ክራር፡ኣዚያ ፍትውን ህብብትን መሳርሒት ሙዚቃ ከምዝኮነት ርዱእ ነገር እዩ። ክራር መዓስ እዩ ብዕሊ ጀሚሩ ዝብል ንጹር መልሲ ክትረክበሉ ዘጸገም ኮይኑ ጸኒሑን ኣሎን።ክርራ ንክትምዕብልን ብ’ኤለትሪክ ክትሰርሕ ካብ ትጅምር ፍርቂ ዘመን ዝከውን ከምዘይገበረት ሰብ ሞያ ይዛረቡ ኣዮም።እዛ መሳርሒት ሙዚቃ ንሰማዕታ ትርግታ ልቢ ትሃርም፣ህርመታ ሓያል ስምዒት ዝፈጥር ሙኳኑ ብዙሓት ይገልጹ እዮም።

ብዛዕባ ኣፈጣጥራን ምዕባለን ክራር፡ ንጹርን ዘተ’ኣማምንን ነጥቢ ዘይሙዃና ይዝረብ እዩ።ገለገለ ጸሓፍትን ኣብ ሙዚቃ ዝነጥፉን፡ ክራር ኣብ ኢትዮጵያ’ያ ተፈጢራ ዝብሉ ኣለዉ።ገለ’ውን ኣብ ትግራይ’ያ ንመጀመርታ ክራር ከም መሳርሒት ሙዚቃ ዝተፈልጠት ዝብሉ ኣለዉ ኣዮም።ኣብ ኤርትራ’ያ ተፈጢራን ማዕቢላን ዝብሉ ተኮነ ኣይሰ’ኣንን እዩ።

ክራር ኣብ ምድረ ሓበሻ ዓቢ ግደ ትጻወት ዕዝዝቲ መሳርሒት ሙዚቃ ሙዃና ኣየጠራጥርን እዩ።ክራርን ንክራርን ኣድሂቡ ፍሉይ መጽናዕቲ ተገይሩ ዝብል ሓበሬታ ዳርጋ የልቦን።ኣብራሃም ኣፈወርቂ ፈተነታት መጽናዕቲ ይገብር ምንባሩ ይፈልጥ እዩ።መምህር ተወልደ ረዳ ተኮነ ናይ ባዕሎም ዕላዊ ዘይኮነ መጽናዕቲ ከምዝገበሩ መሰካኽር ትረኽበሉ ኣጋጣሚታት እዩ።ብትካል ደርጃ ወይ ብዝተወደበን ስሩዑን ኣገባብ ግና ጥሉል ሓበሬታ ኣይተረኽበን ኣሎ።

ክራር፡ ኣብዚ 100 ዓመት ምስ መግዛእቲ ጥልያን እያ ተቀላቂላን ማዕቢላን ዝብሉ ብዙሓት ኣለዉ።ክራር ምስ ማኅሌታይ ያረድ ዘተ’ኣሳስርዎ ኣይሰ’ኣኑን እዮም።እዚ ኩሉ ግምታትን ሓሳባትን ብጭቡጥ ዉርጹው ሓበሬታ ክትብሎ ዘጸግም እዩ።

እሞ ንታሪኽን ኣመጻጻኣን ኮነ ኣመዓባብላ ክራር እቶም ዝመራመሩን፡ ኣብ መስርሕ መጽናዕቲ ከምዘለዉ ዝግለጽ ገለ ሒደት ግዱሳት፡ ኣብ ሓደ ምዕራፍ ምስ በጽሑ ሓቢርና ንርእዮ ይከውን እዩ፣ንሕጂ ግና ገለ ኣብ ክራር ኣድሂቡ ክዝረብ ከሎ፡ ዝለዓል ዛዕባታት ኣድሂብና ክንተናክፍ እፈቱ።

ጸሃይቱ በራኺ

ኣብ ከተማ ኣስመራ ክራር ብምህራም ወይ ብምውቃዕ ዝፍለጣ ሒደት ደቂ ኣንስትዮ ኣለዋ እየን።ንገሊኤን ንምጥቃስ ዝ’ኣኽል፡ጸሃይቱ በራኺ፡ኣምለሰት ኣባይ፡ተበርህ ተስፋሁነኝ፡ኣበባ ኣስፍሃን ቢሻት ገብረስላሴን ብዙሕ ሳዕ ካብ ዝለዓላ እየን።

