“ቋንቋ ግእዝ በቲ መበቆሉ ኣብ ከባቢ ኣኽሱም ዝኾነ ፊደል ብፅሑፍ፡ ካብ ዝግለጽ ኣዚዩ ነዊሕ እዋን እዩ።ሓደ ሓደ ዝትረኽበ ፅሑፍ ቅድሚ 1200 ዓ.ኣ.  ዝተጻሕፈ ምንባሩ ዝሕብር መረድ’ኢ ኣሎ።ቅድም ክብል ዝተጸሕፈ ፅሑፍ ብግእዝ ጥራሕ ኮይኑ መናበቢ (vowels) ዘይነብሮ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ኣፀሓሕፋ እናማዕበለ ኣብ ዝመጽ’ኣሉ እዋን ድማ መናበብቲ ተፈጢሮም ካእብ፣ሳልስ፣ራብእ…ሳብእ ፊደላት መመለዩ ተገበረሎም።

መበቆል ፊደል ግእዝ ኣብ ኣኽሱም ክከውን ከሎ ብዝበለጸ ከም መሳርሒ ኮይኑ፡ኣብዚ እዋን ብዘይ ለውጥን ምምሕያሽን ክሰርሕ ዝኽእል ንቋንቋ ትግረን ትርግኛኝ ክከውን ከሎ ፡ከም ኣምሓርኛ ዝ’ኣመስለኡ ቋንቋታት ከም ዘሎ ክዓይሉ ኣይኽእሉን።ንዝጥቀመሉ ሓደ ለውጥን ግድፈትን ምግባር ወይ ኸኣ ተወሳኺ ፊደል ምምሃዝ ኣገዳሲ ይኸውን።ንኣብነት፡ ግእዝ ‘ሀ’ ፡‘ሐ’፡ ‘ኣ’ ፡‘ዐ” ከም’ቲ ግቡኡ ከድምፅዎ ስለዘይከኣሉ፡ ናብ ራብእ ለዊጦም የንብብዎ፣ሳዕቤኑ ኸኣ፡በርሀ ንምባል ‘በርሄ’ ይብሉ።

ብተወሳኺ፡ ‘ሐ’፡ ‘ዐ’ በቲ ግቡእ ከድምጽዎ/ክብልዎ/ ብዘይምኽ’ኣሎም ከም ‘ሀ’፡ ‘ኣ’ የንብብዎ።” እዚ ሓሳብ’ዚ ኣብቲ ቅድሚ 20 ዓመት ‘መጽናዕታት ቀዳማይ ሲምፖዚየም ቋንቋ ትግርኛ’ ብዶክተር ሰሎሞን ዑንቋይ፡ካብ ዝቐረበ ቁንጫብ ሓሳብ፡ ኣብ ፊደላት ግእዝን ትግርኛን ኣብ ዝብል ን’ኡስ ኣርእስቲ ዝቀረበ እዩ።

ኣብቲ መጽናዕቲ ካብ ዝቀረቡ ብርኽት ዝበሉ መጽናዕታዊ ፅሑፋት፡ሓንቲ ካብተን ብቋንቋ ኢንግሊዝኛ ዝቀረበት ናይ ዳኒ’ኤል መሓሪ እያ።

ዳኒኤል፡ ኣብ ድሕረ ባይታ ሕዝቢ እዚ ከባቢ ድሕሪ ምግላጹ፡ኣብ ጉዳይ ርክብ ቋንቋ ግእዝ ትግርኛን ኣድሂቡ’ውን ዘስፈሮ ሓሳባ ኣሎ እዩ።

ንሱ ይብል፣”ቋንቋ ግእዝ ቋንቋ ኣክሱማውያን እዩ፣ከም መዘራረቢ ቋንቋ’ዩ ኸኣ ዝዓይይ ነይሩ።ድሕሪ ዉድቐት ንግስነት ኣክሱም ቋንቋ ግእዝ እናሞተ ከይዱ፣ኣብ ግዝ’ኣት ንግስነት ኣክሱም።ግእዝ ከም ፅሑፋዊን ከም ቋንቋ ቤተ-መቅደስን ተዓቂቡ ጸኒሑ እዩ።

ካብ 13 - ስጋብ 17 ክፍለዘመን ከም ቋንቋ ስነ-ፅሑፍ ኮይኑ ቀጺሉ እዩ፣ካብ ቋንቋ መዘራረቢ ግን ደውታ ፈጢሩ ነይሩ እዩ።ግእዝ ብብዙሓት ቋንቋታት ዉርሻ ረኺቡ እዩ።ዋላ’ኳ ኣብ ዘመነ ጸልማት ዓቢ ሃሲያ ተወረዶ፣ኣብ ዉሱን ደርጃ ተሓጺሩ ካብ 5-7 ክፍለዘመን ኣብ ቀጽሪ ጹሑፋዊ ኣክሱማዊ ዋርሳን ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ዕማም ዓሚሙ እዩ።” ክብል ይገልጽ።

