ስርናይ ዝተተለመት ጽግኢ፣ ስርናይ ኢያ እትፈሪ። ክርዳድ ዝተተለመት ቃድራ ድማ ከም ትልማ ክርዳድ። እነሆ’ምበኣር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ቅድሚ 40 ዓመታት ብዝተለሞ ዘርኢ ክርዳድ ንሕና ኤርትራውያን ክርዳድ ፈሪና። ኣብ ክንዲ ሰላም ኲናት፣(ምስ የመን፣ ሱዳን፣ ኢትዮጵያ፣ ጂቡቲ) ኣብ ክንዲ ፍቕሪ ጽልኢ፣ ኣብ ክንዲ ሃገራዊ ሓድነት፣ ኣውራጃዊ፣ ሃይማኖታዊን ብሄራዊን ፍልልይ፣ ኣብ ክንዲ ጽጋብ ጥሜትን ዓጸቦን፣ ኣብ ክንዲ ምትእምማን፣ ምጥርጣርን ጀብሃን ሻዕብያን እናተበሃሃልካ ምንቛት፣ ኣብ ክንዲ ርግኣት ስደት ወ.ዘ.ተ… ፈሪና።
      ኣብ ቀዳማይ ክፋል ‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’ ጽሑፈይ እቲ ሰማይ ጠቀስ ድሌት ንስልጣኑ፣ ካብቲ ዝጅምር ዝነበረ ኣኼባታት ክፋላት ህዝባዊ ሓይልታት ገለ ነገር ተገንዚብና ክንከውን እትስፎ። እዚ ንስሱዕ ባህግታቱ ዝሓንጸጾ ናይ ቀደም ትልሚ፣ ክሳብ ክንደይ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን የላግጽ ከም ዝነበረ የብርሃልና። እዘን ንኣሽቱ ሕጡበ-ጽሑፋት ካብቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 1973 ዝጸሓፎ መጽሓፍ ‘መንካዕ’ ዝተቖንጨላ ኣብነታት ኢየን።
     እቲ ውሑድ ቁጽሪ ዝነበሮ 2ይ ክፋል ህዝባዊ ሓይልታት (ኢሳይያስ ዝመስረቶ ሓይሊ) ልዕሊ’ቲ ብዙሕ ሓይሊ ሰብ ዝነበሮ 1ይ ክፋል ህዝባዊ ሓይልታት (በዓል ሮሞዳን መሓመድ ኑር፣ መሓሪ ደበሳይ ወ.ዘ.ተ… ዝመስረትዎ ውድብ) ወኪላት የሳትፍ ነበረ። እስከ ነዛ ኣብ ምምስራት ህዝባዊ ሓይልታት 1971 ዓ.ም. ንእሽቶ ስስዕቲ ውሳኔ ኢሳይያስ  ንመልከት፦

    ኣብ ናይ ምምሕዳር ሜዳ  



       ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንሕና ደቂስና እንከለና፣ ንሱ ትኽስ ኣይበለን። ካብ ግዜ ምስላፉ ክሳብ መደምደምታ ውግእ ሓድ-ሕድ 1981፣ ክሳብ ናጽነት ሃገርና፣ ካብኡ’ውን ክሳብ ውግእ ባድመ፣ ምቕፋድ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባርን ሎሚን ዝነበረ ጉዕዞ ኣብ ሓደ መጽሓፍ ንምጥቕላሉ ፈጺምካ ዝከኣል ኣይኮነን። ውድቀቱ ኣኺሉ’ኳ እንተኾነ፣ ምስጢራቱ ክሳብ ዝፍለጡ ግን ደርዘናት ዓመታት ክወስድ ኢዩ። እቲ ምንታይ ናይ ሂትለር ምስጢራ’ኳ ክሳብ ሎሚ በብቑሩብ ይፍለጡ ስለዘለዉ።
       ዝግ ኢልና ከም እንበጽሖ፣ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይካ ኢሳይያስ ካልእ ደመኛ ጸላኢ የብሉን። ኣብዚ ሎሚ መሸንቆቓ ናብ ክሳዱ ኣትያ ዒቕ-ዒቕ ኣቢላትሉ ዘላ ወቕቲ፣ ኩላትና ኤርትራውያን ብሓደ ድምጺ ‘ሳቮያ’ ኢልና እንተዘይኣጽዲፍናዮ፤ ከምታ ን’መንካዕ’፣ ‘የሚንን’ ጉጅለ 15ን ዝተሰልበጦም መድሎ እንተረኺቡ ንምስልባጥ ድሕር ዝብል ሰብ ኣይኮነን።
