ወግዓውነት መኽፈቲ ጽምብል ኢዮቤልዩ ዓወት ኣፍዓበት ዘይረኣየ ዳርጋ የብልናን። ከምዜጋታት ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ከ ምውጻእ መዓት ንከምዚ ዝኣመሰለ ሃገራዊ በዓል ንምርኣይ ዘብቃዓና ልዑል ፈጣሪ ምስጋና ከነቕርብ ድማ እምነታዊ ሓቂ ኢ ዩ። ጾታን ዕድመን ከይደረተን፡ ኣበይን ዓይነት ኣተሃላልዋን ከየገደሰ፡ ኩሉ ዜጋ እንተ ብኣካል ወይ ብዛንታ ነዚ በዓል’ዚ ዝተ ኸታተለ ዘበለ መቸም ዝተፈራረቐ ኣራኣኢያታት፡ ስምዒታትን ትጽቢታትን ከምዘሕደረሉ ፍሉጥ ኢዩ። እወ፡ እቲ ዝኽርስ ዝ ኽሪ እንድዩ፡ ቅድሚ ዝኣገረ ንነብስኻን መፈጸምታኻን ትግምግመሉ ምስ ውልቅኻ ትማጎተሉ፡ ብዓወታትካ ትኾርዓሉ፡ ብድ ኽመትካ ድማ ትንሰሓሉ፡ ኣውራ ግና ንመጻኢ መብጻዓ ትኣትወሉ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ክከውን ምተገብአ። እሞ ነፍስኹም ከመ ይ ጸኒሓትኩም? ‘’ንእሽቶ ውራይ’ሞ ግበር ፈተውትኻን ጸላእትኻን ክትፈልጥ’’ ዝብል ምስላ ኣሎ’ንዶ፡ መጎሰ ናይቶም እዋና ውያን ቀንዲ ተመጎስቲስ ሕራይ፡ ብዛዕባ ናይቲ ዘይስማዕ ቅቡር ኣውያትከ እንታይ ተሓሲቡ ኣሎ?

ሓቂ ንምዝራብ ኣብ ኩሉ ሃገራዊ ጉዳይና ከምቲ ክኾኖ ዝነበሮ “ቀንዲ ተዓጣቒ ውራይ ኮነ ስራሓት ህዝቢ ኢዩ” ኢልኩም ከ ምዘየይተሓስቡ ኣይጠራጠረሉን። ‘መጥፍኢየይ ይብርሃኒ’ ከምዝበሃል ከኣ ህግደፍ ብጫሌዳ ልቢ ዘዝበጥብጥሉ’ዃ እንታይ ኮነ፡ ጽምብሉ ከምዝተዓአዘብኩም ግና እመስለኒ። ካብ ዝተጋህዱ ነገራት ገለ ምጥቃስ ድማ ኣገዳሲ ኮይኑ ይስማዓኒ።

