ነፍሲሄር ተጋዳላይ ናይዝጊ ክፍሉ፡ ሬሳኡ ንኣስታት ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ በረድ ድሕሪ ምኽዛን ዓርቢ ዕለት 01/06/2012 ብክብ ዝበለ ኣገባብ ኣብ ከተማ ለንደን ኣብ ግዝያዊ መቓብር ዓሪፉ። ኣቐዲሙ ብማዕከናት ዜና ንህዝቢ ብዝተሓበረ ፕሮግራም መሰረት፡ ሬሳ ናይዝጊ ክፍሉ ካብ መኽዘን ሬሳ ብኽብሪ ተዓጂቡ ናብታ ንልዕሊ ሽዱሽተ ዓመታት ብኽብርትን ሓላዊት ቃልኪዳንን በዓልቲ ቤቱን ፍቱዋት ደቁን ደኺምና ከይበላ ዝናበያሉ ቤቱ፡ ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ከምዝመጽእ ተገይሩ። ኣብኡ ክጽበዩ ዝጸንሑ ቤተሰብን ፈተውትን ተዓጂቡ ካብታ ህይወቱ ዝሓለፈትላ ቤቱ ንመጠረሽታ እዋን ተፋንዩ፡ ጉዕዞ ናብ ቤተ መቕደስ ቀጸለ። ሬሳ ኣብ ቤተ መቕደስ ምስ ኣተወ፡ ብክቡር ኣቡነ ማርቆስን ኣብ ለንደን ዝርከባ ናይ ካቶሊክን ኦርቶዶክስን ኣብያተ ክሪስቲያናት ኣቕሽስትን ሓጺር ጸሎትን፡ ዜማ ቅዳሴን ተኻይዱ: ብክቡር መሪጌታ ልኡል ቃል ኣምላኽ ተሰሚዑ። ቀጺሎም ኣባ ኪዳነ ለባሲ፡ ብዙሕ ንህዝቢ ዝመሰጠ፡ ንቀንዲ ባህርያት ናይዝጊ ክፍሉ ብሓጸርቲ ቃላት ግን ከኣ ብዕምቆት ዘንጸባረቐ ሓያል መደረ ኣስሚዖም።

 

ስዒቡ ንምሉኣት ቀባሮ ዘስደመመ ሓጺር ታሪኽ ነፍሲሄር ናይዝጊ ክፍሉ ተነቢቡ። ታሪኽ ከንብብ ዝጀመረ ወዲ ሓዉ ንናይዝጊ ኣቶ ኣብራሃም ስዩም፡ ንብዓት ስዒሩዎ ምስትንፋስ ስኢኑ ተነኽኒኹ ከንብብ ስለዘይከኣለ፡ ኣብ መንጎ ካልእ ኣንባባይ ከም ዝቕየር ተገይሩ። ሓጺር ታሪኽ ናይዝጊ ክፍሉ ተነቢቡ ምስ ተወደኤ ብጣቕዒት ተዛዚሙ። ብድሕር’ዚ ሬሳ ብኹሎም ቀባሮ ተሰንዩ ኣብ ዉድ ግሪን መቓብር ምስ በጽሐ ምስቶም ኣብኡ ክጽበ ዝጸንሑ ቀባሮ ተጸንቢሩ፡ ስነስርዓት ሓመድ ድበ ብግቡእ ተፈጺሙ። ኣብ ስነስርዓት ቀብሪ ነፍሲሄር ናይዝጊ ክፍሉ ክልተ ፍጻሜታት ልዕሊ ኹሉ ኣብ ኣእሙረይ ሰሪጸን ብዓይነተን ዝመሰጣኒ ክዛረበለን ዝደፋፍኣንን ከካፍለኩም።

ኣባ ኪዳነ መደረኦም ከምዚ ክብሉ ጀሚሮም፡ “ኣነ ንናይዝጊ ከም ሓደ ቅኑዕን የዋህን፡ እታ ዝመሰለቶ ኣብ ቅድሜኻ ቶግ ዘብል ግን ከኣ ብድሕሪኡ ዝኾነ ቂምታን ቅርሕንትን ዘይሕዝ፡ ቅኑዕ ሰብ እፈልጦ። ብኸምኡ ፈሊጠዮ፡ ብኸምኡ ኸኣ ሓሊፉ” ኢሎም። ይገርመኩም’ዩ! ብዙሓት ንናይዝጊ ካብ ነዊሕ ዓመታት ብቐረባ  ዝፈልጡዎ ኣዕሩኽቱ ሓቲተ ዝረኸብኩዎ ሓበሬታ፡ ኣባ ኪዳነ ከምዘላታ ደጊሞማ።

