ወደይ ሓደራኻ ንጣልያን ከይትአምን’

እዛ ‘ወደይ ሓደራኻ ንጣልያን ከይትአምን’ ዘርእስታ ሓጻር ዓንቀጽ ካብታ ብተስፋሚካኤል ትኩእ ‘ሃገሬ የህይወቴ ጥሪ’ እትብል መዘከርታ መጽሓፍ ቆንጢረ ዘቕርባ ዘለኹ ኢያ። እታ  መጽሓፍ ብዛዕባ ጣልያን አብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተጻወቶ መግዛእታዊ ፖሊቲካ አቃሊዐ  ብመጠኑ ድማ ናይታ ወሳኒት ዝነበረት ውግእ ሓላይ ቀዳማይ ምንጪ ኮይና ዝረኸብክዋ ብምዃና ካብ አምሓርኛ ተርጒመ ንአንበብቲ ከቕርባ እንከለኹ ምስናይ ሓበኑ ኢዩ። ምኽንያቱ እቲ አብ ልዕሊ ጣልያን ዝተፈነወ ሀንደበታዊ መጥቃዕቲ ብሄራዊ መልክዕ ዝሓዘ ናይ መጀመርያ መወዳእታን ፈተነ ምዃኑ ስለ ዝአምን ኢየ። ናይ ሓላይ ስርሒት ብተኸስተ ነጋሽ አገላልጻ ‘ፍጹም ሀገራዊ’ ኢዩ። ብርግጽ ሀገራዊ ዝገብሮ ድማ ተሓንጊጥዎ ዝተንሰኤ ዕላማን ከምኡ’ውን አብቲ ኲናት ዝወዐለ ሠራዊት አከለጉዛይን ሠራዊት ጸላኢን አብ ግምት ምስ አነእቱ ኢዩ።* ናይ ባህታ እምቢታ ዘንቀሎ ናይ መሬት ጉዳይ ምዃኑ ብንጹር ዘበርሃልና እቲ ንሓጸይ ምንሊኽ ዝልአኾ ደንዳቤ ምስ እንምርምር ኢዩ። ብዝኾነ ብባህታ ሓጎስ ተጠጂኡ አንጻር ጣልያን ዘቅነዔ፡  ብለይቲ ተአሊሙ ብቐትሪ ድማ አብ ግብሪ ዝወዐለ ስርሒት ሓላይ ጥራይ ኢዩ። ባህታ ጎይታ ኣከለጒዛይ ጥራይ ዘይኮነስ ብጣልያን ዝተሓፍረን ዝተኸብረን፡ ኣብ ኣከባቢኡ ገባርን ሓዳግን ዉሩይ በዓል ሹም ኢዩ ዝነበረ። ኣብ ርእሲኡ በቲ ናይ ግዜ መመዘኒ ሚልዮነር ተባሂሉ ክጥቀሰሉ ዘኽእል ክሳብ 600,000 ሊረ ጥረ ገንዘብ ዝደለበ ብዐል ጸጋ ኢዩ ዝነበረ።***  

ከምዝዝከር ከምቲ ብመጠኑ አብ ሶማልያ ዝተላዕለ ቀቢላዊ ናዕቢ ወይ ብዐቢኡ ኣብ ሊብያ ዝተባረዔ ህዝባዊ ምንቅስቓስ አብ ኤርትራ አይተኸስተን። ብአንጻሩ ዐበይት ዐድን መራሕቲ እንዳን ብቡሩር ሸሓኒ ኢዮም ንምድሪ ባሕሪ ንጣልያን ዘስተለምዋ። ካብኡ ሓሊፉ አብቲ ናይ ጣልያን ኢምቦራጦራዊ ውጥን ብሰፊሑ ዝተኻፈሉ ኤርትራውያን ኢዮም እንተተባህለ ዘሕፍር አይኮነን።  በዚ ምኽንያት’ዚ ዓውደ ውግእ ሓላይን አብኡ ዝተኻፈሉ ደቂ መረብ ምላሽን ብፉሉይ ዓይኒ ክንርእዮም ዝግባእ።

ተስፋሚካኤል ትኩእ ዝተወልድሉ ጣልያን ንኤርትራ ብወግዒ ግዝአት ጌሩ ምስ ሓዛ ድሕሪ ክልተ ዓመት ኮይኑ ዝሞቱሉ እዋን ድማ ጥቅምቲ 30 1965 ዓም.ኢ ኢዩ።

