ኤርትራ ኣብ ሕሉፍ ብረታውን ፖለቲካውን ቃልስታታ፡ እልቢ ስውኣትን ስንኩላንን ከምዝኸፈለትን፡ ጎኒጎኑ ኸኣ ብዙሓት ህልዋት ጀጋኑን ሓርበኛታትን ከምዘፍረየትን ዘይከሓድ ታሪኻዊ ሓቂ’ዩ። ኣሰር ቀዳሞት ብምስዓብ ንኤርትራ ዝወድቁላን ዝዋደቑላን ጀጋኑን ውፉያትን ኣብ መጻኢ መታን ክፈርዩን ክስስኑን ግን ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ካልእ፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ኣብ ውዑይን ዝሑልን ዝተፈተኑን ዓለም ዝመስከረሎም ህሉዋት ጀጋኑን ሓርበኛታታን ብኽብሪ ክትሕብሕብን ከተኽብርን ብሕግን ብሞራልን ብታሪኽን ትሕተት’ያ። ተሓታትነትን ንሕጊ ተኣዛዝነትን እንተልዩ! ግንከ ክሳብ ሕጂ ኣሎዶ!! የለን!!! ክንደይ ካብዚ ዝኸፍእ ኣሎ ዝተባህለስ….እዚዶ

ኣብ ኤርትራ ብኣንጻሩ፡ ውልቀመላኺ ኣብ ዒራዒሮ፡ ዊዓ፡ ትራክ ቢ፡ ዓዲ ኣቤቶ፡ ኣደርሰር፡ መትከል ኣብዮት ዓሻ ጎልጎል….ከምኡ’ውን መራሕቲ ሰራዊት ጀነራላት ኣብ ከባቢኦም ከከም ዝማእምኦም ኩዒቶሞ ዘለዉ ንናይ ሮማውያን ዳንጀን ዝመሳሰል ዓሞቕቲ ጉድጓዳት…. ኣበየ ኩርናዓት ኤርትራ ኣብያተ ማእሰርቲ ኣዋዲዱ፡ ሰውራ ዘፍረዮም ሓርበኛታትን መራሕቲ ሃገርን ይሞቅሕን የሕርርን የደስክልን የርግእን የንፍጽን ኣሎ። ስውኣትን ህልዋትን ጀጋኑና ብዝፈጸምዎ መስተንክር ቅያታት ነጻነት ኤርትራ ተጋሂዱ፡ ዘሐብንን ኣንጸባራቕን ታሪኽ ከኣ ተምዝጊቡ። ሎሚ ግን ሳላ ቅንጸላን ጭውያን ማሕዩርን ስርዓት ህግደፍ፡ ሰራሕቲ ታሪኽ ኣብ ደልሃመት ከንፈፍዉ ከለዉ፡ እቶም ሃገር ትልማዕ ትጥፋእ ከይገደሶም ኣብ ዋኒኖም ተጸሚዶም ዝነበሩ፡ ወላ’ውን ምስ ስርዓት ኢትዮጲያ ተጸጊዖም ንኤርትራ ዘድመይዋ፡ ጸሊም ታሪኾም ቀቢሮም ናይ ሕጂ ወነንቲ ታሪኽ ናይ ድሕረ ነጻነት ጀጋኑ ንምዃን ኣብቂዕዎም ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራኸ ስቕ! ብስቕታን ራዕድን ተዛንዩ ስቕ! ዕሉል ውልቀ መላኺ ከኣ መሊሱ ዓንቲሩን ፈንቲሩን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ንዕቀት ሰማይ ዓሪጉ፡ ኣፍልቡ ኣሕቢጡ ኣሻፈረኝ ይብል ኣሎ። በዚ’ውን ሸውሃቱ ኣይረወየን፡ ዝሙው ሕልንኡ ኣይረደየን፡ ገና’ዩ ገና ኣይዓገበን! ብድሕረይ ዳንዴር ኣይብቆላ በለት ኣድጊ! ናይዝጊ ክንደይ ካብዚ ናተይ ዝኸፍአ ብዙሕ ኣሎ እንተበለ ሓቁ’ዩ!

