ያ! ኣላህ፡ ዎ! ኣምላኽ።

(ቀዳማይ ክፋል)

   “ክሳብ ሕጂ ተመዝጊቡ ዘሎ መስርሕ ታሪኻዊ ለውጢ ከምዝምስክሮ’ሲ፡ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ዘመን ተፈጢራስ ብመግዛእቲ ጣልያንን እንግሊዝን ሓሊፋ፡ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ተቛሪና። ኣይደንጎየትን ድማ ቀልጢፋ’ያ ካብ ፈደረሽን ናብ ሓድነት ሰጊራ። ይኹን ደኣ’ምበር ድሕሪ ዘስካሕክሕ ናይ ብርሰት ኲናት ብ1993 ናጽነታ ኣዊጃ። ኣብ’ዚ ተለዋዋጢ ናይ ታሪኽ ጉዕዞ’ዚ፡ እቲ ዝገርም፡ ብፍላይ ናይ’ተን ናይ መወዳእታ ክልተ ኩርናዓት፡ ቀየስቲ ኮይኖም ኣርእስቲ ዝብሕቱ መራሕቲ፡ ክፋል ናይ’ቶም ብናይ ሓበሻ ዝናን ኣነነትን ዝንየቱ ዓበይቲ ዓዲ ምዃኖም’ዩ። ስለ’ዚ ብንጽጽር እንክርአ፡ ከም’ዞም ብሸነኽ ኤርትራ ዝምቕማጦም ተዛረብቲ ትግርኛ ጌሩ ኣብ መዋእል ሓንቲ ዘመን ናይ ፖለቲካ ዕድሉ ደጋጊሙ ክገላብጥ ዝደፈረ ክፋል ሕብረተሰብ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ኣይተረአን።” (1, 169)  …………………………………….. እዝግዮ፡ ኣቤት ናይ’ንዳ ዝናን-ባህታን ዕዮ።

    ዝኾነ ኾይኑ፡ ርብዒ ዘመን ምስ ናጽነት፡ ተጋሂዱ ብዘሎ ህሉው ኩነታት ንዝተደናገረት ልቢ ከደዓዕስ፡

ሀ) ኣብ ዝምድና ናይ’ቶም በዓል ስኞር ባርባ ዝጠረርዎ ሑጻ-ሑጻ ሩባ መረብ፡ ብመወሳወሻ ወረቐት ክፈላልዮም ዝጀመረ፡ ተዛረብቲ ትግርኛ፡ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥርን ለውጥን፡ ሓዲሽ ሓሳባት ዝዘርኣሉ መን ክኸውን’ዩ፡ እንተተባሂሉ፡ መልሱ …………. ነዛ ስደት እዚኣ ደጊም ይኣኽላ! ዝብሉሉ ሓዲሽ-ሓሳባት ክሳብ ዘብኩዑ ዕድመ ምምናይ ጥራይ’ምበር፡ ካብ ተዛረብቲ ትግሪኛ ሓሊፉ ካልእ መን ክኸውኒ’ሉ ካብ ምባል ዝሓልፍ ኣይመስልን’ዩ።

ሁ) ምናልባት እዚ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ዘመን ክሳብ ክንድ’ዚ ዝተገላበጠ ፖለቲካ ሩባ-መረብ፡ ከም ኣመሉ ምግልባጥ ይቕጽል ዶኾን’ኸውን  ንዝብል ሕቶ’ውን፡ መልሱ ………… ግዲ’ብልኩምን! ናይ ስደት ፋሕ-ጨንገራሕ ኣሰር ደቂ ባቢሎን እንተዘይጠሪሩዎም’ሲ ፡ እዞም ተዛረብቲ ትግሪኛ መኣዝን ናይ ታሪኽ ናይ ምጥምዛዝ ኣመሎም ዝሓድጉ ኣይመስሉን’ዮም ካብ ምባል ዝሓልፍ ኣይመስልን’ዩ።

ሂ) እዚ ርብዒ ዘመን ምስ ናጽነት ተጋሂዱ ዘሎ ኩነታት ዝምስክሮ ናይ ብሓቂ መልክዕ ናይ ናጽነት’ዩ ክበሃል ዝድፈር እንተኾይኑ፡ ናጽነት ማለት ንስሓ-ቦታ ማለት ስለዘይኮነ፡ እዚ ኩነታት’ዚ ናይ መወዳእታ መዓልቦ-ታሪኽ ክኸውን ኣይበቅዕን’ዩ፡ ዝብሎኸ መን ክኸውን’ዩ፡ እንተተባሂሉ ድማ ………… በብቑሩብ - ስደት’ኮ መሓዛ ናጽነት ኣይኮነትን - ዝብሉሉ መዓልቲ ክሳብ ዝበትኩ ደኣ’ምበር ካብ ተዛረብቲ ትግሪኛ ሓሊፉ ካልእ መን ክኸውኒ’ሉ ካብ ምባል ዝሓልፍ ኣይመስልን’ዩ።

ሃ) ህያብ ናይ ናጽነት ንኤርትራዊ ንእስነት ኮይኑ ዘሎ ትዕድልቲ፡ መንእሰያት ከመ’ኻይዳ ገመል ብገመድ ይከኣሎ ተተወጢጦም ዋርሳይ ዝኾኑሉ ናይ ተኣዝዞ መብጽዓ ካብ ምእታው ሓሊፎም፡ ብዛዕባ ምሕዳስን ምብልሓትን ናይ መጻኢ ዕድሎም ዝመራመሩሉ ቤት ትምህርትን መጻሕፍትን ኣምኪኑ ዝገዝእ ዘሎ ሜላኸ ናይ መን’ዩ፡ እንተተባሂሉ ድማ፡ መልሱ ጥቢቆ ናይ ናጽነት ተኸዲኑ ዓድን ዓውድን ዘብርስ ዘሎ ኣረኣእያ ምንቅስቓስ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ናይ’ንዳ ዝናን-ባህታን’ዩ ዝብል ርኢቶ፡ መዓልቱ መኣስ ኣኺሉ ተባሂሉ ኣብ ምድስካሉ ክቕጽል ዝግደፍ ሓሳባት ኣይመስልን’ዩ።

