ኣብ ዝሓለፈ ከምዝጠቐስኩዎ፣ ቀዳማይ ክፋል ጽሑፈይ መጀመሪያ ንኤርትራ ብጀጋኑን ምዑታትን ሕዝባ ነጻ ምስወጸት ከም ብዙሓት ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ብስራሕ ምኽንያት ብዙሕ ግዜ ንኣስመራ ከምዝተመላለስኩን ዘጋጠመኒ ኩነታትን ክገልጽ እየ።

ኣብ ካልእይ ክፋል ድማ ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ስለምንታይ ኣብ ክንዲ ንኣስመራ ንኣዲስ ኣበባ ንምኻድ፣ ከምዝወሰንኩ እንታይ ከምዝተዓዘብኩን ከብርህ እየ።


ኣቶ ተወልደ ሃብተሚኪኤል ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ሰነተር ሄሪ ሪድ ተራኺቡ፣ ብዛዕባ ኣብ ኣሜሪካ ዝካየድ ዘሎ ናይ ኮንግረስ ምርጫን ናይ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ምርጫን ኣብ ዝተመያየጠሉ እዋን ዝተላዕለ ስእሊ እዩ። ሄሪ ሪድ ናይ ኮንግረስ ሓላፊ ኢዩ። ዝርዝር ኣብ ቀጻሊ ጽሑፍ ክቐርብ ኢዩ።

AI Staff





ቀዳማይ ክፋል (2)   

ቤት ትምህርቲ እምባትካላ


ካብቶም ላዕለዎት ሓልፍትን ካልኦት ኣስተምህሮ ዝሃብኩዎም እንተተኻኢሉስ፣ ደጋጊመ እናተመላለስኩ ተወሳኺ ብ1992 ኣስተምህሮ ክህብ ስለዝሓተቱኒ ድሕሪ 9 ወርሒ ማለት ወርሒ መስከረም 1993 ተመሊሰ ዝተፈላለየ ሰሚናራት ኣዳልየ፣ ንሓደ ወርሒ ኣስተምህሮ ሃብኩ። እዚ’ውን ኣብ ናይ መስከረም 1993 ሕታም ሓዳስ ኤርትራ ተጻሒፉ ኔሩ።

ብተወሳኺ ኣብቲ ቀዳማይ ጉዕዞይ፣ ናይ ኣስመራ ዩኒቨርስቲ ምክትል ፕረሲደንት ዝነበሩ፣ ነፍሰ ሔር ዶክተር ጃዕፈር፣ ኣብ እምባትካላ ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛታት ንምስልጣን ትምህርቲ ንምኽፋት ሓሲብና ስለዘሎና፣ ብወገንካ ይጠቅም ኢዩ እትብሎ ጽሑፋት ሒዝካ ምጻእ። ኣብቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ዘድሊ ምድላዋት ክትሕግዘና ንደሊ ኢና ስለዝበሉኒ ብወገነይ ኣዳልየ ከይደ ኔረ። ብዓቕመይ ኣብ እምባትካላ ቤት ትምህርቲ ምቛም ተሳተፍኩን ንኤርትራ ኣብ ዝኸድኩሉ እዋናት ኣብኡ ይምህር ኔረ። እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ፣ ብቐጻሊ ንናይ መንግስቲ ሰራሕተኛታት ፍልጠቶምን ክእለቶም ንከመሓይሹን ክምዕብሉን ተባሂሉ ብዙሕ ገንዘብ ወጻኢ ዝተገብረሉ እዩ ኔሩ። ነዚ ንምትግባር፣ ናይ ብዙሓት ኪኢላታትን ፈለጣትን ግዱሳትን ኤርትራውያን ግዜ ጠፊኡን ጽሑፋት ተዳልዩ ኢዩ ኔሩ። እቲ ቤት ትምህርቲ ክሳብ 1998 ዘዕግብ ኣገልግሎት ድሕሪ ምሃቡ፣ ካብ 1998 ክሳብ መስከረም 2001 ብዘይ ኣገልግሎት ጸኒሑ። ብ2001 እቲ ብጀካ ዕንወትን ምስፍሕፋሕ ድንቁርናን ካልእ ዘይፈልጥ ኣረመንየ ኣይተ ኢሳያስ ናብ ቤት ማእሰርቲ ቀየሮ።

