ኣብ ትሕቲ'ታ ሓንካስ ወንበር ጀነቫ ፍትሒ ፈሊሳ

ኣብ ኤርትራ ኣብ ዕጹው ማዕጾ ኣብ ሰብን ዓለምን ክርእዮ ኣይክእልን'ዩ ኣብ ዝበሃል ሸላታትን ጎዳጉድን መሰል ዜጋታት ንርብዒ ዘመን  ክገሃስ ጸኒሑስ ሎሚ ጸሓይ ሃሪምዎ ኣብ አደባባይ ምስ ወጸ፣ ህግደፍ ዕበጦ ዕበጦ ነቲ ንሱ ዝፈጸሞ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ተገልቢጡ  ንዓለም ከላግበላ ኣብ ከቢድ ዕዮ ተጸሚዱ ከም ዝቐነየ ተዓዚብናዮ። 

ብኣገላልጻ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ከበድ'ቲ ግህሰት ኣንጻር ሰብኣውነት ብጨካን ምሕደርኡ ዘይኮነ ብሕስድና ሕቡራት ሃገራት ከምዝተፈጸመ እዩ ዘመላኽት።

ነዚ ሓሶት'ዚ ሓቂ ከምዝኾነ ንዓለም ከርኢ ኸኣ ነቶም ግዳይ ዝኾኑ ህዝቡ እቲ ዓማጺኦም ንጹህ ከም ጲላጦስ ሙዃኑ መስክሩለይ ክብል ጎስጓስ አካይዱ።

ኮይኑ ግን እንትርፎ ብፎኪስ ምኽንያታት  ወጽዓ ህዝቦም ረሲዖም ምስኡ ሕግብግብ ዝብሉ ውሑዳት ኤርትራውያን እቶም ሰብ ሕልና ኤርትራውያን ገጽ ስለዝኸልእዎ ናብቶም ቀደም "ኣብዮት ወይ ሞት!! ናይ ምብራቕ ዓወት አብ ሰሜን'ውን ክድገም'ዩ!!" እናበሉ ብምፍካር ንህዝቢ ኤርትራ ብሓይሊ ኢትዮጵያዊ ዜግነት ከሰክሙ ዝሰርሑ ዝነበሩ። ህላውነት ኤርትራ ብፍጹም ዘይቅበሉ ወደብ ዓሰብ ክጎብጡ ሃህ ኢሎም ዝምቧህቑ ተረፍመረፍ ደርግ ኢሰፓ ንኸም በዓል ግንቦት ሸውዓተን አርበኞችን ኣኻኺቡ አብ ቅርዓት ጀነቫ ብምውጻእ ከይሓፈረ ረኣይዎም እቶም ናይ ብሓቂ ኤርትራውያን  እናበለ በታ ድምጺ ምልኪ እትፍኑ መደበር ተለቭዥኑ አቢሉ ፕሮፓጋንዳ ክሰርሕ ቀንዩ ኔሩ። 

ወዮ ውዕሎ ጀነቫ ህግደፍ ግን ከምቲ ኤሪ ቲቪ ልዕሊ ዓሰርተ ሽሕ ህዝቢ ዓሲሉ ዝበለቶ ዘይኮነ ፖሊስ ስዊዝ ከምዘፍለጥዎ ካብ ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ ሽሕ ጥራሕ ከምዝነበሩ ንኽፍለጥ ካልኢ ኣይወሰደን እቲ ዘሕፍር ከኣ እቲ ቁጽሪ ኩሉ ቁጽሪ ኤርትራውያን ዘይኮነ ተደመሮ ግንቦት ሸውዓተን ኣርቦኞችን ሙዃኑ እዩ። ከቢድ ክሳራ ሙዃኑ እዩ። 

እንሆ  ኸኣ ሎሚ ካብቶም ነቲ ዝነበረ ከምዘይነበረ ክጽብጽቡ ዝተላእኩ አባላት ሚኒስትሪ ዜና ሓደ ንህግደፍ ራሕሪሑ ዑቕባ ሓቲቱ'ሎ። እቲ ልዕሊ ዓሰርተ ሽሕ ዝተባህለ ቁጽሪ ግን ካብቲ ህግደፍ ዝወዓለሉ ቅርዓት ጀነቫ ድሕሪ ክልተ መዓልታት እዩ ተራእዩ። 

ልዕሊ ዓሰርተ ሽሕ መንእሰይ ጥራሕ! እቲ ግዳይ ዝኾነ እቲ ምድረበዳን ባሕርን ዝሰገረ አብ ኤርትራ ግፍዕታት ህግደፍ ዝረኣየ መንእሰይ። እዚ መንእሰይ'ዚ እቲ ንህግደፍ ብቐረባ ዝፈልጦ እዩ ንጎደናታት ጀነቫ ኸኣ ፍስስ ኢሉ ከ ማይ ንሓሰ ፈሲሱዎ። 

እዚ ጥራሕ መዓስ ኮይኑ ኣሽሓት'ውን ብእስራኤል ንህግደፍ ከቃልዑ ንግዳም ወጽዮም። ብተመሳሳሊ አብ ኢትዮጵያ እቶም ካብ ህግደፍ አምሊጦም ብሰናይ ፍቓድ ኢትዮጵያ ተዓቒቦም ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ምስክርነቶም ዓው ኢሎም ኣጋዊሖም። ህጣም ህግደፍ ንእለቱ ማይ ኮይኑ ተሪፉ። 

ህግደፍ ከቢድ ስዕረት ኣጋጢምዎ። እተን ንገበናት ህግደፍ ዝሰምዓ ሃገራት'ውን እተን ዝበዝሓ ነቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ተሰማሚዔናሉ። ህግደፍ ዝጭብጦን ዝሕዞን ጠፊእዎ ይርከብ። እሞ ኣብ ደገ ዝነበሮ ደገፍ ካብ ጠፈአ በብሓደ ሰብ ካብ ወሓደ ደኣ እንታይ እንተመሃዘ እዩ ዝሕሾ ህግደፍ? እወ ነቲ ኣብ ትሕቲኡ ዓፊኑ ሒዝዎ ዘሎ አማራጺ ዘይብሉ ህዝቢ ሎሚ ብሓሶት ተዘይመስኪርካለይ ብጥምየት ከጥፍኣካ እየ ክፖን ኣይክትረክብን ኢኻ ከም ከዳዕ ኢኻ ኪትሕሰብ ኢሉ ብኣስገዳድ ንመርማሪት ኮምሽን ንምቅዋም አብ ኤርትራ ሰላማዊ ሰልፊ ምድላው እዩ። 

ዝተጨነቐ እንታይ ዘይምህዝ ከም ገለ ዓለም እንተተታለለት ክፍትኖ ዝኽእል እንኮ ምርጫ እዩ ኮይኑ ግን ከም ቀደም ይመስለክን ውሕጅ ይመስለክን ከምዝበሃል ደለይቲ ፍትሕን ዓለም ነዚ ድሮ ዝነቕሕሉን ዝጽበይዎን ስለዝኾነ ከይተፈተነ ዝመኸነ ጉዳይ እዩ። ሎሚ ህግደፍ ነታ ሓንካስ ወንበር ጀነቫ ካልኣይቲ እግራ ቆሪጹ ፍትሒ ክቐብር እኳ እንተሓለነ ዓለምን ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያንን ግን ንወንበር ጀነቫ ብኣርባዕተ ኣእጋራ ደው ኢላ ንግዳያት ግህሰት ሰብኣውነት ህግደፍ ክትጸውር ምእንቲ ከቕንዕዋ እዮም።

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...