ኢሰያስ ምስ መሻርኽቱን ንስደት ከም ሓደ ናይ ኢንዱስትሪ ማዕከን ትካል ኢዩ ዝሰርዖ። ናይ ገንዘብን ናይ “ሓደስቲ” መንእሰያት ደገፍቲ ኣብ ስደት ምስራትን ምምዕባልን፣ ንመጻኢ ቀጻሊ ፍሕሳ ገንዘብን ጉልበትን ክርከብ ምእንቲ፣ ክልተ ምንጭታት ከም ኣብ ሓንቲ ዓመት ጽምዲ ምህርቲ ትህብ ግራት ገይሩ ኢዩ ወሲድዋ። ብመጀመርያ ንመንእሰያት ከም ቀንዲ ጸላእቱን ጸረ-ስልጣኑን ገይሩ ስለ ዘንበሮም ኩሉ ተግባሩ ዳርጋ 80% ናብ መንእሰያት ዝቐንዐ ወራር ኢዩ ናይ ቀረባን ናይ ርሑቕን ሕንጻጹ።

ኣብታ ናይ ቀረባ መደቡ፣ መንእሰያት ኣንፈት መበቆሎም ንምጥፋእ፣ ካብ ወረስቲ ባህሎምን ያትኦም ከይኮኑ፣ እቲ ምስ ስድርኦም ተሓብሒቦም ዝዓብዩሉ መስመር ምብታኽ፣ ሳዋ ከም ቀንዲ መተግበሪት መደቡ ኢያ። ኣብዛ መዓስከር እዚኣ ኢያ እታ ቀንዲ ሓዳስ ኤርትራ ኢሉ ዝሰመያ ሕንጻጹ ትንጸር። ምህናጽ ሃገር ካብ ቁልዕነት ክሳብ ሓላፍነት ዝስከሙሉ፣ መንእሰያት ክልተ ወረስቲ ሃገሮም ዝገብርኦም መሰረታት ኣለዋ። ቀዳመይቲ ስድራ ቤት ክትከውን ከላ ከባቢኦምን ህዝቦምን ድማ ተደረብቲ ተኸተልቲ ኣሰር ዝገብረን ቀንዲ ነዳቕቲ ረቛሒታት ኢየን። ቀጺላ ትመጽእ ድማ ቤት ትምህርቲ ትኸውን። እዛ ትካል እዚእ ድማ ካብ ህዝቦም እንዳ ቀሰምዎ ዝዓብዩ ማሕበራዊ ፍልጠት ትሃንጽን ብግቡእ መንኖቶምን ተደልድል ወሳኒት መድረኽ ኢያ። ስድራ-ቤትን ከባብን ቤት ትምህርትን ዘይነጻጸላ ሃነጽቲ ሃገር ኢየን። ከድምየና ዝደሊ ኣካላ ድማ ንኩለን ነጻጺሉ ኢዩ ዝጎዛዝየና።

እቶም ደገፍቲ ህግደፍ ነቲ ሸርሒ ኢሰያስ ስለ ዘየስተብህሉሉ ዘይኮነስ ካብ ሰብ ንዋት ስለ ዝገዝኦም፣ ንሶም ኢዮም ቀንዲ መራባሕቲ ስደት። መንእሰያታ ተባሕጉግ ሃገር፣ (ኣብዚ ጠውቑ'ሞ ሕሰቡ እዚኦም እንተድኣ ተወዲቦም ክጠቕሙኒ እዮም ዝብል እምነት ኣለዎ ኢሳያስ ኣፈወርቂ) ክትጸንት ዝተመደበላ ጥራይ ኢያ ክትከውን ትኽእል። እዚ ኩሉ ንርኦ ዘለና ስቅያትን ጥፍኣትን ድማ ዓውዲ ሞት ደቅና ብዘይተኣደነ ቁጽሪ ክድይብ በብዕለቱ ንርኦን ንሰምዖን ዘለና ሓቂ’ዶ ኣይኮነን? ክሓቱ ምስጀመሩ ድማ ናብ ካልኦት "ሓደስቲ" ይሓልፍ።
  1. እዚ ኣብ ከርሲ ሃገር ሰላማዊ ሰልፊ ዘየፍቕድ ኣረሚን ጉጅለን ኢሰያስን፣ ደገፍቱ ኢና በሃልቲ ብነፋሪት ንሃገሮም ከይዶም ኣብ ከርሲ ሃገሮም ስላማዊ ሰልፊ ደኣ ዘየካይዱ? ንኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝቢ ስለምንታይ ጻውዒት ሰላማዊ ሰልፊ ዘይተፈቕደሉ? ንኢሰያስ መን ዝያዳ የርብሖ? እስኹም እዞም ኣብ ደገ ብሸፈጥ ትነብሩ።
  2. ደድሕሪ እዚ ጻውዒት ሰላማዊ ሰልፊ እንታይ ዝተመደበ ሕንጻጽ ኣሎ? ምምዝባል ስደተኛታት ከኸትል ይኽእልዶ? ናይ ዕቕባ ሓተቲ ኮነ ነቶም ካብ መዓስከራት ስደተኛታት ናብ ካልእ ሃገራት ዝጠልቡ መንእሰያት ኣብ ዘለዉ ይሃልዉ፣ ከርክበሎም ዝተመደበ ስጉምቲ’ዶ ክኸውን ይኽእል? 
