ኣዳምን ሄዋንን ካብ ገነት ዝተባረሩላ ልኽፍቲ ምሸት መቸም …. ዝገደፍት የብላን፡ ክሳብ ሕጂ’ኮ’ያ ንኣዳም ልዋም መቓብር ከሊኣቶ ዘላ። ዝኾነ ኾይኑ ንሳ ብዝኸፈተታ ቆንቆር ሰቲዃ ዝኣተወት ንፋስ ዘናኸሰታ’ሞ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ሁር! ትብል ዘላ ሰባብ ኲናት፡ ምናልባት ሕንቅልሕንቅሊተይ መሲላ ከም ሕቶ እንተትቐርብ፡ መልሳ ኣንጻር ድኽነት ትግበር ኲናት’ያ ትብል ጭብጢ ከምትኸውን ኣይፋል ዝብል ሰብ ዝርከብ ኣይመስለንን፡ ምናልባት ካብኣ ትዓቢ ናይ ሓባር ዕማም እትረኣዮ ሰብ እንተዘይኮይኑ።

ብዘይምግናን ግን እዘን ንርብዒ ዘመን መመላእታ ዓድን ዓውድን ናይ ኤርትራውነት ዝብጽብጻ ዘለዋ፡ ባድመ ናይ መን’ያ ወይ ድማ ናይ’ዚ ዞባ ጎብለል ንምፍላይ ዝግበር ኲናት’ዩ ዝዓይነተን ዘመና’ምጽኦ መዛሙር እንዳ ዝናን ባህታን ምስ ኲናት ኣንጻር ድኽነት ዘጸብጽብ ቁጻሮ የብለንን። … ጉድ’ዩ! ቀስ ብቐስ እናተቓለዐ ንሓዋሩ ባኮ ዝመስል’ዩ ዝመስል ምስጢረን።

ርሑቕ ከይተሓልመ ግን፡ ናይ ከባቢኣ ዕላል ጽን ክትብል ጽቡቕ ፍቓዳ እንተኾይኑ ኤርትራዊት እዝኒ፡ ብጣና ሓይቅን ብላዕለዋይ ጫፍ ናይ ቀይሕ ባሕርን ኣቢሉ ዝነፍስ ዘሎ ዝሑል ኣየር፡ ይመልኣዮ! ደኣ’ምበር ብሸንኽ መንቀልን መዕለብን ናይ ፈለግ ናይል ኣቢሉ’ሲ ኣብ ግምባራት ኲናት ኣንጻር ድኽነት ዝምዝገቡ ዘለዉ ዓወታት ዘንጸባርቕ’ዩ ተባሂሉ ዝውረ ጥዑም ወረ ዝሓዘለ’ዩ።

ስለዝኾነ ድማ ጀነራላትን ሚኒስትርታትን ናይ ግብጽን ኢትዮጵያን’ሲ፡ ኣብ ሜዳታትን ጎቦታትን ናይ ኤርትራ ብቡምባን ብጠያይትን ምቁሩቛስ እዋኑ ሓሊፍዎ’ዩ ብምባል፡ ኣብ ኲናት ኣንጻር ድኽነት ምእንቲ ክተሓጋገዙ ንጎደና መጻኢ ዕድል ብመዳፍዕን ብታንክታትን ምጽራግ ዘነውር ሓዲሽ ሜላ ስለዘማዕበሉሉ፡ ታሪኽ ሓዲሽ መጽሓፍ ይደሊ’ሎ ክሳብ ምባል ዘድፍር’ዩ ኣብ ከባቢና ሱር ዝሰድድ ዘሎ ናይ ለውጢ ጉዕዞ።

ስለዝኾነ ድማ ኢትዮጵያ ማለት ጸላኢ ማለት’ዩ ዝዓይነቱ ኣተሓሳስባ ዝዘርአ ናይ ኣዳም ሓጢኣት ከም መናኸሲ ናይ ኲናት ጥራይ ዘይኮነ ከም ዓንዲማእከል ናይ ሃገራውነትን መለክዒ ናይ ኤትራውነትን ክሳብ ምዃን፡ ኣበ’ተሓሳስባና ሰሪጹ ከምዝጸንሐ ምዝካር ማለት ምግናን ኣይመስለንን። .. “ሓብእ ቁስሉ ሓብእ ፈውሱ” (ምስላ) ከይኮነና ማለተ’የ!

