The following article was posted on asmarino on March 14, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

ኣቶ ጴጥሮስ ሰሎሙን መን'ዩ?

ኣብ ናይ ሎሚ መደብና ሓጺር ታሪኽ ህይወትን ኣስተዋጽኦን ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን ተኽለ ከነቕርበልኹም ኢና። ቅድሚ እዚ ሓተታ'ዚ ምቕራብና ግን እዚ ዚስዕብ ሓጺር መግለጺ ነቕርበልኩም።

ዚዝከር'ዩ ቅድሚ ሕጂ ተመሳሰልቲ መደባት ኣብ ትሕቲ 'ኣስቴር ፍስሓጽዮን መን'ያ?' ከምኡ'ውን 'ማሕሙድ ሸሪፎ መን'ዩ?' ዚብል ኣርእስትታት ኣቕሪብናልኩም ነርና። እንሆ ኸኣ ሕጂ 'ጴጥሮስ ሰሎሞን መን'ዩ' ዚብል ታሪኽ-ህይወታዊ ሓተታ ነቕርበልኩም ኣሎና። ብመ ጀመርያ፡ ሓደ ንልዕሊ 30 ዓመታት ዝተጋደለ ሰብ ታሪኹ ኣብ ዉሽጢ ዓሰርተ ደቒቕ ዘቲኻ ኪውዳእ ዘይከኣል ሓቂ ጥራይ ዘይኰነስ ዓገብ'ውን ኢዩ። እዞም ስሞም ረቚሕና ታሪኾምን ኣስተዋጽኦምን ነዘንትወሎም ዘሎና ብሉጻት ተጋደልቲ ታሪኾም ብግቡእ ንኪጽሓፍ ነዊሕ እዋንን ብዙሕ መጽናዕትን የድልዮ። እዚ ንወስዶ ዘሎና ተበግሶ ግን ንሓደ ዕሽሪት-ታሪኾም ስለ ዘይከድን ንሰማዕትና ይቕሬታ ንሓትት። ኣስዒብና ኸኣ፡ እቲ ንኤርትራ ግንባሩ ዝሃበ ጅግና ተጋዳላይ ኣዝዩ ብዙሕ ኢዩ። ድሕሪ ናጽነት ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ዘሎን መስጐጒቲ ዘርከቦን'ውን ከምኡ ብዙሕ እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ግዜ ፈሊና፡ ግቡእ መጽናዕቲ ገርና ክሳብ ንዳሎ፡ ዛንታኡን ፍረ-ዕዮኡን ኣብ ልብና ገርና በቲ ኣብ ኢድና ዘሎ ጽሑፋት ተጠቒምና ነዞም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ዘሎዉ ዓሰርተ ሓደ ናይ ግንባርን መንግስትን ሓለፍትን ሰበ-ስልጣንን-ነበር ዛንትኦም በቲ ዓቕምና ነቕርበልኩም እንሆ።


እምበኣር፡ ኣቶ ጴጥሮስ ሰሎሙን መን'ዩ ኣብ ዚብል ሓተታና ንስገር።

ኣቶ ጴጥሮስ ሰሎሞን ብተጋደልቲ ይዅን ገባር ብ“ወዲ-ሰሎሞን” ዚፍለጥ፡ ካብ'ቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲñ ንጉዳይ ኤርትራ ምስ ናይ ካልኦት ናይ ሓርነት ምንቅስቓሳት ኣዛሚዶም፡ “እንተደኣ ኣበርቲዕና ተቓሊስናን ተወፊናን፡ ኤርትራ ናጻ ሃገር ክትከውን ዘይትኽእለሉ ምኽንያት የለን” ኢሎም ዝኣመቱን ነቲ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ዝምዕብል ዝነበረ ፖለቲካዊ ሃዋህዉ ናህሪ ኪውስኽ ካብ ዝገበሩ ተመሃሮ ዩኒቨርቲ ሓደ ዀይኑ፡ ከም ዝበሎ ኸኣ ብጻዕሩን ብጻዕሪ-ብጾቱን ኤርትራ ልኡላዊነታ ንኽትለብስ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ፍቕዲ ናጻ ሃገራት ዓለም ዘእተወ ተጋዳልይ እዩ።