ዘረብኦም ብምቕጻል፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ስድራቤት ናይዝጊ ክፍሉ ዘሕለፍዎ ጭንቀትን መከራን ክሳብ ክንደይ ኣስካሕካሒ ምንባሩ ሓቢሮም። ንሕና ኤሪትራውያን በብውልቅናን ብኮሚኒቲ ደረጃን እንታይ ክንገብር ከምዘለና ክገልጹ ከለዉ ኸኣ፡ ‘ኣነ ዝብሎን ዝሓስቦን ዝገብሮን፡ እንተዘይኢልካን እንተዘይሓሲብካን እንተዘይጌርካን ጸላኢየይ ኢኻ’ ዝብል ርጉም ኣተሓሳስባ ወጊድና፡ ፍቕርን ሰላምን ክነግስ፡ ምጽውዋርን ይቕረ ምብህሃልን ክምዕብል ከምዘለዎ፡ ካብኡ ሓሊፉ ኸኣ ናይዛ ሕጂ ንነብረላ ዘለና ምድራዊትን ሓላፊትን ዓለም ጥራይ ዘይኮነስ ናይ መጻኢትን ዘልኣለማዊትን ዓለም ክንሓስብን ክንዳለውን ከምዘለና ዘጉልሑ ኣባታዊ ማዕዳኦም ለጊሶም።

ኣስዒቦም ከኣ፡ “ምናልባት ናይዝጊ ሕጂ ካብ ሞት ተንሲኡ ነዚ ዘሎ ኩነታት እንተዝርእዮ፡ እንታይ ኮን ምበለና፧ ብመጀመሪያ ዓው ኢሉ ምሰሓቐና ነይሩ። ‘ኣነደኣ እንታይ ኮይነ እዚ ቀሊል’ዩ፡ ዘይንስኻትኩም ኢኹም ዓቕሊ ኣጽቢብኩም ትሻቐሉ ዘለኹም። ካብዚ ዝኸፍአ ኣዝዩ ብዙሕ ኣሎ፡ ምበለና ነይሩ” ኢሎም። ሓንቲ ትድርበ ቃል የብላን። ኩሉ’ቲ ዝበልዎ ሓቆምዮም!

‘ካብዚ ዝኸፍእ ኣዝዩ ብዙሕ ኣሎ ምበለና” ትብል ጦብላሕታ፡ ኣብ ኣእሙሮይ ከውርዳን ከደይባን ብዙሕ ሓሲበላ። ስለምንታይ ናይዝጊ ከምኡ ምበለና ኢሎም! ስለምንታይከ ናይዝጊ ከምኡ ይብል! ካብዚ ንዕኡን ንደቁን ንምሉኣት ስድራቤቱን ወሪዱዎም ዘሎ ኣደራዕ፡ ካብዚ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝነብር ኤሪትራዊ ኣሕዚንዎን ኣሻቒሉዎን ዘሎ ፍጻሜታት…ካልእ ብዙሕ ካብኡ ዝኸፍአን ዝመረረንስ እንታይ ኮን ክኸውን ይኽእል! ሓቁ’ዩ ምስቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ዝወርድ ዘሎ መዓት ኣወዳዲሩ ዶኾን ኢለ ብዙሕ ኣውሪደ ኣደይበ ኣዚረ፡ ብዙሕ ሓሲበ።