  3. ስለምንታይ ኢዩ ተሎ ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ክትርከቡ ኣለኩም ዝብል ጻውዒት ብህጹጽ ክትግበር ዘድለየ? ብሓቂ ካብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝርከብ ፍረ ከመይ ዝበለ ክኸውን ይኽእል? ንህዝቢ ኤርትራ ቅዋም ዘይብላ ሃገሩ፣ ኣሞ ወካሊኣ ክትመርጽን፣ ንህዝቢ ዝመርሕ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ክተክል ዝሕግዛ ኢዩ ተባሂሉዶ ብኣባላት ሕቡራት ሃገራት ክንበብ ይኽእልዶ? 
  4. ሓጋጊ ኣካል፣ ፈጻሚ ኣካል፣ ፈራዲ ኣካል ዘይብላ እንኮ ሃገር ኤርትራ ጥራይ ናይ ደሞክራዊ ኣብነት ክትበሃል ዝሓለነዶ ኮይኑ ይስመዓኩም?
  5. ነቶም ኣብ ኤውሮጳ ዘለዉ መንእሰያት ሰላማዊ ሰልፊ ክግብሩ ዝጽውዕ ዝካየድ ሸቐጥ፣ ኣቕርብዎም ሓብሕብዎም ሃገሮም ኣይጸልኡ፣ ዘሰሓሕቶም ስለ ዝረኸቡ ኢዮም ዝብል ጻውዒት ዝገልጽ ንብዓት ሓርገጽ ሓቂዶ ይመስለሙም? ነቶም ኣብ ሱዳን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ምስሪ ኣብ ሲና ኣብ እስራኤል ዘለዉ መቐመጢ ሰነድ ዘይረኸቡ ደኣ ንምንታይ ጻውዒት ዘይተገብረሎም?
ሎሚ እቶም ቀንዲ ንኢሰያስ ደገፍ ክረክብ ዝሰርሑ መን ኢዮም ትብሉ? ምስቲ ስርዓት ዘሎ ዝምድንኦም ዘይተበትከ ከዳዓት ጸላእቲ ሃገር፣ ኤርትርውያን ኣሕዋትና ክንብል ምርካብና ኣየሕመናንዶ? ኣነ ንጹህ ኢየ፣ ንዓይ ኣይምልከተንን ዝብል መጎተ ኣይኮነን መግለጺየይ። ኤርትራ ናጻ ክትወጽእ ምስ እንደሊ ንጻህያይን ዕንቅፋትን ኣብ ዘሎ ይሃሉ ክንጽህዮን ክንኣልዮን ኣለና። ብስነ ጥበብ ዘገልግሉ ውልቀ-ሰባት ተግባሮም ከመይ ጌርና ክልውጡ ንጽበ? ሎሚ ስለ ዝሓመሙ ኣብዚ ተዓቒቦም፣ ውራይ ሕክምንኦም ከይገብሩ፣ ብስዉር ብዙሕ ሕንዝን ስምን ክዘርኡ ከም ዝውዕሉ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ንደንበ ኢሰያስ ከዕብዩን ሓዲሽ ምውድዳብ ከም ዘበርክቱ ክሰሓት የብሉን።

