ህዝቢ ኤርትራ ነፍስናን መሬትናን
ምርኣይ ምግጋይ ኴንና፡ ሎሚ ዘይነደርናስ መዓስ?!!!

ብዑቕባይ ገብረመድህን (ከምብሪጅ፡ ማሳቹሰትስ፡ ሰ.ኣ.)

ጥቅምቲ (October) 1: 2016

 

 እዚ ትርእዩዎ ባህሪያዊ  ስእሊ ምድሪ  መሬት ኤርትራ ኣይኮነን! ግዳይ ውዲት ፋሺስታዊ ውልቀመላኺ ኢሳያስን ባህሪያዊ ጸጋታት ሃገራት ሳልሳይ ዓለም ግሒጡ ምስ ወድኤ፡ ብዘይ ሓላፍነት የዕኒዩ ዝሃድም ባዕዳዊ ኩባንያን ዘስዕቦ ናይ ዘሎ ዕንወት ስእሊ`ዩ።

መሬት ኩሉ ኢያ!  ህዝባ ምስ ዝሕልዋን ዝከናኸናን፡ ወሃቢት ኩሉ ዓይነታት ጸጋኣ ኢያ፤ ኣይትጠልምን`ያ!   ኣደ ምድራዊ  ህይወት`ያ፤ ናብ መሬት ክሳብ ንምለስ፡ ኩሉ ንህይወትና ዘገልግለና ካብ መሬት ኢና እንደልዮ። መሬት ጸጋኣ ክትልግሰልካ ኸኣ ክንክን የድልያ። ጸጋ ዝናብን  ጥዑም ኣየርን  ዘኽእሉ ኣጋራብ ብኽብሪ  ክትከናኸኖም ይሓትት፤ ፈርያም ሃብቲ መሬት ከይብሕጐጕ በግራብን ሮማዲ ሳዕርን ኪዕቀብ ትገብሮ፡ ትዛልዮ።  ዋናኣ ምስ ሰኣነት፡ ከብዳ ምስ ተጓሕጐሐት ግን ካበይ ኣምጺኣ ክትልግስ!  እዚ ትርእዩዎ ምርኣይ ምግጋይ መሬት ክንደይ ጉድ ዝተራእየሉ፡ ክንደይ ኣበሳ ዝተፈጸመሉ ተካል መሬት`ዩ። ንረብሓ ዋናታት መሬት ኣብ ከብዱ ዝዓቘሮ ባህሪያዊ ጸጋ ወርቂ፡ ነቭሱን ዝተባህለ ናይ ካናዳ ካምፓኒ፡ ንኣካባቢያ ጥዕና  ኣብ ግምት ከየእተወ ብምፍሓር፡ 60% ናብ ጁባኡ፡ 40% ናብ ጁባ ፋሺስታዊ ውልቀመላኺ ኢሳያስ፡ 0% ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራን ምዕባለ ሃገርን፡ በስገዳድ ወፍሪ ባርነት፡ ኣብ ዓለም ዘይተራእየን ብሕጊ ክብሪ ወድሰብ ዓገብ ዘይተባህለሉን ኣብ ልዕሊ ህዝብን መሬትን  ናይ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒ መርኣያ ኢዩ። እዚ ትርእዩዎ ዘሎኹም ምርኣይ ምግጋይ ኮይኑ ዘሎ መሬት፡ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ንህዝቡ ዝዓቘሮ ባህሪያዊ ሃብቲ ወርቁ ተዘሚቱ፡ ንዘለዓለም ምስሉ ዝተደወነ፡ ዝከላኸለሉ ዝሰኣነ ዘኽታም  መሬትና ኢዩ።

ንመሬቱ ንልዕሊ ርብዒ ዘመን ዘይተኣደነ መስዋእቲ ከፊሉ ካብ ኢድ ባዕዲ ናጻ ዘውጽአ ህዝቢ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ትም ኢሉ ክዝመት፡ ካብዚ ንላዕሊ ዘነድር እንታይ ኩነታትን  መዓስን ኢዩ ክመጾ ዝጽበ?!  እቲ መሪር ሓቂ ግን፡ ኤርትራ ካብ ቃልሲ ንናጽነት ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ ከበሳን ቆላታትን ኣግራባ ብዘይ ንሕስያ በሪሱን ገና`ውን ከምዚ ኣብ ላዕሊ ንርእዮ ይበርስ ብምህላዉ፡ ንምድራበዳነት ቃልዕ ኮይና ምህላዋ ዘስደምምን ዘሕዝንን ኢዩ።

