2ይ ክፋል (1ይ ክፋል ኣብዚ ርአ)

ብዛዕባ ንግዲ ድያሞንድን መን'ዩ ወዲ ፊተወራሪ ዝብል ሓተታ እነሆ ሙሉእ ትሕዝቱኡ ይቕጽል ሰናይ ንባብ።

መልኣከ ገብረማርያምኣብ መወዳእታ 1994፣ መጀመርታ ናይ 1995 ዝምድና ካቢላን ኢሰያስን ኣብ ኣዝዩ ጥቡቕ ኲነት ነበረ። ክሳብ ክንደይ ተጋደልቲ ሕይወት ዝቐዘፈ ናይ ወታሃደራዊ ሓገዝ'ውን ከይተረፈ ተዋሂቡ። እዚ ናይ ኢሳያስ ሕግብግብ ምስ ካቢላ ናይ ክልተኣዊ ዝምድና ኤርትራን ኮንጎን ዘይኮነ፣ ናይ ሕኸኸኒ ክሓከካ እዩ ነይሩ። ኢሰያስ እቲ ናይ ገንዘብ ብክቡር ዕንቊ ኣልማዝ (ድያሞንድ) ጽምኣቱ ብደም ኑጹሃት ተጋደልቲ ዘርወየሉ ግዜ እዩ። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ድማ፣ ናይቶም ኣብዚ ናይ ካቢላ ኲናት ክረድኡ ተባሂሎም ዝኸዱ ኤርትራውያን ሬሳታትካ'ዶ ክንሰደልካ ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፤ ዝሞቱ ሰባት እንታይ ክገብሩለይ ኢሉ ምብጫው ኢዩ።

ናይዚ ብኣልማዝ ዓስቡ ዝኸፈለሉ ግዜ ምስ ኣኽለ ንኢሰያስን ሓጎስ ክሻን ዘሰሓሓበ  ነጥቢ ኔሩ። እዚ ድማ ኢሳያስ ዝተፈላለዩ ሰባት ንልኣኽ ክብል ከሎ፣ ሓጎስ “ክሻ” ገብረሂወት ኸኣ ሓደ ሰብ ይኣክል ይብል ኔሩ። ናይ ኢሳያስ ምኽንያት፣ ሓደ ሰብ ጥራይ እንተሊእኽና፣ እቲ ምስጢር ብብዙሕ ሰብ እኳ እንተዘይተፈልጠ፣ እቲ ውልቀሰብ ግን ስስዐ ክሓድሮ ይኽእል እሞ ክሰርቀና ክጅምር ኢዩ በሃላይ ኔሩ። ሓጎስ ክሻ ብወገኑ እቲ ናብ ኮንጎ ምምልላስ ዉሑድ ስለዘይኮነ ነዚ ሚስጢር ከይላባዕ ስግኣቱ ይገልጽ ኔሩ። ናይ ኢሳያስ ሓሳብ እዩ ሲዒሩ።

በዚ ድማ እሙናት ዝበሃሉ ሓደ ሓደ እግሪ እንዳኸዱ ኣልማዝ (ድያሞንድ) ኮንጎ ንኣስመራ ኣውሓዝዎ። እቲ ሉኡኽ ልክዕ ኣስመራ ክበጽሕ ከሎ፣ ሓጎስ “ክሻ”ን የማነ “ማንኪ” ገበረኣብን ንመዓርፎ ነፈርቲ ከይዶም ይቕበልዎ። ሒዞም ንኹዉል ገዛ (safe house) ይኸዱ። ንብረቶም ተቐቢሎም ምስ ከቢድ መጠንቀቕታ የፋንውዎ። ክልቲኦም “ማንኪ”ን “ክሻ”ን ተተሓሒዞም ናብ ኢሰያስ ይኸዱ። ናይ ዝተቐበልዎ ኣልማዝን (ድያሞንድ)፤ ጸብጻብን ምስኣቕረብሉ ‘ጻዕዳ ይጽናሕኩም’ ኢሉ የፋንዎም። ብድሕሪ'ዚ እቲ ክውህለል ዝሓገየ ኣልማዝ (ድያሞንድ) ነታ እምንቲ ዝኾነት ሰይቲ ሓጎስ “ክሻ” ማለት ንወ/ሮ ኣበበሽ ይወሃብ። ንሳ ብወገና ብመንገዲ ሓደ ኣብ ሽወደን ዝነብር ዋህዮ ብትወስዶ ዝነበረት መጽናዕቲ ምስ ሓደ ወዲ 28 ዓመት ደቡብ ኣፍሪቃዊ የራኽባ፡። እዚ ውልቀሰብ ቤተሰቡ ኣብ ንግዲ ኣልማዝ (ድያሞንድ) ንሓያለ ዓመታት ዝተተኽሉ ብምንባሮም ነቲ ዘቕርቡላ ዝነበሩ ኣማራጺታት ኩሉ ብምንጻግ፣ እቲ ዘይሕጋዊ መንገዲ ጸሊም ዕዳጋ፣ ናይ እንካን ሃባን ብጥረ ገንዘብ መሪጻ ስጋብ $60,000,000  (ሱሳ ሚልዮን ዶላር) ኣታዊ ጌራ ይበሃል።

