ኤርትራ! ኣለና ኣብ ዱሮ “ገዓት ሓምሊ ውጻእ ገዓት ጠስሚ እቶ” ኣብ ዝበሃለሉ ቅነ ጽንዓትን ጋማን!

ደቅናን ዲቂ-ደቂናን ከምቲ ንመንነቱ ብሓለንጊ እናተገርፈ ‘ኲንታኲንተ’ ዝበለ ኣፍሪቃዊ ጊልያ፤ ኣብ ርሁውን ጽንኩርን ግዜ “ኤርትራውያን ኢና” መታን ክብሉ፣ ሎሚ ክልቲአን ኣዒንትና ብማዕረ፣ ሓንቲ ንኢሳይያስ ኣፈወርቂ ካልኣይቲ ድማ ንመስፍን ሓጎስ ክጥምታ ይሕተታ ኣለዋ። እዞም ክልተ መራሕቲ ናይ ጥፍኣት ልኡኻት ኢዮም። ኣብ ሰሰክዔቶም ዘስፈርዎም ናይ ጥፍኣት ዓቀይቶት ከኣ ኣለዉዎም። እቶም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ንኢሳይያስ የማነ-ጸጋሙ ዘለዉ ሰብ ጽሮራታት ኣብ መድረኽ ወጺኦም ንርእዮም ስለዘለና፤ ንምፍላጦም ዘጸግም ኣይኮነን።

ኣብ ደገ ምስ መስፍን ዝተጠናነጉ ሓያሎይ ልኡኻት ከኣ ብድሕሪ መስፍን ንክጋለጹ ኣብ መስርዕ ይርከቡ ኣለዉ። ገሊኦም ካብ ዓብደላ ጃብርን ፊሊጶስ ወልደዮሃንስን ገሊኦም ድማ ካብ ኢድ ኮሎኔል መልኣከ ገብረማርያም /ወዲ ፊተውራሪ/ ዝተፋነዉ ክጋለጹ ኢዮም። ከምቲ “ውረደ …ውረደ ከይትዋረደ” እናበላ ዝደርፍኦ ዝነበራ ሳድላታት ዓድና፣ መን ይፈልጥ ከይተዋረዱ እንከለዉ ባዕላቶም እንተተናስሑ! መን ይፈልጥ እንተተናዘዙ! እስከ ቁሩብ ነቶም ኣብ ደምበ ተቓውሞ ኮይኖም “…ኢሳይያስ ምስዚ ኩሉ ዘሎ ሕንፍሽፍሽ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ኣለዎ” ዝብሉ ዘለዉ እስከ ንጸበዮም!እቲ ጉዳይ ናይ ግዜ ሕቶ ጥራይ ኢዩ። ወፍሪ ኣለና ምስ መላእ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ኢድ-ንኢድ ተተሓሒዙ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ ወሳኒ ህሞት፣ ከምቲ “መረብ ብተከዘ ትሕበን” ዝበሃል ብመላእ ህዝብና ንሕበን።