ብተወሳኺ እቲ ዛንታ ብንጹር ክበርህ ብምህቃነይ ሓደ ክልተ ዐረፍተ ነገራት ብብራኬት ዝእተኽዎም ቃላት አለዉ።  ንኲናት ሓላይ አመልኪቱ ብተማራመርቲ ስፍሕ ዝበለ ጽሑፋት ክሳብ ዝቀላቐል ነዛ ጽሕፍቲ ከም ሸውሃት መኽፈቲ ጌረ የቕርባ አሎኹ።     

“ንሠራዊት ጣልያን ንምጥቃዕ(ምህጃም) ኣብ ዘውጽእዎ ውጥን (ደግያት ባህታ ሓጎስ) ብዘይካ ሓዎም ሰንጋል ካልእ ዝፈልጥ ሰብ አይነበረን። እታ ለይቲ እቲአ ንኹናት ዝተዳለወ ዐቀይታይ ድቃስ ሰለም ከየበለ ላዕልን ታሕትን ክብል ኢዩ መሬት ዝወግሓቶ። ንጽባሒቱ ናብ ሓላይ ንምምራሽ ኣብ ዝተገብረ ምንቅስቓስ ግራዝማች ተክኤ ስብሓት ናብ ደግያት ባህታ ጽግዕ ኢሎም ‘እዚ ኹሉ ሰራዊት አበይ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። ብሰገነይቲ ወገን ዘሎ ክልተ ሓይሊ ጣልያን እንተኾነ፡ (ሙጡን) ሰብ ሰዲድና ብቐሊሉ አላሽ ከነብሎ ይከአል ኢዩ’ ምስ በልዎም ‘ትም በል’ ብማለት ሕጅውን ውጥኖም አይገለጹሎምን። ድሓር ብሸነኽ ሰገነይቲ አቢልና፡ መንገዲ መንደክለ ማይ ሓራሳት ሒዝና ናብ ሓላይ  ተቐልቀልና። እምበርከስ ንትግራይ ዝወስድ መንገዲ ገዲፍና ናብ ሓላይ  ዝተጠወናሉ ምኽንያት እቲ አብ ዕርዲ ጣልያን ዝነበረ መሳርያ ንምህጋር ነበረ። ናይቲ ዕርዲ አዛዚ ጉብጣን ካስተላስም (ብወገኑ) ብማዕዶ (ሰራዊት አከለጉዛይ) ምምጽኡ ምስ ተዐዘበ ‘ጎይታይ ሓንትስ ሂወትና ንሓፉም’በር አብ ኢድና ዘሎ መሳርያ ብምሉኡ ውስድዎ’ ክብል መልእኽቲ ለአኸ። እቲ ጉዳይ አብ ከምዚ ኲነታት እንከሎ ኢዩ እቲ ጉብጣን ብቢሕል ጎቦ ዑቁበ ዝተባህለ ዓስከር ስልከኛ ብኣጻድፍ አጽሊቑ፡ ረድኤት ከምጽእ ናብ ኣስመራ ዝለአኾ። እቲ አዛዚ ነዚ ክገብር ዝተገደደሉ ምኽንያት፡ ናይ ደግያት ባህታ ተዋጋእቲ አብ ሰገነይቲ ዝርከብ ስልኪ አቐድም አቢሎም ስለ ዝቖረጽዎ ኢዩ። ሓላይ ድማ ኣብ ቀለቤት አተወት። በብግዜኡ መስቀል ዝሓዙ ካህናት እንዳለአኸ ድማ ንውግእ ከምዘይተዳለወ (ከምዘይደሊ’ውን) ይገልጽ ነበረ። ደጊሙ ደጋጊሙ እቲ አብ ዕርዲ ዘሎ መሳርያ እንተተወስደ  ጸገም ከምዘይብሉ ሂወቱ ጥራይ ክንሓፍ ካብ ምልማን አይዐረፈን። እዚ ግን ግዜ ንምግዛእ ዝጥቀመሉ ዝነበረ መናውራ ምኻኑ ድሓር ኢዩ (ዝተሰቆረና)።

