መራሕ መንግስቲ ኣሜሪካ
ባራክ ኦባማ
ኣብ መዓልቲ ስልጣን ምርካብ*
ጥሪ 20, 2009 ዝሃቦ መልእኽቲ

“ክቡራት ናይ ሃገረይ ዜጋታት

{youtube}3PuHGKnboNY{/youtube}

ሎሚ ኣብዚ ደው ክብል እንከለኹ ዘንበርኩምለይ እምንቶን ዝሓለፉ ወለዶታት ዝኸፈልዎ ክቡር ዋጋን እግንዘብ። ፕረዚደንት ቡሽ ንሃገሩ ብዘበርከቶ ኣገልግሎትን ኣብ ምትሕልላፍ ስልጣን ዝገበረለይ ሓልዮትን ምትሕብብባርን ምስጋናይ የቕርበሉ። 

ቅድሚ ሎሚ ኣርባዓን ኣርባዕተን ኣሜሪካውያን ነዚ ናይ መራሕ መንግስቲ ቃል ማሕላ ፈጺሞም እዮም። እዘን ናይ ማሕላ ቃላት፡ ኣብ ግዜ ብልጽግናን ኣብ ህዱእ ናይ ሰላም ግዜን ተዘሪበን እየን። ኣብ ዘይህዱእ ኩነታትን ዘይቅሱን ግዜን እውን እዚአን ቃላት ተባሂለን እየን። ኣሜሪካ ናይዚ ኣሉታዊ ኩነት ክትሓልፎ ዝኸኣለት ሳላ ክእለትን ኣርሒቕካ ምጥማትን ናይ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ መንግስቲ ዝርከቡ ሰባት ዘይኮነስ፡ ንሕና እቶም ህዝቢ፡ መፈለምታ ዝመስረቱ ኣቦታት ሃገር ኣብ ዝገደፉልና ክብርን ሕድሪ ጽሑፋትን እምንቶ ስለዘሕደርና እዩ።  ከምኡ እዩ ኔሩ። ምስዚ ትውልዲ ናይ ኣሜሪካውያን ድማ ከምኡ ክኸውን ኣለዎ።

Obama inauguration ኣብ ሓደ ናይ ቅልውላው ኩነታት ከምዘለና ርዱእ እዩ። ሃገርና ኣንጻር መሓውሩ ኣብ ርሑቕን ቀረባን ብዝተዘርገሐ ናይ ክቱር ጽልእን ኣብ ረጽምን ምውቓዕን ዝኣምን ጸላኢ ኣብ ኲናት ትርከብ ኣላ። ብሰንኪ ስስዐን ዘይሓላፍነታዊ ተግባራት ናይ ገለ ገለ ሰባት፡ ሃገርና ናብ ሓድሽ መዋእል ንኸሳግር ዘኽእል ትብዓት ዝሓትት ውሳነታት ኩልና ክንውስድ ብዘይ ምብቃዕና ቑጠባና ተዳኺሙ ይርከብ። ንመንበሪ መኽፈሊ ተባሂሉ ዝተወስደ ልቓሓት ብዘምጽኦ ሰበብ፡ ሰባት ተዓድዮም ክኸፍሉ ስለዘይከኣሉ ካብ ገዛውቶም ወጺኦም፡ ስራሕ ተሳኢኑ፡ ኣብያተ ንግዲ ተዓጽዩ። ናይ ጥዕናና ኣገልግሎት ኣዝዩ ከቢሩ፡ ኣብያተ ትምህርትና ንብዙሓት ኣትሪፈን በብመዓልቱ ድማ ናይ ጽዓት ኣጠቓቕማና ነዛ ንነብረላ መሬት ሓደገኛን፡ ንጸላእትና ድማ መደንፍዒ ከምዝኾነ ዘረግጋጽ መረድኦ ንረክብ ኣለና። ናይ ሽግር መርኣያ ናይ እዚ ኩነት ዝርዝራዊ መጽናዕትን ስታትስቲክን ተመርኲስና መበገሲ ንግበሮ። ብቑጽሪ ዘይትመን ግንከ ዕምቆቱ ዘይከሓድ ናይ ነብሰ ተኣማምነት ምዝቛቕን - ናይ ኣሜሪካ ምዝሕታልን ምንቁልቋንል ዘይተርፍ እዩ ዝብል ፍርሕን፡ ከምኡውን መጻኢ ትውልዲ መንጽሩ ከትሕት ኣለዎ ዝብል ስምዒት ኣሎ። ሎሚ ይብለኩም ኣሎኹ፡ እዚ ዝርአ ብድሆታት ሓቂ እዩ። ብዙሕን ብቐሊሉ ዝግመት ኣይኮነን። ብቐሊሉን ብሓጺር ግዜ ዝፍታሕ እውን ኣይኮነን። ግንክ ፍለጡ ኣሜሪካ፡ ክፍትሑ እዮም። 

