{jcomments off}

እቲ ጽዩፍን ብዓለም ዝተፈንፈነ ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ጻዕረ-ሞት ይሰሓግ ኣሎ። ንኤርትራን ንኤርትራውያንን ግን ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ፣ ከዕኑ ስለ ዝተበገሰ፣ ብዕለት 22 የካቲት 2010 ዘካየዶ ዘይሕጋዊ ሰልፊ፣ ኮነ ኢሉ ምፍጻሙ ንእኩይ ዕላምኡ ከም ዘይወቅዕ ንኹሉ ብሩህ ክኸውን ኣለዎ። ኣገዳሲ ናይዚ ሰልፊ መንነት ኢሰያስን ወይጦታቱን በሪሁ። እቶም ኣቐዲሞም ከይሓሰቡ ዝዛረቡ ግን ስዕቦም ንዝተዛረብዎ ንጽባሒቱ ክግምግሙ ዝህቅኑ፣ ፈረሶም ብድሕሪት ሰረገልኦም ድማ ብድሕሪት ዝኾኑ ሃሱሳት፣ ጡብ ኣዲኦም ኤርትራ ከም ዝነኸሱ ክርድኡና እውን ኣይንጽበዮምን።

ንጉዳይ ሃገርና ኣዝዮም ኢዮም ኣብ ዓለምና ኣነዊሮሞ። ብፍላይ ንዑቕባ ዝሓቱ  ስደተኛታት፣ መሰሎም ዘኽበራ ሃገራት፣ ንዝለገስኦ ናይ ዑቕባ መሰል፣ ዳግመ ጠመተ ክገብራሉ ተበጊሰን ኣለዋ። እቲ ጠንቂን ቀንዲ ምኽንያትን ድማ ,,ጽምዳዊ መለክዒ“ (Double Standard) ማለት ብህ.ግ.ደ.ፍ. በደል ከም ዝወረዶም ዑቕባ ይሓቱ፣ ብኣንጻሩ ድማ ደጊፎም ኣብ ጎድኒ ጨቋኒኦም ደው ምባሎም ኢዩ። መበጊሲ ስደቶም ጉዳይ ኤርትራ ከም ዘይኮነ ብብሩህ ተጋሂዱ። ናይቶም ዑቕባ ዝሓተቱን፣ ከይተረደኦም ኣንጻር ረብሕኦም ዘይኮነስ ተግባሮም ንኹላህና ተነጺሩልና። ብፍላይ ኣብ ስዊድን ንተቓወምቲ „መልሓሶም ብመቐስ ክቑረጹ ኣለዎም“  ዝብል ኣዋጆም ንጋዜጣታት እታ ሃገር ኣዝዩ ኣነዲሩንን ኣቖጠዑን። ህግደፍውያን፣ ናይ ምዕናው ተግባሮም ከም ብርሃን ጸሓይ ንኹሉ መታን ብሩህ ክኸውን ብቋንቋ እታ ሃገር ስለ ዝተገልጸ፣ ብርክት ዝበላ ጋዜጣታት ብብሩህ ተቓውምአን፣ ንደገፍቲ ንሽፍታ ኣስመራ ዝድግፉ፣ ነውራም ቃላት ዝነዝሑን ኣብ ሃገርና ዑቕባ ተዋሂብዎም ዘለዉ፣ ንሃገሮም ክምለሱ ኣለዎም ክብላ ጽሒፈን። ከምዚ ዝበለ ጽዩፍ ቃላትን፣ ድሑር ባህርን ምስምዖም ኢዩ እቲ ቀንዲ መበግሲ ኣሉታዊ ጠንቆም። ገለ ጭሩሖታቶም ከተንብቦ ዘጸይፍ ኢዩ። ንኣብነት፣ "ንሱ ንሕና፡ ንሕና ድማ ንሱ" ዝብላ ሰለዳታቶም፣ "ኢሰያስ ወይ ሞት" ከም ዝብሉ ንሕና ካብ ቅድም ንፈልጦ ሓቂ ኢዩ። መንነቶም ንኹላህና ደቂ ሃገር ሓዲሽ ኣይኮነን። ዘሕዝን ኣብ ግራት ስርናይና ክርዳድ ክዘርኡ ምፍታኖም ኢዩ። ሕቶኦም ኤርትራዊ ሕቶ እውን ኣይኮነን። ጉዳይ ኤርትራ ጉዳይ ሓደ ሰብ ገይሮም ዘቕርቡ ምትእኽኻብ ናይቶም ተኻፈልቲ ሰልፊ፣ ንዘይበርሃሉ ከብርሁ ብምኽእሎም ነመስግኖም።
 