ካብ ኣወል ናብ ካልኣይቲን በረካን ሰጊራ ናብ ደረጃ ከም ተማዕዱ ጀበና፤ ወጮ ክፍኣት ህግደፍን ሳተላይታታን ካብ ተሓቢኦሙሉ ዝጸንሑ ጉብጥሽ ንምውጻእ ዝተረፎም ነገር የለን። ሎሚ ከምቲ ስራሕ ህግደፍ “ሕዝ-ግድፍ” ዘይኮነስ፣ ሰባት እናሓረዱ ብደቂ ኣዳም ኤርትራውያን’ዚ መጠመቒኦም ዝጻወቱ ዝነበሩ ጎሓላሉ ናብ ዝምልከቶ ቤት ፍርዲ ንምቕራብ ምብግጋስ ይግበር ኣሎ። ካብ ሰብዓታት ክሳብ 1994 ምርሻን ኣካለ-ስንኩላን፤ ክሳብ ምእሳር ጉጅለ 15 ማለት በዓል ኣምባሳደር በራኺ ገብረስላሴ ባዕሉ መስፍን ሓጎስ ምስ ጉጅለ 15 ፈሪሙ ከብቅዕ ኣብቲ ምስ ኢሳይያስ ወርሒ ሓምለ 2001 ናብ ኢጣልያ ከይዱሉ ዝነበረሉ ግዜ፣ ካብ ዓዲ ጥልያን ንጀርመን ብዕለት 4 ወርሒ ሓምለ 2001 ተለፎን ደዊሉ፦ “ኪድ ቀልጢፍካ ናብ ኣስመራ እቶ። ወላ ሓንቲ ነገር የለን፣ ኩላ ተቖጻጺርናያ ኢና” ኢሉ ናብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝሕየር ዝገበረሉ ግዜን ድሕሪኡን ንዝነበሩ ገበናት እቶም ብዝለዓለ ዝሕተቱ ብሂወት ዘለዉ ከምቲ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ዝጸንሐ ብውሽጢ ኢሳይያስ፣ ብደገ ድማ መስፍን ጥራይ ኢዮም። ተጋዳላይ መስፍን ሃየ መልስ ወይ ወግዓዊ ይቕሬታ ንህዝብኻ ሕተት ንብለካ ኣሎና’ሞ መመዝገብና ሒዝና ክንጽበየካ። ካብ ምስቲ ኣብ ገምገም ሸለው ዝበለ ጸድፊ ዘሎ ኢሳይያስ ንሓዋሩ ምጥፋእ፤ ምስቲ ዘለኣለማዊ ዝነብር ህዝብኻን መሬትካን ምንባር ይሕሸካ። እቶም ወራዙት ማዕዶ ጠበቓታት፣ እታ ትልሕም ዘላ ባርዕ ናብኦም ከይትመጾም ኢዮም ዘዕገርግሩ ዘለዉ’ምበር ዘድሕንዎ ጉዳይሲ የለን። ቤት ማእሰርቲ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ  በቲ ካብ ሜዳ ሒዙዎ ዝኣተወ ሜላ ዮሴፍ ስታሊን፤ ንመንካዕን የሚንን ዝተጠቕመሉ ኣገባብ ኣተኣሳስራ ኢዩ ቀጺሉ። ኣብቲ ጥንታዊ ምስጢራት መስፍን’ውን መሻርኽቲ ኢዩ። እቲ ካብ ‘’ተዓገስ’’ ዝብል ቃል ዝተበገሰ ስም ኣብያተ ማእሰርቲ ኢሳይያስ፣ ክሳብ ሎሚ ‘’እንዳቦይ ተዓገስ’’ ዝብል ስም ሒዙ ክጓዓዝ ጸኒሑ ኣሎ። ብድሕሪ ናጽነት ንዝተገብራ ክልተ ናይ ምእሳር ኣገባባት ክጠቅስ። ማእሰርቲ ብገበን ዘይኮነስ ብዘረባን መልክዕ ገጽን ተጀሚሩ ኢዩ እንተተባህለ ኣይትገረሙ። ንኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝመስል ሰብ፣ ቀጠልያ ላንድ ክሩዘር ዝዘወረ ዜጋ ክእሰር፣ ንኢሳይያስ ገለ ዝተዛረበ ድማ ንክርሸን ጥራይ ኢዩ እቲ ጽሕፍቶ ኤርትራውያን።

መንግስተኣብ ተኽለጼን ዝተባህለ ኤርትራዊ ንኢሳይያስ ቅምጥ ኢሉ ኢዩ ዝመስል። ኣቶ መንግስተኣብ ኣብ 1993 ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ መምህር ዝነበረ፣ ብድሕሪኡ ኣብ 1998 ዓ.ም. ንፈደረሽን ኣስራሕቲ ኤርትራን /Employers’ Federation of Eritrea/ ማሕበር ወነንቲ ዓበይቲ መካይን /ኤሪትራኮ/ (ERITRUCKO) ዝመስረተን በሊሕን ምሁርን ዜጋ ኢዩ። መንግስተኣብ ንኤርትራ ምስ ማሕበረሰብ ዓለም ንምልላይ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣህጉራውያን ኮንፈረንሳት ውድብ ኣህጉራዊ ዕዮ /International Labor Organization/ ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበረ ዜጋ ኢዩ። ኣብ 2006 ዓ.ም. ግን ናብ ቤት ማእሰርቲ ህግደፍ ኣተወ።