ኣብ ኣመሪካ ዘለዉ ናይ ዝተፈላለየ ክፍሊ ስነ-ጥበብ ኣባላት ህግደፍ ፍተዉ ጽልኡ ሎሚ እውን ተግባሮም ከምታ ቀደም ዝነበረት ኢያ ዘላ። ኩሉ እቲ ንዖኦም ሃገራዊ ናጽነት እሞ ናይ ሓቂ ናጽነት ክትዕንብብ ድልየት ኣለዎም ዝብል ርእይቶ ዘለዎ ሓው ወይ ሓብቲ ንሶም እቶም ከይጠመትናዮም ዝሓለፍና መንደህጽትና ኢዮም። ጥዑያት የብሎምን ዝብል ምሉእ ንምሉእ ዘቕርቦ ትንታኔ ኣይኮነን። ግን ንቲ ዝፍጸም ዘሎ ምጽናት መንእሰያት ንምንታይ ዘየዚሙሉን ዘይገልጽዎን? ሓዲሽ ወለዶ ዋርሳይዶ ወይስ በራሳይ ኮይኑ ኣሎ ምበሉ? ውራዮም፣ ኣብ ፈቐዶ መርዓን በዓላትን፣ ንህዝቢ ጉዳይ ሃገሩ ከም ዝርስዕ ዝገብሩ፣ ጸያሕያን ጥፍኣትን ንሶምዶ ኣይኮኑን? እስኪ ነቶም ቀንዲ ተዋፊሮም ዘድምዩና ነስተብለሎም። ኣነ ገለ ክሕብር መታን ከነለልዮም።
  1. ተጋደልቲ ነበራት ሎሚ ስንኩላት ከይተረፉ ንጉዳይ ሃገር ብናቶም መግለጺ ኢሰያስ ኢዩ መድሓኒና ዝብሉ ከይተረፉ ዘዳኽሩ ካብኦም ከም ዘለዉ ኣስተብህሉ።
  2. ንቤት ዘድሊ ወይ ንጌጽ (ብፍላይ ንደቂ ኣንስትዮ) ዝሸጡ (ወርቂ ሓሪጭ ዕጣን ክዳውንቲ ካልእ ቀንጠመንጢ) ገዛ ገዛ እንዳ ኣተዉ እንታይ ከም ዘላብዑ ትፈልጡዶ? ክሳብ ወገናውን ኣውራጃውን ሕማማት እንዳ ነዝሑ ንኣሓትና ኣብ ዘየድሊ ተግባራን መናፍሕን ከም ዝፍጽሙ ዘተግብሩን ተልጡዶ? ኣብ ውራይናን ኣብ ንግድትን ኣብ ፈስቱቫላት ከይተረፈ ንዲክታቶር ዝምልከት ጽሑፋት መጻሕፍቲ ካሰታት ክሸጡ ከለዉ እታ መደበር ቅጥፈት ዝኾነት ኣውገት (መሳርሒት ዓሊ ዓብዱ ዩኒስ) ነኽስባ ከም ዘለና ትፈልጡዶ? እዞም ገዛ ገዛ ዝዞሩ ዘይሕጋውያን ሸቃጦ ንብርቱዓት ንተቓወምቲ ዝኾኑ ብድሕሪኦም ኣብ ቤቶም ብምእታው ንሓደ ዘየለ በዓል ቤት ሰብኣይኪ ወይ ሰበይትኻ "ነውራም ስራሕ ጾታ ክጻወት ሪኢናዮ ወይ ሪኢናያ" ዝብል ኣብ ሓዳር ዕግርግር ኣእትዮም ንካብ ክልቲኦም ዝተወልዱ መንእሰያት ከይተረፉ በቶም ገለ ዘዋፈርዎም ሓንጎሎም ዝተሓጽቡ ቆልዑ እንዳ ጠወዩ ምብትታን ስድራ ቤት የተኣታትዉ። ካብዚ ዝኸፍአ ናይ ስድራ ቤታት ብዘይካ ህግደፍ ካልእ ከምኡ ዝገብር ኣሎዶ? (ፍትሕ ተኸታተሉ)። 
  3. እቶም ሸቃጦ “ስድራኻ ወይ ስድራኺ ኣብ ዓዲ ኣለዉኺዶ?” “ስምዒስኪ ስድራኺ መታን ከይምገቡን ሸሚቶም  ከይበልዑን ኣመሪካ እኽሊ ብመራኽብ ከይኣቱ ዕቃቤ የተኣታትዉ ኣለዉ”። “ስድራኺ ክጠምዩ ስቕ ኢልኪ ክትርኢ ዘይትደልዪ ኮንኪ፣ በጃኺ ኣብቲ ናይ ጀነቫ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻፈሊ” ክብሉን ብተወሳኺ ናታቶም