መምህር ተስፋ ሥላሴ ዘር’ኣ እግዚእ፡ ኣብ ክፍሊ ኣርትዖ መጻሕፍት ኸኣ፡ ኣብ መፅሕፍ “ጥንታዊ ግእዝ ብዘመናዊ ኣቀራርባ” ኣብ ከተማ ኣሥመራ ኣብ 2012 ዝተሓትመት፡ ርእይቶም ካብ ዘስፈርዎ ነዚ ይመስል።”ቋንቋ ግእዝ ቅድሚ ሕጂ ሕዝቢ ኤርትራ ዝዛረቦ ዝነበረ ቋንቋ፣ሕጅ’ውን ብሊቃውንቲ ተሓሊዩን ተዓቂቡን ዘሎን ን’ዘል’ኣለም ዝነበርን ቋንቋ እዩ።ብፍላይ ኸኣ ጥንታዊ ቋንቋ ዓለም እዩ፣ይኹን እምበር ብዝበለጸ ድማ ንሕና ኤርትራውያን ኣባና ስለዝዓረፈ፣ኣጸቢቕና ክንኅዞን ክን’ዕቅቦን ይግባእ።በዚ ምኽንያት እዚ ተሰናዲኡልና ዘሎ መጽሓፍ ተጠንቂቕና ክንኅዞን ከነጽንዖን ክንመሃረሉን ክንምህረሉን ይግበ’ኣና።

እቲ ዘጠንቅቐና ድማ ቋንቋ ግእዝ ናትና ከሎ፣ኣብ ዓለም’ውን ምስ ሊቃውንቲ ዓለም ይርከብ።ንሕና ኤርትራውያን ድማ፡ ነዚ ክቡር ቅርሲ ሃገርና ሸለል ክንብሎ ዘይኮነስ፣ትንሣኤ ክንፈጥረሉ፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ትምህርትናን ባህልናን ከነዘውትሮ ይግባእ።ሕጂ ኸኣ ብሓጎስ ተቀቢልና ንሥራሓሉ።ዝእረም እንተሎ ድማ ክንተሓጋገዝ እላቦ።” ዝብል እዩ።

ፕሮፌሠር ኤፍረም ይስሓቕ፡መምህር ተመራማርን ቋንቋን ኣብ ሓርቫርድ ዩኒቨርሲቲ ብወገኖም፡ብዙሕ ቋንቋታት ካብ ዝፈልጡን ዝመራመሩን ሓደ እዮም።ግእዝ ቋንቋ’ውን ሓደ ካብቶም ቋንቋታት ዝፈልጥዎምን ዝሰርሑሎን እዩ።ንቋንቋ ግእዝ ከም ቋንቋ ይፈልጥዎ።ከምቲ ታሪክ ሮማውያን ኮነ ታሪክ ግሪካውያን ንምጽናዕ ንቋንቋ ግሪክ፡ላቲን እብራይስጥልን ካል’ኦት ዘጽንዕዎ፣ ንታሪክ ኦርቶደክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ንግስነት ኣክሱምን ንምፍላጥ ግድን ቋንቋ ግእዝ ክፈልጡ ስለዝነበሮም ኣንዳዕዲዖም ዝፈልጥዎ ቋንቋ ክከውን ግድን ኮይንዎም እዩ፣ነዚ ኸኣ ነቲ ቋንቋ ክመልክዎን ክመራመርሉን ከምዝከ’ኣሉ ይዛረቡ እዮም።

ንሶም፡ኣብ ጉዳይ ታሪክ ኣክሱምን ጥንታዊ ቅርስታት ክፈልጥ ዝደልይ ሰብ፡ ቋንቋ ግእዝ ክፈልጥ ኣለዎ በሃሊ እዮም።ብቋንቋ ግእዝ ጥራሕ ዝተጻሕፉ ብዙሓት መጽሓፍቲ፡ቕርስታት፡ገድልታት፡ዜና-መዋእላትን ካል’ኦትን ስለዘለዉ፣ንቋንቋ ግእዝ ምፍላጡ ዘይካትዕ ምዃኑ ኣትሪሮም ይዛረቡ እዮም።

