ምዕራፍ 3

1941-1952 ዝነበረ መግዛእቲ እንግሊዝ ንኤርትራ ንምፍላይን ካብ ጥልያን ዝተወርሰ ሃብታ ብምውሳድን ምሻጥን፡ ምዕባለኣ ብምግታእን መንነታ ንምጥፋእን ዝተኻየደ ፈተነታት እዩ ዘብርህ። ብኣንጻሩ ድማ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳትን ርእይቶኻ ናይ ምግላጽን ምስ ርእስኻን መሰልትኻን እትካትዓሉ ባይታ ዝደንፈዓሉን ፖለቲካዊ ጸወታ ንምግባር ፍቓድ ዝተዋህበሉ እዋን እዩ። እቲ ብኣየር ዝድርበ ዝነበረ ፖሮፓጋንዳን ናይ እንግሊዝ ቃል ንነጻነትን ርእሰ ምምሕዳር ተስፋ ንኤርትራ ዝሃበ ኩነት፡ ኣብ ድሮ ምዕዋት ሓይልታት ኪዳን ስለዝተጠለመ፡ እዚ ተስፋታት እዚ ብመስኮት ዝተደርበየ ኮይኑ ዝተሰምዖም ኤርትራውያን ብዙሓት እዮም። ሎንግሪግ “ንነበርቲ ናይዛ ግዝእቲ እዚኣ ኣብ ግብሪ ከነውዕሎ ዘይንኽእል ተስፋታት ሂብናዮም ኢና። ስለዚ ድማ ምዕዝምዛማትን ኣበይ ኣሎ እቲ ዝበልኩምና ዝብል ጻውዒት እንተኣጋጠመና ኣይገርምን” ክብል ጺሒፉ። እቶም ሰበስልጣን መጻኢ መፍትሒ ሽግር ኤርትራ ናብ ክልተ ማለት እቲ መታሕት ናብታ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ እንግሊዝ ዝነበረት ሱዳን፡ እቲ ከበሳ ድማ ምስ ኢትዮጵያ ንኽሓብር ወጠነ በቪን ስቮርሳ ኣምጽአ።

እዚ ፈተነ እዚ ተቐባልነት ስለዘይረኸበ ነቲ ጉዳይ እተጽንዕ ናይ ሕ.መ. ኮሚሽን ቆመት። እተን ዓበይቲ ሃገራት ማለት ዓባይ ቢሪጥንያ፡ ኣሜሪካ፡ ፈረንሳን ሩስያን ስትራተጂካዊት ኤርትራ ብኸመይ ኣብ ጥቕመን ትውዕል ኢለን ክምድባ እንከለዋ ኢትዮጵያ እውን ንባዕላ ጉዳያ ክሰምረላ ምእንቲ ፖለቲካዊ ረብሓኣ ኣብ ግብሪ ዝውዕለሉ መንገዲ ከተናዲ ጀመረት። ኢትዮጵያ “ትምለስ ጋል” ኣላትኒ እናበለት ንምክፍፋል ኤርትራ ማለት ከበሳ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዝሓብረሉ ናይ ዓባይ ቢሪጣንያ ርእይቶ ኣብ ሕ.መ. ተቕባልነት ከይረኸበ ተነጺጉ። (ገጽ 64) እንደገና ሕ.መ. ኮሚሽን ንጉዳይ ኤርትራ ተጽንዕ ቆመት። በርማ፡ ጉዋታመላ፡ ኖርወይ፡ ፓኪስታንን ደቡብ ኣፍሪቃን። ጉዋታመላን ፓኪስታን ናይ 10 ዓመት ኣብ ትሕቲ ሕ.መ. ብድሕሪኡ ነጻ ክትከውን ክብሉ እንከለዉ፡ ኖርወይ በርማን ደቡብ ኣፍሪቃን ፍልይ ዝበለ ርእይቶ ኣቕረቡ። ኖርወይ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ብጀካ ምዕራባዊ ቆላ (ማለት ኣብ ትሕቲ ግዝኣት እንግሊዝ ጸኒሑ ድሓር ወይ ናብ ኢትዮጵያ ወይ ሱዳን ክትከይድ)። በርማን ደቡብ ኣፍሪቃን ድማ ኤርትራ ርእሳ ዝኸኣለት ኮይና ኣብ ትሕቲ ፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ክትሕወስን ኣብ ትሕቲ ልዑላውነት ንግስነት ኢትዮጵያ ክትኣቱ ዝብል እማመ ኣቕረቡ። ኩሎም እቶም ኣብ ትሕቲ ኮሚሽን ዝነበሩ ናይ ሓባር እማመ ስለዘይቕረቡ ድማ እዚ ኣብ መውዳእታ ዝተጠቕሰ ኣብ ግብሪ ብዝተፈለለየ መንገድታት ናይ ሕ.መ. ዊዒሉ።

ኣብዚ ትሕት ኢሉ ግዝኣት እንግሊዝ ከመይ ጌሩ ንኤርትራ ኣብ ቅልውላው ከምዘእተዋ ይገልጽ። እዚ ታሪኽ እዚ ብዙሕ ተደጋጊሙ ስለዝኾነ ብሓጺሩ እንግሊዝ ብቐጻሊ ከበሳ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ፡ መታሕት ድማ ምስ ሱዳን ንኽሕወስ ብውሸጠ ውሽጢ ኣብ ጋዜጣታት ይኹን ኣብ ባህሊ እናተኣታተወ ሰርሐሉ። እንግሊዝ ወግዓዊ ቃንቃታት ኤርትራ ዓረብን ትግርኛን ክገብር እንከሎ ፈላሊኻ ግዛእ ዝብል ሜላ ተጠቒሙ ንኤርትራን ኤርትራውነትን ንኸጥፍእ ኢሉ ዝገበሮ እዩ። ነቶም ከበሳውያን ምስ “ኣንድነት” ምስ ኢትዮጵያ ንመታሕት ድማ ምስ ሱዳን ይደፋፍእ ነበረ። ግዝኣት እንግሊዝ ባህላዊ ምክፍፋልን ሃይማኖታዊ ረጽምን ማሕበራዊ ዘይምትሕብባርን ብምድፋእ ነቲ ፖሊቲካዊ ሃዋህው መረዞ። ኣንጻር ናይ ኢትዮጵያ ምትእትታው ኣይተቃለሰን። ሱዳናውያን ወተሃደራት ንክርስያን ገባር ክሃርሙ እንከለዉ ጠጠው ከብል ኣይፈተነን። ከምኡ እውን ኢትዮጵያ ዘዕጠቐቶም ሰባት ገበን ክፍጽሙ እንከለዉ ዘይቅሳነትን ማሕበራዊ ምትህልላኽ ንኽህሉ ደፍአ።