እንተኮነ ኣብ ግዜ ኃይለስላሴ ብርኽት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ክራር ይወቕ’ዓ ምንባረን ብዓበይቲ ይዝረብ እዩ።ኣብ ከባቢ ኪዳነምሕረት ካብ ዓሠርተ ዘይበዝሓ ክራር ዝሃርማ/ዝወቕ’ዓ ምንባረን ይዕለል እዩ።ኣቦይ ሓጎስ 7 ዝኮና ክራር ዝወቕዓ ነይረን እየን፣ ብምኽንያት ሓዳርን ጽዕንቶ ባህልን ኮነ ካልእ ምኽኒያታት ከምዝሓደግ’ኦ ይዝንትዉ እዮም።

ካል’ኦት’ውን ኣብ ኣባሻውል ምስቲ ዕሙር መራከቢ ዝተፈላለዩ ሰባትን ዕዳጋን ከም ምዃኑን ስመን ኣዚዩ ስለ ዝጎልሐን እምበር ንፉዓት ክራር ተጻወቲ ነይረን እየን ዝብሉ ብርኽት ዝበሉ ኣድነቕቲ ሙዚቃ ትዕዘብ ኢካ።ገሊ’ኦም ከኣ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክራር ኣቀዲመን ዝጻወታ ነይነር እየን ኢሎም ዝምጉቱ ኣለዉ እዮም።ኣብ መቐለ ኮነ ኣብ ዓድዋ ቕድሚ ኣብ ኣስመራ ዝነብራ ተጻወቲ ክራር ነይረን ኢሎም ዝከራኸሩ ኣለዉ እዮም።

ኣብ ኣስመራ ካብ ዝነበራ ከረርቲ ወይ ክራር ተጻወቲ ከም እኒ ትዕበ፣ፋንታየ፣ስላስ ማርቆስ፣ንግስቲ ሃብተን ካል’ኦትን ብዙሕ ኣብ ታሪኽ ከረርቲ ዘይዝረበለን እየን።

ኣብዝሓ ምስ ሓዳርን ካልእ ባዕላዊ ምኽኒያትን ጸቕትን ዝገደፎ እየን።ን’ኣብነት ከራሪት ትዕበ፡ ንነዊሕ እዋን ክራር ምጽዋት ገዲፋቶ ብምጽናሕ፡ ኣብ ሓደ እንዳ ፈታዊ ኣብ ዝነበረ ዉራይ፡ ኣብ ሓድሽ ዓዲ፡ ሰብ ስጋብ ዝጽለል ክራር ተጻዊታ ምንባራ ሰብ ዉራይ ይዝኽሩዋ እዮም።እዚ ኣብ 1998 ወርሒ ግንቦት ኣብ ዝነበረ ዉራይ፡ብፍላይ ኣብ ሓማውቲ ናይ ባዕላ ፍሉይ ቅኒት ቃኒያ ንባህጊ ባህልን ክራርን ዘለዎ ስጋብ ሎሚ ዘይርሳዕ ግደ ገይራ እያ።

ኣደይ ኣለማሽ ‘ኣደ ድምጻዊ ኣብራሃም ገብረመድህን’ ተኮና ኣብ ግዜ ኃይለስላሴ መሓዛ ጸሃይቱ በራኺ ብምንባረን ንክራር ዝገበራ ዝነበራ ደቂ ዕዳጋ ሓሙስ ዘኺሮም ኣይጸግብዎን እዮም።ኣደይ ኣለማሽ ተኮና ዋላ ብትእዛዝ በዓል ቤተን ክራር ምጽዋት ተሓደግ’ኦ ኣብ ዕላል ክዝክር’ኦ ከለዋ ኣብ ሰልሚ እየን ዝሽመማ፣ፍቅሪ ክራር ኣዚዩ ሓያል ምንባሩ የዕልላ እየን።

ናይ በዓል ጸሃይቱ፣ኣምለሰት ኣባይ፣ተበርህ ተስፋሁነኝ ዳርጋ ዝበዝሕ ሰብ ስለዝፈልጦ ኣብዚ ብዙሕ ኣተኽሮ ኣይተገብረሉን ኣሎ ኣብዚ ጽሑፍ እዚ።ናይ ከራሪት ኣበባ ኣስፍሃ ኣብ ኪዳነ ምሕረት ኮይና ትጻወቶ ዝነበረት ማንም ወዲ ኣስመራ ኣብቲ ግዜ እቲ ዘይርስዖ እዩ።

