ጀነራል ዑቕበ ኣብርሃ

ጀነራል ዑቕብ ኣብርሃ ነዚ ብኣጋጣሚ ዓስራይ ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ እነካይዶ ዘሎና ቃለ-መጠይቕ ንሕቶታትና ክትምለስ ፍቓደኛ ብምዃንካ ነመስግን።

ብምቕጻል ናብ ካልእ ሕቶታትና ቅድሚ ምስጋርና ፈለማ ዑቕበ መንዩ?

ጀነራል ዑቕበ፡-ኣነ ብ29 ሕዳር 1949 ኣብ ደቀምሓረ (ሃዳሙ) ተወሊደ። ዕድመይ ንትምህርት ምስ ኣኸለ ኣብ ደቀምሓረ ኣብ ዝነበራ ኣብያተ ትምህርቲ ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ተማሂረ። እዚ ኸኣ ክሳብ 1969 ዓ.ም ምዃኑ ኢዩ። ገለ ክፋል ናይ ግዜኣብ ደቀምሓረ ገለ ክፋል ከኣ ናብ ዓዲ (ድቅናዞ) እናተመላለስኩ እየ ዝመሃር ነይር። ኣነ ቦኽሪ ናይ ገዛና እየ። ኣቦይ (ኣብርሃ እንግደ) ኣብማሕበር ኤርትራ ንኤርትራውያን ዝነጥፍ ዝነበረ ከምዃኑ መጠን ኣብ ሃገራዊ ስሚዒተይ ዓቢ ተራ ነይሩ ዎ ። ዘካይድ ዎ  ዝነበሩ ርክባትን ዝጽሐፉ ዝነበሩ ጋዜጣታትን የዕልለኒ ነይሩ። ኣብ ወዳእታ'ውን ብደርጊ ክልተ ግዜ ተኣሲሩን ተገሪፉን ድሕሪ ውጽኡ፡ ብ1986 ብሃንደበት ዓሪፉ። ኣብ ደቀምሓረ ካልኣይ ደረጃ ትምህርተይ ኣብ ምውዳእ ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ (1969) ድምጺ ሰውራ ኤርትራ ድሃዩ ኣብ ከባቢና እናንሃረ መጺኡ። ኣብ ደቀምሓረ ኸኣ በብስለስተ እናተጠርናፍና ክንውደብ ጀሚርና።

ብዙሕ ከይከደ ግን እቶም ምስ ተ.ሓ.ኤ ርክብ ነይሩ ዎ ም ዝተባህሉን ቀንዲ ወደብትና ዝነበሩን ስለ ዝተኣስሩ በቲ ሓደ ወገን ብተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ ብዝውሰድ ዝነበረ ናይ ምቕንጻል ተግባራት ካብ ሜዳ ብምምላስ ኢዶም ዝሃቡ መንእሰያት ኣብ ደቀምሓረ ቦታ ተፈልዩሎም ይእከቡ ብምንባሮም ከኣ በቲ ካልእ፡ ነቲ ተበጊሱ ዝነበረ ናህሪ ድምጺ ሰውራ ኤርትራ ንግዜኡ ከዝሕሎ ኪኢሉ። ብድሕርዚ ናብ ኣዲስ-ኣበባ ብምኻድ ንሓደ ዓመት ዝኸውን ኣብ ስራሕ ተዋፊረ። ቀጺለ ኸኣ ኣብ1971-1972 ዓመት ትምህርቲ ናብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኣትየ። ሽዑ ድሮ ናይ ህዝባዊ ሓይልታት ወረን ምውዳብን ስለ ዝጀመረ፡ ምስ ገለ መማህርተይ ብጉጅለ ተጠርኒፍና ድሃይ ሰውራን ሰውራዊ ክልስ ሓሳብን ክንከታተል ጀሚርና። ኣብ መንጐ ትምህርቲ ምቁራጽ ከኣ ኣብ ካልኣይ ርብዒ ዓመት1972 ናብ ኣስመራ ብምምጻእ ካብ ኣስመራ ተበጊስና ንሜዳ ወጺእና።

ሕቶ፡-*ንሜዳ ምስ ወጻእካ ሜዳ ከመይ ረኺብከዮ ከመቲ ትጽበዮ'ዶ ጸኒሑካ?

ጀንራል ዑቕበ፡-ካብ ኣስመራ ብድርፎ ጌርና ንሰሜናዊ ባሕሪ ኢና ወሪድና። ሰሜናዊ ባሕሪ ኣግራቡን፡ ክሊሙኡን ዝተመርጸ ቦታ ካብ ኤርትራ እዩ። እቲ ንሕና ንጽበዮ ዝነበርና ቅድሜና ዝሓለፉ(ዝተሰለፉ) ብጾትና ክንርኢ ብዝሕ ዝበሉ ተጋደልቲ ክንረክብ

መዓስከርን ዕጥቅን ክንጥምት'ዩ ነይሩ። ንዓና ተቐቡሉና ኣዝዮም ውሑዳት ነይሮም። ዝበዝሑ ኣርሒቑም ንገረግር ሱዳን ስለ ዝኸዱ፡ ኣዝዩ ጽሙዋን ኣብ ዝወዓልካሉ ዘይሕደሮ፡ ኣስርካ እናጥፋእካ ትጓዓዝ እዋን ከምእታውና ከምቲ ዝተጸበናዮ ኣይጸንሓናን። ገለ ካብቶም መማጽእትና'ውን ኣብ ተስፋ ምቑራጽን ናብ ኣስመራ ምእታው ዝብል ስምዒት ዘኸተለሎም ነይሮም። ኣብዚ እዋን'ዚ ብሓደስትና ከሎናን ብረት ገና ከይመለኽናን ሓንቲ ብረት ብእብረ ኣብ ንሕዘሉ ዝነበናን ብገለ ከድዓት ብዝተፈጸመ ሸርሒ ኣብ ልዕሊ ገለ ብጾትና ብለይቲ ሓደጋ ብምውዳቕ ናይ ሓሙሽተ

ብጾት መስዋእቲ ኣኸቲሎሙልና። ኣብዚ ኸኣ ንመጀመርያ ግዜ ከም ኣላዪ ናይ ዝተወግኣ ብጻይ ኰይነ ምስቲ ሓደ ዝነበረና ብተሞክሮ ዘጥረዮ ሓኪም ኰይነ ሰሪሐ። ድሕሪ ቁሩብ ኣዋርሕ ከኣ ናብቶም ዝብዝሑ ብጸትና ዝነበር ዎ  ገረግር-ሱዳን ንኹሉቲ ሓውሲ ምድረ በዳ ገማግም ሰጊርና ተጸንቢርናዮም።

ሕቶ*ብዛዕባ ገረግር ሱዳን ክዝረብ እንከሎ ፈለማ ዝልዓለ ውግእ ሕድሕድ'ዩ። ንስኻ ኣብቲ እዋን ከም ሓድሽ ተስላፊ መጠን ስሚዒትካ ከመይ ነይሩ?

ጀንራል ዑቕበ፡-ልክዕ'ዩ ኣብቲ እዋን ሓደስቲ ኢና ኔርና። ግን ድሮ ምስ ብረት ተላሊና፡ ድፍዓት ርኢና መስዋእትን ነዊሕ ጉዕዞን ኣጋጢሙና ብምንባሩ ብመጠኑ ኣምር ናይ ውግእን ጽንዓትን ነይሩና። ተ.ሓ.ኤ ንኸጥፍኡና ይመጹ ስለዝነበሩ ኸኣ ንምክልኻል ዕጡቓት ኔርና። ኣብቲ እዋን ተሐጋጋዚ ብሬን ኤሞጂ ኰይነ ተመዲበ ነይረ።

ሕቶ*ካብ እትስለፍ ክሳብ ግዜ ናጽነት ዝተመደብካሉ ሓላፍነታት ክትገልጸልና ዶ?

