ኣርእስቲ ጽሑፈይ ስለምንታይ ምስ ሬሳ ቑርቁስ ዝብል ኬይኑ ብዛዕባ ተጋዳላይ ናይዝጊ ክፍሉ ኢዩ ኪዛረብ። ግን ከኣ ተጋዳላይ ናይዝጊ ክፍሉ መን ከምዝኾነን እንታይ ከምዝነበረን ዝገልጽ እውን ኣይኮነን። እዚ ብመንግስቲ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዓዱ ንኸይቅበር ዝተኸልከለ ሰብ መን ኢዩ ንዝብል ሕቶ ኪምልስ  ደስ ምበለኒ ነይሩ።  እንተኾነ ግን ነዚ ዓቢ ግድል ኬይኑና ዘሎ ምስጢር ዝፈልጥ እቲ ሬሳ ንኸይኣቱ ዝኽልክል ዘሎ ሓደ ውልቀ ሰብ ርእሰ-ብሄር ኤርትራ ስለዝኾነ እቲ መልሲ ንዕኡ እገድፈሉ። ከም ህዝበይ ከኣ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ምኽንያት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኪሰምዕ እጽበ። ብሓጺሩ እምበኣር ጽሑፈይ ነቲ ብሓባር መልሲ ሲኢንናሉ ዘሎና ጉዳያት መልሲ ዝሓትት እምበር መልሲ ንዝተሳእኖ ሕቶታት ዝምልስ ኣይኮነን።

እዚ ጽሑፍ እዚ ብዛዕባ ተጋዳላይ ናይዝጊ ክፍሉ ካብ ኣልዓለ ብውሑዱ ንገለ ሓፈሻዊ ሕቶታት ኪምልስ ስለዝግበኦ ብዘለኒ ድሩት ሓበሬታን ብናተይ ውልቃዊ ኣጠማምታን ብዛዕባኡ ሓደ ክልተ ነጥብታት ከልዕል እየ። እቲ ንመበቆሉን ኣተዓባብያኡን፡ ንውልቃዊ ባህሪያቱን ጠባያቱን፡ ኣብ ቃልሲ ንዝነበሮ ተራን ኣበርክቶን ዝምልከት ጉዳይ ብቐረባ ዝፈልጡዎ መተዓብይቱ: መማህርቱ: መቓልስቱ: መሳርሕቱን መዘናታቱን ኪምልስዎ ስለዝኽእሉ ንዐኣቶም እሓድገሎም።

መጀመርታ ነቲ ናይዝጊ ኣብ ግዜ ቓልስን ድሕሪ ናጽነትን ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ትካላት መንግስቲ ሓደ ሓደ ኣሉታዊ ተራ ነይሩዎ ኢዩ ንዝብል ኣብ ሻርዕ ንዝዕለል ዕላላት ርእይቶይ ክህበሉ እደሊ።

ዝኾነ ኣብ ሓርነታዊ ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ እተሳተፈ ተጋዳላይ፡ ብፍላይ ከኣ እቲ ብደረጃ መሪሕነት ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ሓላፍነትን  እተዋስአ ዘበለ ኣብ ተሓኤ ይንበር ኣብ ህዝባዊ ግንባር ብዘየገድስ ኣብ መስርሕ እቲ ቓልሲ ብውልቂ ኮነ ብእኩብ ዝሙጎሰሉን ዝነኣደሉን ዝንቀፈሉን ዝሕተተሉን ነገር ኪህልዎ ግድን ኢዩ።

ተጋዳላይ ናይዝጊ እውን ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ውድብ ህዝባዊ ግንባርን መንግስቲ ኤርትራን ስለዝተዋሰአ ብእኩብ ምስቲ ውድብን መንግስትን ምናልባት እውን ብውልቂ ዝሕተተሉ ነገራት ኪህልዎ ይኽእል ይኸውን። ይኹን እምበር እዚ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ዝለዓል  ኣብ ግዜ ቓልሲ ኮነ ድሕሪ ናጽነት እተፈጸመ ተሓታቲ ዘማዕዱ  ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ መጀመርታ ናጽነት ሃገራዊ ዕርቅን ዘተን ተገይሩሉ ብዝግባእ ስለዘይተዓጽወ ኪሳዕ ብሕጋውን ሓላፍነታውን መዳይ በገባብ ዝዓርፍ ንመጻኢ እውን ከዛርብን ከቀሓሕርን ኪነብር ኢዩ። ዘዛርብን ዘተሓማምን ነገራት እውን ብዙሕ ኢዩ።