ብ1971 ዓ.ም ንኽጋደል ኢሉ ንሜዳ-ኤርትራ'ኳ እንተ ተበገሰ፡ ኣብ ሶማል ንሓደ ዓመት ስለ ዝተኣሰረ፡ ብ1972 ዓ.ም. ኢዩ ተሰሊፉ። ክሳብ 1ይ ውድባዊ ጉባኤ ህ.ግ.ሓ.ኤ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሓላፍነታዊ ጽፍሒታት፡ ማለት ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊትን ክፍልታትን፡ ካብ ተራ ተጋዳላይ ክሳብ ኮሚሽነር ፖለቲካ ቦጦሎኒ ኰይኑ ዘገልገለ ገዲም ተጋዳልይ ኢዩ።

ኣቶ ጴጥሮስ፡ ብዝነበሮ ምቕሉል ኣቀራርባን ልዙብ ምትሕውዋስን ከምኡ'ውን ብብጻይነቱን ተወፋይነቱን ብቕዓቱን ዘመስከረ ተጋዳይ ኢዩ ነይሩ። ውድብ ህዝባዊ ሓይሊታት ኣብ'ቲ ግዜ'ቲ ንዝነበሮ ፖለቲካዊ ኣረኣእያን መርገጺታትን ፈትፊቱ ኣብ ኣሃድኡ ንዝነበሩ ብጾቱ ብምቕባልን፡ ኣገባብ ቃልሲ ብምሕባርን ዓቢ ተራ ተጻዋቱ ኢዩ። ብተወሳኺ፡ ወተሃደራዊ ብቕዓቱ ብምምዕባልን ንካልኦት ኸኣ ኣብነት ብምዃንን፡ ዓብን ታሪኻውን ኣበርክቶ ገይሩ ኢዩ።

ብ1977 ዓ.ም ኣብ ዝተገበረ 1ይ ውድባዊ ጉባኤ፡ ኣባል ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ኰይኑ ድሕሪ ምምራጹ፡ ሓላፊ ክፍሊ ስለያን ምልክትን ኰይኑ'ውን ተመዚዙ። ክፍሊ ስለያን ምልክትን፡ ሓደ ካብቶም ኣብ 1977 ዝቘሙ ናይቲ እዋንቲ ሓደሽቲ ክፍሊታት'ኳ እንተ ነበረ፡ ሓደ ካብቶም ቅልጡፍ ምዕባለ ጌሮም ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ልዑል ተራ ዝተጻወቱን ልዑል ኣበርክቶ ዝገበሩን ንምዃን ዝበቕዐ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን ኢዩ። ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን፡ ተርኡን ኣበርክቶኡን ኣብኡ ጥራይ ከይተወሰነ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ወተሃደራዊ ግንባራት ተዋፊሩ ኣብቲ ጽንኩር ናይ ወራርን ምዝላቕን ህሞት ወተሃደራዊ ኣዛዚ ኰይኑ ዘገልገለ፡ ሓደ ካብ ተመክሮ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ዘፍረዮም ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ኢዩ።

ክፍሊ ስለያን ምልክትን፡ ከም ኣገዳሲ ትካል ኣብቲ ወተሃደራዊ ጉዕዞ፡ መምስ መድርኹ ዝሰማማዕ ቀጻሊ ምምሕያሽ ኪገብርን ንናይቲ እዋን ብድሆታቱ ኪገጥም ዘኽእሎን ኣገባባት ብምትእትታው፡ ብቕዓት ዓቕሚ-ሰቡ ብቀጻሊ ስልጠናን ትምህርትን ብምምዕባል፡ ህዝባዊ ግንባር፡ ቅድም ኣብ ምክልኻል ድሓር ድማ ኣብ ወተሃደራዊ ተበግሶ ምውሳድ፡ ዝተጻረየን ዘተኣማምንን ሓበሬታት ብምቕራብ ናይ ሓበሬታን ሓድሽ ሓሳባትን ማዕከን ኰይኑ ኣገልጊሉ። ድሕሪ ናጽነት፡ ከም ኩሎም ሲቪላዊን ወተሃደራውን ትካላት ናይ ሃገርና፡ ንናይ ሓደ ሰብ መደብን ዊንታን ከም ዘገልግሉ ኰይኖም ዝተቐርጹ፡ ክፍሊ ወተሃደራዊ ስለያ'ውን ካብዚ መጻወድያ ክወጽእ ኣይኽኣል'ምበር፡ ናይ ግዜ ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣበርክቶኡን፡ ኣብቲ ደረጃ ብቑዕነት ዘብጽሑ ዎ ሓለፍቱን ኣባላቱን፡ ተጋዳልይ ጴጥሮስ ሰለሙን ዝርከቦምን ንሱ ዝመርሖምን፡ ታሪኾም ምስ ታሪኽ ምክልኻልን ምጥቃዕን፡ ምስ ዓወትን ናጽነትን ተኣሳሲሩ ክዝከር ዝነብር'ዩ።

ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን፡ ኣብ ናይ 1978 ብሕብረት ሶቭየትን ካልኦት ሃገራትን ዝተደገፈን ናይ ደርግ ወራር ንምክልኻል ኣብ መንጎ ከረንን ኣቑርደትን ተመስሪቱ ናይ ዝነበረ፡ ቀጺሉ'ውን ኣብ መንጎ ከረንን ኣፍዓበትን፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ናቕፋ ናይ ዝተመስረተ፡ ወተሃደራዊ ግንባራት ኣዛዚ ብምዃን ብቐጻሊ ኣብ ዓውደ ኵናትን ኣብ መንጎ ሰራዊቱን ኰይኑ ሰሪሑ። ካብ መ ጀመርታ 1979 ክሳብ ኣጋ መወዳእታ 1983፡ ካብ ሳልሳይ ክሳብ ሻዱሻይ ወራራት ደርግ፡ ከምኡ'ውን ሰላሕታ ወራር፡ ኣብ ምፍሻል፡ ዋና መአዘዚ ማእከል ኣብ ናቕፋ ኰይኑ ካብ ግንባር ናብ ግንባር እንዳተንቀሳቐሰ ብውሕልነትን ብቕዓትን ብሉጽ ኣመራርሓ ኣርእዩ። ብፍላይ ግንባር ናቕፋ፡ ምልክት ጽንዓትን ተወፋይነትን ህዝቢ ኤርትራን ኤርትራዊ ተጋዳላይን ንኽትከውን ካብ ዘብቅዓ ረቛሒታት ብሱልን ውሕሉልን ኣመራርሓ ከም ምዃኑ መጠን፡ ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን፡ ሓደን ቀንድን ካብቶም ግንባር ናቕፋ ክዝከር ከሎ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ህዝባዊ ግንባር ዝመጽእ'ዩ። ብድሕሪኡ ካብ ወተሃደራዊ ግንባር ተሳሒቡ ብቀዋሚ ኣብ ክፍሊ ስለያ ኰይኑ ክነጥፍ ዝተገብረሉ ግዜ'ውን ንወተሃደራዊ ክእለቱን ተመክሮኡን ብቐሊሉ ክትካእ ከም ዘይክእል ብምርዳእ ኣብ መ ጀመርታ 1984 ኣብ ተሰነይ ንዝነበረ ጸላኢ ንምድምሳስን ተሰነይ ሓራ ንምውጻእን፡ ኣብ 1985'ውን ኣብ ባረንቱ ንዝነበረ ጸላኢ ንምድምሳስን ባረንቱ ሓራ ንምውጻእን፡ ብእዛዝነት ናይቲ ውግኣት ሰሪሑ'ዩ።

ኣቶ ጴጥሮስ ሰሎሙን፡ ብ1987 ዓ.ም. ዝተገበረ 2ይ ውድባዊ ጉባኤ'ውን እንደገና ኣባል ፖሊቲካዊ ቤት ጽሕፈት ኾይኑ ተመሪጹ። ናይ ክፍሊ ስለያን ጸጥታን ሓላፊ ብምዃን ከኣ ነቲ ኣብቲ እዋን ስርዓት ደርግ ብሶቭዬት ሕብረት እናተሓገዘ ዘተኣታተ ዎ ረቂቕ ስለያውን ናይ ጸጥታን ኣሰራርሓ ንምምካት ዓቕሚ ክፍሊ ስለያ ክብ ንምባል ናይ ትምህርትን ስልጠናን መደባት ብምትእትታውን፡ ህዝባዊ ግንባር ካብ ናይ ምክልኻል ናብ ናይ ስትራተጂያዊ ምጥቃዕ ተሰጋጊሩን መስርሕ ስትራተጂያዊ መጥቃዕቲ ሸቶኡ ንክወቅዕ ግዙፍ ኣበርክቶ ኣወፍዩ። ኣብ ኩሉ ዓበይቲ ወተሃደራዊ ስርሒታት ብኣካል ኣብ ዓውደ ኲናት ተረኺቡ ስትራተጂያዊ ኣገዳስነት ዝነበሮ ሓበሬታታት ብቐረባን ብቐጥታን፡ ንዝምልከቶም ኣዘዝቲ ብምሃብን ንተመኩሮኡን እዋናዊ ሓበሬታታትን ብምውህሃድ ክሳብ መወዳእታ ናይ ናጽነት ኵናት ንኣገልግሎት ህዝብን ሃገርን ዘውዓለ ውፉይ መራሒ ኢዩ።