እዚ ኹሉ ውዲትን “ገበሩና” ዝዓይነቱ ናይ ግዳይነት ዝርዝር እቶም ኤርትራውያን “ተራ” ከምዘይነበሮም ጌሩ እዩ እዚ ታሪኽ ናይ ህ.ግ.ሓ.ኤ.ን ተ.ሓ.ኤን. ዘቕርብ። ገለ ገለ ናይዞም ዜጋታት ተዋሳእነት ኣብቲ ዝካየድ ዝነበረ ጉዳይ ኣይገልጽን። ካልኦት ጸሓፍት ከም ሚከላ ሮንግን ተኸሰተ ነጋሽን ብዝርዝር የቕርብዎ እዮም።

እንግሊዝ ካብ መንግስቲ ጥልያን ዝተረከቦ ንብረት ኤርትራ ከምዝሸጦን ንትካላት እታ ሃገር ከምዘብረሰን እኹል መረዳእታ ኣብዚ ይቐርብ። እዚ ነቲ ኤርትራ ርእሳ ኣይትኽእልን እያ ዝብል መደምደምታ ንምብጻሕ ዝተገብረን፡ ሓልዮት ንሓንቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ከምዘይነበረ እዩ ዝመስል። ናይ ኣኽሲስ ሓይልታት ራስያ ከየካይዳን ንብረት ከየዕንዋን ስምምዕ ተፈሪሙ ክነሱ ባዕላ ኣብኡ ዝፈረመት ዓባይ ብሪጣንያ ብዙሕ ትካላትን ንብረት ዓዕንያን ከፋፊላ ወሲዳን ሸይጣን። ናዚ ዝተቖጻጸርዎ ዝነበረ ኣውሮጳ ብሓደ አገባብ ብሪጣንያ ዝሓዘቱ ናይ ጥልያን ግዝኣት ድማ ብኻልእ ኣገባብ ድኣ ተኻየደ። ካብዝኣቶም ገለገለ ናይ ኣስመራ ምጽዋዕ ተለፈሪካ፡ 16 ዓበይቲ መራክብ፡ 20 ሚልዮን ዝዋግኡ ንብረታት። ተንቀሳቓሲ ናይ ወደብ ኣቕሓ ናብ ፓኪስታን ተሸጠ። እንግሊዝ እዚ ኩሉ ክገብሩ እንከለዉ ተስፋ ቁጠባ ኤርትራ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣዝዩ ልዑል ተራ ከምዝነበሮ ይፍለጡ ኔሮም። ካብ 1943 ክሳብ 1945 ናይ ኤርትራ ሰደድ ብ240% ዓብዩ ነበረ። ነዚ ቁጠባ እዚ ንምዕናው ካኣ እዩ እቲ ራስያን መሸጣን ዝተኻየደ። ስለዚ ቁጠባዊ ቅልውላውን ፖሊትካዊ ፍልልያትን ከምዘሎ ኣምሲልካ ብምቕራብ ናብ ሓደነት ምስ ኢትዮጵያን ምስ ካልኦት ወጻእትኛታት ከምዝጽሎን ክገብር እንከሎ ነቲ ምክፍፋል ሃገር ግን ኣትሪፍዎ።

ቀጺሉ ብዛዕባ ናይ ኢትዮጵያ ምትእትታው ክገልጽ እንከሎ እቲ ናይ “ውዲት” መስመር ተኸትሉ እዩ ዝመጽእ። መንገዲ ንባሕሪ ስለዝደለየት ኢትዮጵያ ታሪኻዊ ምኽንያት ብምምጻእ ነታ ጋላ እትብላ ኤርትራ ከመይ ጌራ ምስኣ ከምትሓብር ትእንትት ነበረት። ሕሉፍ ሓሊፉ ነቶም ማሕበር ኣንድነት ነቲ ምክፍፋል ኤርትራ ማለት ናይ ባሕሪ መስኮት ዝኸፍት ናይ ከበሳ ከተማ ምጽዋዕ ስለዘጠቓልል ናይዚ ደገፎም ከምዝገልጹ ጌራ። ክልቲኦም መንግስታት፡ ማለት ኢትዮጵያን ዓባይ ብሪጣናይን፡  ኤርትራ ነጻ ንኸይትኸውን ብሓባር ይሰርሑ ነበሩ። ምስ ገለገለ “ተሓባበርቲ” ኤርትራውያን ብቃንቃ እንግሊዝ ኣዝዩ ኣሉታዊ ትርጉም ዘለዎ ቃል እዩ ዝወስድ “collaborators” ኢትዮጵያ ፈጠረት፡ ኣዕበየት፡ንዓዓ ብዝጥዕም መንገዲ ዝኸይድ “ማሕበር ኣንድነት ምስ ኢትዮጵያ” ኣቖመት። እዚ ቀንዲ ስርሑ ኤርትራ ነጻ ንኸይትኸውንን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ንኽትሓብርን ዝሓለነ ምንቅስቓስ ነበረ።  ምህዳድን ምቕታልን ሽፍትነትን ነቲ ናይ ነጻ ኤርትራ ወገን ብምፍርራሕን ፖለቲካዊ ስራሕ ብምክያድ ንኤርትራውያን ሸበራ ኣእተወሎም። በዚ ምኽንያት ድማ ኣብታ ሃገር ዘይምርግጋእን ሰፈነ። ኢትዮጵያ ካልእ ተሓባበሪ ንጉዳያ ኣብ ናይ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ረኸበት። እዚኣ ድማ ኣባት ነብሲ  ናይ ማሕበር ኣንድነት ብምኻን ኣባልነት ቤተ ክርስትያን ብምኽላእን ኣብ መርዓን ሓዘንን ካልእ ማሕበራዊ ስርሓት ብምእጋድ ቀንዲ ተጻባኢት ናይ ኤርትራ ነጸነት ኮነት። ኣቡነ ማርቆስ ብዶሚናለ ዝተወሰደ ንብረት ቤተ ክርስትያን ክመልሱን ከምኡ እውን ኣብ ትሕቲ ግዛኣት ጥልያን በቲ ናይ ጥልያን “ባምቡላ” ዝነበረ ኣቡን ዝተመረጹ ስለዝኾኑ ሓላፍነቶም ዝነበረ ናይ ኤርትራን ናይ ትግራይን ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ክምለሰሎም ስለዝደለዩ እዩ ይብል።

