ቀዳማይ ክፋል
 
ሃገራውነት ዝተሰመየት መርዚስሱዕ ዲክታቶር ካብ በረኻ ኪኣትው ከሎ ሃገራውነት ዝተሰምስየት መርዚ ሒዙልና ኣትዩ፡ ንህዝቢ ዓይኑ ዓሚቱ ከኣ ከም ቁዱስ ቁርባን በብሓደ ኣፍና ከከፊቱ ኣኾሊሱና። ስጋብ ዓይንኹም ክፈቱ ዝብለኩም ዓይኑኹም ከይትኸፍቱ ኢሉና ሕራይ ኢልና ተጸቢና፡ ትጽቢት ነዊሕዎም፡ ዓይኖም ክኽፍቱ ዝጀመሩ ዓይኖም ዝምሸቱ ዓይኖም ተመሺቶም ሂላዊኦም ጠጠው ዝበለ ከኣ ውሑዳት ኣይነበሩን። ዓይናኻ ብዑሙቱ ግን ምስዕሳዕ ምጥቓዕ “ወዲ ኣፎም” ምባል ኣብ ዉሑስ ባይታ ጠጠው ዘብል ስለዝነበረ ኩሉ ደሪፉን ኣጣቂዑን።  ወይጉድ።
 
በል ሕራይ ናይ ሕሉፍ ሕሉፍ ኢዩ ሕጂ ግን ስልጣን ንህዝቢ ነረክበሉ ግዘ ስለዝኮነ ኮፍ ንበል ዑሙታት ኮይና ነዊሕ ግዘ ስለዝከደ ሕጂ ሰዓቱ አዩ በሃልቲ ኢና ዝበሉ ድማ ፈራሕ ኣይሓዝካ ከም ዝበሃል ተሓዚኦም ፈራሕ ኮይኑ ዕድሎም ኣይጸበቀን። እቲ ጥንሲስ ኩላትና ንጠንሶ እንተ ንሰዓዳ እሞ ኣዕበድበዳ ከምዝበሃል ንህግደፍ ይኹን መራሒኣ ደጊፍናን ኣጣቒዕናን ድሕሪ ሓምሳ ሽሕ ብብርኮም ዘስተንፍሱ መናእሰያትና ግን ቶባእ ትሩፍ ድሕሪ ደጊም ዝበልናሉ ህሞት ከም በዓል ሶፊያን ጊደዎንን ኣብ ቅድሚት ብምኻን ንሓላላት ኣደታትን ንዘይፈልጡን ንክፈልጡ ዘይደልዩን ዘይሓስቡ ለዋሃትን ንመንገዲ ደልሃመት ሒዞሞም ከምርሑ ምምራጾም እህህ ዘብል ኣብነት ምኻኖም ብጣዕሚ የሕዝን። ካብቲ ዝፈልጦ ብዙሕ ቁሩብ ገለ ክብል እሞ በዓል ሶፍዶውን ቁሩብ እንተ ተሰወጦም።

Modern Tyrants
 
ናይዚ ትዕቢተኛ ሱሱዕን ሓሳድን እርይ ቁጽር ኣቢልካ ዝውዳእ ኣይኮነን ግን ቁሩብ ነዞም ልቦም ተዓሚቱ ዘሎ እንተዘይከፈተሎም ሰም ከብሉ እንተሓገዞም እዘን ዝስዕባ ንጥብታት ክልግሰሎም። እዚ ኸኣ ስጋብ ክንደይ ጸረ ህዝብን ፈቃር ዝንኡን ምኻኑ ይሕብር።
 