Obama inauguration ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ ተኣኪብና ዘለና ኣብ ክንዲ ፍርሒ ተስፋ፡ ኣብ ክንዲ ባእስን ምጭቕጫቕን ናይ መትከል ሓድነት ስለዝመረጽና እዩ። ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ መጺእና ዘለና ነቲ ፖለቲካና ብዓንቀሩ ሓኒቑዎ ዝጸንሐ ናይ ብሓሶት ክንገብር ኢልካ ቃል ምሃብን፡ ብዝሓለፈ ዶግማን ናይ ቀንጠመንጢ ምትህልላኽን ቂምን ዝውዳእሉ መዓልቲ ንምእዋጅ እዩ። 

ከም ሃገር መጠን ጌና መንእሰይ ኢና። ግን ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ፡ ናይ ቁልዕነት ተግባራት እነልግሰሉ ግዜ ኣኺሉ ኣዩ። ቀጻልነት ዘለዎ ፍስሃን፡ ናይ ክብረት ሓሳብ ዝሓዘለ ካብ ውሉድ ወለዶ ዝመሓላለፍ ገጸ በረከት ማለት ኩሉ ማዕረ፡ ኩሉ ነጻን፡ ኩሉ ድማ ሙሉእ ናይ ታሕጓስ ዕድል ንኽህልዎ እግዚኣብሔር ዝሃበና ጸጋ ንኸነናዲን ክንረክብን ዕድል ዝህብ ብሉጽ ታሪኽናን ብርቱዕ መንፈስናን እንደገና እነበራብረሉ ግዜ ኣኺሉ እዩ። 

ሃገርና ዓባይ ዝገበራ ዝተዋህበና ዘይኮነስ፡ ዝሰራሕናሉ ስለዝኾነ እዩ። ሃገርና ዝሰጎመቶ መንገዲ ብኣቋራጭን ካብቲ ዝግባኣ ንታሕቲ ብምውሳድ ኣይኮነን። እቲ መንገዲ ንፈራሕን ስጋእ መጋእ ንዝብል - ወይውን ነቶም ኣብ ክንዲ ስራሕ ምቾት፡ ብሃብትን ተፈላጥነትን ዝመጽእ ስምዒት ንዝደልዩ አይኮነን እውን ኣይኮነን። ። እንታይ ድኣ በቶም ገበርትን፡ ሰራሕትን፡ ነገራት ዝሃንጹን ዝዂስኩሱን፡ ገለ ፍሉጣትን ምስጉናትን ገለ ድማ ከይተፈልጡን ከይተመስገኑን ዝሰርሑ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን እዮም። ኣዚኣቶም ብህርኩትነት ነቲ ዝሓለፈ ነዊሕን ሓጎጽጎጽ ዘለዎ መንገዲ ሓሊፎም ናብ ህብትምናን ነጻነትን ኣስጊሮምና እዮም።  