ምምዕባል ፖለቲካዊ ፓርትታትን ኣባላተንን ብኣሃዝ ክርአ እንከሎ ካብ 1947-50 እታ ዝዓበየት ፓርቲ ማሕበር ኣንድነት ክትከውን እንከላ ናይ እስላማዊ ሊግ ድማ ብድሕሪኣ ነበረት። ንናይ እስላማዊ ሊግ፡ ኣማሓዳሪ እንግሊዝ ዝነበረ ብሪጋደር ጀነራል በኖይ “እንድሕር ባዕልኹም ንባዕልኹም ዘይወከልኩም፡ ካልኦት ማለት ኣንድነት፡ ብካልኦት ክውሰን እዩ” ኢሉ ምስነገሮም እዩ ዝያዳ ናይ ሊግ ኣባልነት ዝወሰኸ። (ምንጪ ተኸስተ ነጋሽ ገጽ 44) FO371/63212. Eritrea: MPR, no.13 for January, 1947 ተመልከት።

ኣውራ ክጥቀስ ዘለዎ ብ1941 ብሔር ትግረ ኣንጻር ገለገለ መሳፍንቲ ዝኸፍልዎ ዝነበሩ ቀረጽ (ብግዜ ጥልያን ክፍታሕ ተፈቲኑ ዝነበረ) ንከይኽፍሉ ብምውሳን ኣብያኦም ናብ ኩሉ ከባቢኦም ተላብዐ። ግዝኣት እንግሊዝ ነዚ እንተድኣ ደጊፍዎ ስልጣኑ እውን ኣብ ሕቶ ክኣቱ ስለዝኾነ ኣብያኦም ብ”ድሌቶም” ክኸፍሉን ልዕልና እቶም መሳፍንቲ ድማ ከምዘሎ ክጸንሕ ብምፍራድ ነቲ ጉዳይ ኣብ መፈጸምታ ኣብጽሕዎ። ስለዚ ትግረ ብሳላ እዚ ጉዳይ እዚ ሓድነትን ምትሕብባርን ኣጥረዩ። ኣብ ፖለቲካዊ ግንባራት ተራ ትግረ ቀንዲ ደገፍቲ እስላማዊ ሊግ ክኾኑ እንከለዉ እቶም መሳፍንቲ ድማ ንማሕበር ኣንድነት ደገፎም ክህቡ ተራእዩ። ካብ 1946 ንድሓር ማለት ወግዓውነት ምስለበሳ ፖለቲካዊ ፓርትታት ኣዝየን ማዕበላ።

ጽንሕ ኢሉ ሰለስተ ፍሉጣት ፖለቲካዊ ውድባት ተቐልቐላ። ናይ እስላማዊ ሊግን ሊብራል ገስጋሲ ፓርቲ ብሓደ ወገን፡ ማሕበር ኣንድነት ድማ በቲ ሓደ። እተን ንኣሽቱ ውድባት ፕሮ ጥልያንን ሓዳስ ኤርትራ ፕሮ ጥልያን ተወሰኸኦ። ናይ እስላማዊ ሊግ ንርእሰ ምኽኣልን ነጻነትን ዓቢ ተራ ብመሪሕነት ሽይኽ ኢብራሂም ሱልጣን ተጻዊቱ። ቀጻሊዓንደብርሃን እቲ ናይ “ግዳይነት” መግለጺ ፍጻመታት ብምእታው፡ ብሰንኪ ናይ እንግሊዝን ኢትዮጵያን ምትእትታው እስላማዊ ሊግ ናብ 4 ተኸፊሉ ይብል። እቲ ቀንዲ እስላማዊ ሊግ፡ እ.ሊ. ሃገራዊ ፓርቲ፡ እ.ሊ. ምዕራባዊ ቆላ፡ ነጻ እ.ሊ.ምጽዋዕን። ብሃይማኖት ንዝመጽአ ማለት ናይ እስላም ደገፉ፡ እ.ሊ. ካብ ሰሜናዊ ከበሳን ምብራቓዊ ወሰናት ናይ ገማግምን ጎላጉል ባሕርን፡ ከተማታት ኣስመራን ምጽዋዕን ከምዝድረት ጌርዎ። እ.ሊ.ምዕራባዊ ቆላ ደገፉ ኣብ ምዕራብ ክኸውን እንከሎ ኣብ መጀመርታ ን”ነጻነት ምዕራባዊ ቆላ” ዝብል መርገጺ ኔርዎ (ብመሪሕነት ሸይኽ ዓሊ ረዳይ ኣብ ፈደረሽን ቀዳማይ ፕረዚደንት)፡ ጽንሕ ኢሉ ንምክፍፋል ደጊፉ፡ ድሓር ድማ ካብቲ  ሃገራዊ ግንባር ተፍልዩ ናብ ማሕበር ኣንድነት ኣተወ።

ኣብዚ ዝርዝር እዚ እቶም ኤርትራውያን እንታይ ተራ ከምተጻወቱ ኣይሕብርን። ኣብ ምክፍፋል ሓንቲ ፓርቲ ናይ ወጻኢ ኢድ ንበይኑ ከመይ ኢሉ ካብ ርእይቶኦም ንኽቕይሩ ዘኻኣሎም ምኽንያታትን እቲ ናቶም መረዳእታ ናይ ጉዳያትን ኣይገልጽን። በቲ ሓደ ወገን ድማ ንኹነታቶም ብምግምጋም ምትዕጽጻፍ (flexibility) ዘርኣዩ ይመስሉ።

