ብዛዕባ ልኡኻት ንምድንጓይ ዋዕላ

 

“ዝግበር ድኣ’ምበር ዘይግበር ዝነግረና ኣይሰኣናን”

ብዛዕባ እዚ ለምቅነ ዝካየድ ዘሎ ክትዓት እንታይ ርእይቶ ትህብ ምስበልዎ ሓደ ሽማግለ ዝመለሶ።

ቀዳማይ፤ ምድንጓይ መስርሕ ንመን ይረብሕ? ጥቕሚ ኢሳያስ ምስ ገንዘብን ስልጣንን እዩ። ኣብዚ ጠውቑ።

ኣብዚ እዋን እዚ፣ ከመይ ጌሮም እዮም “ልኡኻት ሰላምን ፍትሕን ግደ ንሰማማዕን ንዘራረብን ደሞክራስን ዊሒዶም - ልኡኻት ፍርሕን ጥርጣረን ኣንነትን ጸጸኒሖም ሓደሽቲ ተላእኽቲ ይገብሩ” ንዝብል ሕቶ፣ ዓምዲ “ምኽሪ ሓሙሽተ” ብዙሕ ግዜ ከይወሰዱ ተዘራሪቦምሉ። እዚ ከም ውዱእ ገምጋም ከይውሰድ ምእንቲ እዩ ዝንገር ዘሎ።

ብመሰረቱ ከም ሃገር መጠን፣ ሓሳባትካ ብንጹር ናይ ምግላጽ ዕድልን ተመኲሮን ጋዜጣን መጽሔትን ስነ ጽሑፋዊ ሃዋህው ኣይጸንሐንን እቲ ዝነበረ እውን ብስርዓት ኢሳያስ ተደምሲሱ ኢዩ። ስነ ፍልጠታዊ ትምህርቲን ደሞክራሲያዊ ምዕባለን ሰለዝወሓደ፣ “ኣፍኣዊ” (oral) ኣግባብ ናይ ምትሕልላፍ ሓሳባትን ጉዳያትን ከም ልሙድ ክቕጽል ይርአ። እዚ ብህ.ግ.ደ.ፍ. ዝተመዝመዘ ኣገባብ  ኣብ ኣገላልጻ ከም "ጎዳኢ”ግርህነት” (ናይቪተ i.e. naivite) ተባሂሉ ዝንገረሉ ዘሎ እዋን ኢዩ። ህ.ግ.ደ.ፍ. ብ“ግሩሃትን”፣ ብድሕሪ መጋረጃ ድማ ዘይግሩሃት፣ ሽግር ናይ ዘይምፍታሕን ግዜ ናይ ምግዛእ ውራይ ኮነ ኢሎም ተተሓሒዞሞዎ ይርከቡ ኣለዉ። ቢሕትካዮ ዝነበርካ ስልጣን ንሕዝቢ ከተርክብ ምሕሳብ ንባዕሉ የጽግሞም ኣሎ ማለት እዩ።

እዚኣቶም እንታይ ከምዝገብሩ ዘለዉ ዝፈልጡ ለኣኽትን ተላእኽትን ኣለዉዎም። ናብ ምንታይ ዕላማ ይለኣኹ ኣለዉን - ብኸመይ እቲ ጉዳይ ይመጾም ኣሎ ዘይፈልጡ ግን ስቕ ኢሎም ብ"እዚ'"ባ "እዚ'ባ" እውን ዝለኣኹ ኣለዉ።

ህ.ግ.ደ.ፍ.ን ኣተግበርቶምን፣ ካብኦም ዝፈልፈሉን፣ ናቶም ጠባይ ሒዞም ዝጓዓዙን፣ ናይዚ ዕማም እዚ ፍሉይ ክእለት ኣጥርዮም እዮም። ኣብነታት፣