ኣበይ ከምዘለዉ ኢሳያስ ዘይፈልጦም ተጻወትቲፕረዚደንት ኢየ በሃላይ ኢሰያስ፤ ዑቕባ ዝሓቱ ኤርትራውያን የለዉን ዝበሎ ከይኣኽሎ፤ ናይቶም ጋንታ ኤርትራ ወኪሎም ክጻወቱ ዝተላእኩ ተጻወቲ፣ ብወይዘሮ ጀይን ዳተን (Jane Dutton) ተሓቲቱ ዝሃቦ መልሲ ንጠቅስ፣ ንዓይ እዚ ሕጂ ዝሰምዖ ዘለኹ ወረ ኢዩ፣ ስራሕ ክደልዩ ንኣመሪካ እንተ ኮብለሉ ጽቡቕ ዕድል ክብሎም ጥራይ ኢየ ዝኽእል“ ክብል ኣብ ጽባሕ ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝወጸ ቃለ-መሕትቱ ተመልከቱ። እዚ ንጋዘጠኛታት ኮነ ንናይ ፖለቲካ ተቓውምቲ ኣይኣሰርኩን ዝብል ዕሉል ሽፍታ ኣሚኖም፣ ደቂ ህዝቢ ዝኾኑ መንእሰያት ምጥፍኦም ከም ዘይተፈጸመ ተቐቢሎም፣ ኣዒንቶም ኣንዳ ረኣያ ዘዕወራ ኣዒንቲ ሃገራዊ ማህሰይቲ፣ ኣብ ልዕልና እንዳ ተፍጸመ፣ ኣብ ሃገሮምን ህዝቦምን ዝወርድ ገበን ከም ዘይሕዝኖም ዘይተጸበናዮ ኣይኮነን። ግን ስጉምትና ከነሐይል ኢዮም ዘበራበሩና። ንሕና ወይ ንሶም ዝብል ዕድመ ብምዝርግሖም ስለ ወላዲት ሃገርና ኣብቲ ዝሕሞም ኢና ግብረ-መልሲ ነተግብር።
 
እቲ እገዳ ብጉዳይ ኤርትራ ዘይኮነስ፣ ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን፣ ብተወሳኺ ድማ ናይ ማእከላይ ምብራቕን ሰላም ንምዝራግ ዘተኣታትዎ ግብረ-ሽበራ ንምግታእ ዝተወስደ ስጉምቲ፣ እዚ ማዕቀብዚ ንህዝቢን መንግስትን ኤርትራ ከም ዝተወሰደ ገይሩ ብመናፍሕ ምቕራቡ ድርብ ገበኑ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ኣብጺሕዎ። ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ክመጽእ ዝኽእል ሳዕቤን ዘይተረድኡ፣ ኣብ ሰልፉ ዝተኻፈሉ ኤርትራውያን ዜጋታት ኣንጻር ረብሓ ሃገሮም ክቃለሱ ዘዋፈሮም፣ ፈታውን ጸላእን ኣነጺርና፣ ንኹሉ ሕቶታትና ዳግመ ጠመተ ክንገብር፣ እቲ ዘመተ በቶም ጃንዳታቱ፣ ስላምን ቅሳነትን ክንስእን ዝትጸወዐ ሰልፊ ብሸለልትነት ንርኦ ኣይኮነን። መኸተና ክሕይልን ነቲ ክውሰድን ዝኽእል ስጉምታት ዝግምግም ኣቐዲሙ ብዕለት 20.02.2010 ኣብ ከተማ ሽቱትጋርት ሓደ ኣኼባ ኣካይድና። ድሕሪ እኼባና እቲ ኩነታት ካብ ዝገምገምናዮ ንላዕሊ ናህሪ ኣብ ዘይተጸበናዮ መድረኽ ስለ ዝደየበ፣ ብወገና ብህጹጽ ስጉምትና ኣመዓራሪና ኣድላይ ዝስምዖም መልስ-ግብሪ ክንወሰድ ኣገዲዶሙና። ድሕሪ ምስ ኣብዛ ሃገር ዝርከቡ  ወይ ዝምልከቶም ኣካላት ምዝርራብ ጸረ እቲ ብሃሱሳት ዝተወስደ ተግባር እንታይ ክኸውን ከም ዘለዎ እቲ ሕጋዊ ጎድኒ ብምዕሩይን ፍትሓውን ዘሰኒ መደብ ኢና መዲብና። ስለዚ ሓንቲ ጸረ-ገበን እትቃለስ በርገሳዊት ማሕበር ኣብ ምምስራት ድማ ንርከብ። ንኹሎም ኣብ ተፈላለያ ከተማታትን ኣብ ሃገራት ኤውሮጳን ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ድማ ንዝውሰድ ስጉምቲ ኣድማዒ ክኸውንን፣ እንወስዶ ስጉምቲ ኩለመናዊ ክኸውን፣ ረብሓና ዘደንፍዕ ጸረ-ገበን ማሕበር ከመይ ገይሮም ኣሓትን ኣሕዋትን ከም ዝምስርቱን ቀጺልና ክንሕብር ኢና።
 
