ዘመን “ክላ”

ሓደ ብስነ ስርዓት ዘዓበየ ሰብ ኣንስታይ ይኹን ተባዕታይ ነዚኣ ኣምር እዚኣ ኣይፈልጣን እዩ። ኣይጥቀመላን ከኣ። ምኽንያቱ ካብቲ ንሱ/ንሳ ዝዓበየሉ ሃዋህው ኣዝያ ርሒቓ ስለትርከብ። ከምዚ ኾይኑ ግን ኣብ ዝሓለፈ ሰላሳ ዓመታት እዚኣ ኣምር እዚኣ ኣብቲ ትሑት ኣካላት ጸኒሓ ከድልያ እንከሎ ኣብቲ ናይ ንቡር ባይታ ከም ሓደ ቅቡል ቢሂል ኮይና ክትቀርብ ትፍትን ኣላ። ትዕወት ዘላ ትመስል ከኣ።

እንታይ እያ እዚኣ? ኣብነታት ንርአ።

በዓል እገለ ናይ መጻሕፍቲ ምንባብ መደብ ኣውጺኦም ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ክእከቡ ይሓስቡ ኣለዉ ይብል እቲ ወረ። መልሲ ናይ ክላንደይን፡ “ክላ እዚኦም ድኣ ቀደም ምኻን ኣብይዎም እምበር ሎሚ ድኣ ኩሉ እንድዩ ዘንብብ ዘሎ። እንታይ ናይ ሰሰሙን ኣኼባ ኣድለየ?” እያ። ረኣዩ ስምዑ። ስለዚ መጻሕፍቲ ምንባብ ኣድላዪ ኣይኮነን ወይ ከኣ እገለን እገሊትን እንተጌሮሞ ቅቡል ኣይኮነን። ምስኣ “ደይ ንርእሶም ሓፍ ሓፍ ከብሉ ደልዮም እዮም እምበር እንታይ ናይዚ ጉዳይ ኣብ ኢንተርነት ምውጻእ ኣድለየ? ሱቕ ኢሎም ድኣ ናብሮኦም ዘይገብሩ?” “ካልእ ዝበሃል ሲኢኖም ድዮም?”

እገለ ብዛዕባ መንግስቲ እዚን እዚን ሓዲሽ ሓበረታ ኣቃሊዑ። መልሲ ክላንደይን። “ክላ እዚ ድኣ ምስቲ መንግስቲ ኮይኑ ይሰርሕ እንድዩ ኔሩ። ሎሚ እንታይ ተረኺቡ ድኣ መጺኡ”። (እቲ ሓበረታ ሓድሽ ምኻኑን መዓልታዊ ተርእዮ ናይቲ ዝረአ ዘሎ በዳሊ ኣካል እንታይ ምኻኑ ዘርኢ ጉዳይ እዩ።) ሱቕ ኢልካ ምስማዕን ምዕዛብን ስለዝድለ ነቲ ዝበሃል ክህረም ኣለዎ ግድነት። ስለዚ ክላንደይን ትለዓል። ስርሓ ስለዝኾነ። ይቕጽል “ደይ ስልጣን ደልዩ እዩምበር በዚ እዋን ናይ ናብርኡን ስርሑን ዘይገብር?” ኣገዳስነቱ ብዘይገድስ ሱቕ እንተበለ ይሓይሽ እዩ እቲ መልእኽቲ። ሰማዕቲ ድማ እቲ መልእኽቲ ዝኾነ ይኹን ኣብ ልቦም ክኣቱ የብሉን።

እታ ኢዳ እናወጣወጠት ትኸይድ ዘላ ኣምር “ክላ”ን”ደይን” ትቕጽል።

ሎሚ ቕነ ምሁራት ኣብ ገለ ዓዲ ተራኺቦም ብዛዕባ ህጹጽ ኩነታት ሃገር ክዘራረቡ ተኣኪቦም ቀንዮም። እዚኣቶም ዝሓስብዎ ዘለዉ ነገር እንተድኣ ኮይኑ ካብ ቀደም ኣትሒዞም እውን ዝመደብዎ ግንከ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ኣይተራኸቡን። ሎሚ ግን እቲ ነገር ኣዝዩ ስለዝተሓሳሰቦም ቀልጢፎም ተሓባቢሮም ዘትዮም።