ጀንራል ዑቕበ፡-ድሕሪ ምስላፈይ ኣብ ገረግር ሱዳን ከምቲ ዝበለኩ ዎ  ከም መድፍዓጂ ኰይነ እየ ተመዲበ። ካብ ገረግር ሱዳን ንመሬት ኤርትራ ምስ ኣተና ኣብ ከባቢ ዓራግ ድሕሪኡ ጠግሕ ኣብ ዝነበርናሉ ከም መድፍዓጂ ቀጺለ። ብድሕሪኡ ግን ገለ ሰባት ካብ ዝተፈላለያ ሓይልታት ተሳሒብና ዝኣክል ዕጥቂ ተዋሂቡና ናይ ፈዳይን ጉጅለኰንና ንቅድመ ግንባር (ንሰሜናዊ ባሕሪ) ኬድና። እዚ ኣብ 1973 ምዃኑ እዩ። ክልተ ሓይሊ ዝዀና ሰዒበናና ክንስርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብቲ 1973 ዝውድኣሉ ዝነበረ ግዜ እዩ ዝመስልኒ ንገረግር ኣስመራ ተጠርኒፍና ተመሊስና፡ እቲ ናይ ሰለስተ ሰሙን ውግእ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያውን ኣርኪብናሉ። ክሳብ'ዚ እዋን'ዚ ከም ተራ እየ ክሰርሕ ጸኒሐ። ኣብ 1974 ካብቲ ዝነበረኩ ዎ  ኣሃዱ ወጺኣ ከም ተኸታታሊ ሜላ ክፍሊ ዕቃበ ብረት ኰይነ ተመዲበ። በዚ ሓላፍነት እዚ ኸኣ ክሳብ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ እሰርሕ ነይረ።

ኣብ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ኣባል ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈትን ብምዃን ኣብ ወተሃደራዊ ሽማግለ ሓደ ኣባል ነይረ። ወተሃደራዊ ሽማግለ ብሓለፍቲ ክፍሊ ታዕሊም ክፍሊ ስለያን ክፍሊ ዕቃበ ብረትን ስለ ዝቐውም ኣነኸኣ ሓላፊ ክፍሊ ዕቃበ ብረት ብምንባረይ ብኸምኡ ኢዩ ነይሩ።

ሕቶ*ኣብዚ ጽንኩር መድረኽ ስራሕኩም ብኸመይ ተካይዱ ኔርኩም?

ጀንራል ዑቕበ፡-እቲ መድረኽ ናይ ብሓቂ ጽንኩርን ተሪርን ኢዩ ነይሩ። ማለት ብኽልተ ጸላእቲ ትህደነሉ ዝስተ ማይን ዝብላዕ እኽልን ዝለበስ ክዳንን ከም ድላይካ፡ ወይ ኣብዝደለኻዮ ዘይትረኽበሉ። ከም ኣራዊት በረኻ ብቐትሪ ትሕባኣሉ፡ ብለይቲ ትኸደሉ እዋን ብምንባሩ ከቢድ'ዩ ነይሩ ናይ ብሓቂ። እንተዀነ ግን ዕላማን መትከልን ዘለ ዎ ፡ ቖሪጹ ዝተላዕለ ሰብ ሽትኡ ንምውቃዕ ዘደናጉዮ'ምበር፡ ዝኽልክሎ ስለዘይብሉ፡ ልዕሊ ኹሉ ኸኣ ሓባራዊ እምነት ሓባራዊ ኣስራርሓ ተወፋይነትን ተዓጻጻፍነትን ብምንባሩ ጽንኩር ጽንኩር ከይተባህለ ሓሊፉ። ህዝቢ ኣብ ጐኒ ሰውራ ንምስላፍን ሰውራ ዘይነጽፍ ንምግባርን ከኣ ብዙሕ ስርሓት ስለ ዝተኻየደ ኹሉ ሽግራት ተሳዒሩ።

ሕቶ*ፈለማ ህዝባዊ ሓይልታት ሃይማኖታውን ኣውራጃውን ጐስጓስ የካይድ ነይሩ ይብሃል እዚ ከመይ እዩ?

ጀንራል ዑቕበ፡-ኣነ እንታይ እዩ ዝመስለኒ፡ ሰብ ክሳብ ዕላማኻ ብተግባር ዝርእዮን ዝመዝኖን ብዛዕባኻ ግጉይ ግምትን መረዳእታን ክህል ዎ  ይኽእልዩ። ገለ ዝቃወመካ ኪህሉ'ውን ግድንዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ነናቱ መበገስን ርእይቶን ክህል ዎ  ይኽእል። ብወገነይ ከምኡ ዓይነት ስምዒትን ኣበሃህላን ፈጺሙ ኣይነበረን ክብል ኣይክእልን መን ይብሎ? ስለምንታይ ይብሎ? ቅኑዕ ድዩ እቲ ዝበሎ ኢዩ ዘገድስ። ህዝባዊ ግንባር ስዒቡ ካብ ኩሉ ኣውራጃታትን ንኹሉ ሃይማኖታትን ዝወከለ ዜጋ ብዝስፍሐ መልክዑ ጠርኒፉ ብምሐዙ እቲ ኣበሃህላ ናይቲ እዋን ብዓብላሊ ተሳታፊ ናብቲ ናይቲ ግንባር ዝተሳዕረ እመስለኒ።

ሕቶ*ኣብቲ ንስኹም ዝተስለፍኩሙሉ እዋን ኩሉ ኣብ ውትህድርና'ዩ ዝምደብ ነይሩ ንስኻ'ውን ብቐጥታ ኣብ ሰራዊት ኢኻ ተመዲብካ። ስለምንታይ እዩ ከምኡ ዝግበር ነይሩ?

ጀንራል ዑቕበ፡-ኣብቲ መጀመርያ እዋናት ካልእ ምርጫ ብዙሕ ስለ ዘይነበረን፡ ናይ ሞትን ሂወትን ሕቶ ተንጠልጢሉ ብምንባሩ ናብ ካልእ ክሕሰብ ዘይካኣል'ዩ። እዚ ኩሉ እናዀነ'ውን ብገለ ዝተወሰነ ዓቕሚ ህዝቢ ንምውዳብ ሰባት ይፍለዩሉ ነይሮም እዮም። ኣነ'ውን ከም ሰበይ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበረንን። ኣብ ዳሕራይ መድረኽ እንተኾይኑ ግን ብፍላይ ድሕሪ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ብዘይካ ወተሃደራዊ ክፍልታት ንዕኡ ዘገልግላን ንህዝቢ ዝሕግዛን ኣካላትን ክፍልታትን'ውን ቖይመን እሰርሓ ነይረን እየን። ከምቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስኩ ዎ  ድሕሪ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ከም ኣባል ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈትን ኣባል ወተሃደራዊ ሽማግለን ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራትከም ኣወሃሃዲ (ኣዛዚ) ግንባር ኰይነ ሰሪሐ። ብፍላይ ኣብ ግንባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ከኣ እቲ ግንባር ተመስሪቱ ክሳብ ዝፈርስ ንሓሙሽተ ቀጻሊ ዓመታት ከም ሐላፊ ናይቲ ግንባር ኰይነ ሰሪሐ። ኣብ ካልኣይ ውድባዊን ሐድነታውን ጉባኤ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ብምዃን ሐላፊ ኮሚሽን ቁጠባ ኰይነ ክሳብ 1989 ናብ ወተሃደራዊ ጠቕላሊ ስታፍ ዝቕየር ስሪሐ። ካብ 1989 ክሳብ ናጽነት ከኣ ኣብዚ ሓላፍነት'ዚ'የ ነይረ።

ሕቶ*ጀነራል ዑቕበ ንስኻ ቀልጢፍካ ናብ መሪሕነት ዝመጻእካ ትመስል። ምስቲ ግዜ ብምንጽጻር ማለት'ዩ። ነዚ ከመይ ትርእዮ?