ብቐዳምነት እንዃዕ ክቡር ፕረሲደንት ሃገረ-ኤርትራ ኣብቲ ጽምብል ኢዮቤሊዩ ዓወት ግምባር ኣፍዓፈት ክርአ በቕዐ። ንሱ ኣ ብ ግምባር ፎርቶ ሓንሳብ ምስተሰናበደ /ኣነ’ውን ሰንቢደሉ ኢየ/ ልክዕ ከምቲ ናይ ፈንቅል ‘’ንርእሱ ቦዂሩ ነታ ባዓል ክርም ሳ ኢዩ’’ኢልና ሓሲብና ኔርና። እንተኾነስ ኣረማማስ ክፈላለ ከምዝኽእል ጥራይ ዘኮነስ መልካዓት ተብላጽ ድማ ተረዲእና ኣለ ና። ንሱ ትማሊ ንብሃገራ ብዛዕባ ዘየብልና ሃይማኖታዊ ኲናት ከምዘይኣወጀልናን ኣብ ልዕሊ ናይትማሊ ኣገልገልቱ ተኸተል ቲ እስልማና ገበን ከምዘይ ፈጸመን ኣብውሽጢ ህዝቢ ኣፍዓበት ሕጹብ ክመስል ብዝርካቦም ተኸተልቱ ኣስላም ተኸቢቡ ከ ምዝመጸ ገለ ካብቲ ስንክሳር ገዛእቲ ምዃና ተመዝጊባትሉ ኣላ። ብምቕጻል ስለ’ቲ ዝሓደሰና ጥንቁቕ መደረኡ ከየመስገንኩዎ ኣይሓልፍን። ሎምስ ናይኮነ እዋን ግዲ ኣርኪባ ብዛዕባ ሓመድ ድበ ናደው ድሕሪ’ቶም ወትሩ ስረ-ውሽጡ ዘቃልዕዎ ገዳይም ን ሓደስትን ስነ-ጥበባውያን ዝልቀብ ላቄባ ከምዘይብሉ ኢዩ ዝገለጸ። ኣስዒቡ ሓመድ ድበ ናደው ይኹን ካልኦት ዓበይቲ ቅ ያታት ኩሉ ግዜ ሓኒኽና ዘይንዛረበሎም ናይ ታሪኽ መፍለጢ ናይ ሃገር ምህናጽ ናይ ሃገር ሓርነት ናይ መጻኢ ወለዶታት ቤ ት ትምህርትን ናይ መንነትና መግለጺን ስለዝኾኑ ፡ ኣብ ከምዚኦም ኣጋጣሚታት ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ዘይፈልጦን ዘይራአዮን ወለዶ መምሃሪ ዝለዓለ ኣካዳሚ ስለዝኾነ ካብ ናይ በዓላት ጽምብል ሓሊፎም ክዝውተሩን ናይ ብሓቂ ክንዲ ሓደሽቲ ጥማ ዓት ስራሓት ክስራሕ ዝፍተን ድማ ኣብዞም ኣኻውሕ እዚኣቶም ናይብሓቂ ታሪኽ ከምዝጸኻፍን ወለዶታት ከምዘንብብዎም ንምግባር ኣወሃሃዲት ሽማግለን ህዝቢን ኣብ ኩሉ ቦታታት ንዝፈልጡዎ ታሪኽ ዓመት ዓመት ከሐድሱ ወትሩ እንተዝግበር ዕድመኡ ኣናዊሑ ኣእምሮኡን ኣካላቱን ከምዘሐይለሉ ኢዩ ተላብዩ።

ስነ-ጥበባውያን ካብተዘከሩ’ሞ እንታይከ ክዕበጥ!። ኣብዚ መደብ’ዚ እቶም ቀዳሞት ኣብ ኩሉ ናይቃልሲ ዕማማቶም ብፍላይ ድማ ኣብ ምድምሳስ ናደው፡ ማለት ነቲ መስተንክራዊ ዓወት ግምባር ኣፍዓበት ኣብ ምግላጽን ምዕቃቡን እንታይ ተራ ነይር ዎም ብመልክዕ ዛንታ ክትሰምዕ እንከለኻ ግደፍ ንዝተጠልሙ ሰብውዕሎ ንዝኾነ በዓል ሕልና ከምዘንብዕ ኣየጠራጥርን።ንብ ዓት’ኮ ስቕ ኢሉ ስለዝተደለየ ኣይመጽእን ኢዩ። ጸበባ መቸም ካብ ተሰጋርነቱ ንላዕሊ ብስነ-ጥበባዊ መልክዕ ማለት ብዜማ፡ ድራማ፡ ማሰን መሰሉን ክዝንቶ እንከሎ እቲ ቀንዲ ዓንዲ ማእከል ክፋል ሕመረትቃልሲ ምስጢር ዓወትና ዝገልጽ ብምንባሩ ኣካን የብኪ። ኮይኑ ድማ ሎሚ ህግደፍ ክዓባብጦ’ዃ እንተዘይከኣለ ከምቀደሙ ወዛሕዛሕ እናበለ ከዝበጥብጠሉ’ዃ ኣይኽኣ ል ክብለጸሉ ክብል ግን ዕርቃኑ ወጺኡ ኣሎ። ጥራይ’ንዶ ጽንሕ! እምበር ካብመዓስ ኢዩ ድኣኸ ኢሱ ፈታው ስነ-ጥበባውያን ኾይኑዶስ ንምዝንጋዕ ዝተወጠነ ኮይኑ ድሕሪ ቁሩብ ዝስዕብ ወስታ ሃልዩ? ክደነና ጎይታይ መዓረይ!!