       ካብዚ ተመኩሮ’ዚ ብምብጋስ ምስ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ልዝብ…ዕርቂ…ሓባራዊ መንግስቲ ምቛም…ብሓባር ምስራሕ ኢሉ ዝሓስብ ጥራይ ዘይኮነስ ዝሓልም’ውን እንተሎ፤ ንበጊዕ ናብ ሰፈር ተዃሉ ኣእቲኻ ንግሆ ዕየት ክትወልደልካ ምጽባይ ከም ማለት ኢዩ ዝቑጸር። ስለዚ ንሕና ኤርትራውያን ነዚ ብበትሪን ዓረርን እናዘበጠን እናቐፈደን ዝበታትነና ዘሎ ውልቀ-ምልካዊ ኣነጻጺርና ሓቀኛ ምስሉ ናብ ዝህቢ ከነቕርብ እዋናዊ ጉዳይና ኢዩ። ጉዳይናን ጉዳይ ኢሳይያስን ‘ብየማን ንዝጸፍዓካ ብጸጋም ድገመኒ በሎ’ ዝዓይነቱ ኣይኮነን። ቀዳማይን ካልኣይን ሓባሪ ናብ ግንባሩ ኣነጻጺርና እንተተበጊስና ድማ ዓወት ህዝቢ ኤርትራ ጋህዲ ከም ዝኸውን ምንም ጥርጥር የለን። እታ ግናይ ናይ ክፍኣት ቆረበሻ ህግደፍ ከኣ ምስኡ ከም እተብቅዕ ዝተጋህደ ሓቂ ኢዩ።
       ክሳብ መዓስ ኢና ትም እንብል? ክሳብ መዓስ ኢና ብስም ‘ሉኣላውነት ሃገር’ ንኢሳይያስ ‘ጽንጽያ ዓይኑ ኣይተንፍርሉ’ እንበሃል? ስለምንታይ ኢዩ ንኢሳይያስ ብጎነጽ ምእላይ ወይ ኣንጻሩ ጠበንጃ ምትኳስ ከም ክሕደት ንኢየሱስን ደቀ-መዛሙርቱን፤ ወይ ጥልመት ንመሓመድን ኣልኹላፋእ ኣልራሽዲንን ዚቑጸር? ስለምንታይ ኢዮም ሰባት ናብ ኢትዮጵያ ምእታው ወይ ንጉዳይ ሃገርና ኣብ ዝምልከት ምስ ኢትዮጵያውያን ዝርርብ ኣብ ዝግበረሉ ግዜ ከም ክድዓት ዝቖጽሩዎ? ኤርትራዊ ደላይ ለውጢ ደኣ ናበይ ከይዱ ይጋባእ? ኢሳይያስ ጠበናጁ ዝዓጠቑ ኢትዮጵያውያን ኣብ ኣንቶረ፤ ናብ ግብረ ሽበራ ዝዋፈሩ ጉጅለ ኣልሸባብ ሶማላውያን ኣብ ከባቢ እምበረሚ  ዓዓሊሙ ኣዕጢቑን እናኣበገሰ፣ ስለምንታይ’ዮም ሰባት ኣብ ኢትዮጵያ ምጽጋዕ ከም ፍንፉን ተግባር ዝወስዱዎ? ናበይ ደኣ ንኺድ! ናብ ወርሒ ወይስ ናብ ማርስ? ካብቲ ዝጸናሕናዮ መንቀራቕሮ መዶሻን ኡንክዲኖን ክንወጽኣሉ ዝግባእ መዓልቲ ሎሚ’ዩ።
      ከም በዓል ኢሳይያስ ውልቀ-ምልካዊ  ንዝሓዝዎ ፖለቲካዊ ስልጣን ናብ ረብሓ ህዝቢ ንምምላስ፤  ክልቲኡ ክፋላት መቃለሲ ማለት ፖለቲካዊን ጎነጻዊን ሸነኻት ቃልሲ ከተናዲ ኢዩ ዝምረጽ። ብዛዕባ ጎነጽ ወይ ጎነጻዊ ቃልሲ ኢለ ክዛረብ እንከለኹ፣ ነታ ካብ ኣፈ-ሙዝ እትወጽእ ዓረር እትመርሕ ፖለቲካዊ ምንጪ ጥራይ ምዃና እኣምን።
      ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2006 ኣብ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍን ጀነራላትን ብዛዕባ ‘ተቐወምቲ ውድባትን ኣንፈቶምን’ ምስጢራዊ ኣኼባ ገይሩሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ፦ “… ሃመማ እንተተኣከቡ መኽደን ኣልባ ነይከፍቱ” ክብል መሲሉ ኢዩ። እዚ ውድዓዊ ገምጋም ኢዩ። ምኽንያቱ ተቓወምቲ ውድባት ብሰንኪ እቲ ኣብ መብዛሕትአን ዘሎ ጽላሎት ኢሳይያስ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመታት ዝገበርኦ ውቐይ ስለዘየለ። ስለዚ ኢሳይያስ ንምእላይ፣ ኣብ ርእሲ እቲ በብኩርንዑ ዝግበር ዝነበረን ዘሎን ፖለቲካዊ ቃልሲን ተቓውሞን፣ ነዚ ዝበሰለ ውድዓዊ ኩነታት ናብ ረብሓ ህዝቢ ንምቕያር፣ መንእሰይ ሰናድር ክዓጥቕ ኣለዎ።
      ንሕና ኢና ጸሚምና’ምበር ንሱ’ኮ ዕላምኡ ብዘይ ሕብእብእ ነጊሩና ኢዩ። ምስ ተለቪዥን ኣል-ጀዚራ ኣብ ዝገብሮ ዝነበረ ቃለ-ምልልሳት ፦ “…ብዛዕባ ስልጣነይ ንህዝቢ ከረክብ ኢለ ወላ ንሓንቲ መዓልቲ’ውን ሓሲበ ኣይፈልጥን! ምርጫ ምናልባት ድሕሪ ሰላሳ ወይ ኣርባዓ ዓመታት ኢዩ እንተተገብረ…” ክብል ዘይሰምዐ ኤርትራዊ ውሑድ ኢዩ። ስለዚ ዕጭ-ሓንፈፍኩ እናበለና ክነሱ፣ ስለምንታይ ኢና ይተኹበልና’ዶ’ኾን እናበልና ትኳቦ ወይ ካራማ ካብ ኢሳይያስ እንጽበ!
