ዒላ ጻዕዳ 1965፡ ዒላዒሮ 2001

እዘን ብ"ዒ" ዝጅምራ ክልተ ቃላት፡ ዒላ-ጻዕዳን ዒላ-ዒሮን መፈለምታ ናይ እቲ  ጭካነ ዝመልኦን ዘሰካሕክሕ ግፍዒ ዝተፈጸመሉ ቦታን ስም ኣብያተ ማእሰርትን እየን።

መበገሲ ግፍዕን ትማልን ሎምን ዝኾናሉ ምኽንያት ግን ብፊደል "ዒ"ን ዒላ ብዝብል ቃልን ስለዝጅምራ ኣይኮነን። (እዛ ዒራ-ዒሮ ኢልና እንጽውዓ ኣርካናትና ተቐይድሞሙላ  ዘለው ቦታ እቲ ቀንዲ መጸውዒዓ ዒላ-ዒሮ እዩ።)

ዋላኳ ኣብ እተፈላለየ እዋን እንተኾነ፡ ኣብ ክልቲአን ቦታታት ዝሓቐቑን ንጹሃት ሃገራውያን ተቓለስቲ ናይ ሓሳብ ፍልልይን ብዙሕነትን ብጽሮትን ልዝብን ክፍታሕ ዘይምኽኣሉን ካልኣዊ ግርጭታት ናብ ቀዳማይ ደረጃ ብምዕራጉን እዩ።

ስለዚ መንእሰያት ትውልዲ “"ኣለና" ኣብ ዒላ ጻዕዳ ን"ሓራካ" (ማሕበር ሽውዓተ) ከጥፍእዋ እንከለዉ፡ እዚኣ ተግባር እግረ እግሮም ክሳብ ሳሕል በጺሓ“"ኣለኹ" በለቶም። መራሕቲ ተ.ሓ.ኤ. ሳዕቤን ናይቲ ዝተኽተልዎ ግጉይ ስጉምቲ፡ ተመሊሱ ከምዝሃድኖም ኣይሓሰቡሉን። ስለዝኾነ ከኣ ሽዑን ድሕሪኡን ዝቐጸለ ሓድሕድ ምኑቛት ናብ ዓብን ደማውን ኩናት ሓድሕድ ዓሪጉ።

ንባዕሎም ብ1980 ካብታ ክቃለሱ ዝወፈሩላ  በረኻ ብሓይሊ ተደፊኦም ብዘይ ክብሪ ናይ ስደት ተበገሱ። እቲ ብድሕሪኦም ዝመጽአን  ኣብታ ካልአይቲ ውድብ ዝነበረን መንእሰይ ነበር ከኣ“"ንታሪኽ ዝርስዕ ታሪኽ ስለዝደግም" እንሆ እቲ ተግባር ሳዕሪሩ  ንዖኦም እውን ኣርኪቡሎም።

ዒላ ጻዕዳ 1965 (ሓራካ/ማሕበር ሾውዓተ 1958-1965)

ሳላ ምዕባለ ቴክኖሎጂ ሎሚ ዳርጋ ዝበዝሕ ክትፈልጦ ዝደለኻ ነገር ኣብ ኢንተርነት፡ ይርከብ እዩ። " ሓራካ/ማሕበር ሾውዓተ (Haraka in Arabic and Eritrean Liberation Movement in English) ብ1958 ክትምስረት እንከላ፡ "መበገሲኣ ናይ ሱዳን ሃገራዊ ምንቅስቓስን ዴሳዊ ሰልፍን  እዩ ኔሩ።" ይብል ሓደ ካብ ጀመርቲ እቲ ምንቅስቓስ ነበር መሓመድ ስዒድ ናውድ። ጸላኢ ከይፈልጦምን ንሓድሕዶም ከይለኻኸሙን ብማለት እዮም በብሸውዓተ ብዋህዮታት ዝተወደቡ።

መምሪሒ እቲ ማሕበር፡ ሓድነት፡ ነጻነትን፡ ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ምህናጽ፡ ዝብል ኮይኑ፡ ጸረ-ሓድነት ብዝኾኑ፡ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ሓይልታት ፖሊስን ካልኦት ሃገራውያን ብሓጺር ግዜ ዕልዋ መንግስቲ ምግባር ነይሩ እቲ ዕላማ። ከምቲ ዝበሃል፡ ጀነራል ተድላ ዑቕቢት ምስዚ ምንቅስቓስ ክራኸብ ፈተነ ጌሩ ነይሩ ይበሃል። እንተኾነ ቀልጢፉ ስለዝሞተ እቲ ጉዳይ ኣብ ምንታይ ከምዝበጽሐ ኣይፍለጥን።