ናይ ብሻት ምስ ክራር ብዙሕ ተጓንፎታት ኣለዋ እዩ።”ንዲያቖን እገለ ዝተብሃለ…” ስሙ ኣድላይነት ዘይብሉ ዘጋገየት ምዃና ዝዝኽርዎ ፍቕዲ የብሎምን።

ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝበዝሕ ከተማታት ብፍላይ ክራር ምህራምም ዳርጋ ከም ባህሊ ዝውትር ዝነበሩ ዉዕዉዕ ግዜ ነይሩ እዩ።ሓደ ፍሉይ ኣብነት ኸኣ፡ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብ ኣርባዕተ ኣስመራ እዩ።ኣብ ኣርባዕተ ኣስመራ ኣመና ብዙሓት ክራር ዝጻወቱ ነይሮም እዮም።እዞም በብገዛውቶም ሓውሲ ማይ ቤት ናይ ገዛውቲ ፈሊዮም ዝጻወቱ ዝነበሩ፡ንሓንቲ ጓል ኣምለሱ ትበሃል ጓል ኣንስተይቲ ክትፈርይ ባብ ኣርሕዮም ምንባሮም ደቂ ኣርባዕተ ዘውኽዕዎ ተዘኽሮ ክራርን ከረርትን እዩ።

ኣስናቀች ወርቁ

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ክራር ብምጽዋት ኣዚየን ዝፍለጣ ዝነበራ ኣስናቀች ወርቁን መሪየን ተጠቀስቲ እየን።ከም እኒ “ኣራዳ፣ኣረ መላ፡መላ” ዝብላ ብምድራፍ ትፍለጥ ህብብቲ ከራሪት ኣስናቀች፡ካብ 1940ታት ኣትሒዛ ክራር ክትጻወት ምጅማራ ድርሳነ ታሪካ ይሕብሩ እዮም።ዶክተር ሄራን ሰረቀብርሃን ኣብ ዝገበረቶ ቓለ-መጠይቕ፡ኣስናቀች ሓንቲ መዓልቲ ተኮነት ንነብሳ ከም ደራፊት ወይ ከም ስነ ጥበባዊት ከይረኣየታ ምሕላፋ ማዕረ ክንደይ ኣብ ስነ ጥበብ ዕዙዝ ተራ ተጻዊታ ክነሳ ንነብሳ ከም መሕለፊ ግዜን መሐደስን ጥራይ ከም ትጻውት ትጥምታ ምንባራ ብ’ኣንኽሮ ዘኺራታ እያ።

ኣስናቀች ወርቁ ካብ 1931-2011 ብህይወት ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ ከም ኣዚያ ዉፍይትን ህብብትን ከራሪት እያ ብዝበዝሕ ሰብ ትፍለጥ ነይራ።ናይ ወርቁ፡ ከኣ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዛ ክራር ትጻወት ዝነበረት ከራሪት እያ።

ኣብ ዓድዋ ከኣ፡ኣብቲ ጥልያን ን’ኢትዮጵያ ካብ 1936-1941፡ ኣብ ዝነበርሉ ግዜ፡ኣሰፋሽ ገብርየ ዝተብሃለት ኣዚያ ክራር ትጻወት ነይራ እያ።እዛ ከራሪት፡ ኣብቲ ጥልያን ዓሪድሉ ዝነበረ ፎርቶ ‘እንዳ ጊዮርጊስ’ ዓድዋ ክራር ግርም ገይራ ተጻውታ ምንባራ ቅድሚ 50 ሓፍተን ዘዕለል’ኦ ዘኪሮም ዝሙግቱ ኣለዉ እዮም።

ኣደይ ኣሰፋሽ ገብሪየ ኣደ ቴፍሎስ በራኺ እየን።/ቴፍሎስ በራኺ ከኣ መማህርትን መቕርብን ፕረሲደንት ኢሳይያሳ ኣፈወርቅን ዶክተር ጋይም ክብረ’ኣብን ካል’ኦትን ምንባሩ ኣብ ቤት ትምህርቲ ልዑል መኮነን ምንባሩ ይፍለጥ።/ እዚ ታሪኽ ናይ ኣደይ ኣሰፋሽ፡ “ወርሒ ወጸት ሰለል ንዓደየ” ተባሂሉ ቃልሲ ኣብ ዝተበራረበርሉ ወቕቲ ቕድሚ 50 ዓመት፡ኣደይ ለምለም ገብሪየ ከራሪት ኣሰፋሽ ኣብ ዘነበረቶ ዘዋግዐዖ እዩ፣ሎሚ የዕሩኽ ቴፍሎስ በራኺ ንክራርን ከረርትን ኣድሂቦም ዘኺሮም ዘዕልልዎ ዘለዉ።