ሕጂ ግን እቶም ናይ’ዚ ቋንቋ’ዚ መሃርትን መራሕትን በብሓደ እንክውሕዱ፡ ንገለገሌናስ ምሒር መረረ ብዛዕባ ናይ ትማሊ ውዕሎና፡ ሕማም ደሓር ናይ ምግዳል ተመሲሉ ኣማራጺ ካብ ምምዕባል ዝጋርደና ዘሎ’ዩ ዝመስል ዘሎ ኣተሓሕዛና። ብሓጺሩ ግን ብሸነኽ ግብጻውያንን ኢትዮጵያውያንን ምስ እዋን ዝተዓጻጸፍ ሓዲሽ ዓይነት ዝምድና ምምዕባል ተኣምራት ከምዘይኮነ ተረጋጊጹ’ሎ። እንተ ንሕና ግን ብመንጽር ናይ’ዚ ዝሃጉግ ዘሎ ታሪኻዊ ናይ ህልኽን ናይ ጽልእን ፍልስፍና ናይ’ንዳ ዝናን-ባህታን ክሳብ መኣስ ንድሕሪት ከምንውጠጥ እንድዒ።

ብኻልእ ኣበሃህላ ኢትዮጵያን ግብጽን ንባህርያዊ ሃብቲ ማይ ናይ ሩባ ኣባይ ብስጋይ-ስጋኻ፡ መመኣዶም ንምስሳን ብሰላም ክጥቀሙሉ እንተ’ሳንዮም’ሲ እኹል-ትሩፍ ሽሻይ ክረኣዮም ከምዝጀመረ ተኣማሚኖም፡ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ይብገሱ’ለዉ፡ ክሳብ ምባል ይብጻሕ ከምዘሎ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ዝምዝገቡ ዘለዉ ጻዕርታት ናይ ኲናት ኣንጻር ድኽነት ምስክር’ዮም። እንዳ ዝናን ባህታን ኣይስምዑ! ምናልባት ወያነ ጥራይ’ባ ኣይኮነትን ጠሊማትና ክሳብ ምባል ከየስተማስሉ ማለተ’የ!

ምናልባት ምስ’ቲ ጸብጻብ ናይ ዓወታት ክድመር ተሓሲቡ ግዲ ኮይኑ ድማ “ናይ ግብጺ መራሒ ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ሲሲ፡ ንታሪኽን ንዝናኦምን ዘማዕርግ ብዝመስል ኣገባብ፡ ኣሰር ቀዳሞት ፈርዖናት ንምስዓብ፡ 45 ቢልዮን ዶላር ዝግመት መዋእለ-ንዋይ ዝዋፈረላ …. ርሻናትን ቪላታትን ጥራይ ዘይኮነ ማዕረ 4 ዕጽፊ ዲስኒ-ላንድ ዝምጥን ናይ መዘናግዒ ቦታ ክህልዋ ሃንቀው ዝበሃለላ ከተማ ንምህናጽ ካብ’ቶም ናይ ሓይሊ’ቦኦም ከገልግሉ ኣላሽ ዘይበሉ ታሪኻውያን ሕንጻታት ናይ ካይሮ ኣስታት 45 ኪ.ሜ. ፍንትት ኢሎም ሓዲሽ ዓዲ ክምስርቱ፡ ሑጻ ሑጻ ክምርሹን፡ ምስ ሓላፊ ናይ’ቲ ካብ ዓለም ዝነውሐ ሕንጻ፡ ማለት በርዥ ከሊፋ (Burj Khalifa) ዝሃነጸ ትካል ውረድ-ደይብ ጀሚሮም ኣለዉ ብምባል ንተገረምቲ የገርሙ’ለዉ ይበሃል ከምዘሎ መጽሔት The Economist 03/21/2015 ኣብ ገጽ 39 A new Dubai, without the gold ክትብል ኣውጊዓቶ’ላ። ርሻናት እንዳ ኮረያ ረሲዐ ማለት ግን ኣይኮነን!