እዚ ናይ ዕልዋ መንግስቲ ዕላማ በቶም ኣብቲ እዋን እቲ ብረት ዝብሉ ዝነበሩ ከም ናይ ሰላማዊ ኣገባብ ተወሲዱ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ንንጥፈታት ሓራካ/ማሕበር ሾውዓተ ቀልጢፋ ስለዝፈለጦ፡ እቲ ምንቅስቓስ ተሃስዩን ኣባላት ድማ ኣብ ማእሰርትን ህድማን ተረኽቡ። እዚ ምንቅስቓስ እዚ ድሒሩ እዩ ናብ ብረታዊ ቃልሲ ዝኣመተ። እዚ ድማ እቶም መራሕቲ ኣብ ፖርት ሱዳን ኣይፋል እናበሉ እቶም ብረት የድሊ እዩ ዝብሉ ድማ ውሳነ ስለዝወሰዱ 50 ዝኾኑ ጀመርቲ ተጋደልቲ ናብ ባርካ ኣውረዱ። ከም መረድኢ ኣብዚ ምውካስ ይከኣል። http://www.ehrea.org/haraki.htm

ሓራካ/ማሕበር ሽውዓተ ብ1965 ናብ ብረት ምስኣድሃበ፡ ኣብቲ ቦታ'ቲ ተ.ሓ.ኤ. ተመስሪታ ነበረት። ኣቐዲሙ ሓራካ/ማሕበር ሾውዓተ ብመሰረቱ ተ.ሓ.ኤ ብዘይ ንጹር ስነ ሓሳብን፡ ፖለቲካዊ መደብን፡ ውድባዊ ተሓታትነት እዩ ተበጊሱ ዝብል ርእይቶ ነይሩዎም። ሓደ ካብቶም ጀመርቲ ናይቲ ምንቅስቓስ ከምዝበሎ፡ ናይ ክልቲኡ ሓይልታት ብሓባር ክተሓናፈጹ ዝብል ርእይቶ ብተ.ሓ.ኤ. ስለዝተነጽገ እዩ እቲ ናይ በይኑ ብረታዊ ቃልሲ ንኽጅመር ምእንቲ ናብ ባርካ ዘውረደ። ኣብዚ ተ.ሓ.ኤ. ብረት ሰሪቖምኒ እዮም ተበጊሶም ትብል። ብተወሳኺ፡ ተ.ሓ.ኤ. ናይ 40ታትን 50ታን ዝነበረ ናይ ተቓውሞ ሓይሊ ወራሲት ኣነ ንበይነይ እየ ዝብል እምነት ነበራ።

ብዝኾነ ሓራካ/ማሕበር ሾውዓተ ንሜዳ ምስተበገሰት፡ እዚ ስጉምቲ'ዚ ተቓውሞ ካብ ዑስማን ሳልሕ ሳበ ናብ መራሒ ውድብ፡ መሓመድ ስዒድ ናውድ ተላእከ። እቲ መልእኽቲ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ሓርነታዊ ውድብ ተመስሪቱ ስለዘሎ፡ ወይ ምስኡ ሕበሩ ወይ ክትጠፍኡ ኢኹም ዝብል ነበረ። መበገሲ ናይዚ ስጉምቲ ድማ ላዕለዋይ መሪሕነት ተ.ሓ.ኤ. ኣንጻር ሓራካ/ማሕበር ሾውዓተ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክትወስድ ስለዝወሰነት'ዩ። እዚ እናፈለጡ ግን መሪሕነት ሓራካ/ማሕበር ሾውዓተ ኣስታት 50 ዝኾኑ ተጋደልቲ ምስ ኢትዮጵያ ክዋግኡን ክገጥሙን ናብ ባርካ ኣእተወቶም። ብበረኻ በረኻ ኣትዮም ኣብ ዒላ ጻዕዳ ምስበጽሑ፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት 1965 ብሓደ ሓይሊ ናይ ተ.ሓ.ኤ. ተኹሲ ተኸፊቱሎም፡ ሹድሽተ ካብኣታቶም ምስወደቑ፡ እቶም ዝተረፉ ሃደሙ። በዚ ሓጽር ስጉምቲ እዚ፡ ሓራካ/ማሕበር ሾውዓተ ብኣካል ተደምሲሳ፡ ብስነ ሓሳብ እውን ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ወጻኢ ክትላዓል ኣይከኣለትን።

 

