ኣብ ዝሓለፉ ጽሑፋተይ፣ ኤርትራ ነጻ ካብ ዝወጸቱሉ ግዜ ጀሚረ፣ ዓቕመይ ዝፈቕዶ ሓገዝ ክገብር ኣብ ዝፈተንኩሉ፣ መሪሕነት ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝተፈላለዩ ዕንቅፋት ብምፍጣር ዝኾነ ይኹን ንሕዝቢ ዝጠቅም ስራሕ ዓወት ንኸይረክብ ዝከኣሎ ገይሩ እዩ። ካብ ናተይ ብዝለዓለን ዝበዝሐን ንሃገሮም ክሰርሑላ ዝፈተኑ ኤርትራውያን ንብረቶም በዚ ሽፍታ ስርዓት እዚ ተመንዚዖም ጥራይ ዘይኮነስ ህይወቶም ዝሰኣኑ ብዙሓት እዮም። 

ኤርትራውያን መሃንድሳት ናይ መሃንድስነት ስራሕ ንኸይሰርሑ ተኸልኪሎም። ሓኻይም፣ ብሕታውያን ክሊኒካት ከይውንኑ ተኸልኪሎም። እቲ ምኽንያታት ካን ክሳብ ዘደንጹ ከም ናይ ሽወደን ክንገብር ኢና ንደሊ! እናበልካ ምድንጓያት እናምጻእካ ከዘይሰልጥ ምግባር ይርከብዎም። ኣብ ሜዳ ዝስራሕ ዝነበረ መድሃኒት ተረሲዑ፣ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ጽባሕ ነጻነት፣ ኤርትራውያን ሃነጽቲ ቅጥዕን ቅርጽን ብድሌቶም ሰሪሖም ኣብ ዝሓጸረ እዋን ፋብሪካ መድሃኒት ክስራሕ ኣብ ዝሓተቱሉን እቲ እዋን እውን ዝከኣለሉ ምቹእን ኣገዳስን ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፣ መራሒ ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝተፈላለየ ምኽንያት እናኣምጸአ ነቲ ስራሕ ከምዘይስራሕን ከምዘይትከልን ጌሩ። ናይዚኦም ንድሕሪት ናይ ምጉታት ዛንታ ነገርካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ኣብ መወዳእታኡ፣ ናይዚ ኹሉ ኤርትራዊ ተኽእሎ ኣብ ህጉም ኣእትዩ ንድኽነትን ግፍዕን ዕንወትን ዘቃልዐ ስርዓት እዩ። 

ድሕሪ እዚ ኩሉ ኣነዋሪ ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ. ስራሓት ምርኣይን ምዕዛብን፣ እዚ ናይ ሸፋቱ ስርዓት ካብ ሱሩ ተበሩቑቚ ከይተጓሕፈ ንኤርትራ ንኸይከይድ ስለዝወሰንኩ እስከ እምበኣር ንኢትዮጵያ ክበጽሕ በልኩ። ብኡ መሰረት ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣሕለፍኩዎ። ቅድሚ ምብጋሰይ ግን ሓንቲ ሕቶ ንነብሰይ ሓተትኩ። ንሳ ድማ ሕጂ ንኣዲስ ኣበባ ከይደስ ኢሳያስን እቶም ተሪፎምዎ ዘለዉ ዕሱባቱን “እዞም መንሽሮ ወያነ ንኢትዮጵያ ኣብ ገደል የእትውዋ ኣለዉ” “ኢትዮጵያ ብትንትና ክትወጽእ ቁሩብ ተሪፍዋ” ዝብልዎስ ክንደይ ኮን ሓቂ ይኸውን በልኩ።