ኣብ መጻኢ ንሃገሮም ዝብጀዉ ጀጋኑ ኣብታ ሃገር ንኸይፈርዩ ዝዕንቅጽ፡ ናይ ጀጋኑ ወላድ መኻን ሃገር ኮይና ምናምን ክትተርፍ ዘስተናግድ፡ ንጸላእትና ሞራል ዘስንቕ፡ ብትዕቢትን ንዕቀትን ዝተላዕጠጠ ናይ እከይ መሲሕ ተግባራት እዩ። እዞም ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ኣብ ፈቐዶ መዓስከራትን ድፋዓትን ብስም ዋርሳይ ይከኣሎን ብስም ሓለዋን ምክልኻል ሃገርን፡ ኣብ ጊላነትን ከልበትበትን ተጸሚዶም ዘለዉ መንእሰያትና፡ እንታይ ስምዒት ኮን የሕድረሎም ይኸውን? ጅግንነት ዝሓለገቶም ነጻነት ዘጐናጸፉና ዓበይቲ ሓርበኛታት ኣሕዋቶምን ኣያታቶምን፡ ብኢደ ዋኒን ሓደ ውልቀ መላኺ ክስልዑን ክብጠሱን፡ ክብቆጹን ክጉጽጎጹን ብዓይኖም ይርእዩን ይሰምዑን ኣለዉ። እተካእ እለቀብ ከምዝበሃል፡ ህዝቢ ኤርትራ ኸኣ ዓገብ ከይበለን ያዕ ከይበለን ከጽቅጥን ክደንንን ይዕዘቡ ኣለዉ።

ፍረጻማ ናይ ተጋዳላይ ስቓይን ማእሰርትን ማሕዩርን ካብ ኮነ፡ እዞም ናይ ሕጂ ዘለዉ መንእሰያትና  ንዝለዓለ ጅግንነትን ንተወፋይነትን መስዋእትን ክጸንዑዶ ወይስ ንዓና’ውን ጽባሕ ከምኣ’ያ ትጽበየና ብማለት ዶባት ሰጊሮም እግሮም ናብ ዝመርሖም ክኹብልሉ ይመርጹ። እቲ መልሲ ብሩህ’ዩ። ሓንቲ ዘማትእ ሰጋእ ዘብል የብሉን። ኣብ ኢትዮጲያ፡ ኣብ ሱዳን፡ ኣብ ሊብያ፡ ኣብ ማልታን ኢጣልያን ዘለዉን ዝነበሩን ናይ ስደተኛታት መዓስከራት ይመስክሩ። ናብ ጋህስን መቓብርን ኤርትራውያን መንእሰያት ዝተቐየሩ ማእከላይ ባሕርን ብካምሲን ዘጥለቕለቐ ምድረበዳ ሓላይብን ይመስክሩ። ሳላ መቕዘፍቲ መንእሰያትና ሃድኖም ዝበርከተሎም ኣዛብእን ኣሞራን ይጉስዑ። ናይ መንእሰያትና ክፋል ኣካላት መዝሒቖም፡ መሸጣ ኮርኒያን ኩሊትን ልብን ሰፊሕ ዕዳጋ ዘርጊሖም ዘለዉ በደዊን ሲናይ’ውን ቃሎም ይሃቡ። ዜጋታቱ ብበደዊን ክስጠዩን ኣካላቶም ክጉዘዩን ርእዩን ሰሚዑን፡ ወላ ንቐልዓለም ሰኸኽ ዘይብል፡ ከይሓፈረ ኣፍልቡ ነፊሑ ‘ንዓይ ኣይምልከተንን’ዩ’ ብማለት ዝንየት መንግስቲ ህግደፍ፡ ጀጋኑ ዘፍርይ ዘይኮነስ ገና ከይበቖሉ ዝምሕው ጻህያይ ኮይኑ ኣሎ። ዝጸንሐ መርገምዶ ወይስ ባዕልና ዝኣበስናዮ ኣበሳ! ንመንስ ንመን ኢና ንውከስ! ባዕልና ንባዕልና! እቲ መልሲ ካባና’ዩ። ካብዚ ዝኸፍአ ብዙሕ ኣሎ ክበሃል ግን ሓቂዩ።