      ዝብኢ ንእግርኻ በብቑሩብ እናቖርጠመካ ክሳብ ጸጊቡ ዝኸይድ ክጽመሞ ኢልካ’ዶ ትም ትብል ኢኻ? እቲ ናትና መስደምም ንኣዳም ገረሞ ኢዩ። ኩሉ ጽሑፋተይ ከኣ ንሕቡእ ምስጢራትን ኣጀንዳን ስሱዕ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ክፍትሽ፣ ቀጺለ ድማ ናብ እዋናዊ ጉዳይ ሃገርን ህዝቢን ብዓቕመይ ክሳተፍ እየ’ሞ፣ ሃየ ተደጋጊፍና ንኺድ።
     ኣብ ዝሓለፈ ቀዳማይ ክፋል ጽሑፈይ፣ ኢሳይያስ ኣብ ጉባኤታት ህዝባዊ ሓይልታት ክሳብ ክንደይ ስሱዕን ተበላጽን ምንባሩ ኣተንቢሀ። ሕልሙ ንስልጣን ጥራይ ስለዝነበረ ድማ ምስ ሓርበኛታት ኣቦታትና ወልደኣብ ወልደማርያምን  ዑስማን ሳልሕ ሳበን ዝነበሮ ዝምድና ስልታዊ ምንባሩ ካብ ሰነዳቱ ኣንቢብና። ካብ ምምስራት ህዝባዊ ሓይልታት ካልኣይ ወገን ኣብ ዓላ ክሳብ ምትሕንፋጽ ምስ ቀዳማይ ወገን ህዝባዊ ሓይልታትን ዖበልን ዘሕለፎ ናይ ስልጣን ረጽሚ መወዳድርቲ ኣይነበሮን። ናብቲ ሕቡእ ሕልሙ ንምብጻሕ ግን ዘዝተማህረ ክለቅም ስለዝነበሮ፣ ካብ ምቕታል ኣብርሃም ተወልደ ናብ ምርሻን ጉጅለ ‘’መንካዕ’’ ን “የሚንን” ተሰጋጊሩ።
      ኢሳይያስ ተባዕ…ጅግና…ተዋጋኣይ…ቆራጽ ወ.ዘ.ተ. ዝብሉ ምንም ናይ ታሪኽ እንዶ ዘይብሎም  ከም ኣቡአነ ዘበሰማያት ዝደጋግሙ ቁንጭቑንጮ ቆልዑት’ኳ እንተሃለዉ፤ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ግን ፈራሕ፣ ሓሳዊ፣መጣቖሲን ቂመኛን ሰብ’ዩ።  ብተፈጥሮኡ መስተውዓሊን ኣርሒቑ ጠማቲን ምዃኑ ኣይከሓድኩዎን፣ ግን እቲ ኩሉ ብልሒን ጥበብን ናብ ገዛእ ጥቕሙ ጥራይ ኢዩ ኣውዒሉዎ።
     ብዛዕባ ናይ ውግእ ተራኡ ግን ኣብ ውግእ ሓድ-ሕድ 1973 ገረግር ሱዳን፣ ኣብቲ ኣብ መጀመርታ 1974 ን16 መዓልታት ኣብ ኣልጌን ኣንጻር ወተሃደራት ኢትዮጵያ ዝተገብረ፣ (በዓል መብራህቱ ወዲ ገብሩ ዝተሰውኡሉ) ሓያል ውግእ፤ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 1974 ሰንበት ወጋሕታ ኣብ ወኪ-ዛግር  ዝተኻየደ ውግእ ሓድ-ሕድ ( እኒ ሳልሕ ጠጠው፣ ተኽሉ ሸሪፍ፣ ኣብርሃ ዓንደብርሃን ዝተሰውኡሉ) ዝነበሩ ተጋደልቲ ይመስክሩዎ።
     ካብ 1975 ዘመነ-ቦጦሎኒታት ክሳብ ግዜ ናጽነት ኤርትራ ኣንጻር መግዛእቲ ኣብ ዝተገብሩ ውግኣትን ኲናታትን ግን ኣብ ከምዚ ቦታ፣ ብዕለት ክንድዚ ናብ ውግእ ተኻፊሉ ነይሩ ዝብል ሰብ እንተሎ ክሰምዕ ምደለኹ። እቲ ምንታይ ንኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ቲቪ ዘይኮንኩስ ብኣካልን ብቐረባን ስለዝፈልጦ። ሎሚ ብህይወት ካብ ዘለዉ ተጋደልቲ፣ ብፍላይ ኣብ ቅድመ-ግንባራት ሓለፍቲ ዝነበሩ፤ ዘይተተንኮሐን ሓጺን ሩስያ ኣብ ሰብነቱ ዘይተሰከመን የለን። እታ ንኹሉ ተዋጋኣይ ከም ክታበት ፈውሲ ፖልዮ ዝተዋህበት ስከጆ ድኣ ከመይ ገይራ ኢያ ንኢሳይያስ ፈንፊናቶ? ንሱ ይጽናሓልና’ሞ ንቐጽል።