ሄ) ደምሒት ክሳብ ክንደይ ዝፍቀዱ ናይ ውሽጢ ስሩዓት ሒዞም’ዮም ኣበ’ኣስመራ ጸኒሖም? ሕጂኸ ክሳብ ክንደይ ዝፍቀዱ ናይ ሻዕብያ ስሩዓት ሒዞም’ዮም ሩባ መረብ ተሳጊሮም? ኣበ’ስመራኸ እንታይ ገዲፎም …. እንታይከ ተማሊኦም? ክበሃል እንተተፈቒዱ ድማ፡ ኣበ’ስመራ ማይን መብራህትን የለን፡ ሰብ ይጠፍኣ’ሎ፡ ቖልዑ ቅጫን ማይ-በርበረን ጨኒቑዎማ’ሎ… ህዝቡን ሰራዊቱን ፈንፊኖሞ ንቕዲ’መራርሓ ህግደፍን ፕረሲደንት ኢሳያስን ዝዓይነቱ ወረ፡ ፈቐዶ ባራትን እንዳ ሻህን ከውግዑ ይውዕሉ’ለዉ፡ ጥራይ ዝኣኽሎ ኣይመስለንን።

   ይኹን ደኣ’ምበር፡ ኣብ ኤርትራ እንከለና’ሲ፡ ኣሰር እንዳ ዝናን-ባህታን ብጽፍራና ኢና ንሓድር ዝነበርና፡ ምናልባት ወሰኽ እንተድ’ለ ድማ ካብ ጀብሃን ሻዕባያን ዝተረፈ ስንቅን ዕጥቅን እኹል ትሩፍ’ዩ ኔሩ ንቓልስና፡ ዝብል ሚዛን’ውን ዝገልጾ ኣይመስለንን ንተልእኾ ናይ ደምሒት ኣብ ኤርትራ።

  ከመይ’ሲ ክሳብ ሕጂ ዝተራእየ መስርሕ ምንቅስቓስ ናይ ደምሒት ከምዘግህዶ፡ ኣንጻር’ዚ ኣብ ኢትዮጵያ ሰፊኑ ዘሎ ኣረኣእያ ምንቅስቓስ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ኣእሚኑ፡ ማዕረ ሽሕ ዝፍቀዱ ዓበይትን መንእሰያትን ካብ ተዛረብቲ ትግሪኛ ኣብ መስመሩ ከሰልፍ ዝኽእል ናይ ሓሳባት ብልጫ የብሉን። ….. ምስ ኣላህ ምስ ኣምላኽ  ዘፈራርድ መለኮታዊ ምትሃት ዘለዎ’ዩ ዝመስል ክበሃል እንተዘይኮይኑ!

   ዝገደደ ድማ፡ ብእሕሕ ዝደምቕ ዝመስል ኣዘራርባ ናይ ኣቶ ሞላ ኣስገዶም (መራሒ ናይ’ቲ ምንቅስቓስ)፡ ኣብ’ዛ ናይ ክቡር ነፍስሄር ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ መድረኽ፡ ኣብ ልቢ ብዙሓት ሰሪጹ፡ ዝሓይሽ’ሲ ይጽናሕ ደሓን፡ ንውድድርን ንጽጽርን ዝበቅዕ ኣማራጺ ናይ መጻኢ ዕድል ሃሰስ ዝበሃለሉ ጩራ ኣብሪሁሎም’ሲ፡ ምእንቲ ረብሓ ናይ ብዙሓት ብረት ክዕጠቑ ስለዝወሰኑ’ዮም ኣብ ኤርትራ ተኣኪቦም ጸኒሖም ክሳብ ምባል ዘድፍር፡ ብዓይኒ ዝርአ ይኹን ብእዝኒ ዝስማዕ ናይ ካሪዝማን ዝናን ሚዛን’ውን የብሉን።

   ግዲ ሓቂ ግን ደምሒት፡ ንመንቀሳቐሲ ወረቐት “መወሳወሻ ወረቐት” ኣውጺኦሙላ ከምኡ’ውን ካብ ስግር ቀይሕ ባሕሪ ናብ ኤርትራ ብመራኽብ ዝለኣኽ ዕጥቅን ስንቅን፡ ብቛንቋ ዓረብን ትግርኛን ዝመላለሱ ናይ ሕሹኽሹኽ ደብዳቤታት ብቐሊል ቁጽሪ ዝግመቱ ከምዘይነበሩ፡ ከምኡ’ውን ውሽጠ-ውሽጢ ቤተመንግስቲ እንዳ ዝናን ባህታን ዳርጋ ባኮ ምዃኑ ዘረጋግጽ ምስክርነት ከምዝተማልኡ ንዘዘንቱ ወረ፡ ሳንጥኦም ፈቲሸ ብዓይነይ ከይረአኹ ኣይኣምንን’የ ዝብል ተጠራጣሪ ዝህልዎ ኣይመስለንን።

  ዝኾነ ኾይኑ ብድሕሪ’ቲ መን’ዩ ጎብለል ናይ’ዚ ዞብ ንምፍላይ ዝተባረዐ ህልኽ ኣነዶ ንስኻ ንመልኽ፡

ናይ መተዓብይቲ፡ መማህርቲ፡ መጋድልቲ

ደቀ’ኮ’ሞን፡ ደቂ ሓውቦታትን: ደቂ ዓርከ’ቦታትን

 ኣብ ኮምብሽታቶ ዘሎ ናይ’ንዳ ዝናን-ባህታን ኣረኣእያ መጻኢ ዕድል ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ፡ ብውትህድርናን ብአኮኖምን ጥራይ ዘይኮነ፡ ብሓሳባት’ውን ክሳብ ክንደይ ከምዝተሳዕረ ዘብርህ ክስተት’ዩ ዝመስል ናይ ደምሒት ጉዕዞ።

    ስለ’ዚ እዚ በግ ኢሉ ዝቐሃመ ዝመስል ናይ ደምሒት መድረኽ፡  ካብ ዝፈትሖ ምስጢር ንላዕሊ ዝቑልሎ ሕቶ’ዩ ዝበዝሕ። ምናልባት ምግማት ከምድፍረት እንተዘይተቖጺሩ ድማ፡ ብቐጥታ ይኹን ብኢድ ኣዙር ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ክትጻወቶ ትኽእል ተራ ዝሕብር’ዩ ዝመስል’ሞ ብጣቒዒት ጥራይ ዝሕለፍ ኣይመስለንን፡ ከምርኢቶይ። …………….. ጌጋ’ኽለኣለይ! ዝኾነ ኾይኑ መወዳእትኡ ዕድመን ጥዕናን ዝሃቦ ክሳብ ዝምስክሮ፡ ሩባ መረብ ዝጥርሮ ናተይ-ናትካ፡ ኣነዶ-ንስኻ፡ ንሓዋሩ’ውን ጀኦግራፍን ደሞግራፍን ናይ ምግልባጥ ኣመሉ ካብ ምቕጻል ድሕር ዝብል ኣይመስልን’ዩ፡ እንተወሰኽኩሉ ዝደፈርኩ  ኣይመስለንን።  …. ኩሉ ንምርኣይ ምቕናይ ጥራይ!