ምእንታና ክብሉ ነተን ውሑዳት ንብረቶም ተሓንጊጦም ሓድሽ ህይወት ከናድዩ ኪንየው ውቅያኖስ ገይሾም ናብዚ መጺኦም። ምእንታና ኣብ ጎዳጉዲ ሸቂሎም ኣብ ምዕራብ ዘፍ ኢሎም። ናይ መግረፍቲ ጭጉራፍ ተጸሚሞም ደረቕ መሬት ሓሪሶም። ምእንታና ኣብ ኮንኮርድን ገይተስበርግን፡ ኣብ ኖርማንዲን ከ ሳህን ተዋጊኦምን ሞይቶምን። እዚኣቶም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ምእንቲ ዝሓሸ ናብራ ክንነብር ኢሎም ኣእዳዎም ክሳብ ዝምለጥ ብቐጻሊ ተቓሊሶምን ሰሪሖምን። ኣሜሪካ ካብቲ ናታቶም ውልቃዊ ትጽቢት ዝዓበየት ምዃናን ናይ ሓባር መጻኢ ከምዘለዋ ስለዝኣመኑን፡ ካብ ሃብትን ትውልድን ወገንን ንላዕሊ፡ ሓንቲ ምዃና ስለዝተገንዘቡን እዩ። 

ነዚ ናቶም ጉዕዞ እዚ ኸኣ እዩ ሎሚ ንሕና ንቕጽሎ ዘለና። ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየን ዝሓየለን ሃገር ኮይንና ጸኒሕና ኣሎና። ናይ እዋንና ቅልውላው ካብ ዝጅመር ናይ ሰራሕታኛታትና ማእቶታዊ ክእለት ኣይጎደለን። ናይ ኣእምሮና መሃዝነትን ክእለትን ናይ እነርፍዮም ኣቑሑን ኣገልግሎትን ተደላይነት ኣይተሓተን። ዓቕምና ከም ቀደሙ ከይወሓደ እዩ ዘሎ። ንርእስና ኣጆኻ ናይ ምባልን፡ ጸቢብ ጥቕሚ ኣብ ምሕላውን፡ ዘይፍተወካ ውሳነ ምትሕልላፍን - ግዜኡ ሓሊፉ ኣዩ። ካብ ሎሚ ጀሚሩ ሓፍ ኢልና፡ ክዳውንትና ነጊፍና፡ ንኣሜሪካ እንደገና ናይ ምህናጽ ስራሕ ክንጅምር ኣለና። 

ኣብ ኩሉ ሸነኽ እንተረኣና ዝስራሕ ኣሎ። ኩነታት ቁጠባና ንጡፍን ቁልጡፍን ውሳነ የድልዮ ኣሎ - ምእንቲ እዚ፡ ሓድሽ ናይ ስራሕ ቦታታት ንምፍጣር ጥራሕ ዘይኮነ ንነባሪ ዕብየት ዝኸውን መሰረት ክንሃንጽ ኢና። ቁጠባና ክዓብን ክጥመርን ምእንቲ መንገድታትን ድልድላትን፡ ናይ ኤሊክትሪክን ናይ ዲጂታል መስመራት መተሓላለፊ ክንሃንጽ ኢና። ስነ ፍልጠት ኣብ ቦትኡ መሊስና ናይ ቴክኖሎጂ ምዕባለ ፍርያት ንናይ ጥዕና ኣገልግሎት ሓፍ መበሊን ዋጋኡ ንኸጉድልን ክንገብር ኢና። ንሓይሊ ጸሓይን ንፋስን ሓመድን ለጒምና ንመኻይንን ፋብሪካታትና መካየዲ ክንገብሮ ኢና።  ኣብያተ ትምህርትን ኮለጃትን ዩኒቨርስታት ንናይ ሓድሽ ዘመን ጠለባት ከምዘማልኡ ጌርና ክንቅይሮም ኢና። እዚ ኹሉ ክንገብሮ ንኽእል ኢና። ክንገብሮ ድማ ኢና። 