እዚኣ እናሓሰብኩ ናይ ኢትዮጵያ ኣየር መንገድ ተሳፊረ ኣዲስ ኣበባ መዓርፎ ነፈርቲ ኣተኹ። ካብታ ነፋሪት ከይወረድኩ ከሎኹ ንየማን ጸጋም እንተጠመትኩ ካብ 10 ዘይውሕዳ ዝተፈላለየ ዕብየት ዘለወን ናይ ኢትዮጵያ ነፈርቲ ጠጠው ኢለን ረኣኹ። ኣመና ተገረምኩ። ኣብቲ ተርሚናል ምስ ኣተና፣ ካብ ነፈርቲ ዝወረድና ብዝሒ ተሳፈርቲ ሰባት’ውን ኣገሪሙኒ። ነቲ መዓርፎ ነፈርቲ ከመይ ጌሮም የዕቢዮሞ ከምዘለዉ ምስተዓዘብኩ ወይለይ፤ ‘“እዘን መንሽሮ ወያነ” ድኣ ነፈርቶምን መዓርፎኦምን ምስ ኤውሮጳ እንድዮም ዝወዳደሩ ዘለዉ’ ኢለ ምስ ነብሰይ ተዛረብኩ።

ናይ መእተዊ ቪዛ ከነህርም ኣብ መስርዕ ከሎና ንሓንቲ ምሳና ዝመጸት ኤርትራዊት “ኣንቲ ኣይገርመክን’ዶ ኢትዮጵያ ድኣ ተወንጪፎም እንድዮም ርኢኺየን’ዶ እተን ብዝሒ ነፍርቶም?” ኢለ ሓተትኩዋ። ንሳ ድማ “ኣነ ቅድሚ ክልተ ዓመት መጺአ ስለዝነበርኩ ሕጅሽ ኣይገርመንን ኣሎ” በልትኒ። ቀጺላ ሓንቲ ዝተፈጸመት መስሓቕ ግዳ ዘይነግረካ በለትኒ። “ቅድሚ ሹዱሽተ ወርሒ ኣቢሉ ይኸውን ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ነፈርቲ ኣብ ዓደን ጠጠው ኢለን ኔረን። ናይ ክልቲኤን ነፈርቲ ዝስቀሉ ሰባት ግን ብሓባር ኣብቲ ተርሚናል ኮፍ ኢሎም እናተጸበዩ፣ ሓንቲ ኢትዮጵያዊትን ሓንቲ ኤርትራዊትን ዕላል ጀመራ። ኣብ መንጎ ዕላለን እታ ኢትዮጵያዊት ነታ ኤርትራዊት “በየነይቲ ነፈሪት ኢኺ ትኸዲ ዘለኺ?” በለታ። እታ ኤርትራዊት ድማ ብኹርዓት ናይ ኤርትራ ነፋሪት እንተበለታ እታ ኢትዮጵያዊት ድማ ‘በታ “ኣንድ ለእናትዋ” ማለትሽ ነው?’ በለታ። እታ ኤርትራዊት ተገሪማ ስለምንታይ ድኣ ከምኡ ትብልያ ኢላ ሓተተታ። “ኤርትራ ኣንድ ኣውሮፕላን ብቻ ሰለኣላት ኣንድ ለእናትዋ ብለን ነው የምንጠራት” ኢላታ በለትኒ። ኣነ ኣይስሓቕ ኣይ ጓሂ ኮይነ “ኣንድ ለእናትዋ” ኢሎም ኣምበኣር ሽም ኣውጺኦምላ ኢለ ሱቕ በልኩ። ብልበይ ግን እታ ሓንቲ’ውን ዋጋኣ ጌና ኣይተኸፍለን ይኸውን ኢለ ሓሰብኩ።

መእተዊ ቪዛና ምስተወቕዐ፣ እቶም ዝጽበዩኒ ዝነበሩ የዕሩኸይ ኣቁሑተይ ሒዞም ኣብ መኪንኦም ተሰቒልና ንከተማ ኣምራሕና። ኣንዳኸድና እዚ ናይ ቀደም ጽርግያ ድዩ እንተበልኩዎም እወ ንሱ በሉኒ። ኣነ ንጸጋም ንየማን እንተረኣኹ ፈጺመ ካብቲ ቀደም ዝፈልጦ ዝነበርኩ ህንጻ ይኹን ጽርግያ ኣይነበረን። ክሳብ’ቲ ኣብዮት ኣደባባይ ዝበሃል ንበጽሕ። ኣብ ካልእ ቦታ ዘሎኹ ኮይኑ እዩ ዝተሰመዓኒ።