ብወርሒ መስከረም 2001፣ ነቶም ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ ኣብዚ ናይ እምባትካላ ቤት ትምህርቲ ንኽእሰሩ ጌሩ። ብዛዕባ እዚ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብኡ ዋርድያ ካብ ዝነበረ እዮብ ሃብተማርያም ሰሚዕኩም ኢኹም። ኣይተ ኢሳያስ ነዞም ሰባት መእሰሪ ሲኢኑሎም ኣይኮነን። እንታይ ድኣ ንዝብል ሓታታይ፣ እቲ ቤት ትምህርቲ ጥቕሚ ዘለዎ ስራሕ ከካይድ ስለዝረኣዮን፣ ዓይኑ ደም ስለዝመልአን ኢዩ። እቶም ዝመሃሩ ዝነበሩ ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛታት፣ ብዛዕባ ምዕቡልን ቅልጡፍን ኣሰራርሓን ምምሕዳር ሕዝብን፣ ከመይ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም ክዝትዩን ስለዝረኣየ፣ እዚ ዕድል እዚ ንኹሉ ከይባጻሕን ምምሕዳር ሃገር ከይምሓየሽን ብማለት ኢዩ ዓጽይዎ።  

ኣብቲ ኣዋን እቲ ኩሉ ኤርትራዊ ሃገሩ ንኽሃንጽ ዘይተቆጠበ ጻዕሪ የካይድ ኢዩ ኔሩ። ብሓጺሩ ከምቲ ህጻውንቲ ከሎና ኣቦታትና ከብቲ ምስሓረዱ ፍሕኛ ይህቡናሞ፣ ንሕና ድማ ተሓጒስና ነታ ፍሕኛ ኣብቲ መሬት እንዳፋሕፋና “ዕበይለይ ዕበይለይ ቆሎ ዓተር ክህበኪ፣ ቆሎ ስርናይ ክህበኪ” ንብላ ዝነበርና፤ ኤርትራዊ ድማ በብዘለዎ ኮይኑ ንኤርትራ ዕበይለይ ዕበይለይ ክብልን ዘዝኽእሎ ከበርክትን ጀሚሩ ኔሩ ኢዩ። ኮይኑ ግን “ሃዋኺ ብዕራይ ከሎ ጽሩይ ማይ ነይስተ” ከምዝብሃል፣ ኣይተ ኢሳያስ ኣብ ስልጣን ከሎ ኤርትራ ክትምዕብል ኢልካ ምሕሳብ ዕሽነት ኢዩ። 
መደብ ዩኒሰፍን ሓገዝን