ኣብ ጉዕዞ ቓልሲ-ሓርነት ሕሉፋት ጸጋማውያን ሜንካዕ፡ ጥሩፋት የማናውያን የሚን እናተባህሉ ብእኩብ፣ ዝምቡል ንኡስ ብርጁዋ፣ ጸረ ሰውራ ሃሱስ፣ ኣድሓርሓሪ መስፍን፣ እናተባህሉ ዝተፈላለየ ስምን ቅጽልን እናተዋህቦም ዝጠፍኡ ሃገራውያን ብዙሓት ኢዮም። ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ነብሰ ቕትለት ፈጺሙ/ፈጺማ እናተባህሉ ዝጠፍኡ፡ መስዋእቶም ዘተሓማሚ ብጾት ከምዘለዉ እውን ይንገር ኢዩ። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ ከኣ ኩሉ ኣብቲ መስርሕ ዝተዋስአ መርሕነት ኢዩ ዝሕተትን ሓላፍነት ዝስከምን እምበር ኣብ ትካላት ጸጥታ እቲ ውድብን መንግስትን ስለዝሰርሐ ዝኾነ  ውልቀ ሰብ  ንበይኑ ዝስከሞ ኣደራዕ ኪህሉ ኣይግባእን ኢዩ። ዝኾነ ይኹን ሕቶን ክስን እንተልዩ እውን እቲ ውድብን እቲ መንስግትን ኢዩ ኪሕተትን ኪኽሰስን ዝግባእ -- እቲ ዝወሃብ መመርሕን ትእዛዝን ናይቲ ስርዓት እምበር ናይ ውልቀ ሰብ ስለዘይኮነ። ይኹን እምበር ውልቀ ሰብ እውን ኣብ ውሽጢ እቲ ስራሕ ብውልቃዊ ባህሪያቱን ተግባራቱን ኪሕተትን ኪኽሰስን ዘይግባእ ኣይኮነን።  ግን ከኣ ኣብ ናጻን ሕጋውን ቤት ፍርዲ ቐሪቡ በደሉ ኪሳዕ ዝረጋገጽ ብገበን ኪጥቀን ሕጋውን ርትዓውን ኣይኮነን።

ኣቐዲመ ኣብ መእተዊ ጽሑፈይ  ከምዝገለጽኩዎ፡ ንተጋዳላይ ናይዝጊ ሓለፍነት ከሰክም ወይ ካብ ሓላፍነት ሓራ ኪገብር ፍጻሜታት ኪዝርዝር ወይ ታሪኽ ኪምስከር ኣይኮንኩን ብርዐይ ኣልዒለ። እኹል ሓበሬታ ስለዘይብለይ እትረፍ ነዚ ብቐንዱ ንፍርዲ ታሪኽ ዝምልከት ኣዚዩ ተሃዋሲ ዝተሓላላኸ ኣርእስቲ ንውልቃዊ ባህሪያትን ጠባያትን ተጋዳላይ ናይዝጊ እውን ኪምስክር ኣይክእልን ኢየ። ስለዝኾነ ንተጋዳላይ ናይዝጊ ክፍሉ ከም ዝኾነ ሃገራዊ ተቓላሳይ ኣብ መስርሕ ቓልሲ ኣዎንታን ኣሉታን ከምዝህልዎ ሰብ፡ ከም ሓውን ብጻይን እየ ኪዝክሮን ከልዕሎን ዝደሊ።