“ክላ” እዚኦም ከኣ! ክንድዚ ዓማውቲ ኣበይ ኔሮም? (እቶም “ክላ”ን “ደይ”ን ንባዕሎም ኣበይ ኔሮም ኣይሕተትን እዩ)። “ምሁራት ከኣ ይበሃሉ!” (ክላንደይን ንባዕሉ ከም ኣምር ናይ ዘይምሁራትን ክፈልጡ ዘይደልዩን እዩ)። “ድሓር ከኣ ረኣይዎም። በዓል መን እዮም? ኣበይ ኔሮም?” (እቲ ዘዛርቦ ኣርኣስቲ ኣይጥቀሰን። እቲ ነገር ኣይትንተንን።) ነጻነት ናይ ምዝራብን ምእካብን ንኹሉ ማዕረ እዩ ዝብጽሖ። ደቅ ሰብ ድላዮም ክገብሩ ምሉእ ዕድል እንተድኣ ረኺቦም ነዚ ክገብሩ ይኽእሉ እዮም። ብዘይካ እዚ ካብ ናይ ሳልሳይ ዓለም ዝምንጩ ናይ ዓዋሉ መንግስቲ ዝልእኮ ዋጭዋጭን ተደናገጽትን ገዲፍካ ኣብ ስልጡን ዓለም እዚ ንጥፈታት እዚ ቅቡል እዩ። ደቅሰብ ከምድላዮም ብዛዕባ ድላዮም ክእከቡን ክዛረቡን ይኽእሉ። ካብ ዝኾነ ጉጅለ ይኹኑ። በቲ ናይ ሰብ መሰል ተጣባቒ እየ ዝብል ኣካል “ክላንደይን” እቲ መልሲ ንስኻን ምስ መሰልትኻን መተዓብይትኻን መሳርሕትኻን ድላይካ ክትገብር ካልእ ሰብ ግን ከይእከብን ከየዕልልን ከይማጎትን ከይዝትን ትኽልክል መን ኢኻ? ዝብል ሕቶ ይለዓል። ማለት መን እዩ ንመን “ክላ” ኢሉ ዘስተነዓቕ? “ደይ” እዚኦም ካብዚን ካብትን እዮም ዝብልከ ንመን እዩ? ንዓይን ርሑስን ንዓኻን እሾኽ ዝኸውን እንታይ እንተኾነ እዩ?

ብዘይገድስ ኣምር “ክላንደይን” ካብ ጸላኢን ዓማጽን ጥራሕ ኣይኮነትን ትወርወር። ካብቲ ኣሎኹ ዝብል ተቓዋማይ ይኹን ተደናጋጻይ እውን ብትሑት ደረጃ ማለት ብዘይውሕሉል ኣገባብ ትመጽእ እያ። ገለ እስኪ ካልእ ኣብነታት ይደለ።

እገለን እገለን ብሓደ ይኸዱ ኣለዉ። ለማቕነ እንዲዒ ገለ ኣላታ። ወይ ጉድ ኣዝማድ ድዮም? ኣበይ እዮም ዝፋለጡ? ሕቶታት ይስዕብ። እምበኣር ኣዝማድ እዮም። ወይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ይፋለጡ ኔሮም። ሓንቲ ስጉምቲ ናይ ውደባ ይኹን ናይ ዘተ ኣይወሰዱን እዞም ሰባት። “ክላንደይን” ትዘልል። “ክላ እዚኦም ድኣ ኣውራጃውያን እንድዮም። ካልእ ሰብ ዘሎ ዘይመስሎም።” “ደይ እቲ ናይ ቀደም ጉዳይ ስጋብ ሎሚ የሕምሞም ስለዘሎ እዩ እምበር ተገዲሶም ኣይኮኑን። ንፈልጦም እንዲና” ትብል። ግዜ ኣይትህብን እያ ኣምር “ክላንደይን”።