ሰልፈኛታት ኣንጻር እገዳ ኣብ ጀነቭነቲ ዝተኻየደ ዘይሕጋዊ ስጉምቲ ተኻፈልቲ ሰልፊ ጀነቭ መታን ክንምክቶ ሲቪላውያን ማሕበራት ኣብ  ኩለን ከተማታት ክምስረታ ኣለወን። ሲቪካውያን ማሕበራት ዛጊድ ኣብ መላእ ጀርመንን ኣብ ኤውሮጳን ኣመሪካ’ውን ኣለዋ። ንመሰል ዜጋን ሰብን ምግሃሱ ዘነጽራን፣ ከይገሃስ ዝቃለሳን፣ ፍትሕን ሕግን ዝዓሰሎ ሃዋሁ ክህሉ ዝምክታ፣ ናይ መንእሰይ ረብሓ ዝጠበቓ፣ ናይ ማዕርነት መሰል ክኽበር ዘነጽራ፣ ናይ ሞያውያን መሰል ዝጣበቓ ሲቪካውያን ማሕበራት ይዕንብባ ኣለዋ። ሕጂ ግን ብወገና ናይ መልሰ-ግብሪ በርገሳዊ ማሕበር ኢና መስሪትና። ጸረ-ገበን ማለት ድማ ሓቀኛ ጠለባትና ዘነውር ጽዩፍ ሓሶት ኤርትራዊ ባህሊ ንምንጻር ኢዩ ዕጥቅና። ምስቶም ዝምልከቶም ድማ ኢድን፣ ባይዛ ኢድን (ጓንቲ) ኮይና ኢና ክንነጥፍ። እቲ ሰልፊ ዕላምኡ፣ ባይታ ስደተኛታት ከዕኑ ስለ ዘተኮረንን ንረብሓ ሃገር ስለ  ዘይተዋፈራን፣ ወይ ድማ ኣብ ካልእ ዕማማት እውን ንረብሓ ሃገር ስለ ዘይተዋፈራ ነቲ ስርዓተ-ኣልቦ ብሕጋዊ መስመር መታን ኣጻብዕቱን ኣጻብዕቲ ወይጦታቱ ክቖረጻ፣ ንሃሱሳቱ ክንጸርጎም ይግባእ።
 
ተቓወምቲ ውድባት ኣብ ፖለቲካዊ ባይታ ተዋፊረን ስለ ዘለዋ፣ ንሕና እውን ደገፍና ንዓታተን ዘደንፍዕን ጽጹይን ጡጡሕ ባይታ ክህልወን፣ ኣብ ጎድነን ኮና ኢና ክንምክት መዲብና። ሓገዘን ከድልየናን፣ ናህና ንጡፍ ተራ ድማ ንጉዳይና ዘነጽር መስርሕ ስለ ዝኾነ ንረብሓ ቃልስና ዘደንፍዕ ባይታ ኢና ነንብር ዘለና። እዛ ሕጂ ነቑማ ዘለና ማሕበር ዕማማ ኣብቲ ዝተጠቕሰ ኣርእስቲ ዝቐንዕ ኢዩ ክኸውን። ኣንጻር ዘይጽፉፍ ገበናት እትቃለስ ማሕብር (Civil courage and civil action = Zivilrechtliche Klage) ዝዕላምኣ ኢዩ ክኸውን። እተን ናይ ተቓወምቲ ውድባትን ሰልፍታትን ንኹሉ ዜጋ ንደገፍቲ ህ.ግ.ደ.ፍ. እውን ከይተረፉ ብቕሉዕ ኣብ ዲሞክራሲያዊ ባይታ ወሪዶም ብማዕረ ርእይትኦም፣ ኣንጻር ጸቕጥን ግፍዕን ተቓውሞ ብሰልፊ ክገብሩ ኢየን ዝጽወዓ ነይረን። ንተቓዋሚ ኮነ ንደጋፊ ኣብ ከርሲ ሃገሩ ኮነ ኣብ ግዳም ዘፍቅድ መርገጺ ዝኣምናን ጽፉፍ ደሞክራሲያ መትከል ስለ ዝኽተላ፣ ኣንጻረን እውን ክምክተን ንዝደሊ ሕግን ፍትሕን ብዝጠልቦ መስርሕ ሓንጎፋይ ኢለን ኢየን ዝቕበላ። ንጹርን ሕጋውን መሰል ዜጋ ከም መትከል ዘንበርኦ፣ ቅሉዕን ግሁድን ኣበሃህላ ድማ ይድግፋ። ኣንጻር እዚ ሰልፊ ክምክታ ይድለያ እንበር፣ ከም ወከልቲ ህዝቢ ኮይነን ክዓማን ክሰርሓን ስለ ዝጸንሓንን፣ ኣብዚ ኣርእስቲ እዚ ከም ፖለቲካዊ ሕቶ ክዋስኣ ጥራይ ዘይኮነስ ኣንጻረን ንዝቃለስ ኣብ ዲሞክርዊያዊ መትከልን ፍትሕን ኣሚኑ ዝምክተን ከም ዕላማ ኣብ መደበን ኣስፊረንኦ ኣለዋ። ባሓትን ገባትን ጥራይ ኢየን ዘይቅበላ።
 
