ነቲ ኣብ ዝሓለፈ 8-9 ጥሪ 2011 ኣብ ከተማ ለንደን ዓባይ ብሪጣንያ ካልኣይ ጉባኤኡ ብዓወት ዘቃነዐ በርጌሳዊ ማሕበር ዜጋታት ንደሞክራሲያዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ (ስድሪ CDRIE) ኣብ መወዳእታ ናይ 2009  ኢየ ተጸንቢረዮ። ኣብቲ ኣብ ጥሪ 2009 ዝተኻየደ መስራቲ ኣኼባኡ ንውሑድ ሰዓታት ጥራሕ ስለዝተሳተፍኩ  ነቲ ጉባኤ ብምልኣት ኣይተኸታተልኩዎን።  ይኹን እምበር  ድሕሪ’ቲ ኣኼባ ኣብ ዝነበረ ዕለታት ብገለ ወገን እቲ ምትእኽኻብ ኪሕመን ኪንቀፍን ስለዝሰማዕኩዎ  ‘ስለምንታይ’ ኢለ ኪመራመር ፈቲነ። እቲ ዝበዝሕ ምኽንያት ባዕላዊ ግምታት ኢዩ። ‘ስድሪ ንህግደፍ ከድሕን ዝተፈጥረ ንህግደፍ ዝመስል ማሕበር ኢዩ።፡ ሓፋሽ ውድብ ኢፒዲፒ ኢዩ። ሓይሊ ተቓወምቲ ውድባት ኪገማምዕ ብመደብ ዝተሰርሐ ምትእኽኻብ ኢዩ፤ ኣብ ፈላሚ ኣኼብኡ እውን ምስ ህግደፍ ኪዝቲ ቅሩብ ሙዃኑ ሓቢሩ ኢዩ።’ ዝብል ዕላላት ሰሚዐ።
ብሰንኪቲ ፖለቲካዊ ድሕረ-ባይታና ዝፈጠሮ ዘይምትእምማንን ሓድሕድ ምጥርጣርን ወትሩ ሓዲሽ ሓይሊ እናኽተኣኻኸብን ሓዲሽ ማሕበር እናኽቐውም ፍሉይ ሕብሪ ኪቕባእን ዝተፈላለየ ቅጽላት ኪዕደልን ስለዝረኣና ስድሪ እውን ኪሳዕ ስሙን መንነቱ ብስርሑን ተግባሩን ዘረጋግጾ ተመሳሳሊ ዕድል ከጋጥሞ ንቡር ኢዩ። ዘይምትእምማንን ሓድሕድ ምጥርጣርን ንደምበ ተቓውሞ ዘዳኽምን ዘልምስን ፍቱን መሳርሒ ስለዝኾነ ከኣ እቲ ትንፋስን ሓይልን እዘን ውድባት ኪርኢ ዘይደሊ መላኺ ስርዓት እውን ብልዑል ውዳበ ኪጥቀመሉ ኪነብር ኢዩ።

እቲ ዝርካቡ ኤርትራዊ ተቓዋሚ ሓይሊ፡ ኣብ ሓደ ውዳበን ጽላልን ሰሚሩ: ኣንጻር እቲ መሰላት ህዝቢ ረጊጹ ብሓይሊ ዝገዝእ ዘሎ መላኺ ስርዓት ክንዲ ዝቃለስ ዕለተ ዕለት ኣብ ዝጫጭሓ ሓደሽቲ ውድባትን ማሕበራትን እናተመቓቐለ ናይ ምግባር ዓቕሙ ይዳኸም ብምህላዉ ብዝብገስ ስክፍታን ሻቕሎትን ኢዩ ነተን ዝፍንጨላን ሓደስቲ ዝፍጠራን ማሕበራትን ውድባትን ብጥርጣረ ከምዝረኣያ ዝገበረን።

እቲ ስክፍታ እቲ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሲቪካዊ ማሕበራትን ፖለቲካውያን ውድባትን ኮይኑ በብወገኑ ዝቃለስ ዘሎ ሓይሊ፡ ኣብ ሓደ ሰሚሩ ዓቕሚ ሰቡን ክእለቱን ኣወሃሂዱ እንተዝሰርሕ ሓይሊ ደምበ ተቓውሞ ዝያዳ መፍረየን መድመዐን ነይሩ፡ ካብ ዝብል ቅዱስ መንፈስ ዝነቅል ኢዩ። ንባዕለይ እውን ከምኡ ስለዝሓስብ።