ብ1995 ዩኒሰፍ (UNICEF) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣካል፣ ንዓይን ን2 ፕሮፈሰራት ኣሜሪካውያንን፣ ናብ ኤርትራ ከይድና መጽናዕቲ ክንገብር ሓተቱና። ትሕዝቶ መጽናዕቲ ብዛዕባ ዘይምእኩላዊ ምምሕዳርን ኣተጋብሩኡን ኢዩ ኔሩ። ሓደ ካብቶም ፕሮፈሰራት ሓሚሙ ክተርፍ ከሎ ኣነን እቲ ካልኣዩን መጽናዕትና ጀመርና። ናይ ዩኒሰፍ ሓላፊ፣ ሳልሕ ቱርሃን (ወዲ ባንግላድሽ)፣ ኣብ እንገብሮ ኢንተርቪዩ ምሳና ይሳተፍ ነበረ። ኣብዚ ካብ ዝገረመኒ፣ ሓደ መዓልቲ ናብ ቤት ጽሕፈት ዞባዊ ምምሕዳር ኬድና፣ እቲ መጽናዕቲ ብኸመይ ኣገባብ ከምዝካየድን ክንደይ ዞባታት በጺሕና፣ ናይ ቤት ጽሕፈታት ሓለፍትን ረኺብና ኢንተርቪየው ከምእንገብር ምስ ገለጽናሎም፤ ተወካሊ ዩኒሰፍ በዚ ዝካይድ መጽናዕትን ብእንህቦ ረኮመንደሽንን መሰረት ክሳብ 35 ሚልዮን ዶላር ንመንግስቲ ኤርትራ ሓገዝ ክንህብ ንኽእል ኢና በለ። ሓደ ካብቶም ዞባዊ ምምሕዳር ሰራሕተኛ፣ ብዘይ ሕፍረት “ንስኻትኩም ብዙሕ ኣይትድከሙ፣ ንሕና ንኤርትራ ጎቦታታን ስንጭሮታታትን ስለንፈልጦ፣ ምምሕዳር ኣይሽግረናን እዩሞ እቲ ትብልዎ ዘለኹም 35 ሚልዮን ዶላር ንመንግስቲ ኤርትራ ሕጂ ሃቡዋ” በለ። ተወካሊ ዩኒሰፍ ግን ንሕና ብመጽናዕቲ ኢና እቲ ገንዘብ ንህበኩም ክብል መለሰሉ።

ብድሕሪኡ ንጋሽ ባርካ ክሳብ ተሰነይ፣ ንዞባ ማእከልን ደቡብን ብምኻድ ምስ ዝተፈላለዩ ናይ መንግስቲ ቤት ጽሕፈታት ተራኺብና ዘድለየና ሓበሬታ ኣከብና። ብተወሳኺ ኣብ ኣስመራ ዝርከቡ ናይ መንግስቲ ስራሓት ሓለፍቲ እውን ኣዛራረብና።

