ኣብ መስከረም 1969 ናብ ተጋድሎ ሓርነት ዝተሰለፈን ከም ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝፍለጥን መንእሰይ፣ ብ1945 ኣብ ኣስመራ ካብ ወይዘሮ ኣዳነሽ በርሀን ካብ ኣቶ ኣፈወርቂ ኣብርሃም ዝውለድ ሰብ ኢዩ። ካብቶም ኣሕዋቱ  ከም ካልኣይ፣ ማለት ኣማረ ኣፈወርቂ ዝብሃል ምዕባዩ ሓዉ ቀጺሉ ዝተወልደ ኢዩ። ናይ ኣዋላልድኡ ጉዳይ ብዙሕ ሕቡእ ዝኾነ ናይ ውሽጢ ምስጢር ኢዩ። ብርግጽ ኣማረ ምዕባዩ፣ ካብ ወ/ሮ ኣዳነሽ በርሀ ዝተወልደ፣ ናይ ስጋ (ናይ ማህጸን) ውላደን ኢዩ። ወይዘሮ ኣዳነሽ ካብ ኣዲኤን ወይዘሮ መድህን ዓደን ኣብ ድቡስ ጉሕጨዓ ሰራየ ኢየን ዝውለዳ። ኣቦአን ድማ ኣቶ በርሀ መሰለ ኢዮም። ኣቶ በርሀ ካብ ዓድዋ ኢዩ መበቆሎም። ሓዎም ንኣቶ በርሀ ድማ ኣብ ኣስመራ ፍሉጥን ርኹብን ኣቶ ኪዳነ መሰለ ይበሃሉ። ኣቶ በርሀ መሰለን ኣቶ ኪዳነ መሰለን ኣሕዋት ኢዮም። ከምቲ ኣቶ በርሀ መሰለ ንኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣቦ ኣዲኡ ዝኾኑ ኣቶ ኪዳነ መሰለ ድማ ኣቡኡ ንየማነ ኪዳነ (ጃማይካ) ኢዮም። ኣቶ የማነ ኪዳነ ወዲ ሓወብአን ንወይዘሮ ኣዳነሽ በርሀ ኢዩ። ኣብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ተቓሊሱን ኣባል መሪሕነት ዝኾነ ጅግና ተጋዳላይ ኢዩ። ተጋዳላይ የማነ ኪዳነ በዲኡ ካብ ወይዘሮ ትበርህ (ሉቺያ ወናኒት ባር ኣፖሎ ኣስመራ) ኤርትራዊት ኣደ ዝተወልደ ሓርበኛ ተጋዳላይ ኢዩ። ሰብ ኣብ ኩሉ ይውለድ። መንነት ግን ክሕባእ የብሉን። ጥራይ  እቲ ዕላም ኢዩ ከነጽር ዘለዎ። ናይ ኢሰያስ ኣቦ ኣቶ ኣፈወርቂ ኣብርሃም፣ ኣሕዋቶም ከም ኣቶ ሰለሙን ኣብረሃም ናይ ወሎ እንደራሴ ዝነበሩ፣ ካፕተን መኮነን ኣብረሃም ኦፊሰር፣ ናይ ኢትዮጵያ ሓይሊ ባሕሪ ዝነበሩን፣ ኣቶ የሴፍ ኣብርሃም፣ ተቐማጢ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሩ ኢዮም። ትውልዶም እውን ዝጠፍኣኒ ኣይኮነን። ደሓን ኣብ መጻኢ ዘይግለጸሉ የለን።

ኣብቲ ኣዝዩ ዝማዕበለ ሕብረተ-ሰብ ዓለም እውን፣ ልዕሊ እተን ዘይማዕበላ ሃገራት ብኹሉ መለክዒታት ኣዝየን ዝሰጎማ ይኹና እንበር፣ ብሕልፊ ኣብ ሓደ ሕዝባዊ ሓላፍነት ዝስከም ሰብ መንነቱ ክረጋገጽን ከነጽርን ናይ ግድን ይኸውን ዝብል መርገጺ ኢዩ ዘለወን። ነብሱ ጥራይ ዝውክልን፣ ህዝባዊ ውክልና ዝስከምን፣ ብሓደ ዓይነት መነጸር