ኣብዚ ዓለምና ኩሉ ነገራት ብተዛማዲ ስለዝረአ፡ ናይዝግን በዓልቲ ቤቱን ደቁን ምሉኣት ስድራቤቱን ኣጋጢምዎም ዘሎ ብድዐ፡ ምስቲ ሃገርና ካብ ምንጋጋ መግዛእቲ ተላቒቓ ነጻን ልኡላዊትን ኤርትራ ክትፍጠር ህይወቶምን ንእስነቶምን ዘወፈዩላ ብG15 ዝፍለጡ ሓርበኛታት፡ ንነጻ ፕሬስን ንግስግሴን ዘቃልሑን ዝጸዓቱን ጋዜጠኛታት፡ ንለውጥን ቅኑዕ ምሕደራን ዝጠለቡ ካልኦት ተጋደልትን ኣጋጢሙዎም ዘሎ ኣዛሚድካ ሓቆምዮም። ውልቀመላኺ ፊን ስለዘበሎ፡ ብዘይወዓልዎን ብዘይገበሩዎን፡ ብጥልመት ሃገር ዘይተኣደነ ክስታት ደርዲሩ ሃለዋቶም ኣጥፊኡ፡ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ብመቑሕ ቀፊዱ፡ ኣብ ብዋዒ ዘቃጽል ብዛሕሊ ዝኹምትር ኮንተይነራትን ትሕቲ መሬትን ሸሚሙዎም ዘሎ፡ ካብቲ ብናዚ ፋሺዝም ብሂትለርን ደቂመዛምርቱን ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ዝተኻየደ ኣሬመናዊ ግፍዕታት፡ ብዓይነቱ ዝዛይድ ብኣተገባብርኡ ዘስካሕክሕ በደላት ብምፍጻም፡ ኣእምሮኦም ስሒቶም ዓቢዶም፡ ኣዒንቶም ዒሮም፡ መሓውሮም ለሚሶም፡ ቀስ ብቐስ ብዘገምታዊ ሕልፈት ዘሕቅቖም ዘሎ ኣዛሚድካ ክረአ ኸሎ፡ ናይዝጊ ከምኡ እንተበለስ ሓቁ’ዩ፡ ኣባ ኪዳነ’ውን ሓቆም’ዮም!!

ናይዝጊ ደኣ ኣብ ኢድ ህግደፍ ወዲቑ ኣይተሞቕሐን ኣይተሳቐየን፡ ብሰብ ክጻወሮ ዘይክእል ሙቐት ተለብሊቡ ቦሻዕሻዕ ኢሉ፡ ኣርባዕቲኡ መሓውሩ ክሳብ ዝሓልቕ ተሓሊኹ፡ ሰንሰለት ሓጺን እናጓተተ ምድረምድሪ ኣየንፋሓዀን። ከም ሰቡ ሓሚሙን ተሓኪሙን ብበዓልቲ ቤቱን ደቁን ማሚቑን ተናብዩን፡ እዋና ምስ ኣኸለ ኸኣ ዕድሎት ኩላትና ዝኾነት ሞት ኣርኪባቶ ናብ ዓዲ እዝጊሄሩ ተሳጊሩ። ብድሕሪ ምማቱ ዝሰዓበ ኣይርእዮ ኣይሰምዖ! ብቐንዱ ናብ በዓልቲ ቤቱን ደቁን ስድራቤቱን ብሓፈሻ ኸኣ ናብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዝቐንዐ፡ መርኣያ ዶብ ኣልቦ ንዕቀትን ኣሽካዕላልን ናይ ሓደ ጨካን መራሕ ሃገር ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን’ዩ።

ከምቲ ሓሓሊፉ ዝገሃድ፡ ውኖኡ ዝሰሓተ ውልቀ መላኺ ባህ ስለዝበሎ፡ ነቲ ንልዕሊ 30 ዓመታት ከም ናይ ቀረባ መሓዝኡ ከም መማኽርቱን መልእኽተኛኡን፡ ከም መባልዕቱን መሳትይቱን መሻጥርቱን ዝፍለጥ ናይዝጊ፡ ብዛዕባ ምማቱ ብወግዒ ከይንገር አረ ስሙ ፍጹም ከይትርቋሕ ወሲኑ። ከም ሓርበኛ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ክቕበርስ ይትረፍ ከም ማንም ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ መሬት ዓደቡኡ ሓመድ ኣዳም ከይለብስ ኣጊዱዎ። ህዝቢ ኤርትራ ነቶም ነጻነት ኣምጺኦም ብማለት ብእልልታን ብሓበንን ዝተቐበሎም መራሕትን ሓርበኛታትን ደቁ፡ ብዘይ ሕግን ብዘይ ፍርድን ብኽቱር ስቓይ ኣብ ኮንተይነራት ትንፋሶም ዝሓለፈትን ትሓልፍ ዘላን፡ ቤተ ሰቦም ንቡር መርድእ ተሓሪሙዎም፡ ሬሳኦም ኣብ ገማግም ሩባታት ዒራዒሮ ከም ጎሓፍ ተደርብዩ ብዘይ ኣሰር በሪሶም ዘለዉ ኣዛሚድካ፡ ኩሎም ሓቆም’ዮም!!

