ኣብ ወርቃዊ እዮበል የራኽበና!

    “Any man who is not a socialist at age twenty has no heart. Any man who is still socialist at age forty has no head.” ማለት’ሲ Churchill, Clemenceau, Lloyd George (2, 69) ኢሎሞ ከም ዝበሃል፡ “ጎምበለ እንከሎ ንፍትሓውነት  ንቐደም-በሉ ዘይጣበቕ ልቢ’ብሉን፡ ማዩ ስትይ ምሰ’በለ ከምኣ ኢሉ ዝቕጽል ግን ኣእምሮ’ብሉን” ዝብል፡ ምስ ናይ ዕድመ ጸጋ ኣብ መድረኽ ኣረኣእያ ምንቅስቓስ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ክቕሰም ትጽቢት ዝግበረሉ ብስለትን ለውጥን ዝምጥን፡ ናይ ዓበይቲ ትዕዝብቲ፡ ኣብ መዛግብቲ ታሪኽ መሊኡ’ሎ እናተባህለ እንከሎ’ሲ፡ ክቡር ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብዛዕባ’ዚ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ስልጣኖም ሰፊኑ ዘሎ ስርዓተኣልቦነትን፡ ንርብዒ ዘመን ኣብ መዋእልና ወሪዱ ዘሎ ናይ ዓድን ዓውድን ብርሰትን ደሃይ ከም ዘይብሎም፡ ከምኡ’ውን ነቲ ቅድሚ ፍርቂ ዘመን ኣብ እዋን ጉብዝንኦም ዘማዕበልዎ ኣረኣእያ ምንቅስቓስ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ መመላእታ ዝኸውን ለውጢ ዛጊት  ወቓሕ ከምዘይበሎም መሲሎም’ዮም ብዛዕባ ጽምብል ብሩራዊ እዮበል ውጽኢት ቅዲ’መራርሓኦም ዮሃና ዝበሉ። እዚ ድማ ሕሰም ደኣ’ምበር ቀንዲ ረቛሒ ብቕዓት ናይ መሪሕነት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ዝድለብ ብስለት (ability to keep learning all the time) ምዃኑ መኣስ ጠፊእዎም።

 ንሱ ከይኣክል ድማ ቀደም ዘመን እንእኒ ንሶምን ናይ ዘርኢ ሓረጎምን ኢትዮጵያዊ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ማለት ብ1941 ዓ.ም. ክረሖ ዝነበሮ ማዕጾ ናይ ናጽነት ኣብ እዋኑ ስለዘይተራሕወ፡ 65,000 ብሉጻት ጀጋኑ ከፊልና ካብ ነርሕዎ 25 ዓመታት ተጸብጺቡ ተባሂሉስ፡ ብሩራዊ ኢዮበሉ ንምጽምባል ንዘዋደድዎ ታሪኻዊ መደረኦም፡ ኣብ ወርቃዊ ኢዮቤል የራኽበና  ብዝብል ድምዳመ ንትጽቢትናን ኣረኣእያ መጻኢ ዕድልናን ከም ኣመሎም ክቆጻጸርዎ ድሕር ከምዘይብሉ ኣነጺሮም። 

    ዋ! ከም ድፍረት ደኣ ኣይቆጸረለይ’ምበር ገለገለናስ ክቡር ፕረሲደንትና ደጊም’ሲ መንገዲ ጡረታኦም ኣጣጢሖም ምሰ’ባት ነብሶም ምእንቲ ክጸባጸቡ፡ ንእሱራት ምሕረት፡ ንሰብኣይ ሰበይቲ ንናእሽቱ ምስ ዓበይቲ ብባህልን ውግዕን ዘነባብር ሕገ መንግስቲ ኣዊጆም፡ ንወራስ-ዓራቶም ዝሕጸ በዓለ ቆጽሊ ምረጹ ይብሉና’ኾኑ ኣብ ዝብል መንገዲ ተስፋ እንከለና’ዩ እዚ ኣደራዕ’ዚ ዱብ ኢሉና። ከመይ ዝበለ ጉድ’ዩ ደቀይ! እሞ እቲ ብተመኩሮ ናይ 30 ዓመታት ዝምካሕ እንዳ ህዝባዊ ግምባር’ሲ ከም ካስትሮን ሙጋበን ዝዓለለ ህለለ መዋርዶ ናብ ዘይተቐረበሉ ናይ ስልጣን ገደል ኣዒንቱ ኣዓሚቱ ከምዝሰቐለ ኣብ ጽምብል ብሩራዊ እዮበል ብኣዋጅ ካብ ተመስከረ፡ መ’ዓር ኮነ! እሞ ከም’ዚ እናተባህለ ከኣ’ዩ ጣቕዒት ዝቐጸለ። ምናልባት ንንጽጽር ከም’ዚ ናትና ዝመስል ኣብነት ምሕዋስ ዝፍቀድ እንተኾነ፡ እዛ ትስዕብ እነሀትለ።