ገለ ኣብ ምምራሕ ዝርከቡ ኣባላትን ስድርኦም ከይተረፋ ተነጺለን፣ ብፍርሕን ራዕድን ክኸውን ይኽእል፣ ነቲ ዲክታቶር ደጊፈን ዘይኮነስ፣ ከይተረድአን ዝተኻፈላ ነይረን። ናይ ምርዳእ ዓቕሞም ስለ ዝተኣማመኑሉ፣ ነቲ ናይ ስድራ-ቤታዊ ቅርጺ ሓልዮምን ነቲ ዝተፈጥረ ወጥሪ ብኸመይ ከም ዝፈትሕዎ ስለ ዝተኣማመኑ ንግዜን ኩነታት ጥራይ ገዲፎሞ ይርከቡ። ናይ መጀመርታ ዕንቅፋት እውን ኣይኮነን ኣጋጢምዎም። ኣብ ፈስቲቫላት ህ.ግ.ደ.ፍ. ክካፈላ ከለዋ፣ ሸለል ምባሎም ዕላምኦም ስለ ዝሰሓቱ ኮይኑ ክንበብ ኣይግባእን። ይኹን እንበር ኣብቲ ንቡርን ቅቡልን ርክባት ህዝቢ ክምለስ ኢሎም፣ ነቲ ነቓዕ ክጽግኑ ፈቲኖም። ግን እንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ. ካብ ነቓዕ ናብ ምሕምሻሽ ስለ ዘድህቡ፣ ናይ ስላም ጻውዒት ተረዲእዎም ኣይፈልጥን። ንኹሉ ስለማዊ ጻውዒት ከም ፍርህን ራዕድን ገይሮም ኢዮም ዘንብርዎ። "ናይ ውልቂ ናጽነተይ ክጥቀመሉ ኢየ" ንዝብል ዓሻ ስጉምቲ ምእንቲ ምዝራግ ስድራ-ቤት ከይዓርግ፣ ብኣንጻሩ በደል ኣብ ልዕሊ ደቆም ከወግዱ ብትዕግስቲ ምሕላፎም፣ ኣብ መጻኢት ኤርትራ ዘለዎም ናይ ዲሞክራሲ ባህሮም ዘነጽር ኢዩ በሃልቲ ኢና። በቲ ዝተፈጸመ ግን ከም ዝጎሃና ክንሕብር ንመርጽ። እዚ ድማ ለባም ስጉምትን ሓያል ተጻዋሪ ብቕዓተን ዘይመረጽዎ ክውሕጡ ምኽኣሎም ፈታሕቲ ሽግራት ምስ ስነ-ጥበቡ ሙዃኖም የረጋግጽ።
 
ንህ.ግ.ደ.ፍ. ክትምክት ኣብቲ ዝዘርገሖ መርበብ ኣቲኻ ብጠነጉ ተሓሊኽካ ክትእሰር፣ ፍታሕ ስለ ዘይኮነስ፣ ከመይ ትምክቶ ምፍላጥ ፖለቲካዊ ስነ-ጥበብ ኢዩ። ግን ትኸዶን ተተግብሮን ንጹር ገምጋምን ዕላማን ዘስሕት ክኸውን የብሉን። ቅድም እውን ዘይተነጸረ ገለ ናእሽቱ ኣይነበረን ክንብል ኣይንኽእልን። ሎሚ ግን ኣብቲ ዘይጽወር ባይታ ኣቲና ኣለና። እታ ናይ መጨረሽታ ፈትሊ ኢያ ተበቲኻ። ምስ ህ.ግ.ደ.ፍ. ናይ ሓባር ባይታ ነይሩና ኣይፈልጥን። "ምእንቲ መጎጎ ትሕለፍ ኣንጭዋ" ንብለሉ ደቀቕቲ ነገራት ነይረን ይኾና። ግን ኩሉ ትዕግስታዊ ስጉምትታትና ኣብ ገለስ ጉድለት ነይርዎ ኢዩ። ሕጂ ዝሓለፈ ይኣክል፣ ስጉምትና ነመዓራሪ። ሓባልን ዘባልን ይተኣለ።
 