እቶም ዝተቐበሉኒ ኣበየናይ ሆቴል ኢኻ ክትኣትዉ ትደሊ ምስበሉኒ ኣዲስ ኣበባ ኣዝያ ተቐይራ ስለዝኾነ ኣብቲ ቀደም ዝፈልጦ ግዮን ሆቴል ውሰዱኒ ኢለ ኣብኡ ዓረፍኩ። ካብቲ ሆተል ከየወጻእኩ ዊዒለ ሓዲረ፣ ንጽባሒቱ ንግሆ ኣብ ጥቕኡ ዝርከብ እንዳ ቡን ምስኣተኹ፣  ኣብ መናብር ሰባት መሊኦም ጋዜጣታት ከንብቡ ረኣኹ። ኣነ’ውን ቡን ኣዚዘ ነቲ ጋዜጣ ዝሸይጥ ዝነበረ ወዲ “ኣንድ ጋዜጣ እስቲ ስጠኝ” ምስበልኩዎ፤ “ምን የሚባለውን ነው የሚፈልጉት” ክብል ሓተተኒ። ኣነ ድማ ያለህን ስጠኝ ምስበልኩዎ 6 ብኣምሓርኛ ሓደ ድማ ብእንግሊዝኛ ዝተጻሕፉ ጋዜጣታት ኣብ ጠረጰዛይ ኮፍ ኣቢሉ “እንግዲህ ይምረጡ” በለኒ። “ኣዲስ ዘመን የለህንም እንዴ” እንተበልኩዎ እሱ ለጊዜው የለኝም በለኒ። ብግዜ ሃይለ ስላሴ ሓንቲ ኣዲስ ዘመን ዝተባህለት ጋዜጣ ኔራቶም። ብግዜ ደርጊ ድማ ንሳ ጥራይ እያ ኔራ። ወያነ ኣትዮም ግን ክሳብ 10 ዝኣኽላ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ይሕተማ። ብኣንጻሩ ኣብ ኤርትራ፣ ውሑዳት ብሕታውያን ጋዜጣታት ምስተቐልቀላ ኣይተ ኢሳያስ ንዓኣተን ዓጽዩ፣ ነቶም ኣድላውተን ኣብ ናይ ዓራዒሮ ጸልማት ኣሲሩ በብሓደ ከምዝሞቱ ይገብር ኣሎ ኢለ ኣየ ዘይተዓደለት ሃገር ኢለ ኣዝየ ሓዘንኩ።

ንበዓል ጋዜጣ ናይ ሸውዓቲኡ ዋጋ ከፊለ፣ ንሆተለይ ተመሊሰ ትሕዝቶአን ንምፍላጥ በብሓደ ከንብበን ጀመርኩ። እተን ጋዜጣታት ናይተን ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዋ ዝተፈላለያ ናይ ፖለቲካ ሰልፍታት ኣቛም ትንተና ኣብ ርእሲ ምቕራበን፣ ናይ መለስ ዜናዊ ናይ ውሽጥን ናይ ወጻኢ ፖሊሲ፣ ከምኡውን ናይ ቁጠባን ናይ ስራሕ ዕድልን ወዘተ እናተንተና እዚ ዘይበሃል ነጻ ነቐፌታትን ርእይቶአን ይህባ። ኣብ ኤርትራ ግን እቲ ብሸፋቱ ዝምራሕ ጉጅለ፣ ሕዝቢ ሓንቲ ርእይቶ ከይህብ ለኲቶም ሒዞምዎ ኣለዉ ኢለ ነቲ ሓዘነይ ተወሳኺ ሓዘን ኮኖ።

