ሓጺሩኒ እንተበልኩስ ተደቢሩ ይስዕስዕ።

ኣብዚ ሓጺር እዋን ኲነታት ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ሓደገኛ ደረጃ ምብጽሑ ንቡዙሓት ዘሰከፈ ጉዳይ ኮዩኑ ተረኺቡ ኣሎ። እንተኾነ እዚ ሓዲሽ ተርእዮ ዘይኮነስ፡ ንዐሰርተታት ዐመታት ተጠጂኡ ዝጸንሔ ሓንሳእ ክግንፍል ንዉሱን እዋናት ድማ ክሰክን ዝተዐዘብናዮ ኲነታት ኢዩ። ጠንቂ ናይ’ዚ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ በጺሑ ዘሎ ቅልውላው ድማ እቲ ኣብ መንጎ ክልተ ባእታታት ናይቲ ዞባ (ብሓፈሽኡ ድማ ምስ ወጻእተኛታት) ዝሰፈነ ዘይተዐረቕ ግርጭታት ብርኡይን ብሱዉርን ኣብ ምፍሕፋሕ ደረጃ ስለዝርከብ ኢዩ።  እቲ ግርጭት ቶም ብሃይማንኖትን፡ ብቀቢላዊ ስምዒትን፡ ከምኡ’ውን ፈረንጂ ብዝሓንጠጦ  ጂዮግራፍያዊ ሕንጻጻት መንቃሊ ብምግባር ናይ ዘረፋ መትንታት ዘርጊሖም፡  ናይቲ ዞባ ተፈጥራዊ ሃብቲ ኣብ ምብኻን ዝርከቡ መስፍናውያንን መሻርኽቶም ዝኾኑ ናይ ፖለቲካ መራሕትን ከምኡ ድማ ኣብ መንጎ እቲ ተመሲሑ ዘይድረር ሓፋሽን ምዃኑ ክርሳዕ የብሉን። እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝን ድማ ናይዚ ብውሽጢ ተአጒዱ ብግዳም ሓይልታት ዝተንበድበደ እሳት፡ ኣደዳ ዝኾነ ሰላማዊ ህዝቢ ምዃኑ ብዘየማትእ እተረጋግጾ፡ ኤርትራዊት ጥንስቲ ምስ ሰለስተ ሕጻውንታ ድራር ዐበይትን ንአሽቱን ዐሳታት ኮይና ክትዕዘብ፡ ወይ ድማ ናይ ንኻልኣይ ውግእ ዐለም ዝዳረግ ናይ ሚልዮናት ሶርያውያን ህዝቢ ምፍንቓልን ምስዳድን ክትርኢ፡ ካብኡ ሓሊፉ እቲ ሓፍ ከይበለ ቋቕ ዘበለ ናይ ደቡብ ሱዳን ህላዌ ኣብ ግምት ምስ እተእቱ፡ ብዐቢኡ ድማ ብጥሜትን ሕማምን ዝሳቐ ካብ 20  ሚልዮን ንላዕሊ ዝኾነ ህዝቢ የመን ብሰብኣዊ ሕሊና ከተስተንትን እንኮለኻ ጥራይ ኢዩ።

እዚ ድሕሪ ባይታ ብምግባር፡ ተፈጢሩ ዘሎ ሓደገኛ ሃዋሁ፡ ብፍላይ ንህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ድማ ንህዝቢ ኢትዮጵያን ሱዳንን በየናይ መልክዕ ይጸልዎ። ብዘይጥርጥር ከም ሕማም ተላገብ ኣብቶም ብጂዮግራፍን ባህልን ተላጊቦም ዘለዉ ሃገራት ንኽማቓራሕ ግዜ ኣይወስደሉን ኢዩ። መጀመርያ እቲ ኩነታት ብኮቦርታ እሳተ ነበልባል ክሽፈን ዝድግፉ ሮቛሒታት ኣለዉ። ንሱ ድማ እቶም ድሑራት ባህልታት ጎሊሖም ንኽረኣዩ፡ ክንዲ ፍልልያት ዝፀቡ ድማ እንዳገፍሑ ክኸዱ ስራሕና ኢሎም ዝተተሓሓዝዎ ናይ ፖለቲካ ተዋስእቲ ስለ ዘይወሓዱ ኢዩ። ናይዞም ሓይልታት ጥቕሚ ከይተቖርሰ ወይ ከይተሸርፈ ዝሕለወሉ ፉቱን ሜላ ድማ ምስ ናይ ግዳም ሓይልታት ብምሽራኽ ኮይኑ፡ ሕንጢታት ተዋስእቲ ከምኒ ፋሉላዊ ስርዐት ኤርትራ ድማ ምስ ዞባውያን ‘ሓያላት’ ብምልጣፍ ናይ ጆኬር ተራ ክጻወቱ ትርኢ።