ብዛዕባ ምኽንያት መእሰሪኡ ዝቐረበ ክሲ ኣይነበረን። ገለ ለቕለቕቲ ናይ ሲ.ኣይ.አ. ወኪል ኮይኑ ጸኒሑ ክብሉ እንከለዉ፤ ንብዙሓት ግን መእሰሪኡ ምኽንያት መስድምም ኮነ። ንጉዳዩ ብዝምልከት ምስ ሓደ መኮነን ዝርርብ ኣብ ዝገበርኩሉ ግዜ ዝሰማዕኩዎ መስደምም ግን ንምእማኑ ዘጸግም ነበረ። እቲ መኮነን ህግደፍ፦ ”ንስኻ ኣይፈለጥካዮን ኣለኻ። መልክዑ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ምምሳሉ ጥራይ ከይኣኽሎስ፣ ልክዕ ንመኢና ፕረዚደንት እትመስል ቀጠልያ ላንድ ክሩዘር ገዚኡ ክዛወር ሓሲቡ። ስለዚ ናቱ ጉዳይ ብዝምልከት ኣብዚ ይኣክል። ካብ ሎሚ ደሓር በዚ እንተዘይተዛረብካኒ ይሓይሽ” ኢሉ መለሰለይ። ኣቶ መንግስተኣብ ኣብ ቤት ማኣሰርቲ ሰምበል ዝበሊ ዘሎ ምሁር ዜጋ ኢዩ።

ካልእ ብዘረባ ዝተኣስረ ዜጋ፣ ገዲም ተጋዳላይን ኣዛዚ ክፍለ-ሰራዊት ዝነበረን ኮሎኔል ጸጋዘኣብ ዑቕባማርያም ዝግታ /ስርናይ/ ኢዩ። ኮሎኔል ስርናይ ኣብ ስርሒት ዞባ ሓደ ኣብ ትሕቲ እዚ ብ/ር ጀነራል ተኽለ ክፍላይ /ማንጁስ/ ዝነበረ ሰብ ኢዩ። ኣብቲ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ “ኣይትሓዙኒ! ኲናት ክጅምር እየ። ደም-ደም ይጨንወኒ ኣሎ!!! ወይልኡ ኣብ ቅድመይ ዝጸንሓኒ…” እናበለ ዝፍክረሉ ዝነበረ ግዜ፤ ናብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ወሪዱ ምስ ኮ/ል ስርናይ ኣብ ኣዳርሰር ተራኸበ።

ኣብቲ ‘ኲናት ንጀምር’ እናበለ ዝግዕረሉ ዝነበረ ግዜ፣ ካብ ብዙሓት ኣዘዝቲ ሰራዊት “ወተሃደር ስለዘይብልና፣ ንውግእ ዝኸውን ኣጽዋርን ሎጂስቲክስን’ውን ስለዘየለ  ውግእ ሰዓቱ ኣይኮነን” ብምባል ዕጭ ዝበሉሉ ዓመተ-2005፣ ኩነታት ሰራዊትን ዕጥቅን ንምግምጋም ኢዩ ናብ ኣዳርሰር ዝወረደ። በሎ ድማ ንኮሎኔል ስርናይ “ክልተ ብርጌዳት ሰሪዕካ ቀርበለይ። ሓንቲ እታ ካብ ክፍለ ሰራዊትካ ዝሓየለት፤ ካልኣይቲ ድማ እታ ብዓቕሚ ሓይሊ ሰብን ዕጥቅን ዝደኸመት ብርጌድ” ስርናይ ከም ዝተኣዘዞ ቀረበ። ንክልቲአን እተን ብርጌዳት እናዞረ ዝተዓዘበ ስሱዕ ኢሳይያስ፣ ንብዙሓት ሓለፍቲን ተራ ኣባላት እታ ክፍለ-ሰራዊትን ኣዘራረበ። ናይ ኩላቶም ድምጺ ከኣ “እምቢ ንኲናት”  ኮነ።