       ኣብ ምምራሕ ሰራዊትን ምሕንጻጽ ቅዲ-ኲናትን ማዕረኡን ልዕሊኡን ኣበርክቶ ዝነበሮም፤ ኣብ ውግእ ሓድ-ሕድን ኣንጻር መግዛእቲ ኣብ ዝተገብሩ ውግኣት ዝተሰውኡን ባዕሉ ዝረሸኖምን ዜጋታት ናብ ናጽነት ዘይኣተዉ፣ ገለ ኣብ ዒራ-ዒሮ ዝተሞቕሑ፣ ውሑዳት ዝደስከሉን ገለ ውሑዳት ድማ ኣብ ምምራሕ ጊልያዊ ሰራዊት ዝርከቡን ዜጋታት ኣለዉ። ወላ’ውን መሪሑን ብኣገራሚ ብልሑ ናጽነት ኣብ ምምጻእ ዓቢ ተራ እንተዝነብሮን፣ ‘ዝኣመነ ብሴፍ ዝኸሓደ ብሴፍ’ ኢሉ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ክበታትን መን ኣፍቀደሉ። ናጽነት ኤርትራ ኣብ ምምጻእ ዜጋታት’ዛ ሃገር ጉልበት፣ ገንዘብ፣ ንብረት ደም፣ ህይወት ኢዮም እኮ ከፊሎም። ስለዚ ናጽነት ጋህዲ ኣብ ምግባር እቲ ዝዓበየ ዋጋ ዝኸፈለ ሰብ እቲ ሂወቱ ዝሰውአ ኢዩ። እቲ እግሩ፣ ኢዱ፣ ዓይኑ ወ.ዘ.ተ… ዝኸፈለ’ኮ ኣበርኪተ ኢሉ ዘይተነየተ! ስለዚ ኢሳይያስ ‘እዛ ሃገር እዚኣ ኣነ ስለዘምጻእኩዋ ከም ቃሕታይ’ ኢሉ ክድክረና ብከመይ ትም ንብል?
      ክመርሕ እየ ወይ ከመሓድር እየ ምባል’ኮ ገበን ኣይኮነን፤ ክግብት እየ፣ ብሒም ንዝበለ ይተሓጎም እናበልኩ ንኩሉ ህዝቢ ክጭፍጭፍ እየ ሃብቲ ሃገር ክቆጻጸር እየ፣ ንህዝቢ ብጥሜት ክህንኩቶ እየ! ምባል ግን እቲ ዝዓበየ በደል ኢዩ። ኢሳይያስ ካብ ኣጀንዳ ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈልየ ሕቡእ ዕላማ ስለዝነበሮን ዘለዎን፤ ከምኡ’ውን ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝሰረቖ ሚልዮናት ገንዘብ ስለ ዝሓብአን፣ ካብ ምምስራት ህዝባዊ ሓይልታት ክሳብ ሎሚ መላእ ሰብነቱ ብደም ስለዝጨቀወን ምስ ህዝቢ ኤርትራ ብሰላም ክነብር ዝከኣሎ ኣይኮነን።  ንህዝቢ ኤርትራ በታቲኑ ምስ ኮረቢትን መንደዃዱኽን ኤርትራ ክሳብ መዋእሉ ክነብር ዝተመነየ ኢሳይያስ ግን፣ ሕልሙ ሕልሚ ደርሆ፣ ድቃሱ ድማ ድቃስ ዓባይ ጤል ከም ዝኾኖ ተገንዚቡዎ ኣሎ።
       ቀሰይ ኢሉ ከም ዝበርሃልና፣ ካብ ንግሆኡ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከም ኩሉ ኤርትራዊ ንመስዋእቲ ስለ ናጽነት ኤርትራ ኢሉ ኣይኮነን ናብ በረኻ ዝወጸ። ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ህዝቢ ኤርትራ ዝገበሮ ትዕዝብቲ፣ ንጹር ዕላምኡ ንግስነትን ዶላርን ጥራይ ኢዩ። ስለዝነበረ ኢዩ ድማ ገና ካብ ብረታዊ ቃልሲ ኣትሒዙ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ካብ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ዘጠራቕሞ ዝነበረ ዶላራት ድሕሪ ናጽነት መድቆሲና ዝገበሮ። እቲ ገንዘብ ዝእክብን ናብ ምስጢራዊ ሕሳባት ዘእቱን ዝነበረ ተጋዳላይ ኤርሚያስ ደበሳይ /ፓፓዮ/ ድሕሪ ናጽነት ዝተኣስረ።  
       ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ነቲ ሕቡእ ኣጀንዳታቱ ንምትግባር ድማ ቅድም ቀዳድም ኣብ ሜዳ ኤርትራ ንበይኑ ጎብለል ኮይኑ ክወጽእ ስለዝነበሮ፣ ንውድብ ተ.ሓ.ኤ. ምስጓጉ፤ ደሓር’ውን ነቶም ተዋጊኦም ዘንገሱዎ ተጋደልቲ ህ.ግ.ሓ.ኤ. በብቑሩብ ምኹስታሮም ዝብል ውጥን ኣተግበረ።
      ንድሕሪት ናብ ተመኩሮ ብረታዊ ቃልሲ   እንተተመሊስና፣ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዘይካ እታ ንሱ ዝሓልማ ስልጣንን ምግባት ሃብትን ካልእ ውድብ ወይ መሻርኽቲ መሪሕነት የድልዩዎ ኣይነበሩን። ነቲ ኩሉ ክፉእ ዕላማታት ክሃርም ዘኽኣሎ ድማ እዛ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ዘላ ጥውጥዋይ ልቡ ጥራይ ኢያ።