ሽዑ ንዓይ ብስመይ ጸዊዖም ‘ትኩእ አብታ በራኽ ከረን ደይብካ ናብ ማይ ሓራሳት ዘምርሕ መንገዲ ብዓይንኻ ዳህሲስካ ንገረኒ’ በሉኒ። ከም ዝተአዘዝክዎ አብቲ በሪኽ ቦታ ምስ ከድኩ አብ ማዕዶ ህቦቡላ ንፋስ ዝደፍኦ ክመስል ቶጎጋ ሓመድ ተዐዘብኩ፤ ምስ ክረድእ ዝተላእከ ሠራዊት ጣልያን ድማ አዛመድክዎ። ብማይ ሓራሳት ወተሃደራት ጣልያን ምምጽኦም ዘደንጸዎም ደግያት ባህታ፡ ነቲ መንገዲ ረጊጦም ክሕዙ ዝመዘዝናዮም ጭፍራ ብላታ ዑቕባዝጊን ብላታ አደምን አበይ አብሉ ክብሉ ሓተቱ። ለካስ እቶም ማዕጾ ክሕልዉ ዝተመዘዙ ዓቀይቶት ጠምይዎም እንጀራ ንምልማን ናብ ሔቦ ወሪዶም ኢዮም። ብሰንኪ’ዞም ሰነፋት (ዝተአዘዝዎ ዘይገብሩ) እቲ ብአፈርክቡ ዓሳክር መሪሑ ዝመጸ ማጆር ቶሰሊ ብብቕሩብ ናብ ሓላይ ተጸገዐ።** ትዕግስቶም ዝተወደኦም ደግያት ድማ ነቲ ኢጣልያዊ ሓላው ዕሪዲ ናይ መጨርሽታ መጠንቀቕታ ብባሻይ ምስጉን ሃብተማርያምን ካልኦት ክልተ መኮንናትን አሰንዮም ልአኽሉ። ንሱ ግን ንሂወቱን ንሂወት ዓሳክሩን ከድሕን ቶሰሊ አብ አከባቢ ምህላዉ ስለ ዝተረድኤ ነቲ ናይ መወዳእታ መጠንቀቕታ ፋዕራ አይገበረሉን። ደገዝማቲ ሜስ ሀበኒ ኢሎም ምስ አዘዙ ናይቲ ኹናት መጀመሪ ምልክት ምዃኑ ተገመተ። ብኡንብኡን ድማ ብክልቲ’ኡ ወገን ተዂሲ ተኸፍተ። ወዮም መልእኽተኛታት አብ ውጥረት ዝመልኦ ዘተ እንከለዉ ኲናት ስለ ዝተኸፍተ ካብቲ ዕርዲ ከይወጹ ንጸላኢ እንዳመከቱ ብጅግንነት ሞቶ።

አተኩሮና ናብቲ ዕርዲ ብምግባር ድማ ክንታኾስ አርፈድና። እንተኾነ እቲ ቶሶሊ ሒዝዎ ዝመጸ ረዳት ሓይሊ ብድሕሬናን ብኹልትናን ኮይኑ መጥቃዕቲ ፈነወልና። ብኽልተ ሓዊ ተለብሊብና ድማ መውጽእን መእተውን ሰአና። እንተ ክቡር ደገዝማቲ እሞ ሓሙሽተ ጠበንጃ ዝሎግሙ መንእሰያት አከቲሎም ብዘይ ምቁራጽ ክታኾሱ አርፈዱ። ብሾሞንተ ጥይት ተወጊኦም ከብቅዑ ተኹሶም ብምቅጻል ብታሻዐይቲ ጥይት ተሸኒፎም ወደቑ። እቶም መንእሰያት ከይተርፈ አብ ጎኖም ተሰውኡ። ደግያት ባህታ ምስ መኳንንቶምን ወተሃደሮምን (ጎልጎል ሓላይ) መቓብሮም ዝኾነትሉ ምኽንያት፡ ጣልያን ተደሪዕዎ ብዝመጸ ዘመናዊ መሣርያ ምስ መትረየስ ምዃኑ’ኳ እንተዘይተኻሕደ፡ እቲ ጣልያን ዝተኸተሎ ናይ ከበባ ውግእ (ስልቲ) እውን ተራ ነበሮ። እቲ ውግእ ዘሰክሕ ምንባሩ ዘዘኻክር አብታ ፈታኒት ንግሆ ምድረሰማይ ብግመ ተሸፊኑ ስለ ዘርፈደ፡ ጥቓኻ ዘሎ ሰብ ንምርአይ ዘጸግም ነበረ። ብዝኾነ እቲ ፍልምያ ብጣልያን ዐወት ተዛዘመ።