ኣብ “ምትካል” ማሕበር ኣንድነት፡ ናይ ዓንደብርሃን ምንጭታት ካብቲ ናይ ተኸስተ ነጋሽን ሚከላ ሮንግን ዝወሰድዎ ምንጭታት ይፍለ። ዓ.ወ. ካብ ናይ ኣለምሰገድ ተስፋይ “ኣይንፈላለ” ክወስድ እንከሎ፡ ተ.ነ. ድማ ካብ ጽሑፋት ገብረመሰቀል ወልዱ፡ ቀዳማይ ፕረሲደንት ማሕበር ፍቕሪ ሃገር (ድሓር ማሕበር ኣንድነት ዝተባህለ)ን ናይ ኢትዮጵያ መዛግብት ይርኢ። (Gebremeskel Weldu in Ethiopia, no. 79 31.10.48)። ከምኡ እውን (Gebremeskel Weldu to Senior Civil Affairs Officer, 4.1.46. Attached to the protest note is a list of signatories containing 64 names.)  64 ዝኾኑ ኤርትራውያን ደገፍ እንግሊዝ ንነጻነት ወይ ንምፍላይ ኤርትራ ብምቅዋም ዝጸሓፍዎ ደብዳበ ቅዳሕ እዚ እዩ። 


ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ብድሕሪ እቲ ናይ ከተማ ኣስመራ ዕግርግርን ናይ ኣብያተ ፍርድን፡ ፈራዶን ካራቢንየሪታትን ዝኣመሰለ ናይ ጠላይን ልዕልነት ኣብ መስርሕ ናይ መንግስቲ ትካላት፡ እቶም ኤርትራውያን ኣዝዮም ከምዝጸልእዎን ከምዝቕየሙን ጌሩ እዩ። ስለዝኾነ ድማ ናይዚ ኩነት መርኣያ ካብ ግንቦት 1941 ክሳብ ነሓሰ 1946 ረጽምታት ተራእዮም እዮም። እዚ ብፓንክረስትን፡ ተስፋይን ትረቫስኪስን ተመዝጊቡ እዩ።

ካብዚ ናይ ተቃውሞ መንፈስ ብምብጋስ ኤርትራውያን ብምስጢር ክራኸቡን ውደባ ከካይዱን ጀመሩ። መፈለምታ ውድብ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ኤርትራ (ማ.ፍ.ሃ.ኤ.) ኣብ ኣስመራ ብ5 ግንቦት 1941 ተመስረተ። እዚ ማሕበር እዚ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ እቲ መጀመርታ ናይ ሓባር ዕላማ ዝነበሮን ሃገራውን ማሕበራውን ሕንጻጻት ዝሓቖፈ ነበረ። ማ.ፍ.ሃ.ኤ. ኣብዚ ፈለማ ስርሑ ሰላማዊ ሰልፊ ክካየድ ጸዊዑ። ኣብዚ ዕለት እዚ መዘከርታ ናይቶም ብጠለይን ዓሳክር ዝተቐትሉ ክልተ ፖሊስ ኤርትራን ተቓውሞ ናይዚ ተግባርን ንምርኣይ ነበረ። ኣብዚ ኣስታት 4,000 ዝኾኑ ዜጋታት ኣብ ቅድሚ ናይ እንግሊዝ ናይ መንግስቲ ቤት ጽሕፈት ብምቕራብ ተቓውሞኦም ብምርኣይ መልእኽቶም ብወከልቶም ከምዝመሓላለፍ ገበሩ። ኣብዚ እዋን እዚ ክርሳዕ ዘይብሉ እንግሊዝ ብወግዒ ትፈልጦ ፖለቲካውያን ፓርትታት ብዕሊ ኣብ ጥቅምቲ 1946 እዩ ተፈቒዱ። ስለዚ ማ.ፍ.ሃ.ኤ. ዘይወግዓዊ ኮይኑ እዩ ዝንቀሳቐስ ዝነበረ።

ዓ.ወ. ማሕበር ኣንድነት ኣብ ኣስመራ ብታሕሳስ 1946 እዩ ተመስሪቱ ይብል። ካብ ማሕበር ኤርትራውያን ንሕብረት ምስ ኢትዮጵያን ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ኤርትራን ዝመጽአ (offshoot) ኔሩ ይብል። ማሕበር ኤርትራውያን ንሕብረት ምስ ኢትዮጵያ (UAEE) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብ27 የካቲት 1944 ኣብ መንግስታዊ ስራሓት ኢትዮጵያ ብዝነበሩ ሓለፍቲ ኤርትራውያን እዩ ተመስሪቱ። እዚኣቶም በቲ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ብርዒ ሚኒስተር ዝምርሑ ክኾኑ እንከለዉ ንማሕበር ፍቕሪ ሃገር ኤርትራ ድማ ሶሊኾም ክትኣታተውዎ ዝዓለመ ፕሮግራም ኔርዎ። ኤርትራውያን ሓለፍቲ ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ ብምኻድ ነዚ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ዝብሉ ኤርትራውያን ብምውዳብ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝመጽኡን ከምዝውደቡን ገበሩ። ማለት እትዮጵያ በቶም ኣብ ትሕቲኣ ንዝነበሩ ኤርትራውያን ተጠቒማ ሕጋዊ ዕላማ ንርእሰ ምምሕዳር ኤርትራ ክተጎናድብን ልዕልነታ ኣብ ሃገረ ኤርትራ ንኽትገብር ከኣለት።

መንግስቲ እንግሊዝ ወግዓዊ ቤት ጽሕፈት ናይ ኢትዮጵያ ክኸፈት ምስኣፍቀደ፡ (Ethiopian Liaison Office – ELO) (ሚያዝያ 1946) ኢትዮጵያ በዚ ቤት ጽሕፈት ኣቢላ ኣብ ልዕሊ ማሕበር ኣንድነትን መሪሕነቱን ቀጥታዊ ስልጣንን ክቱር ምቁጽጻር ንምግባር ፕሮግራም ከትውጽእን ፖለቲካዊ ማህረምትን ረጽምን ኣንጻር ደገፍቲ ነጻ ኤርትራን ንኽትገብር ኣኽኣላ። እዚ ቤት ጽሕፈት ቀንዲ ተግባሩ እዝን ከምዝን ኮይኑ ሕመረት ናይ ሽበራን ቅትለትን ኮነ። መዛግብቲ እንግሊዝ ከምዘረድእዎ እቲ ብዙሕ ተደናጋጽነት ንናይ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ብሳላ ናይዚ ቤት ጽሕፈት ምትእትታው ኣብ ጉዳይ ነጻነት ኤርትራ እናዘሓለ ከደ ይብል። ማለት ክዕወት ጀሚሩ ማለት እዩ። ሳላ ፊናንሲያዊ ደገፍን ፖለቲካዊ መሪሕነትን ኢትዮጵያ፡ ማሕበር ኣንድነት ኣብ ማእከላይ ከበሳን ተኸተልቲ ኤርትራዊት ኦርቶዶክሲያዊት ቤተ ክርስትያንን መሳፍንቲ ትግረን፡ ክርስትያን ይኹን እስላማዊ ከጥሪ ጀመረ።