ወይ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ሚዛን ብሓባር ከነቐምጥ ኣዝዩ ዘይሓላፍነታዊ ጥራይ ዘይኮነስ ኣዕናዊ’ውን ኢዩ። ሃገርን ሕዝብን ንሓደ ብኹሉ መዳይ ብቕዓት ዝውንን ዜጋ፣ ግን ገለ ናይ ስነ-ኣእምራዊ ወጥሪ ዝፈጥር መበቆልን ዘይተነጸረ ኣመጻጽኣ፣ እሞ ንሱ ጥራይ ዝትንትኖ መግለጺኡ ከም መዐቐኒ ወሲድካ፣ ሓላፍነት ምሃብ መንኮርኮር ሃገር ናብ ክትቆጻጸሮ ዘይትኽእል ኣንፈት ምምራሕ ተባሂሉ ይንበብ። ሓደ ኣብ ሓንቲ ሃገር ክነብር ዝመረጸ ዜጋ፣ መሰሉን ግቡኡን ኣማሊኡ ኢዩ ሃገራዊ ክኸውን። ይኹን እንበር ብቐጥታ መራሕ ሃገር ክኸውን፣ ቅዋም ናይታ ሃገር ዝጠልቦ ከማልእ ይግባእ። ኣብቲ ናይ ጥንት ሕጊ-ዓደባ እውን ሓደ ኣብ ሓንቲ ዓዲ ዝቕመጥ ወዲ ኣርቫዓ (40 ዓመት ዝመልአ) ሰብ ከም ተቐማጢ እታ ዓዲ ክኸውን ይፍቀዶ። ኣብ ኩሉ መሰል ናይታ ዓዲ ተኻፋሊ ክኸውን ይኽእል። ምስለነ ኮነ ጭቅነት ግን ኣይፍቀዶን። ኤርትራ ከም ሃገር ቆይማ ኣይወደአትን። ባዕሉ ነቲ ብተሳፍነት መላእ ሕዝቢ ኤርትራ ዘይቆመት ሽማግለ፣ እሞ ብናቱ ጻውዒት ዝቐመት ናይ ቅዋም ሽማግለ ዝተጻሕፈ ቅዋም ምቕባሉ ተሓሲሙን፣ ኣብ ጠረጴዝኡ ዓጽዩን ሸጉጡን ስለ ዝርከብ፣ ከም ሃገራዊ ብምግዳሉን ብሓላፍነት ናይታ መሪሕዋ ዝመጸ ውድብ ክስከም እንበር፣ ክሳብ ሕጂ ሕዝቢ ኤርትራ ባይቱኡን ወከልቱን ስለ ዘየቖመ፣ ብጠለብ ናይታ ብሕጊ ተወኪላ ትቐውም ዝጸደቐ ቅዋም ድማ ሃገራዊ ቅዋም ክኸውን ስለ ዘይተተግበረ፣ ዕላውን ሕጋውን መሪሕ ዘይብላ ሃገር ኢያ ንዓሰርተ ሸሞንተ (18) ዓመታት ኤርትራ ቅዋም ኣልቦ ኮይና ጠልጠል ኢላ ዘላ።

ኢትዮጵያውያን ቅንጂት ኣብ ሰልፊምስ እዚ ኩሉ ድማ ኣብ ኩሉ ዶባታ ምስ መዳውብታ ብውግእ ተዳምያ። ሕዝቢ ዝወከሎ ባይቶ ስለ ዘየለ፣ ውግእን ኩናትን ዝኣክል ብሓደ ኣደብ-ኣልቦ ዝኾነ፣ ክጥዒ ክጽለል ዘይተፈልጠ ሰብ ኣብ ከቢድ ሃገራዊ ሕንፍሽፍሽን ህልቂትን ትረከብ ኣላ። ናይዚ ኩሉ ጥፍኣትን ዕንወትን ኢሰያስ ኢዩ ተሓታቲ ክንብል ንኹላህና ዘሕፍረና ኢዩ። ንሱ ዘይ-ቅኑዕ መራሒ ክኸውን ከሎ ፣ ንሕና ድማ ሓላፍነትና ዝረሳዕና ዜጋታት ኢና ማለት ኢና። ሃገርና ከም ሃገር ደው ከነብላን ሕግን ፍትሕን ከነልብሳ ይግባኣና። ዝገደደ ሕጂ ካብ ጥንቲ ዝጀመሮ መንገዲ ጥፍኣት ምስ ዘድመዩና፣ ግን ኣብ ሃገሮም ብገበኖም ዝሕተቱ፣ ቅዋም ሃገሮም ግን ምሕረት ገይሩሎም ዘለዉ ትምክሕተኛታት ተሻሪኹ፣ ደቅና ዝኸፈልናሉ ክቡር ናጽነትና ክሸይጥ ኣብ ምውዕዓል ይርከብ። ብኸመይ ግን!!!