ኣቦይ ሰይፉ ታፈረ ከኣ ከም በዓል ሞያ ሕግን ፈላጥ ታሪኽን፡ኮነ ኣብ ባህሊ ዝግደሱ ወከፍ ኸኣ፡ ኣብ 1948 ኣብ ከተማ መቐለ፡ተፈታዊት ካሣ ዝተብሃለት ጓል ኣውራጃ ዓጋመ፡ኣብ ጥቃ ድፍ’ኦ ኮይና ክራር ሕርሕራይ ገይራ ትወቕዕ ምንባራ ይዝኽሩ እዮም።ድምጻ ኣዚዩ ፍሉይን ደስ ዝብልን ምንባሩ፣ተመሲጦም ክሰምዕዋ ይቕሰቡ ምንባሮም ይዝክሩ እዮም።ንሶም ብተወስኺ፡ኣብ ዓድዋን ኣብ ኣክሱምን እናተመላለሰት ክራር ትጻወት ዝነበረት ከበደሽ ትበሃል ምንባር ይዝኽሩ እዮም።ግዚ’ኡ ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ናይ ከራሪት ተፈታዊት እዩ።

ናይ እኒ ጸሃይቱ፡ኣምለሰት ኮነ ተበርህ ግዜ ድሕሪ 50ታት ብፍላይ ዝፍለጣሉ ከም ከረርቲ ኣብ 60ታት እዩ፣ስለዚ ጀመርቲ ከረርቲ ዘብለን ኣይኮነን ዝብሉ ተማጎቲ ኣለዉ እዮም።እዚ ከምዚ ዓይነት ሞጎትን ክርክርን ኣብ ጭብጥን መርትዖን ተኮይኑ፡ታሪኽ ንክስነድ ወሳንን ቐላስን ተራ ከምዝለዎ ዘካትዕ ኣይኮነን።እዚ ክንድዚ ክንዲ ዝኮነ ኩሉና ነነፈልጦ እናጸሓፍና እጃምና ከነበርኽት ይግባእ ኮይኑ እስመዓኒ፣እቲ ምንታይ “ታሪኹ ዘይዕቕብ ሕዝቢ መንነቱ ኣይዕቅብን እዩ።” ዝበሃል ኣበሃህላ ኣብ ቦት’ኡ ምህላው ንቡር ምዃኑ እዩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ዘለዋ ከረርቲ ኣዚየን ነፊዐን ን’ኡድ ተራን ይጻወታ ምህላወን ፍሉጥ እዩ፣እንተኮነ ብ’ኣግባቡ ዝተሰረተ ታሪኽ ወይ መዝገብ ብዘይምህላዉ ገና ኣዚዩ ኣካታዒ ይከውን ምህላዉ ጉሁድ ሓቂ እዩ።ን’ኣብነት ስነ ጥበባዊት ኣብርሀት ብርሃነ ከራሪት እያ፣እንተላይ ጭራዋጣ ካብ ዝጻወታ ደቂ ኣንስትዮ ሓንቲ እያ።

ኣብርሀት ብርሃነ፡ ሰንድ ወይ መዝገብ ታሪኽ ብዘይምህላው፡ሓደ ግዜ ኣብ ቃለመጠይቕ፡ ኣብ ምጽዋት ጭራዋጣ ‘መሰንቆ’ ፈላሚት ምዃና ብምዝራባ፡ከመቕጽበት ካብ ዓዲ ጥልያን ስልኺ ተወቒዑ ‘ተደዊሉ’ ርእይቶ ተዋሂብዎ እዩ።እዚ ናይ ኣብርሀት ጥራይ ጌጋ ወይ ጎደሎ ኣይኮነን ናይ ኩሉና ድኽመት እዩ፣ምኽኒያቱ ሰነድ ተዝህልወና ወይ ብጽሑፍ ዝሰፈረ ታሪኽ ተዝነብር ኣምበ ኣይምስተጋገየትን ነይራ ክብሉ ተዓዘብቲ እቲ ቓለመጠይቕ የተሓሳስቡ እዮም።