     ኣብ ዝኾነ ግዜ ንጹር መንገዲን ቅኑዕ ልቢን ሒዙ ዘይፈልጥ ስሱዕ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ እነሆ ሎሚ ካብ ምፍላይ ህዝባዊ ሓይልታት ክሳብ ኣኼባ ወኪ-ዛግርን ስምምዕ 20 ጥቅምትን ዝነበረ ምፍሕፋሕ፤ ቀንዲ ኣላሚኡን ሃንዳሲኡን ኢሳይያስ ጥራይ ከም ዝነበረ በብቑሩብ በሪሁልና። ምስ መሪሕነት ተ.ሓ.ኤ. ዝነበሮ ጽልኢን ቅርሕንትን መዘና ኣይርከቦን። ንተጋደልቲን ህዝቢን ፍልልይ ጀብሃን ሻዕብያን ብናይ ቻይና ፍልልይ ኣብ መንጎ ብማኦ ጸ ቱንግ ዝምራሕ ዴሳዊ ሰልፊ ቻይናን፣ ብዶክተር ሳን ያት ሰን ዝምራሕ ዝነበረ ሰልፊ ኮሚንታንግን ገይሩ እናኣቕረበ ናይ ምብትታን ህቦቡላታት በተነ። ኣብዚ ነቲ ተመኩሮ ንምትንታን ዝከኣል ኣይኮነን። መዓልቱ ሒዙ ይጸሓፍ ይኸውን።
     ሓንቲ ንእሽቶ ኣብነት ጥራይ ክጠቅስ፦ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 1978 ኣብ ከተማ ከረን ኣኼባ ክልቲኡ መሪሕነታት ንምግባር ይጸዓረሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ፣ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ታሕታይ ዓንሰባ ኣንጻር ወተሃደራት ጸላኢ ዓቢ ዓወት ረኺቦም ዝነበሩሉ ምሸት ኢዩ። ህዝብን ተጋደልትን ናይ ደስታ ጓይላ ኣብ መጻወቲ ኩዕሶ ከተማ ከረን /ጆኮ/ ተኣከበ። ናይ ክልቲኡ ውድባት መሪሕነትን ካድረታትን ድማ ብሓደ ኮፍ ኢሎም ነበሩ።
      ብኣናውንሰር ጉጅለ’ቲ ባህሊ ‘’ሳዕስዒት ንመሪሕነት ክልቲኡ ውድባት ጥራይ” ተባህለ።ናይ ክልቲኡ ውድባት መሪሕነትን ካድረታትን ንዝሓለፈ ቅርሕንቲ ረሲዖም ነጸልኦም ተዓጢቖም ናብ ሳዕስዒት ክኣትዉ ከለዉ፣ ኢሳይያስ ጥራይ ንበይኑ ካብ ምስዕሳዕ ኣበየ።
     ሓያለይ መራሕቲ እንተላይ ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ዝነበረ ኣቶ ሮሞዳን መሓመድ ኑርን ኣብ ተ.ሓ.ኤ. ሓላፊ ወተሃደራዊ ስታፍ ዝነበረ ስዒድ ሳልሕን ብኢዱ ወጢጦም ክልምንዎ እንከለዉ ናይ ዓይኒ ምስክር ነይረ። ንሱ ግን ኣቕበጾም፣ እቲ ቅርሕንቲ ክሳብ ክንደይ ክሒኑ ከም ዝነበረ የብርሃልና። ሕድገት ምእንቲ ህዝብን ስምረትን ምባል ካብ ኢሳይያስ ዘበት! ነቲ ልመናን ምውጣጥን ዝተዓዘባ ሓንቲ ኣደ ናብ ኢሳይያስ ቀሪበን “ኣንታ ኢሳይያስ ወደይ… ንዓ ድኣ ኣይፋልካን!... ምስ ኣሕዋትካ ሳዕስዕ! ርኤኻ’ሞ ሻዕብያ’ኳ ንበይንኹም ነዛ ከረን ናጻ ዘውጻኣኩማ… ሕጂ ድማ ክልቴኹም ምስ እዞም ኣሕዋትካ እንተሰሚርካን እንተተማኺርካን ስጋ’ቦይ ኢለ ጽባሕ ንግሆ ኣስመራ ኣብዛ ኢድኩም ኣላ!...“ በለኦ፣
      ኢሳይያስ ኣይሽንኳይዶ ምስ ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ.፣ ነቶም ናብ ኮረሻ ስልጣን ዝሰቐሉዎ ገዳይም መጓዕዝቱን መሪሕነት ህ.ግ.ሓ. ኤርትራ’ውን በብቑሩብ ዘጥፍኦም ጉሒላ ኢዩ። ነተን ዓባይ ኣደ ድማ “… ኣደይ ዓባይ ቅጫኽን ጥራይ ኣርጉዳ’ምበር ናይ ስምረትሲ ባዕልና ኣሎናዮ“ ክብል ብኣቃጫጭ ኢዩ ዝመለሰለን።