ማዕረ ማዕርኡ ኣብ ሕምብርቲ ኣዲስ ከባቢ ሳንጋ-ተራ መብራቱ’ጋ! ዝነበሩ ናይ ቀደም ገዛውቲ ድማ “ዓባይ ኣባ ሻውል ሎሚ ክደርፈላ … ከይፈረስት’ከላ..” ትብል ደርፊ ናይ ጥዑም እዋን ዘዘኻኽር ብዝመስል ኣገባብ፡ ብሰማይ-ጠቀስ ርሻናት ምእንቲ ክትክኡ ተሓግሒጎም ይጽረጉ’ለዉ፡ ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ እዋን፡ ካብ’ቲ ሓደ ስግር ሩባ መረብ ዝስማዕ ዘሎ ናይ ዓበይትን-ናእሽቱን ናይ መርዑትን-ኣንስትን ጫውጫውን-ንብዓትን ራዕድን-ሽበራን ዝነዝሕ’ዩ። ምናልባት’ውን ኣብ’ዛ ሸታትሖ ዓለም-ከባብ እዛ ዓለምና ንበይና ተፈልያ ብደንደስ ዝተዛዘመት ሰጣሕ ከም ሰተታ ትመስለሉ ምኽንያት እንታይኮን’ኸውን ክሳብ ምባል ዘድፍር’ዩ ዝመስል።

ማለት’ሲ ኣብ ከባቢ ሰንዓፈን ዓዲቐይሕን፡ መብዛሕትኡ ካብ እስራኤል ብዱባይ ኣቢሉ ብተረባሕቲ መሓውራት ንግዲ ናይ ባዶ ትሽዓተ ወይ ድማ ብሓዋርያት መሳፍንቲ ናይ እንዳ ዝናን-ባህታን ኣቢሉ ካብ ናይ ወጻኢ ገንዘብ ናብ ናቕፋ ዝተቐየረ ብደምን-ረሃጽን ኤርትራውነት ብዝጠልቀየ ሃብቲ ዝተሃንጹ ህድሞታትን መረባብዕን ምፍራስ ተኣዊጁስ፡ ዓደ’ቦ ብተግባራት ናይ’ቲ ምዕናው’ምበር ምህናጽ ዘይተዓለመ መንግስቲ ባህሪሮም፡ ብሸፈጥ ባንዴራን ጥረራን ንዝተዓደልወን ጠበናጁ፡ እዚኣተን ነገር ክጽሕትራ እንተዘይኮይኑ ማዓጹ ራህዋን ሰላምን ክኹሕኩሓ ተራእየን ኣይፈልጣን’የን፡ ብምባል ናብ ዝባን ቆፋፉ ብምድርባይ፡ ቶባእ ተግባራት ንጉስ ምድሪ ንምባል’ሲ፡ ታቦቶም ኣውጺኦም ናብ ንጉስ ሰማይ ኣቤቱታ ከቕርቡ ኣብ ቅርዓት ተኣኪቦም ብጸሓይ ቀራዕ ክብሉ ውዒሎም ዝብል መሪር ወረ’ዩ ዝቃላሕ ዘሎ። ይኽደነና ደኣ’ምበር ንታቦት ዘይፈርሕ፡ ዝገብሮ ዘይፈልጥ መንግስቲ ዘጓነፎም’ዮም ዝመስሉ ዓደ’ቦ። ዘይረኣይዎ ይፍጠረሎም!