ንምዃኑ ህዝቢ ኤርትራ ብዓወት ናደው ከምዘይኮርዐ፡ ጸኒሑ’ውን ብናጽነት ሃገሩ ከምዘይተሓበነ ንምንታይ ኢዩ ሎሚ እዚ ብሂወት ተሪፉ ዘሎ ዘይከምዝሓሰቦ ሃገሩ ገዲፉ ዝስደድ ዘሎ? ህግደፍከ ከመይ’ሉን ካብመዓስን ኢዩ ነዚ ዘጓንፎ ዘሎ ቀልጻ ም ጽፍዒት ክሸፋፍንን ውሒጥዎ ክመስልን ዝርአ ዘሎ?

ንዓ’ስከ’ታ ድምጻዊ እስቲፋኖስ ኣብራሃ /ዘማች/ ገለ ዘጽናሕካዮ ጥጅእ ሓሳባት ናይቶም መብዛሕትኦም ዝሓለፉ ደቅኻ ቀያ ሕቲ ዕምባባ እንተ’ሎካ ገለ በለና። ካብምንታይ ኢዩ ህግደፍ ዕረ ክውሕጥን ተቓውሞ ሓፋሽ ህዝቢ ድማ እናሰወደ ዝሓድ ርን ዘሎ?

 

‘ታሪኽ ተወከሱ” ዶ ኢለሙና ወዮም ብግዜ ናደው ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ዝነበሩ ሕንጣያት ሓቀይ? ከምኡ እንተኾይኑ ሓቂ! ኣማን ብኣማን ኩሉ ኤርትራዊ ከምፈጻምን ተጠላምን መጠን ታሪኽ ክውከስ ይግባእ። እታ ዝተወፈየት ‘’ልቢ ተጋዳ ላይ’’ ሓንሳብ ነይራን እዚ ሰልፊ’ዚ ክሳብ ዘሎ ንኩሉ እዋን ድማ እናደመየት ክትነብርን ኢያ። እስከ ንዘክር፡ እታ ልቢ’ቲኣ ን ሕሉፍን መጻእን ብኸመይ ኢያ ትጥምቶ ዝነበረት?

ኣብቲ ምስሊ ክንለማመዶ ዲዩ ተሓሲቡ ወይስ ታሪኽ ምዕራፍ ሃልይዋ ከምግምትኩም ሕሰብዎ ግንከ ክሳብ ሎሚ ምቕራቡ ሕርሚ ዝነበረ ምስልታት ገለ ተጋደልትን /ከምናይ ኢሳይያስ ተወልደ ወዲፍላንሳ/ ብርቂ ዝኾነ ቃላትን ፍጻመን ክንርእን ክን ሰምዕን በቒዕና።ንበል ንምድጋሙ ክቡር ፕረሲደንት ከምዚ ክብል ሰሚዐ፡-

……..ዝኽርታትና ስለዘበጋግሰልና ካበይ ከምዝመጻእና ስለዘፍልጠና ስለዘረድኣና ንኣና ከምቲ ዝበልኩዎ መዘኻኸሪ መሐደሲ መንነትና መፍለጢ መረጋገጺ ስለዝኾነ ብዓቢኡ ግን እዚ ሓመድ ድበ ናደው ይኹን ካልኦት ዓበይቲ ቅያታት……..ኣብዞም ኣኻውሕ ዝኢኣቶም እቲ ናይ በሓቂ ታሪኽ ከምዝጸሓፍን ወለዶታት ከምዘንብብዎ ንምግባር…….