ንምዃኑ ነቲ ከብዱ ሓቚፉ ዝርከብ ተራ ህዝብ ኣሻቒሉ ዝርከብ ኲነታት፡ መተንስኢኡ እንታይ ይኸውን። ናይ ቤተሰባዊ መንግስቲ ሱዕዲ ኣብ ኣከባቢና ዘሎ ግብረሽብራዊ ምንቅስቓሳት ንምግታእ ባዕሉ ንባዕሉ ብሉስያ ኮይኑ ምምዛዙ ብተግባራቱ ኣረጋጊጹ ኢዩ።  ብስም ሰላምን ጸጥታን ንምርግጋእ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ሓደ ካብቲ መረዳእታ ኢዩ። ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ብዙሕ ከይፀቐጥኩ ብሓጺሩ ንንጉስ ሱዑዲ ምስ ነቐዛት ተኸተልቱ ዝኾኑ ኣሽሓት መሳፍንቲ ዝኽተልዎ ናይ ጥፍአት ፖሊሲ ንምግላጽ ሓንቲ ናይ ትግርኛ ምሳሌ ሰው ምባል ይቐልል። ንሱ ድማ ’ ንዓይ ንአንጭዋስ ናብ ሎቖታ’ ኢዩ። ዝሓልፉ 50 ዐመታት ካብ ዞባና ሓሊፉ እስላማውያን ኣህዛብ ይኹን፡ እስላምን ክርስትያንን ተሓናፊጾምሉ ኣብ ዝርከብዎ ሃገራት ዐለም፡  ራዕድን ናይ ጥፍኣት መልእኽትን ካብ ምህላኽ ዘይተቖጠበት ሱዑዲ፡ ሕጂ ሽምጣ ገቲራ ኣንጻር  ደጋፊት ግብረሽበራዊት ተባሂላ ዝተጠቀነት ቐጠር ኮይና ምቕራብ ጉድ የብል። ቀጺሉ ኣብ ሕንፍሽፍሽ ዘድሀበ ፖሊሲ ንምትግባር፡ ብናእሽቱን ዐበይትን ሃገራት ዝቖመ ቐስተ ደበናዊ ቃል ኪዳን ንኽትምስርት ህርድግ ምባላ  ዘስተንክር ትያትሮ ኢዩ። ብተወሳኺ፡ እዞም ብፔትሮ ዶላር ተገዚኦም ሰላም ንምዝራግ ተዓጢቆም ዝርከቡ ካብ ናይጀርያ ክሳብ ኢንዶነሽያ ዝርከቡ ሓተላታት፡ ኣባት ነብሶም ብዘይካ ስዑዲ ካልእ ሃገር የሎን። ቐጠር ትኹን፡ ዉዱቓት ቦኮ ሓራም ኣብ መንጎ ዘለዉ ካልኦት ብእስላማዊ ቅጽል ስም ዝተዋፈሩ ዐሰርተታት ጉጅለታት ብፊት ንፊት ዘዋፍሮም ስዑዲ ዐረብ ኮይኑ እታ ሪሞት ኮንትሮል ግን ኣብ ስግር ባሕሪ ምህላዋ ክዝንጋዕ የብሉን። ሱዑዲ ድማ ካብ ማድራሳን መስጊድን ምህናጽ ሓሊፉ እንታይ ፍረ ዘለዎ ናይ ግብረሰናይት ስራሕ ክትሰርሕ ተራእየት? ካብኡ ሓሊፉ ድማ ኣብ ኢንቨስትመንት ወይ ምወላ ኣብ እትዋፈርሉ ኣጋጣሚ፡ ሃይማኖታ ኣብ ዘይፈቕዶ ሓረጣን ወለድን ምኽዕባት ክትቋማጣዕ ክትርኢ ናይ ሙስሉያት ምስልይቲ ምዃና ብንጹር ትግንዘብ። ብሃብቲ ንዘይተዐደሉ ድኻታት ሃገራት፡ ጹሩ ማይ ክሰትዩ ሻንቡቖታት ካብ ምዝርጋሕ፡ መባእታ ቤት ትምህርቲ ካብ ምስራሕ፡ ናይ ጥዕና ኖቕጣታት ካብ ምምስራት፡ ተክኒካዊ ፍልጠት ንምቕሳም ዘድልዩ ቁሳውን ማላውን ደገፍ ካብ ምግባር ዝሓሹ ካልኦት ኣገዳስቲ ነገራት ኣለዉ ኢሉ ዝማጎት ሰብ፡ ጉጉይ ጥራይ ዘይኮነስ ምስ ሱዑድያን ዕሱባቱን ጸግዒ ከምምሓዝ ይቑጽር።  

እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ዞባዊ ቅልውላው ንኤርትራ ቀጺሉ’ውን ንኢትዮጵያን ሱዳንን ከምዘይንሕፈን ዝተረጋገጸ ኢዩ። ምኽንያቱ ኣብዚ ‘ዐርከይ ዐርከይ መወድእ ትምቧኾ’ ዝመስል ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ መንግስታትን ሸፋቱ ግጅለታት ሊብያ ይኹን የመን ዝተመስረተ ናይ ቅጽበታዊ ምሕዝነት ንህዝቢ ኤርትራ  ካብ ሩሱን ሞጎጎ ናብ ዝረሰነ ሞቕሎ ምድርባይ ይመስል። እዚ ነታ ሃገር ብሃይማኖታዊን፡ ቀቢላውን፡ ኣውራጃውን ፍልልይ በታቲኑ ኣብ ርእሲአ ሸይሸይ ዝብል ዘሎ በጋሚንዶ ጉጅለ ህዝባዊ ግንባር ብኸምዚ ዝአመሰለ ናይ ቅጥፈት ጸወታ ዝላድየ ኣብ ርእሲ ምኻኑ ነታ ‘ሀገር’ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ  ዘእትዋ ንበረኻታት ሳሕል ካብ ዝዘምት ጀሚሩ ምዃኑ ንቀረባ ጎረባብቱ ሱዉር ኣይኮነን። እዚ ብሕንጢት ዝምሰሎ መንግስቲ ኣስመራ፡ ኤርትራ ናይ እናሓጉኡ ሃገር ክትመስል ሓንሳብ ምስ ጽዮናዊት እስራኤል፡ ሓንሳብ ምስ እስላማዊት ኢራን፡ ጸኒሑ ድማ ምስ ብዝበን እንእኒ ዝሓስቡ ተቛመርቲ ኣዕራብ ክዋገየላ ዘይሓፍር ምዃኑ ዘግሃደ ቅድሚ ፍርቒ ዘበን ምዃኑ መብዛሕትና ከነስምረሉ ይግባእ። ኤርትራ ወይ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ውዲት ምክፋል ዘርብሖ ነገር አይኮነን እኳ’ድአ ኣብ ዝገደደ ሓሳረ መከራ ይሸሞ’ምበር። እምበአርከስ እዚ መሃነኑ ጠፊእዎ ዘሎ ህዝቢ ካብ ዘጓነፎ ጸበባ ንምልቓቕ እንኮ ምርጭኡ ነዚ ምኩሕ ግንከስ ዓምቧኽ ዝኾነ በዐቲ ጎሓላሉ ምፍራስ ጥራይ ኢዩ። ነዚ መጉባዕብዒ ጉጅለ ንምብዳህ ድማ ምስተን ብሓባራዊ ጥቅሚ እትተአሳሰረን ሀገራት፡ ማለት ሱዳንን ኢትዮጵያን ብዝያዳ ጡብቕ ርክብ ምግባር ግዜኡ ዝጠልቦ ምዃኑ ምዝንጋዕ የብልናን።   