ኩሉ ሰብ ከምዘይስሕቶ ድኽነት ጸፋር ኣብ ታሪኽ ኢዱ ክህብ ተራእዩ ኣይፈልጥን’ዩ። ምናልባት ኣብ ዝባኑ ዝዓልብ ደብዳብ ናይ ቡምባን ቅምቡላን እንተጽዒቕዎ’ኳ ትንፋሱ ዝሓለፈት ክሳብ ዝመስል ኣዝጊቡ፡ ዝናም ናይ ጠያይትን ድምጺ መዳፍዕን ክሳብ ዝሃድኣሉ ምስ እዋንን ምስ ኩነታትን ዘመሳስሎ ሕሉፍ ናይ ምሽፋጥ ክእለት ዘለዎ ጠቢብ’ዩ ዝመስል!! ውዒሉ ሓዲሩ መሬት በርሃው ምስበለሉ ግን ሒንኡ ንምፍዳይ ናብ ቆልዓ-ሰበይትን ሽማግለን-ዓበይትን ኣድረጋ ናይ ትርሺ ጠያይቲ ካብ ምፍናው ድሕር ኣይብልን’ዩ ድኽነት። ስለ’ዚ ኲናት ኣንጻር ድኽነት ብወፈራ ኢደ-ኢድ ተተሓሒዝካ’ኳ እንተተኻኢሉ’ዩ።   

ስለዝኾነ ድማ ኣብ’ዛ ኣብ ዝሓደረቶ ዘይትውዕል ዓለም ዕዳጋ፡ ናይ ትምህርቲ ብቕዓት፡ ናይ ፖለቲካ ኩርዓት፡ ናይ ሃይማኖት ጽንዓት፡ ናይ አኮኖሚ ስርዓት ዓንደ-ገመሎም ክሳብ ዝነቓነቑ፡ አረ እናሓንሳብ’ሲ ካብ ሱሮም ክሳብ ዝብርቆቑ ኣንጻር ድኽነት ክዋደቑ፡ ኣሳንዮም ከይሰሓቑ፡ ብደዎም ክዳረቑ፡ መዋእሎም ከምዘይማሞቑ ህያው መልክዖም’ዩ ነጸብራቑ።

እቲ ዝገርም ግን እንተ ካብ ዓይነት ናይ ትምህርቲ እንተስ ካብ ፍሉይነት ናይ ፖለቲካ፡ እንተ ካብ እምነት ናይ ሃይማኖት እንተስ ካብ ናይ አኮኖሚ ጥበብ፡ ታሪኻዊ ገምጋም ውጽኢት ኲናት ኣንጻር ድኽነት ብዙሕ’ዩ ዝመስል ዓይነቱ። ምኽንያቱ ኣቦና ኣዳም ካብ ገነተ- ኤዶም ኡንኮ ፍረ፡ ንሳ ድማ ብኢድ ኣማኒቶም ብምቕንጣቦም፡ ቀንጠብጠብ ኢልካ ተባሂሎም፡ ብዘይንሕስያ ሓንሳብ ንሓዋሩ፡ ናብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ብምብራሮም፡ ንዳግመ ግምት ኣቤት ዝበሃለሉ እንዳ ጭቃ ስለምንታይ ከምዘይፈጠሩ ኣባዥጎ ዝገርም’ኳ እንተኾነ ነገሩ፡ ብፍላይ ቀጺሉ ብዝሰዓበ ኣቐላልማ ታሪኽ፡ አረ ዝባን ኣሕዋት! ነቲ ትማሊ እንታይ ምስተገብረ’ዩ ናይ ሎሚ መልክዕ ከም’ዚ ክመስል ክኢሉ ዘሎ ዝብል ኣመለኻኽታ ናይ መጻኢ ዕድል፡ ሎም’ኸ እንታይ ምስጎደለ’ዩ ደቀይ ዝብል መመላእታ ዘየድልዮ መኣስ ኮይኑ።