  1. ኣብቲ ሕብረተ ሰብ ዘይነበሩ ማለት ብንእስነቶም ዝገደፍዎ ወይ ድማ ኣብ ወጻኢ ዝዓበዩ ይወስዱ።
  2. ካብቲ ሕብረተ ሰብ ፍልይ ኢሎም ግን ተሰማዕነትን ተጠማትነትን ንዘይረኸቡ፣ የለልይዎምን “ከምዚ ግበር” “ከምቲ በሊ” እናበሉ ይደፋፍእዎም። እዚኦም ኣብ ድያስፖራ ዝጸመዎም ኮይኖም፣ ብሕጓ - ዘይሓሰብዎ ጠመተ (attention) ሰለዝረኽቡ፣ ተሓጒሶም ይጽሕፉን ይለኣኹን። እዚኣቶም ካብቶም ዘይትሓዘሎም እዮም።
  3. ናይቶም ብመበቆል ምስ መሬት ኤርትራ ዝምድና ዘይብሎምን ከም ዕሱባት ኣብ ኩሉ ቦታ ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ብዙሕ ኣብ ኢንተርነትን ካልእን ስለዝወጽእ ይጽናሕ። እዚ ነዚ ናይ ጋዜጠኛ ማህረምትን ኣብ ውሽጢ ውልቃዊ ጉዳያት ስድራ ምእታውን ደቂ ኣንስትዮ ምብልሻውን ምንእኣስን ወዘተ...ዘተግብሩ በጋሚንዶ ይምልከት። ንባዕሉ ፍሉይ ኣርእስቲ እዩ። በዚኦም ምጥቃም ናይ ዲክተተራት ስራሕ እዩ።
  4. ነቶም ብመትከል ርጉኣትን፣ ንዝተባህለ ብሕቶን ትንተናን ዘዘውትሩ ሰባት ክግልልዎም ይፍትኑን ኣብ ሓደ ሓደ እዋን ይዕወቱን እዮም። እዚኦም ኣብ ቁጽሪ 4 ዘለዉ እዮም ንሕዝቢ ኣገደስቲ። ንከም ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝኣመሰሉ ኣዕነውቲ ሕብረተ ሰብ ግን እዚኣቶም ኣየድልይዎምን እዮም። ኣብ ምንቲ ምንታይ ስለዘይሰምዕዎምን “ልኡኻት” ክኾንዎም ስለዘይክእሉን ኢዩ።  

“ኣንጭዋ ጸደፈት፣ ድሙ ተዓንቀፈት” እናበሉ ዘሎን ዘይልቦን ምኽንያት እናምጽኡ ዘጥረይዎም ልኡኻት በብቑሩብ ብሙሉቕ ሙሉቕ ጠፊኦሞም እዮም። ግንከ ኣብ ኣፍደገ ዕራርቦ ጸሓይ ንዝርከብ ስርዓት ንምድሓን፣ ድፍር ኢሎም ቅልቅል ቅልቅል ዝብሉ ኣይተሳእኑን። ካብ 2001-2010 ብሓደስትን፤ ዝበራበሩን፤ ብግዜያዊ ጎኒ ምድላይ ዝትስኡን ሕጂ እውን ዝንቀሳቐሱ ኣለዉ። እቲ ጉዳይ ግን “ናይ ዘጥረኻምበር ናይ ዝረኣኻ (ኣብዚ ናይ ዝተዛረብካን ዝጸሓፍካን) ኣይኮነን”።

ምድንጓይ ጉዳይ ኣብ ሕምብርቲ ሃገር (Read: Service for Life) ንዝነብር ዘሎ ዝያዳ የእስሮን (ናይ ዒራ ዒሮ ብ2009 ዝወጸ ኣብዚ ጠውቑ)፣ ይጎድኦን፣ መሊሱ የቑሱሎን፣ የጥምዮን፣ ይቐትሎን እዩ። ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ህ.ግ.ደ.ፍ. ሞት፤ ኣብ ሰደት ሞት እዩ ዝቕበሎ ዘሎ። ኣብ ባዕላዊ ስምዒታት ዝተመሰረተ ናብ ፍርሕን ጥርጣረን ጥራሕ ዝመርሕ ርእይቶታት ኣብ 2010 ንህ.ግ.ደ.ፍ.ን ደማዊ ስርዓቱን ኣየድሕኖን እዩ። እቲ ስርዓት ባዕሉ ኣብ ዝፈሓሮ ጉድጓድ የምርሕ ስለዘሎ።