Chechnya’s leader, Ramzan Kadyrov  … discussing the preservation of Chechen tradition with a circle of ministers “A people who have lost their national dances, rhythm and music cease to be a nation,” he explained. (5, 74)

“Hardly a day passes in Grozny without a dance performance by a local troupe or an athletic competition featuring Chechen sportsman.” (5, 78)

     ናይ ትማሊ ትሕዝቶ ዝተዋዕለን ዝተፈጸመን ስለዝኾነ ብታሪኽ ዝዝከር ብዙሕ ከምዘለዎ ዘካትዕ ኣይኮነን። ካብኡ ሓሊፉ ግን “ብ1941 ክረሖ ዝነበሮ ማዕጾ ኣብ እዋኑ ስለዘይተራሕወ..” ብምባል ንጽምብል ብሩራዊ ኢዮበል ዝበቅዕ መደረ ምህንዳስ ዝድፈር እንተኾይኑ፡ ሓንሳብ’ሞ ክቡር ጎይታና፡ እሞ ብ1941 ናይ ናጽነት ማዕጾ እንተዝረሖ ኔሩኸ፡ እዛ ሕጂ በጺሖማ ዘለዉ መዓርግ ፕረሲደንትነት ንምብጻሕ ነታ ኣብ ጸልማት ኣብ በዓቲ ናይ ሳሕል ዝተጠቕሙላ መሳልል ናይ ምግዳል ትትክእ መሳልል፡ ብደሞክራስን ብምርጫን ትረኣዮም’ያ ማለት ድዩ? እወ እንተኾይኑ መልሶም .. ሃየ ሕራይ ብምርጫ ሽፋ’ግበረልኩም ክንብለኩም ስለንኽእል’ሲ ክሳብ ወርቃዊ እዮበል ዘተሓማሚ እንታይ ኣለና።  

    ክቡር ፕረሲደንትና፡ ሓቂ ምዝራብ ከም ነውሪ እንተዘይተቖጺሩ፡ ብ1941 ናይ ናጽነት ማዕጾ እንተዝረሖ ኔሩ’ሲ፡ ልክዕ ከም ሓፋሽ ሸቂልካ ደቅኻ ምዕባይን ዝሸምገሉ ስድራቤትካ ምንባይን፡ ወይ ድማ መንግስቲ ገንዘብካ ኣብ ባንኪ ምስ ገበቶ፡ ኣብ መኣዲ ስድራቤት ዝፍጠር ስሓቦ ጉተቶ፡ ከምኡ’ውን ምስ ስራሕ ምስኣን ዝኽሰት ዕንወትን ተስፋ ቁርጸትን ኣይምሰሓትዎን ኔሮም። 

  ናይ ብሩራዊ እዮበል ትሕዝቶ ምስ’ቲ መግዛእቲ ብንጽጽር ንዝጥምቶ፡ ክሳብ ሕጂ ጥልያን ወይ ድማ ደርጊ ኣብ ኤርትራ እንተዝጽንሕ ኔሩ’ኮ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎትን፡ ብስደትን፡ ባህልን ህዝብን ናይ ኤርትራ ብከም’ዚ ሕጂ ዝበርሶ ዘሎ ፍጥነት መዓስ ምበረሰ ኔሩ ምባል’ውን ምግናን ኣይክመስልን’ዩ። ግደ ሓቂ ግን ብ1941 ዘይተራሕወ ማዕጾ ንምርሓው ዝተኻየደ መሪር ቃልሲኮ 65,000 ጀጋኑ በሊዑስ ንስላዕኩምን ንስልጣንኩም ጥራይ እንዳኣሉ ኣሕሊፉ ሂቡና ዘሎ፡ ንሕማቕ መዓልቲ ዝኸውን ሕጊ’ኳ ዘይስወጦ።

