ኣብዚ ቀረባ እዋን /29 ሕዳር/ ጸማልያ ፕረሲደንት ኤርትራ ኣኼባ ካቢነ ምኒስተራት ከምዘገበረ ሰሚዕና። እቲ ኣብ መ ዛዝሚ ዓመት ዝተገብረ ኣኼባ ንዓመታዊ ጸብጻብ ዝዓለመ ምንባሩ ተገሊጹ። ኣብቲ ኣኼባ ፕረሲድንት ቁሩብ ግዲ ትን ፋስ ሰዂዑስ ከምቲ ናይ መንደፈራ ዝገበሮ ኣውራ ብዛዕባ ናይቲ ብዘይ ኣሃዛዊ መዐቀኒ ከምሕሱም ዝተሓንበበ ሕሉፍ ዓመታዊ ቁጠባዊ ‘ዕብየት‘ ገምጊሙስ ንዓመታ ከኣ ብዝበለጸ ክዓቢ ተነብዩ ኣሎ። ዕብየት ይፍጠረልና!!

ትሕዝትቶ ኣኼባ ካብቲ ቅድሙ ዝተፈለየ ከምዘይኮነ ዘዘስተውዓለ ዘበለ ግድን ከኣ ካልእ ሓድሽ ነገር ኣስተብሂሉ ክኸው ን ኣለዎ። ብኹረት ሓያለይ ኣባላቱ። እዚ ልዕሊ 1/3 ሚኒስተራቱ ዘይነበሩ ኣኼባ ምልኣተ-ጉባኤ ከምዘይነበሮ እናተፈለጠ እንታይ ኣህጺጽዎ ተገይሩ ትብሉ?

ቡዙሕ ሰብ ይዛረበሉ ከምዘሎ ሎሚ ናይቀውጢ ሰዓት እናጸበበት ኢያ። ኩሉ ዜጋ ካብ ተራ ህዝቢ ይኹን በዓል ሰልጣን ንውልቃዊ፡ መንግስታውን ስፖርታውን ስራሓት ንወጻኢ ዝለኣኽ ከይተረፈ ሰፍ ዘይብል ትሕጃ ኣትሒዙ ካብታ ሃገር ክ ወጽእ መድሎ ዘዝረኸበ ንድሕሬኡ ከይተገልበጠ በቢዝኸዶ ይሽረብ ከምዘሎ ኩሉ ዝፈልጦ ኢዩ። ፕረሲደንት ድማ ንክ ልተ ምኽንያት ሃጺጹ ኣኼባ ከምዝዓደመ ይትንተን። በቲ ሓደ ብግብሪ ንዘየሎ ካቢነ ናይ ሓሶት ህላወ ክዘርኣሉ፡ ብተመ ሳሳሊ ትትለኽ ንዘላ ገዛእ ሂወቱ ከምቲ ሳላ ዝተዓደለ ካብ ከቢድ ድቃስ ዝተበራበረ፡ ሽዑ ኣትሒዙ ኣብ ብርኩ ከተንፍስ ምስ ጀመረ ምስ ብቕዓቱ ከምዘሎ ንከመሰል ዝጻወቶ ድራማ ከምዘኾነ ተጋሊጹ። ብተወሳኺ ናይቶም ጎዲሎም ዘለዉን ዘይተደለይትን ቦታ ምትካእ ክግበር ይኸውን። ቦታ ናይቲ ካብ ሃዳምነቱ ንላዕሊ ተላኣኽነቱ ዝደምቕ ኣሊ ዓብዱ ሓደ ኣ ብነት ኢዩ። ንሱ መቸም ንመሀመሊ ዝተገበረ ካብዘይኮነ፡ ብምንም ተኣምር ንህግደፍ ተቓዊሙ ከምዘይወጸ፡ ስለዚ ቦታ ከጣጥሕ ከምዝተላእከ ዝትንትኑ ኣለዉ። ብተውሳኺ እዋን እቶእቶ ዘይኮነስ፡ እዋን ውጻእ-ውጻእ ስለዘርከቦም ኣብ ወጻ ኢ ብውልቀ-ሰባት ንዘዋፈርዎ ርእሰ-ማል ክኣኻኽብ ከምዝወጸ ይትንተን።

ወዮ ቅጥዕታት ዘየማለአ ኣኼባ ካቢነ ሚኒስተራት ድማ ልዕሊ 1/3 ካብ ኣባላቱ ከምዘይነበሩ ተራእዩ።እቲ ናብ ዝኾነ ቦታ ዘይንቀሳቐስን ኣብ ኩሉ ኣኼባታት ዝርከብ ዝነበረ ሚኒስተር ምክልኻል ጀነራል ስብሓትዃ ኣይተረእየን። ክቡር ፕረሲደ ንት እንበኣር ብህላወን ብኹረትን ሰበ-ስልጣናቱ ፋዕራ ከምዘይብሉ ዘረጋግጽ ተገባራቱ ኢዩ ዘግህድ ዘሎ። ንሱ ኣቐዲሙ ከምዘንደልህጹ ስለዝገበሮም ንሳቶም ድማ ነገር ኢድ ገበን ድሮ ብዝገበርዎ ተግባራት ተሓተትቲ ምዃኖም ስለዝፈልጡ ብዘይካ ነንሕድሕዶም ክጠቓቕዑ፡ ነቲ ዘይኣመኑሉ ድኽመታት ክቃወሙ‘ውን ተኸእሎ የብሎምን።

እቲ ጸሓይ ባድመ ከምዘይትዓርቦ ዝመጐተ ህግደፍ እንበኣር ንኤርትራን ህዝባን ከጽንት ባዕሉ ኣብዝኣተዎ ሰልሚ ተዋሒ ጡን ኩሉ ውዲታቱ ተኸሺሑን ጸሓይ ከየብረቓ ክዓርብ ይሰሓግ ኣሎ። ብናይማንም ሰብ ሕማም ኮነ ግናይ ፋል ተጠቃ ሚ ዘይኮነ ህዝቢ ምሔን ውሒጥዎ ኣብዝኣዘመሉ ከምሳዕቤኑ ሎሚ ህግደፍ ከይሓፈረ ከምቲ ኣረጊት ከልቢ ኣይክድቅስ ኣይክነክስ ኮይንሉ ዘሎ እዋን ኩሉ ኩንታት ሃገርና ድማ ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ ወሪዱ ሕሉፍ ፖልቲካዊ ባዶነት ተጋሂዱ እንሆ። ተቓወምቲ ውድባትናኸ እንታይኮን ይሓስባ ይህልዋ?

ክወግሕ ቀሪቡ ኢዩ!!

ዘመን። ኣያለይ ኣባላቱሕ

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...