እቶም ሰባት ይደሃሉ። ክላንደይን ኣይተናሕስን እያ። እቶም ግዳያት ክነሶም ነቲ ሰማዒ ከመኽንዩ ይረኣዩ። ናይ “ክላንደይን” ኣብነት ወሲዶም ንነብሶም ክከላኸሉ ይፍትኑ። ዓቢ ጌጋ። ክላንደይን ድኣ እዚ እንድያ ትደሊ። ምኽንያቱ እቲ “ክላ” ናታ እዩ። እቲ “ደይ” ግን ናይ ኩሉ። ግዳያት “ደይ” “ንሕና ብሓደ ስለዝዓበና ኢና እምበር ብኻልእ ኣይኮናን ተራኺብና። ድሓር ድማ ብጉዳይና እንተዘራረብና መዓስ ሕማቕ ኮይኑ? ወይ ጉድ። ሎምስ እንታይ ከምንገብር ጠፊኡና” እናበሉ ኣብ ምክልኻልን ስምባደን ይኣቱዉ። ተተንኪፎም እቲ ጉዳይ ኣብ ጋል መንገዲ ይኣቱ።

ዘመን “ደይ” ካብ ክላ ሓሊፉ ዝስጉም

ሓደ ዓቢ ምሁር መግለጺ ይህብ። ኣብ ስልጡን ሃገር ብትምህርቶምን ኣረኣኣይኦምን ካብ ፓላቶ ክሳብ ናይ 21 ክፍለ ዘመን ፈላስፋታት ዘጽንዑ ኣካላት ኣባል እዩ። ኣብ ገለ ገለ ጉዳያት ኣብ ሰማይ ዝንሳፈፈሉ ዝመስል ጉዳያት ኣሎ። ኣብ መግለጺኡ ኣዝዩ ውሕሉል ብዝኾነ ኣገባብ ጌጋታት ብኸመይ ከምተኽስቱ ይገልጽ። በቲ ልዑልን ኣብ ፍልስፍና ዝለመደ ሓንጎሉ ብኻልእ ጌሩ ክገልጽ ኣይክእልን እዩ። መልሲ ናይ “ክላንደይን” ግን ነዚ እውን ዕድል ኣይትህብን። “ክላ” እዚ ድኣ እቲ ዝገበሮ ኩሉ ክንዲ ዝነግር ኣብ ምፍልሳፍ ግዜ የጥፍእ። “ደይ” ኣብ ናይ ሎሚ ባይታ ተቓወምቲ ተቐባልነት ክረክብ ደልዩ እንድኣሉ ይበሃል። ስለዚ እታ ፈላሚት “ክላንደይን” ተኸተልቲ ኣጥርያ ማለት እዩ። ምኽንያቱ እቲ ኦሪጂናል ክላንደይን ክንዲ ነዚ ዝገብር እቲ ግዳይ ዝኾነ ንባዕሉ ነዚ ኣምር እዚ ኣብ ውሽጡ ኣእትዩ ይወጽእ ስለዘሎ።

ኣምር “ክላንደይን” ኣብ ገለ ኩነት ክትለዓል እንከላ ከም ዘረባ ጥራሕ እያ ትውሰድ ኔራ። ሎም ግን ናይ ሓደ ዓይነት ኣተሓሳስባ መግለጺትን መላገጺትን እያ። ካብ ኩሉ እቲ ኣውራ ዘገርም ካብ ብዛዕባ ጉዳያት ዝፈልጥን ዘይፈልጥ ኣካል ሕብረተ ሰብ ጸጸኒሓን ብጎኒን ትመጽእ ምህላዋን እዩ። ደቅሰብ እንተኣስተብሂሎምላ ግን እዚኣ እውን ጭጉራፍን ናይ ኣተሓሳስባ ምድራት መቕጻዕቲ ዝተሰከመት ሰባብ ኣምር ምኻና እዩ።