ብባህረይ ህልኸኛ ከምዘይኮንኩ  ፈለጥተይ ከምዘውግዑ እፈልጥ ኢየ። ሽዑ ግን ልበይ ብናይ ስዕረት ኩነት ስቱኽ ከምዝበለ ትኒ ህልኸኛ ባህሪ ኣቃጸለኒ። ‘’ሓቃ ኢያ’’ ከኣ በልኩዋ ንነብሰይ። ኣብ ስዑር ሕዛእቲ ካብተቐፈደትከ ከመይቢላ ብዛዕባ ለም ለም ሰቲ ከተውሪ? ለምለም ኣይረገጸት ድርቂ ኣይፈንጠዘትይዋኣ!! ኮይኑ’ውን በቲ ሓደ ብውዕሎ ናይቲ ግዜ’ቲ ዓርመሾሽ ዓ ወትን ትጽቢት ናይተን ሽዑን ሎምን ዝህንቀዋ ዘለዋ ልብታትን፡ በቲ ካልእ ድማ ምርፍታት ናይቲ ሰራሕ ቅያ ውፉይ ሰራዊ ትን፡ ዝገደደ ብኣጋጣሚ ዓወት ኢዮቤልዩ ዝዘነበ ሸፋጢ ብሂልን ተገራጭዩ ጋን ድኣ ኮነኒ።

ዝኸበርኩም ጀነራለ-ኮለኔላት፡ እቲ ነዚ መዓርግ’ዚ ዘብጻሓኩም ሰራዊት ሎሚ ኣበይ ምህላዉ ሓሲብኩሙሉዶ ትፈልጡ?

“ኣብዞም ኣኻውሕ እዚኣቶም እቲ ናይ በሓቂ ታሪኽ ሰንድዎ” ድዩ ዝበለ ክ… ሓቀይ ክብል ተወከስኩዎም ንጀምዓተይ። ኩሉ ግዜ በዘን “ክቡር ፕረሲደንት፡ መንግስቲ ኤርትራ”….ዝኣመሰላ ቃላተይ ጉንዲ እዝነይ ምስተጨልገምኩ ኢየ። ሽዑ ድማ ሓደ ዓርከይ ምስቲ ረሳን ህሞት ቀዲሙ ኣላተመኒ። ኣነ ድማ በዛ ሰባብ ዘረባ ንዝመጸ ነቲ መዝነትን ሃገርን ዝግባእ መጸውዒ ምሃ በይ ምንም ከምዘይኣበስኩ ኢየ ዝደጋግማ።

ሓደ እዋን ንተኸስተ ሃይለ “ብ/ጀነራል ክትብልዎ የብልኩምን” ኢሉ ዘጉባዕባዓለይ ዘኪረ ክምስ በልኩ። ምኽንያቱ ንዓይ ካብ ታ መዓርጉ ንላዕሊ እታ ጠያይት በሳሲዕዋ ክንሱ ሞት ዝፈንፈና ኣካላቱ ትቐርበኒ። ኣዛንን ጓህማምን ነበር ሎሚ ጀነራል ስብ ሓት፡ ከምኡ ድማ ፍጹም’ዃ ዶሮና ዘይትለኽፎም መሰል ተጋደልትና ከምእኒ ስዉእ ሓመድሰይድ ባረ፡ ሜ/ጀነራል ፍሊጶስ ወልደየውሃንስ ዝኣመሰሉን ዛንታኦምን ዘዘኪራ ከተውግዕ ክትብል ነብሰይ መመሊሳ ኢያ ንፈተነ ትጋለጽ። ሓደ ስግር ነቶም ካልኦት ስግር ናይባህ ኣይበሎም ከነዳቕቖም እንተኾይኑ ዘለና’ሞ ንርእሳቶም ገግናዑ ወሲዶም ንዓይ ንም/ል ኮብራ’ዃ ዝጓነዩ ኒ ኣብታ ባዶይ ኮይነ ምስሎም ክድውኖ ምቐለለኒ። ንነገሩ ባዶ ምዃን እንታይ ይጥዕም? ዝወረዶ ከኣ ይለምዶ እንድዩ፡ ነዚ ሕቶ ንምምላስ “ ኩሉና ባዶ! ዘይኣብ ባዶ ነኹድድ ዘለና። ኣየናይ ‘ዘብለጭልጭ’ ከዋኽብቲኸ ርኢና”! ኢሉ ከይሸማጠጠ ከ ይሓልፍ ይኽእል።