ራእይ መራሕትና፡

    ስለዝኾነ ድማ እቲ ክሳብ ሕጂ መሸፈጢ ፍልስፍንኦም ኮይኑ ዘሎ ጉዳይ ሕድሪ ስዉኣት እናሓደረ ይቕላዕ ስለዘሎ ኣናብብኡ፡ እቲ ሓቁ 65,000 ብሉጻትን ጀጋኑን ዝተሰውኡ’ኮ ናብ’ዚ ሕጂ ዝረአ ዘሎ መልክዕ ናይ ናጽነት ንምብጻሕ ክሳብ ክንድኡ ዝኣክል ዋጋ ምኽፋል የድሊ ከምዝነበረ ዝሕብር ውሳነ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነስ፡ ውድቅትን ሕመቕን ራእይ ናይ መሪሕነትኩም ዝምስክር ሓቂ ከምዝኾነ’ዩ ዝገሃድ ዘሎ። ነዚ ሓቂ’ዚ ንምርግጋጽ ካልእ መርትዖ ምውሳኽ ዘየድሊ፡ ባዕሎም’ዮም ምስ ናጽነት ክገሃድ’ዩ ዝተባህለ “ሃንቀውታን ተበግሶታትን ምስ ክዉን ምዕባለ ኣይተጠዓዓመን” ክሳብ ምባል ዝበጽሑ። ስለ’ዚ እቲ ኹሉ ብስም ናጽነት ዝተሰብከ ራእይ መራሕትና ሕጂ ግልብጥ ኢልና ብዓይኒ ሕልናና እንክንርእዮ፡ እንተተዓዲልና እንነብረሉ፡ ምናልባት ምእንቲ ምዕቃቡ ዘድሊ እንተኾይኑ ድማ እንዋደቐሉ  እናተባህለሉ ከም ሃይማኖት ተኣሚኑሉስ ናይ ሕልሚ ግራት ከሕርሰና ተሓግዩ ዝተኸርመሉ ራእይ መራሕትና፡ ብህልኽ ዝዘቕበበበ ሸፈጥ ናይ ተበላለጽ’ዩ ኔሩ። ዝብላዕ ዘይብሉ። ብሓጺሩ ናይ ቃላት ፍልልይ እንተዘይኮይኑ ስማ ናይ ምድንጋር ሓይሉ (freedom intoxication) ካብ’ዚ ዝስዕብ ትዕዝብቲ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ናይ የመን ብዙሕ ዝርሕቕ መኣስ ኮይኑ፡ “Houthi fighters head to battle carrying charms, such as keys and visas to paradise.” (1, 52)  

ካብ በረኻ ነቒልና ናብ ገዛ ምስ በጻሕና።

   ምናልባት ከም’ዚ ኣብ ትሕቲ ስልጣን ፕረሲደንትና ዓድን ዓውድን ፋሕ ጨንገራሕ ዘብል ዘሎ ናይ ታሪኽ ዕጫና፡ ብለውጥን ምምሕያሽን ዝዕቀን ናይ ሕጂ ትሕዝቶ እንተዘይሃሊዩኸ ብናይ ትማሊ ውዕሎ ድዩ ወይስ ብናይ ጽባሕ ተስፋ’ዩ ጓይላ ዝድከር ዝመስል ምድንጋር መብርሂ ካብ ፕረሲደንት እናተጸበየ እንከሎ፡ ክቡር ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካበይ ነቒልና .... ኣበይ በጺሕና ከም ዘለና፡ ዝሕብር ዝመስል ሚዛናዊ ኣረኣእያኦም እንከግህዱ፡ ካብ በረኻ ነቒልና ናብ ገዛ ምስ በጻሕና፡ ምስ ስድራቤትና ምሕዋስ’ዩ ዕረ ጥዒሙና ክሳብ ምባል’ዮም ነቲ ዘረባ ኣንትዕ ዘየበልዎ’ምበር፡ ኣብ ቤተ መንግስቲ እንዳ ዝናን ባህታን ዝተሓልመ “ሃንቀውታን ተበግሶታትን ምስ ክዉን ምዕባለ ኣይተጠዓዓመን” ዝብል ሓቂ ከንጽፉሉ ስኽፍ ኣይበሎምን።   