ፕሮፌሠር ኤፍረም፡ንነዊሕ እዋን ኣብ መጽናዕታት ኣፍሪቃ ሓርቫር ዩኒቨርሲቲ፡ ከም ዝሰርሑ ሙሑር መጠን፡ዓለም ዝግረመሉ ስልጣነ ኣክሱምን ጥንታዊ ቅርስታት ንዓለም ክፋለጠሉ ዝኽእል፡ ነቲ ተጻሒፍሉ ዘሎ ቋንቋ ግእዝ ምፍላጥ ኣድላይ ምዃኑ ይመኽሩ እዮም።ምንጪ ቑጠባዊ ዕቤትን መስሕብ በጻሕቲ ሃገረ ኣብ ምግባሩን ዓርሞሻሻዊ ዕዮ ኣብ መስርሕ ምትርጓም ቅርስታትን ታሪካትን ኣድላይ እዩ ይብሉ።

ቋንቋ ግእዝ ናይ ኣክሱማውያን ናይ በይኖም ቋንቋን ሃብትን እዩ።እዚ ቋንቋ ካብ ደቡብ ዓረብያ እዩ መጺ’ኡ ንዝብል ዘረባታት ኮነ ዝጸሓፉ ዘለዉ መጽሓፍትን፡ ሓቁ ናብ ሕዝቢ ንምብጻሕ ቢሎም መጽሓፍ ከምዝጸሓፉ ብደስታን ነፍሰ-ዕግበትን ይገልጹ እዮም።ቋንቋ ግእዝ ካብትን፡ ካብትን ኣይመጸናን፣እንታይ ደኣ ናትና እዩ ይብሉ።

ኣብ ኣክሱም፡ደብረ ቢዘን ኮነ ኣብ መጠራን ከስከስን ዘለዉ ታሪካውያን መጽሓፍቲ ካብቲ ተጻሒፍዎ ዘሎ ቋንቋ ግእዝ ናብ ሕዝቢ ዓለም ክርድ’ኦን ከንብበሉን ዝኽለሉ ቛንቋታት ክትርጎም ኣለዎ።በዚ መዳይ’ዚ፡ስጋብ ሕጂ ገለ፡ገለ መጽሓፍቲ ተርጉመ ኣለኩ ይብሉ ፕሮፊሠር ኤፍረም።

እዚ ብልጫና፡ናብ ሕዝቢ ዓለም ንምብጻሕ ምፍላጥ ታሪክናን ቛንቛናን ኣገዳሲ ዉራይ ይገብሮ ክብሉ እናሻዕ የውግዑ እዮም ፕሮፎሠር።

ሊቀሊቃውንቲ ያረድ ካሣ ብወገኖም፡ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዘረዎም ርእይቶ ብከምዚ መልክዕ ይገልጹ።

“ግእዝ ቋንቋ እዩ።በቲ ቋንቋ ይመራመሩ፣ የጽኑዕ ኣለዉ።ኣብ ጀመርን ዩኒቨርሲቲ ከይተፈ፡ቋንቋ ግእዝ ይምህርሉ፣ይማሃርሉ ወ ይመራመርሉ እዮም።

እቲ ትርእዮ ነገር ምክሓድ፣ ንብርሃን ጸለማት ምባል ማለት እዩ።ሰባት ግእዝ ይመሃሩ ኣለዉ።ቅኔ ብግእዝ እዩ ዝመሃር፣ሰዋስው ግእዝ እዩ።ግእዝ ንካል’ኦት ቋንቋታት ከለቅሕ ዝክእል ቋንቋ እዩ።ን’ኣብነት፡ንትግርኛ፡ን’ኣምሓርኛ ወዘተ።

ካብ 85% ስጋብ 90% ናይ ትግርይና ግእዝ እዩ።እቲ ፊደል ምልውዋጥ ተዘይኮይኑ ማለት እዩ።

ስነ-ፍጥረት፣ስነ-ፅሑፍ፣ ሙሱና ወዘተ ዝብሉ ቃላት ናይ ግእዝ ቃካት እዮም ከም ኣብነት እኳ ተሪእናዮ።

ግእዝ ክንዛረበሉ ንክእል ኢና።ናይ ፍቅሪ ግጥሚ’ዉን ክገጥመሉ ንኽእል ኢና።

ሰብ ኣይዛረበሉን ኣሎ እሞ፣ቋንቋ ኣይኮነን ማለት’ዩ ዝብል ጉጉይ ሞጎት እዩ።

እቲ ቋንቋ ናይ ታሪክ ቋንቋ እዩ። ኣብ ኤርትራን ኣብ ኢትዮጵያን ከም እኒ ጻዕዳ-እምባ፣ደብረቢዘን ኮነ ኣክሱምን ካል’ኦት ታሪካውያን ቦታታት ዘለዉ ሰነዳትን ጥንታዊ ቕርስታት ብቛንቛ ግእዝ እዮም ሰፊሮም ዘለዉ።