ነዚ መጽናዕቲ እዚ ኣብ ዘካየድናሉ ግዜ ነዞም ዝስዕቡ 30 ሰባት ኣዘራሪበ።

  1. ማርቲን ግንወንያ፣ ነባሪ ወኪል ዩእኒዲፒ፣ ኣስመራ
  2. ሃብተኣብ ተስፋጽዮን፣ ምክትል ሚኒስተር፣ ዞባዊ ምምሕዳር (Ministry of Local Govt.)
  3. ሂወት ዘሚኪኤል፣ ዲረክተር ጀነራል፣ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ፕረሰነል
  4. ገብረስላሰ ዮሴፍ፣ ሚኒስተር ፊናንስን ምዕባለን (OMB)
  5. ዶክተር ኣፈወርቂ፣ ሓላፊ ክፍሊ ጥዕና፣ ሚኒስትሪ ጥዕና
  6. ሃይለ ወልደትንሳኤ፣ ዲረክተር ጀነራል፣ ክፍሊ ማይ
  7. መንግስተኣብ ተስፋይ፣ ካብ ሚኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳር (Ministry of Local Govt.)
  8. ተወልደ ተኽለ፣ ሓላፊ ዳግመ ህንጻን ምዕባለን፣ ምምሕዳር ኣውራጃ ጋሽ ሰቲት፣ ባረንቱ
  9. ግርማይ ሃብተሚኪኤል፣ ሓላፊ ፐዳጎጊ ኣገልግሎትን ግዚያዊ ናይ ክፍሊ ትምህርቲ፣ ጋሽ ሰቲት
  10. ናይዝጊ ሃይለ፣ ቤት ጽሕፈት ወረዳ ኣማሓዳሪ፣ ሚኒስትሪ ሕርሻ፣ ጋሽ ሰቲት
  11. ዒሳ መሓመድ፣ ጸሓፊ፣ ጋሽ ሰቲት ወረዳ ባይቶ
  12. ብርሃነ ተስፋማርያም፣ ሓላፊ ንኡስ ወረዳ ተኸታታሊ ኣሃዱ፣ ዞባ ጋሽ ሰቲት
  13. ኪዳነ ጸጋይ፣ ሓላፊ፣ ሰራ፣ ተሰነይ
  14. መብራህቱ ወ. የሱስ፣ ሓላፊ፣ ማእከል ተቐባሊ ስደተኛታት፣ ተሰነይ
  15. ጀርማኖ ናቲ፣ ኣማሓዳሪ ኣውራጃ፣ ጋሽ ሰቲት፣ ባረንቱ
  16. ተኽላይ ብርሃነ “ሚላኖ”፣ ምክትል ኣማሓዳሪ፣ ኣውራጃ ሰራየ፣ መንደፈራ
  17. ካሕሳይ ኣስራት፣ ንኡስ ወረዳ መንደፈራ ኣማሓዳሪ
  18. ሃይሉ ኣስፍሃ፣ ሓላፊ፣ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ቤት ጽሕፈት ኣውራጃ ሰራየ
  19. ዶክተር ገብረማርያም ጸሃይ፣ ተወካሊ ሚኒስትሪ ጥዕና፣ ኣውራጃ ሰራየ
  20. ኪሮስ ትንሱእ፣ ኣቦ መንበር፣ ባይቶ ሰራየ
  21. ተኽለሚኪኤል ወልደጊዮርጊስ፣ ሓገዝን ዳግመ ምጥያስ ኤርትራ (ERRA
  22. የማነ ገብረኣብ፣ ህ.ግ.ደ.ፍ.
  23. ጳውሎስ ተስፋጊዮርጊስ፣ ኣባል ፈጻሚ ኮሚተ፣ ኮሚሽን ቅዋም
  24. ዶክተር ስዩም ሓረጎት፣ ኣማኻሪ ዩኤንዲፒ፣ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት
  25. ኣባ ተስፋዝጊ ዑቕቢት፣ ግዜያዊ ኣካያዲ ናይ ኤርትራ ካቶሊካዊት ሰክረታርያት
  26. ኣሪልድ ያኮብሰን፣ ነባሪ ወኪል፣ ኖርወይ ኣብያተ ክርስትያን ሓገዝ
  27. ዶክተር ወልደኣብ ይስሃቕ፣ ፕረሲደንት፣ ኣስመራ ዩኒቨርስቲ
  28. ዶክተር ጁስቲን ማአዳ፣ ነባሪ ወኪል፣ ዩኒሰፍ-ኤርትራ
  29. ዶክተር ኢሰዪ ናዶምቢ፣ ኦፊሰር ፕሮግራም መደብ፣ ዩኒሰፍ
  30. ቱርሃን ሳለሕ፣ ተዓዛቢን ገምጋምን ሓላፊ፣ ዩኒሰፍ
ዝኣከብናዮ ኢንፎርመሽን (ሓበሬታ) ሒዝና ንኣሜሪካ ተመለስና። ድሕሪ 3 ወርሒ ማለት ብየካቲት 1996፣ 156 ገጽ ዘለዎ ጸብጻብ ኣዳሊና ናብ ቤት ጽሕፈት ዩኒሰፍ ለኣኽናሎም። ኣብ ዝሃብናዮም ጸብጻብን ረኮመንደሽን ተመርኲሶም፣ ዩኒሰፍ 35 ሚልዮን ዶላር፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ከምዝሃቡ ነገሩና። ብወገነይ ሓጎሰይ ወሰን ኣይነበሮን። መጽናዕቲ ኣብ ነካይደሉ ዝነበርና ሓደ መዓልቲ፣ ምስ ጀግና ጴጥሮስ ሰለሙን ኣብ ኣስመራ ምስተራኸብና ሰላምታ ድሕሪ ምልውዋጥ፣ እንዳ ቡን እናዕለልና ከለና ከምዚ በለኒ፤ “ስማዕ ተወልደ፤ ንመንግስትናን ሕዝብናን በዝን በትን እናበልካ ሓገዝ ተምጽእ ከምዘሎኻ ፈሊጠ ኣዝዩ ድማ ዝንኣድ ስራሕ ኢዩ”። ብወገነይ “ብ1986 ንኣሜሪካ መጽእካ ሃገር ተዋጊእና ነጻ ከነውጽእ ኢና። ናይ ምህናጻ ስራሕ ግን ናታትኩም ሓላፍነት ኢዩ” እንዲኻ ዝበልካ ምስ በልኩዎ፤ ኣመና ተገሪሙ ከምኡ ከምዝበለ’ውን ፈጺሙ ኣይዘከሮን። ኣነ ዘኪረ ከምኡ ምባለይ ግን ብዙሕ ከምዘሐጎሶ ካብ ገጹ ከንብቦ ከኣልኩ።