 
ንኹሉ ናይ ጥፍኣት ስጉምቲ ከጣጥሕ፣ ኢሰያስ ብርክት ዝበላ ናይ ዜና ማዕከናት ግን ብፍላይ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ብግሉጽን ብብሩህን ከምዚ በለ፣ ,,ኢትዮጵያን ኤርትርን ብኮንፈደረሽን ክተኣሳሰራ ኣለወን። ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ዶብ ትርጉም የብሉን“ በለ። ብውክልና መን ኢዩ እዚ ኩሉ መግለጺ ዝሃበ?
 
መግለጺ ኢሰያስ ንሕዝቢ ዓቢ ምልክት ዲክታቶር ከም ዝኾነ ዝምስክር ኢዩ ነይሩ። ኣየስተሃልናሉን!!!! ኤርትራ ከም መጣልዒቱ ገይሩ ኢዩ ወሲድዋ። ኤርትራ ናተይ፣ ኢትዮጵያ ግን ናተይን ናትኩምን ዝብል ኢዩ ንሕዝቢ ኢትዮጵያ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። ኣብ ልዕሊ ሕዝብታት ክልቲአን ሃገራት፣ ስዲ ዝኾነ ስጉምቲ ኢዩ ወሲዱ። ብመጀመርያ ነቲ ደቁ ዝኸፈለ ሕዝቢ ኤርትራ ክሓቶ ኣድላይ ኮይኑ ኣይተሰመዖን። ኤርትራ ሕዝባን መሬታን ንብረተይ ኢዩ ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።
 
ከምቲ ኣብ ካልኣይ ክፋል ዝገለጽክዎ፣ ነታ ዓባስን ዝተፈላለየ ጉድለት ዘለዋ ጉጅለ ምስ ሃነጸ፣ ቀጺሉ ነታ ክትምክቶ ዝዓጠቀትን፣ ስዕረቱን ምብትታን ሰራዊትን ኮሊፋ ዕድሚኡ ኣናዊሓ ዕድል ሂባቶ ከተብቅዕ፣ ነዚኣ ጉጅለ እውን ሓንሳብን ንሓዋሩን ከም ትስወር ገበረ። እታ ክትምክቶ ዝወሰነት ናይ ተጋደልቲ መሪሕ ዝነበረት ትስወረሉ ምኽንያት ድማ ጸብጻባ ንሕዝቢ ከይተሓልፍ ዝብል ፍርሑ ሰማይ ስለ ዝዓረገ ክኣልያ ናይ ግድን ኢዩ ነይሩ። ኣብ 1973 ዝተላዕለ ናይ ተጋደልቲ መሰረታዊ ቃልሲ ንምብርዓን ዝተጠቕመሉ ሜላ፣ ንሰራዊት ህዝባዊ ሓይልታት ገለ ፍታሕ ከየናዲ ናብ ዝተፈላለየ ግንባራት ምብታን ኢዩ። ምእንቲ ናጽነትን ሓርነት ኣይኮነን እቲ ቀንዲ ዕላማ። ግን ኣንጻር ተ.ሓ.አ. ኮነ ኣንጻር ኢትዮጵያ ከይንወሓጥ ክንከላኸል ኣለና፣ ዘስምዕ መደብ ኢዩ ዝቐረበ። ሽግር ምንቅስቃስ ተጋደልቲ ቀስ ኢሉ ይፍታሕ በሃላይ ክመስል፣ ነቲ ዝተላዕለ ሕጋዊ ምንቅስቓስ ሓንሳብ ኣወንዚፉ፣ ቀጺሉ ንተጋደልቲ ኣረሳሲዑ ድማ ናይ ምቕንጻል ስጉምቱ ከተግብር መደን ኣውጺኡ።