ድሕሪ ሰለስተ ሰዓት ጋዜጣታት ኣንቢበ ምስወዳእኩ፣ ናብቲ ቀደም ዝተማሃርኩሉ ዪኒቨርስቲ ንስድስት ኪሎ ኣምራሕኩ። ኣብቲ ውሽጢ “ግቢ” እንተረኣኹ ብብዝሒ ተመህሮ ልክዕ ብጻጸ ዝተሸፈነ መሬት ኮይኑ ተሰማዓኒ። ቀስ ኢለ ኣናሰጎምኩ ናብቲ ዝመሃረሉ ዝነበርኩ ህንጻ ኣተኹ። ክፍሊታት ኩሉ ተመሃሮ ይመሃሩሉ ስለዝነበሩ ካብቲ ህንጻ ውጽእ ኢለ እንደገና ናብቲ ደገ እንተረኣኹ ክንድዚ ዘይበሃሉ ተመሃሮ መጻሕፍቶም ተሰኪሞም ናብዝን ናብትን ይብሉ። ብሓደ ወገን በቲ ናይ ኢትዮጵያ መንእሰያት ዘጋጠሞም ጽቡቕ ዕድል ክሕጎስ ከለኹ፣ ብኻልእ ወገን ድማ ናይቶም ቅርሱሳት መንእሰያት ኤርትራ ዕድል እንዳዘከርኩ መዓንጣይ ሕርር በለ።

ካብቲ ቦታ ከይተንቀሳቐስኩ ሓደ ፕሮፈሰር ክሓልፍ ከሎ ጠጠው ኣቢለ “ኣብዚ ዪኒቨርስቲ ክንደይ ተመሃሮ ኣለው?” ኢለ ሓተትኩዎ። ንሱ ኩሎም ናይ ቀትርን ናይ ምሸትን ደሚርካ 50,000 በለኒ። ኣነ እዝነይ ክኣምኖ ስለዘይከኣልኩ እንደገና ሓተትኩዎ። እወ ሓምሳ ሽሕ ክብል ኣረጋገጸለይ። ብዘይካ’ዚ ናይ ኣዲስ ኣበባ ዪኒቨርስቲ፣ ክንደይ ካልኦት ዪኒቨስቲታት ኣለዋ እንተበልኩዎ 23 ዓበይቲ፣ እተን ንኣሽቱ ኮለጃት ግን ቁጽረን ኣይፈልጦን እየ በለኒ። ብተወሳኺ ብርክት ዝበላ ናይ ብሕቲ ኮለጃት ኣለዋ ድማ ወሰኸ።

ኣነ ብወገነይ ብግዜ ሃይለ ስላሴ ናይ ኣዲስ ኣበባ፣ ኣለማያ ኮለጅን፣ ናይ ጎንዳር ጤና ጥበቃ ኮለጅን ደሚርካ 4,000 ተመሃሮ ነይሮመን። ብግዜ ደርጊ ወሲኹ ተባሂሉ ክሳብ 7,000 ኣቢሉ በጺሑ ነይሩ ይበሃል። ብግዜ ወያነ እንተወሓደ ርብዒ ሚልዮን ላዕለዋይ ደረጃ ጥራሕ ይቀራረብ ኣሎ ኣናበልኩ ከድንቕ ጀመርኩ። ድሓር ኣብቲ ቦታ ኮፍ ኢለ ነቶም ተመሃሮ እንዳረኣኹ መንእሰይ ኢትዮጵያ ዕድመ ንወያነ መጻሕፍቲ ይሽከሙ። ሳይንቲስት ክኾኑ ኣብ ላቦራቶሪ ግዜኦም የሕልፉ። ኣብ ጥቓ ኮምፕዮተራት ኮፍ ኢሎም ምስ ናይ ዓለም ተመሃሮ ይወዳደሩ። መንእሰይ ኤርትራ ድማ ብሰንኪ ኢሳያስን ዕሱባቱን ጎዲም ኣፍራዛን ጭዃሮን ሒዙ መሬት ክኹዕት ይውዕል። ክሳብ ሕቖኡ ዝስበር እምኒ ተሸኪሙ ይጓዓዝ። ባርነት ምስ መሮሮ ድማ ክሃድም ምስ ዝፍትን ተመልከተለይ እናበሉ ከም ጤለ በዱን ማንቲለን ብናይ ህ.ግ.ደ.ፍ. ጠያይቲ ይምልዓሱ። ዕድለኛ ዝኾነ ካብ ዓሳክር ኢሳያስ የምልጥሞ ወይ ዓሳ ባሕሪ ይበልዖ፣ ወይ’ውን ናይ ምድረ በዳ ሑጻ ይቐብሮ ኢለ ኣናሓሰብኩ ከም ጽሉል ምስ ነብሰይ ክካታዕ ወዓልኩ።