መሓመድ ስዒድ ናውድ ከምዝገለጾ፡ ተ.ሓ.ኤ. ንበይና ወካሊት ህዝቢ ኤርትራ እየ ዝብል መርገጺ ስለዝነበራ ትርጉም ናይዚ ድማ መሬት ኤርትራ ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ክጻወር ኣይክእልን እዩ ዝብል ኣምር ከም መበገሲ ስለዝተራእየ እዩ ይብል።  

እዚ ሓይሊ እዚ እምበኣር፡ ቀልጢፉ ስለዝተቐንጸለን ኣባላታ ድማ ወይ ናብ ተ.ሓ.ኤ. ወይ ናብ ስደት ስለዘምርሑ በኒና ተረፈት። ግን ኣይተረሰዐተን። ምኽንያቱ፡ ኣብ ታሪኽ እታ መፈልምታ ቃልሲ ዝጀመረት እዚኣ እያ ዝብሉ ስለዘለዉ።

ስለዚ፡ ግዜ ሓሊፉ ተ.ሓ.ኤ ንባዕላ ናይ ባርካ ምዕንታር ኣይጠቐማን። በዚ ኢላ በቲ ነቶም ለውጥን ጽገናን ዝደልዩ ደቃ ስለዘየአንገደትን“"ሜዳ ኤርትራ ካብ ሓደ ንላዕሊ ውድብ ኣይጻወርን እዩ" ብዝብል ኣምር ተመሪሓ ንርእሳ ተመሊሱ ክሳብ ዝወቕዓ ጸኒሓ ንሳ'ውን ተባረረት። ኣብቲ መስርሕ ግን ብዙሓት ወዲቖምላ።

ጉዕዞ ንዒላ-ዒሮ 2001

ብድሕሪ እዚ ምህላዉ ትውልዲ “"ኣለና" ከመይ እዩ፧ ኣብ መወዳእታ 40ታትን 50ታትን ፈለማ 60ታት ዝተወልደ ትውልዲ ስለዝኾነ ብሙሉኡ ብኣካል ክህሉ ኣይክእልን እዩ። ምኽንያቱ ምንጪ ናይዚ ብዓይኒ ግዜን ዘመንን እንተተራእዩ፡ እቲ ዘሎ፡ እቲ ናይ ሰላማዊ ናብራ መሪጹ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ዓለምን፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ኢትዮጵያን ካልኦት ናይ ኣፍሪቃ ሃገራትን ዝነብር እናሸምገለ ዝኸይድ ዘሎ ኣካል'ዩ። እቲ “"ኣለና" ዝበሃል ኣካል ናይዚ ጉጅለ እዚ፡ እቲ ንነጻነት ዝወፈረን፡ ኣብ ማሕበራትን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተሓባበረን፡ ብምድንጋጽ ሓገዝ ዝሃበን (ብወግዒ ኣይወደብ እምበር)፡ ብድሕሪ ነጻነት ድማ ሓንጎፋይ፡ ኢሉ ናብ ሃገር ተመሊሱ ናብራ ክገብር ዝፈተነን፡ ሓፋሽ ውድባት ነበርን'ዩ ዘጠቓልል።

ስለዚ ድማ እዚ ኣዝዩ ልዑል ስሚዕትን ግዜን ኣብ ቃልሲ ኤርትራ ዝወፈየ ኮይኑ ሎሚ ግን ሕድሩ ተጠሊሙ፡“"ወይ ኣነ" ነዚ ድየ ተቓሊሰ ዝብል ዘሎ እዩ። ከም ባህርይ መጠን ድማ ካብ 1970ታት ጀሚሩ ናይ "ከምድላየይ" ስሚዒት ዝነበሮ መንእሰይ፡ ኣብ ውሽጢ ውድባት እቲ መጀመርታ ናይ ተቓውሞን ናይ ሓድሽ ሓሳብ ምትእትታው ዘበርከተ ኣካል ክኸውን በቕዑ ኔሩ እዩ። እቲ ገለ ብዕድል ይኹን ብጉርሒ፡ ኣብ ተቓውሞ ኣንጻር እተን ውድባት ከይኣተወ፡ ግን'ከ መሃዝነቱን ክእለቱን ኣብ ገድሊ ብምብርካት፡ ክሳብ እታ ኣብ ኩናት ወፍሪካ ዘይምምላስ እትመጽኦ፡ ንገድሊ ኣስተዋጽኦ ዝገበረ እዩ።

 