ናይ ናይዝጊ ሬሳ ኣብ ሩባታት ዒራዒሮ ወይ ኣብ ፈለግ ተይምስ ብስቱር ክጉሕፎ ምናልባት ኣይምጸልአን፡ ግን ዓቕምን ክእለትን የብሉን። ትማሊ ናይዝጊ ክቕበር ከሎ፡ ብኣቡንን ካህናትን ተጸልዩሉን ተባሪኹን፡ ብቤተሰቡን ፈተውቱን፡ ብኣዝዮም ብዙሓት ሰብ ሕልናን ደለይቲ ፍትሕን ኤርትራውያን ማዕሪጉን ተሰንዩን ተዘኪሩን፡ ኣብ ግዚያዊ መቓብር ሬሳኡ ብኽብሪ ተቐሚጡ። ሓቆምዮ’ም! ናይዝጊ’ውን ካብዚ ዝኸፍእ ኣዝዩ ብዙሕ ኣሎ እንተበለ ሓቁ’ዩ!

ክንደይ ከኣ ንነጻነት ብሕሱም ባህጊ ዝተጸበዩዋ ዜጋታት፡ ነጻነት ኣራዊት ሒዛትሎም መጺኣ። ብደምን ኣዕጽምትን ስውኣት ደቅና ዝተደኩዐ መሬት ኤርትራ ኣብ ክንዲ ሰተሰምሃር እሾኽ መርገም ኣብቊሉ፡  ኣብ ክንዲ ሰላምን ቅሳነትን ህውከትን ሻቕሎትን ደሪዑ፡ ኤርትራ ናብ ዓባይ ማሕዩር ተቐይራ፡ ኣብ ፈቐዶ ኣብያተ ማእሰርቲ (ትራክ ቢ፡ ዓዲ ኣቤቶ፡ ኣደርሰር፡ መትከል ኣብዮት፡ ዊዓ፡ …) እናተሳቐዩ ከለዉ፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብሩ ኤሪትራውያን ካልእስ ይትረፍ፡ ነቶም ነፍሶም ዝሓለፈት ንቡር ስርዓተ ቀብሪ ክግበረሎም ከይሓተቱ፡ ብራዕዲ ተመሊኾም ንሕልንኦም ሸይጦም ኣጽቂጦም ዘለዉ ኣወዳዲርካ ሓቆምዮም!!

ኣስከሬን ነፍሲሄር ናይዝጊ ክፍሉ ዝሓዘ ሳንዱቕ ብገመድ ተንጠልጢሉ ናብቲ መዕለቢኡ ጉድጓድ ክወርድ ከሎ፡ ሓደ ነገር ተዓዚበ። ኣርባዕተ ኩርናዓት ናይቲ ጉድጓድ ብቸመንቶ ኣርማታ ብስጡም ዝተሰርሐ  ኮይኑ፡ እቲ ሳጹን ሓመድ ዝበሃል ኣይክትንክፎን’ዩ። “ምስኪናይ ናይዝጊ! ከምቲ ንቡር ናይ ሃገሩ ሓመድ ስኢኑስ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ሓመድ’ውን ኣብ ጥቕኡ ኣይክቐርብን’ዩ” በልኩ። እዚ ግን ብዘይ ምኽንያት ዝተገብረ ኣይነበረን። ቤተሰብ ናይዝጊ ክፍሉ ይንዋሕ ይሕጸር ብዘየገድስ፡ ውልቀመላኺ ንዘልኣለም ነባሪ ስለዘይኮነ፡ ሬሳ ናይ’ዚ ሓርበኛ ናብታ ዝተበጀወላ ሃገሩ ብኽብሪ ከምዝምለስ ልዑል እምነት ስለዘለዎም እዩ። ሬሳ ኣብ ጉድጓድ ኣትዩ፡ ንኸይበላሾ ዘድሊ ክንክን ተገይሩሉ ብቸመንቶ ክዓጽውዎ እናተዳለዉ ከለዉ፡ ዓባይ ጓሉ ንናይዝጊ ማርታ፡ ንልቢ ኩላቶም ቀባሮ ዝሰለበን ንብዓት ዘውሓዘን ሓጺር መደረ ኣስሚዓ።