ንሕና ውድባትን ዘይውድባትን ኣብ ስደት እንነብር ኤርትራውያን ዜጋታት በቲ ብኣሓትናን ኣሕዋትናን ዝተወሰደ ኣዕናዊ ፍጻሜ፣ ኣብ ልዕሌናን ኣብ ልዕሊ እቶም ዓያሱ ብሓባር ዝወርድ፣ ክሳብ ቃል ቃል ዝብል ክንጽበ ኣይንመርጽን፣ መዕለቢ ክንገብረሉ ድማ መዲብና። ንምክልኻል በርገሳዊ ህዝብና ክንብል መካላኸሊ መስርሕ ክንክተል መሪጽና (civil defense mechanism)። እታ ትቐውም ማሕበር ነተን መሳርሒ ማሕበራት ህግደፍ ብብሕቲን ብኡክብን ከተራኻኽበለን መሰልን ጸግዕን ክህልዋ ኢና ንድርዓ ዘለና። ህግደፍ ትንዕ ክሳብ ዝብል ምጽባይ፣ ፍግኣኒ ኢልካ ምዕዳም ኢዩ ዝቑጸር። ስለዚ መኸተና እንታይ ክኸውንን ከመይ ዝበለ ክኸውን ንምንጻር ድማ እንሆ፡-

  1. በርገሳዊ ትብዓት ንረብሓ ዑቕበኛታት (Civil courage = Zivilcourage ) ክትገብር ሓንቲ በርገሳዊት ማሕበር  ማለት (Bürgerliche Gesellschaft = Civic Society) ክንምስርት ኢና።
  2. ነተን ከም ማሕበረ-ሰብ ቆይመንን ብስም ስደተኛታት ዝንቀሳቐሳ ናይ ህግደፍ መሳርሕን መራባሕቲ ሸርሕታት ከም ዝኾና ዘቃልዕ መሰል ክንጥቀመሉ ንኽእል። ኣጽፋር ተልእኮ መንግስቲ ኢየ ባሃሊ ኣጽፋሪ ክንከልእ መትከልን ፍትሕን ዘውሓሶ መንገዲ መሪጽና።
  3. ሕጋዊ መዳይን ጸግዕን ድማ ንኽተል። ኣብ ፍትሓዊ ባይታ ረጊጽና ጸረ-ሽፍታ ንገጥም።
  4. ንኣብ ዘለናዮ ሃገር ናይ ዑቕባ ሕቶን መሰል ብሓሶትን  ምትላልን ዝብል ሜላ ተጠቕሞም ክሳብ ብገበን ዘድምዑልና ዝጻወቱሉ ባይታ ፈጢሮም ንመሰል ዑቕባ ዝዘርጉ ምግላጽን፡ ነቲ ናይ ዑቕባ ወሳኒ ኣካል ሓቅን ጭቡጥን መጎተና ንሕብርን፣ ነቶም ተላኢኾም ኣብ መንጎና ዝርከቡን ነቃልዕን ሰረቶም ንቡርቅቕን። 
  5. ቆንላዊ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዘይሃገሩ ቀረጽን ካልእ ጠርቅን (2% ክልተ ካብ ሚእቲ) ዝእክቦ ዘይሕጋዊ ንምክልኻል ዓቕሚ ይህልወና። ሕቡእ ኣጀንድኡ ድማ ነቃልዕ።
  6. እዘን ዝተጠቕሳ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ተወሳኺ ካልኦት ዘይተገልጻ ምኽንያታት ክህልዋ ስለ ዝኽእላ፣ እተን ኣብ ከከተምኡ ዝምስረታ ማሕበራት ካብቶም ሃሱሳት መታን ክዓርፋ ሰላምን ቅሳነትን ክረኽባ ኩሎም ኣባላተን ነጢፎም ክቃለሱ ዘታባብዕ ሕጋዊ መስርሕን ምንቕቓሕን ከካይዳ ናይ ሓባር ተመክሮ ክልውዋጥ ክህልውና ኣለዎ።

ንሕና ኣብ ዙርያ ዳርምሽታት (Darmstadt Bezirk) እንነብር ኤርትራውያን ዜጋታት ድሕሪ ጽፉፍ ምግምጋም እንሆ ኣብ ሙቛም እታ ትድለ ማሕበር ኣብ ንነጣጠፍ ኣለና። ስለምንታይ ግን ከምኡ ክንገብር ተበጊስና። ብሩህ ይኹን እንበር ገለ ንምጥቃስ፡-