     ክቡር ፕረሲደንትና ኣብ እዋኖም፡ ከመይ’ሉ ይቃጸል ከምዘሎ ናይ ናጽነት ትዕድልትና መኣስ ጠፊእዎም። “At 2pm in the tiny African state of Djibouti everything stops. As the sun burns high in the sky people retreat to their homes, save for a few men lying in the shade of colonial-era walkways, chewing qat leaves that bring on a hazy high. …. Yet its quite stability within the volatile Horn of Africa has made the country of just 875,000 people a hub for the world’s super powers. (3, 49)  ዝመስል እዋናዊ ምስክር ንጎድኒ ገዲፎም ክቡር ፕረሲደንትና፡ ንውድቀት ቅዲ’መራርሓኦም ከም ምኽንያት ዝበቅዕ ግዲ መሲሉዎም፡ “ምስ ምብትታን ሕብረት ሶቬት ዝሰዓበ ናብ ዕብዳን ዝቐረበ ዓንዳሪ ፖሊሲ ናይ ኣመሪካ” ከሳውሮ ዝጀመረ ነውጽን ህውከትን ቅልውላዋትን  ኣብ’ዚ ስትራተጅያዊ ዞባና ዘናኸሶ ናዕቢ ፈለማ ብሸነኽ ሓኒሽ ዝተኣጉደልና ሓዊ ንምጥፋእ ናይ ዓለም ቤትፍርዲ ክዳንየና’ኳ ጽቡቕ ፍቓድና እንተነበረ፡ ውጽኢቱ መዓንጣ ዘሕርር “ዘስደምም ፍርዲ’ዩ” ኔሩ ብምባል፡ ልክዕ ከም’ታ ኣብ ሳሕል እንከለዉ ዝነበረቶም ምስ እዋን ዘይትተዓጻጸፍ ናይ ሲጋፖር ጎንፊ፡ ሕጂ’ውን ከምኣ ኢሎም ከምዘለዉ ማለት’ሲ ኣብ ምንቅስቓስ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ዘለዎም ኣረኣእያ ክሳብ ክንደይ ዝኣክል ካብ ክዉንነት ከም ዝርሕቕ ንምንጽብራቕ ሕንኽ ኣይበሉን። “It is not the wisest nor the strongest species that survive but the ones most responsive to change.” Charles Darwin

ብሕጂኸ ናበይ ገጽና?

     ክቡር ፕረሲድነት  ምስኡ ኣልግብ ኣቢሎም መደረኦም እንክቕጽሉ’ሞ ንጽባሕ ናበይ ገጽና ንኸይድ ከምዘለና ንምትንባይ ዝመስል ሚዛኖም ንምንጽብራቕ እንክፍትኑ፡ ወዮ ናብ ዕብዳን ዝቐረበ ዓንዳሪ ፖሊሲ ናይ ኣመሪካ ብሰበብ ናይ ባድመ ካልእ ሓዊ ምስ ኣጎደልና “ብዝኾነ ሞጎት ዘይምኽነ ክሳራ ወሪዱ” ክብሉ ናይ ሻቕሎት ድዩ ናይ ጣዕሳ ወይ ድማ ናይ ንስሓ ምስ ዝመስል ኣበሃህላ፡ ድሕሪ ኲናት ናይ ባድመ ኣብ ኤርትራ ሰፊኑ ብዘሎ ኩነታት ከም ዝባህረሩ፡ ጽባሕ ትወልዶ ክሳብ ሕጂ ከምዘይተጋህደሎም ትንክፍ ኣቢሎም፡ ናብ’ቲ መን’ዩ ጎብለል ናይ’ዚ ዞባ ንምፍላይ ዝዓይነቱ ሰልሚ ናይ ትማሊ ህልኾም ምልስ ኢሎም፡ ርብዒ ዘመን ዝወሰደ “መኸተን ልምዓትን፡ ባህልን ቅርስን’ዩ” ክሳብ ምባል’ዮም ጨዲሮም።

ዒም ዝበለ ይተሓጎም!