ኣብ መንጎ ግብጽን ኢትዮጵያን ዘሎ ርክብ እንተ አተኮርና፡ ክልቲኤን ሀገራት ብኽልተ ኣሕዋት ናይ አቦኦም ፍቅርን ሓልዮትን ንምኽሳብ ዝገብርዎ ሕጻናዊ ውድድር ክምሰል ይከኣል። ኣብ ታሪኽ ከም እነስተውዕል ቃየል ንሓዉ አቤል ዝቐተሎ ናይ ኣቦኡ ፍቕሪ ንበይኑ ንምግባት ብምህቃኑ ኢዩ። ኢትዮጵያን ግብጽን ድማ ንዘመናት ዝአክል ብፈለግ ኣባይ ክሰሓሓባሉ ዝጸንሓ ጉዳይ ኢዩ። ብማያት ሓበሻ ተመኽንዩ ብዝበለጸ ዝተነሃሃርሉ እዋን ኣብ መወዳእታ 19ክፍለ ዘመን’ኳ እንተኾነ፡ እቲ ብጉኑን ዝፍለጥ መሐመድ ዐሊ እንተኾነ’ውን ኣቐድም ኣቢሉ ነቲ ቦታ ዐይኒ ኣንቢሩሉ ነይሩ ኢዩ። ኣብ ፈረቓ 19 ዘበን ናይ ግብጺ ኣብ ቆላታት ኤርትራ ምቅልቓል ድማ ምስ’ዚ ዝተሓሓዘ ተርእዮታት ኮይኑ ካብቲ ንኽልቲኤን ሃገራት ዘቋራቑስ ጂኦ-ፖለቲካ ቀዳማይ ምዕራፍ ዝሐዘ ኢዩ። ኩነታት ከምዚ ይምሰል’ምበር፡ ኣብ’ዚ ዘለናዮ ክፍለ ዘበን፡ ኢትዮጵያ ኣብ ፈለግ ኣባይ ማይ ንምዕጋት ኣብ እትገብሮ ዘላ ፈተነታት ንግብጺ ኣይማእመኤን ዘሎ። ነዚ ንምስንኻል (ሸይጣን ኣይስማዕ) ግብጺ 120 ኩንታል ዝምዘን ‘ናይ ቡንባታት ቡንባ’ ኣብ ልዕሊ እቲ ግድብ፡ እንተዝነበትሉ ነቲ ዞባ ኣብ ዘይድልዮ፡  ነቲ ህዝቢ ድማ ኣብ ዘይምነዮ   ጣጣ ክእትዎ ይኽእል ኢዩ። መንግስቲ ግብጺ እንተኾነ መዳርግቲ  ዘይብሉ ኣሸባሪ፡ ብሸፈጥ ኣብ ስልጣን ዝተወጠሔ፡ ዕንዙዝ መሳርሒ ስዑዲ ብምዃኑ ነቲ ኲነታት ብዝያዳ ኣብ ሕልኽልኽ የእትዎ። ካብዚ ብምብጋስ ነቲ ኣከባቢ ኣብ ናይ ዳንተ ታሽዐይ ደረጃ ገሀነመ እሳት ክልውጦ ምኽአሉ ክንግንዘብ ዝግባእ ሓቂ ኢዩ። ኣብ ርእሲኡ ንሱዳን ረኤኹ ሸይጣን ረኤኹ ብዝብል ቅርሕንቲ ተንሲኡ ብምህላዉ ካብ ባዕሉ ምትንኳስ ሓሊፉ፡  ነቲ ዕዋላ ኣባሻውል መፋወዝ ኣዕራብ ዝኾነ ኢሳይያስ፡ ብምስራቕ ኣዋፊሩ ናይ ሱዳን ሰላምን ርግእትን ክዘርገሉ ይኽእል ኢዩ። ኣብዘን 30 ዐመት ወዲኒ ጉጅለ ህዝባዊ ግንባር ንሱዳን ኣሰንክዩ፡ ብተመሳሳሊ መንገዲ ንኢትዮጵያ ክፍጽሞ ዝሀቀኖ እንዳተባረቐ ስለ ዝበርዐኖ እነሆ ብብልዮናት ዝተገዝኤ ናይ ጥፍአት መሳርያ ዝተሓንገጡ ናይ ዱሑራት ዱሑራት ኣብ ኣፍደጊኡ ኣስፊርዎም ይርከብ። እዚ ካብ ጭቃ እንደገና ናብ ጭቃ ከም ምዝፋቕ ይቑጸር።

ብሱዑድያ ዝምወል እስላማዊ ጨንፈር ንኢትዮጵያ ከም ሓበላ ዐይኒ ዝርኢ ኮይኑ፡ እንተኾይንሉ ነቲ ሃገር ኣርዒሙ ሃይማኖታውን ኤኮኖምያዊ መኽሰብ ዝረኽበሉ መንገዲ ካብ ምፍሕታር ዐዲ ኣይወዐለን። ናይ ሱዑዲ ሰይጣናዊ ተግባርን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝጸንሔ ውጥንን ንምትግባር ድማ እነሆ ናይ ጎሓላሉ ቃል ኪዳን ከም ኣማራጺ ዘይብሉ ጉዳይ ቀሪቡ ይርከብ። ግርግር ለሌባ ያመቻል ይብሉ ኣምሓራ። ኤርትራ ብአተሓሳስባ ግዜያውያን መራሕቲ ሱዑዲ ይኹኑ፡ ብሂወት ብዘየለዉ መራሕቲ ሶርያን ዒራቕን ኣብቲ ኣከባቢ ከም ናይ ዳማ ጸጸር ተቖጺራ ሓንሳእ ሑሕ መበሊ ሓንሳእ መዋገይ ካብ ትኸውን ልዕሊ ፍርቂ ዘመን ኣቑጺራ ኢያ። እዚ ብሓደ ሸነኽ ከም ዉሁብ ዝተቖጽረ ናይ ኤርትራ ኣብቲ ዞባ እትጻወቶ ተራ ብኤርትራውያን ዩኒቨርሳል ዝኾነ  ኣረአእያ የሎን። ካብዚ ዝተላዕለ ኢዩ ድማ ዝኾነ ሀገራዊ መኸተ  ፍረ ኣልቦ ኮይኑ፡ ኣንጻር እቲ ቦጅባጅን ባዶሽ ዝኾነ ናይ ሳሕል ጋንግስተር ሓባራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ዘይተኻእለ።

እግዚኣብሄር ኣብ ምውቓር ዝርክብ ናይ ባንቡላታት ቃል ኪዳን የበርዕን። ንህዝቢ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኤርትራን ድማ ካብ ሰሪ መዐቱ ይሰውር።     


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...