ብድሕሪ ምሳሕ፣ ኮሎኔል ስርናይ ሓንቲ ዘረባ ናብ ኢሳይያስ ደርበየ። “ክቡር ፕረዚደንት! ነዚ መሳርዕና እንቋዕ ብዓይንኻ ርኣኻዮ። ሓንቲ ቅር እትብለኒ ጉዳይ ግን ኣላ። ንሕና ኣብ ሳሕል ዝተመሃርናዮ ንሰባት ከነምልኽ ከም ዘይብልና ኢዩ፣ እንተኾነ ኣብ መደባት ኤሪ-ቲቪ ደድሕሪ ዜና ‘ቃላት ብወርቂ ቀለም’  እናበለት ንስምካ ዝግበር ዘሎ ውዳሴ ብከመይ ትርእዮ” በሎ። ኢሳይያስ ፈራሕ ኢዩ፣ ካብ 1973 ዝነበረ ተመኩሮታት ኣብ እንዕዘአሉ ግዜ ከኣ፤ ኣብ ጸቢብ ኣከባቢ ናይ ልቡ ገሊጹ ኣይፈልጥን ኢዩ። ሽዑ ንስርናይ ኣብ ክንዲ ቃሕ ከም ዝበለኒ እየ ዝገብር ዝብሎ፣ “ኣንታ ስርናይ እቲ ዓሊ ዓብዱ ዝበሃል ሰብዩ ዘይስርሑ ዝገብር ዘሎ። ደሓን ጽቡቕ ርእይቶ ኢዩ፣ ደው ከም ዝብል ክገብሮ እየ” ኢሉ ተፈላለዮ። ኮሎኔል ስርናይ ከይተረድኦ ንነብሱ ፈንጂ ኣጻወደላ።

ድሕሪ ሓደ ሰሙን ከኣ ኣዛዚኡ ብ/ር ጀነራል ተኽለ ክፍላይ ጸዊዑ፣ ካብ ስራሕ ደው ከም ዝበለን ጸብጻብን ንብረትን እቲ ክፍለ ሰራዊት ድማ ንኮሎኔል ወዲ ዕንቋይ (ኣብ ወርሒ ግንቦት 2000 ኣብ ውግእ ማዕሎባ ከባቢ ኦምሓጀር ብሰራዊት ኢትዮጵያ ተማሪኹ ዝነበረን ጸኒሑ ዝተለቀን) ከረክብ ከም ዘለዎን ሓበሮ። ስርናይ ዝተባህሎ ምስ ገበረ ናብ ኣስመራ ደይቡ ደስከለ። መውዓሊኡ ባር ትረ-ስተለ ነበረ፣ ምስ ኢሳይያስ ኣብ ሓዘን ወዲ ውጩ ኣብ ዝተራኸቡሉ ግዜ ናይ ሓሶትን ሽሕጣንን ተስፋ ሰምዐ። “…ደሓን ኣብዚ ቀረባ ግዜ ስራሕካ ክትጅምር ኢኻ። ኩሉ ዘጓነፈካ ጸገማት ከኣ ሰሚዐዮ ኣለኹ። ነዛ ሃገር መላገጺ ዝገበሩዋ ሰባት ከም ዘለዉ እፈልጥ እየ” በሎ።

እቲ ንኮሎኔል ስርናይ፣ ክርዳድ ንምዝራእ ዘይደቀሰ ዕሉል ተንኮለኛ ኢሳይያስ ግብራዊ ስጉምቲ ንምውሳድ ኣይደንጎየን። ንኮሎኔል ስርናይ፣ ቀንዩ ሓዳ ምሸት ሰዓት ሸውዓተ ናብ ገዝኡ ተለፎን ተደወለት። ባዕሉ ተቐቢሉ ምስ ኮሎኔል ወዲ ዕንቋይ ኣብ ዚዛራረበሉ ዝነበረ ግዜ ድማ እቲ ኢሳይያስ ዝጠጅኦ ቃጻ ካብ ጉድጓዱ ወጸ። “ሎሚ ናይ ምንቅስቓስ ቢጃ ናይ መፋነዊ ግብጃ ጌርናሎም ስለዘለናስ ብዝቐልጠፈ ምጻእ ንጽበየካ ኣለና። ይቕሬታ ኣቐዲምና ኣይነገርናካን። ማንጁስ’ውን መጺኡ ስለዘሎ ቀልጥፍ ይብለካ ኣሎ” በሎ። ኮ/ል ስርናይ መኪንኡ ኣልዒሉ ከደ። ቀዳም ምሸት ኢዩ፣ ንጽባሒቱ ጥምቀት ጓሉ ሄርሜላ ኢዩ ነይሩ።