ነዚ ናይ ድሌታትና ዕብየት ጠርዚ ኣዝዩ ልዑል እዩ ኢሎም ዝሓቱ - ማለት እቲ ሰረት ብዙሕን ግዙፍን ለውጢ ክጻወር ኣይክእልን እዩ ዝብል ርእይቶ ዘለዎም ክህልዉ ይኽእሉ። ናይዚኦም ተዘክሮ ሓጺር እዩ። ኣሜሪካ ብናይ ሓባር መደብን ሕልምን: ኣድላዪ ሓቦን ብዝተቖረኑ፡ ነጻ ብዝኾኑ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝገበረቶን ዝበጽሓቶን ረሲዖሞ ኣለዉ።

እዞም ተጠራጠርቲ ዘይርድኦም ዘሎ መሬት ኣብ ትሕቲኦም ተንቀሳቒሱ እዩ። እቲ ንነዊሕ እዋን ሒዙና ዝጸንሐ ፍሹል ፖለቲካዊ ክትዓት ሎሚ ኣይሰርሕን እዩ። እዋናዊ ሕቶና መንግስትና ኣዝዩ ዓቢይ እዩ ወይ ከኣ ኣዝዩ ንኢሱ ዝብል ኣይኮነን። እንታይ ድኣ ብግቡእ ይሰርሕ ድዩ ወይስ ኣይሰርሕን - ስድራ ቤታት ድሓን ብዝኾነ ደሞዝ ዝዕየዪ ንኽረኽቡ ይሕግዝ ድዩ፡ ብዛዕባ ይኽእልዎን ኣይኽእልዎንከ ይግድሶ ድዩን፡ እኹል ጡረታኸ ይረኽቡ ድዮም ዝብሉ ክምልስ ይኽእል ድዩ እዩ እቲ ሕቶ።  እቲ መልሲ እወ እንተድኣ ኾይኑ፡ ንቕድሚት ክንስጒም ኢና። እቲ መልሲ ኣይፋል እንተድኣ ኮይኑ መደባት ክዕጸዉ እዮም። እቶም ናይ ህዝቢ ገንዘብ ንከመሓድሩ ሓላፍነት ተዋሂብዎም ዘለዉ ክሕተቱ እዮም። ማለት ብለባምነት ከንቀሳቕስዎ፡ ሕማቕ ኣመላት ክገድፉ፡ ስራሓውትና ኣብ ቅሉዕ ከካይድዎ - ምኽንያቱ ነዚ ኣድላዪ ዝኾነ ኣገባብ ምስ እንመልሶ ጥራሕ እዩ ኣብ መንጎ መንግስትን ህዝብን እምነት ዝህሉ። 

ኣብ ቅድሜና ዘሎ ሕቶ ነጻ ዕዳጋ ናይ ጽቡቕ ድዩ ወይ ናይ እከይ ሓይሊ ኣይኮነን። ነጻ ዕዳጋ ብልጽግና ናይ ምጥራይ ክእለቱን ነጻነት ናይ ምዝርጋሕ ሓይሉ መዳርግቲ የብሉን። እዚ ኣጋጢሙና ዘሎ ሽግር ከምዘብርሃልና ግን ኣብ ልዕሊ እዚ ሓይሊ እዚ ሓለዋ እንተዘይሃልዩ፡ ዕዳጋ ካብ ምቁጽጻር ኣዝዩ ክወጽእን - ሃገር ንሃብታማት ጥራሕ ተዳሉ ኾይና - ንነዊሕ ከምዘይንኸይድ እዩ ዝገብር። ቁጠባና ዕዉት ዝገብሮ ዝነበረ፡ ዓቐን ናይቲ ዓመታዊ ሃገራዊ እቶት ጥራሕ ዘይኮነ፡ እንታይ ድኣ ኣብቲ ሕብረተ ሰብ ዘተኣታትዎ ብልጽግናን፡ ንነፍስ ወከፍ ዝወሃቦ ዕድልን - ብምምጽዋት ዘይኮነስ - ናብ ናይ ሓባር ረብሓ ዘብጽሕ ርጉጽ መንገዲ ምዃኑ ተረዲእና ምስእንፍጽሞ ጥራሕ እዩ። 