    ባህሊ ዝተፈላለ ስርዕተ ክብርታት ዝጠምር፡  ዝውህለል ዝዕቀብ ዝውረስ ኮይኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ከም ሓደ ህዝቢ ካብ ግዜ ጥልያን ኣትሒዙ ዘማዕበሎ ባህሊ፡ ኣይጸዓድን፡ ኣይግዛእን ... ዝብል ከምዝኾነ ይውሱኹሉ’ሞ፡  ብምቕጻል ብትብዓት ብተወፋይነት ብጽንዓት ዝልካዕ ናይ ዝናን ባህታን ጎንፊ እንተዘይኮይኑ፡ ብሰላም ብቕሳነት፡ ብመውስቦ ብፍቕሪ፡ ብስድራቤት ብጎረቤት፡ ብእምነት ብሃይማኖት፡ ብንግዲ ብትምህርቲ፡ ብሕጊ ብዳኝነት፡ ብህንጸት ዓድን ዓውድን ዝልካዕ ባህሊ ዘለዎ ህዝቢ ንምርኣይ ከምዘይተጋደሉ ጥራይ ዘይኮነ ንቕድሚት’ውን ከምዘይሕልኑ ንምርግጋጽ ክሳብ ዝመስል፡ ዒም ዝበለ ይተሓጎም ብዝዓይነቱ ፈኸራ ኣብ ወርቃዊ እዮቤል የራኽበና ክብሉ’ዮም ዳሕዲሖም።

  ሓቆም’ዮም ክቡር ፕረሲደንት ባህሊ .. ዝውህለለ ዝዕቀብ ዝውረስ .... ምልክት ናይ ሕብረተሰብ’ዩ ክብሉ። እንተኾነ ግን ህዝቢ ኤርትራኮ ንርብዒ ዘመን ምስ ናጽነት ብባህልን ብሂወትን ይበርስ’ዩ ዘሎ። ምናልባት እቲ ካብ መልኣከ ሞት ናይ ባሕርን፡ ህቦቡላ ጸሓይ ናይ ምድረበዳታትን፡ መጥባሕቲ ልብን ኩላሊትን ናይ ሲናይ ኣምሊጡ ኣብ ስደት ዝዓልብ ዘሎ ህዝቢ፡ ከም ናይ ኤርትራውነት ተስፋ ኣምሲሉ ዘቕርብ ዓይነት ናይ ፖለቲካ እንተ’ልዩ ግን፡ ሓይልን ተራን ናይ’ቲ ዘጽልሎ ዘሎ ባህሊ ዝግብኦ ክብሪ ዘይህብ’ዩ። ስለ’ዚ ኣብ ደቂ’ቶም ብመዓልቲ ጽምብል ብሩራዊ እዮቤል ቀዳሞት ተመስገንቲ ኮይኖም ዝተጠቕሱ ብዶላር ሓሸሽቲ ዝምዕብል ዘሎ ለውጢ  ... ዝውህለል ዝዕቀብ ዝውረስ ... ኤርትራዊ ባህሊ ዘይኮነስ፡ ብኣካልን በ’እምሮን ካብ ዓዱን ዓውዱን ርሒቑ ዝቕየር ዘሎ ናይ ባህሊ ዓይነት’ዩ ምባል ዘካትዕ ኣይመስለንን።