ብስም ስውኣት እናሸቀጠን እናተመጻደቐን ንህልዋት ጀጋንኡ ዘቋሽሽን ዘናሽውን፡ ብዘይ ሕግን ፍትሕን ጀጋንኡ ዝቐዝፍን ስርዓት መቸም ንመጻኢ ጀጋኑ ከፍርይ ይኽእል’ዩ ኢልካ ምሕሳብ፡ በቕሊ ክትወልድ’ያ ወይ ካብ ደርሆ ጸባ ክሕለብ’ዩ ኢልካ ምምጓት ዝዓይነቱ ዕሽነት’ዩ። ኣቦታትና ‘እዝኒ ካብ ዓይኒ ኣይትእመንንያ’ ክብሉ ኸለዉ ብዘይ ሓደ ምኽንያት ኣይኮኑን። ንስውኣትካ ምኽባር ማለት ሽምዓ ኣብሪህካ ኣፍኣዊ መጎሰን ውዳሴን እናጨራሕካን እናደጋገምካን፡ ቤተሰቦም ወግሐ ጸብሐ ኣብ ጓህን ብኽያትን ከም ዝጽመዱ ምግባር ኣይኮነን። ክብርን መጎስን ንስውኣትና ብኣፍ ዘይኮነስ ብግብሪ እዩ። መምዘኒ ናይ ስውኣትካ ምኽባር፡ ሕድሮም ለበውኦም ዘይምጥላም’ዩ፡ ለበዋኦም ዘይምጥላም ማለት ከኣ ሕድሮም ምትግባርን ንኸምኦም ህልዋት ሓርበኛታት ምሕብሓብን ማለት እዩ።  ካልኦት ከምኦም ብዙሓት ክፈርዩ መንገዲ ምጥጣሕ ማለት’ዩ። ዋሕስ አግብእ ዘድልዮ መጎተ ዝጠልብ ጉዳይ ኣይኮነን። ስውኣትና ብሓቂ ተደፊሮም! ካብዚ ናተይ ዝኸፍእ ካልእ ብዙሕ ኣሎ ዝተባህለ ነዚዶ ይኸውን!

ኣብ ብረታዊ ቃልስና፡ ንህይወቶም ከይሰግኡ፡ ንሞትን መስዋእትን ፊት ንፊት ገጢሞም፡ ንጸላእቶም ከም ህንኩቶ እናሃንኮቱ ብጅግንነትን ተወፋይነትን ኣካሎም ዝጎደሉን ዝሰንከሉን ሓርበኛታትና፡ ክብርን መጎስን ሓልዮትን እቲ ዝተሓተ ዝግብኦም ሞሳ እዩ። ኣብ ኤርትራ ግን ስንኩላን ብጓህን ሕሰምን ተሳጽዮም፡ ሕቶ መሰል ኣልዒሎም፡ ‘እሂን ምሂን ኣስከ ንበል’ ብማለት ንዘተ ስለዝዓደሙ፡ ብሕንቃቐ ዝበሃል ኣሰቃቒ ገበን ተኸሲሶም ንእዋኑ ኣብ ልዕሊኦም ምልካዊ ፍርዲ ተበይኑሎም። ብተምልከተለይን ብኣድራጋን፡ በቲ ባዕሎም ካብ ጸላኢ ዝመንዝዕዎ፡ ብኣፈሙዝ ጠበንጃ ከብዝተለብለቡን ከምዝተረሽረሹን ናይ ቀረባ ትማሊ ተዘክሮና ገና ኣይሃሰሰን። ሰንኪሎም ሃገር ዘረከቡና ስንኩላንና፡ ‘መንግስትና ኣይትጥለመና’ ስለዝበሉ፡ ብመንግስቶም ብዝተለገሰሎም ግብረ መልሲ፡ ብትሕዞን ብመሸንጎጋን ተነጽዮም ተጸጽዮም፡ ንተወሳኺ ኣካላውን ስነኣእምሮኣውን ስንክልናን ሞትን ተዳሪጎም። ካብዚ ዝኸፍእ ኣዝዩ ብዙሕ ኣሎ ዝተባህለስ…. ነዚዶ

ህዝቢ ኤርትራ’ኸ ነዚ ኣብ ልዕሊ ሓርበኛታት ስንኩላን ዝተወስደ ኣሬመናዊ ቅንጸላ ብኸመይ መኪቱዎ። ልክዕ’ዩ ኩሉ ተደናጊጹ፡ ረጊሙን ኮኒኑን ብእህህታን ዋይታን ሓዘኑ ገሊጹ። ካብኡ ክሓልፍ ግን ኣይከኣለን። እጅጌኡ ሰብሲቡ ብሓደ ሰሚሩ፡ ብቑጥዐ ድምጹ ሓፍ ኣቢሉ ከወግዝ፡ ንኻልኣይ ግዜ ከምኡ ከይድገም ገበነኛታት ኣብ ፍርዲ ክቐርቡ ኣይጠለበን። ዘመነ ኣካሒዳ ዝመስል ናይ ሕልና ሚዛን ዝጎደሎ ብስቕታ ሓሊፉዎ። እቶም ንቕንጸላ ስውኣትና ትእዛዝ ዝሃቡ ኸኣ መሊሶም ሻዲኖም፡ መሊሶም ብንዕቀት ዘቕቢቦም፡ ቆላሕትኦም ናብ ኩነና ሬሳ ሓርበኛታት ተሰጋጊሩ።