   ደሓር ከኣ ፕረሲደንትታት ቡሽ ዓቢ፡ ቡሽ ንእሽቶ፡ ፕረሲደንት ካርተር ….. አእጃሞም ኣበርኪቶም፡ ጸግዖም ሒዞም፡ ንተግባራት ናይ በዓል እዋን  ክዕዘቡ ይውዕሉ’ለዉ እናተባህለ እንከሎ፡ ፕረሲደንት ኦባማ ድማ፡ ሓዊ-ሓዊ ክጨኑ ከምዘይጸንሐ፡ እነሆ እዋን ኣርኪባቶ ክሕወሶም ይቀራረባ’ሎ።

    ካብ ኩሉ ንላዕሊ ዝገርም ድማ፡ ቫቲካን’ኳ ንዘመናት ዓቢጣቶ ካብ ዝጸንሐት ኣረኣእያ ምንቅስቓስ ዛ’ዓለም ዕዳጋ፡ ገለ-ገሊኡ’ሲ፡ ደጊም ቦታ’ብሉን። ኣብ ቤተመዘክር እንተተኸዝነ፡ ምስ ኣላህ ምስ ኣምላኽ ዘባእስ ዘለዎ ኣይመስልን’ዩ’ሞ፡ ደጊም ነ’ረኣእያና ምስ እዋን ከዋስኦ ዝኽእል ሓዲሽ ሓሳባት ዘድልዮ’ዩ ዝመስል ዘሎ፡ ብምባል፡ ንታሪኽ ብዘገርም ፍጥነት፡ ጳጳስ ኣጸጊዓ ጳጳስ ክትመርጽ ዝቖረጸት

“Just before Christmass last year, Francis surprised an audience of cardinals and monsignors by denouncing – the various diseases of the Curia – its “pathology of power,” its “rivalry and vainglory” its “gossiping, grumbling, and backbiting,” its idiolizing superiors,” its “careerism and opportunism.”  (6, 54)

….. ስለ’ዚ ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ ሩባ መረብ ድማ ናየ’ተሓሳስባ ለውጢ የድሊ’ሎ ንምባል’ዩ ጻዕረይ’ሞ፡ እነሆ እንተ-ተጋግየ ተማሂረ ዝእረመሉ ምሳለይ።

                                        ትግሪኛን፡ ፖለቲካ ሩባ መረብን ካበይ ናበይ?

1) ባርባ። ባርባ ስኒ ግሔ፡ መሲሉኳ ደኣ’ምበር፡ ኣነስ ተመሊሰ’የ ሽልነይ ተለቂሐ።

   ኣብ መርሕ ስልጣነን ምዕባለን፡ ትሕዝቶ ለቖታ ናይ ታሪኽ ንስንቂ ደቂ-እዋን ክቑጸር ዝበቅዕ እንተኾይኑ፡ ኣስመራ ናይ ኣፍሪቃ ሮማ ክሳብ ምባል ትመጣጠረሉ ኣብ ዝነበረ ወርቃዊ መዋእላ፡ ባርባ ብዝብል ናይ ቅጽል ስም ዝፍለጥ ፈረንጂ ኣዋፊራ፡ ካብ ቅጽሪ ቤተክርስትያናትን ኣንጎሎታት ናይ ከተማን፡ ድራር ዕለቶም ብልመና ክምእርሩ ካብ ዝተረኽቡ ሰባት፡ ዳርጋ ኩላቶም ትግሪኛ ተዛረብቲ ደቂ ስግር ሩባ መረብ፡ ገፊፋ-ገፊፋ፡ ብጀኦግራፍን ደሞግራፍን ፍልልዮም ክሳብ ዝጻረ፡ ኣብ’ንዳ ሰዓል ትእክቦም ከምዝነበረት ንደቂ ማይተመናይ ጥራይ ትዝ……ዝ! ዝብሎም ዕዮ ገዛ ናይ’ንዳ ሙኒቺፕዮ ኣይመስለንን። 

   ሎሚ ድማ ሽሕ’ኳ እዛ ኣብ ኮምብሽታቶ መወሳወሻ ወረቐት ፈፈቲሻ መንእሰያት ክትገፍፍ ዓድን ዓውድን ትብጽብጽ ዘላ ዛርቲ’ንዳ ዝናን ባህታን፡ ኣሰር’ቲ ሜላ ናይ ቀደም፡ ዕርቃንን ዕብራንን ዘይኮነስ ጎተናን ፈርሲ-ዳንጋን እንተኾነ’ኳ ቆለ-መልኣኻ ዘለዓዕለላ፡ ብሓፈሽኡ ኣብ ጽርግያታት ናየ’ስመራ መወሳወሻ ወረቐት ምሕታት’ሲ በዓል ስኞር ባርባ ዝሓንጸጽዋ፡ ዕንክሊል’ያ ትመስል’ምበር፡ ናብ ዋርሳይ ናብ ደበሳይ ትመሓላለፍ ናይ ኣላህ ናይ ኣምላኽ ሕንጻጽ ኣይኮነትን።

  ይኹን ደኣ’ምበር ካብ መግረፍቲ’ባትር ወተሃደራት ምምሕዳር ከተማ (ሙኒቺፒዮ) ክሳብ ቡንባን ቅምቡላን ናይ ዋርሳይ-ይከኣሎ ዘሎ በሎ ራዕርዓዮ ሓሊፋ፡ ወተሃደራት ደምሒትን፡ ሰራዊት ኣንድነትን ኢዶም ዘጽርዩላ ክሳድ ተበላለጽ ክሳብ ትመስል’ያ ጸሓይን ንፋስን ትውቃዕ ዘላ ምባል ምግናን ኣይመስለንን። 

   ሓቂ ንምዝራብ ግን ባርባ ቀሊል ፈረንጂ’ይኮነን ኔሩ። ስለዝኾነ ድማ ካብ’ቶም ዝገፈፎም ሰባት፡ ብመወሳወሻ ወረቐት ይኹን በደማምጻ ናይ ትግሪኛ መዚኑ-መዚኑ ምስወድአ፡ ነቶም ናብ ኤርትራ ገጾም ሩባ መረብ ዝሰገሩ፡ መኪና ጽዒኑ ክሳብ ብሎኮ የብጽሖም። ሽዑ ካብ መኪና ኣውሪዱ፡ ኣእዳዉ ጠቓዕ-ጠቓዕ እናበለ ኣድህቦኦም ይጠልብ’ሞ፡ ንስኻትኩም’ሲ ብጀኦግራፍን ደሞግራፍን ደቀ’ስመራ ዘይትመስሉ * ፍሉያት * ስለዝኾንኩም  ኪዱ ስግር’ዛ ዓባይ ሩባ ተጠረሩ ብምባል፡ ናይ ሮማ ዕማሙ ከሳልጥ ሓደ በለለይ ይጅምር።