ካልእ ዝገረመኒ፣ ኢንተርቪየው ኣብ ንገብረሉ፣ ናብ ቤት ጽሕፈት የማነ ገብረኣብ (ማንኪ) ምስከድና ዘጋጠመ ኢዩ። ብዙሕ ሕቶታት ምስሓተትናዮ ኣብ ኣጋ መፈጸምታ፣ እቲ ምሳይ ዝነበረ ፕሮፈሰር ንየማነ “ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን ህ.ግ.ደ.ፍ.ን እንታይ እዩ ፍልልዩ?” ኢሉ ሓተቶ። የማነ ድማ ቁልቁል ዝኣፋ፣ “ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን ህ.ግ.ደ.ፍ.ን ፍልልይ የልቦን። መንግስቲ ኤርትራ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኢዩ፤ ህ.ግ.ደ.ፍ. ድማ መንግስቲ ኤርትራ ኢዩ” ምስ በለ፣ እቲ ፕሮፈሰር ተገሪሙ፣ ትኽ ኢሉ ክጥምቶ ከሎ፣ ኣነ ግን ብሕፍረት ኣብ ጽፍረይ ክኣቱ ቁሩብ ተረፈኒ። ቀጺሉ “ሓደ ፓርቲ ስቴት ዲኻ ትብለኒ ዘለኻ?” በሎ። ንሱ ድማ “እወ” በሎ።

ከምቲ የማነ ዝመለሶ፣ ኣብ ኤርትራ ስርዓት ዲክተተርሺፕ እዩ ዘሎ ማለት እዩ። ብወገነይ፣ “ርግጽ’ዩ ኣብዚ እዋን ሓደ ፓርቲ ጥራይ ኢዩ ዘሎ። እዚ ድማ ክሳብ ኣብ መስርሕ ዘሎ ናይ ቅዋም ኮሚሽን ስርሑ ወዲኡ፣ ቅዋም ጸዲቑ ኣብ ግብሪ ክሳብ ዝውዕል ማለቱ ኢዩ” ኢለ ንናይ የማነ ዘረባ ከተዓራሪ ፈተንኩ። የማነ ግን በዚ ኣይዓረፈን። ቀጺሉ “ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብዚ እዋን እዚ 648 ሽሕ ዝተመዝገቡ ኣባላት ኣለውዎ። ኩሎም ድማ ብፍቓዶም ነቲ ፓርቲ ወርሓዊ ናይ ገንዘብ ውጺኢት ይገብሩ ኢዮም” በለ። ከምዚ ክብል እንከሎ እቲ ምሳይ ዘሎ ፕሮፈሰር የማነ ዝበሎ ኩሉ ይጽሕፎ ስለዝነበረ፣ ብዝከኣለኒ መጠን ኣብ መንጎ እናኣተኹ ነቲ ናቱ ዓጀውጀው ከምዘይቅጽል ንምግባር ብዙሕ ፈተንኩ። ምኽንያቱ እቲ ንሕና እነካይዶ ዝነበርና መጽናዕቲ፣ ናይ ዘይምእኩል (decentralized) ምምሕዳርን፣ ከመይ ጌሩ ኣብ ኤርትራ ኣብ ስራሕ ከምዝውዕልን፤ ንዕኡ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ድማ ዩኒሰፍ ናይ 35 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ንምሃብን ስለዝነበረ ኢዩ። እቲ ኢንተርቭይው ምስ ወዳእና፣ ነቲ ፕሮፈሰርን ንናይ ዩኒሰፍ ተወካልን፤ “እዚ የማነ ገብረኣብ ብዛዕባ’ቲ መንግስትን ብዛዕባ እዚ ዝዳሎ ዘሎ ቅዋምን ብዙሕ ኣፍልጦ ዘለዎ ኣይመስለንን” እናበልኩ ነቲ ዘረብኡ ኣነኣኢሰ ነገርክዎም። ኣብቲ ዘቕረብናዮ ሪፖርት’ውን ነቲ ንሱ ዝነገረና ከምዘይጥቀስ ገበርና።