ኤርትራና ንኹሉ’ዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ መርገም ጥራይ ዝተዓደለት’ውን ኣይኮነትን። ናይ ኤርትራስ ክኔኡ ዝሰግር ሕልፍ ዝበለ እዩ። ‘ጉድን ጭራን ብድሕሪትየን’ ከምዝበሃል ኤርትራ ጀጋኑኣ ብህይወቶምስ ይትረፍ፡ ሰንኪሎም’ውን ይትረፍ፡ ምስ ሞቱው’ን ንሬሳኦም ትሕንግድ፡ ዓገብ ንኸይበሃል ንዜጋታታ ተርዕድ፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ባህልን ክብርታትን ተቆናጽብ፡ ግዜ ኸኣ ኣርኪብና።

ናይ ሓርበኛ ሬሳ ናብ ሃገሩ ከይኣቱ ዝኽልክል መንግስቲ ኣብ ታሪኽ ዓለምና ተራእዩ ኣይፍልጥን። ናይ ኤርትራ ውልቀ መላኺ ብህልዋት ጥራይ ዘይኮነስ ብምውታት’ውን ይብህርር’ዩ ክትብል ብቑዕ ይመስለኒ። ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ዝወስድ፡ ግዜ ረኺቡስ ያኢ ንሬሳ ‘ሹት ክትኣቱ’ ብማለት ጉራዴኡ ዝስሕል መራሕ ሃገር ሰሚዕና ኣይንፈልጥን። ልዕሊ ኹሉ ኣንጻር ረብሕኡ ስለዝኾነ፡ እምበርዶ ብጥዕንኡ’ዩ የብለካ። ምስ ካልእ ተግባራቱ ኣዛሚድካ እንተረኣኻዮ ኸኣ፡ ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘንቀሎ፡ ዝኾነ ሰብ ብፍላይ ከኣ እቲ ነብሱ ንምክልኻል ዓቕሚ ዘይብሉ ሰብ፡ ክጭነቕ ክሳቐ ዕግርግር ኣትዩዎ ኣብ ቅልውላው ክጽመድ ባህ ዝብሎ፡ ሳዲስት ምዃኑ ይበርሃልካ።

ሰበስልጣናት መንግስቲ ኤርትራኸ፡ ናይ ዓመታት ብጻዮም መቓልስቶም ሬሳ፡ ብሓደ ውልቀመላኺ ክከላበት ከሎ እንታይ በሉ፡ እንታይስ ገበሩ።ብሓፈሻ ክርአ ከሎ ብውሽጡ ዘይሓዘነን፡ በዚ ናይ ኣያይ ዕቡድ ውሳኔ ዘይጎሃየን የለን። ንስምን ክብርን ሓርበኛታት ዘቑስል፡ ዘይቅኑዕን ሓላፍነት ዝጎደሎን፡ ንዕኦም’ውን ብታሪኽን ልኡም ሓላፍነትን ዘሐትት፡ ንኤርትራን ኤርትራውነትን ዝፈታተንን ዘሕንኽን ውሳኔ ምኾኑ ዘይርድኦም ኣይኮኑን። ግን ከኣ ኣብ ልዕሊቶም ብG15 ዝፍለጡ ላዕለዎት ሓለፍትን ናይ ቀረባ መቓልስቶም ብግብሮምን ብልሳኖምን ዝወሰድዎ መርገጽን ስቕታን እንተ ዘኪርካ ብኣግኡ ትቐብጾም። ሽዑን ሎምን ኣብቲ ንሳቶም ዘለዉዎ ዓውዲ፡ ረብሓን ሕልናን ተጋጭየን፡ ትብዓትን ራዕድን ተላቲመን፡ በጃ ምሕላፍን ኣነ ክሳብ ዝጠዓመንን ዘይተተንከፍኩን እንታይ ገደሸኒ፡ ክቱር ተፈሓፊሔን፡ ተጎጽጕጸን ተሓሚሰን ሕምብሊል ድሕሪ ምባል፡ ረብሓ፡ ራዕዲ፡ እንታይገደሰኒ፡ ጸብለልትንአን ስለ ዘረጋገጻ፡ ኩሎም ዝብልዋ እንተልያ ሓንቲ’ያ፡ “ኣያይ ሓንሳብ እንተወሲኑዋ፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ተወሲኑ’ዩ ኣይቅየርን’ዩ፡ ካልእ መደብኩም ግበሩ።” መስተንኮር!! ኣብ ቀረባ መጻኢ ኣምላኽ ባዕሉ ይሰንሰለሎም ናብ ቅኑዕ ይምራሓዮም ካብ ማለት ሓሊፍካ ተኣምር ኣይትጽበን።

ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ኣብ ወጻእን ዘሎ ህዝብናኸ፡ ሬሳ ተጋዳላይ ነፍሲሄር ናይዝጊ ክፍሉ ናብ ኤርትራ ንኸይኣቱ ምኽልካሉ ብኸመይ ተቐቢሉዎ? ኣብዚ’ውን ብዘይካ ገለ ውሑዳት፡ “ እዚ ሰብኣይ፡ ንናይዝጊ ገለ እንተዘይረኽበሉ ነይሩ ኣይምኸልከሎን” ዝብሉ ሃሱሳትን ተበለጽትን፡  ሰብኣዊ ሕልና ዘይብሎም፡ ብወገናውን ሃይማኖታውን መርዝታት ዝተጠላቐዩን፡ ልቦም ዝተደፍነ ደናቑርን ባሃማትን ገዲፍካ፡ ንኽቡርነት ናይ ሬሳ ዘቆናጽብ፡ ንመሰረታዊ ባህላዊ ውርሻና ዘቃጥን፡ ብተግባራት ህግደፍን መራሒኣን ዘይጎሃየን ሞራሉ ዘይተተንከፈን የለን። ኮይኑ ግን ኣብቲ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ደንጉዩ ዝተፈጸመ ስነ ስርዓት ቀብሪ ነፍሲሄር ናይዝጊ ክፍሉ፡ እቶም ንረብሓ ንራዕዲ ንእንታይገደሰኒ ዘሸነፉ ኣብቲ ውዕሎ ውዒሎም፡ ብእኤን ዝተሸነፉ ኸኣ ተሓቢኦም።

ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ህዝብናኸ! ውስጠ ሕሩር ኮይኑ፡ ብሰለይትን ጨወይትን ተባህዲሉ፡ ፈሪሑን ርዒዱን ኣሎ። ኣብ ነብሶምን ኣብ ደቆምን ወሪዱ ዘሎ ኣደራዕን ዘይተጸበይዎ በደልን፡ ኣምላኽ ምሕረቱ ከውርደሎም መዓልትን ለይትን ንሰማይ ኣንቃዕሪሮም ይጽልዩን ይምህለሉን ኣለዉ። በዚ ኣብ ልዕሊ ናይዝጊ ተወሲዱ ዘሎ ስጉምቲ፡ ሕርቃኑን መረርኡን ብትሒም ትሒም ክገልጽ ይውዕልን ይሓድርን ኣሎ። ናተይ’ዩ፡ ኣቦይ’ዩ ወደይ’ዩ፡ ሓወይ’ዩ፡ ፍንጫሕ መሰንገለይ’ዩ ዝበልካዮ ክኽሕደካ ኸሎ መፈጠርካ ከጽልኣካ፡ ከተስተማስል ንቡር’ኳ እንተኾነ፡ ንኹሉ ግዜ ከምኡ ኢልካ ብሽንፈት ተደፊንካን ሕልናኻ ኣዕሪብካን፡ ክሳብ ዕለተ ሞትካ ኣይትቑዝምን ኢኻ። ካብዚ ዘይተጸበኻዮን ዘይግብኣካን ከቢድ ዕዳ ክትናገፍ ግን ምሕንሓን የድሊ፡ ምንዳር የድሊ፡ ዝሓበጠ ክትኮስ፡ ነቲ ናተይ ዝበልካዮ ጠላም ድምጽማጹ ንምጥፋእ ሆ!! ኢልካ ብሓባር ምብጋስ ምዃኑ ሕሉፍ ታሪኽ ዓለምናን ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ከባቢና ዝተጋህዱ ፍጻሜታትን ህያው ምስክራት እዮም። ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም፡ ብዝለዓለ ፍጥነት ዝጎሃሃር ዘሎ ስመር ዝሕላገቱ ናይ ኤርትራውያን መንእሰያት ቃልሲ ንፍትሕን ዴሞክራሲን፡ ሓደ መርኣያ ናይ’ዚ ዘይተርፍ ምዕባሌ እዩ።

ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝነብር ህዝብና ምረት ዒፍ ኢልዎ ኣብ’ዚ ደረጃ’ዚ ተቓሪቡ’ኳ እንተኾነ፡ ብዙሓት ረኺብና ዘዕለልናዮም ንኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ኣቦታቶምን ኣዴታቶምን ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ዝቐንዐት ብልዑል ኣኽብሮትን ምሕጽንታን ዝተሰነየት፡ ሓንቲ ዓባይን ብዓይነታ እዋናዊትን ታሪኻዊትን ዝኾነት ክሲ ብተደጋጋሚ ይስንዝርዋ ኣለዉ።

ሰመረ ዮውሃንስ

ይቅጽል…

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...