      ምንም’ኳ ምስ ስዒድ ሳልሕ ካብ ግዜ ጀብሃ ዝነበረ ጽልኢን ህልኽን እንተነበሮም፣ ደሓር’ውን ክልቲአን ውድባት ኣብ ውግእ ሓድሕድ ድግሰና ፍልፍል፣ ክሳድ ጸሓፍላም (ካብ ተ.ሓ.ኤ. እስራኤል ምስግና፣ ካብ ህዝባዊ ሓይልታት ከኣ በራኺ ፈንቅል ዝተሰውኡሉ) ውግእ ወኪ-ዛግር ክሳብ ገማግም ዋራን ከወክንን ፊት ንፊት ብጠበንጃ እንተተጋጠማ፣ ስለ ናጽነት ‘ኣንጭዋ ትሕለፍ ምእንቲ ሞጎጎ’ ምባል ካብ ኢሳይያስ ትጽቢት ዘይግበረሉ ነጎዳ ሓጋይ ኢዩ።
      እቲ ልቡ ብዘይካ ጥውይዋይ ካልእ ዘይሓስብ ፕረዚደንት፣ በብመድርኹ ክሳገሮም ዝነበሮ ህጉማት ተሳጊሩ ኢዩ። ኣብዚ ሎሚ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ሰራዊት ምክልኻልን ፎእ መሪሕነትካ፤ ፎእ ተንኮላትካ! ዝብለሉ ዘሎ ሃዋጺ ግዜ፣ መሪሕነት መንግስቲ ኤርትራን ሰራዊት ምክልኻልን በብጉጅለን ዓርከይ-ዓርክኻን ተጎጃጅልሉ ዘሎ ናይ መወዳእታ ሰዓት…መሸንቆቓ ባይቶ ጸጥታ ንክውሰኾ ብስራት ካብ መንግስቲ ሆንግ-ኮንግ ንሰምዓሉ ዘለና ግዜ፣ ሙሉእ እገዳ ናብ ዕለተ ምትግባር እንተተሰጋጊሩ ድማ ናብ ደረጃ ጽላለ ከም ዝበጽሕ ብኣግኡ ንርእዮ ኣሎና።
     ከምቲ መንግስቱ ሃይለማርያም ‘ኣሰር ሃጸይ ቴዎድሮስ ክስዕብ እየ’ እናበለ ንሰራዊቱ ከሕንን ድሕሪ ምጽናሕ፣ ናብ ዚምባብወ ዝሃደመ፤ እቶም ‘ኢሳይያስ ጅግናን ተባዕን ኢዩ’ እናበልኩም ናይ ዶግማ ሃሌ-ሉያ ተስምዑና ዘለኹም፣ ጽባሕ እታ ገመድ ብርግጽ ክትጸብብ ኢያ’ሞ ኢሳይያስ ከምቶም ስለ ዕላማ ርእሰ ቅትለት ዝፈጸሙ ጀጋኑ ኤርትራውያን፣ ንነብሱ ጋሕ እንተኣቢሉዋ ሓቢርና ንተዓዘብ።
      እዚ ብዘይካ ንጽላሎቱ ንካልእ ዘይኣምን ውልቀ-መላኺ ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ድሕሪ ናጽነት ዝመሃዞ እከይ ፍሕሶ፣ ንሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ምብትታን ኢዩ ዝነበረ። ንህግደፍ ሓያል ሰራዊት እንተሎ፣ ከይኮኖም  ነቲ ሓያልን ብዲስፒሊን ዝሰርሕን ሰራዊት ኤርትራ ንሓዋሩ እውን ከም ዘይትንስእ  ኮነ ኢሎም ኣዳኺሞሞን ፋሕ-ብትን የእትዮሙሉን ኢዮም።
      ንሓይሊ ሰብ ጥራይ ዘይኮኑ ድማ፣ እቲ ዘሕዝን ንሞራልን ስነ-ምግባርን ተጋዳላይን ህዝቢን ፈጺሞም ቆጥቊጦሞ ኢዮም። ምኽንያቱ ኢሳይያስ ኣብ መሪሕነት ክጸንሕ እንተኾይኑ ነቲ ዝነቕሐ ክፋል ተጋዳላይን ህዝብን በታቲኑ ክድርቢ ስለዝነበሮ። ዓሻ በጊዕ ምስ ተኹላ ዕርክነት ዝበሃል ድማ ከምዚ ኢዩ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ካብ ንግሆ ኣትሒዙ ኣብ ልዕሊ እዚ ከም በጊዕ ገርሀኛ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ፣ ተኹላ ኮይኑ ክሰራሰር ኢዩ ተዓጢቁ።
      ኢሳይያስ ዝደጎሎ ገና ዘይተጋህደ ምስጢራት ኣለዎ። ህድእ ኢልና ናብ እንትንትነሉ ግዜ ድማ እቲ መልሲ ብሩህ ኮይኑ ንረኽቦ። ህዝቢ ኤርትራ ታሪኹን ዝዝከረሉ ቅርስታትን እናጠፍአ ይኸይድ ነይሩን ኣሎን። ኣብ ከተማ ኣስመራ ሓድሽ ኣስማት ጎደናታት ክቕየር ከሎ፣ ናይ ወላ ሓደ ስዉእ ናይ ወላ ሓንቲ ስውእቲ ስም ኣይተዘከረን። እንታይ’ዶ ነይሩዎ’ዩ ጎደና  ‘በርሀ ጻዕዳ’  ወይ ጎደና ‘ሳልሕ ጠጠው‘ እንተተባህለ። እቲ ኣስማት ኩሉ ባዕሉ ኢሳይያስ ዝሰመዮ ከም ዝኾነ ድማ ህዝቢ ፈሊጡዎ።