ናይዝጊ ከም ዝኾነ ፍጡር ወዲ ኣዳም ከማይ ከማኹም ዝነኣደሉ ኣዎንታዊ ጠባያት ዝንቀፈሉ ኣሉታዊ ባህሪያት ኪነብሮ ባህሪያዊ ኢዩ። ናይዝጊ ድሕሪ ሞቱን ዕረፍቱን፡ ሬስኡ ሓመድ ዓዱ ንኸይረክብ ከምዝተኸልከለ ምስሰማዕኩ እየ ንዝተሰማዓኒ ዓሚቝ ልባዊ ሓዘንን ጓህን ንምግላጽን ንበዓልቲ ቤቱን ደቁን ንስድራ-ቤቱን መቕርቡን ንብጾቱን መቓልስቱን  ጽንዓትን ኣኻእሎን ይሃብኩም ንምባልን ብርዐይ ኣልዒለ። ዕረፍቲ ናይዝጊ ክፍሉ ምስተሰምዐ ከም ዝኾነ ናይ ቓልሲ ብጻይ ብሞቱ ሓዚነን ተሰሚዑንን። ሞት ናይ መወዳእታ ዕምሪ ስለዝኾነ ከም ዝኾነ ፍጡር ንዕኡ መንግስተ ሰማያት ከዋርሶ ንስድራቤቱ ድማ ጽንዓትን ጽሮትን ኪህቦም ተመንየ።

መቸም ሬሳ ናይዝጊ ንዓዲ ከይኣቱ ምኽልካሉ ብዙሕ ነገር ስለዘዛረበ፡ እቶም  ጸግዒ መንግስቲ ብሙዃን ፕረዚደንትና ገለ እንተዘይሰምዓሉ ኣይምኸልከሎን ዝብሉን እቶም ተቓወምቲ መንግስቲ ብሙዃኖም ኢሳይያስን ናይዝግን ነንሓድሕዶም ይቃረቡ ንዝብሉን ብሓባር፡ እዚ ሬሳ፡ ሃገራዊ ኤርትራዊ ሬሳ፣ ሬሳ ሓውናን ብጻይናን ስለዝኾነ ናይ ፖለቲካዊ መስመርናን ኣረኣእያናን ብዘየገድስ ነቲ ምስ ሬሳ ብጻይናን ሓውናን ዝቆራቖስ ዘሎ ስርዓት ዓገብ ኪንብሎን ኪንኩንኖን እጽውዕ።

ናይዝጊ ክፍሉ ዓሪፉ ምስ ሰማዕኩ ጥራሕ፡ ልዕሊ ኩሉ ኣብ ቃልሲ ሓርነት ንዝነበሮ ተራን ኣበርክቶን ኮነ ኣብ መስርሕ ቓልሲ ንዘጋጠሞ ብደሆን መሰናኽልን ዝገልጽ መጽሓፍ ታሪኽ ዘይምግዳፉ ተሰሚዑኒ። ንሱን ካልኦት ገዳይም ብሞት ዝፍለዩና ዘለዉ ሓርበኛታት ብጾት ዘዝፈልጡዎ ታሪኽ ሒዞሞ ይሓልፉ ብምህላዎም ከም ዓቢ ኪሳራ እየ ዝርእዮ። መጻኢ ወለዶ ኪመሃረሉን ኪምኮረሉን ዝግባእ ኣያታትናን ንሕናን ዝፈጸምናዮ ታሪኽን ዝሓለፍናዮ ተመኩሮን ንታሪኽን ምህሮን ኪንገድፍ ዘይምኽኣልና ንሃገርን ህዝብን ዓቢ ኪሳራ ኢዩ። ብሰንኪዚ ድማ ኢዩ እቲ ቅድም ኣብ ቓልሲ ሓርነት እተፈጸመን ድሕሪ ናጽነት እተደግመን  መልሲ እንደልይሉ ዘሎና ሕቶታትና  መዓት ሃጓፋት ሒዙ ብቤላ ቤለውን ብኣፈ ታሪኽን  ዝንገረና ዘሎ። ስለዝኾነ ድማ  ቅድሚ ሬሳ ናይዝጊ ንሃገር ከይኣቱን ኣብ ሓመድ ዓዱ ከይቅበርን ተኸልኪሉ ምስመዐይ ኪንመሃረሉን ኪንምከረሉ ዝግበኣና ዓቢ ታሪኽ ሒዙ ብምሕላፉ  እየ ሓዚነ።