ዓረብን ትግርኛን።

     እቲ ዝገርም፡ ክቡር ፕረሲደንትና፡ ባህሊ ዝውህለል ዝውረስ ዝዕቀብ ሃብቲ’ዩ’ኳ እንተበሉ፡ ሽዑ ሽዑ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ዝተጋህደ ፍጸመ ስለዘየስተበሃሉሉ ዘተዓዛዝብ’ዩ። ማለት’ሲ ኣብ ምኽፋት መደባት ጽምብል ብሩራዊ ኢዮበል ካብ ዝቐረበ ኣገባብ ንኣይ ዝገረመኒ፡ ቀዳማይ እቲ መደብ ንምጅማር ንዝኽረ ሰማእታት ሓፍ ንበል ዝብል ሓበሬታ፡ ካልኣይቲ ድማ ንኽብርን ዝኽርን ናይ ቃልሲ ካብ 15 ጥሪ ጀሚራ ኣብ ከባብታት ክትዘውር ዝወረሐትን ዝቐነየትን ሽግ ናብ’ዚ ናይ ኣኼባ ቦታ ትኣቱ’ላ ዝብል ስምዕታን፡ ቀዲሙ ብቛንቋ ዓረብ ቀጺሉ ድማ ብትግርኛ ምምሕልላፉ ሓደ ኮይኑ፡ ናይ’ቲ ጽምብል ቀዳሞት ተመስገንቲ ኮይኖም ብፕረሲደንት ዝተቖርሑ ድማ በዓል ዋርሳይ-ተስታይ ወይ ድማ በዓል ይከኣሎ ትሕዝቶኦም ኮቦሮ ዘይኮኑስ፡ ካብ ወጻኢ ነገድቲ ብዶላር ሓሸሽቲ ምንባሮም’ዩ።

    ከም ምሳለይ፡ እዚ ከም’ዚ ዝበለ ኣገባብ ናይ ቋንቋ ስርርዕ ዝተመርጸሉ ምኽንያት እንታይ ንምእንፋት ከምዝኾነ ንእዋን ዝግደፍ ክስተት’ዩ። እንተ ወርቃዊ እዮበል ግን ይሕመቕ ይጸብቕ ብዘየገድስ ደቂ እዋን ኣብ ዓዶምን ዓውዶምን ኣሳፊሖም ንሓድሕዶምን ምስ ዓለሞም ዝዋሱኡላ ጽምብል ይግበራ። ብሓፈሽኡ ድማ ክሳብ ሽዑ ነዚ ብህልኽ ኣነዶ ንስኻ ንመልኽ፡ ናይ ደቀ’ኮ’ሞ፡ ደቂ ሓውቦታት፡ መማህርቲ፡ መዓብይቲ፡ ደቂ ገዛውቲ፡ ዝዘቕበበ ፍልስፍና በዓል ፕረሲደንትና ንጉሕፈላ መድረኽ ለውጥን ዕርቅን ይግበራ።  ክቡር  ፕረሲደንትና ድማ ከም ሙጋበን ካስትሮን ዝመጣጠር 100 ዓመት ክረግጹዋ እንተኾይኑ ምስ ወ’ለዝጊ ህልኾም፡ ባዕሉ ይፍረዶም። ንሕና ናይ ሑሰን ሃብረ ወይ ድማ ናይ ገዳፊ ዝመስል መወዳእታ ዘይተመነናሎም። እንተ’ቲ ዝተፈጠሩሉ ባህሊ ምእንቲ ክኹስኮስ ክውረስ ክዕቀብ ሰናይ ፍቓዶም እንተኾይኑ ግን ምስ እንዳ መዓለቦ’ኦም ከመ’ዓልካ ነውሪ’ብሉን ኢሎም፡ ብናይ ትማሊ ጥፍኣት ብምጽጻት ምስ ህዝቦም ንምጽዋት በጃ ዝሕጸቡላ ወርቃዊ እዮበል ይግበራ።

ራህዋን ቅሳነትን ንህዝቢ ኤርትራ።

ዳንኤል ተ/ዮ ተኽለጊዮርጊስ (This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.)

መወከስታ፡

1.     The War in Yemen – The Economist 01/16/16

2.     Turned Around – The New Yorker 02/22/16

3.     Sharing the Nile – The Economist 01/16/16

4.     Everyone wants a piece of Djibouti. It’s all about bases – The Economist 04/09/16

5.     Putin’s Dragon – The New Yorker Feb 08 & 15, 2016


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...