      ‘ደርሆ ገዛ ውዒላስ ማይ ትህረም‘ ከም ዝበሃል፣  ስራሕ ህግደፍ ናይ ቅድሚትን ናይ ድሕሪትን መኣዝኑ ኣይፍለጥን ኢዩ። መዓልታዊ ዕድል ኤርትራ ንግሆ ኢሳይያስ ኣብ ምትንስኡ ኢዩ ዝውሰን። ተበሪሁዎ እንተተንሲኡ፣ ከምቲ ባሕሪ ኣብ መዓልቲ ሰንበት ሃዲኣ ትውዕል ዝበሃል፣ ሃገር ድማ ዝግ ኢላ ኢያ ትውዕል ዝብሉ ሰባት ኣለዉ።
      ኣብ ምትንስኡ እንተሓሪቑ ጥርሙስ ብላክ ለበል ከም ዝጭልጥ ናይ ቀረባ ሓለውቱ ይምስክሩ። ሽዑ ገለ ሕማቕ ትእዛዝ ከም ዘመሓላልፍ ስለዝፈልጡ ከኣ፣ ነንዝኾብለለ ሓዎምን ዘመዶምን “…ሎሚ ግፋ ክትህሉ’ያ! ሃየ መሕብኢኹም ኣናድዩ” እናበሉ ይነግሩ። ኣብ ኣስመራ ከምዚ ዓይነት ሓበሬታ እናረኸቡ ንዓመታት ዝኾብለሉ ኣባላት ሰራዊት ኣለዉ። ኢሳይያስ ብስኽራን ዝፈለማ መዓልቲ ስኽርቲ መዓልቲ ኮይና ኢያ እትውዕል። ሽዑ ሙሉእ መዓልቲ ኣብ ሃገር ሰላም የለን። ብግፋን ብተፍትሽን ተናዊጻ ትውዕል። ካብ ኣስመራ ክሳብ ባጽዕ ሸሞንተ ናይ መፈተሺ ነቑጣታት ክህሉ ከሎ፤ ካብ ኣስመራ ክሳብ ተሰነይ ድማ ልዕሊ 12 መፈተሺ ብሎኮታት ኣሎ።
      ከምኡ’ውን ካብ ኣስመራ ክሳብ ዓዲዃላን ካብ ኣስመራ ክሳብ ሰንዓፈን ናቕፋን ዘሎ ብሎኮታት ብዙሕ ኢዩ።  እዚ ከምዚ ናይ ግርህና ይመስል’ምበር ኮነ ኢልካ ዝተገብረ ጉዳይ ኢዩ። ንህዝቢ ራዕድን ሽበራን ንምእታው ቀንዲ ዕላማ ህግደፍ ስለዝኾነ።       
       እቲ ኩሉ ካብ ግዜ ናጽነት ክሳብ ሕጂ ታሪኽ ተጋዳላይን ታሪኽ ህዝብን ንምሕካኽ ኢሳይያስን ጉጅለኡን ዝገብሩዎ ዝነበሩን ዘለዉን ጸብጺብካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ስለምንታይ ብድሕሪ ናጽነት ጉባኤ ንሃገራዊ ዕርቂ ዘይተገብረ? ኣባላት ኢሰፓ ንዝነበሩ ምሕረት እናተገብረሎም፣ ነቶም ካብ ሳሕል ክሳብ ሎሚ ኣብ ቤት ማእሰቲ ዝበለዩ ገዳይም እሱራት ተጋደልቲ ምሕረት ዘይተገብረ? መን ይኣምን ክሳብ ሎሚ ኣብ ካልኣይን ሻድሻይን መደበራት ፖሊስ፣ ናይ ሜዳ እሱራት ኣለዉ እንተተባህለ? ደቂ ዕስራ ዓመት ተሰሊፎም፣ ኣብ ሜዳ ዕስራ ዓመት፣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ድማ ዕስራ ዓመት፤ ክሳብ ሎሚ ብርሃን ጸሓይ ከይረኣዩ ኣስታት ደቂ ስሳ ዓመት ኮይኖም ዘለዉ  ባሕታውያን ደቂ ህዝቢ ኤርትራ’ዮም’ኮ።      
      ስለምንታይ ሃገራዊ ሓወልቲ ስዉኣት ዘይተገብረ?  እቲ መስደምም ከኣ ናይ ክንደይ ጀጋኑ ደቂ ህዝቢ ታሪኽ ረጊጽካስ፤ መዘከርታ ሓወልቲ ሩስያዊ ደራሲ ኣለክሳንደር ፑሽኪን ኣብ ኣስመራ ተተኺሉ። እዚ ጥበብ እዚ ከኣ፣ ደርሆ ጻሕቲራ እትረኽቦ ፍሹል ምኽሪ ኢዩ። ኣብቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እገዳ ንምትግባር ባይቶ ጸጥታ ትሸባሸበሉ ዝነበረት ግዜ፤ ገለ ካብ መንግስቲ ሩስያ ናይ ቀውፊ (ቬቶ) ድምጺ ኣንጻር ማዕቀብ እንተሓገዘት ካብ ዝብል ሰንኮፍ ጥበብ ዝተበገሰ ኢዩ። ዝግ ኢልና ንርአን ንሕሰብን። ናብ ቀላይ ከይንኣቱ ከኣ ቅድም ንጽላሎትና ንመልከት።      