ኣብ 1974፣ ዝተናውሐ ናይ ተጋደልቲ ክትዓትን፣ ኣብ መንጎ መሪሕነትን እታ ጠለብ ለውጢ ዝጸወዐት ናይ ሓርበኛታት ኣካል ምንቅስቓስ፣ (“መንካዕ” ተባሂላ ብናይዝጊ ክፍሉ መካፍኢ ሳጓ ዝተዋህባ) ኣብ መዕለቢ መድረኽ ዘሎ ሓደገኛ ኩነታት ስለ ዝፍጠር፣ ኢሰያስ ንምድሓን፣ ሓይልታት ብዘይተጸበዮ ወጥሪ ከም ዝተፈጥረ ኣምሲሉ ዘየለ ህሞት ዓሊሙ፣ ሓይልታት መኣዝነን ናብ ግንባራት ከምርሓን ነቲ ጉዳይ ኣቓልቦ ከይገብራሉ ፋሕ ከም ዝብላ ገበረን። ሓንቲ ውድብ ብመጀመርያ፣ ትሕቲ ሓደ ብዕሊ ዝተመርጸ ምምሕዳር መርሒነት ግን ኣብ ትሕቲ ውሽጣዊ ኣሰራርሓ ሕግን ፍትሕን ተመኩሱ ንቓልሲ ዘተጎሃህሮ። ሓጋጊ ኣካል፡ ፈራዲ ኣካል፡ ፈጻሚ ኣካል፡ ዘይብላ ውድብ፣ ንዲክታቶርነት ዝተቓልዕት ከም ትኸውን ርዱእ ኢዩ ነይሩ። ከምቲ ዝድለ ተጋደልቲ ንኡስ ባይቶ መሪጾም፣ ነቲ ዘለዎም ንኡስ ቁጽሪ ዝሰማማዕ ናይ ምምሕድዳር ሕጊ ብመጽናዕቲ ሓንጺጾም፣ ከምኡ’ውን ፍርድን በያንን ተውጽእ ኣካል መዲቦም፡ ንዝፍጸም፣ ጌጋታት እትእርምን ፍርዲ ትህብን ኮይና ኢያ ሕጋዊ ኣካል ትበሃል። ኢሳያስ፣ ፈራዲት ኣካል ዘይብላ ውድብ፣ ብስም ሃገርን ህዝብን ገበን ከም ልቡ ዝፍጽመላ ትካል ኢዩ ፈጢሩ። ተጋደልቲ ኣብ እምነት ጥራይ ተመርኩሶም፣ ድሕረና ኩሉ ክጣጥሕ ኢዩ ካብ ዝብል ገርሂ ኣተሓሳስባ ናብ ግንባራት ዝተዋፈሩ። ዳርጋ ድሕሪ ክልተ ዓመት እቶም ነባራት ተጋደልቲ፣ ኣብ ሃገራዊ ግብኦም ተሰውኡን፣ ብድሕሪኦም ዝፍጸም ከየስተብሃሉሉን፣ ኣብ መሬት ሃገሮም ተቐቢሮም ተሪፎም። ነቲ ዝተኻየደ ምንቅስቓስ ዘይፈልጡ ሓደስቲ ተጋደልቲ ብኣዝዩ ብርኩት ቁጽሪ ስለ ዝተሰለፉ ድማ ነቲ ዝተጠልበ ጠለባት ናይ ንጹሃት ተጋደልቲ ከውሕስዎ ኣይከኣሉን። ዝተጠልበን ብኣንጻሩ ዝተፈጸመን ዝሕብሮም ስለ ዘይረኸቡ። እታ መሪሕነት እውን፣ ብፍርዲ መሪሕነትን በታ ዝቖመት ኮሚቴ ዝተዋህበ ፍርዲ ከም ዘሎ ዘምስል ሓበሬታ ኢሂቡ ኣዋጁ፣ እቶም ንጹሃት ተጋደልቲ ብዕለት 11.08.1975 ድማ ተቐንጸሉ ዝብል ጽሑፍ ኣውጺኡ።