ኣንስትዮ ሸቃጦ ኣዋፊሮም፣ ኣብ ጉዳዮም ዘይተወሰነ ናይ ዑቕባ ሓተቲ፣ “በጃኽን ኣደታት፣ ፈርማ፣ ሃገርክን ብኣመሪካ ብኢትዮጵያ ዳግም ክትውረር እያ” እናበሉ ወፈራ የካይዱ ኣለዉ። እዞም ሰባት እዚኦም ብዘይ ሕግን ብጸሊምን ዝሽቅጡን፣ ብካልእ መዳይ ድማ ካብ ማዕከን መንግስቲ ጀርመን ስራሕ ከም ዘይብሎም ገንዘብ ከም ዝቕበሉን እንዳ ፈለጥና፣ ሸለል ምባልና ንሃገርናን ንጉዳይና ንሃሲ ኣለና።
  4. ኣብ ውሽጢ ማሕበረ-ሰብ ወይ ማሕበረ ኮም ተቐርቂሮም ናይ ስለላ ተግባር ከም ዘካይዶ ትስሕቱዶ?
  5. ኣደይ ኣቦይ ኣብ ኣስመራ ክበጽሕ ዝብሉ፣ ብርግጽ ኩሎም ጥዑያት ዲዮም? ናይ ህግደፍ በዓላትን ናይ ኢሰያስ ጨፍገራታትን ኣድነቕቲ ጥራይ ኢዮም ክንብል ንኽእልዶ? 
  6. እዚ ኣብ ከርሲ ሃገር ሰላማዊ ሰልፊ ዘየፍቕድ ኣረሚን ጉጅለን ኢሰያስን፣ ደገፍቱ ኢና በሃልቲ ብነፋሪት ንሃገሮም ከይዶም ኣብ ከርሲ ሃገሮም ስላማዊ ሰልፊ ደኣ ዘየካይዱ? ንኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝቢ ስለምንታይ ጻውዒት ሰላማዊ ሰልፊ ዘይተፈቕደሉ? ንኢሰያስ መን ዝያዳ የርብሖ? እስኹም እዞም ኣብ ደገ ብሸፈጥ ትነብሩ።
  7. ደድሕሪ እዚ ጻውዒት ሰላማዊ ሰልፊ እንታይ ዝተመደበ ሕንጻጽ ኣሎ? ምምዝባል ስደተኛታት ከኸትል ይኽእልዶ? ናይ ዕቕባ ሓተቲ ኮነ ነቶም ካብ መዓስከራት ስደተኛታት ናብ ካልእ ሃገራት ዝጠልቡ መንእሰያት ኣብ ዘለዉ ይሃልዉ፣ ከርክበሎም ዝተመደበ ስጉምቲ’ዶ ክኸውን ይኽእል? 
  8. ስለምንታይ ኢዩ ተሎ ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ክትርከቡ ኣለኩም ዝብል ጻውዒት ብህጹጽ ክትግበር ዘድለየ? ብሓቂ ካብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝርከብ ፍረ ከመይ ዝበለ ክኸውን ይኽእል? ንህዝቢ ኤርትራ ቅዋም ዘይብላ ሃገሩ፣ ኣሞ ወካሊኣ ክትመርጽን፣ ንህዝቢ ዝመርሕ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ክተክል ዝሕግዛ ኢዩ ተባሂሉዶ ብኣባላት ሕቡራት ሃገራት ክንበብ ይኽእልዶ? 
  9. ሓጋጊ ኣካል፣ ፈጻሚ ኣካል፣ ፈራዲ ኣካል ዘይብላ እንኮ ሃገር ኤርትራ ጥራይ ናይ ደሞክራዊ ኣብነት ክትበሃል ዝሓለነዶ ኮይኑ ይስመዓኩም?