ጀንራል ዑቕበ፡-ነቲ በቲ እዋን ዝነበረ ናብ መሪሕነት ዘሰጋግር ረቛሒታት ስለ ዘማላእኩ እየ ዝኸውን እብል ግና ኣባይ ጥራይ እውን ኣይመስለንን።

ሕቶ*ኣብ እዋን ምሕራር ኣስመራ ኣበይ ኔርካ?

ጀንራል ዑቕበ፡-እቲ ግዜ ኣብ ወተሃደራዊ ጠቕላሊ ስታፍ ዝነበርኩሉ እዋን እዩ ነይሩ። ብግንባር ደቀምሐረ ኸኣ ምስቶም ነቲ ውግእ ዘወሃህዱ ዝነበሩ ነይረ።

ሕቶ*ድሕሪ ናጽነት ሚኒስተር ንግድን ኢንዳስትሪን ከለኻ፡ ንግዳዊ ኮርፖረሽን ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪኹም'ዩ ነይሩ። እቲ ናይ መንግስትን ውድብን ስራሕ ብኸመይ ተወሃህዶ ኔርካ፡ ክልተ ሓላፍነት ነይሩካ ማለት ድዩ?

ጀንራል ዑቕበ፡-ኣይፋሉን ክሳብቲ ህ.ግ.ደ.öፍ ንትካላት ህዝባዊ ግንባር ዝነበራ ክትጥርንፍን ክተረክብን ትጅምር፡ ኩሉቲ ኣብ ሜዳ ዝነበረ ትካላት ድሕሪ ናጽነት ነናብ ዝቐርቦ ትካል መንግስቲ እዩ ተጸንቢሩ። ንኢንዱስትሪ ዝመስላ ናብ ንኢንዱስትሪ መጓዓዝያ ግንባር ዝበዝሕ ክፋሉ ናብቲ ናይ መንግስቲ መጓዓዝያ ናይ ንግዲ ትካላት ድማ ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ (ብዘይካ ናይ ሓይሊ ባሕሪ) ንግዲ ነይረን። ንምጥርናፉ

ኪጥዕም ከኣ ንግዳዊ ኮርፖረሽን ቀይሕ ባሕሪ ንኹለን ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዝነበራ ትካላት ንግዲ ከምዝ ጥርንፍን ነብሱ ዝኸኣለ (ሃችtተቦተብተችዘ) ትካል ኰይኑ ንኺዓይን ንጹር ዕላማታት ሒዙ ኪብገስን ኪኢሉ። ማለት ክሳብ ብሃገር ደረጃ ናይ ንግዲ ኩባንያታት ዝዓብያን ርትዓዊ ውድድር ዝነግስን ዚቕጽል፡ ንምርግጋእ ዋጋታት ኪሰርሕ ዝብል'ዩ ነይሩ። ድሕሪ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ 1994 ኣብ ህግደፍ ንቁጠባዊ ጉዳያት ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ምስቖመ ድሒሩ ይጀምር እምበር፡ ኩለ êብናይ ግንባር ዝፍለጥ ትካላት ካብ መንግስቲ ብምስሐብ ኪጥርንፎ ጀሚሩ። ስለዚ ክልተ ሐላፍነት ኣይነበረን።

ሕቶ*ኣብ ከባቢ 1996/97 ኣብ ንግዲዊ ኮርፖረሽን ቀይሕ ባሕሪ ብልሽውና ነይሩይብሃል። ብዛዕባ'ዚ እትፈልጦ እንታይ ኣሎ?

ጀንራል ዑቕበ፡-እዚ፡ እቲ ትካል ኣብ ህግደፍ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝተላዕለ ክሲ እዩ። ብወገነይ ዝፈልጦ ብልሽውና የብለይን። እዚ ክሲ'ዚ ክሳብ ክንደይ ሓቂ ምዃኑን ጉድኣቱን ንምጽራይ ተባሂሉ ብመንግስቲ ተታሒዙ ኣሎ። ብመንግስቲ መግለጺ ክሳብ ዝገበርከኣ ዝፈልጦ ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን። ብወገነይ ብዛዕብኡ ዝብሎ የብለይን ሰብ በብሓቁ ክወጽእ ስለ ዝዀነ ኸኣ ዘዛርብ የብሉን። ክሳብ ክንድዚ ግዜ ምውሳዱ ግን ብወገነይ ኣይቅበሎን። ንዓይ ብውልቂ ምሳይ ዝተኣሳስር ጉዳይ ዝበል ዎ  ተሐቲተ ኣብ ግዜኡ መሊሰዮ እየ ምዝርዛሩ ዘድሊ ኣይመሰለንን። ብወገነይ ከም ርእይቶ፡ ብልሽውና ንምጥፍፋእ ገንዘብ ጥራይ ዝምልከት ኣይመስለንን። ስርዓተ-ሕጊ ምጥሓስ እቲ ዝለዓለ ብልሽውና'ዩ ኢለየ ዝኣምን። ንብልሽውና ዝምልከት ትርጉም ዝርዝራዊ መግለጽን ንዕኡ ዝቕይድ ሕግታትን፡ ብሃገራዊ ባይቶ ድሕሪ ምጽዳjም ካብ ሃገራዊ ባይቶ ነቲ ዝወጸ ሕጊ መሰረት ብምግባር ዝከታተልን ዝኸስስን ኣካል ኪቐውም ዝሓሸ ምዀኑ።

ሕቶ*ሕራይ ንስኻ ኣብ 1998 ካብ ሚ/ሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ናብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ተሳሒብካ ናይ ጀነራል መዓርግ ተዋሂብካ ደሐር'ውን ካብኡ ተኣሊኻ እዚ ከመይ እዩ? እንታይ'ከ ተሰሚዒዑካ?