ኣቐዲምና ከምዝሰማዕናዮን ከምእንፈልጦን፡ ማርታ ነቲ ብሓልዮትን ፍትወትን ተኸናኺኑ ዘዕበያ ከም ሓዎብኣ ኮይኑ ዝስምዓ ዝነበረ ውልቀመላኺ፡ ናብ ኣስመራ ብምኻድ ብኣካል ክትረኽቦ ፈቲና፡ ነዴኺ ማይ ውረድላ። ረኺቡ ከዛርባስ ይትረፍ፡ ነዛ ንገጻ ክርእያ ድፍረት ኣይረኸበን። ሓቂ ይሓይሽ ክረኽባ ፍቓደኛ ዘይምዃኑ ብዙሕ ዘገርም ኣይኮነን። ካብ ርህራሄ ወይ ነብሰ ወቐሳ ዝተበገሰ ዘይኮነስ፡ ውልቀ መለኽቲ ኣብ ቅድሚ ቀሽን ዓለምን ዘኽዕቦምን ዘፍኩሶምን ብዓይነቱ ኣንጻር ረብሕኦም ዝኾነ ጨካንን ዓሻን ስጉምቲ ይወስዱሞ፡ ወላ ኣንተተረድኦም ክብረቶም ዝተተንከፎም ኮይኑ ስለዝስምዖም ብኣግኡ ክእርምዎ ባህሪኦም ፈጺሙ ኣየፍቅደሎምን። የግዳስ ዓቕሎም ስለዝጸቦም ሓሓሊፉ ከምዚ ንማርታ ዘጋጠማ ዓይነት ጠባያት የርእዩ’ዮም።

ማርታ ኣቡኣ ኣብ ኤርትራ ንኸይቅበር ምኽልካሉ ዘጉሃዮምን ነቲ ሕሱር ስጉምቲ ዝኸዓቡዎን ኣዝዮም ብዙሓት ተደናገጽቲ’ኳ እንተዘይሰኣነት፡ ከም ትጽቢታን ትምኒታን ፍቓድ ክትረክብ ኣይከኣለትን፡ ብዙሕ ኣስተማሲላን ዝርንዝሕ ነቢዓን። ናይ ማርታ ብልሒዶ ወይስ ክቱር ባህጊ ዘንቀሎ ብዘየገድስ፡ ጥራይ ኢዳ ግን ኣይተመልሰትን። ውልቀመላኺ ነቡኣ ጭራም መሬት ናይታ ምሉእ ህይወቱ ዝተሰውኣላ ሃገሩ ነፊጉዎ። ይኹን’ምበር ሓመድ ኤርትራዊ መሬት፡ ሓመድ መቓብር ሓርበኛታት ክኽልክሎ ግን ኣይከኣለን። ድፉን ክሕደት ዘጋጠሞ እንታይ ዘይበላሓት! ማርታ እንተስ በላሕ ኮይና እንተስ እቶም ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ተቐቢሮም ዘለዉ ሓርበኛታት ብመንፈስ ኣማኺሮማ፡ ካብ መቓብር ሓርበኛታት ሓመድ ኣብ ባኮ ዓሺጋ ናብ ለንደን ተመሊሳ። ትማሊ ሬሳ ናይዝጊ ኣብ ጉድጓድ ኣትዩ ገና ቅድሚ ምዕጻዉ፡ ማርታ ከምዚ ክትብል ተዛሪባ። “ኣቦይ ሓርበኛ እዩ፡ ኣብ መሬት ዓደቡኡ ከይቅበር ስለዝተኸልከለ፡ ኣብዚ ንግዜኡ ክንቀብሮ ተገዲድና። ኣብዚ’ውን እንተኾነ ንግዜኡ ኣዕሪፉ’ምበር ኣይተቐብረን። ከምኡ ጥራይ ዘይኮነ ካብ ኣስመራ ካብ መቓብር ሓርበኛታት ሓመድ ሒዘሉ መጺኤ ስለዘለኹ፡ ኣብዚ ኣብ ዝጸንሓሉ ግዜ’ውን እንተኾነ፡ ኣይጽምዎን’ዩ። ከምታ ድሌቱን ለበዋኡን ሓመድ ዓደቡኡ ተተርኢሱ’ዩ ዝድቅስ” ብማለት ካብቲ ሓመድ ሓፊሳ ኣብ ልዕሊ’ቲ ሳጹን ዘረወቶ፡ ምስኡ ኸኣ ናይ ዝነደረ መንእሰይ ንብዓታ ከም ሕሱም ክዛሪ ተዓዚብና። ቀጺሎም ኣቡነ ማርቆስን በዓልቲ ቤቱ ወይዘሮ ሓረጉን ካልኦት ኣባላት ቤተሰብ ናይዝግን ብተመሳሳሊ ካብቲ ሓመድ ዘረውሉ። ማርታ ንውሉድ ወለዶ ክመሓላለፍ ዝኽእል ፈጺሙ ዘይሃስስ፡ ተደጊሙ ተደጋጊሙ ዘይምኖ ብዓይነቱ ለጀንድ ዝኾነ ታሪኽ ሰሪሓ። ብዛዕባ’ዚ ብዙሕ ክጸሓፍ’ዩ ደቅና ደቂ ደቅና ክዝንተወሎምዩ!