ሬሳ ናይዝጊ ኣብ ለንደን ኣብ ቤተክርስትያን እንዳሚካኤል ጸሎተ ፍትሓት ተገይርሉ ሬስኡ ንዓዲ ምስነቐለ ካብ ኤርትራ መሰነይታ ወረቐት ስለዘይተፈቕደሉ ኪሳዕ ሕጂ ሓመድ ኣዳም ከምዘየለበሰ ምስ ተወርየ መጀመርታስ ኣይኣመንኩን ነይረ።

ንሬሳ፡ ሓደ ትንፋሱ ካብ ስጋኡ ዝተፈለየት ፍጡር፡ ኣስከሬኑ ኣብ ዓዱ ሓመድ ኣዳም ከይለብስ ምኽልካልን ምእጋድን ምስ ምንታይከ ኪቑጸር ይኽእል፧ ስርዓት ኢሳይያስ ዘይገብሮን ዘይፍጽሞን ነገር ኪህሉ ይኽእል ኢዩ ኢልካ ኪትሓስብ ከቢድ ኢዩ እሞ፡ ግን ከኣ ምስ ሬሳ ኪቆራቖስ ይኽእል ኢዩ ዝብል ግምትሲ ፈጺሙ ኢዩ ዘይነበረኒ። ስለዝኾነ በቲ ስልጣን ሒዙ ንሬሳ ብጻዩ ዝኽልክልን ዘፍቅድን ዘሎ ውልቀ ሰብ ኣይኮንኩን ሓኒኸ፣ ዜጋ ናይ ሓንቲ ሬሳ ሓርበኛኣ ምቕባል ዝተሓሰመት ኤርትራ እትበሃል ሃገር ሙዃነይ እውን ኣጉህዩንን አሕዚኑንን ዩ።

ኣብ ሕብረተሰብና ኮነ ኣብ ካልኦት አህዛብ ዓለም ሬሳ ክቡርን ሕፉርን ኢዩ። ስለዝኾነ ከኣ እትረፍ ቅድሚ ሞቱን ዕረፍቱን ንእትፈልጦ ሰብ፡ ንሓደ ኣይትፈልጦ ኣይትጥይቖ ሬሳኳ ብመንገዲ ኪሓልፍ እንከሎ ደኒንካ ኣኽብሮትካ ገሊጽካ ቆይምካን ነቒሕካን ኢኻ ተሕልፎን ትፋነዎን።እትረፍ ንሬሳ ናይ ሓደ ንመዋእሉ ንሓርነት ህዝቡን ሃገሩን እተቓለሰ መውጽኢ ሓራ ተጋዳላይ  ንሬሳ ጸላኢኻ እውን ብኽብሪ ይድበን ይቕበርን ኢዩ። እቲ ኽብሪ  ነቲ ተራፊን በዓል ተራን ስለዝኾነ -- እምበር መዋቲ ደኣ ኣይርእዮ ኣይሰምዖ ሓንሳብ ነብሰ ስጋኡ ምስተፈላለየ  ነገር ተወዲኡ ኢዩ።