ነገራትን ተግባራትን ኣይዘርዘሩ ወይውን ኣይተሓተት ኣይኮነን ዝበሃል ዘሎ። ግን ብምስትንዓቕ ዝመጽእ ነቐፌታ ንባዕሉ ፍርዳውን እዩ ንሰማዒ እውን ከእምን ኣይክእልን። ማለት ክልተ ኮንካ ንኻልእ እንድሕር ኣስተናዒቕካ እንካ ሃባ እናተባህለ ናይ ነንሕድሕድ ምጽንናዕ ክህሉ እዩ። ማለት ነቲ ትቃዎሞ ዘለኻ ረስዕካ ብዛዕብኡ ምስእትዝቲ ዝርከብ ክስተት እዚ እዩ። እቶም እትነቕፎም ዘለዉ ኣካላትን ኣርኣስታትን ዝብልዎ ወይ ዘልዕልዎ ጉዳይ እንተድኣ ዘይተዋሒጡልካ እሞ ንካልኦት እውን ከተረድእ እንተድኣ ኮይኑ ብ”ክላ” እዚ “ደይ” እዚ እናበልካ ኣይኮነን። ምኽንያቱ እቲ ምስትንዓቕ መግለጺ ኣይኮነን። ንሓደ ነገር ኣይፈተኻዮን/ኣይፈተኺዮን ወይ ብመጽናዕቲ ወይ ብትዕዝብትን መረድእን ጌርካ ክዝርዘር ይከኣል።  

ኣምር ክላንደይን ናይ ዘይፈልጥ መሳርሒ እየን።

ስለምንታይ እዩ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝተፈላለየ ዓይነት ኣስትምህሮ ዝወሃብ? ምኽንያቱ እቲ መጻኢ ትውልዲ ኣብ ናይ ዓለም ምደረ ባይታ ክነብር እንተድኣ ኮይኑ፡ ናይ ምፍላጥ ክእለቱ ብዝተፈላለየ ኣርእስታት ይጅምር እሞ ሓድሽ ነገር እንተድኣ ተዓዚቡ ነዚኣ መፍለጢ ትኸውን ድሕረ ባይታ ይህልዎ። ስለዚ ድማ እታ ራብዓይቲ ሓይሊ ተባሂላ እትፍለጥ ናይ ዜናን ኣፍልጦ ማዕከን ከም ሓያል እትቑጸር። ምኽንያቱ እቶም ንዓዓ ዝሰምዑ ደቅሰብ ነቲ ንሳ እትዝርግሖ መደብ ሓበሬታ ናይ ምቅባልን ምትንታንን ዓቕሚ ካብ ኣብያተ ትምህርቶም ዝሰነቕዎ ክእለት ስለዘለዎም ብደቂቕ ይሰምዕዎ። ከምኡ እውን ናይ ምንባብን ምምርማርን ክእለቶም ከማዕብልዎ ይኽእሉ። ዝኣክል መበገሲ ፍልጠት ስለዘለዎም።

ናብዚ ኣምር ናይ ምስትንዓቕ እንተድኣ ተመሊስና ኣባል “ክላ”ን”ደይ”ን ንሰባት ስለዘቆናጸበ ንርእሱ ድሓን ጌሩ ይቖጽር ይኸውን። እንተኾነ እቲ ናይቲ መስርሕ መበገሲ ዝኾነ ኣካል ናይዚ ኣምር እዚ ኣፍልጦ ዘይምህላዉን ዓቕሙ ድማ ድሩት ምኻኑ በዘን ቃላት እዚአን ይፍረድ። ኣብ መወዳእታ፡ ኣባል ንገዛእ ርእሱ እዩ ዝድርት ዘሎ። ኮይኑ ድማ ንገለ ክብ ንገለን ትሕት እናበልካ ናይ ምኻድ መንገዲ ከም መበገሲ ኣትሒዙ ስለዝተቖጻጸሮ ማለት፡ ኣይትፍለጡ፡ ስለዝብል ኣጉል ትዕቢት ይስምዖ ይኸውን። ናብቶም እዚ ጭጉራፍ ዝስንደወሎም ዘለዉ ሰባት እንተድኣ ሪኢና ግን በዚ ጉዳይ እዚ ጠባዮምን ግብሮምን ኣይተንተነን። ምኽንያቱ ናይ ሰባት መግለጽታትን ኣፍልጦን መልእኽትን በዚ ዓይነት ኣገባብ ስለዘይቃላሕ እዩ። መልእኽቱ እምበኣር ናይ ንዕቐት ስለዝኾነ እቲ ጉዳይ ተመሊሱ ነቲ ባሃሊ ከይሃርም እሞ “ንዑቕ ኣይንዓቕካ” ዝብል ምስላ ኣብ ግብሪ ከይውዕል ዝብል ስክፍታ ከይተረድኦም ልኡኾም ከሳድዱ ይረኣዩ።

 

 

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...