ኣብ እዋን ነጻነት፡ ክሳብ ምግባእ 3ይ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ተጋዳላይ ጴጥሮስ ሰለሙን፡ መ ጀመርታ ጸሓፊ ክፍለ-ምክልኻል ቀጺሉ ድማ ሚኒስተር ምክልኻል ኰይኑ ክሳብ መ ጀመርያ በ1994 ዓ.ም ኣገልጊሉ። ኣብ ናጻ ኤርትራ ኵነታት እንዳተለወጠ መጺኡ" ክፍሊ ስለያን ምልክትን ድማ ምስ ጊዜ ተቋሪኑ ኪምዕብል'ኳ ይድለ እንተ ነበረ፡ ዋና ጸሓፊ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ኣቶ ጴጥሮስ ሰሎሙን ስነ-ሓሳባዊ ፍልልያት ኣስተብሂሉ፡ ነቲ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልስን ከምኡ'ውን ኣብ ምዕዋትን ምዕቃብን ናጽነት፡ ሓደ ካብ ቀንዲ መሓውራት ሰውራን መንግስትን ዝነበረ ክፍሊ ስለያ፡ ንተጋዳላይ ጴጥሮስ ዘሕሰመ መሲሉ ዎ ፡ ቖራሪሙ ከም ዝለምስ ጌሩ ዎ ። ዝተጎድአ ሃገርን ህዝብን ድኣ'ምበር ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙንሲ ንሃገሩን ህዝቡን ዝከኣሎ ኣበርክቶ ካብ ምግባር ኣይተjጠበን፡ ንዕኡ ዚምልከት ፍሉይ ፖለቲካዊ ይኹን ካልእ ክሳራ'ውን ኣይነበሮን።

ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ መ ጀመርታ 1994 ዝተጋብአ 3ይ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ካብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ናብ ሚኒስትሪ ጉዳያት-ወጻኢ ተቐይሩ። ንሰለስተ ዓመታት ከኣ ሚኒስተር ጉዳያት ኰይኑ ሰሪሑ። ቀጺሉ'ውን ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት-ወጻኢ ናብ ሚኒስትሪ ሃብቲ-ዓሳ ዝለ ዝተቐየረ፡ ክሳብ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2001፡ ማለት ካብ ስርሑ ክሳብ ዝድስክል፡ ንሃገሩ ብትግሃት ኣገልጊሉ ኢዩ።

ኣብ ናይ 1998 ኲናት ኤርትራ-ኢትዮጵያ ንውሱን ግዜ ከም ኣማኻርን ተሓጋጋዚን ሚኒስተር ምክልኻል ኰይኑ ክሰርሕ ተመዚዙ'ኳ እንተ ነበረ፡ ብሰንኪ ፕረዚደንት ዝተኸተሎ ናይ ኣመራርሓ ኣገባብ ዕጉብ ዘይምንባሩ ኣብ ወተሃደራዊ ስርሓት ተዋሂቡ ዎ ዝነበረ ናይ ምኽሪ ምሃብን ምትሕግጋዝን ስራሕ ተሓዲጉ። ሚኒስተር ሃብቲ ዓሳ ከሎ ነቲ ሃገር ዝምርሓሉ ዝነበረ ብፕረዚደንት ዝተኣታተወ ኣገባብ ገደብ ንምግባር፡ ኣባላት መሪሕነታት መንግስትን ግንባርን፡ ቅድም ኣብ ኣኼባታት ባይቶታት ግንባርን መንግስትን፡ ንሱ ምዃን ምስ ኣበየ ድማ ወጻኢ ካብዚ ኣካላት'ዚ፡ ኣቤቱታኦም ከስምዑ ካብ ዝ ጀመሩ ሓደ ነይሩ። ነዚ ካብ ናይ ፕረዚደንት ዝተፈልየ ርእይቶ ምህላዉን ተቓውሞኡ ዓው ኢሉ ምግላጹን ምኽንያት ብምግባር፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ፡ ካብ ወርሒ ግንቦት 2001 ክሳብ ዕለተ-ማእሰርቱ፡ ካብ ኩሉ መንግስታዊ ሓላፍነቱ ኣደስኪሉ ዎ ። ከም'ቶም ካልኦት ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ብጾቱ፡ ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን፡ ምእሳሩ እንተ ዘይኰይኑ ተኣሲሩሉ ዘሎ ቦታ፡ ኩነታት ጥዕንኡን ኣይፍለጥን ጥራይ ዘይኰነ ብሂወት ምህላዉ ዘረጋግጽ ምልክታት'ውን የለን። ድሕሪ ማእሰርቲ ናይ'ቶም 11 ላዕለ ዎ ት ሓለፍቲ መንግስትን ግንባርን፡ ብመንግስቲ ንሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ካብቶም እሱራት ፈሊኻ ናይ ምጽላም ዘመተ ተኻይዱ ኢዩ። ብውሽጢ-ውሽጢ ሓደ ካብ'ዞም እቲ ጸለመ ናብ ኣቶ ጴጥሮስ ሰሎሙን ከም ዘቕንዐ ናይ ኣደባባይ ምስጢር ኢዩ።