“ኣጋንእ ጠፊአንስ ጣንቅታት ኣጋንእ ኢና”


ሕጂ ክዝክሮ ከሎኹ ግን፣ እዚ ሰብ’ዚ ናይ ስልጣን ጽምኢ ዘለዎ ምዃኑ ኣረጋጊጸ። ነዚ ኢዩ ድማ ምስ ኢሳያስ ተሻሪኹ፣ ንጉጅለ 15 ከምዝእሰሩን ከምዝምቑሑን ዝገበረ። ንሳቶም እንተ ተኣሲሮምን ሞይቶምን፣ ንሱ ብዙሕ ስልጣን ክግብት ምዃኑ ገሚቱ ኢዩ። እንታይ ይገበር ኢልኩምና “ኣጋንእ ጠፊአንስ ጣንቅታት ኣጋንእ ኢና” ዝብላሉ እዋን ኢዩ ዘሎ ሕጂ ኣብ ኤርትራ።

ምደባ ስራሕን ደሞዝን

ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፣ ንሓደ ወርሒ ዝኸውን ተወሳኺ ግዜ ብምጽናሕ ናይ ኤርትራ መንግስቲ ሰራሕተኛታት ናይ ስራሕን ደሞዝን ንኽምድብ ምእንቲ ክንጸንሕ ሓተቱኒ። ኣነ ብወገነይ ኣይጥዕመንን ኢዩ፣ ኮይኑ ግን ድሕሪ ምምላሰይ ናይ ስርሐይ ኩነታት ርእየ ክሕብረኩም እዩ እለ ተመልስኩ። ብተወሳኺ ነቲ ናይ ስራሕን ደሞዝን ምምዳብ ዘድሊ ዝተፈላለየ ጽሑፋት ከዳሉ ኣሎኒ ኢለ ገለጽኩሎም።

በቲ ዝኣተኹሎም ቃል መሰረት፣ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ማለት መጀመርያ መጋቢት 1996 ንኣስመራ ተመሊሰ ንሓደ ወርሕን ፈረቓን ናይ መንግስቲ ኤርትራ ሰራሕተኛታት ስራሕን ደሞዝን ዝምደበሉ ኣገባብ ሰሪሐን ዘድሊ ኣስተምህሮ ሂበን ተመለስኩ። ብወርሒ ሓምለ 1996፣ ናይ ኤርትራ ቤት ጽሕፈት ሓይሊ መብራህቲ፣ ንሰራሕተኛታቶም ደሞዝ መጽናዕቲ ከካይደሎም ስለዝሓተቱኒ፣ ንሓደ ወርሒ ዝኣክል መጽናዕቲ ኣካይደ ሪፖርት ኣቕረብኩሎም። እንደገና ብወርሒ ሰነ 1997፣ በዚ ናይ ቤት ጽሕፈት ሓይሊ መብራህቲ ዝተገበረ መጽናዕቲን፣ ንናይ መንግስቲ ኤርትራ ሰራሕተኛታት ዘካየድኩዎ ናይ ደሞዝ ኣመዳድባ መሰረት፣ ንዓዓቶም ከምኡ ከካይደሎም ሓተቱኒ። ብወገነይ እንደገና ብሓምለ 1997 ንኣስመራ ተመሊሰ እቲ ሰራሕ ፈጸምኩሎም።

ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ብ1996 ዘካየደኩዎ፣ ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛታት ደሞዝ ምደባ ኣብ ስራሕ ዊዒሉ እንተኾነ ሓተትኩ። ዝረኸብኩዎ መልሲ፣ ቤት ጽሕፈት  ፕረሲደንት፣ ነቲ ዝተገብረ መጽናዕቲ ንግዜኡ ጠጠው ከምዝብል ኢሉ ስለዝኣዘዘ ኣብ ግብሪ ኣይወዓለን በሉኒ። ኣነ ብዙሕ ተገረምኩን ሓዘንኩን’ውን። ብተወሳኺ ምኽንያት ጠጠው መበሊ እንተሓተትኩ፣ ማንም ሰብ ዝምልሰለይ ኣይከኣለን። ድሓር ግን ሓደ ሰብ ከምዝነገረኒ፣ ኢሳያስ ኢዩ ጠጠው ክብል ገይርዎ። ኮይኑ ግን ስመይ ብዛዕባ’ዚ ማንም ሰብ ከይትዛረብ በለኒ።

ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ኢሳያስ ዘለዎ ምስ ከድኩ፣ ብወዝቢ ጎፍ ተባሃሃልና’ሞ ድሕሪ ሰላምታ ምልውዋጥና ኣብዚ መጺእካዶ ኣሎኻ ኢኻ? ምሰበለኒ፤ እወ በልኩዎ። ንሱ ከይሓተተኒ ከኣ መምጽእየይ ከምቲ ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛታት ናይ ስራሕን ደሞዝን ዝመደብኩዎ ንስራሕተኛታት ሓይሊ መብራህቲ ድማ ብኸምኡ ኣገባብ ንምምዳብ ተጸዊዐ እየ መጺአ ዘሎኹ በልኩዎ። ኣነ ብወገነይ ምናልባት ርእይቶ ዶኾን ይህበኒ ብማለት እየ። ንሱ ግን ከምዛ ዘይፈለጠ ኣጽቅጥ ኣቢሉ ከደ። ሽዑ ንካልእ ሰብ ብሩህ ዘይኮነ፣ ነዚ ኣብ ግብሪ ምውዓል ጠጠው መበሊኡ ሓደ ኣገዳሲ ምኽንያት ክህልው ኣለዎ ኢለ ገመትኩ።

እቲ ቀንዲ ነቲ መጽናዕቲ ኣብ ግብሪ ንኸይውዕል ዝተደልየሉ ምኽንያት፣ ጸኒሑ በርሃለይ። ንሱ ድማ ኣነ ነቲ ስራሕ ኣብ ዘካይደሉ ዝነበርኩ ግዜ፣ ናይቲ ስራሕ (ፕሮጀክት) ዋና ሓላፊ ኣቶ ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ) ኢዩ ኔሩ። ኣብቲ እዋን’ቲ “ድሩዕ” ናይ ገንዘብ ሚኒስተር ስለዝነበረ፣ ብናቱ ኣቦ ወንበርነት ኣብ ዝተኣከብናሉ ግዜ ጥቅሚ ናይቲ ስራሕ ንኹሎም ናይቲ ኮሚቴ ኣባላት ንኽገልጽ ሓተተኒ። ኣነ እቲ ዝተፈላለየ ዝህቦ ጥቅሚታት ድሕሪ ምግላጸይ ሓደ ምኽሪ ሃብኩዎም። ንሱ ድማ ኩሉ ናይ መንግስቲ ስራሕ ኣብ ዝምደበሉ ግዜ ኩሉ ስራሕ ብዘዕግብ ንኽፍጸም ነቲ ቦታ ዘድሊ ናይ ትምህርትን ናይ ስራሕ ተመኲሮን ብግልጺ ክጸሓፍ ኣለዎ። ስለዚ እቶም ናብ ስራሕ ዝምደቡ ሰባት፣ እቲ ዘድሊ ናይ ትምህርትን ናይ ስራሕ ተመኲሮን ከማልኡ ኣለዎም ዝብል ኔሩ። እዚ ንምግባር ግን ብመጀመርያ ሓደ ናይ ግድን ክፍጸም ዘለዎ ነገር ኣሎ። ንሱ ድማ ንኹሎም ተጋደልቲ ዝነበሩ መንግስቲ ኤርትራ ብዝመሰሎ ኣገባብ ናይ ገድሊ ኣገልግሎቶም እንተ ብወርሓዊ ወይ ዓመታዊ ወይ’ውን ብሓደ ግዜ እቲ ዝግብኦም ገንዘብ ይሃቦም። ብድሕሪኡ ከም ኩሉ ሰብ ከከም ብቕዓቶም መሰረት ንዝኾነ ኩፉት ናይ ስራሕ ቦታ ይወዳደሩ ማለት ኢዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ናይ ስራሕ ቦታ ስለዝተጋደልካ ተባሂሉ ክወሃብ የብሉን። እቲ ዘድሊ ትምህርቱን ናይ ስራሕ ተመኲሮን ኣማሊእካን ተወዳደርካን ጥራይ ክወሃብ ኣለዎ በልኩዎም። “ድሩዕ”ን እቶም ካልኦት ኣብቲ ኣኼባ ዝነበሩን በዚ ሓሳብ ተሰማሚዖም ኔሮም።