  1. ሰላማዊ ሰልፊ ከይግበር ተደጋጋሚ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢ ማዕዳን ለበዋን እንተ ተዋህበ፣ እሞ ንረብሓ ህዝቢ ዘይኮነስ፣ ኣንጻር ስደተኛታት ከም ዝኾነ ይተሓበር እንበር ከም ልኡኻት ህግደፍ ዝመጸ ይምጻእ ንመንግስትና ኢና ንውክል ዝብል ጸማም ኣዓናዊ መስመር ክኽተሉ ስለ ዝመረጹ፣ ኣብ መጻኢ ድማ ካልእ ኣማራጺ ዕድል ስለ ዘየለ፣ ነዚ ዝጠቐስናዮ ስጉምቲ ክንወስድ ወሲና።
  2. ናይ ጀርመን ዘግነት ስለ ዝወሰድና ኣብ ልዕለና ክወርድ ዝኽእል ወይ ዝትንክፈና ነገር ክህሉ ኣይክእልን፣ ዝብል መስመር ተኸቲሎም፣ ነቲ ኣብ ከርሲ ሃገር መሪርዎ ዝስደድ ዘሎ ናይ መንእሰይ ዋሕዚ፣ ኣብ ዝዓለቦ ክሓስሞን ክመሮን፣ ልዕሊ ኩሉ ድማ ንዋሕዚ መንእሰያትን ክዕንቅፉ ናይ ሳዋ ግዙኣት ኮይኖም ክቕጽሉ ስለ ዝመደቡ ኢዮም ኣብ ግዳም ብሕቡእ ዝተዋፈሩ።
  3. ዜግነት ይሕተቱ እንበር፣ ኣብቲ ዜግነት ዝሓተትሉ ቀጥዕታት ዝፈረምዎ ናይ መታለሊ ክታሞም ከም ቀለም ገና ስለ ዘይነቐጸ፣ ማለት ከም እሙን ዜጋ ጀርመን (Loyalität Erklärung) ክኸውን ኢየ ዝብል፣ ብጫን ሰማያውን ሰነድ ብሓሶት ከም ዝኽተሙ መረጋገጺ ጭብጥታት ስለ ዘለናን፣ ብተወሳኺ ድማ ናይ ዑቕባ ሓተቲ ኮይኖም ግን ብኣንጻሩ ንረብሓ ኣስመራ ስለ ዘገልግሉን፣ እቲ ኣብ መጀመርያ ዑቕባ ዝሓተቱሉ እዋን መንነቶምን ወይ ዝሃቡ፣ ሓበሬታ ምስናይ ሕጂ መንነቶም ኣይቃዶን። ሓደ ሰብ ክልተ መንነት። ናብ ጀርመን ክመጹ ዝሃብዎን ዝመልእዎን ሓበሬታ ከም ሰነደ ኣብ ኤምባሲ ጀርመን ኣስመራ ኮነ ኣብ ናይ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳይ ጀርመን ብንጹር ስለ ዝርከብ ነቲ ዝተፈላለየ ሓበሬታት ከም ገበን ኣልዒልና መንነት እዞም ሃሱሳት ንምቅላዕ ጸገም የብልናን።
  4. ብመጀምርያ እቶም ዝነጣጠፉ ዝነበሩን ንሰልፊ ዝዕድሙን ኣባላት ህግደፍን ንዘይኣባላት ብተሌፎን ኣጸምዮምን ተሞኽልዮም ብምድዋል፣ ከምኡውን ተወሳኺ እንዳ ተቓወምቲ ብምድዋል ነጻጺሎም ንስድራ-ቤታት ክፈላልዩን በጃኽን ተኻፈላ፣ በጃኹም ተኻፈሉ ክብሉ ምብትታን ስድራታት ምክያዶም ስለ ነረጋግጽን፣ ነቲ ዘይግቡእ ወፍሮኦም መግትኢ ክንገብረሉ መዲብና። ጸረ ብሕታዊ ሕግን፣ ናይ ሰብ ምግሃስን ባህሮም ምቅላዕ።
  5. ብዓንቀጽ ናይቲ ብቤት ምኽሪ ጸጥታ (UN Security Council) ዝወጸ እመማ ዓንቀጽ 1907 ምስ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ገንዘብን ረብሓን ከይካየድ ዝብል ጥሒሶም ንነፍስ ወከፍ ዘይተኻፈለ ዜጋ ድማ 30 ናቕፋ ክፈሉ ክብሉ ካብ ገዛ ንገዛ እንዳ ተንቀሳቐሱን እንዳ ዞሩን ገንዘብ ይእክቡ ስለ ዘለዉን፣ እዚ ዘይሕጋዊ ገንዘብ ምምንዛዕ ብኣፍልጦ መንግስቲ ጀርመን ወይ ክፍሊ ፋይናንስ ዘይተፈቕደ ስለ ዝኾነ፣ ብፍላይ ድሕሪ እቲ ሰልፊ ንህግደፍ እውን ካልእ ገንዘባዊ ደገፍ ንጉጅለ ኣስመራ ዝምጦ ክእክቡ ብጭቡጥ ምጅማሮም ክረጋገጽ ተኻኢሉ። መንንቶም ኢዮም ኣነጺርና ፈሊጥና ኣለና።
  6. ገለ ኣሓት ካብ ፍራንክፈርት ብቪዛ ንሱዳን ካርቱም ወሪደን ቀጺለን ብሕቡእ ኣብ ናይ "ፈንቅል ጽንብል" ክካፈላ ብናስ ኣየር በረራ ንባጽዕ ወሪደን ቃለ መሕተት ክገብራ ብተለቪዥን ኤርትራ ተዘርጊሑ ስለ ዝተፈነወ ዝተመዝገበን ሓቅታት ከም ጭብጢ ተታሒዙ ኣሎ። እዚ ዓሻ ተግባር ንእተን ዝፈጸምኦ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ብሓፈሽኡ ንሃገራዊ ሕቶ ስለ ዘበርዕና ከንጋልጾ ኢና።