ጀንራል ዑቕበ፡-እወ ብ1998 ግጭት ኣብ መንጐናን መንጐ ኢትዮጵያን ምስ ተላዕለ ድሕሪ'ቲ ቀዳማይ ወራር ማለትዩ ኣብ ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ከለኹ ሓደ ናይ ኢንስፖክሽን ጉጅለ መሪሐ ኣብ ኩሉ ግንባራት ዘይረ ነቲ ዝተዋህበ መደብን መምርሒስራሕን ከኣ ተግቢርና ጸብጻብና ኣቕሪብና። ብድሕሪኡ ካብ ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ተቐይረ ናብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ከይደ። ንሎጂስቲክስ ንምምሕዳራዊ ስርሓትን ንሕክምናዊ ኣገልግሎታትን ብሓላፍነት ክሕዝ ተነጊሩኒ ብኡ መሰረት ነዚኦምን ካልእ ናይ ሓባር ናይ ምክልኻል ዕማማትን ምስ ሚኒስተር ምክልኻል ብምዃን ክሳብ ካልኣይ ወራር ዝውዳእ ሰሪሐ። ኣብ ወርሒ 07/1999 ምሉእ ናይ ጀነራልነት መዓርግ ተዋሂቡኒ ሐለቓ ጠቕላሊ ስታፍ ሐይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኰይነ ከገልግል ተሐቢረ ንዝተዋህበኒ ሓላፍነት ብግቡኡ ኪሰርሓሉ ጀሚረ። ኣብ ወርሒ 11/1999 ብወገነይ እጠቅም'ዩ ዝበልኩ ዎ  ኪእረም ዘለ ዎ  ዝለ ዎ  ደብዳቤ ናብ ፕረሲደንት ጺሒፈ ብምንባረይን ኣብ 8ይ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ኣራሚ ኰይኑ ዝተራእየኒ ርእይቶ ብምቕራበይን ኢዩ እየ ዝብል፡ (ምኽንያቱ እቲ ዝተጻሕፈለይ ምኽንያት ብዝዀነ መለክዒ ስለ ዘይቅበሎ) ኣብ ወርሒ 02/2000 ካብ ሓላፍነትን ካብ ማዕረግን ከም ዝተላቕቕኩ ዝገልጽ ደብዳቤ ካብ ፕረሲደንት በጺሑኒ። እቶም ዘቕርብኩ ዎ ም ደብዳቤታትን ዝተዋህበኒ መልስታትን ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ከቕርቦምየ። ሕጂ ካብቲ በጺሐዮ ዘለኹ ንምቕጻል ግን እዚ ኣነ ካብ ስራሕ ጠጠው ዝበልኩሉ እዋን 3ይ ወራር ዝቀራረበሉ ዝነበረ ግዜ እዩ። ሳልሳይ ወራር ምስ ጀመረ'ውን ብዓቕመይ ከበርክት እሕተት'ምበር ጸማም እዚኒ ተዋሂቡኒ ኣብ መወዳእታ ግን ብፍቓድ ሚኒስተር ምክልኻል ክሳብ'ቲ ወራር ዝውዳእ ምስኡ እናተጓዓዙኩ ርእይቶይ ኣበርክት ነይረ። 9ይ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ምስ ተገብረ ብጽሑፍ ንኹሉ ኩነታተይ ዝገልጽ፡ ዝተጋሃስኩ ዎ  መሰለይ ዝሐትት፡ ብመርመርቲ ብዛዕባ ምስ 09 ዝተኣስስር ዝበሃል ዝተሐተትኩ ዎ ን ዝመለስኩ ዎ ን፡ ብዝርዝር ኣቕሪበ። ጉዳየይ ትርኢ ኣካል ክትቀውም ተወሲኑ ከብቅዕ ክሳብ ሕጂ ገጽ ኣካል ንገጽ ፍታሕን ኣይረኣኹን። እቲ ናብ ማእከላይ ባይቶ ዘቕረብኩ ዎ  ጽሑፍ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ከቕርቦ'የ። ክሳብ ሕጂ ኸኣ ኮፍ ኢለ ብዘይ ስራሕ ኣለኹ። እዚ ኸኣ ብዘይካ ንሰብ ብሞራል ንምቕታል ካልእ ዕላማ ዘለ ዎ  ተግባር ኣይመስለንን። እቲ ዝኸፍአ ግን ጸላኢ ናይ ደርጊ ጀነራላት ካብ ቤት ማእሰርቲ እናውጽኣ ክጥፍኣና ኪህቅን ኮሎ፡ ኣነ ኣብ ድሮ ወራር ካብ ስራሕ ምብራረይን ካብ ዓመት ንላዕሊ ብዘይ ዝዀነ ሕቶን መደብ ስራሕን ኣብ ገዛ ኮፍ ክብል ግን ናይ ብሓቂ ዘሕዝን(ሩተቶtችቶቅ) እዩ። ክሳብ ሕጂ ሎሚ፡ ጽባሕ በቲ ውሳነ ማእከላይ ባይቶ መሰረት ስጉምቲ እውስድን፡ ፍታሕ እርከብን ይኸውን ብምባል ነብስይ ስቒጠ ተጸሚመ ጸኒሓ። ካብዚ ንላዕሊ ምጽማም ግን ሓቂ ንኸይወጽእ ምኽሓድ ስለ ዝዀነ'የ ኩነታተይ ዝገልጽ ዘለኹ። ዝበደለ ሰብ ብኣገባብ ብሕጊ ኪሕተትን ጉዳይ ቀሪቡ ውሳነ ኪወሃቦን ጥዑይ ኣስራርሓ እዩ። ኣብ ነጻ ቤት ፍርዲ ነብሱ ኪከላኸል ክሳብ ዝኸኣል።

ሕቶ*ምስ ወያነ ኣብ ዝተኻየደ ኩናት ብፍላይ ሳልሳይ ወራር ካብ ትጸቢትና ወጻኢ'ዩ ነይሩ። ንምንታይ ኢዩ ከምኡ ኰይኑ?

ጀንራል ዑቕበ፡-ብወገነይ ክርእዮ እንከለኹ ናይ ሳልሳይ ወራር ጥራይ ቁንጭል ኣቢልካ ክትዛረብ ብጣዕሚ ኣጸጋሚ'ዩ። ገምጋም ኪግበር እንተዀይኑ ንኹሉ ዘማልእ ኪኸውን ኣለ ዎ  እየ ዝበል። ካብ መጀመርትኡ ኣገባብ ኣተሐሕዛና ኣብ ጉዳይ ሃገራዊ ድሕነትን ትካላዊ ኣስራርሕኡን ከመይ እንተንገብር ዝሐሸ ውጽኢት ምረኸብና ኢልና እንተዘይ ሒዝናዮ ዝተነጸረን ዝተጨበጠን ገምጋምንገብር ኰይኑ ኣይስምዓንን።ሃገራዊ ድሕነት ክብል እንከለኹ ንናይ ስለያን ጸጥታን ማለተይ ዘይኰንኩ ንኹሉ ማለት፡ ንሃገራዊ ጥቕምና ዘርጉድ ከባቢናን ዓለምናን ብኹሉ መዳያት ብምጽናዕ ሃገራዊ ድሕነትና ብኸመይ ከም ዝሕሎ ምስ ውሽጣዊ ዓቕምናን ክእለትናን ብምትእስሳር ዝርኣ፡ ንስግኣታት ናብ ረብሐ ንምቕያር ዘኽእል ንምክልኻል፡ ንናይ ወጻኢ ፖሊሲታት፡ ንፋይናንሲያዊን፡ ናይ ጸጥታ ኣካላትን ዘጠቓለል ማለተይ እየ። መታን ንብድሕሪ ሕጂ ዝመጽእ ጸገም ናይ'ዚ ሃገር'ዚ በገባብ ኪተሐዝ ዝሐለፉ ጉድለታትና ብግሉጽ ክንርእዮም ዘሎና ኰይኑ እስምዓኒ። ንሓደ ንምውቃስ ወይ ንምውርዛይ ዘይኰነ ጉድለታት ኩላትና ዝነበርናሉ ስለ ዝዀነ ኩላትና ተሓተትቲ ኢና።ከም ተመኩሮ ግን ኣብ ክንዲ ብጫፍ ሒዝካ ምግምጋም ካብስሩ ምርኣዩ ስለ ዝሓይሽ እየ ዘልዕሎ ዘለኹ። ውግእ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ከም እተመነኻዮ ኣይከውንንዩ ጽጹይ መጽናዕትን ምቅርራብን ግን ነቲ ስክፍታ ይዓጽ ዎ 'ዩ። እዚ ሃገር ካብ ናይ ድሕሪ ሕጂ ሐደጋ ክድሕንን ዘተኣማምን ትካላት ኪህል ዎ ን ህዝቢ ዝተሐወሶ ኩሉ መዳይዊ ገምጋም ከካይድ ዘለ ዎ  እመስለኒ።

ሕቶ*ንስኻ ከም ገዲም ተጋዳላይን ኣብ ዝተፈላለየ ሐላፍነታት ከም ዝነበርካ መጠን ኣብ ውድብ ይኹን ሃገር ንዘሎ ናይ ሓጋግን ፈጻምን ኣካላት ናይ ስራሕ ምድብላቕ ከመይ ትርእዮ?