እሞ ስለምንታይ ደኣሉ ሬሳ ናይዝጊ ዓዲ ኣትዩ ከይቅበር ተኸልኪሉ፧ ንመን ንምርካብ ኢዩ፧ ናይዝጊ እንተኾነ ኣይርእዮ ኣይሰምዖ ዓሪፉ ኢዩ። ስድራቤትን ደቁንከ እንታይ ስዝለዝኣበሱ፧ እዚ ስርዓት እዚ እንታይ ዓይነት ጽልእን ሕንሕነን ስለዘለዎ ምስ ሬሳ ዝቆራቖስ ዘሎ፧ በዓልቲ ቤቱን ሬሳ በዓል ቤታ ኪትቀብር መሰል የብላን ዲዩ። ደቁ ንወላዲአን ብፍቕርን ክብርን ኪፋነወኦን ሓመድ ኣዳም ከልብሰኦን መሰል የብለንን ዲዩ፧ ሓዎቦታቱን ኣኮታቱን፡ ዓዱን ማይቤቱን፡ መተዓብይቱን መቓልስቱንከ ሬሳ ውላዶምን ሓዎምን ኪቐብሩ መሰል የብሎምን ዲዩ፧ እቲ ወግሐ ጸብሐ ንሕና ከም ኤርትራውያን ዘሐብን ዘኹርዕ፡ ዘነይት ዘቕንእ ያታን ባህልና ክብርን ፍቕርን ኣሎና እናበልና እንምድረሉን እንዝምረሉን ክብሪ ህዝብን ሃገርን ክብሪ ሕብረተሰብን ያታን ንሬሳ ሓደ ሓርበኛ ዘየአንግድ ዲዩ፧ እዚ ሕቶ’ዚ ነቲ ንኤርትራ ከም ውልቃዊት ጥሪቱን ዋኒኑን ዝርእያ ዘሎ ሓደ ውልቀ ንኢሳይያስ ጥራሕ ዝምልከት ኪኸውን ኣይምተገበአን ነይሩ። ይኹን እምበር እቲ ብሰንኪ ትዕቢቱን ድርቅንኡን ዝነብሮ ክብርን ተፈታውነትን ኣጥፊኡ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናንቆልቆለን እናማህመነን ዝከይድ ዘሎ ውልቀ መላኺ ንኤርትራ ናቱን ናይ ውልቁን ስለዝገበራ ምስ ህሉዋት ከይኣክል ምስ ሬሳ ኪቖራቖስ ንርኢ ኣሎና።

ከም ሓቂ ብዘለኒ መረዳእታ ናይዝጊ ክፍሉ የማናይ ኢድ ናይዚ ሕጂ ሬሳ ብጻዩ ንምቕባል ዝተሓሰመ መላኺ ኢዩ ነይሩ ኢዩ ዝበሃል። ናይዝጊ ኣብ መስርሕ ሓርነታዊ ቓልሲ ኮነ ድሕሪኡ ኣበሳን ሓጢኣትን እንተነይሩዎ ብህወይት ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ምስ ንኢሳይያስን ስርዓቱን ሓዊስካ ብሕጊ፡ ድሕሪ ሕልፈቱ ከኣ ብታሪኽ ኢዩ ኪፍረድ ዘለዎ። ምስ ሬሳኡን ስድራቤቱን ምቁሩቛስን ምትህልላኽን ግን ዘሕንኽ ፍጻሜ ኢዩ።

ናይዝጊ፡ ኣብ ኩሉ እቲ ዝሓለፎ መስርሕ ዝሕተቶ ነገር እንተነይሩ ከኣ፡ ናይዝጊ ከም ውልቀ ሰብ ዘይኮነ ናይዝጊ ከም ኣባል ናይቲ ስርዓትን ምሕደራን ኢዩ ክረአን ኪግምገምን ዝግባእ። ምኽንያቱ ዝኾነ ይኹን ኣብ ስርዓተ-ምልኪ ዘገልግል ውልቀ ሰብ እቲ መላኺን መሻርኽቱን ካብ ዝጥጅእዎ ተንኮልን ሓጢኣትን ከምልጥ ስለዘይክእል ፈትዩ ጸሊኡ ግዳይ ናይቲ ግዕዙይ ዘይፍትሓዊ ምሕደራን ኣሰራርሓን ኪኸውን ባህሪያዊ ኢዩ።