ነገስታት መድረ-ሓበሻ ምስ ምዕራባውያን መንግስታት ክራከቡ ኮነ ክጽሕፍሎም ከለዉ ብቋንቋ ግእዝ እዩ ዝነበረ።

ወንጀል-ዘወርቂ ርስቲ ብግእዝ እዩ ዝጸሓፍ ነይሩ።ንገዳማትን ንዓበይቲ ጉዳያትን ታሪክ ኣብ ‘ወንጀል-ዘወርቅ’ እዮም ዝጸሓፍ ነይሮም።

ቤተ-ክርስትያን ካብ ጥንቲ ዝነበረ፡ሕጂ’ውን ኣብ’ኣ ዘሎ’ዩ።ግእዝ መሰረታዊ ቛንቋ ምድረ-ሓበሻ እዩ።እዚ ከኣ ሎሚ ኤርትራን ኢትዮጵያን ማለት እዩ።

ግእዝ ካብ ደቡብ ዓረብያ-የመን፡ካብ ነገደ ዮቅጣን ወዲ ሴም ወዲ ኖህ ወዘተ፣ ካብ ካልእ ዓዲ ወይ ሃገር ዝመጸ ቋንቋ ኣይኮነን።እዚ ሓቂ ተዘክውን ምልኽት ምጸንሐ ነይሩ ናይቶም ተዛረብቱን ጸሓፉን ዝበሃል ዘሎ።

ሳባን ግእዝን ተመሳሰልቲ እዮም።

ቅዱስ ያረድ ንጽሑፋቱ ብግእዝ እዩ ደሪስዎ።ጽሑፋቱ ብቋንቋ ትግርይና ኣይተረክበን።ሕጊ ለገ ጭዋ ከማን ብግእዝ ከየክውን ዝተጽሓፈ ከም ዝመስለኒ ምኽኒያቱ ኣምሓርኛ ካብ 100-200 ዓመታት ጥራሕ እዩ ክጽሓፈሉ ከምዝጀመረ መርትዖታት ዝገጽዎ ዘለዉ።ትግርይና ቅድም ኢሉ ይጸሓፈሉ ምንባሩ ዝተረክቡ ሰነዳትን ጽሑፋትን ኣለዉ፣ግና ኣይከም ቋንቋ ግእዝን።

ቋንቋ ግእዝ ምፍላጥ ኣብ ትግርይና ኮነ ኣምሓርኛ ወይ’ዉን ኣብ ትግረን ኣርጎብኛን ሰዋስው ክትፈልጥ ዓቢ መንገዲ ይከፍተልካ እዩ።

ብሓፈሻ ክጽሕፍ፡ክመራመር፡ ክደርስ ዝደልይ ሰብ ቅድሚ ዝ’ኣገረ ግእዝ ምፍላጥ ኣድላይ ይገብሮ።ምክኒያቱ፡ምንጪ ኣብዚ ከባቢና ዘለዉ ቋንቋታት ንሱ ስለዚኮነ እዩ።ግእዝ ኣቃሊልካ ዝረኣይ ቋንቋ ኣይኮነን።እቲ ትምህርቲ እምበር ቋንቋ ኣይኮነን ዝብል ሞጎት ወይ ሓሳብ ተቀባልነት ኣይህልዎን እዩ ብናተይ ወገን ከም ዝርደ’ኣኒ…።” ክብሉ ምላሽ ይህብሉ እዮም ሊቀሊቃውንቲ ያረድ ካሣ።

“ቋንቋ ግእዝ ሓደ ካብቶም ጥንታውያን ቀዳሞት ቋንቋታት ዓለም ምዃኑ፡ኣብዚ ዓውዲ’ዚ ብዙሕ ምርምራትን መጽናዕታት ዘካየዱ ፈላጣትን ሙሑራትን ቋንቋ ዚሰማምዕሉ ሓቂ’ዩ።እቲ በብግዚ’ኡ ብጽሑፋዊ መልክዕ ይኹን ብሥነ ኹዕታ ዝተረኽበ ኣሰር፣ቀዳሞት ዝገደፍዎ መረዳእታት ድማ ነዚ ብሂል እዚ ዝያዳ ተኣማኒ ይገብሮ እዩ።ካብዚ ሕልፍ ኢሎም’ውን ሊቃውንቲ ቤተ-ክርስትያን ምጡቕ ባህርያት ናይዚ ቋንቋ እዚ ትውፊታዊ መረዳእታ መሠረት ብምግባር፣ ግእዝ፡ ቋንቋ እቲ ቀዳማይ ሰብ ኣዳም ምንባሩ ይጠቅሱ እዮም።ስለዚ ኸኣ፣”ኣዳማዊ ቋንቋ” ኪብልዎ ይስምዑ።