ጀንራል ዑቕበ፡-ናይ ሓጋጊን ፈጻሚን ስልጠንን ዕማማትን ሐላፍነትን ዳርጋ ኣብ ኩሉ ዓለም እንተበልከውን ፍሉጥ ዓይነትዩ። ሐጋጊ ኣካል ሕግታት ዘውጽእን ዝእውጅን ናይ ሃገር ባጀት ዘጽድቕ ንናይ ሃገር ጸጥታን ድሕነትን ምዕባሌታትን ጠቅምን ዝትንኩፉ ፖሊሲታት ዝሕንጽጽን ሕግታት ዝስርዓሎምን ንፈጻሚ ኣካላት ዝቁጻጻር-ፍሉያት ኮሚተታት ብምግባር ዕማማቱ ዘጸፍፍ ክኸውን ከሎ፡ ፈጻሚ ኣካል ከኣ ኣብ መንጐ ርክባት ሓጋጊ ኣካል ዝለዓለ ስልጣን ዘለ ዎ  ብሓጋጊ ዝተዋህቦ መደባትን ሕግታትን ዘፈጽም ማለትዩ ብሐጺር ኣገላልጻ። ሓጋጊ ኣካል ዝኣወጆ ሕጊ ብኡኡ ወይ ድማ ናብ ህዝቢ ወሪዱ ጥራይ እዩ ከመሐየሽ ወይ ከውስኸ ዝከኣል። ሕጊ ከወጽእ እንከሎ፡ እቶም ቀዳምት ሰባት ሕጊ ከቐሙ ከለው፡ ሓይሊ ዝስምዖ ከይዕምጽ ኣብ ስልጣን ዝመጽእ ሰብ ስልጠኑ ከም መሳርሒ ገይሩ ከምድላዩከይከይድ....ወዘተ ንምዕጋት ተባሂሉ እዩ። ነዚ እዮም ከኣ ሕጊ ሓጺሩ ኣልካ ኣይትለቅበሉ ነዊሑ ኢልካ ኣይተጉድለሉ ዝብሉ። ፈጸሚ ኣካል ናብ ሓጋጊ ኣካል እማመ ድኣ የቕርብ ይኸውን እምበር ባዕሉ ሕጊ ነዲፉ ሕጊ ክእውጅ ፍጹም ካብሕጊ ወጻኢ ኢዩ ዝመስለኒ። ኣብ ቅዋም ናይ ውድብ ይኹን ናይ ሃገር ዝሰፈረ ሕጊ ክጥሓስ የብሉን። ንኣብነት ኣብ ቅዋም ህግደፍ ንኣኼባታት ዝጠቕስ ዓንቀጽ ኣሎ። ኣብ ኣዋጅ 37/1993 ይኹን ኣብ 52/1994 ተመሓይሹ ዝቐረበ ንኣኼባታት ካበነ ሚኒስተራትን ሃገራዊ ባይቶን ዝገልጽ ኣሎ። ጉባኤ ይኹን ሃገራዊ ምርጫ ብግዜ ዝተወሰነ ኣለው....ወዘተ። እንተድኣ እዚኦም ብዘይ ኣፍልጦ ሓጋጊ ኣካላት ወይ ብተሳትፎ ነቲ ሓጋጊ ኣካል ዝ'4ሾረጻ ህዝቢ ከይተመሐየሹ በቶም ፈጸምቲ ዝቕየሩ ኰይኖም ልዕሊ ሕጊ ምኻድ ኰይኑ ይረኣየኒ። ኣባና ኸኣ ብዙሕ ከምዚ ይረኣ እዩ። ግቡእ ግን ኣይኰነን። ሓገግቲ ኣካላት ከምዘለ ዎ  ብግቡእ ንፈጸምቲ ክቁጻጸርን ዝተዋህበና ስልጣን ነተግብርን ኣለና ክብል ኣይክእልን ብወገነይ። ክዕረ ዘለ ዎ  ኣስራርሓ ኸኣ እዩ። ሕጂ ሃገርን ስፊሕ ህዝብን ስለ ዝሐዝና ምስ ዓለም ብቐረባ ስለ ዝተኣስስርና ከምቲ ኣብ ግዜ ሰውራ ዝነበርናዮ ክንከውንዘሎና ኣይመስለንን። ኣብ ገሊኡስ ኣብ ግዜ ሰውራ ዝነበርናዮ ኣተሐሕዛ ዝያዳ ዝሕይል ኰይኑ እረኣየኒ።

ሕቶ*እዚ ኣስራርሓ ካብቀደም ዝጸንሐ እዩ ብምባል ሕጂ ኪቕጽል ከም ዘለ ዎ  ዝዛረቡወገናት ኣለው ነዚ ከመይ ትርእዮ?

ጀንራል ዑቕበ፡-እዚ ካብ ክውንነትን ስነ ፍልጠትን ምህዳምዩ። ቁልዓ'ዃ በታ ዝተወልዳ ኣይነብርንዩ። ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናማዕበለ እዩ ካብ ጉበዝና ናብዕብየት ዝስጋገር።ቀደም ስለ ዝተጋገናስ ብኡ ንቐጽል ዝብል፡ ብግዜ ውበ ዝጸመመስ ውበ ክብል ሞተ ከም ዝበሃል'ዩ። ከምዚ ዝብሉ ንሕማቕ ከም ባህሊ ዝወስዱ ከመሓይሹን ለውጢ ኪገብሩ ዘይህቅኑን፡ ንሃገር ከም ዘይጠቕሙ ጌርካ ጥራይ ምውሳዶም። እንተድኣ ኣብናይ ስብዓታት ጠጠው ክንብል ኰንና ነዛ ትሕንበብ ዘላ ዓለም ኣበይ ክንብላ።ጉድለትና ኣሪምና ንለውጢ ምስ ንቕረብ ጥራይ ኢና ክንጓዓዝ ንኽእል።

ሕቶ*ህዝቢ ቅድም ኣብ ልዕሊ ህ.ግ. ዝነበሮ ኣረኣእያን ሕጅን እናጐደለ ይመጽእ ምህላው'ዩ ዝዝረብ ንስኻ ከም ገዲም ተጋዳላይ ነዚ ከመይ ትሪኦ?