ብስራት ኣረጋይ ከም ስነ ጥበባዊት ኣብርሀት ብርሃነ ንክራርን ጭራዋጣን ከም ባህታ ልባ ትጻወተሉ ተስፋ ዘለዋ ስነ ጥበባዊት ከምዝኮነት እልቢ ዘይብሎም ተዓዘብቲ ዝገልጽዎ እዩ።ብስራት ኣረጋይ ተኮነ ከም ተጻዋቲት ጭራ ዋጣ ኮነ ክራር ቕድሚኣ በዓል መን ባህላዊ መሳርሒ ሙዚቃ ይጻወታ ምንባረን ኮነ ክልቲኡ መሳርሒ ሙዚቃ ክጻወቱ ዝኽእሉ ዝነበሩ ብዕሊ ከምዘይትፈልጥ ንመቕርባ ተጻወቲ ጭራዋጣ ከምትዕልል፡ዝዛረቡ ስነ ጥበባዊያን ኣይሰ’ኣኑን እዮም።

ኣብ ደቂ ተባዕትዮካብ ደቂ ኣንስትዮ ንላዕሊ ብቁጽርን ብብቓትን ፍቅዲ ዘይብሎም ከረርቲ ከምዝለው ፍሉጥ ነገር እዩ።ኣብ ጉዳይ ደቂተባዕትዮ ዝለዓል ብዙሕ ሕቶታት ኣለዉ እዮም፣ኣብ ቦት’ኡ ክንድህስሶ ኢና።

ኣብራሃም ኣፈወርቒ

ንክራር ኣዚዩ ዘማዕበላ ኣብራሃም ኣፈወርቒ እዩ፣እንተኮነ ዝጽውዓሉ ነጸረ’ኣብ እዩ ዝብሉ ኣድነቅቲ ሙዚቓ ኣለዉ።ብ’ኣንጻሩ ንክራር ዘመናዊት ክትከውን ገዚፍ እጃም ዝገበረን ዝፈለመን መምህር ተወልደ ረዳ እዩ ዝብሉ ብርኽት ዝበሉ ኣለዉ እዮም።

ክራር 9 ስልኪ ወይ ኣውታር ገይሩ ክጻወት ዝጀመረ ዳዊት ሽላን ምዃኑ ይዛረብ እዩ፣ግና ኣማኑኤል ኤልያስ ኣብ 1979 ካብ ዕዳጋ ሓሙስ 9 ስልኺ ዘለወን ክራራት ኣዚዙ ከምዘስርሐን ክጻወት ሒለት ለይትን ቀትርን ይብል ምንባሩ ኣቦይ ወልደስላሴ ኣሕሚሞም ይዝኽሩን ወዲ ኤልያስ ብሕይወት ተዝህሉ ሙዚቃ ኣበይ ደረጃ ምስ በጽሐ ነይሩ ብምባል የዕልሉ እዮም።

ዳዊት ሽላን ኮነ ወዲ ትካቦ ምስ ክራር ዓሚዩቅ ፍቕርን ዝምድናን ከምዘለዎም ሓሽከት መንእሰያት ዝቕበሉዎ ነገር እዩ።ኣብ 2012 ወርሒ ነሓሰ፡ሓደ ዓርኽና ብዛዕባ ኣብ ቤት እንዳ መምህር ተወልደ ረዳ ዘለዋ ዝተፈላለያ ክራራት ኣድሂቡ ከዕልለና ከሎ፡”ዳዊት ሽላንን ወዲ ትካቦን ነተን ዝተፈላለየ ስልክታት ’ኣውታራት’ ዘለወን ክወቕዑ ዕድል ረኪቦም ነይሮም እዮም፣ሓዲ’ኦም ዝነ’ኣድ ኽእለት ከምዘለዎም ኣመስኺሮም እዮም፣እታ ስልካ ዝበዝሐ ሕርሕራይ ገይሩ ዝተጻወታን ብድሆ ዘጋጠሞን ግርም ትምህርቲ ረኪቦም እዮም ካብ መምህር ተወልደ ረዳ።” ክብል ኣውኺዑና እዩ።

ዝኮነ ኮይኑ ዳዊትን ዮሓንስን ንክራር ዘለዎም ክእለትን ፍልጠትን ዓሚዩቅ ምዃኑ ዘከራኽር ኣይኮነን፣ኣብ ዕቤት ሙዚቃ ትግርኛ ብፍላይ ኣብ ክራር ወሳኒ ግደ ከምዘለዎም ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ።

ይቕጽል…

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...