ጸጋ ሃገርካ ብባዕዳውያን ኪዝመትን መሬትካ ኪበርስን ከሎ ልዑል ነድሪ ከስዕብን መዕገቲ ኪትገብረሉ ዝግባእን ይኹን`ምበር፡ ካብኡ ንላዕሊ ከነድረና ዝግብኦ ከም ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ሓደ ፋሺስታዊ ውልቀመላኺን በጻብዕ ዝቝጸሩ ጃንዳታቱን ንጸንት እናሃለና ዘይመነድሪና ንዓለም ከይተረፈ ኣስደሚሙዎ ኣሎ። እንታይ`ዩ ጉድና!  ፍረ ናይ ብሓድነት ምቅላስ ናጽነት ምዃኑ ዝረኣየ ህዝቢ፡ ሎሚ ከመይ ኢሉ ኢዩ ብጫሌዳዊ  ፍልልያት ብፍቓዱ ተበታቲኑ ኪጸንት ዝፈቅድ?!  

          ባዕዳዊ መግዛእቲታት - ነታ ትንፋስ ምልኣት ህይወትን ማእለማ ዝተወሃሃደ ሕብረተሰብን ዝኾነት፣ መሰላትን ግቡኣትን ስድራ ቤታትን እንዳታትን ከም ማእዶ ጠሚራ ዝሓዘት፡ ብሰላም ትልለ ዓዲ ካብ ሱራ ኪምሕዉዋ ኣይፈተኑን። መግዛእቲ ኢትዮጵያ ከይተረፈ፡ ዓዲታት ምቅጻልን ብጃምላ ምቕታልን ይፍጽም እኳ እንተ ነበረ፡ ንሕብረተሰብ ባሕጒጉ ከጽንት ኣይፈተነን። ዘየናሕሲ ፖለቲካዊ መቕተልቲ እናፈጸመ፡ እሱራት ኪብጽሑ፣ ኣብ ቅድሚ ፍርዲ  ኪቐርቡ ዕድል ይህብ ኔሩ ኢዩ። ሎሚኸ? ንግሁድ ነገር እንታይ ምዝርዛር የድልዮ!

          ህዝቢ ኤርትራ መኣዝንና ስሒትና ኣብ ግጉይ መንገዲ ካብ ንጓዓዝ ብውሑዱ ልዕሊ ርብዒ ዘመን ሓሊፉና ኣሎ። ከም ህዝቢ ክልተ ናይ ጥፍኣትና ጠንቂ ንዝኾኑ ዝፈጸምናዮም ጉድለታት ንዘክር፡-

  1. ብፍቓድና ሕጋውን ባህሪያውን ስልጣን ህዝቢ ንውልቀመላኺ ሽፍታ ኣረኪብና ንፋሺስታዊ ስርዓት ኪስዕርር ጥጡሕሕሕሕሕ ሕ    ሕ ባይታ ፈጢርና ናይ ጥፍኣትናን ዕንወት ሃገርናን ጠንኪ ኴንና ምህላውና፡፤
  2. ንኺፍጠር ዕድል ዝሃብናዮ ፋሺስታዊ ስርዓት ብስሙር ህዝባዊ ድምጽን ሓይልን ኣልጊስና፡ ግዝኣተ ሕጊ ተኺልና ፍትሒ ዘውሕስ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ከይንተክል፡ ብውድበይ ውድብካ፣ ወገነይ ወገንካ፣ ሃይማኖተይ ሃይማኖትካ ወ.ዘ.ተ. - ኣብ ትርጉም ኣልቦን ሓደገይናን ጫሌዳዊ ዓዘቕቲ ምፍልላይ ጥሒልናን፣ ናይ እንታይ ገዲሱኒ ገበን ምፍጻምናን (Indifference is the greatest crime)  ንጸሊም ደመና ዕንወት ሃገርን ስቓይ ህዝብን ኪናዋሕ  ባዕልና ጠንቂ ንኸውን ምህላውና ኢዩ። እዚ ዝተጠቕሰ ክልቲኡ ዓበይቲ ጕድለታት ኢድ ባዕዲ ዘይብሉ ባዕልና ንሕተተሉ መልመስቲ ኢዩ። ድሕሪ`ቲ ንምሉእ ዓለም ዘገረመ ጽንዓትን ዓወትን ምዃኑ ከኣ ንምሉእ ዓለም ዳግም የገርም ኣሎ።