ህ.ግ.ደ.ፍ. ካብ ሓደ ቅርሺ ብሕጊ፣ ሳንቲም ብስርቂ ስለዝፈትዉ፣ እቲ ልዕሊ ሚእቲ ሚልዮን ዝግመት ናይ ኣልማዝ (ድያሞንድ) ሽዩጥ ሱሳ ናብ ጸሊም ዕዳጋ መሪጾም ተሳቲፎሞ። እቲ መንእሰይ'ውን እንተኾነ ካብዚ ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ. ዘይሓምቕ ገንዘብ ረቢሑ። ዓይኒ አስያስ ኮይንዎ ግን ገንዘቡ ከይበለዐን ብ2003 ኣብ መበል 37 ዓመቱ ብሓደጋ ኣብ በልጅም ዓሪፉ። ዓርኩ ዝነበረት ኤርትራዊት ኣብ ስነ ጽባቐን ስነ ቅርጽን ጹቡቕ ተበጊሳ ዝነበረት፣ ፈቨን ተኸስተ፣ ዓይኒ ኢስያስ ንዓኣ'ውን ኣይመሓራን ኣደዳ መስተን ኮከይንን ኮይና ኣብ ዝሕዝን ዓለም ትነብር ኣላ።

መን'ዩ ወዲ ፊተወራሪ

መልኣከ ገብረማርያም (ወዲ ፊተወራሪ) ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኮይኑ፤ ስጋብ 8ይ ክፍሊ ኣብ መለስተኛ ተማሂሩ። ብድሕሪ'ዚ ከም ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ 1974 ንሜዳ ወሪዱ ምስ ህዝባዊ ግንባር (ህ.ግ.) ተሰሊፉ። ድሕሪ ታሊዕም እንዳ ቁጠባ ተመዲቡ ነዊሕ ከይጸነሐ፣ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ሓደ ብጻዩ ከም ሓውሲ ዳእላ ኣሕሪቕዎ ብሽጉጥ ክጎዮ አስያስ ምስ ረኣዮ፡ ብዘይ ወዓል ሕደር ኣብታ “K & K” (Kidnap & Kill Company) ጉጅለ መቕተልትን መጭወይትን ክሰሓብ ግዜ ኣይወሰደሉን።  ልክዕ ከም ስሙ ድማ መልኣከ “ሞት” ተቐይሩ። እሱ ዘጥፈኦም ኤርትራውያን ኣደታቶም ይቕጸረኦም። ሓደ ካብኣቶም ንምጥቃስ ስዒድ ሳልሕ ኣብ ሱዳን ከም ዝቐተሎ ይፍለጥ (እዚ ምስ ናይ ሊዮን ትሮትስኪ ብስታሊን ዝለኣኾ ሰብ ዝተቐተለ ኣዝዩ ተመሳሳልነት ኣለዎ)። ወዲ ፊተወራሪ ካብቶም ወገንነት ዘጥቀዖም ሓደ ኮይኑ መስፍን ሓጎስ (ሓማሴን-ማእከል) እምበይታ ኣብ ዘስመዓሉ ዝነበረ ግዜ፣ ኢሳያስ ንወዲ ፊተወራሪ ጽዊዑ፣ ትሪኦ'ለኻ እዚ ዓሻ ወዲ ሓወቦና ምስዘን ናይ ደቡብ ኮይኑ ይርብሽ ኣሎ ምስ በሎ፣ ከይዱ ብኢዱ ጎቲቱ ኣምጺኢሉ። ን12 ሰዓት ድማ ውረድ ደይብ ተባሃሂሎም ብዘይ ገለ ምርድዳእ ተፈላልዮም።

ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ ናይሮቢ ክሃድም ዝተገደደ ቀሺ ብርሃነ ወይ ብባዕሉ መልኣከ ገብረማርያም “ወዲ ፊተውራሪ” ወይ ድማ ንሱ ብዝለኣኾም ሰባት እዩ ተሃዲዱ ናብ ስደት ኣምሪሑ።

ካብ 2002 ንነጀው ኣብ ሱዑዲያ ንሽሙ ቆንስል ኮይኑ እኳ እንተተመዘዘ፣ ንጥፈታቱ ግን ኣመንዝራታት ምውፋርን መስተ ምሻጥን ከም ዝነበረ ናይ ቀረባ መቕርቡ ይገልጹ። ካብቲ ብዙሕ ሓደ ክልተ ከምዚ ዝስዕብ ክግለጽ ይከኣል።