~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~

"ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ኮነ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ብመደብ ዝለኣኽ እንበር ክመርሕ ወይ ናይ ምምራሕ ዝበቅዕ ዜጋ ኣይፈረየን። ሃገር ዝጸንሓ ታሪኽን፣ ዘገምታዊ ጉዕዞን ንምቕያር ብዙሕ ትዕግስቲ የድሊ። ኮይኑ ግን ናይ ሃገር ሕማም ቀልጢፉ ክፍወስ ከም ዝኽእል ካብ ጀርመን ጃፓንን ንላዕሊ ኣብነት ክርከብ ኣይከኣልን።" “ተጋዲሉ ገበል ሒዙ ምእታዉ” (2) 2002 ናይ መምህር ተስፉ ዘውደ ተመልከት።

~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~

ካልኣይ፤ ዘደንጒይ መሪሕነትን ልኡኻቱን ካብ 2001-2010 እንታይ ይገብሩ ኔሮም?  መልሲ ካብ ኣንበብቲ።

 

ዓምዲ “ምኽሪ ሓሙሽተ”፣ ስለምንታይ ነዚ ጥራሕ ንበይኑ ኣውጺኡኩም? ኢሎም ንዝሓቱ (because we can)።

ሕዝቢ ኤርትራ ብነጻን ብምርጫዊ ኣገባብ ዝውክሎን ብድሌቱ ዘማሕድሮ እዩ ዝደሊ ዘሎ እምበር፣ ኣብ ወጻኢ ብዝርከብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ጉጅለ ወከልቲ ኣይገበረን ኣሎ። ሓደ መዓልቲ ሕዝቢ ኣብ በቦታኡ ዝውክልኦ ሰልፍታት ከጥሪ እዩ። ብኦኦም ድማ ክመሓደር እዩ። እዚ ብደሞክራሲያዊ ተሳትፍነትን መልክዑ ብዝሓዘ ኣገባብን ስልጣን ናብ ሕዝቢ ዝመሐላለፈሉ ናይ ምርካብ መስርሕ እዩ። ናይ ሰልፍታት ኣቅውማ መስርሕ ንኹሉ ሎሚ በሪሁሉ እዩ። እቲ ሕብረተሰብ ኣብቲ ከበባኡ ሰልፊ መሰሪቱ ዘድልዩ ናይ ቁጽሪ ፊርማታት ምስኣከበ ይቐውም። ካልኦት እውን ከምኡ።  ንስለ ሓሳባትካ ናይ ምግላጽ ነጻነት፣ ታሪኽ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ክንገር ከሎ ድማ፣ ናይቶም መንደላይ ዝነበረን ድሓን ዝገበለን ውልቀ መላኺ ሒዞም ዝኣተዉ ጥራሕ ዘይኮነ፣ ናይቶም ንሃገር ነጻ ከውጽኡ ከይዶም፣ ኣብ ሳሕልን ባርካን ግዳያት ውሽጠ ውሽጠ ቅትለት ዝኾኑ ውፉያት ተጋድልቲ ታሪኽ ምዃኑ ንምዝኽካር ዝመጽእ ዘሎ ርእይቶ እዩ።

ካብዚ ሓሊፉ ጉዳይ ኤርትራ ሎሚ ናይ ሙሉእ ዓለም ኮይኑ ኣብ እገዳ ዝበጸሐ ጉዳይ ኮይኑ ይርከብ ስለዘሎ ንበይኑ ዝረአ ኣይኮነን።  

(ዓምዲ “ምኽሪ ሓሙሽተ” ሕሉፍ ጽሑፋት ንምርኣይ ኣብተን ሓደን ክልተን ሰለስተን ጠውቑ። እዚ “ምኽሪ ሓሙሽተ” ካብ ሓደ፡ ናብ ክልተ ናብ ሰለስተ በጺሑ ኣብ 4ን 5ን ክድምደም እዩ። ቀጻልነቱ ኣብ መጻኢ ይረአ። ኣዝማሪኖ)

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...