ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፈ 4 ኣዋርሕ ናይ ባጤራ ናቕፋ ምቕያር ከምዝተገብረ ዳርጋ ኩሉ ተኸታቲልዎ’ዩ ክበሃል ይኽእል’ዩ።ህዝቢ ኸኣ፡ ኣብ ከቢድ ሽግርን መከራን ተሳቲሑ ምህላዉ፡ዕለታዊ ትዕዘቦ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ።

ባጤራ ናቕፋ “ንህበይ ከየተረፈ ኣይደናግራን’ዩ።” ዝብል ዘረባ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ፡ኣብ ባይታ ግብሪ ኣደናጋሪ ምንባሩ፣ብፍላይ ከኣ ንዓበይቲ ኣዚዩ ዘጸግም ባጤራ ከምዝነበረ፡ርዱእ ነገር እዩ።

ነዚ ጉድለታት ተቐቢልካ ኣብ ኽንዲ ምእራም፡ህዝቢ ይሸገር ምባል ግቡእ ስራሕ ኣይኮነን፣እንተኮነ ተዛራቢ እምበር ሰማዒ ኣብ ዘይብሉ መንግስትን ዉድብን ኣብ ግቡእ ግዜኡ ክእረምን ክዕረይን ኣይተገበርን።

ካብዚ ሓሊፉ ምንቁልቛል ዋጋ ባጤራ ናቕፋ መሬት ዘቢጡ ምጽንሑ ማንም ዝፈልጦ’ዩ።ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ልዕሊ ንቡር ክዘወር ዝጸንሐ፡ባጤራ ናቕፋ ገለ ፍታሕ ክግበረሉ፡ብዜጋታት ምሕጽንታን ጻውዒትን ክግበርዃ ተጸንሐ፡ከም ልማዱ ጸማም-እዝኒ እዩ ክወሃቦ ከምዝጸንሐ ዓዱ ብዕዱ ዝምስኽሮ ጉዳይ’ዩ።

ሕጂ፡ናቅፋ ክቕየር ምስ ተገብረ ኸኣ ዝተወስደ ስጉምታት ኮነ ዝተቀየሩ ፖሊስታት ንህይወትን ናብራን ህዝቢ፡ ኣብ ግምት ፈጺሙ ዘይእተወ ብሙኳኑ ማዕረ ክንደይ ብመረረ-መዘራረቢ ዛዕባ ኮይኑ ኣሎ።

ህዝቢ፡ናብ ባንኺ ክንዲ ዘእተወ፡ክወሃቦ ዝፍቐድ ዝተወሰነ መጠን ገንዘብ ምዃኑ ካብ ዝሕበር፡ብዙሕ ሜላታት ክጥቀም ግድን’ዩ ነይሩ።እቶም ገሊኦም ስጋብ ናይ ሓደ ሚሊዮን ዝግመት፡ ናይ ሞባይል ካርድ ዝዓደጉ፡እታ ዝበለጸት ሜላ ኮይና፡ ክንደይ ሰብ ክጥቐመላ ፈተነ ገይሩ እዩ።እዚ ኮይኑ ግና እዛ ሜላ ብዙሕ ሰብ ክጥቀመላ ምስ ጀመረ፡ኣብ ጥቃ ሲነማ ኦዲዮን ዝርከቡ ኣባላት ጸጥታ፡ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ብምምልካቶም ደው ክብል ተገይሩ’ዩ።

እቶም ኣብ ኢዶም ናይ ሓደ ሚሊዮን ናቕፋ ዝግመት ሞባይል ካርድ ዝዓደጉ ከኣ፡ ብቕልጡፍ ናብ ቴሌ ክመልስዎ ቐጢን ትእዛዝ ወሪድዎም እዩ።እዚ እንተዘይገይሮም ኸኣ፡ እቲ ካርድ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ከምዝከውን፡መመርሒ ብምውራዱ ክትፈሽልን ናብ ኣደዳ ክሳራ ከምዘሳጥሖምን ነበርቲ ከተማ ኣስመራን ከረንን ዘስደመመ ተግባር ሙዃኑ ፍሉጥ’ዩ።

እቶም ናይ ሓደ ሚሊዮን ዝኸውን፡ካርድ ኣውጺ’ኦም ዝነበሩ፡ ብጉያ ጉያ ናህሪ ስጋብ ካብ ሓንቲ ካርድ 30 ናቕፋ እናከሰሩ ክሸጥዎ ከምዝተር’ኣዩ፣ኣዚዮም ናብ ክሳራ ከምዝተሳጥሑ ካብ ማንም ዝኽወል ኣይኮነን።