1. ኣብ 2004 ኣብ ሱዑዲያ ዝምቕማጦም ሓጅ ኣሕመድ ዒሳ ኣቡኡ ንኣምባሳደር ኣብ ሱዳን ዒሳ ኣሕመድ ዒሳ ነስመራ ኣብ ዝተበገስሉ ግዜ ወዲ ፊተወራሪ ሰለስተ ኪሎ ወርቂ ኣማሊእዎም። ኣብ ኣስመራ በዓልቲ ቤቱ ለተገብሪኤል ተቕቢላቶ። እዚ ወርቂ'ዚ ድማ ብግቦ ዝተዋህለለ ወርቂ ናይ ዉልቁ ንብረት እዩ።

መልኣከ ገብረማርያም (ወዲ ፊተውራሪ) ምስ ኢሰያስ

2. ኣብ ስዊዘርላንድ ብኮንትሮባንድ ክኣትው ዝተታሓዘ ሰለስተ ኮንተይነር ዊስኪ ኣብ ዕዳጋ ወሪዱ ብጨረታ ክሽየጥ ምስ ቀረበ ህ.ግ.ደ.ፍ. ተጫሪቶም $1.25 ንሓንቲ ጥርሙስ ገዚኦም ንምጽዋዕ (ባጽዕ) ከም ዝኸይድ ገበሩ። ኣብኡ ኮንተይነር ቀይሮም “ናውቲ ስተሽነሪ” ተባሂሉ ንሱዑዲያ ተላኢኹ። ንሓደ ጥርሙስ ብ850 ሪያል ሱዑዲ ድማ ክሸጡ ጀሚሮም።  ዝተወሰና ጥርሙስ ምስ ሸጡ፣ እቲ ናይ ኤርትራ ኤምባሲ ኣብ ብርቱዕ ምክትታል ስለ ዝነበረ መንግስቲ ሱዑዲያ በቲ ሕጋዊ መንገዲ ኪፍትሹ ሓቲቶም ወያ ሰለስተ ኮንተይነር “ስተሽነሪ” ዊስኪ ኮኑ ተረኺቡ፡፡ በዚ ብዙሕ ንዝተቖጠዑ ሱዑዳዊያን፣ ሰለስተ እግሩ ዝተመላለሰ ሓጎስ “ክሻ”፣ መንግስቲ ኣፍልጦ ከም ዘይነበሮ ከእምኖም ፈቲኑ ኮይኑ ግን ኣይሰመረሉን። ሰለስተ ኮንተይነር ዊስኪ ኣብ ባሕሪ ተጓሒፉ። ህ.ግ.ደ.ፍ. ድማ ስጋብ $152,000,000 ሚእትን ሓምሳን ክልተን ሚልዮን ዶላር ዝግመት ገንዘብ ከሲሮም። በዚ ዝተላዕለ ሓጎስ “ክሻ”ን መልኣከ “ወዲ ፊተወራሪ”ን ድማ ሕለፊያ ኮይኑ ስጋብ'ዚ ሰዓት ኣብ  ምፍጣጥ ይርከቡ። በዚ ኣዝዩ ዝጎሃየ ኢሳያስ ንመልኣከ ንሱዳን ከምዝቕየር ጌሩ።

3. እቲ ፍሽለት ንሱዳን'ውን ተኸታቲልዎ'ዪ ከይዱ። ብኮ/እምናይ ሱሌማን ዝፍለጥ ሰላይ ከም ዲፕሎማት ኣትዪ፣ በብእዋኑ ኣዝዩ ብዙሕ ብዓይነት ዝተፈላለየ ኣጽዋር ከልሑኽ ጀሚሩ ኣብቲ ከም መንበሪኡ ተኻሪይዎ ዝነበረ ገዛ ክኽዝኖ ጀሚሩ። ነዚ ከተስተባህል ዝጀመረት ኣገለጋሊት እምናይ፣ ጓል 23 ዓመት ኤርትራዊት ከይትዛረብ ተባሂሉ ብእምናይ ብስሚ ተቐቲላ። እቲ ዝተዓዘበቶ ግን ንሓደ ክልተ መሓዙታ ኣዕሊላተን ስለ ዝነበረት ደዊለን ምስ ሰኣነኣ፣ ንፖሊስ ሓቢረን ፖሊስ ናብ ገዛ እምናይ መጺኦም ተፍትሽ መሰካየዱ እቲ ኣጽዋር ከሽፎሞ። እምናይን ወዲ ፊተወራሪን ነስመራ ተሳሒቦም። እምናይ ሽዑኡ ክድስክል ከሎ ወዲ ፊተወራሪ ድማ ኣብቲ ፕሮፈሽናል ስርሑ ማለት መቕዘፍቲ ተመሊሱ ኣብዚ ስእሊ እውን ከምቀደሙ ምስ ዓርኩ ኢስያስ ኣብ ምርኢት ይረአ።

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝበሃል ዘሎ ኩሉ ንፕሮፖጋንዳ ወይ ከምቲ ባዕላቶም ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝብልዎ ን03 ሃልኪ ከምዘይኮነ ክሕብር ይፈቱ። እዞም ገበነኛታት ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ንሰምዓሉ ግዜ ሩሑቕ ኣይኮነን።

ይቕጽል....

ሰብኣዊ ካብ ለንደን


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...