ናይዝጊ ኣዝዩ ብዙሕ ሰብ’ዩ ቀቢሩዎ፡ ብዙሓት’ውን ጌጋ ሓበሬታ ረኺቦም ኣብ ካልእ ቦታ ብምኻድ ግዜ ሓጺርዎም ዝደንጎዩን ብጠቕላላ ዘየርከቡን ብዙሓት’ዮም። ካልኦት ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ኣብ ቀብሩ ክሳተፉ ዘይከኣሉ መንነቶም ክሳብ ሕጂ ዘይፈለጥናዮም ሰባት፡ ንጽባሒቱ ኣብቲ መቓብሩ ከይዶም ዓበይቲ ሽምዓታት ብዙርያ ወሊዖም፡ ኣብ ዓበይቲ ባዞታት ዝተመርጸ ዕምበባታት፡ ኣብ ልዕሊቲ መቓብሩ ዝነበረ እምኒ ኸኣ ባንዴራ ኤሪትራ ኣንቢሮምሉ ከይዶም።

ኣነ ብወገነይ ካብኡ ዝበዝሕ ቀባራይ ክሳተፍዩ ዝብል ግምት ነይሩኒ። ከምኡ መበልየይ ምስ’ቲ ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ፡ ናይዝጊ ዓሪፉ፡ ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ሬሳ ብውዕዩ ከሎ ናብ ገዝኡ ከይዶም ገጾም ከዲኖም፡ መንግስቲ ኤርትራ ምሉእ ሓላፍነት ወሲዱ ብኽብሪ ኣብ ኣስመራ ክቐብሮ’ዩ ዝበል ጽንጽንታ ምስ ተሰምዐ፡ ብተወሳኺ ከኣ ናይዝጊ ቀንዲ መሓዛን መሻርኽትን ውልቀ መላኺ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ብማዕከናት ዜና ተቓወምቲ ናይዝጊ ፈጺሙዎ ዝበሃል ገና ዘይተጻረየ ወቐሳታት ክዝርጋሕ ምስ ጀመረን፡ ኣብቲ ሽዑ ተዳልዩ ዝነበረ ናይ ሓዘን ኣዳራሽ ዝውሕዝ ዝነበረ ብዝሒ በጻሕቲ ብምውድዳር’ዩ።

ውልቀ መላኺ ግን ኣብ ውሳኔኡ ኣይጸንዐን። ኣንታይ ፊን ከምዘበሎ ክሳብ ዕለተ ሎሚ ቁንቁኝኡ ዘይተፈልጠ፡ ናይ ናይዝጊ ሬሳ ናብ ኤርትራ ከይኣቱ ተኸልኪሉ። ጓሉ ኣስመራ በጺሓ ብዘይ ፍረ ተመሊሳ። ስለምንታይ ተኸልኪሉ፡ መን’ዩ ኸልኪሉዎ፡ ስለምንታይከ ብዛዕባ ምማቱ ኣብ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ዘይተዘርበሉ፡ ስለምንታይ ሓርበኛ ብስቕታ ተደቢሱ………..ኮታስ ኣብ ምሉእ ዓለም ቀንዲ ኣርእስቲ ኮይኑ፡ ብቤተሰብ፡ ብህዝብን ብመራኸቢ ብዙሃንን ሕቶታት ለበዋታት ወቐሳታት….ቀሪቡ። መንግስቲ ኤርትራ ግን እንትርፎ ብታሕቲ ታሕቲ ንቤተሰብ ናይዝጊ ሬሳኦም ብህጹጽ ኣብ ለንዶን ክቐብርዎ ምግዳድ፡ ብጩቕ ኣየበለን። ህጥም! መንግስቲ ህጥም! ክሳብ ሎሚ ዕለት ህጥም!

