ሬድዮ ኤረና - ዜና


ብኽልተ ታንክታት ዝተሰነዩ ሓደ ኣሃዱ ሰራዊት ኤርትራ ንሚኒስትሪ ዜና ከቢብዎ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

እቶም ብክልተ ታንክታት ዝተዓጀቡ ኣስትት 100 ዝኾኑ ኣባላት ሰራዊት ምስ ምሉእ ዕጥቖም፣ ሎሚ ሰዓት 10 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ፎርቶ ናብ ዝርከብ እንዳ ዜና ሃንደበት ብምምጻእ፣ ነቲ ቀጽሪ ከምዝኸበብዎን፣ ዝኾነ ኣባል ድማ ካብቲ ቀጽሪ ከይወጽእ ከልኪሎሞ ከምዘለዉ ተረጋጊጹ ኣሎ።

ንሓለፍቲ ሚኒስትሪ ዜና ብብረት እናዓጀቡ ኣብቲ ኣብ ቀዳማይ ህንጻ ዝፍለጥ ስቱድዮ ቴሌቪዝን ዝርከበሉ ሓደ ክፍሊ ህንጻ ሚኒትስቲ ዜና ሒዞሞም ኣለዉ።

ንጋዜጠኛ ኣስመላሽ ኣብርሃ ድማ ብሓይሊ ብረት ብምግዳድ፣ ናይ ፖለቲካን ናይ ስግረ ዶብ እሱራትን ክፍትሑ ምዃኖም ቅዋም ድማ ክትግብር ምዃኑን ዝገልጽ ሓጺር መልእኽቲ ብቴሌቪዥን ከምዘመሓላልፍ ብምግባር ንፈነወ ቴሌቪዥን ኤርትራ ደው ኣቢሎሞ ኣለዉ።

ኣብ ካልእ ክፋል ኣስመራ ግና ዝኾነ ዘይንቡር ንጥፈታት ዛጊት ኣይተኸስተን።

ክቡራት ሰማዕትና ነቲ ኩነታት እናተከታተልና ዝርዝሩ ኣብ ዝቕጽል ከነቕርበልኩም ኢና።

ተወሳኺ ሓበሬታ


ንሚኒስትሪ ዜና ተቖጻጺርዎም ዘለዉ ሓይልታት ሰራዊት ኤርትራ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ካብ ስልጣኑ ከምዝወረደ ኣብ ተሌቪዥን ቀሪቡ ንህዝቢ ብወግዒ ክገልጽ ይጠልቡ ምህላዎም ምንጭታትና ሬድዮ ኤረና ገሊጾም።

ሎሚ ረፋድ ንሚኒስትሪ ዜና ዝተቖጻጸሩ ሓይልታት ሰራዊት ኤርትራ፣ ንኤርፖርትን ሃገራዊ ባንክውን ከምእተቖጻጸርዎ ተረጋጊጹ ኣሎ።

ይኹንምበር ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ዝኾነ ዓይነት ዘይንቡር ንጥፈታት ኣይተራእየን። ብዝሒ ሰራዊትውን ኣብ ጎደናታት እኳ እንተዘይተራእየ፣ ኣብ ቀጽሪ ኤክስፖ ግና ብርክት ዝበላ ዓበይቲ መካይን ክኣትዋን፣ ሰራዊትውን ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ ከምዘሎን ዝሕበር።

ብማእከል ከተማ ታንክታት ክሓልፋ በዒንቶም ዝተዓዘቡ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና፣ ኣብዚ እዋን እዚ ህዝቢ ከተማ ኣስመራ ፎሮ ሚኒስትሪ ዜና ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰራዊት ኤርትራ ኣትዩ ከምዘሎን፣ ጓሉ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ እትርከቦም ኣባላት ሚኒስትሪ ዜና ድማ ከይወጹ ተከልኪሎም ምህላዎምን ደጊሞም ኣረጋጊጾም።

እዚ ብሰራዊት ኤርትራ ዝውሰድ ዘሎ ወሰንቲ ትካላት መንግስቲ ናይ ምቁጽጻር ስጉምቲ፣ ዕልዋ መንግስቲ እናበለ ህዝቢ ከተማ ኣስመራ ብሰፊሑ ይዛረብ ምህላዉውን ኣረዲኦም።

ቀጥታዊ ፈነወ ሬድዮን ቴሌቪዥንን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ካብ ረፋድ ኣትሒዙ ኣቛሪጹ ዘሎ። በቆጻጽራ ኤርትራ ሰዓት ሸውዓተ ክፍኖ ዝነብሮ ዜና ብቋንቋ ትግረውን ብሰንኩ ክፍኖ ኣይከኣለን።

ህዝቢ ሰዓት ትሽዓተ ንዝፍኖ ዜና ብትግርኛ እንተጀመረን፣ ሓድሽ ሓበሬታ እንተሎን ብሃንቀውታ ይጽበ ኣሎ።

ኣገልግሎታት ቴሌፎንን ኢንተርነትን ግና ክሳብ እዚ እዋን ጽቡቕ ይቕጽል እኳ እንተሃለወ ከይቛረጽ ግና ዓቢ ስግኣት ኣሎ።

 

Radio Erena

http://www.ustream.tv/channel/ erena-online


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...