ኪሳዕ ዕለተ ዕረፍቲ ተጋዳላይ ናይዝጊ  ብዛዕኡ ዝሰማዕኩወን ሰለስተ  ነገራት ኪገልጽ እፈቱ።

1.    ኣብ ሓደ ናይ ዕላል ኣጋጣሚ ኣብ ሮማ ኢጣልያ ሕጂ ገሊኦም ኣብ ውሽጢ ሃገር ገሊኦም ከኣ ኣብ ስደት ምስ ዝርከቡ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ እናዕለልና፡ እቶም ብጾት ናይዝጊ ኣፉ ኢያ ዘይበዓልቲ ለይቱ እምበር ጸገማት ሰብ ኪፈትሕ ዝጽዕር ለዋህን ደንጋጽን ሙዃኑ፣

2.    ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ከኣ ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ መንግስቲ ነበር፡ ካብ ኩሎም እቶም ኣብ ሜዳ ኣብ ትካላት ጸጥታ ህዝባዊ ግንባር ተመዲቦም ዝሰርሑ ዝነበሩ ላዕለዎት ሓለፍቲ ግንባር፡ ናይዝጊ፡ ንኢሳይያስ “ እዚ ትካል እዚ ፍትሓዊ ስለዘይኮነ ኣብዚ ኪሰርሕ ኣይደልን ኢየ።” ከምዝበሎ፤

3.    ኣብ 2004 ጸሓፊ ናይዚ ዓንቀጽ ኣብ ዝነበርኩዎ ናይ ሻሂ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ለንደን ምስ ኣብ ኤምባሲ ተመዲቦም ምስ ዝሰርሑ ዝነበሩ መቓልስትና ብጾት ምስ ናይዝጊ ብሓባር ሻሂ እናሰተና፡ ብዛዕባ ንታሪኽ ዝምልከት መጽሓፍ ምጽሓፍ ተላዒሉስ፡ ሓደ ካባና “እዞም ገዳይም ተጋዳልቲ ሰውራ ትዓብዩ ስለዘለኹምሲ ታሪኽኩም ዘይትጽሕፉዎ፡” ክብል ንናይዝጊ ምስሓተቶ፡ ናይዝጊ፡ እንታይ ዝጸሓፍ ታሪኽ ኣሎና፡ ናትናስ ከይተጻሕፈ እንተተረፈ ኢዩ ዝሓይሽ ኢሉ ኪምልስ ብእዝነይ ከምዝሰማዕኩዎ ኪምስክር እደሊ።

እታ ንኣስታት ሰዓት ኣቢላ ምስ ናይዝጊ ሻሂ ዝሰተኹላ ናይ መጀመርታን ናይ መወዳእታን ርክበይ ኢያ ነይራ። ቅድሚኡ ምስ ናይዝጊ ብርሑቕ ኮነ ብቐረባ ዝኾነ ይኹን ርክብን ሌላን ስለዘይነበረና ነታ ወስታታት ኢዱ ሓዊሱ “ናትና ታሪኽስ  እንተተረፈ ይሓይሽ!” ክብል ብስምዒት ዝተዛረባ ዘረባ ስለምንታይ ኢለ ኪሓቶ ኣይከኣልኩን። ኣብቲ ናይ ሻሂ ርክብ ኣብ መንጎ እኩባት ሰባት “ስለምንታይ፧” ኢለ  ሕቶ ኣቕሪበሉስ ዝስመዖ መልሲ ኪህበኒ ስለዘይክእል ኪሓቶ እውን ኣይተደናደንኩን። ዋላኳ ባዕላዊ ግምታት እንተኾነ ናይዝጊ ብኹሉ ኹሉ ኣካይዳ መንግስቲ ሕጉስ ዝነበረ ኣይመስለንን። እዚ ዘቕርቦ ዘለኹ ምስክርነት ነቲ ብዛዕባ ናይዝጊ ዝዕለል ኣሉታ ንምኽዋልን ንምምኽናይን ኣይኮነን። ከምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽኩዎ ዝኾነ ይኹን ሕቶ ግቡእ ሕጋዊ መስርሕ ሒዙ ኪምለስን ፍትሒ ኪርከብን እሰማማዕን እድግፍን እየ። ይኹን እምበር ብዛዕባ ናይዝጊ ኮነ ብዛዕባ ዝኾነ ይኹን ኣብ መሪሕነት እቲ ሰውራ ዝነበረ ሰብ ዋላ ብዛዕባ ኢሳይያስ እውን እነተኾነ ብቤላቤለው ዝነፍስ ብሕጋዊ መርትዖ ብጭብጥን ዘይተሰነየ ዕላል ሻርዕ ከም ቅቡል እሙንን ኪውሰድ የብሉን ዝብል ጽኑዕ እምንቶይ ንምርግጋጽ እየ።