እዚ ብታሕሣስ 9, 1886 ዓም.ኢ ብዐወት ጣልያን ዝተደምደመ ስርሒት፡ ሕልፈት ደግያት ባህታን  ወተሃደራቶም አኸተለ። አነ (ትኩእ) እንተኾነ አብ ገዚፍ ናይ ጽሕዲ ጉንዲ ትንፋሰይ ሓቢኤ ተሐባእኩ። በዝን ወዲ ኸምዝን ድማ ሂወተይ ከድሕን ከአልኩ። እቲ ተዂሲ ጠጠው ምስ በለ፡ ማጆር ቶሰሊ አብ ልዕሊ ሬሳ ደገዝማቲ ንቑሩብ ደቓይቕ ምስ ዘንበየ ‘ናይ ተአከቡ’ ጡሩምባ ተነፍሔ’ሞ አድህሊለ ብሸነኽ ሰሜን ዝርክብ አጻድፍ ወሪደ ናብ ሐካይ ሀደምኩ። ድሕሪ’ቲ ኲናት (ወዶም) ደገዝማቲ ገብረመድህን ናብ ሰገነይቲ ከይዶም ኣብ ማዕረባ ተሓብኡ። ብግራዝማች ሚዒተልካ ጽዐት ድማ ናብ ትግራይ ተሳጊሮም ምስ እኖኦምን ምስ በዐልቲ ቤቶምን ተራኸቡ። ደገዝማቲ ሰንጋል ድማ ንስክላ ካብቲ መዐት ወጺኦም ናብ ብዐልቲ ቤቶምን ደቆምን ከዱ። ሬሳ ባህታ ሓጎስ አብቲ ዝወደቕሉ ቦታ ዊዒሉ አማስይኡ አቶ ሰቛር አብ ምሕድግ ዝበለ ቦታ ቀበርዎም። ነዚ ናይ አቶ ሰቛር ተግባራት ዘሕሰሞም ሰበስልጣን ጣልያን ተናዲዶም ንሞት ፈረድዎም። እንተኾነ ብእግዝአብሄር ጸጋ ካብ ሞት ድሒኖም ፈረዩን ጸገዩን ብዙ ንዋይ’ውን ደለቡ። ብተግባር እዚ ደፋር ወዲ ድግሳ ተሐጒሱ ዘየመስገነ ሰብ አይነበረን። አቶ ሰቛር ዝገበርዎ ታሪኽን ጅግንነት ከቶ ዘይርሳዕ ኢዩ።

ብድሕሪ ኲናት ሓላይ ሓያሎ ደቂ አከለጒዝይ ዶብ ጥሕሶም ናብ ትግራይ አተዉ። ብዙሓት ድማ አብ ዱርን ገደልን ሸፈቱ። አነ (ትኩእ) እንተኾነ ከም ሰበይ ንኽልተ ወርሒ ሸፊተ ቤተሰበይ መልእኽቲ ልኢኾም ‘ጣልያን ሰብናን ማልናን ከጽንት ተዐጢቑ ስለዘሎ ኢድካ ሀብ’ ኢሎም ስለ ዝወትወቱኒ ንዐደይ ተመለስኩ። ኢደይ ምስ ሀብኩ፡ ጨካን ጣልያን ጠመንጃይ መንዚዑ አብ ሃልሃልታ ሓዊ ደርበዮ፡ መንፈሰይ ተሃወኸ፡ ሰውነተይ ድማ ብሓርቖት ነደደ። እንተ ነቶም አብ ኲናት ዝወዐልና ጣልያን ኣዝዩ ጸልአና፡ ንኹፉእና ድማ ተመነየ። ዝሐዞ ‘ናይ ሰላም ምንጋስ’ ፕሮጀክቱ ከይዋገሮ ብምስጋእ ድማ ንግዜኡ ተዐገሰና። ካብዚ ዝተላዕለ ኢዩ ድማ አቦይ (ተስፋሚካኤል) ከምዚ ዝስዕብ ምኽሪ ዝሀበኒ ’ወደይ ሓደራኻ ንጣልያን ከይትአምን’። ብርግጽ ናይ አቦይ ምኽሪ ብምስትንታን ኢየ ድማ (ድሕሪ ምላሽ መቓዲሾ) ንጣልያን ክቃለሶም ዝመረጽኩ።”

* ከም ሩፊሎ ፐሪኒ ዘገባ ብኽልቲኡ ወገን ተሰሊፉ ዝወዐለ ሠራዊት ናብ 6000 ይጽጋዕ

** ማጆር ቶሰሊ ብታሕሣስ 7, 1895 መላስ አውያት አብ ዘይብሉ አብ ኲናት አምባ አላጌ ምስ ክልተ ሽሕ ወተሃደራቱ (መብዛሕትኦም ዓሳክር)ጸነተ።

*** ሩፊሎ ፐሪኒ (መረብ ምላሽ) ግጽ 9 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...