ጀንራል ዑቕበ፡-ብናተይ ርእይቶ ከም ውልቀ ተሓታታይ ከምኡ እመስለኒ። ኣብ ወረቐት ቁጽሪ ኣካላት ምርኣይን፡ ብስራሕ ኣባልካ ከኸውን ንዝተመዝገበ ንዕላማታት ውድብ ብንጹር ተረዲኡ ከም ዝኣምን ምግባርን ክልተ ዝተፈላላየ ነገርዩ ህዝቢ በጠቓላልን ኹሉ ኣባል'ሲ ይትረፍ ነቶም ከም ሓላፍቲ ጨናፍር ዝተመደቡ ይኹን ንዓይ ከም ላዕልዋይ ሓላፊ ህግደፍ ግቡእ ገይረ ክብል ኣየድፍርን። እዚ ናተይ ትዕዝብቲ እዩ። ካልእ ከኣ ነዚ ናተይ ዝቃወም ከህሉ ከም ዝኽእል ጥርጥር የልቦን። ነዚ ክልተ ተጋጫዊ ትዕዝበትታት ንምምዛንን ናይ ብሐቂ ቦታ ህግደፍ ኣብ ህዝቢ ንምርግጋጽን ሐደ ኣገባብ እንተ ዝወጽእ ማለት ህዝቢ ርእይቶኡ ብዛዕባ'ዚ ኣርእስቲ(ሠታቕቦቕተቦ ሣተባባዘ ) እንተ ዝግበር ብስቱር ርእይቶኡ ክህብ እንተ ዝሕተት እቲ ዝተጨበጠ ርእይቶ ህዝቢ ምተፈልጠ። ኣነ ጽቡቕ ነገር ዋላ ሓንቲ ኣይተሰርሐን እብል የለኹን ከም ተቐባልነትን ህቡብነትን ኣብ መንጐ ህ.ግ.ን ህግድፍን ክርእዩ ከለኹግን ናይ ህ.ግ ዝዓዘዘ ምንባሩ እየ ዝኣምን። በቲ ሐደ ወገን ከኣ ኣብ ኣካላት ህግድፍ ዘሎ ኣጠማምታ ብዛዕባ ውድቦም ንምርግጋጽ ናይ ዝሐለፍናዮ ካብ 1994 ክሳብ ሕጂ ኣሰራርሐ ህግድፍ ንምግምጋም ብቕሉዕ ኣብ ኣባላቱ ምተዘተየሉ'ሞ ድኻማቱን ሓያል ጐንታቱን መረጋገጸ።

ሕቶ*ጉባኤ ውድብ ኣብ ግዜኡ ዘይምግባሩ ምኹነዪዩ ኢልካ'ዶ ትኣምን?

ጀንራል ዑቕበ፡-ብወገነይ ምኹነይ ኣይብሎን'የ። ኪግበር ነይሩ ዎ ። እዚ ኸኣ ናይቶም ኣብ ሓጋጊ ኣካልን ኣብ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ዘሎና ናይ ኩላትና ጉድለትን ጸገምን ኰይኑ'ዩ ዝረኣየኒ። ኣብ ቅዋምና ኣስፊርናዮ ከነብቅዕ ክሳብ ሕጂ ዘይምግባርና (3 ጉባኤታት ኪግበር ዝነበሮ ሓንቲ ከይገበርና ምሕላፍና) ድኻም ጥራይ ኰይኑ'ዩ ዝስምዓኒ። ኣብ መበል 9ይ ርክብ ማእከላይ ባይቶ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2001 ኪግበር ተባሂሉ ከብቅዕ ክሳብ ሕጂ ዘይምትግባሩ'ውን መሊስካ ነቲ ስሚዒት ምትንካፍን ካብ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ወጻኢ'ዩ። ጉባኤ ስቕ ኢልካ ብዘይ ሐደ ርጡብ ገምጋም ትኣት ዎ  ኣይኰነን። ኩሎም ኣባላት ዝሳተፍ ዎ  ዝሐለፈ መድረኽ ዓጽዮም ናብዝመጽእ ብዝማዕበለ መገዲ ዝስጋገርሉ ብምዃኑ ኩሉ እንተናዊ ገምጋም ኪግበር'ዩዘለ ዎ ። ጉባኤ ምእንቲ ጉባኤ ከምዘይግበር ፍሉጥዩ። ጉባኤ ዝፈትሖ ነገር የብሉን ንዝበሃል ኣዘራርባውን ይህሉ'ዩ። ዝፈትሖ እንተዘይብሉ ደኣ ስለምንታይ ጉባኤ ኪግበር ይውስን።

ሕቶ*ጉባኤ ኣብ እዋኑ ዘይምግባሩ ዘስዕቦ ጸገም እንታይ ኣሎ?

ጀንራል ዑቕበ፡-ብመጀመርታ ካብ ኣገባብ (ሕጊ) ወጻኢ ስለ ትኸይድ ጽቡቕ ነገር የብሉን እንትርፎ ሕሜትን ስሚዒትን ሓደ መድረኽ ዓጺኻ ናብ ካልእ ትሓልፈሉ መሳልል ስለ ዝዀነ ከኣ ቦታኻ ኣብ ሰዓብትኻ ኣገባብ ኣስራርሐኻ ለውጢ ንምግባርን ምስቲ እዋን ንምኻድን ይሕግዘካ። ኣብ ግዜኡ ዘይምግባርካ ኸኣ ኣንጻር'ዞም ጥቕምታት ከኺድካ ይኽእል ማለት'ዩ።

ሕቶ* ንድፊ ሕጊ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ውድባትን ተዳልዩ ወጺኡ ኣሎ። ሕጂ ግን ኪዳናጐ ከም ዝኽእል'ዩ ዝግለጽ ዘሎ፡ ብዛዕባ እዚ እንታይ ትብል?

ጀንራል ዑቕበ፡-ሕጊ ጥራይ ዘይኰነ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ንኪህልዋ ኣብ ካልኣይ ውድባውን ሓደነታውን ጉባኤ ህ.ግ ዝተወሰነ እዩ። ኣብ ሳልሳይ ጉባኤ'ውን ኣብ ቻርተር ህግደፍ ተነጺሩተ ደጊሙ እዩ። ነዚ ክውን ንምግባር ከኣ ኣብ ዝሓለፈ መበል 13 ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ማለት ሓጋጊ ኣካል ሃገርና ተዘትዩሉ ሕጊ ንኺንደፍ ተወሲኑስ፡ ንዕኡ ትነድፍ ኮሚተ ወጺኣ ንድፋ ናብ ህዝቢ ከተቕርብን ርእይቶታት ህዝቢ ኣኪባ ናብ ባይቶ ክትቕርብን ተባሂሉ'ዩ። ሕጂ ገለ ሰብ ከምኡ ስለ ዝበለ ንድሕሪት ኪምለስ የብሉን። እታ ኮሚተ ግቡእ ስርሓ ከይትስርሕ ምጉንዳባ ካብ ሕጊ ወጻኢ እዩ ምኽንያቱ ብኣዋጅ ቁጽሪ 37/1993 መሰረት ኣብቲ ንናይ ሃገራዊ ባይቶ ስልጣንን ዕማማትን ዝብል ክፋሉ ኣብ ዓንቀጽ 4 ንኡስ ዓንቀጽ 6 ተነጺሩ ቀሪቡ ከም ዘሎ፡ እቲ ስልጣን ሕጊ ፖለቲካዊ ውድባትን ስልፍታትን ናይ ምንዳፍን ናይ ምክትታሉን ጉዳይ ብዘይካ ንሃገራዊ ባይቶ ንፈጻሚ ኣካል ይኹን ንፕረሲደንት ኣየስክምንዩ። ነታ ኮሚተ ዝመረጸ ሃ/ባይቶ ብምዃኑ ብዘይክኡ ካልእ ጠጠው ከብላ ኣይነበሮን። ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝዀነ ኣገባብ'ዩ ተወሲዱ ዘሎ። ድሓር ከኣ ሰልፊ ናይ ምግባርን ዘይምግባርን ሕቶ ንፈጻሚ ኣካል ይኩን ንሓጋጊ ኣካል ዝተዋህበ መሰል ኣይኰነን። እቲ መስል ናይ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ እዩ። ሃገራዊ ባይቶ ይኹን ካቢነ ሚኒስተራት ወይ ፕረሲደንት ነቲ ሕጊ ናይ ምእዋጅ ስልጣን'ዩ ዘለ ዎ 'ምበር ንህዝቢ ኣብ ሓደ ስልፊ ወይ ውድብ ጥራዩ'ኢኻ ትስለፍ ክብል ዎ  ኣይክእሉን'ዮም።እዚ እንተዀይኖም ነቲ ኣብ ግዜ ሰውራ ብተ.ሐ.ኤ ዝዝመር ዝነበረ ሜዳ '84íርትራ ብዘይካ ሓደ ውድብ ካልእ ኪጻውር ኣይክእልን'ዩ ዝበል እንደገና ከነተግብር ንብገስ ኣሎና ማለት'ዩ። ስለዚ ብወገነይ እቲ ሕጊ ቀልጢፉ ኪእውጅ ነይሩ ዎ ን/ኣለ ዎ ን። ካብኡ ንደሓር በቲ ኣዋጅ መሰረት ሰልፊ ኪምስርት ዝደሊ ኤርትራዊ፡ ብዘይ ዝዀነ መኻልፍ በቲ ሕጊ መሰረት ኪምስርት ኣለ ዎ ። ናይ ግዜ ሕቶ ነቲ ስልፊ ከቕውም ዝደሊ ዝተርፍ ምርጫ እምበር ናይ ካልእ ኣይኰነን።