ነዚ መሪር ሓቂ፡ ንሓዋሩ ፍጹም ከይጸልመተ  ኪስቆረናን ክንበራበረሉን ይግብኣና። ካብ ጊዜ ቃልሲ ጀሚሩ ትርጉም ብረሃጽካ ምንባር ዘይፈልጥ ውልቀመላኺ፡ ብዘይ ንሕስያ ካብ ህዝቢ እናሸምጠጠን እናመንዘዐን ዓዲ ዝኣተወ፡ ናይ ተዅላ ባህሪኡ ኪቕርን ሓላዪ ህዝቢ ኪኸውንን ተጸቢናዮ። እንተ ኾነ - ወዲ ድሙ ነይገድፍ ግብረ እሙ - ከም ዝበሃል፡ ንሽፍታዊ ባህሪኡ ናብ ፋሺስትነት ብምዕዛዝ፡ ንግድን ሸቐጥን ማሕረስን ሽቕለትን ከልኪሉ፣ ንኣፍራዪ ጕልበትን መሃዚ ኣእምሮን መንእሰይ ብወፍሪ ባርነት ኣደንዚዙ፣ ናይ ትምህርትን ምዕባለን ምጽልማት ኣዊጁ፣ ኣብ ርእሲ`ቲ ብወለንትኡ ዝኣወጆ ተኻታታሊ ኣጽናቲ ኲናታት፡ ብዘይ ክስን ግቡእ ፍርድን ሰባት ምእሳርን ምጽናትን ዕለታዊ ህይወት ምግባሩ፣ ብኣልማማ ሃገር ብዘይ ፍቓድ ወረቐት ህዝባ ዘይንቀሳቐሰላ  ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ኮይና ኣላ። ከም ህዝቢ፡ ኣብ ዝሃለና ንሃሉ፡ ኣብዚ ህሞት`ዚ  ዘይነደርናን ምእንቲ ፍትሒ ብሓባር ቅልጽምና ዘየልዓልናን መዓስ ኢና ንህላዌና ክንበረበር?!!!

መሬት ፍጹም ከይጸልመተ፡   ብሓባር ብዕትበት ዘቲና መፍትሒ ክንረኽበሉ ሕቶ ቀጻልነት ከም ህዝብን ሃገርን ምህላውና ወይ ዘይምህላውና ኢዩ። ንዘይምህላዉ ዝመረጸ ህዝቢ ዓለም ቅድሚ ሕጂ ኣይተራእየን፤ ቀዳሞት ኤርትራውያን ኴንና ከይንረከብ ኣቲናዮ ዘለና ሃገራዊ ኣፈርክቡ  ክንበራበረሉ ዝግብኣና ህሞት ምዃኑ ዘከራኽር ኣይኮነን። እቲ ብዓለማዊ ተበግሶ ዝካየድ ዘሎ ህጹጽ ጻውዒት ህዝባዊ ምንቅስቓስ - ካብ ባይታ ክብገስ ዝግብኦ ናይ ህዝብን፡ ንህዝብን፡ ንህዝብን ሓባራዊ ቃልሲ መተካእታ ዘይብሉ ፍታሕ ሽግር ሃገር ምዃኑ ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ ዜጋ ዛጊት ተገንዚቡዎ ዘሎ ጉዳይ ኢዩ። እቲ ተሪፉ ዘሎ ዕማም ኣብ ግብሪ ምትርጓሙ ኢዩ።  እቲ ምንታይ፡ ትዝርብ ውዒልካ እንተ ሓደርካ፡  ኣብ መወዳእትኡ፡ እቲ ወሳኒ ግብርን ውጽኢትን ጥራይ ኢዩ። እዛ ሓላፍነት እዚኣ ኣፍጢጣ ካብ ትጥምተና ርብዒ ዘመን ሓሊፉና ኣሎሞ፡ ንዕዙዝ ጉዳይና ከም ዘይናትና ምርኣይ ይኣክል ንበሎ።

``እምነት ብዘይ ግብሪ፡ ጸሎት ብዘይ ፍቕሪ ኣይፈቱን ረቢ/ፈጣሪ።

ከምቲ ``ሓዊ ኣተወካ እንተ በልዎስ ደሓን ሳዕሪ ተኸዲነ`ለኹ`` ዝበለ ኣይንኹን።

``ኣሕዋት ምስ ዚሰምሩ፡ እንታይ ዘይገብሩ፣

``ኣሕዋት ምስ ዚጻልኡ፡ እንታይ ዘየጥፍኡ።`` 

ዝብል ልቦና ቀዳሞት ዘኪርና፡  ካብ ታሪኽናን እዋናዊ  ኩነታት ሃገርናን ተማሂርና፡ ንድሕነትና ንጠቐመሉ።

ፍትሒ ኪነግስ፡ ምልኪ ነልግስ!

ራህዋን ሰላምን ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!!

ቅዱስ ግብራዊ ዝኽሪ ንሰማእታት ሃገር!!!

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...