ግእዝ ኩሉንታዊ ቋንቋ ኮይኑ ንመዋዕል ዘገልገለ ክቡር ሃብርትን ዋኒንን ሃገር እዩ።ኣብ ትሕቲ ሰሃለ ሰሃራ ካብ ዝርከቡ ቋንቋታት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ርእሱ ዝኸ’ኣለ ፊደልን ኣኃዝን ዝውንን እንኮ ቋንቋ ግእዝ እዩ።እቶም ፊደላቱ’ውን ርቀትን ምጥቀትን ብዘለዎ ሥነ-ፅሑፍ ዝሃብተሙ ኮይኖም፡ ኣብ ምድረ-ኣግዓዚ ንመዋእል ኣብ ኣገልግሎት ዝጸንሑ ይኹኑ እምበር፣ልዕሊ ዝኾነ ካልእ ሃገርና ዝምልከትን ኣብ ሃገርና ስልጡን ቋንቋ ምንባሩን እሙን ነገር እዩ።ሰለዚ ኸኣ፡ንሃገርና ከም ኣካል ጥንታውነታ ዝገልጹ ታሪኻትን፡መንነታ ዘንጸባርቘ ዉርሻታትን፡ወናኒት ፊደል፣ሃገር ፊደል ምዃና ዘረጋግጽ ዘኹርዕ ሃብቲ እዩ።ግእዝ ከም ጥንታዊ ቋንቋ ዘለዎ ኣበርክቶ ኣብ ቦት’ኡ ኮይኑ፡ከም መሠረትን ኣቦን ቋንቋታት ትግረን ትግርኛን ምዃኑ ፍሉጥ ነገር እዩ።ነዘን ቋንቋታት እዚኣተን ካብ ምውላደን ኣትሒዙ ኣብ ምምዕባለን ዝተጻወቶን ዝጻወቶ ዘሎን ተራ ልዑል እዩ ክበሃል ይከኣል።

ግእዝ ሓደ፡ ሓደ ሰባት ከምዝሓስብዎ ምዉት ዘይኮነስ፣ሕያው ቋንቋ እዩ።ደኺሙ ምህላዉ ዘይኸሓድ እኳ እንተኾነ ንሕውየትን ትንሣኤን ዘለዎ ተስፋ ግና ልዑል እዩ።ዘመን ዝሓለፈኦን ኣብ ዉሻጠ ተደርብዩ መዓልቲ ሞቱ ዚጽበየሉን ዘመን ኸኣ ኣይኮነን።ተገዳስነትን ክንክንን እንተደኣ ረኺቡ ዳግማይ ሞዩኡን ኣገዳስነቱን ዘርእየሉ ዘመን ርሑቕ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ።

ኣብ ቤተ-ክርስትያን ብዘለዎ ኣገልግሎት ጥራይ ዘይኮነስ ብዘለዎን ዝገደፎን ፅሑፋውን ካልእ ሓድግታትን ብዝፈረዮም ደዉን ሕያው እዩ።ሎሚ’ውን ኩሉ ሥርዓቱን ባህሉን ዚፈልጡን፡ዚምህርሉን መምህራንን ዚራቐቑሉ ሊቃውንትን፡ኣሰሮም ዚስዕቡ ተማሃሮን ክሳዕ ዘለዉዎ ድማ “ምውት” ተባሂሉ ኣይዝንጠልን እዩ።

ደቁ ከኣ ህላዌ መሠረቶም ዝለዝኾነ ሃብታም ኣብ’ኦም ንዕብየቶምን ርትዕነቶምን ስለዘድሊዮም ወትሩ ናብ’ኡ ምስ ኣንቃዕደዉ እዮም።ዘዕግብን መበቖላዉን ሥርወ ቓላት ንምርካብን፣ርቱዕ ሰዋስው ንምውናንን፣ቋንቋታት ሃገርና ናብቲ ምንጮም ኪውከሱ ይግባእ።”

እዚ ካብ መጽሓፍ “ጥንታዊ ልሳነ ግእዝ ብዘመናዊ ኣቀራርባ” እትብል ብመርጌታ ሄኖክ ገብረሚካኤል ዝተጻሕፈ’ ኣብ መቅድም ካብ ዘሎ ዝተቆንጨበ መልእኽቲ ሓሳብ ደራሲ እዩ።ንዝርዝሩ ካብታ መጽሓፍ ክትረክብዎ ከም ትክእሉ ክሕብር እፈቱ።