ብዘይ ቃልዓለም ብዛዕባ መልክዕ ናይ ሎምን ኩነታት ናይ መጻኢ-ዕድልን ክህሉ ዝኽእል ግንዛበ ካብ ጸብጻብ ድኽመታት ናይ ኣዳምን መረረ ናይ ትማሊ ውዕሎን ንላዕሊ ንደቂ እዋን ዝምልከት ገዚፍ ዕዮ ገዛ ኣለዎ። ምናልባት ኣብ’ዚ ዕማም’ዚ ሸታሕ ምእንቲ ከይብሉ ስንቂ ደቂ እዋን እንታይ ዝመስል ከምዝነበረ ምፍታሽ ከድሊ እንተኾይኑ ድማ፡ ቆልዓ ተወሊዱ፡ ተማሂሩ  …. ብጡረታ ዓዲ ክሳብ’ምዓሉ ኣብ ዘሎ ናይ ዕድመ ጸጋ፡ መዋእል እንታይ ይመስል ኔሩ ዝብል ገምጋም’ዩ ሚዛኑ።  ማለት’ሲ ቅጫን ብርኩታን ጥራይ ዘይኮነ ናይ ትምህርትን መጻሕፍትን ከምኡ’ውን ናይ ምጽሓፍን ናይ ምብልሓትን ናጽነት ዘጠቓልል ከም ዝኾነ ስንቂ ደቂ እዋን ዕለታዊ ናብራ’ዩ ሓባሪ። …….. ግደ ሓቂ ግን ኩላሶ ናይ ደቁ ካብ ዝሙቕንን ለካዒ ንጉስ ይሰውረና። ዝኾነ ኾይኑ ግን ዓውድኻ ከም ዘርእኻ ስለዝኾነ ብዙሕ ከየስተማሰልካ ኣማራጺ ሜላ ንምኹስኳስ ዘለካ ካብ ምውካፍ ንላዕሊ ካልእ ዘተኣማምን ወይ ድማ ውሕስነት ዘለዎ ኣማራጺ ዘሎ ኣይመስልን’ዩ ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ። .. ዘሎ ግበር ዝሞተ ቅበር’ኳ ዝብል ትምህርቲ ኣበው።

ብሓጺሩ’ምበኣርከስ ግብጽን ኢትዮጵያን’ኳ ብትሕዞን ብኢድ-ኣዙርን ንዘመናት ብስላዕን ብኹርማዥን ከምዘይተዳሰቓ፡ ኣብ’ዛ ሰዓት’ዚኣ ብሓዲሽ መጋርያ ተቐራሪበን እናማሞቓ’ሲ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ላህመም ዝብል ዘሎ ብላይ ናየ’ረኣእያ ፍልልይ ንሓዋሩ ንኤርትራውነት ንድሕሪት ኣትሪፉ ኣብ መወዳእታ ዘሕንኽ ውጽኢት ከምዘስዕብ ዘጠራጥር ኣይኮነን ከም ርኢቶይ።

እወ ናይ ኤርትራ ናጽነት እንታይ ዘይተጸበዮ ኩነታት ኣጋጢሙዎ’ዩ ከም’ቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ክመስል ዘይከኣለ ዝብል መንቀሊ ካብ ኣሕን ንናይ ትማሊ ውዕሎ ምቁንጻብን ንላዕሊ ንሓደስቲ ሓሳባት መብረቒ ክኸውን ከም ዝግብኦ ንደቂ እዋን ዝምልከት ዕዮ ገዛዶ’ይኮነን ንምባል’ዩ ጻዕረይ።