ሕቶ*ምስ'ዚ ተኣሳሲሩ ዝመጽእ ኣብዚእዋን ኣብ ኤርትራ ፖለቲካዊ ውድባት ይኹን ስልፍታት ክቖማ ደረጃንቕሐት ህዝብና ንኸምኡ ቅሩብ ኣይኰነን ዝብል ከኸውን ከሎ፡ እቶም ደገፍቲ ህ.ግ ድማ ንሕና ኣባላቱ ከለና ስለምንታይ'ዩ እቲ ኣብ መሪሕነት ዘሎ ኣባል ፖለቲካዊ ስልፍታት እንተድኣ ቖይምን ህ.ግ ሰዓብቲ ከይስእን ዝጠራጠሩ ዝብል'ዩ፡ ኣብዚ እንታይ'ዩ ርእይቶኻ?

ጀንራል ዑቕበ፡-እንድዒ መዘም ብመጀመርያ ናይ ህዝቢ መልክዒ ንቕሐትን ብቕዓትን ብፍሉይዝተዋህቦ ብዘይ'ቲ ህዝቢ ባዕሉ ንኻልእ ዝተዓደለ ኰይኑ ኣይረኣየንን። ህዝቢ ኤርትራ ኸኣ ሎሚ ሕጊ ኪመሃር “ሀ” ኢሉ ዝጅምር ዘሎ ኰይኑ ኪቐርብ ነቲ ህዝብን ሕግታቱን ተመኩሩኡን ምንሻው ኰይኑ'ዩ ዝረኣየኒ። እንተድኣ ህዝቢ ኤርትራ ሕጊ ንምቕባል ብቕዓት የብሉን ዝብሉ ሰባት ሃልዮም ነቲ ህዝብን ዝነበረ ሕግታቱን ዘይፈልጡ ከኾኑ ኣለ ዎ ም እየ ዝብል። ሕጊ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታት ንምቛም ማለት ብሕጊ ተቐይድካ ምኻድ ማለት'ዩ። ብሕጊ ኣሚንካ ምኻድ ከኣ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዘሎ ቅሩብነት ምስ ዝዀነ ካልእ ሃገርውን ዝወዳደር ኣይመስለንን። እቲ ከም ካልኣይ ሕቶ ዘቕረብካዮ እንተዀይኑ ገለ ሰብ ከምኡ ስሚዒት ኣይሳኣኖን ይኸውን፡ በቲ ስሚዒት ግን፡ ንመስል ህዝቢ ክትቅይድ ግቡእ ኣይኰነን። ህግደፍ ከም ፖለቲካዊ ስልፍ ከቕጽል ኣብ ዝብገስሉ ካልእ ተወዳዳሪ ስልፊ ክህል ዎ  በቲ ሕጊ መሰረት፡ ንሃገርን ንህዝበን ንህግድፍን ዘጥዒን ሂወት ዝህብን እምበር ዝሃሲ ኣይኰነን። ፖለቲካዊ ስልፍታት ምህላው ከም ንሃገር ብሃይማኖት ኣውራጃን ወገንን ምፍልላይ ዝቑጽሩ ዎ  እውን ዝስኣኑ ኣይኰኑን። እቲ ሕጊን እቲ መንግስትን ቅዋምን ድኣ ንምንታይ ኪህሉ እንተድኣ ነዚ ዕላማዚ ዘገልግል ኰይኑ። ስልፊ ይኹን ፖለቲካዊ ውድብ ኪምስረት በቲ ሕጊ መሰረት ምቕራቡን ዘይምቅራቡን ነቲ ሕጊ ዘተግብር ኣካል እኮ ከህሉ'ዩ። ኣብ ጐልጐል ዘድርበ ኣገባብ ኣይኰነን። ስለዚ ብሕጽር ዝበለ ህላወ ፖለቲካዊ ውድባትን ስልፍታትን ኣብ ሃገርና በቲ ዝወጽእ ሕጊ መሰረት ኪህሉ ዝፈጥሮ ጸገም የለን እየ ዝበል። እንትርፎ ቅዱስ ፖለቲካዊ ውድድር። ከምቲ ህዝቢ ኣብ ሃይማኖታት ተኸፋፊሉ ከሎ ንጉዳይ ሃገሩ ብሐባር ዝጸምድ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ኪፈላሊ ይኽእል ኣብ ጉዳይ ሃገር ግን ብሓባር እገጥም ማለት'ዩ።

ሕቶ*ገለ ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘለወን ኣረኣእያ ኣሉታዊ'ዩ፡ ማለት ኤርትራ ከም ፈጣሪት ህውከት ወይ ኣብ ወተሃደራዊ ሓይሊ እትኣምን ገይረንየን ዘቕርብኣ ንስኻ ከም ገዲም ተጋዳላይ መጠን ነዚ ብኸመይ ትምልሰሉ?

ጀንራል ዑቕበ፡-ብወገነይ ህ.ግ ናጽነት ኣምጺኣ ኤርትራከም ሉኡላዊት ሃገር ምስ ተቑጽረት ዝነበረ ስእሊ (ሕብሽዋቅ) ጽቡቕ እዩ ነይሩ እዚ ተምጽኦ ዘሎኻ ኣጠማምታ ኤርትራ ምስ የመን-ሱዳን-ጅቡቲ-ኢትዮጵያ ኣብ ግጭት ምስ ኣተወት ዝመጽእ ዘሎ እመስለኒ። ነዚ ኣርእስቲ እዚ ናይ ብሓቂ ካብ ናትዃ ጸገም ዝተበገስ ድዩ? ወይስ ክውንጅላና ደሌን? ንምፍላጥን ከም ተመኩሮ ክንመሃረሉን ምእንቲ ከምቲ ኣቐዲመ ኣብ ኣተሓሕዛና ንትካላዊ ኣስራርሓ ሃገራዊ ድሕነትና ዝምልከት ዝበልኩ ዎ  ዕቱብ ገምጋም ኪግበርሉ ካብ ዘለ ዎ  ጉዳያት ሓደ እዩ። ማለት ስእልናኣብ ዓለም ንምዕቃብን ንምዕዛዝን ዝኣክል ሰሪሕናዶ? ናይ ወጻኢ ፖሊሲታትና ክሳብ ክንደይ ንጹር ስትራተጂ ነይሩ ዎ ም? ውግእ ንኸይ መጽእ ብዝግባእ ጽዒርናዶ? ወዘተ ዝበሉ ሕቶታትን ካልእን ተዘርዚሮም ኪኢላዊ ገምጋም ኪግበረሎም ኣለ ዎ  እብል። እዚ ምስ ዝረጋገጽዩ እቲ ቅኑዕ መልሲ ዝርከብ። ዝድግፍን ዝቃወምን ኣባህላታት ኪህሉ ይኽእልዩ። ንዕኡ ዝስዕር ግን ክፉት ዘተን ወገን ዘይወስድ ንጹር ገምጋምን ምስ ዝግበር ጥራይ እዩ።