ብዛዕባ ናይ ሓባር ምክልኻል ዝምልከት፡ ኣብ መንጎ መትከላትናን ድሕነትና ኣሎ ንዝበሃል ምርጫ ንነጽጎ። ህይወቶም ኣብ ሓደጋ እናሃለወን ክንግምቶ ዘይንኽእል ሓደጋታት ኣናኣጋጠሞም እንከሎ፡ ኣቦታት ሃገርና፡ ስርዓተ ሕግን መሰል ደቅሰብ ምእንቲ ክረጋገጽ ብደም ዝሓለፉ ወለዶታት ዝተሃንጸ ቻርተር ገዲፉምልና እዮም። ናቶም ራእይ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ንዓለም የብርህ ኣሎ - ስለዝኾነ ድማ ግዝያዊ ቅልጣፈ ምእንቲ ክንረክብ ኢልና ንመተከላትና ኣይክንገድፎምን ኢና። ነቶም ሎሚ ነዚ ትዕዘቡን ትሰምዑን ዘለኹም፡ ካብቲ ዝዓበየ ርእሰ ኸተማ ክሳብ እታ ኣቦይ ዝተወለደላ ንእሽቶ ቁሸት፡ ናይ ሰላምን ክብረትን መጻኢ ንዝደልዩ ካልኦት ሕዝብታትን መንግስታትን፡ ሰብኣይ ይኹን ሰበይቲ ይኹን ቆልዓ፡ ክንብለኩም ንደሊ፡ ኣሜሪካ መሓዛኹም እያ። ንክንመርሕ እንደገና ቁሩባት እውን ኢና። ዘክሩ፡ ዝሓለፉ ወለዶታት ንኮሙኒዝምን ፋሽስትነነትን ብሚሳይልን ታንክታትን ጥራሕ ኣይኮኑን በዲሆሞ፡ የግዳስ ብጽኑዕ ዝምድናታትን ዱልዱል እምንቶን ስለዝመሰረቱ እዩ። ንሳቶም ሓይልና ንበይኑ ክከላኸለልናን ከምድላይና ንኽንገብር ዘኽእለና ከምዘይኮነ ስለዝተረድኡ እዮም። ኣብ ክንድኡ ሓይልና ካብ ልቦና ዝመልኦ ኣጠቓቕማን፡ ድሕነትና ካብ ፍትሓውነትናን፡ ካብ ኣብነታዊ ስራሓትናን፡ ትሕትናን ብዘለዎ ጠባያትና ምዃኑ ስለዝፈለጡ እዮም።

ናይዚ ሕሉፍ ሕድሪ ተቐበልቲ እና። በዚ መትካላት ተማእዚዝና ነዚ ሓድሽ ብድሆታት ብዝያዳ ድርኺት - እሞ ኸኣ ምስ ካልኦት ሃገራት ብምትሕብባርን ምርድዳእን ክንምክቶ ንኽእል። ብሓላፍነታዊ ኣገባብ ኢራቕ ንህዝባ ገዲፍና ክንወጽእን፡ ብዓቢ መስዋእቲ ዝመጸ ሰላም ኣብ ኣፍጋኒስታን ክንሃንጽ ክንጅምር ኢና። ኑክለራዊ ኣስጋእነት ንምጉዳልን ሙቐት ናይዛ ንነብረላ መሬት ንምዝሓል ምስ ናይ ቀደም ፈተውትናን ጸላእትና ዝነበሩ ከይሰልከና ክንሰርሕ ድልዋት ኢና። ንኣሜሪካዊ ኣገባብ ህይወትና ኣይትሓዙልና ኣይንብልን ኢና። ነዚ ኣገባብ መነባብሮና ንክንከላኸለሉ ድሕር ኣይንብልን ኢና። ዕላማኦም ንምትግባር ብሽበራን ንንጹሃት ብምሕራድን ዝጥቀሙ፡ መንፈስና ጽኑዕን ኣይስበርን እዩ፡ ኣይተስክዩናን ኢኹም፡ ክንስዕረኩም ድማ ኢና ንብለኩም ኣለና።