    ካብኡ ፍያስኮ ሙሉእ ወይኒ ሹወረብ ጽጽው ኣቢሉ፡ ብጥርሙስ ኣኳ ሚነራለ ‘መረብ’ ኣፉ ጎጽጒጹ፡ ጥዑም እናጎሰዐ ናብ ኤርትራ ግልብጥ ይብል። ሽዑ ነቶም ኣብ’ቲ ከባቢ ዝቕመጡ ኣድነቕቱ፡ ንስኻትኩም ድማ ብጀኦግራፍን ደሞግራፍን ** ፍሉያት ** ስለዝኾንኩም፡ ሓደ-ኽልተ እመት ዓለባ ብናጻ ክትዕደሉ ይግባኣኩም’ዩ ብምባል፡ ሓላዪ ተመሲሉ፡ ሰንሰለት ተመሳሳልነት (social cohesion) ናይ ተዛረብቲ ትግርኛ ዝሓላልኽ ፍሕስኡ ምጥምጣም ይቕጽል።

    ስኞር ባርባ ዝጀመሮ፡ ብኽልቲኡ ሸነኽ ሩባ መረብ ብጀኦግራፍን ደሞግራፍን፡ ልብን መሬትን፡ ናይ ምጥራር ምህዞ ንምቕጻል፡ ቁራጽ ዓለባ ዓዲሉ ምስወድአ፡ ኣስተውዕሉ’ሞ ንስኻትኩም’ኮ ክዳንኩም ጻዕዳ ልብኹም ጻዕዳ’ዩ፡ ምስ’ዞም ስግር ሩባ ዘህተፍኩዎም መኣስ ትጽብጸቡ ኾንኩም። ብመሰረቱ ወላ’ቲ ምዕባለኹም’ውን ካብ ነ’ኽሱማዊ ንሮማዊ ስልጣነ’ዩ ዝመስል ቆለ-መልኣኹ፡ ዝዓይነቱ ናይ ጀኦግራፍን ደሞግራፍን መፈላለዪ ትምህርቱ ዘድምቕ ኡልኮ ኣሊኹ’ዩ ሓሊፉ ስኞር ባርባ። … ከም ግብሩ ዘይኮነስ ከም ምሕረቱ ይሳሃሎ ጎይታ።

     ምናልባት ኣይፍለጥን ኣእጋሩ ማይ ሩባ መረብ ተሓጺቡ ናብ ኮምብሽታቶ ገጹ ባሊላ ክዝውር እንከሎ፡

ትምባኾ ክጥቕልል

ካፕረቶ ክስኹልል

ወይ ድማ ምስ ኮማሮ ከዕልል፡

 ኣብ ፕያሳታት ዓዲቐይሕን ደቀምሓረን ወይ ድማ መንደፈራን ዓዲዃላን ጥልዕ እንተ’ብዚሑ ግን፡ ገለ ካብ’ቶም ገፊፉ መረብ ዘሳገሮም ሰባት፡ ኣውቶቡስ ተሳፊሮም ማዕረ-ማዕርኡ ናበ’ስመራ ይምለሱ’ሞ፡ “ባርባ ስኒ ግሔ፡ መሲሉኳ ደኣ’ምበር፡ ኣነስ ተመሊሰ’የ ሽልነይ ተለቂሐ።”  እናበሉ ብደሞግራፊ ይኹን ብጀኦግራፊ መበቆሎም  ካበ’ስመራ ዘስጉጎም ምኽንያት ከምዘይኮነ ዘቐራ’ምሲሎም ክሕብሩ ይፍትኑ ኔሮም ይበሃል።

2) ለምለም።

    እዛ እንዳ ስኞር ባርባ ዝሓንጸጽዋ ቆርበት እንዳማትካ በብዓይነቱ ናይ መንነት ሕብሪ ናይ ምቕባእ መስርሕ ንምቕጻል ክሳብ ዝመስል ድማ ክሳብ እዋን ደርጊ በዓል በለስ ምግፋፍ ዝተወለፈት፡ ለምለም ትበሃል መኪና ናይ’ንዳ ሙኒቺፕዮ፡ ፈቐዶ ኣንጎሎታት ናየ’ስመራ ትወናጨፍ ከምዝነበረት ንበዓል በለስ (ማ)ሚነዋለን ወይ ድማ ደፋእ ዓረብያ ጥራይ ትዝዝ ……ዝ! ትብሎም ሓዞ’ርክቦ ኣይመስለንን።

     አረ ገለ ገለ ደቂ ገዛውትናስ! ካብ ለምለም ክሕብኡ በለሶም ገዲፎም ንዝሃድሙ ሸቃሎ ምእንቲ ከዘንግዑ፡ ብኣንጎግሎ ተሓቢኦም ለምለም መጺኣ! ለምለም መጺኣ! ይብሉ’ሞ፡ በዓል በለስ ካብ ለምለም ክሕባእ ምስፈተነ ….. ንበይኑ ዝተረፈ ዘናቢል ምዝራፍ ምልክት  ኣዝማሪኒ ዝመስሎም ውሑዳት ኣይነበሩን ምባል ምግናን ኣይመስለንን። 

     ዝኾነ ኾይኑ፡ እንዳ ስኞር ባርባ ብሜትሮ ዓለባ ገናኒዞም ዝኾስኮስዎ፡ ብፍልልይ ናይ ክዳንን ኣኸዳድናን ክንየት ዘይሓንኽ ካልእስ ይትረፍ፡ ድርኩዂት ዘስግር’ሞ፡ ናብ ገበላ ዘውጽእ መሓውር ዘይብሉ፡ ምልቡስ ኣረኣእያ ምንቅስቓስ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ዝጓዕጸጾ፡ ኣተኣላልያ ዝምድና ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ካብ መሰረቱ ክሳብ ክንደይ ቀቢዑ ሱር ከምዝሰደደ ዝምስክር ናይ ዕንወት ሳዕቤኑ ሕጂ ብህሉው ኩነታት’ዩ ኣብ ኤርትራ ብዝያዳ ድማ ኣብ ልዕሊ’ቶም ተዛረብቲ ትግርኛ ሳዕሪሩ ዝንጸባረቕ ዘሎ። … ሓቂ’ሓይሽ ግን ዓለባ ማዕረ ናይ ኣላህ ናይ ኣምላኽ ማና ሰማይ ተሰቒላትሉ ዝነበረት እዋን’ውን ርሑቕ ኣይኮነን ይበሃል’ዩ።