ይኹን እምበር ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ኤርትራዊ ተመኩሮ ሓርነታዊ ቓልሲን ታሪኽ ደምበ ተቓውሞን ኪፈላለን ኪገማማዕን እምበር ኪጥርነፍን ኪሓብርን ኣይተራእየን። ካብቲ ዝተፈተነ ብዙሕ ሕብረትን ስምረትን ዘጉህን ዘሕዝንን እምበር፡ ዘተስፉን ዘሐብንን ዛንታ እንተልዩና እውን ኣዚዩ ውሑድ ኢዩ። ኣብ ፖለቲካዊ ቓልሲ ምስ ዝምእምኣካ ወገን ኪትሓብር ኣብ መስርሕ ኪትፍለ፡ ተመሊስካ ሓዲሽ ኪዳን ኪትምስርት እንደገና ካልእ ግንባር ክትፈጥር ንቡር ፖለቲካዊ ሳይንስ ዓለምና ስለዝኾነ ኣባና ምኽሳቱ ዘይንቡር ኣይኮነን። እቲ ኣባና ምግጣሙ ዘይንቡር ዝገብሮ ግን ነቲ መሪር ምረት ሓላት ህዝብና ብብቕዓት ኪንምልስ ዘይምኽኣልና ኢዩ።

ይኹን እምበር ዝኾነ ይኹን ዜጋ ኣብ ዝኣምነሉ ዕላማን ጽላልን ኪተኣኻኸብ፣ ዝመስሎን ዝዓስሎን ማሕበር ከቕውም መሰል ኣለዎ። እቲ መሰል መሰል ዝኸውን ግን ኣብ ዘዝኣምነሉ ማሕበርን ውድብን ኬይኑ ፍልልያቱ ኣጽቢቡ ተጸዋዊሩን፡ ንሓድሕዱ ኪተሓባበርን ኪተሓጋገዝን እንተኺኢሉ እዩ እምበር፣ ንሓድሕዱ ኪወናጀል፡ ሓደ ኣንጻር እቲ ሓደ ኪሰርሕ እንተኾይኑ፡ እቲ መሰል ኪሳራ ኢዩ።

ሓደ ማሕበር ስለምንታይ ተፈጢሩ ዘይኮነ ግን ተፈጢሩስ ብግብሪ እንታይ ሰሪሑን ኣፍርዩን ከኣ ኢዩ እቲ ቐንዲ ኪምዘን ዘለዎ። ሓደ ውድብ ኮነ ማሕበር ዘጎምጁ ጽፉፍ ቻርተር ጽሒፉ ዘርጊሑን እንተዘይሰሪሑሉ ፋይዳ የብሉን። ኣብ ወረቐት፡ ልቢ ሰብ ዝምስጥ ምቁር ቃላት እናሓሬኻ ድላይካ ክትብል ትኽእል ኢኻ። ብግብሪ ግን ትሰርሖ ዲኻ ኢዩ እቲ ሕቶ። ኣብ ቻርተርተራት እንተመጺእና፡ ከምቲ ዝተጻሕፈ እንተዝስረሓሉስ እቲ ኣብ 3ይ ጉባኤ ህ.ግሓ.ኤ፡ ናይ ሎሚ ህግደፍ፡ ዝጸደቐ ሃገራዊ ቻርተር እውን ሕማቕ ኣይነበረን። ኣብቲ ቻርተር እዚ ዝስዕብ ኣገደስቲ ዕላማታት ሰፊሩ ይርከብ፡-

ምትካል ቅዋማዊ መንግስቲ
ምርግጋጽ ልዕልና ሕጊ
ህዝባዊ ምርጫ
ብሕታዊ ፕረስ
ናይ ምውዳብን ሓሳብካ ናይ ምግላጽን መሰል
ናጻ ዕዳጋ
ምትብባዕ ብሕታዊ ክፋል፡ ወዘተ ወዘተ የፍቅድ ኢዩ።
ይኹን’ምበር፡ ካብዚ ዝተጠቕሰስ ብግብሪ ዝስርሓሉስ ኢምንት ኢዩ። ዳርጋ ኩሉ ቐለም ኣብ ወረቐት ኢዩ ኮይኑ ተሪፉ።