ኣይትዓሽዉ ኣሕዋት! ብዘይምስምማዕን ምርድዳእን ፍጹም ኣብንበጽሖ የብልናን።

ንምዃኑ ታሪኽ ኣይተሰነደን ዲዩ ሎሚ ድሕሪ 25 ዓመታት ሓመድ-ድበ ናደው ተዘኪሩ ወይስ ክምስራሕ ተደልዩ? ዋናታቱ ካብታአለዩ ሎሚ ሓደስቲ ተረኽቲ ተቐላቒሎም ግዲ ብተስፋ ክጨናድሑዶ ደልዮም ደቀይ? እሞ ሓደስቲ ጥማዓት ስራሓት ምስራሕ ካብዘይመዓረና ብወገን ወጻኢ’ውን እኮ ብሚ/ር ምክልኻል ነበር ኣቶ መስፍን ሓጎስ ታሪኽ ኤርትራ ክጸሓፍ ምዃኑ ስ ተበሲርና ኔርና ኢና። ዝኾነ ኮይኑ እሞ ሃየ’ንዶ ተጸበይቲ ኢና’ኮ። እምበር ሕሉፍ ታሪኽ ይኹን ትጽቢትና ዝትርኽ ትንቢ ት ድኣ ድሮ’ኮ በቶም ስነ-ጥበባውያን ተገሊጹ ኣሎ። እስከ መታን ብገርህና ካራሩ ከይንስሕልሲ ገለ ካብቲ ሕሉፍ ግን ንኩሉ ግዜ ሓቅን ነባርን ጥራይ ንምጥቃስ፡-

“ ኣነ ኣለኒ ምዕራፍ ታሪኽ ኣለዋ ጎሓፍ” እንታይ ማለት ኢዩ? “ መስይዎምዶ ዓሪብዎም ጸሓይ፡ ከምዚ ሕጂ ይደልዩ በጸሓይ”…..ከ ትርጉሙ ይስቆረናዶ ዋላስ ንህግደፍሲ ኣይውዕልዎን ስነ-ጥበባውያን? ሳዕቤን “ቲፋኖስ” ተረሲዑ ዲዩ? ሳዕቤን ናይታ “ሰማይ” ትብል ዜማ ሕሉፍ ኣብራሃም ኣፈውርቂ ተረሲዑ ዲዩ?....... እሞ ገና እግርን ከበሮን ምስናይ እንተኣብይኩም ስለምንታይ? ተሳንይልኩም እንተኾይኑ ብኸመይ? ክቃለሱ ኢዮም ስነ ጥበባውያን ደቂኤርትራ!! ገለ ሓደጋ ከምዘንጸላለወ እናኣሸቑረረኒ ዓይኒ ኣባይ ክደፍነሎም ድማ ብልቢ እምህለል።

እቲ ግዜ’ኮ ብነብሱ ኣኺሉ ኢዩ። ግደፍዶ ሓመድ ድበ ህግደፍሲ እቲ “ጸሓይ ኣይዓርቦን” ዝበሃል ዝነበረ ግዝኣት እንግሊዝ’ኮ ኣብ ቂዑን ኣብፍጹም ቁጽጽር ኣመሪካ ኣትዩን ኢዩ። ከምኡ ድማ ግዝኣት ኦቶማንን ካልኦት መሰልቱን ክድህመጽ ተራእዩ። ብቛልያ ሰልፊ ህግደፍን አባላታን’ውን ዕምሮም ከናውሑ እምብዛ እንተነብሑ እምንቶኦም ሓንቲ ኢያ ዝነበረት። ኣብቤትና ስርጢጥ ኣትዮም እንዳና እናኣፍረሱ እዚ ሓድሽ ወለዶ ክገጥሞም ዝኽእል ይመስሎም ኣይነበረን።

ሓንሳብሓንሳብ መጥፍኢኻ ከምዝብራሃካ ንዘስምዕ ምስላ ትግርኛ ዘዘኪረ “መራሒናስ ቀርኒ’ምበር ነኺሱ” ኢለ ካን ሓቅነቱ ምሒር ይስወጠኒ’ሞ ብሓቂ እቲ ግዜ ከምዝኣኸለ ይደምቀለይ። እምበር ነገር ኣኻውሕ እንተተላዒሉ ድኣ መዓስ ዓወት ናደ ው ጥራይ ክውቀር ኮይኑ። ምስጢራዊ ሰነዳት ናይቲ “እዚ’ውን ይሓልፍ” ዝብል ውቃር ኣኻውሕ ሲናኸ ይቀበርዶ? ምስጢ ራዊ ሰነዳት ናይቶም ብኢድ ብጾቶም ዝወሓዘ ንጹህ ደም ብጾትናኸ ካብእግሪ ኣኻውሕ ኣይነትዕንዶ?.....ልቢ ተጋዳላይ!…..