    ሎሚ ድማ ኣብ ኤርትራ ጽባሕ ንግሆ’ኮ ከም’ዚኣ ትመስል መስተርሆታ’ላ ትብል ተስፋ ዝሰኣነት ኤርትራውነት፡ ኣብ ምድርን ኣብ ባሕርን ትቕህም፡ መላገጺ ሸፋቱን ኣራዊትን ትኸውን ከምዘላ መዋእልና ምስክር’ዩ’ሞ፡ ወላዲ፡ ውሉዱን መጻኢ-ዕድሎምን ካብ ቅድሚ ዓይኑ ብኢደ-ሰብን ብስደትን እንክምንጠሉ  ዓገብ ኢሉ ዘስምዓላ ኣረኣእያ ምንቅስቓስ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ኣበይኮን ተኸዊላ ትህሉ ትኸውን ዝብል ሻቕሎት’ዩ፡ ደድሕሪ’ቲ ኣብ ዝምድና ክልቲኡ ህዝብታት ዕሽሽ ተባሂሉ ዘሎ ናይ ሓባር ረቛሒ ሃተፍተፍ ዘብለኒ ዘሎ ።

3) ናይ ሓባር ረቛሒ።

      ወዮ ደኣ ኣብ ምምሕርዳር እንዳ ዝናን-ባህታን ናይ ምዝራብን ምጽሓፍን መሰል ዘየለ ኮይኑ’ምበር፡ ነቲ ብጽልእን ቅርሕንትን ኣንጻር ኢትዮጵያ ዝዘቕበበ ናይ ስግኣትን ፍርሓትን ሽሕጣኖም ፊት-ንፊት ብምግጣም፡ ብትሪ-በትርን ጻዕቂ-ፕሮፓጋንዳ ናይ ተሃላለኽቲ ስልጣናትን ከይተሸቑረረ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ ሩባ መረብ ብዘጋጠሞ ፈተናታት ተስፋ ከይቆረጸ፡ ብዛዕባ ተመሳሳልነት ናይ ታሪኽ፡ ባህሊ፡ ሃይማኖት፡ ቋንቋ፡ መርዓን ተዝካርን፡ ሓጎስን ሓዘንን ናይ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምስክር ሂወት እናነበረ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣንፈት ኣረኣእያ ምንቅስቓስ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ናይ’ንዳ ዝናን-ባህታን ስግጽ ዘብል ኣርኣያ ዝዘርአ ህዝቢ፡ ብዝሒ ሰራዊት ናይ ደምሒት .. ወይ ድማ ናይ ደርግን ናይ ንጉስን ብረትን ኪነትን ኣይኮነን።

     ብዘይምግናን ናይ’ቲ ብሰንኪ ፖለቲካ ናይ ባድመ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ዝተባረረ ክፋል ሕብረተሰብ (መብዛሕትኡ ትግርኛ ተዛራቢ) ዕለታዊ ሂወት’ዩ ፖለቲካን ዶብን ዘይጥርሮ፡ ንለውጥን ዕርቅን ዘርብሕ ናይ ሓባር ረቛሒ ከምዘሎ ዝመስከረ። 

    ይኹን ደኣ’ምበር ኩነታትን መጻኢ ዕድልን ናይ’ዞም ንኢትዮጵያን ኤርትራን ከም ላዕላይ ገዛን ታሕታይ ገዛን ዝቕበሉ፡ እንተኾነ ግን መዋድቖ ዝሰኣኑ መሰኻኽር ብሓፈሽኡ ክፍተሽ እንተተፈቲኑ፡ መብዛሕትኦም ዓለም ብገፋሓ ከም ኣፍ ዑንቊ ጸቢባቶም፡ ከም ሰቦም ኣብ ኤርትራ ቀባሕባሕ ይብሉ’ለዉ። ብዙሓት ሓሊፎም፡ ብዙሓት ጠፊኦም፡ ብዙሓት ከኣ ፈቐዶ ኩርናዕ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ኣብ ስደት ክዕቆቡ ኣቤት ይብሉ’ለዉ።

    በቲ ካልእ ሸነኽ ግን ናብ’ዛ ድሕሪ ፖለቲካ ናይ ባድመ ተፈጢራ ዘላ ኢትዮጵያ-ናይ-ሕጂ ተመሊሶም ከምብሓዲሽ ኣጎዛ ኣንጺፎም ዘሳፍሑሉ  መሰሎም  ዝተሓደሰሎም ብቐሊል ቁጽሪ ዝግመቱ ኣይኮኑን። ስለ’ዚ በዛ ታሪኻዊት ስጉምቲ’ዚኣ መዋድቖ ጨኒቑዎ ኮለል ናይ ዝብል ዘሎ  ህዝቢ ድላይን ትጽቢትን ከተማልእ ብምትዕጽጻፋ ኢትዮጵያ፡ ንህዝባን መንግስታን ኣድንቖትን ምስጋናን ዝግብኦም’ዩ።

    እንተኾነ ግን ካብ’ዞም ብዕለታዊ ኣነባብራኦም ኣንፈት ኣረኣእያ ምንቅስቓስ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ናይ’ንዳ ዝናን-ባህታን ስግጽ ዘበሉ መሰኻኽር፡ ምናልባት እንተተመሰለሎም ኣሰር ቀዳሞት ተሰሪዖም ኣብ መንገዲ-ተስፋ፡ ፎቶ ኮፕን ኦሪጅናልን ናይ ወረቓቕቲ ምፍላይ ክሳብ ዝእግሞም፡ ካብ ቆጸራ ናብ ቆጸራ ማዓጹ ዝኹሕኩሑ  ዘለዉ ዓይንኻ ጸቒጥካ ዝሕለፉ’ይኮኑን።

    ብዘይምግናን፡ ኣብ’ዛ ስጉምቲ’ዚኣ ዝንጸባረቕ ላዕልን ታሕትን፡ ኣበ’ረኣእያ ናይ ብዙሓት ዝህልዎ ጽልዋ ቀሊል ኣይኮነን። ስለዝኾነ ድማ ኣብ’ቲ ዓድን-ዓውድን ዘብርስ ዘሎ ናይ ህልኽ መድረኽ ናብ’ቲ ይሰምዕ’ዩ ተባሂሉ ተስፋ ዝግበረሉ ወገን ገጽካ፡ ዘድምዕ ለውጢ ዝመጽእ’ሲ ኣረኣእያ ናይ ህዝቢ ተጸናትዩ መኣዝኑ ዘመኣዛዚ ቅዲ’መራርሓ ምስ ዝጥጥዕ’ዩ ዝብል ድምጺ ምቅላሕ ማለት፡ ተመስገን ኢልካ ምብላዕ ዘስምዕ ኣይመስለንን።