ቀጺለውን ብዛዕባ ትምህርቲ ዝምልከት፣ ንኣይተ ኢሳያስን ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናውን ከወዳድር ጀመርኩ። መለስ ዜናዊ ኣብ ፈቐዶ ከተማታት ኢትዮጵያ ዩኒቨርስቲ ይተክል። ንመንእሰይ ኢትዮጵያ ዘይተኣኣደነ ዕድል ይህቦም። ኣብ ዩኒቨርስቲታት ዘድልዮም የማልኣሎም። ኢሳያስ ድማ ብግዜ ሃይለ ስላሰን ደርግን እኳ ዘይተዓጸወት፣ ነታ ሓንቲን እንኮን ዝነበረት ዪኒቨርስቲ ለኲቱ፣ ነቶም ተመሃሮ በታቲኑ ነታ ህንጻ ድማ መዕረፍን መውዓሊ የዕዋፍን ገይሩዋ እንዳበልኩ ክትክዝ ከልኹ ካልእ ነገር ትዝ በለኒ።

“ንዓመታ ዝጽለልሲ ለብዘበን እምኒ ይድርቢ” ምስላ ኣበው

ብ1993 ኣብ ካልእይ እገረይ ንኣስመራ ምስ ከድኩ ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ኣብኡ ዘሎ መሲሉኒ፣ ናብ ፕረሲደንት ኦፊስ እንተኣተኹ ዶክተር ኣርኣያ ጸጋይ ጸንሓኒ።
ሰላምታ ተለዋወጥና ኣብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ካብቶም ኣስተምህሮ ዝሃብኩዎም ሓደ ብምንባሩ ተፋሊጥና ኔርና ኢና። ህጹጽ ጉዳይ ዘለካ ኢኻ ትመስል ኣሎኻሞ ካልእ መዓልቲ ንራኸብ ምስበልኩዎ፤ እወ እዚኣ ህጽጽቲ እያ ምኽንያቱ ጽባሕ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ክትሕተም እያ፤ እወ ብወግዒ ገና ዘይወጸ ድኣ’እምበር ካብ ጽባሕ ንደሓርሲ ሚስጢር ኣይክኸውንን እዩ በለኒ። ንዓኻኳ ሕጂ እንተነገርኩኻ ዓቢይ ነገርይ ኣይኮነን ድሕሪ ምባሉ ቀጺሉ “ካብ ጽባሕ ጀሚሮም 35 ኣብዚ ዪኒቨርስቲ ዝምህሩ ዝነበሩ መማህራን ካብ ስርሖም ክስጎጒ እዮም” በለ። ኣእዛነይ ክኣምኖ ስለዘይከኣልኩ “ካብ ኣስመራ ዪኒቨርስቲ 35 መማህራን ክስጎጒ ወሲንኩም?” ኢለ ምስሓተትኩዎ። እወ ክስጉጒ እዮም። እንተኾነ  ግን እዚ ኣነ ቅድሚ ናብዚ ምቕያረይ ዝተወሰነ እዩ በለኒ። መንዩ’ኸ ነዚ ውሳነ ዝሃበ? እንተበልኩ።

ኢስያስ ኣፈወርቅን ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስን በለ።

ትፈልጥ እንዲኻ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ዝወሓዱ ዝተማህሩ ሕዝቢ ዘለዋ ምዃና? እሞ ነቶም ቁሩብ ቁራቦ ድማ ክስጎጒ! ንምዃኑ ናብ ካልእ ናይ መንግስቲ ስራሕ ክውዝዑ ድዮም እንተበልኩዎ። ኣብ ናይ መንግስቲ ስራሕኳ ዝፍቀደሎም ኣይመስለንን። ገለ ካብኣቶም  ንሳሕል ተወሲዶም ክእሰሩ እዮም ምስ በለ መንግስቲ’ዶ ክግምጥሉ ፈቲኖም ኔሮም ድዮም እንተበልኩ ከምኡ ዓይነት ተግባርሲ ኣይፈጸሙን በለኒ።