ናብ ስድሪ ክመልሰኩም፡- ስድሪ (CDRIE) ኣብዚ ሕጂ ዘቃንዖ ካልኣይ ጉባኤኡ፡ ካብ ቻርተሩ ፈጺሙ ኪዝንብል ወይ ከግልስ ከምዘይብሉ፡ እቲ ጉባኤ ኣስሚሩሉ ኢዩ። ምኽንያቱ እቲ ቻርተር ኢዩ ናይቲ ምትእኽኻብ ሽግን ብሶላን፡ ከምኡውን ናይቲ ምትእኽኻብ መንኮርኮርን ሉጓምን። ነፍሲ ወከፍ ንጥፈታት ድማ ነቲ ቻርተር ከንጸባርቕን ኪመስልን ይግባእ።

ስድሪ (CDRIE) ፈጺሙ ንፖለቲካዊ ቓልሲ  ዘይሻሞ በርጌሳዊ ማሕበር ኢዩ። ስለዝኾነ፤ ዝያዳ ናብተን ዘይጎነጻዊ ኣገባብ ቓልሲ ኢና ንጥቀም ዝብላ ፖለቲካውያን ሓይልታት ቅርበትን ምሕዝነትን ዘለዎ ኪመስል ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር ኣንጻር እተን ብብረታዊ ቓልሲ ኢና ለውጢ ከነምጽእ እንደሊ ዝብላ ሓይልታት እውን ኣይኮነን። ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ በብቲ ዝኣምነሉ ኣገባብ ቓልሲ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ከምጽእ መሰሉ ስለዝኾነ።  ብሓይሊ ብረት ዝፍጠር ኢሰብኣዊ ግህሰት ከጋጥም እንከሎ ግን ኣፉ ኪሓትም ኣይኮነን።

ቻርተር ስድሪ ከምዘነጽሮ ስድሪ (CDRIE) ናይ ዝኾነ ይኹን ውድብ ኮነ ማሕበር ጸግዒ ዘይብሉ ናጻን ሓላፍነታውን ማሕበር ኢዩ። ናጻ ማሕበር ዘብሎ፡ ቻርተሩ ምስ ኩሉ ሓይልታት ኤርትራ ብሓባር ብዘይ ሻርነት ኪሰርሕ ስለዘገድዶ፣ ሓላፍነታዊ ዘብሎ ድማ፡ ዝኾነ ይኹን ንረብሓ ህዝቢ ዝሃስን ሓድነቱ ዝፈታትን ተግባራት ዓገብ ብምባል፣ ህዝቢ ብዕምቆት ንኪሓስብን ነቲ ሳዕቤናት ንኸስተብህለሉን ዝጉስጉስን ዘበራብርን ማሕበር ብምዃኑ።

እቲ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ኮነ፡ እቲ እቃወም እየ ዝብል ፖለቲካዊ ሓይሊ፡ መባእታዊ ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ ኪግህስ፡ ንህዝብን ሃገርን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ኣካይዳ ኪኽተል እንከሎ ግን፡ ስድሪ (CDRIE): ነቲ ዘጋጥም ግህሰትን ኪኽሰት ዝኽእል ሳዕቤንን፡ ንህዝቢ ኪሕብርን ኪነግርን ድሕር ኣይክብልን ኢዩ። ሲቪካዊ ማሕበር ከም ምዃኑ መጠን፡ ንህዝቢ ምሕባርን ምንቕቓሕን ስርሑ ስለዝኾነ።

ካብቲ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቐንዲ ብትሪ ዝተዘርበሉ ዛዕባ፡ ‘ስድሪ (CDRIE)’ ጸግዕን ሻራን ናይ ዝኾነ ፖለቲካዊ ሓይሊ ዘይሙዃኑ፣ ከምኡ ካብ ዝመስል ኣካይዳ ኪጥንቀቕ ከምዝግባእን ንኹላተን ኤርትራውያን ፖለቲካውያን ሓይልታት ድማ ብማዕረ ቅርበት ኪርእየን፣ ምስ ኩላተን ቅርዑይ ዝምድና ኪህልዎ፣ ብመትከልን ዕላማን ምስ ዝሰማምዓኦ ከኣ ናይ ስራሕ ሽርክነት ኪፈጥርን ከምዘለዎ ዝብል ኣገደስቲ መትከላት ይርከቦ።