ትፈልጡ ኢኹም፡ ዝተፈላለየ ሕብሪ ዘለዎ ናይ ታሪኽ ሕድሪ ሓይልና ድኣምበር ድኽመትና ኣይኮነን። ሃገርና ናይ ክርስትያንን ኣስላምን፡ ኣይሁዳውያንን ሂንዱን ዘይኣመንትን ዘለዋ ሃገር እያ። ካብ ኩሉ ዓለም ብዝመጸ ዝተፈላለየ ቋንቋን ባህልን ዝተኣልመትን፡ ካብቲ መሪር ጽዋእ ናይ ውግእ ሕድሕድን ፍልልይ ዓሌትን ዝበቖለትን፡ ብድሕርዚ ጸሊም ምዕራፍ ድማ ዝያዳ ሓይልን ሓድነትን ተኽዲና ዝወጸትን፡ ሕሉፍ ጽልኢ ሓደ መዓልቲ ከምዝጠፍእ፡ ናይ ቀቢላን ዓሌትንን ፍልልይ ኣብ ቀረባ እዋን ከምዝሃስስን፡ ዓለም እናነኣሰት ክትከይድ እንከላ ድማ ኩልና ደቅ ሰብ ምዃንና ከምዝግለጽን ዝበርህን፡ ከምኡውን ኣሜሪካ ናይ ሰላም ሓደሽ ዘመን ንምምጻእ ግደ ከምዝህልዋ ንኽንኣምን ንግደድ ኣለና። 

ንናይ ምስልምና ዓለም፡ ኣብ ሓባራዊ ጠቕምን ሓባራዊ ምክብባርን ዝተመስረተ ሓደሽ መንገዲ ንደሊ ኣለና። ናይ ሕድሕድ ምትህርራምን፡ ናይ ሕብረተ ሰቦም ሽግር ኣብ ኣሜሪካ ከላግብዎ ንዝደልዩ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ መራሕቲ - ህዝብኹም ክትሃንጽዎ ብትኽእሉ ድኣምበር ብተፍርስዎ ከምዘይፈርድኩም ፍለጡ። ብብልሽውናን ምትላልን ንተቓዋማይ ብምዕባስን ኣብ ስልጣን ተንጠልጢልኪም ንዘለኹም መራሕቲ፡ ኣብ ግጉዪ ወገን ናይ ታሪኽ ሰፊርኩም ከምዘለኹም ፍለጡ፡ ንሕና ግን ነቲ ዓቲርኩሞ ዘለኹም ክትዝርግሑ ፈቓደኛታት እንድተድኣ ኮንይንኩም፡ ኣእዳውና ክንዝርግሕ ምዃንና ፍለጡ። 

ኣብ ድኻታት ሃገራት ንዝርከብ ህዝቢ፡ ግራውትኹም ክብርክትን ጽሩይ ማይ ክስተን፡ ዝጠመየ ኣካላት ክምገብን ፍልጠት ክዓዝዝን ምእንቲ፡ ምሳኹም ክንሰርሕ መብጽዓ ንኣቱ። ነቶም ከማና ዝሓሸ ናብራ ዘለዎም ሃገራት ድማ፡ ካብ ዶባትና ክንየው ናይ ዝርከብ ስቅያት፡ ዘይምግዳስ ክንቅጽሎ ከምዘየዋጽኣና፡ ናይ ዓለም ጸዓት ንዘምጽኦ መልሰ ግብሪ ኣብ ግምት ከየእተኻ ምጥቃም ክንቅጽሎ ከምዘይኽእል ፈሊጥና ኣለና ንብል። ዓለም ተለዊጣ እያ፡ ንሕና ድማ ምስኣ ክንልወጥ ኣለና።