    ከመይ’ሲ፡ ንሓዋሩ ዝጽወየሉ’ግበሮ’ምበር፡ ፖለቲካ ናይ ባድመ ተዓሚሙ፡ ብሓፈሽኡ ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ ሩባ መረብ፡ ብዝያዳ ድማ ኣብ ልዕሊ’ቲ ትግሪኛ ተዛራቢ ክፋል ሕብረተሰብ ናይ ኤርትራ ክዘንም ሓግዩ-ዝኸርም ዘሎ ናይ ትማሊ ኣደራዕ ብቐሊሉ’ይኮነን ጉልባቡ ዝቕላዕ።

      ህሉው ኩነታት ከምዝምስክሮ ድማ፡ ክሳብ ምብራዕ ፖለቲካ ናይ ባድመ ኣብ ኢትዮጵያ ብብዝሒ ክነብሩ ዝጸንሑ ክፋል ሕብረተሰብ ንሶም፡ ብሰንክ’ቲ ኲናት ካብ ኢትዮጵያ ብብዝሒ ዝተሰጎጉ ንሶም፡ ኣብ ሲናይ መላገጺ በደዊን ዝኾኑ ዘለዉ ንሶም፡ ኣብ ባሕርን ምድረበዳን ብብዝሒ ዝሃልቁ ዘለዉ ንሶም፡ ገና ሕጂ’ውን ናብ ምሉእ ዓለም ፋሕ ብትን ክብሉ ኣብ መንገዲ እናዓረቦም ወሊዶም ዘዕብይሉ ዕድመ ዝሓልፎም ዘሎ ክፋል ሕብረተሰብ ንሶም’ዮም’ሞ፡ ወላ’ኳ ከከም እዋኑ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ ሩባ መረብ ዝመሰሉ እንተመሰሉ፡ ንናይ ጽባሕ ነገር ክሳብ ዝበርቀሉ በዓል እዋኑ፡ እንተተረኺቡስ ህዝቢ መጓሰ እንዳኣሉ፡ ዝብል ሕያዋይ ጓሳ መተካእታ የብሉን። 

4) ሕያዋይ ጓሳ!

  ስለ’ዚ ለውጢ ዝመጽእ ሃንቀውታ ናይ ህዝቢ ምርኩስ ብምግባር ብዝቕይስ ቅዲ’መራርሓ ካብ ኮነ’ምበኣርከስ፡ ብዘይ ቃል-ዓለም ኣብ ኤርትራ ለውጢ ንምምጻእ ዝግበር ጻዕሪ ካብ’ቲ ዝኣጎለ ናይ ምግዳልን ምጅሃርን ሜላ፡ ማለት፡

 ምጭጫሕ ተቓወምቲ ውድባትን፡

 ምዕዳል ወተሃደራዊ ዕጥቅን ንላዕሊ ኣድህቦ ዝደሊ ረቛሒ፡

ናይ ህዝቢ ድላይን ትጽቢትን’ዩ። ንሱ ስለዝኾነ ንእዋን ዘርብሕ ዋሕስ ዘለዎ ሓይሊ።

   እስኪ ነዛ ክጸቕጠላ ዝፍትን ዘለኹ ነጥቢ፡ ማለት ኣበ’ተሓሳስባ ናይ ህዝቢ እትምርኮስ ሜላ ናይ ለውጥን ዕርቅን ብኣብነት ንምድጋፋ፡ ኣብ እስራኤል ዘለዉ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን - መብዛሕትኦም ተዛረብቲ ትግሪኛ - ናብ ኤርትራ ንምምላሶም ወይ ድማ ናብ ሳልሳይ ሃገር ንምስግጋሮም ኣብ ዝግበር ዘሎ ላዕልን ታሕትን’ሲ፡ ኡጋንዳን ሩዋንዳን ከም ተቐበልቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብተደጋጋሚ’ዩ ኣስማተን ዝለዓል። ምናልባት ውሽጢ-ውሽጢ እንድዒ’ምበር ኢትዮጵያ ከመ’ማራጺ ክትለዓል ብወገነይ ኣይሰማዕኩን።

                                                                 ስለምንታይ?

**ምናልባት እቶም ኤርትራውያን ብምርጫ ናብ ኢትዮጵያ ምምላስ ስለዘይቅበሉ ዶኾን’ኸውን?**

** ወይስ ኢትዮጵያ ንምቕባሎም ጽቡቕ ፍቓድ ስለዘይብላ’ዩ?**

**ምናልባት ብዓይኒ ዘይረአ መሳወሪ ኢድ ይሓላልኾ ከይህሉኸ?**

ዝኾነ ኾይኑ ዝተባህለ ተባሂሉ፡ እዞም ኤርትራውያን ካብ እስራኤል ናብ ዓዶም ተመሊሶም፡ ሓዲሽ ሂወት ምምራሕ - ናይ መጻኢ ዕድሎም ራእይ - እንተኾይኑ፡ ክሳብ ሩዋንዳን ኡጋንዳን ዓዲ’ምርሓቕ ማለት፡ ናብ’ቲ ጽባሕ ንግሆ ኣብ ኤርትራ ዘማዕድውዎ ናይ ሓባር ዕላማ ገጹ ዘምርሕ ኣማራጺ ኣይመስልን’ዩ ንምባል’ዩ ጻዕረይ። …… ዝምረጽ የብዝሓሎም። ……….. መሰንጾ ሳልሳይ ኢድ ይስበረሎም!

     ከምኡ’ውን ንኢትዮጵያ ብሸነኽ ኤርትራ፡ ኣሽሓት ወተሃደራት ኣብ ዶብ ዘስፍር ኣስጋኢ ኩነታት ምእንቲ ከልግሰላ’ሞ፡ ናይ ሰብን ናይ ንዋትን ዓቕማ ኣብ’ቲ ተተሓሒዛቶ ዘላ ቃልሲ ኣንጻር ድኽነት ምእንቲ ከተውዕሎ፡ ብሸነኽ ኤርትራ ሕግን ስርዓትን ዝቕይዶ ምምሕዳር ምህላው ማለት ካልእ ዝሓሸ መተካእታ ዝርከቦ ኣይመስለንን።

    ብኻልእ ኣበሃህላ ኣብ እስራኤል ዝሽገሩ ዘለዉ ኤርትራውያን ኣብ ክንዲ ክሳብ ኡጋንዳን ሩዋንዳን ዝርሕቁ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ክሰርሑን ክመሃሩን ዝጸንሑሉ ባይታ ንምጥጣሕ፡ ብሸነኽ ኢትዮጵያ ዝኽፈት ናይ መጻኢ ዕድል ማዕጾ እንተገፊሑ፡ ጥበብ ሕያዋይ ጓሳ ዝምስክር፡ ምስ ጠለባት ናይ እዋን ዝተዓጻጸፍ፡ ንጽባሕ ዝጥምት፡ ዕዙዝ ስጉምቲ’ምበር፡ ከምዝኣጎለ ፖለቲካ ናይ ትማሊ፡ ልቦና ደለይቲ ለውጥን ዕርቅን ዘቕሕር ሸፈጥ ዘስምዕ ኣይመስለንን።