ንእግረ-መገደይ መጽሓፍ መርጌታ ሄኖክ ገብረሚካኤል ብብርክት ዝበሉ ተመራመርቲ ቋንቋ ግእዝ ክትነ’ኣድ ብምስመዐይ፡ንክረክባ ኣብ ዝገብሮ ዝነበርኩ ሒለት፡ግዱስ መጽሓፍቲ መንእሰይ ያሲን ወዲ ፊሊ፡ካብ’ቲ ብርኽት ዝበለ ዕሙር ከብሒ መጽሓፍቱ፡ባህ ዝበለኒ ክልቃሕ ወ ስጋብ ዝደለክዎ ክነቦ ብምፍቃዱ፡ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ኣብ ሕምብርቲ ከተማ ኣሥመራ ካብ ዝተሓትሙ፡ናይ ግእዝ መጽሓፍቲ ኮነ ካል’ኦት ሳላ ንፉዓት ኣንበብቲ ደቂ ኣሥመራ ብቀሊሉ ክረክቦ ምክ’ኣለይ ምስጋናይ ወሰን የብሉን።ኤመሥግነኩም።

ኣብዛ ካል’ኣይቲ ክፋላል ፅሑፋይ፡ ኣብ ቋንቋታት ልዑል ግዳሰ ካብ ዘለዎም መንእሰያት፡ኣብ ሞያ ስነ-ፅሑፍ በዓል ግሩም ዕሊ ዝኮነ መንእሰይ ‘ኣዝማሪኖ ሆፐ’ ብዝብል ኣብ ማሕበራዊ መርበባት ዝፍለጥ፡ኣብ ቋንቋ ግእዝ ድሙዕ ኣፍልጦ ከምዘለዎ ተገንዚበ ኣብ ጉዳይ ግእዝ ኣድሂቡ፡ገለ ክብለኒ ኣብ ዝተወከስኽዎ ፡ካብ ዝሃበኒ ምላሽ ናባኩም ኣቢለ ንሎሚ ኣብዚ ክፍለየኩም እፈቱ።

“ግእዝ ካብ ልሳን ህዝብታት ኣፍሪቃ ናይ ገዛእ ርእሱ ፊደል እተቐርጸሉ ብሕታዊ ቋንቋ ኢዩ። ግእዝ ከም ቋንቋ ብሕታዊ ናይ ባዕሉ ፊደላትን ድምጽን ዚወነነ ኢዩ ክንብል እንከለና ሕዝቢ ሓበሻ ማለት ኣብ ኤርትራን ኢትዮጱያን ናይ ዚነብሩ ህዝቢ ኣግኣዝያን ምዕባለ ንገልጽ ኣሎና ማለት ኢዩ። ኣግኣዝያን ፊደላት ግእዝ ኪቀርጹ ከለዉ ድማ ካብ ጽሑፋት እምኒ ክሳዕ ብራና ንዝበሃል ካብ ቈርበት ከብቲ ዚስራሕ ወረቐት እውን ንኽመሃዝ ኣኽኢሉዎም። ቋንቋ ግእዝ ኣቦ ልሳናት ትግረ ፣ ትግርኛ ፣ ኣምሓርኛ ፣ ኣርጎብኛ ፣ ጉራግኛን ካልኦትን መሰረት ዘንጸፈ ምዃኑ መዛግብቲ ታሪኽ ይገልጹ።

ታሪኽ ሓደ ነዊሕ ዛንታ ዘለዎ ሕብረተሰብ ከኣ ቅያታቱ ኣብ ትሕቲ እቲ ጥንታዊ ቋንቋ ተሓዚኦም ከም ዘለዉ እሙን ኢዩ። ሕብረተሰብ ሓበሻ እውን ተዀነ ዜደንቑ ታሪኻት ከም ዘለዉዎ ህዝቢ መጠን ባህሉን ታሪኹን ተኸዚኑሉ ዘሎ ኣብ ቋንቋ ግእዝ ኢዩ። ኣብ ባህላዊ ሕክምና ፣ ስነ - ከዋኽብቲ ፣ ቅርጻ ፣ ቅብኣ ፣ ስነ - ጥበብ ፣ ኪነ - ጥበብ ፣ ኢደ - ጥበብ፣ ፍልስፍና፣ ስነ - ጽሑፍ፣ ባህሊ፣ያታ፣ ሃይማኖት፣ ሕብረተሰብና ኣብ ቋንቋ ግእዝ ተዓቍቡ ከም ዘሎ ዘየማትእ ኢዩ። ክንዲ ዝዀነ ንግእዝ ክንምርምሮ ኣሎና ክንብል ከለና ስልጣኔ ሕሉፍ ዘመንና ኣብኡ ኢዩ ስለ ዘሎ ክንምርምሮ ኣለና ንምባል ኢዩ። ኣቶ ወልደ ኣብ ወልደ ማርያም “ ከምቲ እስራኤላውያን ምጽኣተ ጽዮን ዚጽበዩ ህዝቢ ትግሪና እውን ምጽኣተ ኣኵሱም ከም ዚጽበይ እሙን ኢዩ።

