ሰላም ደቂ ሃገር ብመደባትኩም ዝተሰምዐና ዕግበት ናገለጽና ኣብቲ ሒዝኩምዎ ዘለኹም ረዚን ዛዕባ ዘለና ርኢቶ ፈይ ክነብል።

ጸሓፊ ዕላል ቶምን ጄሪን ንኩነታት ሃገርና  ዘለዎ ኣፍልጦ ዓሚቕ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ኣቀራርባ ዋሕዚ  ጽሑፍን  ኮሜዲያዊ ኣቀራርብኡን ከኣ ኣዝዩ ምኩር ሰብ ምዃኑ ንምግማቱ ኣየጸግምን እቲ ንዓና ዝገረመና እዚ ኹሉ ዓበይቲ መጽናዕታት ናሃለዎን ኣብቲ ጉዳይ ሻቅሎት ከም ዝፈጠረሉን ናገለጸ ክንሱ ክሳብ ሕጂ ግን በዚ ስም እዚ ክሳተፍ ኣየስተባሃልናሉን  ናይ ሓበሻ ስም ደኣ ተጠቂሙ እምበር ጻዕዳ ከይኮነ ኣይተርፍን ዝብል ጥርጣረ ኣለና።

ኮይኑ ግን  እዚ ነቲ ቐሪቡ ዘሎ መርተዖ ክብደቱ ይውስኾ እምበር ነቲ ዝቐረበ ዓብይ ሃገራዊ ዛዕባ ትሕት ዘብሎ ኣይኸውንን። ብሕልፊ እኳ ‘’ህዝቢ ተማሪሩ ኣብ ጫፍ ምብትታን ስለዘሎ ነዚ ሓደጋ ንምስካም ቶም ኣስኪፍዎ ኣሎ” ዝብል ነጥቢ ንዓና ካብ ድቃስና ኣበራቢሩ ክንትንስእ ዝገበረና ይመሰለና።

ሎሚ ኣብዚ ዘለናዮ ከተማ “ኢሳይያስ ባድመ ባድመ ዝብል ዘሎ ኣብቲ ከባቢ ወፈር ዘመት ደቂ ኸባቢኡ ስለዘለው’ዩ እምበር እቲ ሕጂ ተታሒዙ ዘሎ ዓድታት ኣኽራንዶ ኣይበዝሕን” ዝብል ምስማዕ ይልመድ ኣሎ። ብኸባቢ መታሕት ዘለው የሕዋትና ንሕና ከም ተጠቀምቲ እቲ ስርዓት ቆጺሮም ይሕንሕኑልና ኣለው። ቀደም ዘይነበረ ትውልዲ  ከባቢኻ ምትእልላሽን ምውድዳብን ሎሚ ሳዕሪሩ ይረኣ ኣሎ።

ሓዱሽ ዝተፋለጥካዮ ሰብ ወዲ ኣበይ ኢኻ? ይብለካ ኣብ ኩለን ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ኮነ ትካላት ውልቂ እቲ መራሕን ወናንን ዝተወለደላ ከባቢ’ያ መሊኣ ትርአ። ኣብ መንገዲ ኣየር ወሲድካ ኣብ ሓለዋ ዘለው ሰባት ተርኢኻ እታ ሓንቲ  ጓል ትመርሓ ክፍሊ ደቂ ኸባቢኣ እቲ ወዲ ዝመርሓ  ናይ ሓለዋ ክፍሊ ከኣ ደቂ ከባቢኡ እዮም ዘለው። ሎሚ እዚ ስርዓት ኮነ ኢሉ ነቲ ኸባብያውነት ኣጋዲድዎ’ዩ። ነቲ ገበናቱ ንምኽዋል መቕርቡን ደቂ ኸባቢኡን ኣብ ጽቡቕ ቦታ የቕምጥ ኣሎ።

ላዕለዎት ነጋዶ እዛ ዓዲ ምስ ሓዲኡ በዓል ስልጣን ብሕልፊ ምስ መራሕቲ ሰራዊት ዝምድናን ናይ ትውልዲ ከባቢ ቅርበትን ክህልዎ ኣለዎ ተዘይ ኮይኑ ገንዘብ ኣፍሲሱ ኳስ ኣይእመንን ሃፍቲ ከጥሪ ‘ውን ኣይኽእልን።