ኣብ ኤርትረ መን የፍቅድን መን ይኽልክልን ፍሉጥ’ኳ እንተኾነ፡ ስለምንታይ ንዝብል ሕቶ ምኽኑይ ንምግባር፡ ንናይዝጊ ስሙ ኣጸሊምካ፡ ዘይበሎን ዘይሰርሖን ወረታት ኣዋቒዕካ፡ ምኽልካሉ ምኽኑይ ንምግባር ካብኡ ሓሊፉ ኣብ ህዝቢ ጥርጣሬን ስግኣትን ከምዝሰሉኽ ንምግባር፡ ካብ ኣፍ ናብ ኣፍ እናተቐባበልካ ብማዕከን 03 ብልዑል ንጥፈት ክፍኖን ክዝርጋሕን ግዜ ኣይወሰደን። ‘ናይዝጊ ገንዘብ መንግስቲ ብምጥፍፋእ ሃብቲ ኣኻዕቢቱ፡ ናይዝጊ ምስ ኣባላት ተቓወምቲ ውድባት ይራኸብ ነይሩ፡ ናይዝጊ ብዙሕ ናይ ኢሳያስን ህግደፍን ምስጢራት ስለ ዝፈልጥ ብድሕሪ ምማቱ ኣብ ህዝቢ ዝዝርጋሕ ሰፊሕ መዝገብ ኣዳልዩ ምህላዉ ስለዝተፈለጠ፡ ናይዝጊ ንኢሳያስ ፈርዖን ኢሉ ስለዝጸረፎ፡ ናይዝጊ ምስ ናይ ስለያ ማዕከናት ተመሻጢሩ ንኢሳያስ ክቐትል ውዲት ነይሩዎ፡’….እርይ ቁጽር እንተበልካዮ መወዳእታ ኣይነበሮን፡ መበገስን ቁምነገር’ውን ኣይነበሮን።

ሓደ ካብ ላዕለዎት ሰበስልጣን ዝነበረ፡ ናይዝጊ ክፍሉ ዓሪፉ ምስ ተሰምዐ፡ ብዙሓት ዝፈልጡዎን ዘይፈልጥዎን ብፍላይ ከኣ ብዙሓት ብዕድመ ዝደፍኡ ኣዴታትን ኣቦታትን፡ በርተግ ኢሎም ስድራቤቱ ንምጽንናዕ ተጓይዮም። ንነዊሕ ግን ኣይቀጸለን። ዘይመቐጸሊኡ፡ ናይ ናይዝጊ ሬሳ ኣብ ኤርትራ ከይኣቱ ከም ዝተከልከለ ምስቲ 03 ብቕጽበት ዝዘርግሓቶ ጸለመ ምስ ተናኸሰ፡ እቶም ብሕልና ዘይግዝኡ ንፋስ ናብ ዝነፈሶ ጸፋዕፋዕ ዝብሉ፡ ግልብጥ ኢሎም “ከምዚኸኣ ኣበር ነይሩዎ ኢሎሞ ፡ ኣንጻር መንግስትና ይሰርሕ ነይሩ ኢሎሞ፡ ገንዘብ መንግስቲ ኣጠፋፊኡ ኢሎሞ፡…… ነተን ናይ 03 ምህዞታት እናደጋገሙ መዕለል ቡን ክገብሩዎን ካብቲ ቤተሰብ ክስሕቡን ክርሕቁን ምርኣይ’ዩ። ሕሉፍ ሓሊፎም መንግስትና ስለ ዘይተቐበሎ ኣብ ገዝኡ ኣይትኺዱ፡ ኣብ ቀብሩ ኣይትሳተፉ ኣናበሉ ከይሓፈሩ ፈቐድኡ ዘጐሳጉሱ’ውን ኣይተሳእኑን። ብጣዕሚ የሕዝንዩ! ሰባት ክሳብ ክንደይ ናብ ኣራዊት ተቐይሮም ኣለዉ! ከምቲ ዝሓሰቡዎን ከምቲ ዝሓለንዎን ግን ኣይተዓወቱን።

ናይ ናይዝጊ ሬሳ ናብ ኤርትራ ከይኣቱ ምኽልካል፡ ንኤርትራዊ ክብርን ሕልናን ዘቋሽሽ ነውራም ስጉምቲ ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ፖለቲካዊ ወይ ጸረ ሃገራዊ ትሕዝቶን መበገስን የብሉን ብማለት፡ ነቲ ናይ 03 እከይን ፈላላይን ወረታት ካብ ሓቅነት ዝረሓቐ ምኳኑ ተገንዚቦም፡ ምስቲ ጨካን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ዘለዎም መርገጺ ብዘየገድስ ኣዝዮም ብዙሓት ኤርትራውያን ንስድራቤቱ ናይ ገንዘብን ሞራልን ደገፋት ኣበርኪቶም ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንናይዝጊ ብክብሪ ቐቢሮሞ። ኣይትተዓወቱ ዝበሎም ኣባላት ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ሎንዶን፡ ኣብ ፍትሓት ናይቲ ሬሳ ኣይመጹን። ኣብቲ ቀብሪ መታን ከይሳተፉ ከኣ ኣብታ ናይዝጊ ዝቕበረላ ዕለትን ሰዓትን ኣምባሳደር ኣብ ኣኼባ ከምዝጽመዱ ገይሩዎም። ኣይግብርን!