እቲ ምንታይሲ ታሪኽ ፣ ፓለቲካ ፣ ስልጣነ ህዝብና ኣብኣ ኢያ ተዓቍቡ ዘሎ “ ዚበሉዎ ነዚ ዘነጽረልና ኢዩ“ ኢሎም ጽሒፎም ነይሮም። እቲ ምንታይሲ ሃይማኖት፣ታሪኽ ፣ስልጣነ ህዝብና ኣብኣ ኢዩ ተኸዚኑ ዘሎ።

ግእዝ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ብሕልፊ ኸኣ ኣብ ዓበይቲ ዩኒቨርስታት ጀርመን ኣተኩሮ ተዋሂብዎ ኣስተምህሮ ከም ዚወሃበሉን ኣብ ስነ ቅመማታት እታ ሃገር ውጽኢታዊ መጽናዕታት ከም ዚተገብረሉ ብስርዓት ከም ዚጽናዕን ይግለጽ ኢዩ። ጀርመናውያን ቅድሚ ህዝቢ ሓበሻ ንግእዝ ብስነ ፍልጠታዊ መገዲ ዜጽንዑ ከም ምዃኖም መጠን ድማ ግእዝ ሃብታም ክነሱ; ኣብ ብዙሕ ዓውድታት ፍልጠት ከም ዚምእርርሉ ጋህዲ ስለ ዝዀነ ደቂ ወጻኢ ክንድዚ ግዳሰ ዘርእይሉ ቋንቋ ካብ ኰነ ሰብ ዋናታቱ ኸኣ ብዝያዳ ዓቢ ዕማም ከም ዚጽበየና ኪስቆረና ኣለዎ።

እቲ ምንታይ መን ምዃንና ካልእ ብዝበጽሖ መገዲ ካብ ክነግረና እቲ ታሪኽ ኣብ ባይታኡ ስለ ዘለናን ንዓና ስለ ዝምልከተናን ንሕና ብዛዕባና ንኻልኦት ክነንግር የምሕረልና ጥራይ ዘይኰነስ ምርጫ እውን የብልናን። ከም ህዝቢ ኸኣ ባህልና፣ያታናን ባህልናን ብዝግባእ ክንምርምር ስለ ዚግበኣና። ሓደ ህዝቢ ንባህሉ ስለ ዚመስል ባህሉ እንታይ ከም ዚመስል ኪምርምር ከም ዘለዎ ዘየማትእ ሓላፍነት ኢዩ።

ንሕና ቅያ ኣቦታትን ክንሰርሕ ንቡር እንከሎ ክንሰርሖ ካብ ዘይከኣልና ፥ ኣቦታትና ንዝሰርሕዎ ዛንታ ምድጋሙ ተሳኢኑና፥ እንተላይ ምዝራቡ ተተሳኢኑና ኣብ ደንደስ ሓደጋ ስለ ዘሎና ኪጥንቀቕ ኣለና። ነዚ ንምግባር ከኣ ንድሕሪት ግልጽ ኢልና ክንምርምርን ኣበየ ገዳማቱ ዘለዉ መጻሐፍቲ ብራና ብስርዓት ክንምርምር ኣገዳሲ ይኸውን።

ግእዝ ምፍላጥ ቋንቋ ምጽናዕ ዘይኰነ ቅያታት ኣቦታትካ መርሚርካ ትንሳኤ ክትገብረሉ ምጽዓት ኢዩ። ብዛዕባና ንግደስ እንተለና ብዛዕባ ግእዝ ምግዳስ ግድን ከድልየና ኢዩ። ብዛዕባ ግእዝ ከም ሓደ ዝሞተ ወይስ ኣብ ጻዕረ ሞት ዘሎ ቋንቋ ክንሓስብ ተጀሚርና ጉዳይ መንነትና ኣብ ምልክት ሕቶ ከም ነእቱ ዘለና ይቑጸር።