ኣስቤዛታት ብፍላይ ሃለኽቲ ነገራት እምብዛ ዋጋ ቀኒሱ፡ነጋዶ ኣብ ከቢድ ክሳራ ብምስጥሖም፡ ኣብ ዝመጽእ ወቕቲ ከም ኮመድረ፡ሽጉርቲን ካልእን ዕዳጋ ብዘይምርካቡ፡ንዓመታ ዘፍርዮ ሓረስቶት ይህልው’ዶ ዝብል ዓቢ ስግኣት ተፈጢሩ ኣሎ።ኣብዚ ሒደት ኣዋርሕ ከም ነጋዶ ፍረታትን ኣሕምልትን ዳርጋ ዝከስረ ከምዘየለ፡ነበርቲ ከተማ ኣስመራ መዛረቢ ኮይኑ ከምዘሎ ይሕብሩ ኣለዉ።

ሓንቲ ኣደ፡ ኣብዚ ቐረባ ግዜ፡ ምስ ምውጻቕ ሓዲሽ ናቕፋ ተታሒዙ፡ ኣብ ማዓልታዊ ህይወተን ኣዝዩ ብምትንካፉ፡ ተማሪረን፡ “ናቕፋ፡ጉድ ገይርኽና…!” ኢለን ብምዝራበን ክእሰራ ክኢለን እየን።

እዘን ሰበይቲ ነዚ ዘረባ ምረት ክዛረባ ከለዋ፡ ኣብ ጥቕኣን ሓደ ሰብኣይ ጥራሕ ብምንባሮም፡መንግስቲ ዋላ ንዓበይቲ ሰባት ኣባላት ጸጥታ ወይ ከኣ እንዳ እዝኒ ቆጺሩ፡ ንከምዚ ዝዓይነቱ ዘረባታት ክእኽብን ዜጋታቱ ክኣስርን ምርኣዮም፡እቶም ተዓዘብቲ ይገልጹ።

እተን ኣደ፡ኣብ ከባቢ ካልኣይ መደበር ፖሊስ፡ነቲ ዘረባ ብምዝራበን፡ ኣብዚ ፖሊስ ጣብያ ከምዝተኣሰራ ብምጥቃስ ማዕረ ክንደይ ምቕያር ባጤራ ናቕፋ ህይወት ከተማ ኣስመራ፡ከምዝደወኖ ወሲኮም የረድኡ።

ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኸኣ፡ ንናቕፋ ከማርራ ዝተሰምዓ ኣደ፡ብመጠንቐቕታ ከምዝተሓልፋ ሓበሬታ ኣሎ።

“ናቕፋ፡ ጉድ ገይራትና…!” ዝብል ዘረባ ኣብ ገለ ገለ ኣባላት ኣገልግሎት ዝውትርቲ ዘረባ ኮይና ከምዘላ ዝዛረቡ ደቂ ኣስመራ፡ሓደ ሰብ፡ዝተፈላለየ ስርሓውቲ ኣስሪሑ፡ ንዝተፈላለዩ ሰባት፡ ናይ ገንዘብ ሕሳቦም ብመልኽዕ፡’ቼኽ’ ጽሒፉ እንተሂብዎም፡እቲ ቐዳማይ ናብ ባንኺ ዝበጽሐ ገንዘቡ ምስ ወሰደ፡እቶም ካልኦት ከኣ ሓደ ድሕሪ እቲ ሓደ፡ወርሒ መጸ ክወስዱ፡እቲ መስርሕ ሓዲሽ መምርሒ ይውስኖ ብምዃኑ፡ዘድልየካ ናይ ስራሕ ገንዘብካ ከይተረፈ፡ንኽትረክቦ ኣዋርሕ ክትጽበይ ዝገበር፣ኣዚዩ ንማሕበረ-ቁጠባዊ ህይወት ህዝቢ ዘናግዐ፡ንህዝቢ ዘይሓልይ፡ስራሕ በተኹ ከምዝኮነ ኣምሪሮም ይዛረቡ እዮም።

ናቕፋ፡መጠን ሸርፉ ምስ ዶላር ኣዚዩ ክቐራረብ ብምግባሩ፡ገለ ገለ የውሃት መጠን ሸርፊ ናቕፋ ዝሓየለ ዝመስሎም ከምዝለዉ ዝተዓዘበ ሰብ ካብ ምግራም ሓሊፉ ዝገብሮ የብሉን’ዩ።