ብኻልእ መዳይ ከኣ፡ ናይዝጊ ከም ናይ ኢሳያስ ቀንዲ መሓዛን ተሓላቕን፡ መማዝንቲ ዘይብሉ እሙን ኣገልጋልን ምዃኑ ኣናተፈልጠ፡ ስለምንታይ ኢሳያስ ንትኽትንፋስ መሓዝኡ ኣብ ኤርትራ ከይቅበር ከልኪሉዎ ንዝብል ሕቶ ቅሩብ መልሲ ስለዘይተረኽቦ፡ ሻቕሎትን ኮን ዶኾን ብዝብል መበገሲ፡ ኩሉ በብዓቕሙ ነናቱ ዘዝመስሎ ምኽንያታት ምስንዳው ኣይተቖጠበን። ኩሉ ስጊንጢር ኮይኑዎም፡ ይኸውን’ዩ ዝበሉዎ ኩሉ፡……….. “ኢሳያስ ነቶም ምስኡ ዘለዉ ካብ ህልዋት ንታሕቲ ካብ ምውታት ንላዕሊ ዝኾኑ ሰበስልጣናት፡ ትምህርቲ ክህቦም ስለዝደለየ ኢዩ። ‘ዝኾነ ነገር ኣንጻረይ ከይትሓስቡ ኣነ ጨካን’የ። ንስኻትኩም ኣይኮነን ነቲ ቀንዲ ዓርከይ’ውን ኣየናሕሰኹሉን፡ ወይለኹም’ ንማለት’ዩ። ክሳብ ዘድለኹምኒ ክጥቀመልኩም’የ፡ ተጠቒመ ባህ ኣብ ዝበለኒ ግዜ ብህይወትኩም ከለኹም ወላ’ውን ምስ ሞትኩም ክድርብየኩም ጸገም የብለይን፡ ገለ የዋሃትውን ‘ናይዝጊ ብህዝቢ ክሲ ይወርዶ ስለዘሎ፡ ኣብ ኤርትራ ከይኣቱ ኣንተኸልኪሉዎ፡ ንሱ’ውን ንተግባራት ናይዝጊ ከምዘይቅበሎ ብምምሳል፡ ንናቱ ገበናት ንምኽዋል ብምሕላን ዝተበገሰ’ዩ፡’ ገለውን ‘ኣነ’ውን ኣብ መስመር ሞት ተቓሪበ ስለዘለኹ ተጸበየኒ መታን ከምቀደምና ሓቢርና ክንጎዓዝ’ ብማለት’ዩ ዘጸብዮ ዘሎ፡ ‘ቅድሚ ሕጂ ዘይተገብረ፡ ሕማቅ ይኹን ጽቡቕ ብዘየገድስ፡ እዚ ገይረ፡ ሬኮርድ ሰይረ ብማለት ፍስሃን ባህታን ስለዝስምዖ’ዩ’ ዝብሉውን ነይሮም። ገለ ኸኣ ‘ካብ ቀደም ዝጸንሐ ሕዱር ሕማም ማለት ኣተኩሮ ንምርካብ፡ ህዝቢ መታን ብዛዕብኡ ክዛረብን ከድህበሉን ደይ መደይ ኢሉ ዘበገሶ ነገር’ዩ’ ይብሉ።” በቲ ይኹን በቲ፡ መርኣያ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብኻ ዘለካ ክቱር ንዕቀትን ላግጫን ዘጉልሕ ንውሉድ ወለዶ ዝሰጋገር ንዘልኣለም ዘይቅበር ሕማቕ ታሪኽ’ዩ።።

ልዕልነት ሕጊ ኣብ ዝተረጋገጸሉ፡ ፍትሕን ዴሞክራስን ኣብ ዝነገሰሉ ሃገር ከምዚ ዓይነት ጊንጢ ተርእዮ ከጋጥም ኢልካ መቸም ዘይሕሰብ እዩ። መስጣ’ቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኸፈሎ ከቢድ መስዋእቲ ዋጋ ንሓርነት፡ ገና ሰለስቲአን ብጹኣት መሰላት ተሓሪመንኦ ኣብ ትሕቲ ደረቱ ዝሓለፈ ውልቀመላኺ ተደቚሱ ኣብ ሰንፈላልን ኣብ ቃንዛን ይርከብ ምህላዉ ይበርሃልካ።

ሰመረ ዮውሃንስ

ይቅጽል…

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...