    ስለ’ዚ ምእንቲ ሰላምን ቅሳነትን ናይ ህዝቢ፡ ኣብ’ዛ ናይ ህግደፍ ኤርትራ ለውጢ ንምምጻእ ዝሓሸ መንገዲ እንታ’ዩ? እንተተባሂሉ ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ ሩባ መረብ ክኹስኮስ ዘለዎ መንፈስ ለውጥን-ዕርቅን ወይ ድማ ብናይ ትማሊ ህልኽ ዘይኽሰፍ ሓዲሽ ኣተሓሳስባ’ዩ መልሱ። እዚ ድማ ናይ ሰብ’ምበር ናይ ኣላህ ናይ ኣምላኽ ዕዮ-ገዛ ኣይኮነን።

   ብርግጽ’ምበኣርከስ እዞም፡ ንኣብነት ዘልዓልኩዎም፡ ኣብ እስራኤል ዝሳቐዩ ዘለዉ ኤርትራውያን ብቐሊል ቁጽሪ ዝግመቱ ካብ ዘይኮኑ፡ ንሓዋሩ ንሳቶም ዝገብርዎ ምንቅስቓስ፡ ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ ሩባ መረብ ከስዕቦ ዝኽእል ጽልዋ ቀሊል ኣይኮነን’ሞ፡ ምናልባት ካብ’ቲ ኣብ ኡጋንዳን ሩዋንዳን ዝሕሰበሎም ዝመስል ዘሎ መጻንሒ ወይ ድማ ግዝያዊ ዕድል ንላዕሊ ኣብ ኢትዮጵያ ዘይረኣዮም ምኽንያት እንተ’ልዩ ልዑል ኣድህቦ ዝግብኦ ኩነታት’ዩ።

   ከም ርኢቶይ፡ ካብ’ዚ ኣብ እስራኤል ዘሎ ክፋል ሕብረተሰብ ናይ ኤርትራ ብግምት ክሳብ … ሽሕ ዝፍቀድ ወላ ጠበንጃ ከይዓጠቐ ኣብ ከባቢ ራማን ዓዲግራትን ምቕናዩ እንተዝቀላቐል፡ ኣብ ግምባራት ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ውሽጢ ህግደፍ’ውን ብቕጽበት መሰረታዊ ናይ ተሃድሶ ለውጢ ምተጋህደ ኔሩ እንተበልኩ ብቐትሩ ዝሓለምኩ ኣይመስለንን።

   ምናልባት ነዚ ኣበሃላ’ዚ ንምብዳህ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝእከቡ ዘለዉ ኣሽሓት ኤርትራውያን፡ ማለት፡ ካብ ሽመ’ልባ ክሳበ’ዲስ ኣባባ ተኣኪቦም ናብ ሳልሳይ ሃገር ክስደዱ መዋእሎም ዘሕርሩ ዘለዉ ኣሽሓት ኤርትራውያን መኣስ ውሒዶም ክበሃል ይኽእል ይኸውን’ዩ።

     ሓቂ’ዩ ኣሽሓት ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ይነብሩ’ለዉ። ንሓዋሩ መስተርሆት ይፍጠረሎም። እንተኾነ ግን ኣብ እስራኤል መንበሪ ፍቓድ ስኢኑ ዝሽገር ንዘሎ ህዝቢ፡ ናብ ሃገሩ ዝምለሰሉ ናይ ተስፋ ንፋስ ክሳብ ዝነፍስ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ክሰርሕ፡ ክመሃር፡ ክነብር … ዘፍቅደሉ መስርሕ ከምዘሎ እንተተነጺሩ፡ ካብ ሽመልባን ……. ኣዲስ ኣበባን ብሱዳንን ሊብያን ኣቢሉ ዝቕጽል ዘሎ ናይ ህዝቢ ፍልሰት ክሃድእ’ዩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነ’ረኣእያ ምንቅስቓስ ዛ’ዓለም ዕዳጋ ናይ’ንዳ ዝናን-ባህታን’ው ንፋስ ክወስዶ’ዩ ንምባል’ዩ ጻዕረይ።

   ምኽንያቱ ንህግደፍ ይኹን ንቕዲ’መራርሓ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ስልጣን ኮፍ ኣቢሉዎ ዘሎ ወተሃደራዊ ወይ ድማ ህዝባዊ ደገፍ ከምዘይኮነ፡ ንምርግጋጽ፡ ናይ ደምሒት መራሒ ኣቶ ሞላ ኣስገዶም እሕሕ! እናበሉ ዘስምዕዎ ናይ ምስክርነት ድምጾም ከንፈር ዘንክስ’ኳ እንተኾነ፡ ብሸነኽ ኢትዮጵያ ደጊም ዓቕምን ምስጢራውነትን ናይ’ንዳ ዝናን-ባህታን ንምግማት ከይተፈንቀለት ዝተረፈት እምኒ ትህሉ ኣይመስለንን።

    ስለ’ዚ ሽሕ’ኳ ከከም እዋኑ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ ሩባ መረብ መልክዖም እንተቐያየሩ፡ ንናይ ጽባሕ ነገር ክሳብ ዝበርቀሉ በዓል እዋኑ፡ ህዝቢ፡ መጓሰ እንዳኣሉ፡ ዝብል ሕያዋይ ጓሳ መተካእታ የብሉን። 

  ዝኾነ ኾይኑ ናይ’ንዳ ዝናን-ባህታን ነገር ኣብ ዘይሰምዓካ ደብሪ ኣይትማህለል ኮይኑ ስለዝሎ ኣመሉ፡ ኣብ’ቲ ንለውጥን ዕርቅን ተስፋ ዘለዎ መዳይ ምርብራብ እንታይ በሃላይ ንምባል ስለዝኾነ ጻዕረይ ኢየ፡ ደድሕሪ ዓባይ ኢትዮጵያ ነዊሕን ሓጺርን ዘዛርበኒ ዘሎ።