ኣብዚ እዚ ናይ ኢትዮጵያ ዓብላሊ ተራ ኣብ ማሕበር ኣንድነትን፡ ርእይቶ ጸሓፊ ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶክስያዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ይደጋገም። እዚ ክንደይ ዓበይትን ሹማምንትን ምሁራትን ዝሓቆፈ ኣካል ማሕበር ኣንድነት (እዚ መንግስቲ እንግሊዝ ዝሃቦ ሽም እዩ) ማለት ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ኤርትራ፡ ብሓደ ካብ ኢትዮጵያ ዝተወከለ ነጋ ሃይለስላሴ ንኹሎም እዞም ሰባት እዚኣቶም “ብዘይ ድሌቶም” ከም ግዳይ ናይ ውዲትነቱ ኮይኖም ንሕብረት ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ክቃለሱን ዕላማ ኢትዮጵያ ከተግብሩን ዝብል ርእይቶ ንጠቕሚ እተን “ነነጻነት” ኢለን ዝዓጠቓ ውድባት ማለት ተ.ሓ.ኤን. ህ.ግ.ሓ.ኤን እዩ ዝድግፍ። ምስኡ ንታሪኽ ገድሊ ዝጥዕም “ንነጻነት” ዝተቓለሱ ኤርትራውያን “ዝያዳነት” ኣብቲ ግዜ እቲ ካብ ምሃብ ሓሊፉ፡ ድሓር ግን ፈደረሽን ምስፈረሰ ምስ ኢትዮጵያ ከምዝተሰማምዑን፡ እቶም ንሓድነት ምስ ኢትዮጵያ ዝበሉ ድማ ከም “ባምቡላ” ጥራሕ እዮም ዝብል ርእይቶ ምስዚ ኣብ 2014 ዘሎ ናይ ሓበሬታ ነጻነት ዝኸይድ ኣይኮነን። ሮንግ ከምዝረኸበቶ እዚ ንጹር ጻዕዳን ጸሊምን ኣይኮነን እቲ ታሪኽ። ኣብቲ እዋን እቲ ካብ ታሪኽ ኤርትራ ግዝኣታት ወጻእተኛታት ኣዝዩ ዝመረሮ ከበሳ ኤርትራ ሓደ ብናይ ግዕዝ ታሪኹን ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ (ሳላ ጥልያን ርክብ ምስ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ ክርስትያን ናይ ዝሓለፈ 60 ዓመት መግዛእቲ ዝምድና ዘጥረየን) ምኻኑን እዚ ድማ ናብ ሓደነት ዝብል ርእይቶ ከምዘድሃበን ናይቲ እዋን መዛግብቲ ብፍላይ ጋዜጣታት የርኢ እዩ።

ሮንግ ከምዝመዝገበቶ ሕሉፍ ሓሊፉ ጥልያን ምእንቲ ናብ ፕሮ ኢጣልያ ክመጽኡ ምእንቲ ብኮንተ ጋርቨሎ ኣቢላ ገንዘብ ማለት ጉቦ ንኣባላት ማሕበር ኣንድነት ክትህብ ከምዝተራእየት ትነግር። መንግስቲ እንግሊዝ እቲ ኣብ ዶባት ኤርትራ ዝነበረ ሽፍትነት ናይ ኢትዮጵያ ምትእትታው ዝብል ሓበረታ እዩ ኔርዎም። እቲ ብኢትዮጵያ ተደጊፉ ዝበሃል ሽፍትነትን ንእስላም ተመስሊካ ኣንጻር ነጻነት ፖሮፓጋንዳ ምክያድ ነቲ ነጻነት ክንዲ ዝድግፍ፡ ሃገረ ኤርትራ ድኽምትን ረጽምን ዕግርግርን ዝበዝሓ ኮይና ንኽጥዕማን ክትረግእን ኣብ ትሕቲ ምእኩልን ሓያልን ንግስነት ዝሓሸ ዕድል ክረኽባ ይኽእል ናብ ዝብል መደምደምታ ናይ እንግሊዛውያን ርእይቶ እዩ ዝኸደ።

ዓንደብርሃን እቲ ሎሚ ከም ናይ ሃገራውያን ሓይልታት ታሪኽ ዝፍለጥ መደምደምታ ይደጋግሞ እዩ። ዳርጋ እቲ ገድሊ ዝፈጠሮ “ስድነት” ናይ ኣገላልጻ እውን ይረእ። ንሓደ ኣቡን “ባምቡላ” ኢልካ ኣብ መጽሓፍ ከተውጽእ ከለኻ፡ ሓደ ማዩ  ዝሰተየ ከም እኒ ኣባ ተወልደብርሃን ይኹኑ ካልኦት ደረስቲ ነዚ ጽሑፍን ኣገላልጹኡን ኣሉታዊ ከምዝኾነ ዝገልጹ ተሳኢኖም እዩ ዘብለካ። ኣብ ገጽ 87 ድማ ነቶም ቀጻልነት ግዝኣት ኣውሮጳውያንን ከምኡ ክቕጽል ዝደለዩ “ገለ ውሑዳት ንስልጣንን ሽመትን ዝደልዩ”ን “ስልጣኖም ዝሰኣኑ መሳፍንትን ሹማምንትን ተውሲኾሞ” ድኣ እምበር ዝበዝሐ ኣብ ገጠር ደገፍ ኣይነበሮምን ይብል።

“እቶም ኣህባይ እንታይ ይደልዩ?” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተጻሕፈ ምዕራፍ ናይ ሮንግ ምንጪ ዝብሎ፡ እቲ ድሌት ሕዝቢ ኤርትራ ንኽምርምር ዝተላእከ ኮሚሽን ንባዕሉ ዓሌታዊን ንረብሓ ሕዝቢ ዘኽብር ኣይነበረን። እቲ ኮሚሽን ናብ ኢትዮጵያ ምስከደ፡ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ከተመሓደር ትኽእል ድያ ንዝብል ሕቶ ንምምላስ ዝተገበረ ጉዕዞ፡ ብክእለት ኢትዮጵያውያን እንግሊዛውያንን ማለት  እቲ ኮሚሽን ነቲ ኣብ ወሎን ትግራይን ዝነብረ ጥሜትን ድኽነት እታ ሃገር ከምዘይርኢ ንምግባር ካብ ኣዲስ ኣበባ ከይወጽኡ ግዜኦም ሓለፈ።  