  10. ነቶም ኣብ ኤውሮጳ ዘለዉ መንእሰያት ሰላማዊ ሰልፊ ክግብሩ ዝጽውዕ ዝካየድ ሸቐጥ፣ ኣቕርብዎም ሓብሕብዎም ሃገሮም ኣይጸልኡ፣ ዘሰሓሕቶም ስለ ዝረኸቡ ኢዮም ዝብል ጻውዒት ዝገልጽ ንብዓት ሓርገጽ ሓቂዶ ይመስለሙም? ነቶም ኣብ ሱዳን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ምስሪ ኣብ ሲና ኣብ እስራኤል ዘለዉ መቐመጢ ሰነድ ዘይረኸቡ ደኣ ንምንታይ ጻውዒት ዘይተገብረሎም?
ሎሚ እቶም ቀንዲ ንኢሰያስ ደገፍ ክረክብ ዝሰርሑ መን ኢዮም ትብሉ? ምስቲ ስርዓት ዘሎ ዝምድንኦም ዘይተበትከ ከዳዓት ጸላእቲ ሃገር፣ ኤርትርውያን ኣሕዋትና ክንብል ምርካብና ኣየሕመናንዶ? ኣነ ንጹህ ኢየ፣ ንዓይ ኣይምልከተንን ዝብል መጎተ ኣይኮነን መግለጺየይ። ኤርትራ ናጻ ክትወጽእ ምስ እንደሊ ንጻህያይን ዕንቅፋትን ኣብ ዘሎ ይሃሉ ክንጽህዮን ክንኣልዮን ኣለና። ብስነ ጥበብ ዘገልግሉ ውልቀ-ሰባት ተግባሮም ከመይ ጌርና ክልውጡ ንጽበ? ሎሚ ስለ ዝሓመሙ ኣብዚ ተዓቒቦም፣ ውራይ ሕክምንኦም ከይገብሩ፣ ብስዉር ብዙሕ ሕንዝን ስምን ክዘርኡ ከም ዝውዕሉ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ንደንበ ኢሰያስ ከዕብዩን ሓዲሽ ምውድዳብ ከም ዘበርክቱ ክሰሓት የብሉን።

ኣብ ኣመሪካ ዘለዉ ናይ ዝተፈላለየ ክፍሊ ስነ-ጥበብ ኣባላት ህግደፍ ፍተዉ ጽልኡ ሎሚ እውን ተግባሮም ከምታ ቀደም ዝነበረት ኢያ ዘላ። ኩሉ እቲ ንዖኦም ሃገራዊ ናጽነት እሞ ናይ ሓቂ ናጽነት ክትዕንብብ ድልየት ኣለዎም ዝብል ርእይቶ ዘለዎ ሓው ወይ ሓብቲ ንሶም እቶም ከይጠመትናዮም ዝሓለፍና መንደህጽትና ኢዮም። ጥዑያት የብሎምን ዝብል ምሉእ ንምሉእ ዘቕርቦ ትንታኔ ኣይኮነን። ግን ንቲ ዝፍጸም ዘሎ ምጽናት መንእሰያት ንምንታይ ዘየዚሙሉን ዘይገልጽዎን? ሓዲሽ ወለዶ ዋርሳይዶ ወይስ በራሳይ ኮይኑ ኣሎ ምበሉ? ውራዮም፣ ኣብ ፈቐዶ መርዓን በዓላትን፣ ንህዝቢ ጉዳይ ሃገሩ ከም ዝርስዕ ዝገብሩ፣ ጸያሕያን ጥፍኣትን ንሶምዶ ኣይኮኑን? እስኪ ነቶም ቀንዲ ተዋፊሮም ዘድምዩና ነስተብለሎም። ኣነ ገለ ክሕብር መታን ከነለልዮም።
  1. ተጋደልቲ ነበራት ሎሚ ስንኩላት ከይተረፉ ንጉዳይ ሃገር ብናቶም መግለጺ ኢሰያስ ኢዩ መድሓኒና ዝብሉ ከይተረፉ ዘዳኽሩ ካብኦም ከም ዘለዉ ኣስተብህሉ።