ኢሳይያስ ድማ ካርታ እንተተወዲኣ መጣልዒ ስለዘይብሉ ነታ ግልባጥ ድራማ ኣወናዊናቶ ‘ኣኻውሕ ክፈሓር’ ተመንዩ። ወይ ጉድ ደቀይ!! ደርሆ’ውን እኮ ፈሓሒራ ኢያ መሕረዲኣ ካራ ተውጽእ። እዚ’ሞ ብዘይፍታውና ዝተጸበናዮ ኢዩ። ሕልና ፕረሲ ደንትና ንተራ ናይስልጣን ብሕትውና ጥራይ ዘይኮነ ኪኖኡ ጥጁእ ነገር ከምዘለዎ መንዘይተንተነ። ስለ’ቲንሱ ዕስራን ሓሙሽ ተን ዓመታት ቀቀሊሉ፡ ጃልባ ኢሳይያስ ልዕሊ ኣርባዓ ዓመታት ኣብ ፈለግ ደም ተሰራሲራ ገና ድማ ነገራቱ ኣወናዊንዋ እናመ ሰለት መጸግዒ መሬት ስኢና ኣብ ውቂያኖስ ደም ብዘይዋሕስነት ብብርቱዕ ማዕበል ትከላበት ኣላ።ዝኾነ ኮይኑ ሎሚ ግዜ ብነ ብሱ ኣኺሉ ኣሎ።

ጽቡቕ ፋል ይግበረሉ ክቡር ፕረሲደንት ነቲ ዓቢ ሞሳኡ ዝዳረግ ሳንዱቕ ሬሳ ወርቂ ብሻ’ዃ ኣይኹን’ምበር ሰብ እናመሰለ ከ ርሕቕ ምእንቲ ናይሰብ ክዳውንቲ፡ ሴፍን ገመልን ተሸሊሙ ኣሎ። ንሱ ከኣ ነቲ ፍሑም ልቢ ተዋሳእቲ በጢሑ ካብዘይምርዳ እ ብግርህና ናይቲ ወትሩ ቅኑዕ ህዝቢ ኤርትራ ተገሪሙ ሃላይ ሰሓቕ እንተሰሓቐ እቲ ናይ ጉርሒ ኲናት ግና ደጊም ኣብምዝዛ ሙ ኢዩ። ኣይኣዝዝ ከኣ ኣብ ኢድ ናይቶም ክሳብ ንደቆም “ኢሳይያስ” ኢሎም ዝሰመይዎም ራሻይዳ ወዲቑ ዝተገጥመሉ ይኹ ን ናይሓላሉ ዛንጡይ መዓንጡይ ከረክብ ክግደድ ወይ ካልእ በይኑ ብዝፈልጦ እኪታት ተወሪጡ ዕጫ ናይቶም ከምታከምኡ እሙናት ዝነበሩ ዘዘኪሩ ባዕሉ ክሰራጠ ምርኣይ ዊንታ ማንም ዜጋ ኣይነበረን። እሞ ዝከኣል እንተኾይኑስ ወሰንወሰን ትትረፍ ካ ክቡር ፕረሲደንት።ንዘይምኽኑይ ነገር ስንኩላትካ ዝቐርደድካ እኩይ መራሒ“ዘክረ-ሰማእታት” ክትብል’ውን ካብ ሕልና ወ ጻኢ ኢዩ’ሞ ከይስበለካስ ዳግመ-ግምት ግበረሉ።

ብሓቂ ታሪኽ ህዝባዊ ግምባር ዝድውኑ ዘለዉ ኣምሲልኩም ኣንጻር ተጋደልቲ ነበር ክትገጥሙ ትሕልኑ ዘለኹም ደገፍቲ ህግደፍ እንተአሊኹም ድማ ሃየ ምስዝተበገሰ ተበገሱ።

ግደፋ፡


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...