ይትረፍ ከም ስድሪ (CDRIE) ንኡስ ዝዓቕሙን ድሩት ዝሓይሉ ማሕበራትን ውድባትን፡ እቲ ዓቕምን ሓይልን ኣሎኒ ዝብል እውን እንተኾነ፡ ጽፉፍ ናይ ስራሕ ውጥን ሰሪዑ ብግብሪ ዝጭበጥ ስራሕ ብምስራሕ መንነቱ እንተዘየመስኪሩ፡ ኩሉ ዓይነት ቅብኣን ቅጽልን ኪስዕቦ ግድን ኢዩ። ብስራሕ እምበር ብዘረባ ጥራሕ ኣብ ዝብጻሕ ስለዘየሎ። ካልኣይ ጉባኤ ስድሪ እውን ነዚ ክውንነት’ዚ ገምጊሙዎ ኢዩ። ስድሪ ምስ ህዝቢ ብቐጥታ ብምርኻብ ንመንነቱ ዝበቅዕ ግብራዊ ስራሕ እናሰርሐ ሽሙን መንነቱን ብስርሑ ከጉልሖ ኢዩ ድማ ተሰማሚዑ።

ኣብቲ ናብ ስድሪ (CDRIE) ዝተጸምበርኩሉ ግዜ “ ስለምንታይ ኣብ ስድሪ” ብዝብል ዓንቀጽ ስምዒታተይ ንምክፋል ኪጽሕፍ ነቒለ ነይረ። ዳሕራይ ግን እዚ ኢዩ ብዘይብሎ ውልቃዊ ዋኒን ኣዋዲቐዮ።

ኣብዚ ካልኣይ ጉባኤ ስድሪ (CDRIE) ቀንዲ ዝመሰጠኒ ነገር እንተነይሩ: ኣብ ስድሪ ብዙሕ ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባታት እናሃለወ፡ ኪሳዕ ኪሰማማዕ ዝኸኣለ እናተላዘበ ብሓባራዊ ምርድዳእ፡ ኣብቲ ዝፈላለየሉ ከኣ ብድምጺ ብዙሓት እናተማእዘዘ፡ ብመትከላት ቻርተሩ ኪሰርሕ ቅሩብነት ምህላው ኢዩ። ኣብ ገለ ዛዕባታት ርሱን ክትዓት ተኻይዱ ኢዩ። ኩሉ ግን: ብሉጽ ስራሕን ውጽኢትን ኪርኢ ካብ ዘለዎ ሰናይ ምንዮት ዝነቅል ኢዩ። ጦብላሕታታተይ ንኺጽሕፍ ዝደረኸኒ ከኣ እቲ ንኸም ናተይ ዓይነት ናህሪ ዘህድእ ተጻዋርነትን ምርድዳእን ኢዩ። ንሱ ኢዩ እቲ ዝዓበየ ተስፋ ዝሃበኒ ነገር።

መቸም ታሪኽና ከምዝሕብሮ ሎሚ ኣብ ፖለቲካዊ ውድባት ኮነ ሲቪካዊ ማሕበራት ዝነጣጠፍ ዘሎ ዜጋ፡ ገሊኡ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ገሊኡ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፣ ውሑድ እውን እንተኾነ ገለ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ እቲ ሲቪል እውን ናይ ሓዲኡ ጽልዋ ዝነበሮ ኢዩ።

ኣብ ስድሪ (CDRIE) ዘሎና ኣባላት፡ ኣብ ጉዕዞና ምስ ዝተፈላለየ ውድባትን ማሕበራትን ዝሰራሕና - ገሌና ኣብ ብዙሓት ውድባት ዝበጻሕና - ከካብ’ቲ ዝነበርናዮ ማሕበር ኮነ ውድብ እንተስ ሰኣን ምስምማዕ እንተስ ሰኣን ምርድዳእ ዝወጻእና፡  ገሌና ካብ ሓደ  ደምበ ናብ ካልእ ደምበ ዝቐየርና፡ ጸኒሕና ድማ ዝሓሸን ዝተመሓየሸን መሲሉ ኣብ ዝተሰማዓና ማሕበር ዝተኣኻኸብና ሰባት ኢና። ንሕና እውን ከምዝኾና ካልእ ኤርትራውያን ውድባትን ማሕበራትን ካብዚ ታሪኻዊ ውርሻ ሓራ ኣይኮንናን። ብዙሓት ኣባላት ስድሪ ምስ ዝተፈላለዩ ማሕበራትን ውድባት ዝነጥፉ ዝነበሩ ኢዮም።