      ታሪኽና እናተባሕጎገ ይኸይድ ኣሎ። ሃገር ብታሪኻዊ ድሕረ-ባይታ፣ ባህሊን ቁጠባዊ መዋቕርን እንተድኣ ዓንያ፣ ሃገር ክትበሃል ዝከኣል ኣይኮነን። እቲ ጥንታዊ ናይ ቻይና ዓቢ መንደቕን ቅድሚ 4 ሽሕ ዓመታት ኣብ ሃገር ምስሪ  ዝተሰርሑ ናይ ፎርዖን ፒራሚዳትን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ምዕቃብን ክንክንን እንተዘይግበረሎም ነይሩ፣ ሎሚ ኣይምሃለዉን። ኢሳይያስ ግን ንመንነትን ታሪኽን ህዝቢ ኤርትራ ከጥፍእ ዝተዓጥቀ ሰብ ስለዝኾነ፣ ታሪኽና ናብ ኣፈፌት መቓብር በጺሑ ከም ዘሎ ንርኢ ኣሎና። ገለ ግሩሃት ዜጋታት ኢሳይያስ ጸላኢ ናይ ሓደ ኣውራጃ፣ ሃይማኖት፣ ክፋል፣ ደርቢ፣ ገይሮም ስለዝርእዩዎ፤ ነቲ ፈላሊኻ ግዛእ ዝብል ረቂቕ ተንኮላቱ ዘስተውዓሉሉ ኣይመስለንን። ኣብ ግዝኣተ-ኢሳይያስ ዝጠዓማ ኣውራጃ፣ መሰላ ዝረኸበት ብሄር፣ እምነታ ዝተሓለወ ሃይማኖት፣ ሓለፋ ዝረኸበ ወገን፣ ካብ ሃብቲን ሓላፍነትን ኤርትራ ዝተመቓርሐ ማሕበራዊ ጉጅለ የለን። ኢሳይያስ ንዝኾነ ሰብ ክሳብ ዝጥቀመሉ ጥራይ ኢዩ ዝሕዞ። ኣድላይነት ናብ ዘይብሉ ሰዓት ምስ በጽሐ ድማ ከም ዲስፖሳብል ሲሪንጋ ይድርብዮ።      
      ‘በብሓደ ሰብ ወሓደ’ ኢዩ ነገሩ፣ ዕሉል ጉሒላ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ናይ ቀረባን ርሑቕን ውጥናቱ ካብ ጽባሕ ናጽነት ኤርትራ ኢዩ ጀሚሩዎ። ንኢሳይያስ ውሽጡን ውሻጥኡን ዝፈልጥ ኣብ ክልቲኡ ውድባት ዝነበረ ተጋዳላይን ውፉያት ሓፋሽ ውድባትን ጥራይ ስለዝነበሩ፣ ቅድም ቀዳድም ንተጋዳላይን ሓፋሽ ውድባትን ስነ-ኣእምሮኣዊ ውርሽኡ ምብታንን ነበረ። ስለዚ ነዚ ሃገርን ህዝቢን ንምጽናት እጅገኡ ሰብሲቡ ብድሆ ዝብለና ዘሎ ከዳዕ፣ ከም ሓደ ቅልጽም ሰሚርና ናብ ናይ ታሪኽ ጎዱፍ ንደርብዮ። ጅግና ስዉእ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ኣብቲ ናይ ናጽነት ሽግ ዝውለዓሉ ዝነበረ ህሞት፦ “…ኣነ ሎሚ ነዛ ሓዊ እኣጉዳ ኣለኹ። ብድሕረይ ብዙሓት ደቂ ሃገረይ ከም ዝስሕንዋ ከኣ ኣይጠራጠርን” ኢሉ ኢዩ ዝተበገሰ። ስለዝኾነ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ናጽነት ከምጽኣ ምዃኑ ስለዝኣመነ ጥራይ ኢዩ ተዓዊቱ። እምነት እንተሎ ዘይከኣል ነገር የለን። ኤርትራውያን ውድባትን ሰልፊታትን ድማ፣ ኢሳይያስ ክወድቕ ምዃኑ፣ ኣብ ሃገርና ከኣ ሰላምን ዲሞክራሲን ዝሰፈኖ ስርዓት ክንሃንጽ ምዃንና ምስ ዝኣምና ጥራይ’የን ክዕወታ ዝኽእላ።
      ተዘክሮታትና ንምሕዳስ ስሱዕ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ሕቡእ ኣጀንድኡ ንምብጻሕ ኣብ ልዕሊ ህዝቢን መሬትን ሃገርና ዝገብሮም ዝነበረን ዘሎን መንነት ናይ ምብዳም ስራሕ ክንርኢ ኢና። ሎሚ ብዙሓት ተስፋ ዝተገብረሎም ገዳይም ተጋደልቲን ተቓለስቲ ነበርን ዜጋታትና ናብ ናይ ጥንቲ ቅርሕንቲታቶምን ነበረ-ያ-ነበረ ዝንኦምን ጥሒሎም፣ ‘…ካብ ብበዓል እገለ ዝመጽእ ለውጢስ ኢሳይያስ ይሕሸና’ ክብሉ ንሰምዕ ኣለና። ኣብዚ ኣምላኽ ወይ ረቢ ክሳብ ዝወርድ ናብ ሰይጣን ተጸጊዕና ንጽናሕ ዝዓይነቱ እምነት ዘለናሉ ግዜ ከኣ፤ ርሱን ተራ መንእሰያት ኤርትራውያን ብዝያዳ ይጥለብ ኣሎ።

                               ሞት ክናና ንኢሳይያስ!     
      
                                ይቕጽል…

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...