      ኣብ’ዚ ኣንፈት’ዚ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተጋህደ ከም ሃናጺ ስጉምቲ ንምጥቃሱ ዝድፈር ናየ’ሰራርሓ ኣብነት ኣሎ። ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ክምርዓው ወይ ድማ ስድራ ቤቶም ንኽርእዩ ካብ ስደት ናብ ኢትዮጵያ እንክገሹ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ናይ ኣዲስ ኣበባ መእተዊ ፍቓድ (ቪዛ) ክወሃቦም ምጅማሩ ኣብ መስርሕ ለውጥን ዕርቅን ሃናጺ ስጉምቲ’ዩ ከም ግምተይ።

   ማዕረ-ማዕርኡ ግን ኣብ ስደት ንዝነብሩ ደቆም ንኸመርዕዉ ወይ ድማ ንኽርእዩ ካብ ካርቱም ናይሮቢ ወይ ድማ ካምፓላ ኣብ ኢትዮጵያ ክቕንዩ ንዝመረጹ፡ ኣቦታትን ኣደታትን፡ መብዛሕትኦም ተዛረብቲ ትግሪኛ፡ ናይ ወርሒ …. መቐነዪ ቪዛ ንኽፍቀደሎም ዝኽፈል ብዝሒ ዶላራት፡ ነቲ ተቐባሊ ጋሻ ዝኾነ ናይ ሓባር ረቛሒ ናይ ህዝብታት ንወሰን ዘጸግዕ፡ ንህሉው ኩነታት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ኣብ ግምት ዘእቱ ኣይመስልን’ዩ፡ ከም ትጽቢተይ።

   ብኻልእ ኣበሃህላ ካብ’ቲ ቅድሚ ምብራዕ ፖለቲካ ናይ ባድመ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቃላሕ ዝነበረ ኣረኣእያ ምንቅስቓ ዛ’ዓለም ዕዳጋ ንምዝካር ምዝካር ዘገርም እንተዘይኮይኑ፡

እዚ ዘሎ ትውልዲ ኣብ ግምት ዘእተዎ ዝመስል ኣይኹን ደኣ’ምበር፡

ክሳብ ሕጂ ዝፈጸምናዮ ናይ ለውጢ ጉዕዞ

ን30 ዓመታት ዓድን-ዓውድን ከብርስ ዝጸንሐ ኲናት ጠጠው ኣቢልና ….

ህዝብታት ኣቀራሪብና …..

መንገድን መኣድን ናይ ሰላም ኢና ንኹስኩስ ዘለና።

ንሓዋሩ ከኣ በብቑሩብ ክንበጽሖ እንጥምቶ ወይ ድማ ኣርሒቕና እንርእዮ ዕላማ ኣለና።

ካብ ዝብል ዝነበረ ኣረኣእያ ምንቅስቓስ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ፡ ዝጽበዮ ዝያዳ’ምበር፡ እዚ ዝትግበር ዘሎ ጥራይ ኣይኮነን ንምባል’ዩ ጻዕረይ።  

   ብዘይ ምግናን ድማ እዞም ኣብ ኢትዮጵያ ኮይኖም ደሃይ ደቆም ክገብሩ ዝመረጹ ኤርትራውያን ወለዲ፡ እንተኾነ ብናጻ እንተዘይኮነ ድማ ብ10 -20 ዶላር ክሳብ 3 ኣዋርሕ ኣብ ኢትዮጵያ ክጸንሑ እንተዝፍቀደሎም፡ ዜናን ምስክርነትን ናይ’ቲ ኣርሒቕካ ምሕሳብ፡ ካብ ታንክን መድፍዕን ንላዕሊ፡ ኣብ ኤርትራ መስርሕ  ለውጥን ዕርቅን ከቀላጥፍ ይኽእል’ዩ ዝብል ምሳለይ ንምቅላሕ’ምበር፡ ካብ ጁባ ኤርትራዊ ናብ ካዝና ናይ ኢትዮጵያ ዝኣቱ ዘሎ ብዝሒ ዶላራት ዘዛርብ መሲሉ ስለዝተሰምዓኒ ኣይኮነን።

“Invading armies can be resisted; invading ideas cannot.” Victor Hugo

       ሓቂ ንምዝራብ ግን እዞም ሰባት፡ ኣብ ደረት ናይ ግራቶም ዝርከብ’ሞ፡ ቀደም በዓል ስኞር ባርባ እግሮም ዝሕጸቡሉ ዝነበሩ ሩባ መረብ ኣብ ምንቃጹ፡ ምስጋሩ ኣጊሙዎም’ዮም፡ ብኻርቱም ብናይሮቢ ብካምፓላን ካይሮን ተዃሊሎም፡ ናብ ኢትዮጵያ ምቕናዮም ክመጽኡ ዝፍትኑ ዘለዉ’ምበር፡ ዝነቐጸ መረብ ሰጊሮም፡ ሓመድ ናይ እግሮም ብሰምብሃምቦ ነጊፎም እንዳ ማርያም ጽዮን ተሳሊሞም ምስጓም ጠፊእዎም መኣስ ኮይኑ። ስለ’ዚ ኣብ’ዛ ናይ ታሪኽ ክሳድ’ዚኣ ብሸነኽ ኢትዮጵያ ዝያዳ ምትዕጽጻፍ ምጽባይ ማለት፡ ደረትን እምኒ መሬትን ናይ ናተይ-ናትካ ምብሕጓግ ዘስምዕ ኣይመስለንን።   (ናብ ካልኣይትን ናይ መወዳእታን ክፋል ክትቅጽል’ያ።)

ምስ ሰላምታ። ራህዋን ቅሳነትን ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን።

ዳንኤል ተስፋዮውሃንስ ተኽለጊዮርጊስ (This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.)

 መወከስታ

  1. Eritrea and Ethiopia, The Federal Experience (2005) – Dr Tekeste Negash

    “In the course of just a century Eritrea was created, ruled by Italy and Great Britain, federated and later united with Ethiopia and finally after a bitter war of attrition emerged as a sovereign state in 1993. In the last two phases the Tigreans (Tigrinyans) who fromed part of the Abyssinian polity, were principal actors. No other group in the Ethiopian region has repeatedly succeeded in shaping its political destiny like the Eritrean Tigreans.” (p. 169)
     
  2. The New Yorker 04/06/2015
    Born Red – How Xi Jinping, an unremarkable provincial administrator, became China’s most authoritarian leader since Mao.
     
  3. የወግ ሽርሽር ከሓረር እስከ ሸገር፡ ኣፈንዲ ሙተቂ 2006
     
  4. Walled States, Waning Sovereignty: Wendy Brown 2010.
     
  5. The 4th Revolution – The Global Race To Reinvent the State:
    John Micklethwait & Adrian Wooldridge 2014
     
  6. The Shape of the New – Scott L Montgomery & Daniel Chirot 2015.
     
  7. The New Yorker (09/14/2015) –Holly Orders by Alexander Stille 

 

    

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...