  7. ቁጽሪ ናይቶም ዝተኻፈሉ ዜጋታት ኣዝዩ ብርኩት ብምንባሩ፣ እሞ መንግስቲ ኤርትራ ጨፍላቕን ረጋጽን ኢዩ ክብሉ ዝጸንሑን፣ ገለ እውን ኣብ ናይ ስነ-ጥበባዊ ጉጅለ ህግደፍ ዝነጥፉ ዝነበሩ ልኡኻት መንነቶም እንዳ ተጋህደ ዝመጸን፣ ነቶም ብሓቂ ሃገሮም ፈትዮም ክበጽሑን ምስ ስድራ ቤቶም ክትሓቛፉ ዝደልዩ፣ ሃገሮም እንዳ ተራእየቶም፣ ከይበጽሑ ዝተኣገዱ ንጹሃት ተቓወምቲ ኣብቲ ዝነብሩሉ ቦታ እጥቂዕካን ,,ክውዕን ብማንካ ክዝሕልን ብኢድካ“ ዝብል በለጽ ተሓቢኦም ተሞኽልዮም ዝኣትዉን ንብረት ህዝብን መሬትን ዝገበቱ ክንቃለሶም ስለ ዝመደብናን።
  8. ምስ ኣሓዋቶም ከይራኸቡን ሰላምታ ከይለዋወጡን፣ ኣብ መውስቦን ውራይን እውን ብሓባር ከይርከቡን ስለ ሕቡእ ምስጢራዊ ኣዋጅ ዝዝርግሑን፣ መዋፈርቲ ጽልእን ቅርሕንትን ኮይኖም ንህዝብ ዝፈላልዩ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ ኮነ ክሳብ ሕቡእ ናይ ወገን ምፍልላይ ዝዋሩን፣ ነዚ ጸረ ሃገር ዝኾነ ስጉምቶም መግትኢ ክንገብረሉ መዲብና። ሓድነትና ዘላሕልሕ ጻውዕት ኣይንጻወሮን።
  9. ኣብ ከተማ ዳርምሽታት ምስቲ ውሑድ ቁጽርና 40 ዝኾኑ ብፍርሕን ብሕቡእ ጎስጓስ ተጸልዮም ,,መኸተ ሰልፍና ምስ መከተ ረፈረንዱም ማዕረ ኢዩ“ ዝብል ናይ ሓሶምት ወፈራ ምስቲ ሂትለራዊ ጎስጓስ (Agitation) ዝወዳደር እንዳ ኣፈራሪሕካ ቁጽሪ ክም ዝብርክት ዝተሰርሓሉ ሜላ ጌና ክነጣጠፍ ከሎ ተኻታቲልናን ዘጽናዕናዮን ከም ሓበሬታ ጭቡጥ መረጋገጺ ስለ ዘሎን ኢና ከም ምርኩስ ጭብጥታት ኣኪብና ተበጊስና።
  10. ኣብ ከርሲ ሃገርና ኣንጻር ዓጸቦን ሕሉፍ ድኽነት ጥራይ ዘይኮነስ፣ ንመንግስትና ንድግፍ ዝብል ሰላማዊ ሰልፊ ዘየፍቅድ ጉጅለ፣ ከመይ ገይሮም ንቲ ኣብዘን ዲሞክራስያውያን ሃገራት ዘሎ ዕድል ተጠቒሞም፣ ዝበልዑሉ ጻሕሊ ክሰብሩን፣ ነተን ዘአንግዳና ሃገራት ከነውሩን ምፍታኖም ከነቃልዕ ኢዩ መደብና።
  11. ነቶም ኣብ ሊብያ፣ ኣብ ግብጺ፣ ኣብ እስራኤል ዘለዉ መንእሰያት ብሕቡእን ብስውሩን ተመሳጢሩ እንዳ ጓረተ ክመልሶምን ከሎ ኣንጻሩ ሰላማዊ ስልፊ ክገብሩ ዝግበኦም ዝነበር ግብእ ናይ  ዑቕባ ሓታቲ ጎስዮም፣ ብኣንጻሩ ንዲክታቶር ምድጋፎም ምቅላዕ። ከም ሓቀኛ ናይ ዕቕባ ሓተቲ ጸረ-ምልኪ ክቃለሱ ዝግብኦም ክንሱ፣ ንኢሰያስ ኣኽብደሎም ክብሉ ኢዮም ዝጽውዕዎ ዘለዉ።
  12. ንማሕበረ-ሰብ ዓለም ክንምክት ኢና ዝብል ናይ ውግእ ኣውያት ምስምዖም ዘስደምም ገበኖም ከም ዝበርህ ክንገብር ኢና ተዋፊርና። ዓለም ኣብ ጎድኒ ህዝብና ክትከውን እውን ንዕድም።
  13. ኣብ ኤርትራ ናይ ናብራ ሕሰምን ዓጸቦን ምህላዉ እንዳ ፈለጡ ንጨቋኒ ምድጋፎም።
  14. ብዘይ ፍትሒ ዜጋታት እንዳ ተኣሰሩ እንዳ ጠፍኡን ኣብ ንገብሮ ሰላማዊ ሰልፊ ከይካፈሉ ግን ብኣንጻሩ ንዲክታቶር ደጊፎም ምክፋሎም ጥሩፍ ጠባዮምን ናይ ነፍስ ወከፍ ተግባር ምቅላዕ።
  15. ኣብ ሃገር ተሓቢኦም ዝበጽሕዎ ከይኣኽሎም። ብሕቡእ ኣስማትናን ኣስማት ስድራ ቤትና ብፍላይ ኣብ ሃገርና ንዝርከቡ ኣሓትናን ኣሕዋትን ዘቃልዑ ስለይቲ ኢዮም። ተሓቢኡ ንኤርትራ ኣብ ሰንዱ ,,ብምልእ ዓለም ብዘይካ ንኤርትራ“ ዝብል ውዕል ጥሒሶም ስለ ዝንቀሳቐሱ ምቅላዕ።
  16. ገለ ስንኩላት ኢና በሃልቲ ተጋደልቲ ነበር ነቶም ኣብ ማይ-ሓባር ብጥይት ዝተቐንጸሉ ኣብ ክንድኦም ተወኪሎም ዝቃለሱ፣ ብኣንጻሩ ሓንከስ እንዳ በሉ ዲክታቶር ክድግፉ ናይ ገበን ገበን ኢዩ። እቶም ስነ-ጥበባዊ ክእለቶም ንህ.ግ.ደ.ፍ.ዝለገሱ፣ ኣብ ስደት እውን ንረብሓ እዚ ኣዕናዊ ሰልፊ ተዋፊሮም ዝነጣጠፉ ኣለዉ። ህዝባዊ ባህሪ እንተ ዝህልዎም፣ ከምይ ናይቶም ዝሃልቁ ዘለዉ መንእሰያት ዘይገጥሙሎምን ዘይዘይምሎምን። ወፍሪን ካልእ ኣጀንዳ ስለ ዘለዎ፣ ኣብ ኣገልግሎት ውልቀ-ሰብ ኢዩ ሕቕፎም። ኣብ በዓላት ፈስቲቫላት ክደርፉን ክለሃዩን እውን እኮ ተዓዚብና ኢና።

ኩቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን፣ ኣብ ከርሲ ሃገርና ዘሎ ዝተረግጸ ህዝብና ተረሲዑ፣ እንሆ ብዘይፈልጥዎ ናይ ናብራን ጣዕምን ዝዘቕበቡ ሸፋቱ ከደልድሉን ከማዕብሉን ዝተዋፈረ መልእኽቶም፣ ቁጽሮም ውሑድ ይኹን እንበር ብኣታቶም ተረጊጽናን ሕውነትና ተበኪሉ ስለ ዝርከብ፣ ህይወት ህዝብና ኣብ ንቡር ምምላስን፣ ንድሕነት ሃገርና ክንምክትን ክንቃለስ ናይ ግድን ይኸውን። ኣብ ሜዳና ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣትያ ውግእ ካብ ከፈተት፣ ብዘይካ ምምካት ካልእ ምርጫ የብልናን።
 
እቶም ኣብ ከከተምኡ ከምዚ ናትና ማሕበር ከተቑሙ ትደልዩ ኣብ ቀጻሊ ናይ ኣድራሻን ኢመይልን ክንዝርግሕ ምዃንና ንሕብር። ኣብ መላእ ጀርመን ድማ ናይ ሓባር ጥምረት መታን ክህልውና ንሰምረሉ ኣድላይ ስጉምቲ ተመያይጥና ዋዕላ ክንጽውዕ ኢና። ጉዳይ ሃገር ኣብ ተቓወምቲ ውድባት፣ ይወደቡ ወይ ኣይወደቡ ተራ ነፍስ-ወከፍ ክነጥፍ ዝዕድም መስርሕ ኢዩ ዝካየድ ዘሎ። ህዝቢ ዘይተሓወሶ ቃልሲ ክዕወት ኣይክእልን።    

ንመሰል ኤርትራውያን ስደተኛታትን ዑቕበኛታትን ትጣበቕ ማሕበር።
Bürgerliche Gesellschaft für die eriträische Gemeinde in Hessen.
 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...