ብንጽጽር ኣብ ኢትዮጵያ ሰፊኑ ዘሎ ናይ ትምህርትን ናይ ምጽሓፍን ምዕባለ ብማዕዶ ዝግመት ትዕድልቲ ኣይኮነን። ካልእስ ይትረፍ ብዛዕባ ታሪኽ ዝምድናታት ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝምልከት ዝጸሓፉ ዘለዉ መጻሕፍቲ ምዝካር ጥራይ’ኳ፡ ዓቢ ኣብነት ኢዩ።  

ኣብ መወዳእታ ምስ’ዚ ኣተሓሒዘ ክዝክራ ዝደሊ ፍልይቲ መጽሓፍ፡ “ኢትዮ-ኤርትራ የቀን ግርዶሽ” ትብል ናይ ኣቶ ተስፉ ኣልታሰብ ድርሰት’ያ። ደራሲ ኣብ ማይሓባር ተወሊዱ ንዕስራ ሓደ ጎደል ክሳብ ዝበጽሕ ዕድምኡ ኣ’በስመራ ዝዓበየ’ዩ። እንተኾነ ግን ምስ ደቂ ገዛውቱ ን15 መዓልታት ጥራይ ኣብ ናይ ናጽነት ጓይላ ምስዘለለ ኣብ ኤርትራ ናይ ምንባር ዕድሉ ከምዘብቅዐ ብትካዘን ናፍቖትን ይዝክር።

ናይ ደራሲ ዕድመ ምስ ኤርትራውያን መሳትኡ ብንጽጽር እንክርአ ከም መንእሰይ ዝቑጸር ናይ ኣርብዓ ዓመት ፈረሱ ዝተወጥሐ ሰብኣይ’ኳ እንተኾነ ውሕልነት ኣደራርሳ መጽሓፉ ኣዝዩ ልዑል’ዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ኣብ’ዛ ብቒምታን ብጽልእን እትህወጽ ዘላ እዋን’ኳ ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ ኤርትራን ንንባብ ዘብህጋ ቋንቋን ጸጋን ዝተዓድለት’ያ ድርሰቱ። ተጀሚራ ክሳብ ትዛዘም ድማኒ ዝምድና ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ንቡር ዝምለሰሉ ራእይ ኣብ ምቅላሕ ኣይትሕለልን’ያ።

ብዓቢኡ ከኣ ናይ ቲፎዘነት ወይ ድማ ናይ ቂምታ ስምዒታት ስለዘይጸልዋ፡ ዝምድና ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ንቡር ንምምላስ ንዝጽዕሩ ዜጋታት መዘከርታ ክትከውን የውፍያ ንመጽሓፉ። ሒዝካ ትግደፍ መጽሓፍ ከም ዘይኮነት ከኣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ (የካቲት) ንኽልተ ሰሙናት ናብ ኣዲስ ኣበበ ከይደ እንከለኹ’የ ረኺበያ። ዝኾነ ኾይኑ ኣብ ክልተ መዓልቲ ኣንቢበ ወዳእኩዋ’ሞ ኣድንቖተይ ንምግላጽ ንኣቶ ተስፉ ተለፎን ደወልኩሉ። ሻቡ ብኣካል ክንራኸብ ተቛጸርና፡ ሓንቲ ምሸት ከኣ ብሓንሳብ ኣምሰና። ኣብ ምስንብባትና ድማ ብታክሲ ኮለል ምባል ምእንቲ ከይጽግመካ መኪና ክህበካ በለኒ።

ኣብ ካልኣይትን ናይ መወዳእታን ክሳብ ንራኸብ ንትንሳአ ዘብቅዕ በዓለ ትንሳአ ይግበረልና።

ራህዋን ቅሳነትን ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን።

ዳንኤል ተስፋዮውሃንስ ተኽለጊዮርጊስ

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.


References:

1.      The Economist 03/21/2015

2.     ኢትዮ-ኤርትራ የቀን ግርዶሽ - ተስፉ ኣልታሰብ 2006 ዓ.ም ብግዕዝ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...