ኣብ ወመዳእታ፡ኣብ ዓውዲ ክፍሊ ትምህርት ታሪክ-ኣብ ኣሥመራ ዩኒቨርሲቲ መምህር ታሪክ ዝነበሩ ኣቦይ ተኸስተ ናይ ባዕልና ፊደል ነይሩና ቢሎም ክምህርዎ ዝፍትኑ ዝነበሩ ፊደላት ምስ ኣዚ ፊደላት ግእዝ ዳርጋ ኣይርዕምን እዩ።ኣብዚ ብፍላይ ካብ 1994-1998 ዝነበሩ ተምሃሮ፡ ከም መእታዊ ትምህርቲ ታሪክ ኤርትራ ዝወሰዱ ኣጋጢሙና ዝብሉ ኣይሰ’ኣኑን እዮም እሞ፡ ኣብዚ እንታይ ኢሂን ምሂን ክንበሃሃህል ንኽእል ትብሉ፧ብተወሳኺ፡ ኣብ ትግርይና ናይ ትግራይ ኣብዝሓ እዛ “ጸ” ድሕሪ ኢሕወደግ ወይ ወያነ ስልጣን ዝሕዝ ዳርጋ ጨሪሳ ተረሲዓ እያ።ብ’ኣንጻሩ፡ኣብ ኤርትራ ኸኣ፡ እዛ “ፀ” ዳርጋ ከምዘይነበረት እያ ኮይና ዘላ።

እሞ እዚ ኣብ ገድሊ ብሙሑራት ክልቲኡ ዉድባት ወይ ኸኣ ገለ ወሰንቲ ሰባት እቶም ዉድባት ሓዲኡ፡ ኣብ ሓዲኡ፣ እቲ ሓደ ኸኣ ካብቲ ሓደ ወገን ክለግስ ከምዝተገብረ ብዙሕ ሳዕ ካብ ብርኽት ዝበሉ ሰባት እንተላይ ሙሑራት ትሰምዖ ጉዳይ እዩ።እዚ ክከውን ነይርዎ ‘ዶ፧ ንዝብል ሕቶ ኣይምሰድለየን እመስለኒ መልሱ፡ ምኽንያቱ ኸኣ፡ ኣቤ ጉበኛን ዶክተር ኣብራሃምን ካል’ኦትን ጉዱሳት ተመራመርቲ ቋንቋ ኣብ ግዜ ደርጊ ዝተገብረ ዋዕላ ዝምለስዎ መልሲ እኩል ኮይኑ እስመዓኒ።

እንተኮነ ኣብዚ ግዜ ሙሁራት ትግራይ ነዚ ሕቶ ከልዕልዎ ከምዝጀመሩ ካበየ መድረኹን ዝቃልሑ ዘለዉ ዜናታት ትግንዘቦ ኢካ።ኣብ ኤርትራ መጺእካ ግን እዚ ሕቶ ክሕተት ሰሚዔ ኣይፈልጥን እየ።ሕሉፍ ሓሊፉ፡ ኣብዚ ቐረባ ግዜ “መሰካኽር ዮሆዋ” ኣብ ዝሓተምዎ ሓዲስ መጽሓፍ ቅዱስ ከይተረፈ እዛ “ፀ” እዚኣ ጨሪሳ ኣይረ’ኣኩዋን፣እዚ ገለ ጽልዋ ካብ ምንታይ ዓሪፍዎ ግምታት ኣለኒ እዩ።ግን ግዱሳት መልሲ ተሃብሉ ካብ ዝብል ክፉት ማዕጾ ምግባር ይሓይሽ በሃሊ እየ።

“ዝኾነኮይኑ ንዓይ ተከናከኑ።” ዝበሃል ብሂል ኣሎ እሞ፣እቶም ወለድና ብዘይዝኮነ ዕላምን ሸቶን ክልተ “ፀ”፡ “ጸ”፣ ወ ሰለስተ “ሀ”፡”ኀ”፡”ሐ” ወ  ክልተ “ሰ”፡ “ሠ” ኣይምስሃለወን።እንተ ነቶም ተዛረብትቲ ኣምሓርኛ ገሊኡ ተተቀነሰሎም ኣይግዳዶምን እዩ ምኽኒያቱ ንኩሉ ዘድምጽ ተውህቦን ዕልን የብሎምን ዝብል እምንቶን ርድ’ኢትን ኣለኒ።ኣብዚ’ውን ሓሳብኩም ሸው ኣብሉ ደጊመ ክብል እፈቱ።

ክቡራት ኣንበብቲ መርበብ ሓበረታ ኣስማሪኖ ኣብ ዝቕጽል የራኽበና!።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...