ዘገርም ዳንኤል ላሰለስ ብግሊ ክናሳሕ እንከሎ “ኢትዮጵያ ፈጺማ ንኤርትራ ብምልእታ ይኹን ክፋላ ክትረክብ ዝግብኣ ኣይኮነትን” ኢሉ ትብል ሮንግ 19 ኣብ ገጽ 181። ኣብዚ ሮንግ ንዶክተር ዮውሃንስ ዑቕባዝጊ፡ Eritrea, A Pawn in World Politics, University of Florida Press, 1991, p 147 ከም ምንጪ ትጠቅስ።

ሳባዊ ታሪኽ ስለዝመንጠለካ፡ ካልእ ታሪኽ ምርካብ ቀንዲ ዕላማኦም ዝገበርዎ ሃገራውያን ሓይልታት፡ ነዚ ናይ ግዝኣት እንግሊዝ ዘጋጠመ እሞ ኣብ ኣሜሪካን ዓዲ እንግሊዝን ሮማን መዛግብቲ ዝምስክሩሉ ኩነት ብዓይኒ ሕርቃንን ቂምን ብምርኣይ እቲ “ናይ ክልተ ከይሰማዕካ ኣይትፍረድ” ዝብል ናይ ኣቦታት ቢሂል ረሲዖም ነዚ ታሪኽ እዚ ብሓቂ ከም ንቡር ወሲዶምዎ ጥራሕ ዘይኮነ ካልእ ኣይረኣዮምን። ካብቲ ኣትዮሞ ዘለዉ ናይ ሚዛን ዘይብሉ ምንጋር ዛንታ እንተዝወጽኡ እቲ ዝጽበዮም ናይ ሓቅነት እዋንሲ በጺሑ ምኻኑ ርዱእ እዩ።

ሓደ ንዲክታተርነት ዝጠቅም ተርእዮ ዝምዝምዞ፡ ንነገራት ከም ንጹር ጌርካ ምርኣይ እዩ። ማለት ጻዕዳን ጸሊምን ጸላእን ፈታውን ደጋፍን ተጻራርን፡ወዘተ። ዓለም ግን ከምኡ ኣይኮነትን። እቲ ብ40ታት ዝነበረ ተርእዮ እውን ነዚ እዩ ዝድግፍ። ማለት ደቅሰብን ሃገራትን በበዝመሰለን ፍርደን ክህባን ዝመሰለን መፍትሒ ከቕርባን ይኽእላ እየን። ኣብ መላእ ዓለም፡ ሓደ ዝዓይነቱ ሕዝቢ እዩ ብሓደ ዝነብር። ጃፓን ብኹሎም ጃፓናውያን እያ ቆይማ። እዚ ማለት ግን ኩሉ ግዜ ንጽቡቕ ኣይኮነን። ንኣብነት እታ ሓደ ሕዝባ ሶማል ክሳብ ሎሚ ዲክተተራት ብዝፈጠርዎ ቅልውላው ክትህሰ ትርአ። ግንከ ንኣብነት ጀርመናውያን ናይ ጀርመናዊ ዓሌት ሃገር እያ። ከምኡ እውን ፈረንሳ፡ ጥልያን ወዘተ. ስለዚ ሓደ ዓይነት ሕዝቢ ብሓደ ክሓብር ምባል ጌጋ ኣይኮነን። እዚ ኣብ ኤርትራን ትግራይን ኣይሰለጠን ግንከ ከም ሓደ ምርጫ ተራእዩ ብዝተፈለላየ ምኽንያት ኣብ ግብሪ ኣየወዓለን ኢልካ ዝሕለፎ ጉዳይ ጌርካ ምውሳድ ይሓይሽ። ንሕናስ ንኸይንፈላለ ተቓሊስና ዝብል ጭርሖ ሕዚካ ንክንደይ ዓመት እዩ ክካየድ? ምፍልላይና ኣወጊድናኸ ንኤርትራውነትና ዘበርከትናዮ ብጀካ ኣንጻር ኢትዮጵያ ዝቐንዐ ቃልሲ እንታይ ኣሎ? እቲ ኣውራ ክብሪ ክወሃቦ ዝግባእ ኤርትራዊ ዜጋኸ ብድሕሪ ነጻነት እንድዩ ድኣ ኣውራ ክሕብሐብን ክሕቆፍን ዝግባእ። እንተኾነ ግን ኣብ ልዕሊ ኣካለ ስንኩላን ዝወረደ ጉድ ከም መበገሲ እንተድኣ ተወሲዱ ኤርትራውያንሲ ስለዝሓበሩን መንነቶም ስለዘግሃዱን ቁም ነገር ረኺቦም ወይ ድማ ተሓጉሶም ዝብል ኣገላልጻ ኣይተረኽበን።

ብ1949 ዝቖመ ኮሚሽን ሕ.መ. ነዚ ናይ ሰብ ጠባይ መርኣያ ኮነ። እታ ድሕሪ ነጻነት ሓዳስ ኤርትራ “ናትና” እያ ትብላ ፓኪስታን እውን ግደኣስ ጌራ እያ። ወኪል ኮሚሽን ፓኪስታን፡ ሚያን ዚዩድ ዲን፡ ነቲ ድሑር ናይ ገጠር ናብራ ከበሳ ምስተመልከተ ዝበሎ ነቶም ኣውሮጳውያን ከይተረፈ ኣሰምቢድዎም። ነዚ ድኽነት ዝመልኦ ኩነታት ሃገረሰብ ኤርትራ ምስተዓዘበ፡ “ነዞም ኣህባይ እንታይ ከምዝደልዩ ዘይንሓቶም?” ክብል ተሰሚዑ። ሮንግ ብምንጪ 15 FO 371/80985, Letter from Brigadier Drew, March 7, 1990