ኣብ ሩሑቕ ሃገራት ዝርከብ ምድረ በዳን እምባታትን ብትብዓት ዝሕልዉ ዘለዉ ኣሜሪካውያን ኣብዛ ሓድሽ መንገዲ እንጅምረላ ዕለት ንዘክሮም። ከምቶም ኣብ ኣርክሊግቶን ዝርከቡ ጀጋኑ ዝነግሩና መልእኽቲ ኣለዎም። ነዚኣቶም እነኽብረሉ ዘለና ምኽንያት ናይ ነጻነትና ዋልታ ስለዝኾኑ ጥራሕ ኣይኮነን። እንታይ ድኣ፡ ንሕዝቢ ናይ ምግልጋልን ካብ ህይወት ንላዕሊ፡ ዝኾነ ጸጋ ናይ ምድላይ መንፈስ ስለዘንጸባርቑልና እዩ። ነዚ ስምዒት እዚ ኸኣ እዩ እዚ ትውልዲ እዚ ክነብሮ ዘለዎ። 

ኣብ መወዳእቱ፡ መንግስቲ ዝገብሮን ክገብሮ ዘለዎን ከምኡ ኢሎ እንከሎ፡ ሃገር ኣብ ናይ ህዝቢ ኣሜሪካ እምነትን ጽንዓትን እያ ትምርኮስ። ድልድል ክፈርስ እንከሎ ዝርአ ናይ ሓደ ሰብ ለዋህ ሓገዝ፡ ካብ መሳርሕቶም ስራሕ ዝወጽእ ናይ ገዛእ ርእሶም ሰዓት ክቑረጽሎም ዝመርጹ ስራሕተኛታት ክህልዉ እንከለው እዩ እቲ ዝኸፍአ ናይ ሽግር ሰዓታት ንኽንሓልፎ ዝሕግዘና። ናይ ሓዊ ተኸላኸልቲ ናይ ወላዲ ንዉሉዱ ብዝገብሮም ሓገዛትን ሓልዮትን እዩ ህላዌና ዝውሰን። 

ዘጋጥሙና ዘለዎ ሽግራት ሓደስቲ ክኾኑ ይኽእሉ። ነዞኦም እንፈትሓሉ ኣገባብ ሓደሽ ይኸውን። እቲ በዚ እንዕወተሉ መንገዲ ግን ማለት - ህርኩትነት፡ ሕጊ ምኽባር፡ ሓቦን ብዘይ ኣድልዎ ምስራሕ፡ ተኣማንነትን ሃገራውነትን፡ እዚእቶም ግን ናይ ጥንቲ እዮም። ሓቂ እዮም። ኣብ ታሪኽና ብስቕታ ዝሰርሑ ጠባያትና እዮም። እቲ ዝድለ ዘሎ እምበኣር ናብዚኣቶም ናይ ቀደም ጠባያትና ምምላስ እዩ። ሓድሽ መዋእል ናይ ሓላፍነት ማለት ነፍስ ወከፍ ኣሜሪካዊ ንነብስና፡ ንሃገርና፡ ንዓለም ዝምልከቱ ተግባራት ይጽበዩና ምህላዉ ምፍላጥን ምቕባልን፡ እዚ ድማ እናዕዘምዘምካ ዘይኮነ፡ ብታሕጓስን ብሃረርታን ተቐቢልና፡ ካብ ንብድሆ ምምካት ንላዕሊ፡ ንመንነትና ዘንጸባርቕ ካልእ ኣገባብ ከምዘየለ ምርዳእ እዩ። 