ከምዚ ዓይነት ስነ ስርዓት ዝሓዘ ናይ ስራሕን ደሞዝን ኣመዳድባ ንኢሳያስ ምስቲ ዝሓስቦ ዝነበረ ተንኮል ዝኸይድ ከምዘይኮነ ጸኒሑ በርሀለይ። ከምዝፍለጥ ኢሳያስ ዝደሊ ባዕሉ ከም ዊን ዝበሎ ንሰብ ስራሕ ምሃብን ምኽላእን። እቲ ደሞዝ ድማ ከም ዊን ዝበሎ ባዕሉ እናወሰነ፣ ምሃብን ጥራይ ኢዩ ዝደሊ። በዚ ዓይነት ኣገባብ ዝኾነ ይኹን ሰራሕተኛ፣ ስለምንታይ እቲ ቦታ ከምዝተዋህቦን፣ ስለምንታይ ክንድኡ ዝኣክል ወርሓዊ ደሞዝ ከምዝኽፈሎን ስለዘይፈልጥ፣ ኣብታ ዝተዋህበቶ ቦታ ከየልግስዎ እናፈርሐን ይነብር ማለት ኢዩ። ስለዚ ኢሳያስ ንኹሉ ሰራሕተኛ እናፈራርሐ ይሕዝ።

ስለዚ ኢዩ ኣብ ኤርትራ ፈጺሙ ናይ ስራሕን ደሞዝን ምደባ ዘይልቦ። ናይ ስራሕን ደሞዝን ኣመዳድባ ሃይለ ስላሰ ብ1964 ኣታኣታትዩ፣ መንግስቱ ሃይለማርያም ድማ ብኡኡ መሰረት ቀጺሉ። ኣብዚ እዋን እዚ ግን ኣብ ኤርትራ ናይ መንግስቲ ስራሕተኛ መመሓደሪ ሕጊ የልቦን። ናይ ስራሕን ደሞዝን ምደባ’ውን የለን። ብሓጺሩ ኣይተ ኢሳያስ ንኤርትራ ካብ ናይ ግዜ ሃይለ ስላሰ እንተወሓደ 50 ዓመት ንድሕሪት መሊስዎ ኣሎ። ከምኡ ስለዝኾነ ኸኣ ኢዩ ነቲ “ዋርሳይ ይከኣሎ” ዝበሃል ናይ ባርነት ምምሕዳር ፈጢሩን ንኤርትራን ሕዝባን ኣብ ጸድፊ እናጎተታ ዝኸይድ ዘሎ።

ይቕጽል።

 

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...