ናይ ኮሚሽን ስራሕ ተወዲኡ ኣብ መደምደምታ ፈደረሽን ቆመ። ብሓምለ 10, 1952 ባይቶ ኤርትራ ሓድሽ ሕገ መንግስቲ ሓንጺጹ ብመስከረም 15፡ 1952 ወግዓዊ ልዕልነት እንግሊዝ ተደምደመ። ጃንሆይ ኣብ መረብ መርኣያ ሕብረት ንዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝኸለከለ እሱር ጨርቂ ብመቐስ ብምቑራጽ መጻኢ ኤርትራ ኣተንብሁ። ኣብቲ ቦታ ጻዕዳ ሻሽ ጋቢ ዝተኸድኑ ደቂ ከበሳ “ኣዴና ኢትዮጵያ!” ብዝብል ጭርሖን ሳዕሲዒትን ጨብጨብታን ተቐበልዎም። ኣብዚ ሩባ መረብ ዝጸንሐ መዘከርታ፡ ሓይልታት ኤርትራ ነቲ ቦታ ብ1991 ምስሓዝኦ፡ ብዘይወላውል መንገዲ ነቲ መዘከርታ ደምሰስዎ። እዚ ማለት ግን ኣይነበረን ማለት ኣይኮነን። ምኽንያቱ ናይዚ ተርእዮ እዚ እኹል ስእልታት ኣብ መዛግብ ስለዘሎ። መርበባት ኤርትራ ብፍላይ ዓዋተ ናይ ነጻነት ብሎክ ታሪኽ ይዝርዝሩ እዮም። ናይዚኦም ኣባላት ስእሊ እውን ኣውጺኦም እዮም። እቶም ናይ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ኤርትራ ማለት ማሕበር ኣንደነት ግን ፈጺሞም ኣየቕርብዎምን እዮም። እቲ ዘይርዳኣካ፡ ፍሉጣት ኣባላት ንነጻ ኤርትራ ኣብ ገለ ገለ እዋን ናይ ሕይወቶም ኣባላት ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ኤርትራ ከምዝነበሩ እዩ። ንኣብነት ዓብደልቃድር ከቢረ፡ ወልደኣብ ወልደማርያምንን፡ ኢብራሂም ሱልጣንን ይምልከት።

“ውዲትነት” ዝኣምን ኣካል ንታሪኽ ኤርትራ ብዓይኒ ብልሕን ፖለቲካዊ ብስለትን ብዘድሊ ኣገላልጻ ክርእይዎ ይግባእ። ሎሚ ንድሕሪት ተመሊስካ ክርአ እንከሎ ኣሜሪካ እንተትደሊ ኔራ መምስዝመጽአ ስልጣን ክትሰማማዕ ትኽእል ኔራ። ካልኦት እውን ከምኡ። ግድነት ኣይኮነን ብንጉስ ኅይለ ሥላሤ ጌርካ ምኻድ። እቲ ኣብ ባይታ ዝነበረ ተርእዮ ማለት ህላወ ማሕበር ኣንድነትን ኣንጻሮም ናይ ዝነበሩ ማሕበራትን ኣብ ግምት ብምእታው እዩ እቲ ናይ ፈደረሽን ማእከላዊ መርገጺ ተወሲዱን፡ ኣብቲ መንግስቲ ምስተተኽለ ድማ እቶም ኣንጻር ዝነበሩ ድማ ማዕርግን ሓላፍነትን ሽመትን ዝተዋህቦም። ህ.ግ.ሓ.ኤ. ብፍላይ ኣንጻር “ሽመት ዝደሊ፡ ስልጣን ዝደሊ” ዝብል ኣምር ስለዝሓዙ፡ ሎምውን እቶም ህ.ግ.ሓ.ኤ. ነበር እንተኾነ እቲ “ተቓውሞ” ንስልጣን ምሓዝ ምኻኑ ብዘረባስ ዝተቐበልዎ ኣይመስሉን። ንስልጣን ኣይኮናን ንቃለስ እንታይ ድኣ ንፍትሒ ምባል ጽቡቕ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ደሞክራሲ ስልጣን ዝህብ ሕዝቢ ባዕሉ ምስዝውስን ስለዝኾነ።  

ውጽኢት ኮምሽን ኣርባዕተ ሃገራት (FPC) 48% ናይቲ ሕዝቢ ብወኪላቱ ኣቢሉ ንብዘይ ቅድመ ኩነት ምሕባር ምስ ኢትዮጵያ ተቐቢሉ ይብል። እዚ ዘይተዋሕጠሎም ጸሓፍቲ ናይቶም 52% እሞ ብሓደ ዘይነበሩ ኣካላት እንታውነት ምጥቃስ ተቓውሞኦም ክንዲ ዝገልጹ፡ ብሓፈሻኡ ነቲ ርኡይ ድሌት ሕዝቢ ኣብቲ እዋን እቲ ክቕበልዎ ኣይመርጹን። ምስቲ ዘለዎም ኣረዳድኣ ስለዘይሰማማዕ።

ኣብ ገጽ 87 ግን ዓ.ወ. ናይ ኢትዮጵያ ምፍርራሕን ሃይማኖታዊ ጸቕጥን ከምዘለዎ ኮይኑ፡ ካብ ግዝኣት ጥልያንን እንግሊዝን ማለት “ኤርትራዊ ጠቕሚ ካብ ግዝኣት ኣውሮጳውያን ዝያዳ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ይሓይሽ ኢሎም ብልቦም ዝኣምኑ ከምዘለዉ” ንትረቫስኪስ ብምጥቃስ ንገለ ገለ ሓቅስ ይቕበሎ እዩ። ካብኣ ናብኣ ትሕቲ ኢሉ ግን “ማሕበር ኣንድነት” ብኢትዮጵያ ተመዊሉን፡ ተደፊኡን፡ ተጠውዩን ከም ሓደ መሳርሒ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ኮይኑ ይብል። ጸጸኒሑ ይደግሞ። እቲ ኣብ ላዕሊ ዝተባህለ ማለት፡ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሃይማኖት ናይ (EOC, i.e. Eritrean Orthodox Church) ብምትሕብባር ቀንዲ መሳርሒ ስትራተጂካዊ ዕላማ ኢትዮጵያ ኮነ ይብል። ኣብዚ ብሽፍትነትን፡ ሃይማኖታውን ፖለቲካዊ ምክፍፋል ኣብ ኤርትራ ብምትእትታው ኣንጻር ነጻነት ዝግበር ንዝነበረ ስራሓት ጽላል ብምኻን ኣገልጊሉ። ቀንዲ ስርሑ ኣብ ሓድነት ሕዝቢ ኤርትራ ብምእታው ኣብ መንጎ ክርስትያንን ኣስላምን፡ ከበሳን መታሕትን፡ ደገፍትን ተጻረርቲ ነጻነት ምክፍፋላት ቀንዲ ዕላማኡ ነበረ ይብል። 