ኢሳይስ ሎሚ ኣብ 2010

ሕጂ’ውን ናይቶም ጉጅለ 15 ደሃዮም ከይስማዕ፣ ናይ ባድመ ወይ ናይ ዶብ ኩናት ብኢሳያስ ተወሊዓ። ሃገርን ህዝብን መኣዝና ስሒቱ ነቲ ጠለባት ናይ ለውጢ መሪሕነትን ጋዜጠኛታት ብዘይ ፍርድን ብዘይ ደሃይን ክሃጥሙ ተገይሩ። ልክዕ ናይ ጉጅለ 1973 ከምዛ ናይ ሕጂ ተመሳሳሊት ኢዮም ጠፊኦም። ይተኣወጅ እንበር ነቶም 90% ሓደስቲ ተጋደልቲ፣ እንታይ ወይ ከመይ ዝበለ ፍርዲ ዝገልጽ ፍርዳዊ መስርሕ ዘካየዶ ስለ ዘገለጸ፣ ንሓፋሽ ተጋደልቲ ክርድኦም ኣይከኣለን። “ኣዕነውቲ” ዝብል በያን ተነቢቡ። እንታይ ኣዕንዮም ግን ዝተገልጸ ኣይነበረን። ሓንቲ “ኣዕናዊ ምንቅስቓስ 1973” ትብል መጽሔት ገለ 83 ገጻት ዘለዋ ጽሕፍቲ፣ እቲ ዲክታቶር ዘርጊሑ ነይሩ። ይኹን እንበር ገለ ካብ ኣብ ሓለዋ ሰውራ ዝነበሩ መሻርኽቱ፣ እታ ጽሕፍቲ ብዘይ ኮሚቴን ኣፍልጦ ገለ መሪሕነት ከም ዘይተተግበረት ዝፈልጡ ዝተረፉ እሱራት ተጋደልቲ ብሂወቶም ኣለዉ እሞ፣ ካብ መንጎኦም ተመንዚዖም ዝተቐንጸሉሉ ስለ ዝረኣዩ፣ ነታ ጽሕፍቲ ዕርቃና ከውጽእዋ ከም ዝኽእሉ ሓበርዎ። ስለዚ ኢሰያስ ክስሕባ ሓበርዎ። ነታ ትሰሓብ ዝበልዎ፣ ባህሪሩ ከም ትሰሓብ ገይርዋ። እታ ጽሕፍቲ ካብተን መሊቛን ዝወጻ ኣብ ሜዳ ድሕሪ ካብ ማእሰርቲ ምፍተሐይ ኣንቢበያ ምስ ተሳሕበት ግን ዓቢ ጓሂ ተሰሚዑኒ ነይሩ። ዘገርም ድማ ኣብ ወጻኢ ዝርከባ ኣብያተ ጽሕፈታቱ ዛጊድ ገለ ተላኢኸን ብምንባረን፣ ኣብ ሜዳ ዘይረኸብክዋ ሎሚ ኣብ ኤውሮጳ ረኺበያ ኣለኹ። ዓባይ ሰነድ ወኒነ። ኢሳያስ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ውግኣት ዝተፈጸመ ጌጋታት ዝተኣመነላ ጽሕፍቲ ስለ ዝሓዘለት፣ ተቃልዖ ኢያ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...