  2. ንቤት ዘድሊ ወይ ንጌጽ (ብፍላይ ንደቂ ኣንስትዮ) ዝሸጡ (ወርቂ ሓሪጭ ዕጣን ክዳውንቲ ካልእ ቀንጠመንጢ) ገዛ ገዛ እንዳ ኣተዉ እንታይ ከም ዘላብዑ ትፈልጡዶ? ክሳብ ወገናውን ኣውራጃውን ሕማማት እንዳ ነዝሑ ንኣሓትና ኣብ ዘየድሊ ተግባራን መናፍሕን ከም ዝፍጽሙ ዘተግብሩን ተልጡዶ? ኣብ ውራይናን ኣብ ንግድትን ኣብ ፈስቱቫላት ከይተረፈ ንዲክታቶር ዝምልከት ጽሑፋት መጻሕፍቲ ካሰታት ክሸጡ ከለዉ እታ መደበር ቅጥፈት ዝኾነት ኣውገት (መሳርሒት ዓሊ ዓብዱ ዩኒስ) ነኽስባ ከም ዘለና ትፈልጡዶ? እዞም ገዛ ገዛ ዝዞሩ ዘይሕጋውያን ሸቃጦ ንብርቱዓት ንተቓወምቲ ዝኾኑ ብድሕሪኦም ኣብ ቤቶም ብምእታው ንሓደ ዘየለ በዓል ቤት ሰብኣይኪ ወይ ሰበይትኻ "ነውራም ስራሕ ጾታ ክጻወት ሪኢናዮ ወይ ሪኢናያ" ዝብል ኣብ ሓዳር ዕግርግር ኣእትዮም ንካብ ክልቲኦም ዝተወልዱ መንእሰያት ከይተረፉ በቶም ገለ ዘዋፈርዎም ሓንጎሎም ዝተሓጽቡ ቆልዑ እንዳ ጠወዩ ምብትታን ስድራ ቤት የተኣታትዉ። ካብዚ ዝኸፍአ ናይ ስድራ ቤታት ብዘይካ ህግደፍ ካልእ ከምኡ ዝገብር ኣሎዶ? (ፍትሕ ተኸታተሉ)። 
  3. እቶም ሸቃጦ “ስድራኻ ወይ ስድራኺ ኣብ ዓዲ ኣለዉኺዶ?” “ስምዒስኪ ስድራኺ መታን ከይምገቡን ሸሚቶም  ከይበልዑን ኣመሪካ እኽሊ ብመራኽብ ከይኣቱ ዕቃቤ የተኣታትዉ ኣለዉ”። “ስድራኺ ክጠምዩ ስቕ ኢልኪ ክትርኢ ዘይትደልዪ ኮንኪ፣ በጃኺ ኣብቲ ናይ ጀነቫ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻፈሊ” ክብሉን ብተወሳኺ ናታቶም ኣንስትዮ ሸቃጦ ኣዋፊሮም፣ ኣብ ጉዳዮም ዘይተወሰነ ናይ ዑቕባ ሓተቲ፣ “በጃኽን ኣደታት፣ ፈርማ፣ ሃገርክን ብኣመሪካ ብኢትዮጵያ ዳግም ክትውረር እያ” እናበሉ ወፈራ የካይዱ ኣለዉ። እዞም ሰባት እዚኦም ብዘይ ሕግን ብጸሊምን ዝሽቅጡን፣ ብካልእ መዳይ ድማ ካብ ማዕከን መንግስቲ ጀርመን ስራሕ ከም ዘይብሎም ገንዘብ ከም ዝቕበሉን እንዳ ፈለጥና፣ ሸለል ምባልና ንሃገርናን ንጉዳይና ንሃሲ ኣለና።
  4. ኣብ ውሽጢ ማሕበረ-ሰብ ወይ ማሕበረ ኮም ተቐርቂሮም ናይ ስለላ ተግባር ከም ዘካይዶ ትስሕቱዶ?
  5. ኣደይ ኣቦይ ኣብ ኣስመራ ክበጽሕ ዝብሉ፣ ብርግጽ ኩሎም ጥዑያት ዲዮም? ናይ ህግደፍ በዓላትን ናይ ኢሰያስ ጨፍገራታትን ኣድነቕቲ ጥራይ ኢዮም ክንብል ንኽእልዶ?  

(ከምቲ ንሶም ዝብልዎ "ሓድሽ" ነገር ኣይኮነን። ናይ ቀደም ታሪኽ ኣሎ)

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...