ቀዳማይ ጸሓፊ ናይ ንጉስ፡ ጸኒሑ ድማ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ዝነበረ ሎርንዞ ታእዛዝ እዩ። ንሱ ሓደ ካብቶም ብ1944 ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ኔሩ፡ ኣብኡን ኣብ ወጻኢ ተማሂሩን ኣብ ስልጣን ዝበጽሐ ሰብ እዩ ኔሩ። መባእታዊ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን እምበኣር ዝሃነጸስ እዚ ኤርትራዊ እዩ ኔሩ። እዞም ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኤርትራውያን ድማ ንነብሶም ከም ኢትዮጵያውያን ስለዝወስድዋ፡ ንጉስ ብዛዕባኦም ተገዲሱ ን”ኤርትራ” እንተመለሳስ ዝድገፍ እምበር ዝቃወም ኣይምተረኽበን። ምስላ ከምዝብሎ “ሓወይ ኢልካ ኣይትህቦን ናቱ፡ ጋና ኢልካ ኣይትኸልኦን ናቱ።” ርእይቶ ፍልይ እንተበለ ነቲ ዝዓበየ ክፋል እዚ መጽሓፍ ግን ኣይምልከትን። ግዳይነት ከትይጠፍአ ግን ታሪኽ ኤርትራ ኣይልወጥን እዩ።


ንጉስ ኃይለ ሥላሴ ምስ
ሎረንሶ ታእዛዝ (1892–1947) ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒሰተር ኢትዮጵያ

ታሪኽ ፓርትታት ብምቕጻል ሊበርላዊ ፓርቲ ብ1945 ንነጻነት ኤርትራ ቆይሙን እቶም ኣባላት ኣብ ቁርኣንን መጽሓፍ ቅዱስን ሓድነት ኤርትራ ክዕቅቡን ንሓንትን ውሕድትን ኤርተራ ክቃለሱ መሓሉ (ወልደኣብ ወልደማርያም ከምዝመስከርዎ)። ብ1946 እስላማዊ ሊግን፡ ሊበራላዊ ፓርትን ሓዳስ ኤርትራዊ ፓርቲ፡ ናይ ነጻነት ጉጅለ (ብሎክ) መስረቱ። እዚኣቶም ምስተመስረቱ ዓብይ ለውጢ ተራእየ። ሓደ ናይ ኣሜሪካ ጸብጻብ ከምዝምስክሮ ኣብዚ እዋን እዚ ምርጫ እንተዝካየድ ኔሩ ጉጅለ ነጻነት 75% ናይ ምርጫ ምረኸበ ኔሩ ይብል። እዚ ምዕባለ ግን ንማሕበር ኣንድነትን ኢትዮጵያን ረጽማ ኣንጻር እዚኣቶም ንኸተዛይድን ኣንጻሮም ስጉምቲ ንኽትወስድን ደፋፍኣ። እቶም ዘይፈርሑን ብገንዘብ ዘይተዓደጉን ብሓይሊ ተመንጠሉ። ስለዚ ድማ ብዙሓት ንጉጀለ ነጻነት ገደፍዎ። እዚ ኩነት እዚ፡ ምስቲ ናይ ንብረት ራስያን ዕግርግርን ብመንግስቲ ደረጃ ዝግበር ዝነበረ ውሽጠ ውሽጢ ዘይምርግጋእ፡ ነቲ ኤርትራ ርእሳ ኣይትኽእልን እያ ዝብል ንምክፍፋል ዝደፍእ ፖሊሲ ዝጠቅም እዩ  ኔሩ።

ኣብዚ ዓ.ወ. ተራ ኣብያተ ትምህርቲ ብግዜ እንግሊዝ ብዝርዝር ይገልጽ። ብ1950 59 ዝኾና ቀዳማይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲን ሓደ ማእከላይ ከምዝተመስረተን፡ ብሓፈሻኡ 100 ቀዳማይ፡ 14 ማእከላይ፡ ክልተ 2ይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ቆይመን።  እዚ ነቲ ዝጸንሐ ምንቅቃሕ ኤርትራውያን ዝያዳ ከምዝሓገዘን ናይ ጽሕፈትን ርእይቶ ምሃብን ባህላውን ማሕበራዊ ኣገባባት ከምዝማዕበለን ይሕብር። እዚ ድማ ኤርትራውያን ርእይቶ ኣብ ምሃብን ነጻነት ናይ ጽሑፍን ምንባብን ከማዕብሉን ፖለቲካዊ ምንቅቓሕ ሃገራውነት ንኽህልዎም ዘረሳሰነ ተርእዮ ከምዝነበረ ይገልጽ።

ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝጸንሐ ምክፍፋላት ነዚ ክልተኣዊ ፖለቲካዊ ምውድዳር ከምጽእ እንከሎ፡ ድኽመት ማሕበራዊ ምክፍፋላት ሓደጋ ናይ ወጻኢ ምትእትታው ብፍላይ ናይ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ እታ ሃገር ኣጋለጸ። ንድሕሪት ተመሊስካ ክርአ እንከሎ እተን ፓርትታት ከምድላየን እንተዝግደፋ ኔረን ቀስ ኢለን ናብ ሽቶ ሓባርነትን ሓድነት ንምትሕብባርን ንነጻነት መርኣያ ኔረን። ኣብዚ ትሕቲ ርኡይ ናይ ወጻኢ ምትእትታው ሃገራዊ ምንቅስቓስ ክጅምርን ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲን ንነጻነት ክቃለስን ተበገሰ። እዚ ሃገራዊ ጉዳይ ካብ ወጻእን ካብ ውሽጥን ንዘጋጠሞ ተጻብኦታት መኪቱ ኣንጻር ምክፍፋል ተቓሊሱን ሲዒሩን፡ ሓያልን ብዙሕነት ንድሌት ነጻነት ኣኪቡ ሓንትን ነጻን ኤርትራ ንኽትህሉ መንገዲ መሪሑ። እቲ ኣውራ ጠባይ ናይዚ እዋን እዚ ግን ኣብ መንጎ እቶም ንነጻነትን ኣንጻር ነጻነትን ንዝነበረ ሓይልታት ኣማዕዲዩ ንሓርነት ዝነበረ ቃልሲ ኣብ ምዕራፍ 4 ከምዝረአ ሓድሽ ብድሆ ከምዘጋጠሞ እዩ ዘተንብህ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...