ግን መሳርሕቱን ሓላፊኡን ብዛዕባ ናይ ምፍናው ግብጃ ናይቲ ከም ሓላፊ ኮይኑ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ምንቅስቓስ ቢጃ /ተቓወምቲ ምብራቓዊ ሱዳን/ ስለዘዛረቦስ፣ ኣሚኑ ንጽባሒቱ ዝግበር ጥምቀት ጓሉ ግምት ከይገበረ ናብ ‘ዳስ-ሓውያ’  ኣተወ። ‘ወዲ ሃራም ኮቦሮ ከም ድላዩ ይስዕስዕ’  ከም ዝበሃል ድማ፤ እዞም ናይ ሎሚ ደቂ ኢሳይያስ እሙናት ፈጸምቲ ትእዛዛቱ ጽባሕ ንግሆ እዚ ናይ ጥፍኣት ሃራም ኮቦሮ ምስ ተገለፈ ምስ ህዝቢ ፊት-ንፊት ክራኸቡ ኢዮም።

ንጽባሒቱ ኣብቲ ጥምቀት ዝተዓደሙ ኣጋይሽ “ናበይ ከይዱ ስርናይ” ክብሉ ንሰበይቱን ኣዝማዱን ከጨንቕሎም ወዓሉ። ነቲ ኢሳይያስ ዘጻወዶ እከይ ተግባር ናብ ከብዲ ውሒጦም ግን “ህጹጽ ስራሕ ስለዝረኸበስ ትማሊ ምሸት ንኣዳርሰር ተበጊሱ። ናይ ሻዕብያ ነገር ከምኡ’ዩ፣ ሎሚ ሰላም ኣሎ ጽባሕ ዕግርግር! ደሓን ብልዑ ስተዩ ደኣ! ዝጎደለ ክንምልእ!” ክብሉን ክሸፋፍኑን ወዓሉ።

ኮሎኔል ስርናይ ኣብ ከባቢ ቤት ገርግሽ ኣብ ዘሎ ምስጢራዊ ቤት ማእሰርቲ ንገለ መዓልታት ተዳጒኑ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ብፍልይቲ ቨትሮታታ ብጸሊም ዝተጋረደ ቶዮታ ብለይቲ ናብ ኣዳርሰር ተወስደ። ኣብኡ ድማ ተረሸነ።

ታሪኽ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብምርሻንን ምእሳርን ዝተተኽተኸ ኢዩ። ነዚ ጉዳመኛ ሰብ’ዚ ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ኢዩ ክፈርዶ? እቶም ደም ዝነብዑ ህዝቢ፣ እተን ኣራእሰን ንመዋእል ዝተደርመማ ኣዴታት፣ እታ ወድናስ ይመጸና ዶኾን እናበለት ክሳብ ሎሚ ገዝኣ ከፊታ ትጽበ ዘላ ዘይቀበጸት ስድራ ዝተረሸነ ጅግና፤ እቶም ንሞት ወለዶም ክንዲ ቅንጣብ እምነት ዘየሕደሩ ደቂ እሱራትን ዝተረሸኑን ሰማእቲ… እንታይ ኢዮም ክፈርዱ? ኣብ ዓለም እቲ ዝለዓለ ንገበነኛ ዝወሃብ ፍርዲ ኣበየናይ መጽሓፍ’ኮን ይህሉ ይኸውን? ህዝቢ ኤርትራ ነቲ መጽሓፍ እቲ ንከንብብ ኣዒንቱ ከፊቱ ይጽበ ኣሎ’ሞ፤ ጆባእ በልዎ ነቲ መቕጽዒ ገበነኛ መጽሓፍ።

ኣብ ዝቕጽል ጽሑፍ ብተመሳሳሊ ትሕዝቶ ክሳብ እንራኸብ ሰላም! ናባይ እትሰድዎ መልእኽቲ ድማ በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ኢዩ፦

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.This e-mail address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it

 

ኣለና፣ ከም ነጎዳ ሓጋይ ድምጺ ዕቡሳት ኢዩ።

ኣለኺ+ኣለኻ+ኣለኽን+ኣለኹም= ኣለና

ሞት ክናና ንኢሳይያስ!

ይቕጽል…

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...