መራሒ መንግስቲ ኤረትራ ሎሚ እንብሎ ተልዩ ስልጣኑ ነቲ ብሓይሉ ኣደስኪልዎ ዘሎ ሃገራዊ ባይቶ ስልጣኑ ከረክብ ይግባእ። ሎሚ ህዝቢ ኤረትራ ዝደልዮ ዘሎ ንሰሞዖ ኣለና።ንሕና ደም ኣይደልን።ኲናት ኣይደልን እንደልዮ ነገር ተልዩ ካሊእ ሓድሽ ኢስያስ እዩ ይብል ኣሎ። ህዝቢ ከም መራሕቲ ሃይማኖት መጠን ድማ ብጣዕሚ ሰጊእና ኣለና።ህዝቢ ኤረትራ ከም ቀደም ዝፈርሕን ዝዕሾን ኣይመስልን ተዶቂሱ ዝነብር ህዝቢ ከም ዘየለ ድማ ልብያውያን ሓያል ኣብነትና እዮም
።ስለዚ ኢና ድማ ንግዝያዊ መንግስቲ ያኣክል ኣንጻር ድልየትና ድልየት ህዝብናን። ስለምንታይሲ ህዝቢ መሪርዎ ኣሎ።ብቅልጡፍ ስልጣኑ ተዘይ ኣረኹቡ ግን ሳዕበኑ ሓደገኛንን ብቅልጡፍ ስቅ ዘይብልን ኪኸውንዩ።ኣብ ተፈላለዩ ከባቢታት ኤረትራ ዝራኣዩ ዘለዉ ሕቶታት ምስቶም መዓልታዊ ኣብ ቤተ/ክትስትያን ዝገብሮም ዘሎ ጸቅጥን ምፍርራሕን ተወሲኾም ጽበት ይፈጥሩ ኣለዉ።ስለዚ ህዝቢ ክጽልን ክጸውምን ነቲ ብመንግስቲ ኤረትራ ዝግበር ዘሎ ክኹንኖን ኣንጻር ኩሉ ፍጻመታት ህግደፍ ደው ክብልን  ንጽውዕ።
ቐሺ ሙሴ ሺሻይ
ካብ ኢታሊ
 ኣገልጋሊ ኦርተደክሳዊት ተዋህዶ ቤተ/ክርስትያን ኤረትራ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...