ኣብ ምውዳእ 2000 ዓመተ ምሕረት ሚኒስተራትን ጀነራላትን ዝርከቡዎም ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ ላዕለዎት መራሕቲ መንስግቲ ንኣካይዳን ኣመራርሓን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስበድሁዎ፡ ኣብ መንጎኦም ናይ ሓሳብን ኣረኣእያን ምስተኸስተ ናይዝጊ ንሸርፎን ኢሳይያስን ንምዕራቕ ናይ ርክብ ምሸት ወዲቡስ ፕረዚደንት ስለዘይተሓጎሰሉ ብኢዱ ሃሪሙዎ ዝብል ወረ እውን ተናፊሱ ነይሩ። ብዛዕባ ሓቅን ሓሶትና ናይቲ ወረ ካልኦት ኣብ መንጎ እንተዘይነይሮም እቶም ኣብቲ መስርሕ ዝጥቀሱ ዘለዉ ሰለስተ ሰባት ኢዮም ዝፈልጡዎ። ይኹን እምበር ሕጂ  እቲ ዕርቂ ዝዓደመ ናይዝጊን እቲ ንዕርቂ እተዓደመ ሸሪፎን ብህይወት የለዉን። ናይ ናይዝጊ እኳ ርጉጽ ኢዩ። ብዛዕባ ሕልፈት ሸርፎ ግን ኪሳዕ ሕጂ በቲ ከሳስን ፈራድን ስርዓት ኢሳይያስ ኪሳዕ ሕጂ ዝተዋህበ መግለጺ የሎን።

እዚ ዘልዓልኩዎ ነጥብታት ኪሳዕ ሕጂ ንነብሲ ወከፍ ፍጻሜታት ብዕምቆት ዝገልጽ ታሪኽን ጽሕፉን ስለዘየሎ ከምዚ ለንቅነ ናይዝጊ መጽሓፍ ጽሒፉ ስለዝገደፈ እዩ ፕረዚደንት ሬስኡ ኣብ ዓዲ ከይቅበር ከልኪሉዎ ዘሎ ዝብል እንሰምዖ ዘሎና ዘይርጉጽ ቤላቤለው ንወድቕ ምህላውና ንምሕባር እየ። ከምዚ ዝበሃል ዘሎ ናይዝጊ ንታሪኹ ዝምልከት ጽሑፍ ገዲፉ ሓሊፉ እንተኾዩ ግን ናይ ብሓቂ ሰናይ ኢዩ።

ነብሲ ወከፍና ጽባሕ ንግሆ ብታርኽናን ስራሕናን ኪንፍረድን ኪንምዘንን ስለዝኾንና ከኣ ሎሚ ኣብ ዘይርጉጽ ቤላቤለው ኪንምርኮስ ኣይግባእን ኢዩ። ብሓባርን ብሓደ ድምጽን ሬሳ ብጻይናን ሓውናን ናይዝጊ ኣብ መሬት ዓደብኡን ሃገሩን  ኪድበ ኪንጽውዕ ይግባእ። ብዓቢኡ ነቶም ኣብዚ ቕንያት እዚ ምስ መላኺኦም ኣብ ኣኼባ ዝቐነዩ ኣባላት ካቢኔ እዚ ነውሪ እዚ ነውሪ ኢሳይያስ ጥራሕ ዘይኮነ ነውሪ ኩላቶም ሓለፍቲ ስለዝኾነ ዕሕሕ ኪብሉ እላቦ።

ሳሙኤል ገብረሂወት (ዓካ-ዓካ)


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...