ስለዝኾነ ምስሊ-ስድሪ ንገሊኦም ውድባት ኪእፈፎም፡ ንገሊኦም ኪስሕቦም፣ ንገለ ተጻባእቲ ንገለ ተደናገጽቲ መሲሉ ኪረኣዮም ባህሪያዊ ኢዩ። ብፍላይ ምስዚ እዋናዊ ኩነታት ዋዕላ “ደገፍትን ተቓወምትን” ዝብል ጸግዕታት ስለዘማዕበለ፡ መርገጺ ስድሪ እውን ኪሕተት ግድን ኢዩ። ምኽንያቱ ከካብ ዝነበርናዮ ዓለም ሒዝናዮ ዝመጻእና ኣተሓሳስባን ኣረኣእያን እውን ስለዘለና። እቲ ጉባኤ፡ ከኣ ነዚ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ሓደ ነገር ኣረጋጊጹ ወጺኡ። ‘ስድሪ(CDRIE)ካብ ዝኾነ ዕድመታት ፈጺሙ ኪበኩር የብሉን። ብዝወሓደ ነቲ ዕድመታት ርይእቶኡን መትከላቱን ኣብ ምግላጽ ኪጥቀመሉ፡ ኪንኡ ሓሊፉ እውን ኣተሓሳስባኡ ከስርጽን ኪጸሉን ንኪኽእል ኪውፈን ኪተዓጻጸፍን ከምዝግባእ’ ተረዳዲኡ። ይኹን እምበር ውልቀ ኣባላቱ ዝመስሎምን ዝደልዩዎን ኪብሉን ኪጽሑፉን ይኽእሉ ኢዮም። እቲ ወግዓዊ መርገጺ ስድሪ (CDRIE) ግን ብዘይ ሻርነት ንኹሉ ወገን ሓደን ማዕረን ኢዩ።

ንስድሪ(CDRIE): እንተስ ብፍላጥ እንተስ ብምድንጋጽ: ወይ’ውን መትከላታ ብምእማን ናቱ ከምስላ ዝያዳ ናብኡ ከቕርባ ዝደሊ ሓይልን ወገንን እውን ኪህሉ ይኽእል ኢዩ። ስድሪ ግን ናይ ኩሉ ኪትከውን ኢያ ተፈጢራ። ንኹሉ ምስ እትኸውን ከኣ ኢያ ኪትህሉ እትኽእል።  ነቲ ዝቖመትሉ ቻርተር እንተዘይመሲላ ከተተንፍስ ኣይኮነትን። ቻርተራ ከኣ ጸግዕን ሻራን ኣይቅበልን ኢዩ። በዚ መትከል’ዚ ናይቲ ንነዊሕ ዝጠመተ ኤርራዊ ሲቪካዊ ማሕበር ሰረት ኪትፈጥር ክትክእል ግን፡  ንስድሪ (CDRIE) ሓገዝን ምኽርን፡ ከምኡ’ውን ተሳትፎ ናይ ዜጋታት ከድልያ ኢዩ። ንጹህ ሃናጽን መሃርን ምኽርን ለበዋን።

ኣብ መወዳእታ ጦብላሕታተይ ብሓደ ለበዋ ኪዛዝሞ እደሊ። ምስ ሓደ ወገን ምድንጋጽ ዘይተርፍ ሰብኣዊ ባህሪ ናይ ወዲ ሰብ እኳ እንተኾነ፡ ጸሓፊ ናይዚ ዓንቀጽ ናይ ኩሉ ደላይ ለውጢ ጸግዒ እምበር ናይ ዝኾነ ይኹን ውድብ ኮነ ማሕበር ሻራ ኪሕዝ ኣይደልን እየ። ከም ዜጋታት ናይቲ ብዓመጽ ዝደሃኽ ዘሎ ህዝብና ዓቢ ሓላፍነት ስለዘሎና፡ ኣብ መንጎና  ሓድሕዳዊ ፍቕርን ምርድዳእን፣ሓልዮትን ምክብባርን፡ ከነስርጽ፡ ኣብ ሓድሕዱ ዝመላላእ ቅዱስ ውድድር ክንፈጥርን ኣሎና። ንሓድሕዱ ዝተሃላለኽ ፖለቲካዊ መንፈስ ፍታሕ ስለዘይምጽእ፡ ነብስና መሊኽና ተጸዋዊርና ኪንቅጽል እምነ። እታ ንእሽቶ ዓቕመይ ከኣ ንዕኡ ኪውፍያ እየ ዝደሊ።

ሳሙኤል ገብረሂወት

29 ጥሪ 2011

ለንደን


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...