ኤርትራ፡ እቶም ናይ መጀመርታ መራሕቲ መንገዲ ናብ ጥፍኣት ኣብ ዒላ ጻዕዳ እያ ዝኸፈለቶ። ኣይተረድኣን ግን። ፍልጠት ናይዚ ታሪኽን ጽልዋኡን ድማ ኣይተዘርግሐን። ኣብዚ እዩ ዝረአ ናይ ሓበረታ ዘይምህላዉ ዘስዕቦ ሽግር። ኣብ ምዕቡል ሃገር እዝን ወድ ኸምዝን ዝኣመሰሉ ተግባራት ሽዑ ንሽዑ ስለዝቃልዑ፡ እቲ ህዝቢ ይሰምዕን ይፈልጥን። ኣብ ኤርትራ ናይ 60ታት ግን ከምዚ ዝኣመሰለ ወረን ዛንታን ኣይነበረን። ኢትዮጵያ እንተፈሊጣ ድማ፡ ፈሊጣ እውን ክትከውን ትኽእል እያ (መንግስቲ ስለዝኾነት)፡ ከምቲ ትፍንዎ ናይ ሸፋቱ ነንሕድሕድ ውግእ ጌራ እያ እተቕርቦ። እቲ ህዝቢ ድማ ነዞም “"ደቀይ" ዝበሎም ግን ኣብ በረኻ ዝተመኑን ዝገበሉን ሰባት ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባር ይገብሩ እዮም ዝብል እምነት ኣይነበሮን።

ምዕቡላት ሃገራት ኣብ ዝገብርኦ ረጽምን ኩናትን፡ ነቲ ምሁር ኣካል ናይ ግንባር ኩናት ኣይሰድዎምን እዮም። ምኽንያቱ እዚኣቶም ኣብ ሃገር ምህናጽን፡ ነቲ ኩናትን ውግእን እውን ክመርሑን ከካይዱን ክዕውቱን ዘኽእሎም ፍልጠት ስለዝተሰከሙ ይዕቀቡ። እቶም ዝውስኑ እውን ፍልጠት ዘለዎም ስለዝኾኑ፡ መን እንታይ ክገብር ከምዝኽእል ይፈልጡ። ንሳቶም  ነቲ ኩናት ዘድልዮ ነገራት ከሳልጡ  ኣርባዕተ ተግባራት ቁጽሪ ንዝፈልጥ ሰብ ኣብ ቀረብ ካብቲ እቲ ዝተሓተ ክሳብ እቲ ዝለዓለ፡ ከእንግድን ክሰርሕን ይኽእል። ካብዚ ንላዕሊ ዝተማህረ ድማ ከከም ክእለቱ ነቲ ረጽሚ ከጉድልን፡ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ዓወት ክርከብ ይጽዕር። እዚ “ምዕባለ፡ ኣብቲ ብማርክስነት ተጽልዩ ንምሁራን፡ “"ቡርጅዋ" እናበለ ዘቆናጽብን፡ ንባዕሉ ናይ “ደርባዊ ርእሰ ቕትለት ክገብር ዝመደበ፡ መንእሰይ፡ እታ ናብ ጭቆና እትመርሕ ናይ ዴስነት ጠባይ ካብቲ ዝበቖለሉ ሕብረተ ሰብ ተነጺሉ፡ ኣብ ናይ ኣሕዋት ሕድሕድ ኩናት ኣትዩን “ተዓዊቱን ወጸ። 

ውግእ ሕድሕድ ምስታ ድሓር ዝመጸት ህዝባዊ ሓይልታት ካብቲ ህዝቢ ክስወር ኣይተኻእለን። ብ1974 ይኹን 1975፡ደርጊ ስልጣን ምስሓዘ፡ "ደቅኹም ምለሱ" ዝብል መልእኽቲ ንወለድን ዓበይቲ ዓድን ሂቡ፡ ሽማግለ ናብ በረኻታት ኤርትራ ለኣኸ። እዚኦም ሓይልታት ኤርትራ፡ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ከምዝነበሩ ስለዝፈልጡ፡ ከይዶም  ተመለሱ'ዶ ይበልዎም - እንታይ ድኣ፡ ክልቲኦም ውድባት ብሓደ ክሰርሑን ክተዓረቑን ብኣቕሽሽትን መሻይኽን ዝተባረኸ ሽማግለን ምዕዶን ልመናን ኣስምዕዎም። እቶም ኣብቲ እዋን እቲ ብኣካል ዝነበሩ ይዛረቡ። ዘመን ተዛረብ ስለዝኾነ። እዚ ዝኣመሰለ ሕዝቢ እናሃለወካ ግን፡ መንእሰይ “"ኣለና" ብስሚዒት ሰኺሩ ገለ ገለ ፈተነታት እካ እንተገበረ፡ ኣብ ናይ ብሓባር ምስራሕሲ ይትረፍ፡ ነንሕድሕድ ምክፋእን ምትህርራምን ኣስዓበ። እቲ ክፋእ ናይቲ ሓደ፡ ካብቲ ናይቲ ሓደ ሰለዝዛየደ እምበኣር ኣብ ርእሲ ሓዉ/ሓፍቱ ብ1980 ክዕወትን ፍጹም ምቁጽጻር በረኻታትን ገጠራትን ኤርትራ ኣኸቲሉ። ብ1991 ድማ መሪሑ ንርእሰ ኸተማ ተቖጻጸራ።