ካሊእ ደቂ ሃፍታማትን ደቂ ድኻታትን ዝብል ዓብይ ኣፈላላይ ኣብ ህዝብን ሰራዊትን ተፈጢሩ ኣሎ። ሕጂ ድሕሪ ውግእ ኣኽራንን ላዕላይ ዴዳን ኩሉ ኣባል ሰራዊት ዕረፍቲ ተኸልኪሉ’ዩ።  ኣብ ተጠንቀቅ’ዩ ዝርከብ ዘሎ። ናይ ኣሃዱታት ምውዛዕን ተኽሊጥን’ውን ናተገበረ ይርከብ። ከበድቲ ኣጽዋራት ካብን ናብን ኣብ ምጉዕዓዝ ይርከቡ። እዚ ‘ውን ኮይኑ ግን  ደቂ ርኹባት ንመራሕቲ ሰራዊት ገንዘብ ብምሃብ ምስ ወለዶም ኣብ ከተማ ሸናዕ ይብሉ ኣለው። ደቂ ሃፍታም ብዶላር ገንዘብ ምኽፋል ስለዝኽእሉ ብናይ ጀነራላት መኻይን ተዓጂቦም ብሱዳን ኣቢሎም  ንደገ ይውሕዙ ኣለው። እዚ ወረ ውግእ ምስ ዓመረ ስግረ ዶብ  ናናሃረ መጽኡ ዘሎ ብገንዘብ ጸወታ’ዩ።

ኣብ ማእኸለዎት መሪሕነት ሰራዊትን ኣብቲ ታሕተዋይ ኣባል ሰራዊትን ‘ውን ዓብይ ቅርሕንቲ ይባላሕ ኣሎ። እቲ ሓደ ምኽንያት መንግስቲ ኮነ ኢሉ ከክልተ ሚኢቲ ናቕፋ ንተራ ሰራዊት ወሲኸ ኣለኹ ኢሉ እቶም ገዳይም ተጋደልትን ታሕተዎት መራሕትን ዝወስድዎ መሃያ ካብቲ ናይቲ ተራ ስለዝነኣሰ ትማሊ መጺኦም በሊጾምና ብዝብል ክኸውን ከሎ እቲ ካሊእ ከኣ ነቲ ስግረ ዶብ ኮነ ነቲ ዕለታዊ ጭቆና ሰራዊት ዘጋድዱ እቶም ታሕተዎት መራሕትን ኣይሃድሙ ኣይሃጅሙ ዝኾኑ ኣካላቶም ዝተበጣጠሰ ገዳይም ስንኩላት ተጋደልቲ ብምዃኖም ነቲ ቅርሕንቲ የባልሖ ኣሎ። እቲ ምቅትታል ኣብዚኦም’ዩ ዛይዱ ዝርከብ። ኩሎም ተስፋ ዝቆረጹ ‘ታይ ከም ዝግበር ዘይፈልጡ ስለዝኾኑ ነንሕድሕዶም ይበላልዑ ኣለው። መሳኪን ኣይ ብሂወት ነቢሮምላ  ኣይተሓጒሶምላ እዛ ምድሪ ትገፍዖም ኣላ።

እዚ ናብ ስድሮኦም’ውን ዝተሰጋገረ’ዩ። ወሊዶም ክስዕሙ መሃያ ተኸፊሎም ስድርኦም ክናብዩ ስለዘይተዓደሉ ስድረኦም ብሓሳረ መከራ ክቆራመዱ ስለዝነብሩ በቲ “ኩልኻ ዕጠቅ” ዝብል ተላባዒ ሕማም ዘዝዓጠቕወን ብረቶም መጥፍኢ ነብሶምን በዳሊኦምን ኮይነን ኣለዋ። ኣሃዱታት ባዶ እየን ተሪፈን መስርዕ ዝበሃል ሕጂ የለን ኣሎ ተተባሃለ እቲ መራሒ መስርዕ ጥራሕ’ዩ ዘሎ። ጋንታ ኮና ሓይልን ቦጦሎንታትን ካብቲ ስሩዕ ናይ መስርዕ ኣወዳድባ ሓይሊ ሰብ ንታሕቲ ሒዘን ይርከብ ኣለዋ። ብረት ዝስከሞ ስኢኑ ኣብ ኤምዳዳት ተኸዚኑ ይርከብ። ህዝባዊ ግንባር ዝፍለጣላ ዝነበረ ናይ ከቢድ ብረት ጸብለልታ ሎሚ ባይታ ዘቢጣ ዘይትኮስን መለዋወጢ ዘይብሉን ከበድቲ ብረት መሪቱ ኣብ ድፋዓት ተተደርብዩ ይርከብ ኣሎ። ዝርካበን ተዋጋእቲ ነፈርቲ እስከ ንፈትነን ተባሂሉ ኣብ ቅነ በዓል ናጽነት ክፍተና ከለዋ ገና ሓፍ ከይበላ ዝተሓምሸሻ ከም ዘለዋ ይውረ’ዩ። ንሓይሊ ባሕሪ ብ/ጀ ፍጹም ወዲ መምህር በታቲንዎ ናብ ዕቑር ሰራዊቱ ስለዝኸደ እተን ዝርካበን ፈጣናት ጀላቡ ከይተረፋ ዝመረሮም ኣባላት ተወዲቦም ናብ ሳዑዲ ስለዘስገርወን ባዶ ተሪፉ’ዩ።

ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን እዛ ሃገር ሕጂ  ንዝብተና በረርቲ ወረቓቕትን ንዝለዓል ዓመጽን ወረ ካብ ምሽታት ዝሓልፍ ዓይኒ ኣፍንጫ ኮነ ካሊእ ህዋሳት የብሎምን። ኣይመሃሩ፡ ኣይመራመሩ፡ ኣየንብቡ፡ ኢንተርኔት ኣይርኡ ትም ኢሎም ዝደንቆሩ ስለዝኾኑ ምስ ናይ ደገ ተጻብኦን ኣብ ውሽጢ ዝካየዱ ቁሩብ ርቕቕ ዝበለ ምንቅስቃስን ዝምጥን ጽንዓት ከቕርቡ ኣይኽእሉን። እኳዳኣስ ብኣንጻሩ ንሳቶም’ውን ብኣካይዳ እቲ ስርዓት ዝኾረዩ ስለዝኾኑ ምንጪ ሓበሬታ ደንበ ተቓውሞ ምዃኖም ካብ ባለነኪን ቤትጽሕፈት ፕረዚደንትን በብጊዚኡ ዝልሕኹ ዘለው ረዘንቲ ሓበሬታታት ህያው ምስክር እዮም።

ሕጂ እዛ  ሃገር ብኢሳይያስ ጥራሕ ኣይኮነትን ትሻቀል ዘላ በቶም ደንበ ተቓውሞ ኢና ንብል’ውን’ዩ። ትፈልጡ ዲኹም ኢሳይያስ ኮነ ህግደፍ እንተስ በቲ ናይ ባዕሎም ኣካይዳ ወይ ከኣ  ብዝበጽሖም ስነ እኣምራዊ ኩናት ይበልዎ ዲፕሎማሲያዊ ማህሰይቲ ኣማን ብኣማን ካብ ህዝቢ ተነጺሎም ብሓይሊ’ውን ንምግዛእ ኣብዘይ ኽእልሉ ብርኪ በጺሖም እዮም። ግደ ሓቂ ግን ህዝቢ ነቶም ደንበ ተቓውሞ’ውን ኣማረጺ ክኾኑናን ካብ ምብትታን ክሰትሩናን እዮም ዝብል እምነትን ተስፋን የብሉን።  ዋእ! ታይ ደኣ ንግበር? እንድዒ ኣይትብከ እንድዩ ዘብከየኒ ዘሎ ዶ በሉ ኣበው።

እወ እሞ ንሱ’ዩ ንኩልና ሓርቢቱ ዘሎ ጸሓፊ ዕላል ቶምን ጄሪን ኮነ በብዘለናዮ ብዙሕ ርኢቶ  ስለቲ ረዚን ጽሑፍ ዝተዛረብና ሰባት ኩላትና ኣብ መፍትሒኡ ዝበልናዮ የለን። እስከ በጃኩም ናብቲ መዋጽኦ ገጽና ንግበር። እዚ ምስ ዝግበር ንሕና ኮነ ኩሉ ኣብ ውሽጢ ዝርከብ ህዝብና ኣብ ጎድንኹም ኮይና ነዛ ጸዋግ ጊዜ ንምብራህን ወጋሕታ ንምፍጣርን ድልዋት ኣለና።

ክልተ ኣዕሩኽ ካብ ቪላጆ ኣስመራ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...