  1. ኣብ 1991 ደቀምሓረ ምስ ተተሓዘት ሉኡኽን ኩርኩርን ናይ ፕረዚደንት ከምዚ ክብል ንህዝቢ ኣኪቡ ተዛሪቡ። "ህዝባዊ ግንባር አቲ ዝዓበየ ዕማሙ ሃገር ናጻ ምውጻእ አዩ ንክትፈልጡ ግን ካባኡ ዝዓቢ ዕማም ኣለዋ እሱ ከኣ ውግእ ምስ ነጋዶ አዩ።"
  2. ፍጻመታት ማይ ሓባር፣ ዓዲ ኣበይቶ፣ ዊዓ ናይ ኣደባባይ ሚስጢር ስለዝኮነ ኣይሰማዕኩምን ኣይብልን አንድዒ ከኣ።
  3. ኣብ 1999 ሳልሳይ ወራር ዝኣትወሉ ዝነበረ ጊዘ ኩርኩር ንራሻ ተላኢኹ ኣጽዋር ንክሽምት ዝሸማመት ሸማሚቱ ልዕሊ ሽውዓተ ሚትእቲን ሰላሳን ኣርባዕተን ሽሕ ዶላር $734.000 ኣትሪፉ ተመሊሱ ኩርኩር ማለት ከኣ ናይዝጊ ክፍሉ እዩ። በቦኣን በደኣን ትግራወይቲ ሰበይቱ፣ ሓረጉ ገብረማርያም፣ ምስ ክልተ ደቃ ማርታን ምርያምን ድማ ክልተ ገዛ ጌራ ሓደ ዝነብራሉ ሓደ ዘካርየኦ። ኣብዚ ሕጂ ተሓቢኡሉን ዝሕከመሉን ዝነበረ ኣብ ሃገር ሎንዶን ዓድ እንግሊዝ ምዃኑ እዩ።
  4. ኣብ መወዳእታ 2005 ተቃወምቲ ቁሩብ ዝና እንዳረኸቡ ምስ መጹ በዚ ዝረዓደ ፕረዚደንት ንመልኣከ ገረማርያም (ወዲ ፊተወራሪ) ዝገበርካ ጌርካ ቤት ጽሕፈታቶም ከምተዕጽዎ ግበር ምስተባህለ፡ ኣዛ ጉዳይ ከተግብራ ንሙስጦፋ እስማዒል (ኣማኻሪ መራሒ ሱዳን ዑመር ኣል በሺር) ምስ ተወከስዎ ክልተ ሚልዮን ዶላር $2.000.000 ሓቲትዎም ወዲ ፊተወራሪ ውረድ ደይብ ክብል ተፈተነ ሙስጦፋ ከምዚ ክብል መሊስሉ፡ ስማዕ ተን ሓደን ፈረቃን ናይ ረኢስ ወናኢብ ማለት ንዑመር ኣል በሺር ምስ ምክትሉ ምኻኖም'ዮም። እታ ፍርቂ ከኣ ናተይ ምስ በሎ በል ካብ በልካ ኣብታ ክፍሊት ናትካ (ጂዋ) ፍርቂ ፍርቂ ብምስምማዕ ብእኡ ወዲኦም። እቲ ዝተባህለ በት ጽሕፈታት ተቓወምቲ ናይ በዓል መስፍን ሓጎስ ሓዊስካ ብዘይ ወዓል ሕደር ከምዝዕጸው ተገይሩ። ወዲ ፊተወራሪ ድማ ርብዒ ሚልዮን ብሽም ወዱ ኣብ ኣመሪካ ኣትየን፡ ወዱ ኣብ በረኻ ዝተወልደ ማለት ኢዩ፡
ኣቱም ንደልሃመት ገጽኩም ተምሩሑ ዘለኹም እቲ 2% መእተዊ ናይ ዳንከራ ናይ ደቂ ስዉኣት ናይ መከላኽሊ እንዳተባህለ ዝምንጠል ዘሎ ገንዘብኩም መዓላኡ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ይጠፍእ ኣሎ።
 
መችም ነገሩ ብዙሕ አዩ ከምቲ ኣቦታት ዝብልዎ ስቕ ተበልና ከበደና እንተተዛረብና ከደና ሕጂ ግን ዕዝር ይበል ሙዱርጉሑ እዪ። ኣብ ዝመጽእ ንግዲ ድያሞንድ ብመንገዲ ሰይቲ ሓጎስ ገብረሂወት "ክሻ" ካበይ ናበይ ይከናወን ነይሩ ከምኡ'ውን መን'ዩ ወዲ ፊውተራሪ ኣብ ካልኣይ ክፋል ኪገልጾ አየ።
 
ንሎሚ በዛ ናይ ጆሞ ከንያታ ቢሂል ኪፋንወኩም
 
“ጸዓዱ ንሃገርና መጾኦም ከመይ ገርካ ዓይንኻ ዓሚትካ ከም ዝጽለይ ምሂሮምና፡ ሕራይ ኢልና ክንጽልይ ጀሚርና ዓይንና ምስ ከፈትና መረትና ኣብ ኢዶም መጽሓፍ ቁዱስ ኣብ ኢድና ኮይኑ ረኪብናዮ።” ሕጂ ኸኣ እቲ ኣብ ግዘ መግዛእቲ ተለጊሱልና ዝነበረ ፊትሒ መስል ተነፊጉና ስቂያት ብብርጭቖ ዘይኮነ ብርብዒት ንሕንፍፎ ኣለና።
 
ፈጣሪ ምሕረቱ የውርደልና፤ ኣሜን።
 
ሰብኣዊ ካብ ለንደን
 

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...