ንሓደ ተጋዳላይ እሞ ኸኣ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ስሉም ታሪኽ ዘሎ ዎ ፡ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ዝገበሮ ኣስተዋጽኦ ኪከሓድ ዘይከኣል ኣሰር ዝገደፈ ሰብ፡ ስሙ ንምጽላምን ፍረ-ዕዮኡ ምቊንጻብን ንሕልና ደቂ-ኤርትራ ከም ዝበሳስዖ ምግማቱ ኣየሸግርን። ህዝቢ መን ዘምጽኣሉ ናጽነት ዲዩ ዘስተማቕሮ ዘሎ? ዋላ'ኳ ህዝቢ እታ ናይ ልቡ ንኸይዛረብ ኣፉ ይለጐም፡ ሕልናኡ ከም ዘየቕስኖ ርዱእ ኢዩ። ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ብጾቱ፡ ኣብ በረኻታት ኤርትራ መጓዩይቱ፡ ኣብ ዕርድታት ናቕፋ መዳቕስቱ፡ ቅያ መሳርሕቱ፡ ዝወሰዶ ናይ ማእሰርቲ ስጒምቲ ሕልና ዘይጸዋሮ ገበን'ዩ። ለውጢ ምሕታት፡ ኣኼባ ምጥላብ፡ ብመጽዓ ስዉእ መሰረት ስልጣን ንህዝቢ ነረክብ ምባል ያኢ ከም ዓቢ ገበን ተቘጺሩ፡ ተምበርካኽነት ኰነ ጥልመት ዚብል እከይ ስም ተዋሂቡ ዎ ክንሰምዕ ዝስምዓና ጓሂ መዐቀኒ የብሉን።

ኣቶ ጵጥሮስ ሰሎሙን እቲ ዝወረዶ ግፍዒ ኣብኡ ጥራይ ኣይተወሰነን፡ ኣብ በዓልቲ ቤቱ፡ ወይዘሮ ኣስቴር ዮውሃንስ'ውን ተሰጋጊሩ ኢዩ። ው/ሮ ኣስቴር፡ ኣብ ሃገር ኣሜሪካ ትምህርታ ድሕሪ ምጥንቓቕ፡ እቶም ብዘይ ኣቦ ዘሎዉ ደቃ ንኽትናቢ ንሃገራ ምስ ተመልሰት ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብዕለት ተወሲዳ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ መንግስቲ ክም እትኣቱ ተገይሩ" ሃለዋታ ዚፈልጥ ሰብ'ውን የለን። ስለምንታይ ክሳብ ክንድዚ ጭካኔ የድሊ? ኣብዚ ግዜ'ዚ እቶም ኣርባዕቲኦም ደቖም፡ ስድርኦም ናጽነት ዘምጽኡ ጀጋኑ ክነሶም፡ ብዘይ ኣቦን ኣደን ክቕጽዑ መተገብአ?

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፡ እዚ ጒዳይ'ዚ ጒዳይካ ስለ ዝዀነ ኣቕልበሉ፡ ድምጽኻ'ውን ሃበሉ።

 

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...