"ኣመል ምስ መግነዝ" ከምዝበሃል፡ ብድሕሪ ነጻነት እውን፡ ኣየስተብሃናሉን ኣይሰማዕናን፡ ኣይተረድኣናን፡ ዝብል መመኽነይታ እዩ ዘስዕብ። ግን'ከ ሓቅነት ኣለዎ። ብታሕጓስን ደስታን ፍናንን፡ ባዕሉ፡ እቲ ሽግር ኳሕኲሑ እንተዘይመጺኡ ህዝቢ ዳርጋ ዝበዝሕ ዓይኑ ክኸፍት ኣይደለየን። እቶም ግዳያትን ቤተ ሰቦምን ድማ ዝሰምዖምን ዝርድኣሎምን ፈተውትን መቕርብን ሰኣኑ። እቲ ፍልልይ ናይ ቤተ ሰብን ተደናገጽትን ኣብ 2001 ኣይኮነን ተጀሚሩ፡ ተጋሂዱ ግን።

1)     ማእሰርትን ጽኑዕ መቕጻዕቲ ኣብ ልዕሊ ብግንቦት 23, 1993 ዝኣደሙ ተጋደልቲ።

2)    ቅትለትን ማእሰርትን ስንኩላን ኣብ ማይ ሓባር ዝተገብረ ኣድማ። ሓምለ 1994

3)   ማእሰርቲ 2000 ተማሃሮ ዪኒቨስቲ ኣብ ዊዓ። ነሓሰ 2001

4)   ማእሰርቲ ናይ ላዕለዎት ሰበስልጣንን፡ ጋዜጠኛታትን ወተሃደራዊ ሓለፍትን። መስከረም 2001

5)   ግፋን ማእሰርትን ቅትለትን ናይ ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝሃደሙ ኣብ ዓዲ ኣቤቶ። ሕዳር 2004

6)   ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ካብ ዝኾነ ቦታ ተወሲዶምን፡ ተገፊፎምን፡ ተኣሲሮምን፡ ሃለዋቶም ዘይፍሉጥ ዜጋታት።

 

ኣብ መወዳእታ እቲ ዝዕወት እቲ ዝሓስብ እዩ። “ዘይሓስብ ኣይንገድ፡ ከምዝበሃል፡ ኪኖ መዓልታዊ ሽግራት ሰጊርካ መጻኢ ሕይወት ብከመይ ጌሩ ይልወጥ ንዝብል ሕቶ፡ ኣብ ሰብ ዘይኮነስ ኣብ ትካል፡ ኣብ ናይ ሕጊ ኣብያተ ፍርድን፡ ኣብ ዘተን ብዙሕነትን ዝኣምን ዝብሉ መልስታት ይርከብ። ሕግታት ዓለም ክጅምራ እንከለዋ እቲ መንፈሳውነት ህዝበንን እውን ኣብ ግምት ኣእትየን እየን ንክጽሕፋ ብርዐን ዘልዓላ። ናይ ዓዲ እንግሊዝ ማግና ካርታ (Magna Carta) እቲ መፈለምታ ናይ ንጉስ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ምኻኑ ዘተበሰረ ኣደ ናይቲ ኩሉ ብድሕሪኣ ዝመጽአ ሕገ መንግስትን ልዑላውነት ሕጊ ኣብ መነባብሮን ትካላትን እያ። ስለዚ እዚኦም ብ1215 ኣቢሉ ብሕጋውነት ክነበሩ ዝተበገሱን ክሳብ ሎሚ ድማ ተዓዊቶም እናረአና፡ ሎሚ ኣብ 21 ክፍለ ዘመን ኣፍሪቃ ብሓፈሻ ካብቲ ወዲቓትሉ ዝነበረት ናይ ዕግርግር ኩነት እናሃድአትን እናተማህረትን እትኸደሉ እዋን ተስፋ ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ ከምዘሎ እዩ ዘረድእ። 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...