"ሓዉ ዘይሓቖፈ ሰብ ከይዱ ከይዱ ኣብ ምፍራስ ገጹ ኢዩ ዘድህብ" መምህር ተስፉ ዘውደ

ናይ ዪኒቨርስቲ መማህራን ኣብ ዝስጎጉሉ ዓዲ ድኣ ናተይ ናብዚ እናመጻእካ ኣስተምህሮ ምሃብ እንታይ ቁምነገር ክህልዎ ይኽእል ኢለ እናሓሰብኩ እንከለኹ፣ ተወሳኺ ነገር ትዝ በለትኒ። ብ1967 ቀዳማይ ዓመት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይኒቨርስቲ ምስ ጀመርኩ፣ ፕሮፈሰር በረኸት ሃብተስላሰ ኣብኡ ክምህሩ ኣመልኪቶም። እቲ ፕረሲደንት ኣይተቐበሎምን። በዚ ዝተላዕለ ናይቲ ዩኒቨርስቲ መማህራንን ናይ ተማሃሮ ማሕበርን ሓለፍትን ተቓውሞኦም ናብቲ ፕረሲደንት ድሕሪ ምቕራቦም፤ ንሱ ብጽሑፍ መልሲ ሃቦም። እቲ ዘቕረቦ ምኽንያት ማለት ዝኣኽሉ መማህራን ኣለውና ዝበሎ ዘዕግብ ምኽንያት ስለዘይኮነ ኢሎም ኣብ ኣኼባ መጺኡ መግለጺኡን ዘዕግብ ምኽንያታት ከቕርብን ንዝቐረበሉ ሕቶታት ክምልስን ጻዊዒት ገበሩሉ። ንሱ ድማ ቀሪቡ ዝከኣሎ መለስ። ኣነ ሽዑ ኣብቲ ዪኒቨርስቲ ካልኣይ ወርሐይ እዩ ኔሩ። እቲ ዘከራኽር ጉዳይ ንኽርድኦ’ውን ኣሸጊሩኒ። እቲ ጉዳይ ኣብ ክርክር ከሎ በረኸት ድማ ብጃንሆይ (ሕጂ ረሲዔዮ) እንተ ናይ ዲረ ዳዋ ከተማ ከንቲባ ወይ ድማ ምክትል ሚኒስተር ኮይኖም ተሸይሞም።

ስለዚ ኣብ ኢትዮጵያ ብ1967፣ ሓደ ምሁር በቲ ዘመልከቶ ስራሕ ኣይተዋህቦን ኢልካ ክንደይ ዕግርግር ክፍጠር ከሎ፣ ኣብ ኤርትራ ድማ ብ1993 ብዘይ ሓደ ምኽንያት ንብዙሕ ዓመታት ዘገልገሉ ሊቃውንቲ ብጅምላ ካብ ጽባሕ ጂሚርኩም ስራሕ የብልኩምን። እቶም ደስ ዘይብልኩምና ድማ ክንኣሰረኩም ኢና ዝብል! እሞ ብሓደ በጋሚንዶ ኣብ ፍርቂ ዓመት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዪኒቨርስቲ ዝወደቐ ንኤርትራ ከምዚ ገይሩ ክጻወተሉስ ናትና ንዕቀት ድዩ ወይ ናይ ጸሓይ ድምቀት? እንተበልካስ ንዓና እምበር ንዕቕ ኣቢሉና ሞይቱ። እምበር ከም ኢሳያስ ዝኣመሰለ ደንቆሮ ወዲኒ ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ክወስድ ከሎ የእዳውካ ኣጣሚርካ ምርኣይ ናይ ገበን ገበን እዩ ኔሩ።
 

ይቕጽል..


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...