ሕቶ*ገለ ሰባት ንውድብ ከም ሓደ ፖለቲካዊ ዕላማ ንምውቃዕ ዝስርሕ ዘይዀነ፡ ንባዕሉ ከም ዕላማ ዝወስድ ዎ  ኣለው። ንኣብነት ገለ ኣባላት ጀብሃ፡ ጀብሃ ስለ ዘይኣተወት፡ ክኣትው ከምዘይብሎም ገሊኦም'ውን ኣብ ህዝባዊ ግንባር ስለ ዘለው ክሳብ መወዳእታ ክቕጽሉ ይደልዩ፡ ሕጂ ንስኻ ብውልቅኻ ብጀካ ህ.ግ ካልእ ሰልፊ ትደሊዶ?

ጀንራል ዑቕበ፡-ከምቲ ኣብ ዝሐለፈ ሕቶኻ መልሲ ዝሃብኩሉ ሕጊ ሰልፊ ተኣዊጁ ኣብ ኤርትራ ሰልፍታት ክህልዋ ብምሉእ ድሌት'የ ዝድግፎ። ንህዝባዊ ግንባር ሓይላ ክትወጽእ ካብ ዝገበረ ሓደ ረቛሒ ዋላ'ኳ ዋጋ ዝተኸፍሎን ብሕጊ ዘይተቐየደን ይኹን እምበር ኣብ ሜዳ ኤርትራ ክልተ ዝተፈላለዩ ኣረኣእያታትን ኣስራርሓን ብምንባሮም ህዝቢ ናብቲ ዝሓሸ ከዘምብል ዕድል ረኺቡዩ። ሕጂ ኸኣ ብሕጊ ዝተቐየደ ቅዱስ ፖለቲካዊ ውድድራት ምህላው ንህዝበን ሃገርን ጥዕና ዝህብዩ ኢለየ ዝኣምን። ሓደ ጥራይ ምዃን ስእልኻ ንምምዛን እውን ኣይሕግዝን'ዩ። ገለ ሰባት ኣብ ሓደ ሃገር ፖለቲካዊ ስልፍታት ካብ ሓደ ንላዕሊ ምፍቃድ ኣሉታዊ መዳዩ ኢዩ ዝበዝሕ ዝበሉ ኣለው። እዚ ግን ሓደ መመኽነይታ ነቲ ሓደ ውድቦም በይኑ ክብሕት ስለ ዝደልዮ ክኸውን እኽእል። ካልኣይ ነገር ከኣ ነተን ካብ ሓደ ንላዕሊ ፖለቲካዊ ስልፍታት ኣቑመን ብዘይ ጸገም ዝግስግሳ ዓድታት ክፈልጥወን ስለዘይደልዩ ከኸውን እኽእል። ናይ ብሓቂ ሕግን ስርዓትን ዘለ ዎ  ሃገር ካብሓደ ንላዕሊ ፖለቲካዊ ስልፍታት ጌይሩ ከጓዓዝ ረብሓምበር ጉድኣት ኣየኽትለሉን እዩ።

ሕቶ*መጻኢት ኤርትራ ከመይ ክትሪኣ ትደሊ?

ጀንራል ዑቕበ፡-ኩሉ ሰብ ንሜዳ ክወጽእ እንከሎ ዕላማ ስለ ዝነበሮ እዩ። ማለት ነጻ ኤርትራ ከምጽእ መስል ህዝቢ ተሓልዩ ብፍትሒን ዲሞክራሲን ሰላምን ክትነብር ኢዩ እቲ ድሌት። እዚ ሕጂ ኣትዩ ዘሎ ተጋዳላይ ይኹን፡ እቲ ተሰዊኡ ዝተረፈ፡ ብሂወቱ ተመሊሱ ክሽየም መዓርግ ኪለብስ፡ ኪወልድ ንብረት ከጥሪ ኢሉ ሓሲቡ ዝፈልጥ ዝነበረ ኣይመስለንን። ናይ ኣጋጣሚ ጉዳይ ግን ገለ ተስዊኡ ገለ ኸኣ ሓሊፉ። ሕጂውን ነዚ ዘሎ ይኹን ነቲ ዝመጽእ ወለዶ ኤርትራና ዓዲ ስርዓተ ሕጊን ፍትሒን ዓዲ ዲሞክራሲን ሰላምን ዓዲ ምዕባለን ሓድነትን ክትከውን እምነየላ። እዚ ንኺኸውን ከኣ እቲ መሰረታዊ ትሕተ ቅርጺ ማለት ብቕዋም መሰረት፡ብዘተኣማምን ደረጃ ዝስርሕ ሓጋጊ ፈጻሚን ነጻ ፍርዳዊን ትካላን ኪህልዋን ሰርዓተ ሕጊ ከነግስን ናይ ህዝቢ ተሳታፍነት ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ኪዓዝዝን ናይ ርእይቶን ምዝራብን መስል ኪኽበርን ክርኢ እደሊ።

ሕቶ*ብዛዕባ እዞም ስውኣት ኣሕዋትካ'ዶ መዕለልካና?

ጀንራል ዑቕበ፡-ካብ ገዛና ንሜዳ ኣርባዕተ ኢና ተሰሊፍና። ናተይ ከምቲ ዝስማዕኩም እዩ ብዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ቖልዑን ከኣ እየ። ናይቶም ሰለስተ ኣሕዋተይ ከኣ እቶም ክልተ ብ1978 ተሰሊፎም እታ ጓል ህዝባዊት ብዝብል ቅጽል ስምያ ኣብ ሜዳ ትፍለጥ እቲ ወዲ ከኣ ኣሮን ይበሃል። እቲ ሳልሳይ ትርእዩ ዎ  ኣለኹም ከኣ ክስለፍ ከሎ ኣዝዩ ንእሽቶ እዩ ነይሩ ብ1978 ኢዩ ኸኣ ተሰሊፉ። መስዋእቲ ኸኣ ብኡ እዩ ዝጅምር ኣብ 6ይ ወራር ኣብቲ ኣነ ዝነበርኩሉ ግንባር ኣብ ብርጌድ 44 ብዕለት 17-2-1982 ተሰዊኡ። እቲ ሓደ ሓወይ ኣሮን ከኣ ኣብ ብ77 ኢዩ ነይሩ ብዕለት 31-3-1983 ኣብ እምባሃራ ተስዊኡ። እታ ሓብተይ ከኣ ምስ ብርጌድ-70'ያነይራ ኣብ መጥቃዕቲ ምድምሳስ ውቃው እዚ ምስ ሓይሊ ካድረታት ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ ብዕለት 02-03-1984 ተሰዊኣ። ሕጂ'ውን ሰለስተ ኣሕዋተይ ኣብ ኣገልግሎት ኣለው።

*የቐንየልና ጀነራል ዑቕበ ኣብረሃ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...