ናቅፋ፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ ኣብ ባንኺን ኣብ ጸሊም ዕዳጋን ዳርጋ ተመጣጣኒ መጠነ ሸርፊ ሒዛ ብምህላዋ፡ኣብ ህዝቢ መካትዒ ዛዕባ ኮይኑ ምህላዉ ዝፍለጥ’ዩ።

እዚ ጉዳይ እዚ፡ነቲ ዝነበረ ሰፊሕ ጋግ ናይ ሸርፊ፡ ኣብ ባንኽን ኣብ ጸሊም ዕዳጋን ክወርድ ገይሩ ኣሎ።እንተኮነ እዚ ምእዙዝ ፖሊሲ ቁጠባ ብሰብ ሞያ ዝተውሃቦ መብርህን መረዳእታን ብዘይምህላዉ፡ገለገለ እዚ ፖሊሲ፡ከም እወንታዊ ለውጢ፡ ኣብ ዕቤት ቈጠባ ኤርትራ ገይሮም ክዛረብሉን ካድረታት ህግደፍ ናብ ፖሊቲካዊ ረብሓ ክጥቐምሉን ይረኣዩ ምህላዎም፣ሓቂ መሲልዎም ምርግጋእ ዕዳጋ፡ክጽበዩ ዝጸንሑ ኣካላት ሕብረተሰብ፡ዕዳጋ ክውስኽን ኩላ ከም ኣፍ ዑንቒ ክትጸብብን መዓልታዊ ተርእዮ ኮይንዎም ከምዘሎ እቲ ሓበሬታ የመልኽት።

እዚ ሓዲሽ ናቕፋ፡ካብ ዝመጽእ ኣትሒዙ ብዙሕ ተእዮታት ኣሎ’ዩ።ሓደ ብዙሕ መጠን ገንዘብ ዘለዎ ሰብ፡ወይ ነጋዳይ ንበሎ።ሓደ ሚሊዮን ዝከውን ገንዘብ ናብ ባንኪ እንተ የእትዩ።እተን ንሓደ ሰብ ዝግብኦኦ ጥራሕ ሒዙ ክወጽእ እዩ እቲ መምርሒ ዝእውጅ፡ነዚ መፍትሒ ከኣ፡ ንኣዝማድካን ፈለጥኻን ገንዘብ ዘይብሎም ዝበሃሉ ዘበሉ፡ዝተወሰነ ገንዘብ እናሓሰብካ ወይ እናከፈልካ፡ ኣብ ንጥፈታት ክትእትዎም ትግደድ።

በዚ መንገዲ ከኣ፡ክልተ ወይ ሰለስተ ሚኢቲ ወይ ብስምምዕ ካብቲ ዘለካ ብርኽት ዝበለ ገንዘብ፡ከም መጠን እትዋትካ፡መጠን ግብኣትካ ከተዕብይ ምርኣይ ዝውትር ዕዮ ኮይኑ ነይሩ እዩ።

ሰብ ገዛ ክራይ ከኣ፡እቲ ሕሳብ ገዛ ኽራይ ናብ ዞባ ወይ ባንኺ ባዕሎም ክእትዉ ብምእዛዙ እቲ ሓድሽ መምርሒ ንገለ ካብ ገጽ ኣካራይ ብምርሓቆም ባህታ ዝፈጠሮም ከምዝለዉ፣እቶም ኣብዝሓ ከኣ ዘይለመድዎን ዘይተቀበልዎን ኣሰራርሓ ብምዃኑ፡ከንጸርጽሩ ይውዕሉ ምህላዎም፡ዕለታዊ ምንጽርጻር ፈጢሩ ዘሎ ጉዳይ’ዩ።

እሞ፡ “ናቕፋ፡ጉድ ገይራትና…!” ዘይኮነሲ፡ህግደፍ ጉድ ገይሩና ምባል ከምዝሓይሽ፡ነዚ ሓበሬታ ዝሃቡ መንእሰያት ኣስመራ፡ብምረት ይዛረቡ ኣለዉ።

ስለዚ፡ነዚ ኣብ ዝባኝ ህዝቢ ኤርትራ፡ተጻዒኑ ዘሎ፡መኸራን ሽግራትን ንምእላይ፡ፈጣሪ ጉድ ህግደፍ ብምእላይ መገድና፡ነቕንዓዮ!


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...