እዚ እዩ እቲ ናይ ዜግነት ዋጋን ተስፋን። ናይ ነብሰ ተኣማንነትና ምንጪ ድማ እግዚኣብሔር ንሓደ መወዳእቱ ጌና ዘይበርሀ መጻኢ ንኽንሃንጽ ይዕድመና ምህላዉ እዩ።

ናይ ነጻነትናን መትከላዊ እምንቶ ትርጉም እዚ እዩ። ስለዚ ኸኣ እዩ፡ ካብ ኩሉ ዓሌትን እምነትን ዝመጹ ደቅ ተባዕትዮን ደቅ ኣንስትዮን ቆልዑን፡ ኣብዚ እነብዕለሉ ቦታ ተሳተፍቲ ክኾኑ መጺኦም ዝርኣዩ ዘለዉ። ስለዚ ድማ እዩ ሓደ ቅድሚ 60 ዓመታት ኣብ ቤት ብልዒ ንኽምገብ ዘይፍቀደሉ ዝነበረ ሰብ፡ ሎሚ ኣብ ቅድሜኹም ናይ ሃገር ዝለዓለ ማሕላ ክወስድ ዝኽእል ዘሎ። 

ስለዚ መን ኢናን ዝመጻእናዮ መንገዲ ከመይ ኔሩን ኢልና ብምዝካር ነዛ መዓልቲ እዚኣ ነኽብራ። ኣሜሪካ ክትውለድ እንከላ ዉሑዳት ተኸላኸልቲ ኣብ ቊሪ፡ ናይ በረድ ሩባ ተኸቢቦም፡ ፈኸም ኣብ ዝብል ሓዊ እናሰሓኑ እንከለዉን፡ ርእሰ ኸተማ ዋሺንግቶን ተገዲፋ ኣብ ዝነበረትሉ ናይ ዝሑል እዋን፡ ጸላኢ ደድሕሪኦም ይመጽእ ኔሩ። ናይ ክረምቲ በረድ ብደም ቂሑ። ኣብዛ ፍልይቲ ሰዓት እዚኣ ናይ ሰውራና ውጽኢት ኣብ ጥርጥር ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣቦ ሃገር ነዘን ዝስዕባ ቃላት ንህዝቢ ክንበብ ኣዚዙ። 

“……..ኣብ ከትከት ክረምቲ፡ ተስፋን ቅንዕናን ጥራሕ ጠጠው ኣብ ዝበለሉ እዋን….….ከተማን ገጠርን ነዚ ናይ ሓባር ሓደጋ ተገንዚቦም ንኽብድህዎ ተበጊሶም ኢልኩም ንመጻኢ ዓለም ንገሩ…” ኢሉ።

ኣሜሪካ፡ ኣብ እዋን ሽግርን ናይ ጸገምን ነዘን ግዜ ዘየህሰሰን ቃላት ንዘክር። ኣብ ቅድሜና ዘሎ ብርቱዕ ማዕበልን፡ ንፋስን ህቦብላን ንኽንገጥሞ ተስፋን ቅንዕናን ተዓጢቕና ንበገስ። ደቅናን ደቅ ደቅናን ድማ እቲ ጉዕዞ ንኸይውዳእ ተቃሊሶም ይበሉና። ኣብ ቅድሚ ጸገም ደው ከምዝበልናን ተንከስ ምባል ኣቢና፡ ኣዒንትና ደረት ኣማዕድየን እናጠመታ ብሓይሊ ኣምላኽ፡ እዚ ዓቢይ ናይ ነጻነት ገጸ-በረከት ተሰኪምና ንመጻኢ ትውልዲ ኣረኪቦም ይበሉና። 

የቐንየለይ። ኣምላኽ ይባርኽኩም። ኣምላኽ ድማ ንሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ይባርኽ።”


* ብሕጊ ኣሜሪካ ካብ ፍርቂ መዓልቲ ጥሪ 20, 2009 ንድሓር ባራክ ኦባማ ብወግዒ ፕረዚደንት ኮይኑ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...